ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንውሉዳትካ እንታይ ኢኻ ኸተውርሶም ዚግብኣካ፧

ንውሉዳትካ እንታይ ኢኻ ኸተውርሶም ዚግብኣካ፧

ንውሉዳትካ እንታይ ኢኻ ኸተውርሶም ዚግብኣካ፧

ኣብ ደቡባዊ ኣውሮጳ ዚነብር ፓቭሎስ ዚበሃል ኣቦ ስድራ: ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ግዜ ዜሕልፈሉ እዋን ዳርጋ የብሉን። እዚ ሰብኣይ እዚ 13ን 11ን ዝዕድሚአን ኽልተ ኣዋልድን ወዲ 7 ዓመት ወድን ኣለዉዎ። ነቲ ዚምነዮ ንምፍጻም ዜኽእሎ ገንዘብ ምእንቲ ኺረክብ: ኣብ ሰሙን ሸውዓተ መዓልቲ ንነዊሕ ሰዓታት ይዓዪ። ንነፍሲ ወከፍ ኣዋልዱ ኣፓርታማ ኺዕድግ: ንወዱ ድማ ንእሽቶ ንግዲ ኪኸፍተሉ እዩ ዚደሊ። ብዓልቲ ቤቱ ሶፍያ ኸኣ ነዚ ተወሳኺ ኣባይቲ ዜድሊ እተፈላለየ ኣጭርቕቲ: ስርሓት ካይላ: ከምኡውን ኵስኵስቲ ትእክብ። ኣበርቲዖም ዚዓዪሉ ምኽንያት ኪሕተቱ ኸለዉ: ብሓደ ዘረባ “ንደቅና ኽንብል” ኢሎም እዮም ዚምልሱ።

ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብዙሓት ወለዲ ኸም ፓቭሎስን ሶፍያን ንደቆም ኣብ ናብራኦም ጽቡቕ ገይሮም እግሪ ንኼትክልዎም ዚከኣሎም ኵሉ ይገብሩ እዮም። ገሊኦም ንደቆም ዚኸውን ገንዘብ የቐምጡ። ገሊኦም ከኣ ውሉዶም ደሓር ኣብ ህይወቱ ዚጠቕሞ ብቑዕ ትምህርቲ ኸም ዚረክብን ክእለት ከም ዜጥርን ይገብሩ። ብዙሓት ወለዲ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ህያብ ከም መግለጺ ፍቕሮም ገይሮም እኳ ዚርእይዎ እንተዀኑ: ወለዲ ነቲ ኣዝማዶምን ፈተውቶምን ዚነብሩሉ ማሕበረሰብን ኪገብርዎ ዚጽበዮም ነገራት ንምምላእ ከቢድ ጸቕጢ እዩ ዚወርዶም። ስለዚ: በዚ እተጨነቑ ወለዲ ‘ንደቅና ክንደይ ዚኣክል ኢና ኽንገብረሎም ዘሎና፧’ ኢሎም ይሓቱ።

ንመጻኢ ምድላዋት ምግባር

ክርስትያን ወለዲ ንውሉዳቶም ምድላዋት ምግባር ባህርያዊ ጥራይ ዘይኰነስ: ቅዱሳት ጽሑፋት እውን ዚድግፎ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ወለዲ ደኣ ንውሉዶም እምበር: ውሉድ ንወለዶም መዝገብ ኪዘግቡ ግቡእ ኣይኰነን” በለ። (2 ቈረንቶስ 12:14) ብተወሳኺውን ወለዲ ዜድሊ ንምምላእ ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ገለጸ። “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓያሎ ጸብጻባት: ምስ ውርሲ ዚተሓሓዝ ጕዳይ ኣብቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ ግዜ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣገዳሲ ምንባሩ እዩ ዚሕብር።—ሩት 2:19, 20፣ 3:9-13፣ 4:1-22፣ እዮብ 42:15

ሓድሓደ ግዜ ግን ወለዲ ኣቓልቦኦም ኵሉ ንውሉዳቶም ብዙሕ ውርሲ ኣብ ምውራስ ይኸውን። ስለምንታይ፧ ካብ ደቡብ ኣውሮጳ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝገዓዘ ሞኖሊስ: “እቶም ነቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝነበረ ዕንወት ዝረኣዩ ወይ ጥሜትን ድኽነትን ዘሕለፉ ወለዲ: ህይወት ደቆም ንምምሕያሽ ቈሪጾም እዮም ተላዒሎም” ብምባል ሓደ ምኽንያት ገለጸ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ወለዲ እምብዛ ሓላፍነት ስለ ዚስምዖምን ንደቆም ጽቡቕ ገይሮም እግሪ ኼትክልዎም ስለ ዚደልዩን ሓድሓደ ግዜ ንርእሶም ይጐድኡ እዮም” በለ። እወ: ገሊኦም ወለዲ ንደቆም ዚኸውን ጥሪት ንምድላብ ንርእሶም ካብቲ ዜድልዮም መሰረታዊ ነገር ይሓርሙ። እንተዀነ ግን: ወለዲ ኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ኺስዕቡስ ጥበባዊ ድዩ፧

