ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ብጐይታ በርትዑ’

‘ብጐይታ በርትዑ’

‘ብጐይታ በርትዑ’

“ብዝተረፈስ: ኣሕዋተየ: ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ።” —ኤፌሶን 6:10

1. (ሀ) ኣስታት 3,000 ዓመት ይገብር እንታይ ፍልይ ዝበለ ግጥም እዩ እተገብረ፧ (ለ) ዳዊት ዓወት ኪረክብ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧

 ኣስታት 3,000 ዓመት ኣቢሉ ይገብር ክልተ ሰራዊት ኣብ ዓውዲ ዂናት ንሓድሕዱ ተፋጢጡ ኸሎ: ክልተ ተዋጋእቲ ውልቀ-ሰባት ኪጋጠሙ ተዳለዉ። ካብ ክልቲኦም እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ዳዊት ዚበሃል ገና ቘልዓ ዝነበረ ጓሳ እዩ። ነቲ ጎልያድ ዚስሙ ኣዝዩ ሓያልን ገዚፍን ሰብኣይ ከኣ እዩ ኺገጥመሉ። ጎልያድ ተኸዲንዎ ዝነበረ ድርዒ ጥራይ 57 ኪሎ ግራም ኣቢሉ ይምዘን ነበረ: ኣዝዩ ነዊሕ ኲናትን ዓብዪ ሰይፍን ድማ ነበሮ። ዳዊት ድርዒ ዚበሃል እውን ኣይተኸድነን: እታ ሒዝዋ ዝነበረ እንኮ መዋግኢቱ ኸኣ ወንጭፍ እያ ነይራ። እቲ ጎልያድ ዚበሃል ገዚፍ ፍልስጥኤማዊ: ነቲ ኻብ እስራኤላውያን ኪገጥመሉ ዝመጸ ቘልዓ ምዃኑ ምስ ረኣዮ: ውርደት ኰይኑ ተሰምዖ። (1 ሳሙኤል 17:42-44) ነቶም ብኽልቲኡ ወገን ዝነበሩ ተዓዘብቲ: መወዳእታ እዚ ነገር እዚ ፍሉጥ መሲልዎም ነይሩ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ጀጋኑ ወትሩ ኣይኰኑን ዚዕወቱ። (መክብብ 9:11) ዳዊት ብሓይሊ የሆዋ ስለ እተቓለሰ ዓወት ዓተረ። “ውግእሲ ናይ እግዚኣብሄር እዩ” እውን በለ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ “ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍን ብእምንን ኣሰኒፉ: ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቒዑ ቐተሎ” ይብል።—1 ሳሙኤል 17:47, 50

2. ክርስትያናት ኣብ እንታይ ዓይነት ቅልስ እዮም ዚሳተፉ፧

2 ክርስትያናት ኣብ ዓለማዊ ውግእ ኣይሳተፉን እዮም። ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ዚነብሩ እኳ እንተዀኑ: ምስ ኣዝዮም ሓያላት ጸላእቶም ግን መንፈሳዊ ውግእ ይዋግኡ እዮም። (ሮሜ 12:18) ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝለኣኻ መልእኽቱ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ኵሎም ክርስትያናት ዚሳተፉሉ ውግእ ጠቒሱ ኣሎ። “እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር: ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ: ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ: ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ” ኢሉ ጸሓፈ።—ኤፌሶን 6:12

3. ብመሰረት ኤፌሶን 6:10 ዕዉታት ንኽንከውን እንታይ እዩ ዜድልየና፧

3 እቶም “መናፍስቲ እከይ” ተባሂሎም ዘለዉ: ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኬበላሽዉ ዚደልዩ ሰይጣንን ኣጋንንቱን እዮም። ካባና ኣጸቢቖም ስለ ዚሕይሉ: ምስቲ ዳዊት ዝነበሮ ኣብ ዚመሳሰል ኵነታት ኢና ዘሎና። ስለዚ: ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ እንተ ዘይተወኪልና ኽንዕወት ኣይንኽእልን ኢና። እወ: ጳውሎስ “ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ” ብምባል እዩ ተማሕጺኑና። (ኤፌሶን 6:10) እቲ ሃዋርያ ነዚ ማዕዳ እዚ ድሕሪ ምሃብ: ዕዉታት ንኽንከውን ዜኽእለና መንፈሳዊ ምድላዋትን ክርስትያናዊ ባህርያትን ገለጸ።—ኤፌሶን 6:11-17

