ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ “ድምጺ ኻልእ” ተጠንቀቑ

ካብ “ድምጺ ኻልእ” ተጠንቀቑ

ካብ “ድምጺ ኻልእ” ተጠንቀቑ

“ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና: ንኻልእ: ካብኡ ይገልባ እምበር: ኣይስዕባኦን እየን።”—ዮሃንስ 10:5

1, 2. (ሀ) የሱስ ንማርያም ብስማ ምስ ጸውዓ ብኸመይ እያ ምላሽ ሂባ: እዚ ፍጻመ እዚኸ ኣቐዲሙ ነየናይ የሱስ ዝጠቐሶ ነገራት እዩ ዜብርህ፧ (ለ) ኣስኣሰር የሱስ ንኽንስዕብ ዜኽእለና እንታይ እዩ፧

 እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ: ነታ ኣብ ጥቓ እቲ ጥራዩ ዝነበረ መቓብሩ ደው ኢላ ዝነበረት ሰበይቲ ተዓዘባ። ነታ ሰበይቲ ኣጸቢቑ እዩ ዚፈልጣ። ንሳ ማርያም መግደላዊት እያ። ቅድሚ ኽልተ ዓመት ኣቢሉ ኣጋንንቲ ኣውጺኡላ ነበረ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዛ ምስኡን ምስ ሃዋርያቱን ኰይና ብስጋ ዜድልዮም ነገራት ንምምላእ ተገልግሎም ነበረት። (ሉቃስ 8:1-3) የሱስ ተንሲኡ ኺረኽባ ኸሎ ግን ክመውት ከሎ ስለ ዝረኣየቶን ስጋኡ ስለ ዝጠፍአን ትበኪ እያ ነይራ! ስለዚ ድማ የሱስ “ኣቲ ሰበይቲ: እንታይ የብክየኪ አሎ፧ ንመንሲ ትደልዪ አሎኺ፧” በላ። ንሳ ኸኣ ሓላው ኣታኽልቲ መሲልዋ “ጐይታይ: ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ: ኣነ ኽወስዶ: ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ” በለቶ። ድሕርዚ የሱስ “ማርያም” በላ። ብኡንብኡ: ነቲ ኣዘራርባኡ ኣለለየቶ። ተሓጒሳ “መምህረይ” በለቶ። ከይዳውን ሓቘፈቶ።—ዮሃንስ 20:11-18

2 እዚ ጸብጻብ እዚ ልቢ ብዚትንከፍ መገዲ ነቲ የሱስ ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት ጠቒስዎ ዝነበረ ነገር እዩ ዜነጽር። ንርእሱ ብጓሳ: ንሰዓብቱ ድማ በባጊዕ ብምምሳል: ጓሳ ነባጊዑ በብስመን ከም ዚጽውዐንን ንሳተንውን ድምጹ ኸም ዜለልያን ተዛሪቡ ነበረ። (ዮሃንስ 10:3, 4, 14, 27, 28) እወ: ከምቲ ኣባጊዕ ንጓሳአን ዜለልያኦ: ማርያም እውን ነቲ ጓሳኣ ዝዀነ ክርስቶስ ኣለልያቶ እያ። ሕጂ ዘለዉ ሰዓብቲ የሱስ እውን ንጓሳኦም የለልይዎ እዮም። (ዮሃንስ 10:16) ከምቲ እዝኒ እታ በጊዕ ካብ ጓሳኣ ንኸይትርሕቕ ዜኽእላ: መንፈሳዊ ምስትውዓልና እውን ኣስኣሰር እቲ ሕያዋይ ጓሳና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንኽንስዕብ የኽእለና።—ዮሃንስ 13:15፣ 1 ዮሃንስ 2:6፣ 5:20

