ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሃብቲ ባሕሪ”

“ሃብቲ ባሕሪ”

መስተንክር ፍጥረት የሆዋ

“ሃብቲ ባሕሪ”

ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ኻብ ባሕሪ ፈሽፈሽታ ይመጽእ: ንኣሽቱ ማዕበላት ከኣ ነቲ ገማግም ይጸፍዖ። እቲ ማዕበላት ዜስምዖ ባህ ዜብል ድምጺ: ናብ ደንደስ ባሕሪ ኼዕርፉ ኢሎም ንዚኸዱ ሓያሎ ሰባት ብዙሕ እዩ ዚስሕቦም። a

ከምዚ ዝኣመሰለ በሽሓት ኪሎ ሜተራት ዚቝጸር ገማግም ባሕሪ ኣብ መላእ ዓለም ይርከብ እዩ። እቲ ወትሩ መልክዑ ዚቀያየር ገማግም ባሕሪ ንደረት እቲ ባሕሪ ዜመልክት እዩ። ፈጣሪ ኸምኡ ገይሩ እዩ ፈጢርዎ። ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ኺዛረብ ከሎ: “ድበት ንደረት ባሕሪ ዝገበርኩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ማዕበሉ እኳ እንተ በርትዔ: ኣይኽእሎን: ይሃጽፍ: ግናኸ ከቶ ኣይሳገሮን” በለ።—ኤርምያስ 5:22፣ እዮብ 38:8፣ መዝሙር 33:7

መብዛሕትኡ ኽፋል ምድርና ብማይ ዝመልአ ብምዃኑ ምድርና ኻብተን ኣብ ስርዓተ-ጸሓይ ዘለዋ ኻልኦት ፕላኔታት ፍልይ ዝበለት እያ። ልዕሊ 70 ሚእታዊት ገጽ ምድርና ብማይ እተሸፈነ እዩ። የሆዋ ንምድሪ መንበሪ ደቅሰብ ክትከውን ኬዳልዋ ኸሎ: “እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተአከብ” በለ። “ከምኡ ድማ ዀነ።” እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ “ኣምላኽ ከኣ ነቲ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኣሉ: ነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኣውጽኣሉ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ” ይብል። (ዘፍጥረት 1:9, 10) ውቅያኖሳት ንምንታይ እዩ ዚጠቅም፧

ውቅያኖሳት ብብዙሕ መገድታት ብህይወት ንምንባር ዜድሊ ነገራት የማልእ እዩ። ንኣብነት: ማይ ሙቐት ናይ ምዕቃብ ክእለት ኣለዎ። ስለዚ ድማ ውቅያኖሳት ከም ሓደ ዓብዪ መዕቈሪ ሙቐት ብምዃን ነቲ ኣብ ቈራሪ ወርሓት ዚህሉ ዛሕሊ የመጣጥኖ።

ማይ ብኻልእ መገዲ እውን ብህይወት ንምጽናሕ የኽእል እዩ። ካብ ዝዀነ ይኹን ፈሳሲ ንላዕሊ ሓያሎ ንጥረ-ነገራት የሕቅቕ እዩ። መስርሕ ህይወት ብከሚካላዊ ውህደታት ስለ ዚቕጽል: ነቲ ዚወሃሃድ ንጥረ-ነገራት ንምሕቃቕን ነቲ ሞለክዩላት ከም ዚተናኸፉ ንምግባርን ማይ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። መብዛሕትኡ ኣብ ህያው ኣካል ዚርከብ ከሚካላዊ ውሁድ: ማይ ኣለዎ። ዘ ሲ (ባሕሪ) ዘርእስታ መጽሓፍ “ኵሉ ዓይነት ህይወት ማይ የድልዮ እዩ። ነዚ ማይ እዚ ድማ እቲ ኣብ ምድሪ ዚነብር ኣትክልትን እንስሳታትን እውን ከይተረፈ: ዘይሩ ዘይሩ ኻብ ውቅያኖሳት እዩ ዚረኽቦ” በለት።

ውቅያኖሳት ንሃዋህው ኣብ ምጽራይ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ኣብ ውቅያኖስ ዚርከብ ፕላንክቶን ዚበሃል ደቀቕቲ ኣትክልቲ: ካርቦን ዳይኦክሳይድ ብምስሓብ ኦክስጅን ይህብ። ብመሰረት ሓደ መጽናዕቲ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 70 ሚእታዊት እቲ ናብ ሃዋህው ዚውሰኽ ኦክስጅን ካብቲ ኣብ ውቅያኖስ ዚርከብ ፕላንክቶን እዩ ዚመጽእ።”