“ከንቱነትን ዓብዪ ወጽዓን”

እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ውርሲ እዚ ዚስዕብ መጠንቀቕታ ጽሒፉ ኣሎ:- “ነቲ ብድሕረይ ዚመጽእ ሰብ ክሐድገሉ እየ እሞ: ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝዐየኽዎ ዅሉ ዕዮይ ጸላእክዎ። ንሱኸ ጠቢብ ኪኸውን ወይስ ዓሻ መን ይፈልጦ፧ ምስናይዚ ግና ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ጥበበኛ ዀይነ ዝጸዐርኩሉ ዘበለ ጻዕረይ ንሱ እዩ ዚጕይተተሉ: እዚውን ከንቱነት እዩ። . . . እንሆ: ብጥበብን ብፍልጠትን ብብልሓትን ዝጸዐረ ሰብ አሎ: ግናኸ ንዘይደኸመሉ ሰብ እዩ ዜውርሶ። እዚውን ከንቱነትን ዓብዪ ወጽዓን እዩ።”—መክብብ 2:18-21

ከምቲ ሰሎሞን ገሊጽዎ ዘሎ እቶም ወረስቲ ነቲ ውርሲ ጽዒሮም ስለ ዘየምጽእዎ: ክንደይ መስዋእቲ ኸም እተኸፍሎ ኣይርድኦምን ይኸውን። ስለዚ ድማ ወረስቲ ነቲ ወለዶም ብጻዕሪ ዘዋህለሉሎም ነገራት ብዕሽነት ይጥቀሙሉ ይዀኑ። አረ ገሊኦም እሞ ኸኣ ነቲ ብኽንደይ ጻዕሪ እተረኽበ ጥሪት ይዘርዉዎ ይዀኑ። (ሉቃስ 15:11-16) እዝስ ክሳዕ ክንደይ “ከንቱነትን ዓብዪ ወጽዓን” ኰን እዩ!

ውርስን ስስዐን

ወለዲ ኺሓስቡሉ ዘለዎም ካልእ ነጥቢ እውን ኣሎ። ኣብቲ ውርስን ገዝምን ዓብዪ ቦታ ዚወሃቦ ባህልታት: ውሉዳት ምስ ዓቕሚ ወለዶም ዘይመጣጠን ጥሪት ወይ ገዝሚ ኺወሃቦም ብምሕታት ስሱዓት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ኣብ ግሪኽ ዚነብር ሉካስ ዚበሃል ኣቦ: “ክልተ ወይ ሰለስተ ኣዋልድ ዘለዋኦ ኣቦ ወይልኡ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ኣዋልድ ነቲ ኣቦአን ኪህበን ዚኽእል ምስቲ ኻልኦት ወለዲ ‘ብልግሲ’ ንደቆም ዚድልቡሎም የወዳድራ። እኹል ገዝሚ እንተ ዘይተዋሂብወን ሓዳር ንምምስራት ዘለወን ዕድል ከም ዚጸብብ ይዛረባ” በለ።

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ማኖሊስ: “እቲ መንእሰይ: ኣቦ ጓል መብጽዓ ኽሳዕ ዚኣትወሉ: ማለት መብዛሕትኡ እዋን ቤት ወይ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዚወሃቦ ኽሳዕ ዚሰምዕ ነቲ ምስታ ጓል ዚገብሮ ወረዘ የናውሖ ይኸውን። እዚ ሓደ ዓይነት ምዝመዛ ኪኸውን ይኽእል እዩ” በለ።

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኵሉ ዓይነት ስስዐ ኽንርሕቕ እዩ ዜጠንቀቐና። ሰሎሞን “እቲ ብመጀመርያ ቐልጢፉ [“ብስስዐ:” NW] እተአከበ ርስቲ መወዳእታኡ ኣይኪባረኽን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 20:21) ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ ‘ፍቕሪ ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት’ ምዃኑ ኣጕልሐ።—1 ጢሞቴዎስ 6:10፣ ኤፌሶን 5:5

“ጥበብ ከም ርስቲ”