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክልተ ነጥብታት ኢና ኽንርኢ፧

4 ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ብርታዐን ስልትን ጸላኢና እንታይ ከም ዚብል እስከ ንመርምር። ድሕሪኡ: ገዛእ ርእስና ንምክልኻል ዜኽእለና ስትራተጂ ኽንርኢ ኢና። መምርሒታት የሆዋ እንተ ስዒብና: ጸላእትና ኸም ዘይስዕሩና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።

ምስ መናፍስቲ እከይ ምቅላስ

5. ኣብ ኤፌሶን 6:12 እትርከብ “ቅልስ” እትብል ቃል: ስልቲ ሰይጣን ንኸነስተውዕል እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

5 ጳውሎስ ‘ቅልስና ምስ መናፍስቲ እከይ ኣብ ሰማያት’ ምዃኑ ገለጸ። ካብ ኵሎም መናፍስቲ እቲ “ሓለቓ ኣጋንንቲ” እተባህለ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ ኣውራ እኩይ። (ማቴዎስ 12:24-26) መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ግጥም ከም ኢድ ብኢድ ዚግበር “ቅልስ” ገይሩ እዩ ገሊጽዎ። ኣብ ጥንታዊ ግሪኽ ኣብ ዚግበር ዝነበረ ቕልስ: ነፍሲ ወከፍ ተቓላሳይ ንተጋጣሚኡ ሚዛኑ ኸም ዚስሕት ብምግባር ኣብ ምድሪ ኼውድቖ እዩ ዚጽዕር ነይሩ። ድያብሎስ እውን ብተመሳሳሊ መንፈሳዊ ሚዛንና ኽንስሕት እዩ ዚደሊ። ብኸመይ እዩ ሚዛንና ኸም እንስሕት ኪገብረና ዚኽእል፧

6. ድያብሎስ ንእምነትና ኼዳኽም ዚኽእል እተፈላለየ ስልቲ ኺጥቀም ከም ዚኽእል ብጥቕስታት ጌርካ ኣርኢ።

6 ድያብሎስ ከም ተመን: ከም ኣንበሳ: ወይ ከም መልኣኽ ብርሃን እውን ከይተረፈ ኼምስል ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 11:3, 14፣ 1 ጴጥሮስ 5:8) ብሰባት ኣቢሉ ኺሰጐናን ተስፋ ኬቝርጸናን ይኽእል እዩ። (ራእይ 2:10) ንብምልእታ ዓለም ዚገዝኣ ዘሎ ንሱ ብምዃኑ: ነቲ ፍትወታን ዚስሕብ ክፋላታን ብምምዝማዝ መፈንጠራ ኺገብረልና ይኽእል እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:26፣ 1 ዮሃንስ 2:16፣ 5:19) ከምቲ ንሄዋን ዝሓበላ: ንኼስሕተና ናይ ዓለም ወይ ናይ ክሕደት ኣተሓሳስባ ኺጥቀም ይኽእል እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 2:14

7. ሰይጣንን ኣጋንንቱን እንታይ እዮም ኪገብሩ ዘይክእሉ: እንታይ ብልጫኸ እዩ ዘሎና፧

7 ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዘለዎም ኣጽዋር ኰነ ሓይሊ ኣዝዩ ብዙሕ እኳ እንተዀነ: ኪገብርዎ ዘይክእሉ ነገራት ግን ኣሎ። እዞም መናፍስቲ እከይ እዚኣቶም ንሰማያዊ ኣቦና ዜጕህዮ እከይ ክንገብር ኬገድዱና ኣይኽእሉን እዮም። ኵላትና ቕኑዕን ጌጋን ክንመርጽ: ንሓሳባትናን ተግባራትናን ከኣ ክንቈጻጸር እንኽእል ኴንና ኢና ተፈጢርና። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ በይንና ኣይኰንናን እንቃለሶም። ከምቲ ብግዜ ኤልሳእ ዝነበረ: “ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ።” (2 ነገስት 6:16) ንኣምላኽ እንተ ተገዚእናዮን ንድያብሎስ እንተ ተጻሪርናዮን: ንሱ ኻባና ኸም ዚሃድም መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና።—ያእቆብ 4:7