3. እቲ የሱስ ብዛዕባ ደምበ ኣባጊዕ ዝሃቦ ምስላ እንታይ ሕቶታት እዩ ዜልዕል፧

3 ይኹን እምበር: ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምስላ: በጊዕ ድምጺ ፈታዊ ጥራይ ዘይኰነስ ድምጺ ጸላኢ እውን ከተለሊ ኸም እትኽእል ይሕብር። ዜታልሉ ተጻረርቲ ስለ ዘለዉና: እዚ ጕዳይ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዞም ተጻረርትና መን እዮም፧ ብኸመይ እዮም ዚዓዩ፧ ከመይ ጌርና ኽንከላኸል ንኽእል፧ መልሲ እዚ ሕቶታት ንምርካብ የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ደምበ ኣባጊዕ ዝሃቦ ምስላ እንታይ ከም ዝበለ ንርአ።

“ብኣፍ ደገ ዘይአቱ”

4. ብመሰረት ምስላ እቲ ጓሳ: እተን ኣባጊዕ ንመን እየን ዚስዕባ: ንመንከ እየን ዘይስዕባ፧

4 የሱስ ከምዚ ዚስዕብ በለ:- “እቲ ብኣፍ ደገ ዚአቱ ግና: ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ። ንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉ: እተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓ። ነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብስመን ጸዊዑ የውፍረን። ነተን ኣባጊዑ ምስ ኣውፈረን ድማ: ቀቅድሚኤን ይኸይድ: እተን ኣባጊዑውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ: ይስዕባኦ። ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና: ንኻልእ: ካብኡ ይገልባ እምበር: ኣይስዕባኦን እየን።” (ዮሃንስ 10:2-5) የሱስ ነታ “ቓሉ” እትብል ሓንሳእ: ነታ “ድምጺ” እትብል ከኣ ክልተ ሳዕ: ብድምር ሰለስተ ሳዕ ከም ዝጠቐሰን ኣስተብህል። ክልተ ሳዕ ንድምጺ እቲ ጓሳ እዩ ተጠቒሙለን: ኣብ ሳልሳይ ግዜ ግን “ድምጺ ኻልእ” ኢሉ እዩ ጠቒሱ። የሱስ “ካልእ” ኪብል ከሎ ንመን እዩ ዜመልክት ነይሩ፧

5. ነቲ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 10 ተጠቒሱ ዚርከብ ካልእ ወይ ጓና ተባሂሉ ዘሎ ኸም ጋሻ ዘይንቕበሎ ስለምንታይ ኢና፧

5 የሱስ “ካልእ” ወይ ብመሰረት ትርጕም 1990 “ጓና” ኺብል ከሎ ኸም ጋሻ ኽንቅበሎ ንዘሎና ኣይኰነን ዚጠቅስ ነይሩ: እታ ኣጋይሽ ምቕባል ተባሂላ እትትርጐም ቃል ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ “ንዘይትፈልጦ ጋሻ ምፍቃር” ማለት እያ። (እብራውያን 13:2) ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምስላ እቲ ኻልእ ተባሂሉ ዘሎ እተዓደመ ጋሻ ኣይኰነን። የግዳስ: “ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይአቱ: ብኻልእ ወገን ዚሐኵር . . . ሰራቕን ጕሒላን” እዩ። (ዮሃንስ 10:1) ኣብ ቃል ኣምላኽ ተጠቒሱ እንረኽቦ ናይ መጀመርታ ሰራቕን ጕሒላን መን እዩ፧ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። ነዚ መርትዖ ዚዀነና ታሪኽ ኣብ መጽሓፍ ዘፍጥረት ንረክብ ኢና።

ድምጺ ኻልእ መጀመርታ መዓስ ከም እተሰምዐ

6, 7. ሰይጣን እቲ ኻልእ ወይ ጓና ኸምኡውን ሰራቒ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