ልክዕ እዩ: ውርሲ እተወሰነ ጥቕሚ ኣለዎ: ጥበብ ግን ካብ ስጋዊ ጥሪት ዝያዳ ጥቕሚ እዩ ዘለዋ። ንጉስ ሰሎሞን “ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ: ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዪኣ ብህይወት ምንባር እዩ እሞ: ጥበብ ከም ርስቲ ጽብቕቲ እያ: . . . ኣዝያ ትጠቕሞም እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (መክብብ 7:11, 12፣ ምሳሌ 2:7፣ 3:21) ገንዘብ ነቲ ኣጥራይኡ ዜድልዮ ነገራት ከም ዚረክብ ብምግባር ብእተወሰነ ደረጃ ዕቝባ ዚኸውን እኳ እንተዀነ: ብሓንሳእ እውን ኪጠፍእ ይኽእል እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እታ ንጸገማት ኣብ ምፍታሕ ወይ ሸቶና ኣብ ምብጻሕ ንፍልጠትና ኽንጥቀመሉ እተኽእለና ጥበብ: ንሓደ ሰብ ኣብ ሓደጋ ኸይኣቱ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ። ኣብ ፍርሃት ኣምላኽ እተመስረተት ምስ እትኸውን ድማ: ኣብታ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ ተኽእሎ እያ: እዚ ኸኣ ብሓቂ ኽቡር ውርሲ እዩ!—2 ጴጥሮስ 3:13

ክርስትያን ወለዲ ንባዕላቶም ኰኑ ንደቆም ነቲ ቐዳምነት ኪወሃቦ ዚግባእ ነገራት ቀዳምነት ብምሃብ ነዛ ጥበብ እዚኣ ይጥቀሙላ እዮም። (ፊልጲ 1:10) ንውሉዳት ኪኸውን ተባሂሉ ዚእከብ ስጋዊ ጥሪት ካብ መንፈሳዊ ነገራት ንላዕሊ ቐዳምነት ኪወሃቦ የብሉን። የሱስ ንሰዓብቱ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ኢሉ ኣተባብዖም። (ማቴዎስ 6:33) እቶም ንኣባላት ስድራቤቶም መንፈሳዊ ሸቶታት ዜውጽኡሎም ወለዲ: ብዙሕ በረኸት እዮም ዚረኽቡ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ኣቦ ጻድቕ ብዙሕ ይሕጐስ: ጥበበኛ ወዲ ዝወለደ ኸኣ ብእኡ ባህ ይብሎ። ኣቦኻን ኣዴኻን ባህ ይበሎም: እታ ዝወለደትካ ኸኣ ትተሐጐስ” ኢሉ ጸሓፈ።—ምሳሌ 23:24, 25

ነባሪ ውርሲ

ጥንቲ ንዝነበሩ እስራኤላውያን ውርሲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ ነይሩ። (1 ነገስት 21:2-6) ይኹን እምበር: የሆዋ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ” ኢሉ ምዒድዎም ነይሩ። (ዘዳግም 6:6, 7) ክርስትያን ወለዲ እውን ብተመሳሳሊ “ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም” ተባሂሎም እዮም።—ኤፌሶን 6:4

መንፈሳዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ወለዲ ንስድራኦም ዜድሊ ምምላእ ኪበሃል ከሎ: መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር እውን ከም ዜጠቓልል ይፈልጡ እዮም። ኣንድረያስ ዚበሃል ኣቦ ሰለስተ: “ውሉዳት ስርዓታት ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ኼውዕሉ እንተ ተማሂሮም: ንመጻኢ ብዝያዳ ዕጡቓት እዮም ዚዀኑ” ብምባል ሓሳቡ ገለጸ። ከምዚ ዝኣመሰለ ውርሲ ምስ ፈጣሪኦም ብሕታዊ ርክብ ንምምስራትን ንምምዕባልን ዚሕግዞም እውን እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:19

ንውሉድካ ኣብ መጻኢ ንመንፈሳውነቱ ዚሕግዞ ነገራት ብዛዕባ ምድላው ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ንኣብነት: ሓደ ውሉድ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እንተ ኣትዩ: ወለዱ እንታይ ኪገብሩሉ ይኽእሉ፧ ሓደ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ብገንዘብ ደገፍ ኪግበረሉ ኪሓትት ወይ ኪጽበ ዘይብሉ እኳ እንተዀነ: ፈቃራት ወለዲ ግን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምእንቲ ኪቕጽል ‘ዜድልዮ ኼማቕልዎ’ ውሳነ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። (ሮሜ 12:13፣ 1 ሳሙኤል 2:18, 19፣ ፊልጲ 4:14-18) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ብርግጽ ንየሆዋ የሐጕሶ እዩ።

እምበኣር: ወለዲ ንውሉዳቶም እንታይ እዮም ኬውርስዎም ዘለዎም፧ ክርስትያን ወለዲ ንውሉዳቶም ብስጋ ዜድልዮም ኣብ ርእሲ ምምላእ: ንዘለኣለም ዚጠቕሞም ብዙሕ መንፈሳዊ ውርሲ ኸም ዚወርሱ ይገብሩ እዮም። በዚ ኸምዚ እቲ ኣብ መዝሙር 37:18 ዚርከብ “እግዚኣብሄር ንመዓልትታት ንጹሃት ይፈልጠን: ርስቶም ከኣ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ” ዚብል ቃላት ይፍጸም።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ውሉዳትካ ኣብ መጻኢ እንታይ ኪዀኑ ኢኻ እትደልዮም፧