ውዲት ሰይጣን ምፍላጥ

8, 9. ሰይጣን ንንጽህና እዮብ ንምብልሻው እንታይ ፈተናታት እዩ ዘምጸኣሉ: ኣብዚ ግዜናኸ እንታይ መንፈሳዊ ሓደጋታት እዩ ዘሎ፧

8 ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ መሰረታዊ ስልትታት ሰይጣን ስለ ዜቃልዖ: ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና። (2 ቈረንቶስ 2:11) ድያብሎስ ኣብቲ ጻድቕ ዝነበረ እዮብ ኣብ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ: ከቢድ ቍጠባዊ ጸገማት: ሞት ዜፍቅሮም ሰባት: ናይ ስድራቤት ምጽራር: ኣካላዊ ስቓይ: ከምኡውን ካብ ናይ ሓሶት ፈተውቲ መሰረት ዘይብሉ ነቐፋ ተጠቒሙ እዩ። እዮብ በዚ ተደቝሰ: ኣምላኽ ዝራሕርሖ ድማ መሰሎ። (እዮብ 10:1, 2) ኣብዚ ግዜና ሰይጣን ብቐጥታ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ዘየምጽኣልና እኳ እንተዀነ: ንሓያሎ ክርስትያናት ግን ምስዚ ዚመሳሳል ጸገማት የጋጥሞም እዩ: ሰይጣን እውን ነዚ ኺጥቀመሉ ይኽእል እዩ።

9 ኣብዚ ግዜና መንፈሳዊ ሓደጋታት ይበዝሕ እዩ ዘሎ። ስጋዊ ነገራት ንመንፈሳዊ ሸቶታት ኣብ ዚዕብልሎ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና። መራኸቢ ብዙሓን ንብዕሉግ ጾታዊ ርክብ ጓሂ ዜምጽእ ዘይኰነስ ዜሐጕስ ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ወትሩ ዚገልጾ። መብዛሕትኦም ሰባት ከኣ “ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ” እዮም ኰይኖም ዘለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ‘ንእምነትና እንተ ዘይተጋዲልና:’ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ንመንፈሳዊ ሚዛንና ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ይኽእል እዩ።—ይሁዳ 3

10-12. (ሀ) የሱስ ኣብቲ ምስላ ዘራኢ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዝሃበ፧ (ለ) መንፈሳዊ ነገራት ብኸመይ ኪሕነቕ ከም ዚኽእል ግለጽ።

10 ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ብዙሕ ኣሳልጦ ዝረኸበሉ ስልትታት: በዛ ዓለም እዚኣን ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ኣብ ምጕያይን ከም እንወሓጥ ምግባር እዩ። የሱስ ኣብታ ምስላ ዘራኢ: ኣብ ገሊኡ መዳያት “ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ግና ነቲ ቓል [መንግስቲ ኣምላኽ] ይሐንቆ” ኢሉ ኣጠንቀቐ።—ማቴዎስ 13:18, 22

11 ኣብ ትሮፒካዊ ዱር ንኻልእ ኦም ዚሓንቕ በለስ ጥልያን ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣብ ጕንዲ ኻልእ ኦም እናተጠምጠመ ቐስ እናበለ እዩ ዚበቍል። በብቕሩብ ሰራውሩ እናደልደለ ኪኸይድ ከሎ: እቲ ሓረጉ ነቲ ኦም ይኸቦ። እቲ ዚሓንቕ በለስ ጥልያን እናሓደረ ንመብዛሕትኡ ኣብ እግሪ እቲ ኦም ኣብ ዘሎ ሓመድ ዚርከብ ማዕድናት ይመጽዮ: ኣቝጽልቱ ድማ ነቲ ኦም ብርሃን ከም ዘይረክብ ይገብሮ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ ኦም ይመውት።