6 ዘፍጥረት 3:1-5 ድምጺ ኻልእ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ምድሪ ብኸመይ ከም እተሰምዐ ትገልጽ። ሰይጣን ነታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ዝነበረት ሄዋን ብተመን ኣቢሉ ኸም ዝቐረባን ብዜታልል መገዲ ኸም እተዛረባን እቲ ጸብጻብ ይገልጸልና። ልክዕ እዩ: ኣብዚ ጸብጻብ እዚ ሰይጣን ቃል ብቓሉ ኸም “ካልእ” ወይ “ጓና” ጌርካ ኣይተጠቕሰን። ይኹን እምበር: እቲ ግብሩ ግን ብብዙሕ መገዲ ምስቲ የሱስ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 10 ኣብ ዝመሰሎ ምስላ: ካልእ ብምባል ጠቒስዎ ዘሎ ዚመሳሰል እዩ። ገለ ኻብቲ ምምስሳል እስከ ንርአ።

7 እቲ ኻልእ ተባሂሉ ዘሎ ነተን ኣብቲ ደምበ ኣባጊዕ ዘለዋ ግዳያቱ ብተዘዋዋሪ ኸም ዝመጸን እዩ የሱስ ጠቒሱ። ብተመሳሳሊ: ሰይጣን ንግዳዩ ብተመን ገይሩ ብተዘዋዋሪ እዩ ቐሪብዋ። እዚ ዜታልል ኣቀራርባ እዚ ብሓቂ መታለሊ ምዃኑ እዩ ዜቃልዕ። ብዘይካዚውን እቲ ኣብቲ ምስላ እተጠቕሰ ኻልእ ተባሂሉ ዘሎ ነተን ኣባጊዕ ኪሰርቕ እዩ መጺኡ። አረ ኻብ ሰራቒ እውን ዝገደደ እዩ: ከመይሲ ኺሰርቕ ጥራይ ዘይኰነስ “ኪሐርድን ኬጥፍእን” እዩ ዚመጽእ። (ዮሃንስ 10:10) ብተመሳሳሊ: ሰይጣን ሰራቒ እዩ። ንሄዋን ብምትላል ንኣምላኽ ዝነበራ ተኣማንነት ሰረቓ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ደቅሰብ ሞት ኣምጽአ። ስለዚ ድማ ቀታሊ ዀነ።

8. ሰይጣን ንቓልን ውሽጣዊ ድራኸን የሆዋ ብኸመይ እዩ ዝጠወዮ፧

8 ሰይጣን ዝፈጸሞ ሸፈጥ ኣብቲ ነቲ ቓልን ውሽጣዊ ድራኸን የሆዋ ጠውዩ ዘቕረበሉ መገዲ ንጹር ኰይኑ እዩ። “ኣምላኽሲ፤ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ: ኢሉዶ አዚዙ እዩ፧” ኢሉ ንሄዋን ሓተታ። ሰይጣን ከም ዝደንጸዎ ዀይኑ ብምቕራብ: ‘ኣምላኽ ክሳዕ ክንድዚ ዘይፍትሓዊ ድዩ፧’ ዚብል መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ ነይሩ። ቀጺሉውን “ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዝኽፈታ . . . ስለ ዝፈለጠ እዩ” በለ። ነተን “ኣምላኽ . . . ስለ ዝፈለጠ እዩ” ዚብላ ቓላት እሞ ኣስተብህለለን። ሰይጣን ‘ነቲ ኣምላኽ ዚፈልጦ ነገራት እፈልጦ እየ። ነቲ ኽፉእ ውሽጣዊ ድራኼኡ ፈሊጠዮ ኣለኹ’ እዩ ዚብል ነይሩ። (ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 3:1, 5) እቲ ዜሕዝን ግን ኣዳምን ሄዋንን ካብ ድምጺ እዚ ኻልእ ኣይተጠንቀቑን። ኣብ ክንድኡስ: ነቲ ዝበሎ ሰምዕዎ: ኣብኦምን ኣብ ዘርኦምን ከኣ መዓት ኣምጽኡ።—ሮሜ 5:12, 14

9. ኣብዚ ግዜ እዚ ድምጺ ኻልኦት ኪድሀ ትጽቢት ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

