ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕጊ ሙሴ ንእስራኤላውያን ምስ ጓኖት ከይዋሰቡ ዚእዝዝ እኳ እንተ ነበረ: እስራኤላውያን ሰብኡት ንገሊአን ምሩኻት ኣንስቲ ኺምርዓዉ እተፈቕደሎም ስለምንታይ እዩ፧—ዘዳግም 7:1-3፣ 21:10, 11

እዚ ኣብ ፍሉይ ኵነታት እዩ ተፈቒዱሎም ነይሩ። የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ ከነኣን ንዚርከባ ናይ ሸውዓተ ኣህዛብ ከተማታት ኬጥፍእወንን ንዅሎም ተቐማጦአን ኪቐትልዎምን ኣዚዝዎም ነበረ። (ዘዳግም 20:15-18) ንኻልኦት ኣህዛብ ብዚምልከት ግን ካብቶም ተቐማጦ እተን ደናግል ምሩኻት ጥራይ እየን ኪድሕና ዚኽእላ ነይረን። (ዘሁልቍ 31:17, 18፣ ዘዳግም 20:14) ሓደ እስራኤላዊ ሰብኣይ ንኸምዚኣ ዝኣመሰለት ሰበይቲ እተወሰነ ስጕምትታት እንተ ወሲዳ: ኪምርዓዋ ይኽእል ነይሩ።

ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ኽትወስዶ ዘለዋ ስጕምትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ርእሳ ኸኣ ትላጺ: ጽፍራውን ትቝረጽ። ነቲ ተኸዲናቶ እተማረኸት ክዳና ድማ ትደርብዮ: ኣብ ቤትካ ትንበር: ነቦኣን ነዲኣን ከኣ ወርሒ ምሉእ ትብከየሎም። ድሕርዚ ኣእትዋ እሞ ሰብኣያ ኹን ንሳ ድማ ሰበይትኻ ትኹን።”—ዘዳግም 21:12, 13

ሓደ እስራኤላዊ ንሓንቲ እተማረኸት ድንግል ኪምርዓዋ እንተ ደልዩ: ርእሳ ኽትላጺ ኣለዋ። ርእሲ ምልጻይ መግለጺ ሓዘን ወይ ጓሂ እዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 3:24) ንኣብነት: እቲ ሓደ ኻብቶም ርእሲ ኣቦታት ዝነበረ እዮብ ንዅሎም ደቁን ንብረቱን ምስ ሰኣነ: ሓዘኑ ንምግላጽ ርእሱ ላጸየ። (እዮብ 1:20) እታ ጓና ሰበይቲ ጽፍራ ዋላ ቐለም እንተ ተለኽየ: ኣእዳዋ ዚስሕብ ምእንቲ ኸይከውን ‘ጽፍራ ኽትቈርጽ’ ነበራ። (ዘዳግም 21:12) እቲ ኽትድርብዮ ዘለዋ “ተኸዲናቶ እተማረኸት ክዳና” እተባህለኸ እንታይ እዩ፧ ኣረማውያን ኣንስቲ ስዕረት ኬጋጥም ከሎ እቶም ማረኽተን ሞገስ እንተ ኣርኣይወን ኢለን ብሉጽ ክዳውንተን ናይ ምኽዳን ልማድ ነበረን። እታ እተማረኸት ሰበይቲ ኣብ እትሓዝነሉ እዋን ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኽዳን ክትድርብዮ ኣለዋ።

ሓንቲ እተማረኸት ሰበይቲ ንሓደ እስራኤላዊ ሰበይቱ ኽትኰኖ እንተ ዀይና: ነቶም ዝሞቱ እተፍቅሮም ሰባት ንሓደ ወርሒ ኽትሓዝነሎም ኣለዋ። እተን እተሳዕራ ኸተማታት ምሉእ ብምሉእ ኪጥፍኣ ስለ ዝነበረን: ናይ ቀደም ስድራቤታን ማሕበራዊ ርክባታን ፈጺሙ ኣይህሉን እዩ። እስራኤላውያን ወተሃደራት ነቲ ጣኦታታ ስለ ዜዕንዉዎ: እተምልኾ ነገራት ይጥፍእ እዩ። እታ እትሓዝነላ ወርሒ ነታ እተማረኸት ሰበይቲ ኻብ ዝሓለፈ ሃይማኖታ ሓራ እትዀነሉ እዋን ምጽራይ እውን ኰይኑ የገልግል ነበረ።

ብሓፈሻ ብዛዕባ ጓኖት ኣንስቲ እተዋህበ መምርሒ ግን ከምዚ ኣይነበረን። ኣብዚ መዳይ እዚ የሆዋ “ኣይትዋሰቦም፤ ጓልካ ንወዱ ኣይትሀቦ: ጓሉ ኸኣ ንወድኻ ኣይትውሰድ” ኢሉ ኣዘዘ። (ዘዳግም 7:3) ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ኢሉ ዝኣዘዞም፧ ዘዳግም 7:4 “ንደቅኻ: ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼምልኹ ካብ ምስዓበይ ይመልሶም” ብምባል ትገልጽ። እምበኣር: ንእስራኤላውያን ብኻልእ ሃይማኖት ንኸይብከሉ እዩ እዚ ቐይዲ እዚ ተገይሩሎም። ኣብ ዘዳግም 21:10-13 እተጠቕሰት ዓይነት ጓና ሰበይቲ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ እተምጽእ ኣይነበረትን። ኣዝማዳ ሞይቶም: ነማልኽታ ዚውክል ጣኦታት እውን ዓንዩ እዩ። ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ርክብ የብላን። ሓደ እስራኤላዊ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንእትርከብ ጓና ኺምርዓዋ ተፈቒዱሉ ነበረ።