12 ብተመሳሳሊ: ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ሃብቲ ንምርካብ ዚግበር ጻዕርን ጣዕሚ ናብራን ንመብዛሕትኡ ግዜናን ጕልበትናን በብቕሩብ ኪመጽዮ ይኽእል እዩ። ኣቓልቦና ናብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራት እንተ ኣተኲሩ: ናይ ብሕትና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐሊሉ ዕሽሽ ክንብሎን ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምብኳር ኣመል ክንገብሮን ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ መንፈሳዊ ምግቢ ንስእን። ድሕርዚ: ስጋዊ ሸቶታት ነቲ መንፈሳዊ ሸቶታት ይትክኦ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሰይጣን ብቐሊሉ ይጐብጠና።

ክንቃወም ኣሎና

13, 14. ሰይጣን ኪጻረረና ኸሎ እንታይ ኣቕዋም ኢና ኽንወስድ ዘሎና፧

13 ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ “ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ . . . ኽትክእሉ” ኢሉ ተላበዎም። (ኤፌሶን 6:11) ልክዕ እዩ: ንድያብሎስን ኣጋንንቱን ከነጥፍኦም ኣይንኽእልን ኢና። ኣምላኽ ነዚ መዝነት እዚ ንየሱስ ክርስቶስ እዩ ሂብዎ። (ራእይ 20:1, 2) ሰይጣን ክሳዕ ዚእለ ግን መጥቃዕትታቱ ምእንቲ ኸይዕብልለና “ምቅዋሙ” ኽንክእል ኣሎና።

14 ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ንሰይጣን ምቅዋሙ ኽሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኼጕልሕ ከሎ: ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ድያብሎስ: እቲ መጻርርትኹም: ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑ። እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም: ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ።” (1 ጴጥሮስ 5:8, 9) ድያብሎስ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ መጥቃዕቲ ኺፍንወልና ኸሎ: መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዚህቡና ደገፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

15, 16. ደገፍ ክርስትያናት ብጾት ጸኒዕና ንኽንቀውም ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ ምዃኑ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ሃብ።

15 ኣብ ኣፍሪቃ ኣንበሳ ኺጓዝም ከሎ: ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ዓጋዜን ካብቲ ሓደገኛ ኸባቢ ኽሳዕ እትርሕቕ ብዘለዋ ናህሪ እያ እትሃድም። ሓራምዝ ግን ንሓድሕዶም ብምትሕግጋዝ ኣብነት እዮም ዚዀኑ። እታ ኤሌፋንትስ—ጀንትል ጂያንትስ ኦቭ ኣፍሪካ ኤንድ ኤዥያ (ሓራምዝ—ህዱኣት ዓርሞሸሻት ኣፍሪቃን እስያን) ዘርእስታ መጽሓፍ “ጕጅለ ሓራምዝ ዚጥቀሙሉ ልሙድ መከላኸሊ ሜላ እቶም ዓበይቲ ዓንኬል ሰሪሖም ነቶም ንኣሽቱ ኣብ ማእከል ብምግባር ናብቲ ጸላኢ ገጾም ብምጥማት እዩ” ትብል። ኣናብስ ካብ ሓራምዝ ከምዚ ዝኣመሰለ ብርታዐን ምድግጋፍን ስለ ዜጋጥሞም: ኣብቶም ንኣሽቱ ሓራምዝ እውን እንተዀነ መጥቃዕቲ ኺፍንዉ ኣይደፍሩን እዮም።

16 ንሕናውን ካብ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ምጕብዕባዕ ምስ ዜጋጥመና: ብተመሳሳሊ ምስቶም ኣብ እምነት ድልዱላት ዝዀኑ ኣሕዋትና ሓቢርና ኢና እንቐውም። ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ገሊኣቶም ክርስትያናት ብጾቱ “ንምጽንናዕ” ከም ዝዀንዎ ኣፍልጦ ሂቡ እዩ። (ቈሎሴ 4:10, 11) እታ “ምጽንናዕ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ኣብ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ሓንሳእ ጥራይ እያ እትርከብ። ብመሰረት እታ ብቫይን እተዳለወት ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ዎርድስ “ግሲ እዛ ቓል እዚኣ: ካብ ቃንዛ ንዜህድእ መድሃኒታት እያ እተመልክት” ትብል። ሓገዝ ብሱላት ኣምለኽቲ የሆዋ ልክዕ ከም ፈውሲ ቓንዛ: ነቲ ስምዒታዊ ወይ ኣካላዊ ስቓይና ኼህድኦ ይኽእል እዩ።