9 ሎሚውን ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽ ንምስሓት ተመሳሳሊ መገዲ እዩ ዚጥቀም። (ራእይ 12:9) ‘ንሓሶት ኣቦኣ እዩ:’ እቶም ከምኡ ነገልገልቲ ኣምላኽ ኬስሕቱ ዚጽዕሩ ድማ ደቁ እዮም። (ዮሃንስ 8:44) እምበኣር: ኣብዚ ግዜ እዚ ድምጺ ኻልኦት ዚድሀየሉ ገለ መገድታት እስከ ንርአ።

ኣብዚ ግዜና ድምጺ ኻልኦት ዚድሀየሉ መገድታት

10. ሓደ ኻብቲ ድምጺ ኻልኦት ዚድሀየሉ መገዲ እንታይ እዩ፧

10 ምትላላት። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ኣይትስሐቱ” በለ። (እብራውያን 13:9) ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ጳውሎስ ነዚ ትምህርቲ እዚ ‘ዜስሕት’ ምዃኑ ስለ ዝገለጾ: መንፈሳዊ ሚዛንና ኼስሕተና ብዛዕባ ዚኽእል ትምህርትታት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ነዚ ጋሻ ትምህርቲ እዚ ዜድህዩ መን እዮም፧ ጳውሎስ ንእተወሰኑ ክርስትያን ሽማግለታት “ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ: ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም” ኢሉ ተዛሪብዎም ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:30) እወ: ኣብዚ ግዜናውን ከምቲ ብግዜ ጳውሎስ ገሊኦም ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት “ቄናን ነገር” እናመሃሩ: ማለት ምሉእ ሓቅነት ዘይብሉን ዓይኒ ዘውጽአ ሓሶትን እናተዛረቡ ነባጊዕ ኬስሕቱ ይጽዕሩ ኣለዉ። ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝጠቐሶ “ዘረባ ጥበራ:” ማለት ሓቂ ዚመስል ግን ከኣ ቁም ነገር ዘይብሉ ዘረባ ይጥቀሙ እዮም።—2 ጴጥሮስ 2:3

11. እቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 2:1, 3 ዚርከብ ቃላት ነቲ ኸሓድቲ ዚጥቀሙሉ ሜላን ንዕላማኦምን ዜቃልዕ ብኸመይ እዩ፧

11 ጴጥሮስ ኣስዕብ ኣቢሉ “ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ” ምዃኖም ብምጥቃስ ከሓድቲ ዚጥቀሙሉ ሜላታት ኣቃልዐ። (2 ጴጥሮስ 2:1, 3) ከምቲ የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምስላ ደምበ ኣባጊዕ ተጠቒሱ ዘሎ ሰራቒ “ብኣፍ ደገ ዘይአቱ” የግዳስ “ብኻልእ ወገን ዚሐኵር:” ከሓድቲ እውን ሰላሕ እናበሉ እዮም ዚቐርቡና። (ገላትያ 2:4፣ ይሁዳ 4) ዕላማኦምከ እንታይ እዩ፧ ጴጥሮስ ቀጺሉ “መናገዲ ኺገብሩኹም እዮም” በለ። ከሓድቲ ዝበሉ ይበሉ ብዘየግድስ: እቲ ቐንዲ ዕላማኦም ስልዅ ኢሎም ኣትዮም ‘ኪሰርቁን ኪሓርዱን ኬጥፍኡን’ እዩ። (ዮሃንስ 10:10) ካብዚኣቶም ንጠንቀቕ!

12. (ሀ) ዕርክነትና ናብ ድምጺ ኻልኦት ኬቃልዓና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብ መንጎ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ሜላታትን ሕጂ ዘለዉ ኻልኦት ሰባት ዚጥቀሙሉ ሜላታትን እንታይ ምምስሳል እዩ ዘሎ፧