ውቅያኖሳት ሕማማት ንምፍዋስ ዜድሊ ተፈጥሮኣዊ መድሃኒት ይህብ እዩ። ንሓያሎ ዘመናት ካብ ዓሳ ብዚርከብ ነገራት ጌርካ መድሃኒት ኪስራሕ ጸኒሑ ኣሎ። ካብ ጸላም ከብዲ ሓደ ዓይነት ዓሳ ዚርከብ ዘይቲ ንነዊሕ ግዜ ኣገልጊሉ እዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኸኣ ካብ ዓሳን ካልእ ፍጥረታት ባሕርን ዚርከብ ከሚካላት ንሕማም ኣዝማ ንምሕካም: ካብ እተፈላለየ ዓይነት ቫይረስን መንሽሮን ድማ ንምክልኻል የገልግል ኣሎ።

ካብ ውቅያኖሳት ዚርከብ ጥቕሚ ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑ ንምግማት ጻዕርታት ተገይሩ ነይሩ። ብንጹር ክንድዚ ኺበሃል ዘይከኣል እኳ እንተዀነ: ተመራመርቲ ነቲ ናይ ምሉእ ዓለምና ማሕበረሰብን ኣከባቢኡን ዘድሊ ነገራት ዳርጋ ኽልተ ሲሶ ኣቢሉ ዚኸውን ካብ ውቅያኖሳት ከም ዚርከብ ይግምቱ። እዚ ኸኣ ባሕሪ ብህይወት ንምንባር ዜድሊ ነገራት ንምምላእ ተባሂሉ ብዕላማ ኸም እተፈጥረ እዩ ዜረጋግጽ። እምበኣር መጽሓፍ ቅዱስ “ሃብቲ ባሕሪ” ኢሉ ኺዛረብ ሓቁ እዩ!—ዘዳግም 33:19

የሆዋ ነዚ ሃብቲ እዚ ብምንዳፉን ብምስራሑን ክብሪ ይግብኦ። ነህምያ “ንስኻ: እወ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚኣብሄር . . . ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ፈጠርካዮ: ነዚ ዅሉ ብህይወት እተንብሮ ኸኣ ንስኻ ኢኻ” ብምባል ንኺውድሶ ተደረኸ።—ነህምያ 9:6

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 2004 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መስከረም/ጥቅምቲ ርአ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ማይን ንፋስን ማዕበልን

ማይን ንፋስን ሓያል ማዕበል ይፈጥር እዩ: እቲ ማዕበላት ከኣ ምስ ኣኻውሕ ዝበዝሖ ኣጻድፍ ኪጋጮ ኸሎ ብርቱዕ ድምጺ እዩ ዚፈጥር። እዚ ኣብ ስእሊ ዘሎ ኣብ ካሊፎርንያ: ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ: ዚርከብ ኣጻድፍ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። ማዕበላት ዜደንቕ ሓይሊ ዚንጸባረቐሉ ብምዃኑ: ወትሩ እዩ ንሰባት ዜስደምሞም። ነቲ ዓብዪ ሓይሊ ፈጣሪና እውን የዘኻኽረና እዩ። የሆዋ “ኣብ ልዕሊ ማዕበላት ባሕሪ . . . ይኸይድ።” “ብሓይሉ ንባሕሪ የናውጻ: ብጥበቡ ኸኣ ንትዕቢት ይወቕዖ።” (እዮብ 9:8፣ 26:12) እወ: “ካብ ድምጺ ብዙሕ ማያት: ካብ ስልጡን ማዕበላት ባሕሪ: እግዚኣብሄር ኣብ ላዕሊ ይስልጥን።”—መዝሙር 93:4

ጽባቐ ሑጻ

ኣብ ደንደስ ባሕሪ ጽባቔኡ ዚምስጥ ሑጻ ንረክብ ኢና። ንኣብነት: ነዚ ኣብ ገማግም እታ ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ ናሚብያ ዚርአ እተዀመረ ሑጻ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ሑጻ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቕርጺ ዜትሕዞ ብቐዳምነት ንፋስ እዩ። ገሊኡ ዅምራ ሑጻ ንእሽቶ ኪኸውን ከሎ: ገሊኡ ግን ምብራኹ ኽሳዕ 400 ሜትሮ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብዝሒ ዘለዎ ሑጻ ነቲ “ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መግለጺ ንኽንርድኦ ይሕግዘና። ካብ ብዝሑ እተላዕለ ኺቍጸርን ኪልካዕን ዜሸግር ነገር እዩ ዜመልክት። (ዘፍጥረት 22:17) ነቲ ማዕበል በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ብሑጻ እተሰርሐ ዕርዲ ንዝገበረሉ ፈጣሪ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት እዩ ዚሓድረና።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ልሳን ባሕሪ ቢያፍራ ዚበሃል ኣብ ካሜሩን ዚርከብ ቦታ ጸሓይ ክትዓርብ ከላ