17. ንኣምላኽ እሙናት ክንከውን ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

17 ካብ ክርስትያናት ብጾትና እንረኽቦ ምትብባዕ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ንምግልጋል ዝገበርናዮ ቘራጽነት ኬደልድሎ ይኽእል እዩ። ብፍላይ ክርስትያን ሽማግለታት መንፈሳዊ ሓገዝ ንምሃብ ድሉዋት እዮም። (ያእቆብ 5:13-15) ኣዘውቲርካ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ከምኡውን ኣብ ሰሙናውን ዓበይትን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ እውን እሙናት ክንከውን ይድግፈና እዩ። ምስ ኣምላኽ ዘሎና ጥብቂ ርክብ ንዕኡ እሙናት ክንከውን ይሕግዘና። እወ: እንተ በላዕና: ወይስ እንተ ሰቴና: ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርና: ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ክንገብሮ ኢና እንደሊ። (1 ቈረንቶስ 10:31) እምበኣር: ንየሆዋ ብዜሐጕሶ መገዲ ንምምልላስ ወትሩ ብጸሎት ኣብኡ ኽንውከል ኣሎና።—መዝሙር 37:5

18. ዜጨንቕ ኵነታት ንሓይልና እኳ እንተ ጸንቀቖ ኽንሕለል ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

18 ሓድሓደ ግዜ ሰይጣን ብመንፈስ ኣብ ዝደኸምናሉ እዋን መጥቃዕቲ ኺፍኑ ይኽእል እዩ። ኣንበሳ ንድኽምቲ እንስሳ እዩ ዚጐብጥ። ናይ ስድራቤት ጸገማት: ቝጠባዊ ሽግራት: ወይ ሕማም ንመንፈሳዊ ሓይልና ኺጽንቅቖ ዚኽእል እኳ እንተዀነ: ንኣምላኽ ዜሐጕስ ካብ ምግባር ግን ኣይንተሓለል፣ ከመይሲ: ጳውሎስ “ምስ ዝደክም: ሽዑ እየ ዝብርትዕ” ኢሉ እዩ። (2 ቈረንቶስ 12:10፣ ገላትያ 6:9፣ 2 ተሰሎንቄ 3:13) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ንየሆዋ ሓይሊ ኺህበና እንተ ለሚንናዮ: እቲ ዚህበና ሓይሊ ነቲ ድኻምና ኺሽፍነልና ምዃኑ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ዳዊት ኣብ ጎልያድ ዝረኸቦ ዓወት: ኣምላኽ ንህዝቡ ሓይሊ ኺህቦም ይኽእል ጥራይ ዘይኰነስ: ከም ዚህቦም እውን ዜረጋግጽ እዩ። ኣብዚ ግዜና ዘለዉ መሰኻኽር የሆዋ ኣዝዩ ኸቢድ ጸገማት ኣብ ዜጋጥሞም እዋን: ኢድ የሆዋ ኸም ዘበርትዓቶም ተመኲሮምዎ እዮም።—ዳንኤል 10:19

19. የሆዋ ነገልገልቱ ብኸመይ ኬበራትዕ ከም ዚኽእል ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

19 ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ምኽሪ ኺገልጹ ኸለዉ ኸምዚ በሉ:- “ንሓያሎ ዓመታት ሰብኣይን ሰበይትን ኴንና ንየሆዋ ኣገልጊልናዮ: ብዙሕ በረኸታት ረኺብና: ምስ ብዙሓት ዜደንቑ ሰባት ከኣ ተፋሊጥና ኢና። ነቲ ዜጋጥመና ጸገማት ብዓወት ንኽንሰግሮ እውን የሆዋ ኣሰልጢኑናን ኣበራቲዑናን እዩ። ልክዕ ከም እዮብ: ገለ ነገራት ንምንታይ ከም ዜጋጥመና ኣይተረድኣናን: የሆዋ ንኺሕግዘና ወትሩ ድሉው ምንባሩ ግን ፈሊጥና ኢና።”