12 ጐዳእቲ ኣዕሩኽ። ድምጺ ኻልኦት በቶም እንተዓራረኾም ኣቢሉ እውን ኪመጸና ይኽእል እዩ። ሕማቕ ዕርክነት ብፍላይ ንመንእሰያት እዩ ኣብ ሓደጋ ዜእትዎም። (1 ቈረንቶስ 15:33) ሰይጣን ካብቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ናብታ ብዕድመ ዝነኣሰትን ዝወሓደ ተመክሮ ዝነበራን ሄዋን ከም ዘተኰረ ኣይንረስዕ። የሆዋ ንናጽነታ ኣመና ኸም ዝገደቦ ገይሩ ኣእመና። ከም ሓቂ ግን እቲ ነገር ብኣንጻሩ እዩ ነይሩ። የሆዋ ንሰብኣውያን ፍጡራቱ የፍቅሮምን ይሓልየሎምን እዩ። (ኢሳይያስ 48:17) ኣብዚ ግዜና እውን ካልኦት ሰባት ነቶም መንእሰያት ዘበልኩም ክርስትያናት ወለድኹም ኣብ ናጽነትኩም ቀይዲ ኸም ዜብዝሑልኩም ገይሮም ኬእምኑኹም ይጽዕሩ እዮም። እዚኣቶም ብኸመይ ኪጸልዉኹም ይኽእሉ፧ ሓንቲ ክርስትያን መንእሰይ “ንእተወሰነ ግዜ እምነተይ ብደቂ ኽፍለይ ተዳኺማ ነይራ። ወትሩ ሃይማኖተይ ቀያድን ዘየመዛዝንን ከም ዝዀነ ገይሮም ይነግሩኒ ነይሮም” ኢላ ተኣመነት። ከም ሓቂ ግን ወለዳ የፍቅሩዋ እዮም። ስለዚ: መማህርትኻ ንወለድኻ ንኽትጥርጥሮም ኬእምኑኻ ኺጽዕሩ ኸለዉ: ከም ሄዋን ኣይትታለል።

13. ዳዊት እንታይ ጥበባዊ መገዲ እዩ ዝሰዓበ: ብኸመይከ ኢና ኽንመስሎ እንኽእል፧

13 ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ጐዳኢ ዕርክነት ኣመልኪቱ “ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን: ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩን” በለ። (መዝሙር 26:4) ኣብዚ ቓላቱ ነቲ ኻልኦት ወይ ጓኖት ኪበሃሉ ዚኽእሉ ሰባት ዜርእይዎ ጠባይ ኣስተብሂልካሉዶ፧ ከምቲ ሰይጣን ብተመን ኣቢሉ መንነቱ ብምሕባእ ዝቐረበ: ንሳቶምውን ኣምሰሉታት እዮም። ኣብዚ ግዜና ገሊኦም ብዕሉጋት ሰባት መርበብ ሓበሬታ ብምጥቃም ናይ ሓቂ መንነቶምን ዕላማኦምን ይሓብኡ። ብመርበብ ሓበሬታ ኣቢልካ ኣብ ዚግበር ምይይጥ እኩያት ዝዀኑ ዓበይቲ ሰባት ኣብ መጻወድያኦም ምእንቲ ኼእትዉኻ መንእሰያት ብምምሳል ኪቐርቡኻ ይኽእሉ እዮም። ኣቱም መንእሰያት መንፈሳውነትኩም ምእንቲ ኸይበላሾ በጃኻትኩም ተጠንቀቑ።—መዝሙር 119:101፣ ምሳሌ 22:3

14. ሓድሓደ ግዜ መራኸቢ ብዙሓን ድምጺ ኻልኦት ዜመሓላልፍ ብኸመይ እዩ፧

14 ጠቐነ። ገሊኡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚወሃብ ጸብጻባት ዜና ሓቂ እኳ እንተዀነ: ሓድሓደ ግዜ ግን መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ቔናን ዝዀነ ድምጺ ኻልኦት ይፍንዎ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንስርዓት ናዚ ደጊፎም ብምባል ናይ ሓሶት ዜና ተፈነወ። ኣብ ካልእ ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ኣብያተ-ክርስትያን ከይዶም ንብረት ከም ዘበላሸዉ ጌርካ ጸብጻብ ተዋህበ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ከኣ መራኸቢ ብዙሓት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንደቆም ሕክምና ኺወሃቦም ፍቓደኛታት ከም ዘይኰኑን ክርስትያናት ብጾት ዝገበርዎ ኸቢድ ሓጢኣት ኰነ ኢሎም ዕሽሽ ከም ዝበሉን ገይሩ ይጥቅኖም እዩ። (ማቴዎስ 10:22) ይኹን እምበር: ብብሕቲ ዚፈልጡና ቕኑዓት ሰባት እዚ ጠቐነ ምዃኑ ይፈልጥዎ እዮም።

15. ንዅሉ እቲ ብመራኸቢ ብዙሓን ዚፍኖ ምእማን ዕሽነት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

15 ብድምጺ ኻልኦት እተዘርግሐ ኽስታት ምስ ዜጋጥመና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ነቲ ኣብ ምሳሌ 14:15 ዚርከብ “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን: ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” ዚብል ማዕዳ ኽንስዕብ ኣሎና። ንዅሉ እቲ ብመራኸቢ ብዙሓን ዚፍኖ ምእማን ዕሽነት እዩ። ንዅሉ ዓለማዊ ሓበሬታ ኸም ዘይእመን ጌርና እኳ ንወስዶ እንተ ዘይኰንና: “ብዘላ ዓለም . . . በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።”—1 ዮሃንስ 5:19

‘ነቶም መናፍስቲ መርምሩ’

16. (ሀ) ኣባጊዕ ዜርእያኦ ባህሪ ንሓቅነት እቲ ኣብ ዮሃንስ 10:4 ዚርከብ ቃላት የሱስ ዜብርሆ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ክንገብር እዩ ዜተባብዓና፧

16 ርክብና ምስ ፈታዊ ወይ ምስ ጸላኢ እንተ ዀይኑ: ከመይ ጌርና ብርግጽ ክንፈልጥ ንኽእል፧ የሱስ: እተን ኣባጊዕ ‘ድምጹ ስለ ዜለልያ’ ንጓሳአን ከም ዚስዕባ ተዛሪቡ ነይሩ። (ዮሃንስ 10:4) ኣባጊዕ ንጓሳአን ዚስዕባኦ ብትርኢቱ ዘይኰነስ ብድምጹ እየን። ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ቦታታት እትገልጽ መጽሓፍ: ብዛዕባ ሓደ ኣባጊዕ ንጓሳአን ብድምጹ ዘይኰነስ ብኽዳኑ ኸም ዜለልያኦ እተማጐተ በጻሒ ተዘንቱ። ሓደ ጓሳ ኸኣ ብድምጹ ኸም ዜለልያኦ መለሰሉ። ነዚ ንምርግጋጽ: ምስቲ በጻሒ ኽዳውንቲ ተቐያየሩ። እቲ በጻሒ ኽዳን እቲ ጓሳ ተኸዲኑ ነተን ኣባጊዕ ጸውዐን: ንሳተን ግን ኣይሰዓባኦን። ከመይሲ: ድምጹ ኣየለለያኦን። እንተዀነ ግን: እቲ ጓሳ ኣከዳድናኡ ቐዪሩ እኳ እንተ ነበረ: ምስ ጸውዐን ብኡንብኡ ናብኡ ኸዳ። ስለዚ: ሓደ ሰብ ጓሳ ኺመስል ይኽእል እዩ: ነባጊዕ ግን ንሱ ጓሳ ምዃኑ ኣየረጋግጸለንን እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ እተን ኣባጊዕ ድምጺ እቲ ዚጽውዐን ምስ ድምጺ ጓሳአን ብምንጽጻር ይምርምራ እየን። ቃል ኣምላኽ እውን “እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ” ብምባል ተመሳሳሊ ኽንገብር እዩ ዚላበወና። (1 ዮሃንስ 4:1፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:13) ከምኡ ንኽንገብር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

17. (ሀ) ንድምጺ የሆዋ ኸነለልዮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ብዛዕባ የሆዋ ዘሎና ፍልጠት እንታይ ክንገብር እዩ ዜኽእለና፧