20. የሆዋ ወትሩ ንህዝቡ ኸም ዚድግፎም እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ኣሎ፧

20 ኢድ የሆዋ ንእሙናት ህዝቡ ንምድጋፍን ንምብርታዕን ሓጻር ኣይኰነትን። (ኢሳይያስ 59:1) ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄር ነቶም ዚወድቁ ዅሎም ይድግፎም: ነቶም ለጠቕ ዚብሉ ዅሎም የልዕሎም” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 145:14) እወ: እቲ ሰማያዊ ኣቦና “ነንመዓልቲ ጾርና ይጸውር:” ብሓቂ ዜድልየና ነገር ከኣ የማልኣልና ኣሎ።—መዝሙር 68:19

“ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ” ክንለብስ ኣሎና

21. ጳውሎስ ብዛዕባ ኣድላዪነት መንፈሳዊ ኣጽዋር ብኸመይ እዩ ዘጕልሐ፧

21 ክሳዕ ሕጂ ገለ ሜላታት ሰይጣን መርሚርና: መጥቃዕቲ ኺፍንወልና ኸሎ ጸኒዕና ኽንቀውም ከም ዘሎና ድማ ርኢና ኢና። ሕጂ ንእምነትና ብዓወት ንምክልኻል ዜኽእለና ኻልእ ኣገዳሲ ምድላው ክንምርምር ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ንሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፋ መልእኽቱ: ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ንኽንክእልን ኣብቲ ምስ መናፍስቲ እከይ እንገብሮ ቓልሲ ንኽንዕወትን ዜድልየና ኣገዳሲ ረቛሒ ኽልተ ሳዕ ጠቒሱ ኣሎ። ጳውሎስ “ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ: ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ: ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ: ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ” ኢሉ ጸሓፈ።—ኤፌሶን 6:11, 13

22, 23. (ሀ) መንፈሳዊ ኣጽዋርና እንታይ ዜጠቓልል እዩ፧ (ለ) ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

22 እወ: “ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ” ክንለብስ ኣሎና። ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን መልእኽቲ ኺጽሕፈሎም ከሎ: ብሓደ ወተሃደር ሮሜ ይሕሎ ነበረ። እዚ ወተሃደር እዚ ሓድሓደ ግዜ ዅሉ ኣጽዋሩ ይለብስ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: እቲ ሃዋርያ ነቲ ዅሉ ኣገልጋሊ የሆዋ ዜድልዮ መንፈሳዊ ኣጽዋር ዝገለጸ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ እዩ።

23 እዚ ኣምላኽ ዚህበና ኣጽዋር እዚ ሓደ ክርስትያን ኪህልዎ ዘለዎ ባህርያትን የሆዋ ዝገበረልና መንፈሳዊ ምድላዋትን ዜጠቓልል እዩ። ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ንነፍሲ ወከፍ መንፈሳዊ ኣጽዋር ክንምርምር ኢና። እዚ ኸኣ ንመንፈሳዊ ውግእ ክሳዕ ክንደይ ከም እተዳሎና ንኽንፈልጥ ኪሕግዘና እዩ። ብዘይካዚውን: እቲ የሱስ ክርስቶስ ዝገደፈልና ዜደንቕ ኣብነት ንሰይጣን ድያብሎስ ኣብ ምጽራር ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኽንርኢ ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ኵሎም ክርስትያናት እንታይ ቅልስ እዩ ዘለዎም፧

• ገለ ኻብቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ስልትታት ግለጽ።

• ክርስትያናት ብጾትና ዚገብሩልና ደገፍ ብኸመይ ኬበርትዓና ይኽእል፧

• ኣብ ናይ መን ሓይሊ ኢና ኽንውከል ዘሎና: ስለምንታይከ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ‘ምስ መናፍስቲ እከይ ቅልስ ኣለዎም’

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ጓሂ እዚ ኣገባብ እዚ ንቓል መንግስቲ ኣምላኽ ኪሓንቆ ይኽእል

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ብጾትና “ንምጽንናዕ” ኪዀኑና ይኽእሉ እዮም

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ሓይሊ ኺህበካ ብጸሎት ትልምኖ ዲኻ፧