17 ድምጺ የሆዋ ወይ መልእኽቱ ዝያዳ ብዝፈለጥና መጠን: ንድምጺ ኻልእ ብዝያዳ ኢና እነለልዮ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ፍልጠት እዚ ብኸመይ ከም እነዕብዮ ኺነግረና ኸሎ “ኣእዛንካ: እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ: ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን” ይብል። (ኢሳይያስ 30:21) እቲ ብድሕሬና ዚመጽእ “ቃል” ካብ ቃል ኣምላኽ እዩ ዚመጽእ። ቃል ኣምላኽ ከነንብብ ከለና: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ድምጺ እቲ ዓብዪ ጓሳና ዝዀነ የሆዋ ኢና እንሰምዕ። (መዝሙር 23:1) ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ብዘጽናዕና መጠን: ንድምጺ ኣምላኽ ኣጸቢቕና ኢና እነለልዮ። እዚ ዓሚቝ ፍልጠት እዚ ኸኣ ድምጺ ኻልኦት ብኡንብኡ ኸነለሊ የኽእለና።—ገላትያ 1:8

18. (ሀ) ድምጺ የሆዋ ምልላይ እንታይ የጠቓልል፧ (ለ) ብመሰረት ማቴዎስ 17:5 ድምጺ የሱስ ክንእዘዝ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 ድምጺ የሆዋ ምልላይ እንታይ ተወሳኺ ነገር እዩ ዜጠቓልል፧ ምስማዕ ጥራይ ዘይኰነስ እዙዝ ምዃን እውን የጠቓልል እዩ። ንኢሳይያስ 30:21 እሞ እንደገና ኣስተብህለላ። ቃል ኣምላኽ “እዚኣ እያ እታ መገዲ” ይብል። እወ: ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልና ነቲ የሆዋ ዚህቦ መምርሒ ንሰምዕ ኢና። ድሕሪኡ “ብእኣ ተመላለሱ” ኢሉ ይእዝዘና። የሆዋ ነቲ ዝሰማዕናዮ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እዩ ዚደልየና። እምበኣር: ነቲ ዝሰማዕናዮ ኣብ ግብሪ ብምውዓል: ቃል ኣምላኽ ብእዝንና ንሰምዖ ጥራይ ዘይኰነስ: ንእዘዞ እውን ከም ዝዀንና ነርኢ። (ዘዳግም 28:1) ንድምጺ የሆዋ እዙዛት ምዃን ኪበሃል ከሎ: ንድምጺ የሱስ እውን እዙዝ ምዃን የጠቓልል: ከመይሲ የሆዋ ኸምኡ ኽንገብር እዩ ነጊሩና። (ማቴዎስ 17:5) እቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ የሱስ እንታይ ክንገብር እዩ ኣዚዙና፧ ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብርን ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኽንኣምኖን እዩ ዝኣዘዘና። (ማቴዎስ 24:45፣ 28:18-20) ንድምጹ እንእዘዝ እንተ ዄንና: ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 3:23

“ካብኡ ይገልባ”

19. ድምጺ ኻልኦት ምስ ሰማዕና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

19 ድምጺ ኻልኦት ምስ ሰማዕና ደኣ እሞ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ልክዕ ከምቲ ኣባጊዕ ዚገብራኦ ኢና ኽንገብር ዘሎና። የሱስ “ንኻልእ: ካብኡ ይገልባ እምበር: ኣይስዕባኦን እየን” በለ። (ዮሃንስ 10:5) እቲ ኽንገብሮ ዚግባእ ነገር ኣብ ክልተ ኪኽፈል ይከኣል እዩ። ቀዳማይ: ንኻልእ ‘ኣይንስዕብን።’ እወ: ንኻልእ ምሉእ ብምሉእ ኢና እንነጽጎ። እታ ኣብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጽሓፍ ዘገልገለ ቛንቋ ግሪኽ እትርከብ ኣብታ “ኣይስዕባኦን” እትብል ቃል ዘላ “ኣይ” እትብል ቅድመ-ጥብቆ: ኣብቲ ቛንቋ እቲ ንሓደ ነገር ከም ዝነጸግካ እተመልክት ዝተረረት መግለጺት እያ። (ማቴዎስ 24:35፣ እብራውያን 13:5) ካልኣይ: ‘ካብኡ ንገልብ’ ወይ ንርሕቕ። እወ: ካብቶም ትምህርትታቶም ምስ ድምጺ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ዘይሰማማዕ ሰባት: ክንርሕቕ እዩ ዚግብኣና።

20. (ሀ) መታለልቲ ኸሓድቲ: (ለ) ጐዳእቲ ኣዕሩኽ: (ሐ) መራኸቢ ብዙሓን ዚፍንዎ ጠቐነ: ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ኢና እንገብር፧

20 እምበኣር: ክሕደት ዚዛረቡ ሰባት እንተ ኣጓኒፎምና: ከምቲ ቓል ኣምላኽ “ነቶም ካብቲ እተመሀርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም: እምዕደኩም አሎኹ። . . . ካባታቶም ኣግልሱ” ብምባል ዝሃበና ማዕዳ ኽንገብሮ ንደሊ ኢና። (ሮሜ 16:17፣ ቲቶስ 3:10) ብተመሳሳሊ: ጐዳእቲ ኣዕሩኽ ከይህልዉዎም ዜስግኡ ክርስትያን መንእሰያት: ነቲ ጳውሎስ መንእሰይ ንዝነበረ ጢሞቴዎስ ዝሃቦ “ካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም” ዚብል ማዕዳ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ይደልዩ እዮም። መራኸቢ ብዙሓን ኪጥቅነና ኸሎ ኸኣ: ነቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “[እቶም ንድምጺ ኻልኦት ዚሰምዑ] ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ . . . ንስኻ ግና ብዅሉ ተጠንቀቕ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ኣይንርስዖን ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 2:22፣ 4:3-5) ድምጺ ኻልኦት ልዙብ እኳ እንተ መሰለ: ካብ ኵሉ እቲ ንእምነትና ኺግልብጥ ዚኽእል ነገራት ንሃድም ኢና።—መዝሙር 26:5፣ ምሳሌ 7:5, 21፣ ራእይ 18:2, 4

21. ነቶም ንድምጺ ኻልኦት ዚነጽጉ እንታይ ዓስቢ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧

21 ቅቡኣት ክርስትያናት ካብ ድምጺ ኻልኦት ብምርሓቕ: ነቲ ኣብ ሉቃስ 12:32 ዚርከብ ቃላት እቲ ሕያዋይ ጓሳ ይሰምዕዎ እዮም። የሱስ ንዓታቶም “ኣታ ሒደት መጓሰ: እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ: ኣይትፍራህ” በሎም። ብተመሳሳሊ: እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” እውን ነቲ “ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት: ንዑ: እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ” ዚብል ቃላት የሱስ ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበይዎ። (ዮሃንስ 10:16፣ ማቴዎስ 25:34) ን“ድምጺ ኻልእ” እንተ ነጺግናዮ: ከመይ ዝበለ ባህ ዜብል ዓስቢ ዀን ኢና ኽንረክብ!

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ እስሊ]

ድምጺ ኻልኦት ምስ እንሰምዕ እንታይ ኢና እንገብር፧

ትዝክሮዶ፧

• የሱስ ብዛዕባ ደምበ ኣባጊዕ ኣብ ዝሃቦ ምስላ: ካልእ ወይ ጓና ብምባል ዝጠቐሶ ንሰይጣን ዜመልክት ብኸመይ እዩ፧

• ሎሚ ድምጺ ኻልኦት ብኸመይ እዩ ዚስማዕ፧

• ድምጺ ኻልኦት ብኸመይ ኢና ኸነለሊ እንኽእል፧

• ድምጺ ኻልኦት እንተ ኣጓኒፉና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ማርያም ንክርስቶስ ኣለለየቶ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኻልእ ወይ ጓና ነተን ኣባጊዕ ብቐጥታ ኣይኰነን ዚቐርበን