ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቸስተር ቢቲ ዝኣከቦ ኽቡር ነገር

ቸስተር ቢቲ ዝኣከቦ ኽቡር ነገር

ቸስተር ቢቲ ዝኣከቦ ኽቡር ነገር

ሪቻርድ ጄምስ ሄዝ ዚበሃል ናይቲ ኣብ ዳብሊን: ኣየርላንድ: ዚርከብ ቤተ-መጻሕፍቲ ቸስተር ቢቲ ሓለቓ ዝነበረ: ብዛዕባ እቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ኺገልጽ ከሎ “ነቲ ሕጂ ጠፊኡ ዘሎ ሓያሎ ስልጣነታት ዜመልክት መዛግብቲ ዝመልኦ: ከምኡውን ጽባቐ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ንኣሽቱ ስነ-ጥበብን ቅብኣታትን ኣዝዩ ዜደንጹ እዩ” በለ። ኣብዚ ቤተ-መጻሕፍቲ እዚ ብዋጋ ዘይሽነን ቅርስታት: ብሉጽ ስርሓት ስነ-ጥበብ: ከምኡውን ብርቂ መጻሕፍትን ኢደ-ጽሑፍን ይርከብ። ቸስተር ቢቲ ደኣ እሞ መን እዩ፧ እንታይ ክቡር ነገራትከ እዩ ኣኪቡ፧

ኣልፍረድ ቸስተር ቢቲ ብ1875 ኣብ ኒው ዮርክ: ሕ.መ.ኣ. እተወልደ ዀይኑ: ናይ ስኮትላንድን ኣየርላንድን እንግሊዝን ደም ዝነበሮ እዩ። ወዲ 32 ዓመት ኣብ ዝዀነሉ እዋን መሃንድስን ኣማኻርን ዕደና ብምንባሩ ብዙሕ ሃብቲ ደለበ። ንሃብቱ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ውቁብን ብሉጽን ነገራት ንምእካብ ተጠቕመሉ። ብ1968 ኣብ 92 ዓመቱ ኺመውት ከሎ: ንብምሉኡ እቲ ዝኣከቦ ነገራት ንህዝቢ ኣየርላንድ ኣውረሶ።

እንታይ እዩ ኣኪቡ፧

ቢቲ እተፈላለየ ነገራት እዩ ኣኪቡ። ካብቲ ዝኣከቦ 1 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ንምርኢት ዝቐረበ። ኣብ እተፈላለየ እዋን እተሰርሐ ናይ ኣሽሓት ዓመታት ባህሊ ዜንጸባርቕ ብርቅን ክቡርን ኣቓሑ ኣከበ። ኣውሮጳ ኣብ ስነ-ጥበብ ተሓድሶ ኣብ ዝገበረትሉ ማእከላይ ዘመን እተዳለወ: ካብ ሃገራት እስያን ኣፍሪቃን ከኣ እተረኽበ ነገራት ዜጠቓልል እዩ። ንኣብነት: እቲ እዚ ሰብኣይ እዚ ዝኣከቦ ምንጩ ኻብ ጃፓናውያን ዝዀነ ኣብ ዕንጨይቲ እተሰርሐ ቕርጺ: ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ጌርካ እዩ ዚርአ።

እቲ በማእታት ዚቝጸር ጥንታዊ ጽሑፍ ዚርከቦ ዜስደምም ጽላት ካይላ ባቢሎንን ሱመርን ካብ ጽባቐ ስነ-ጥበብ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ልዕሊ 4,000 ዓመት ይገብር ኣብ መሶጶታምያ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት: ኣብ ልምሉም ጽላት ካይላ ብዛዕባ ህይወቶም ዝርዝር ነገራት ይጽሕፉ እሞ ድሕሪኡ ብሓዊ ይጠብስዎ ነበሩ። ሓያሎ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጽላት ክሳዕ እዚ ግዜና ብምጽናሑ: ጽሕፈት ካብ ጥንቲ ኸም ዝጀመረ ንጹር መርትዖ እዩ ዚዀነና።

ዚምስጥ መጻሕፍቲ

ቸስተር ቢቲ በቲ ጽቡቕ መጻሕፍቲ ኣብ ምድላው እተንጸባረቐ ስነ-ጥበብ እተማረኸ እዩ ዚመስል። እተሓላለኸ ስልማት ዘለዎ ቍርኣን ዚርከቦ በሽሓት ዚቝጸር ዓለማውን ሃይማኖታውን መጻሕፍቲ ኣኪቡ እዩ። ሓደ ጸሓፊ ብዛዕባኡ ኺዛረብ ከሎ “በቲ ኣወዳድቓ ጽሑፍ ዓረብ ተመሲጡ: . . . ሕብሪ እቲ ኣብ ቈጽሊ ወርቅን ብሩርን ካልእ ድሙቕ ማዕድናትን እተጻሕፈ ጽባቐ ጽሕፈት ኣስደሚምዎ እዩ” በለ።

ቸስተር ቢቲ ልክዕ ከምቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ሃጸያት ቻይና: በቲ ጄድ ዚበሃል ክቡር እምኒ ይምሰጥ ነበረ። እቶም ሃጸያት ቻይና ነቲ ብሉጽ ጄድ ካብ ኵሉ ማዕድናት: እንተላይ ካብ ወርቂ ኣዝዩ ዚኸብር ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። እዞም ገዛእቲ እዚኣቶም ዓብዪ ጄድ ኣምጺኦም ልሙጽን ረቂቕን ቀጸላ ንምግባር: ክኢላታት ሰብ-ሞያ ይቘጽሩ ነበሩ። ድሕርዚ ተውህቦ ዘለዎም ስነ-ጥበባውያን ነዚ ገጻት ብወርቂ ብእተቐርጸ ብሉጽ ጽሕፈትን ስእልታትን ይመልእዎ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣዝዩ ዜስደምም መጻሕፍቲ የዳልዉ። ቢቲ ነዚ መጻሕፍቲ እዚ ምእካቡ: ኣብ ምሉእ ዓለም ተፈላጥነት ኣምጺኡሉ እዩ።

ብዋጋ ዘይሽነን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ-ጽሑፋት

መጽሓፍ ቅዱስ ንዜፍቅሩ ሰባት ካብቲ ቸስተር ቢቲ ዝኣከቦ ነገራት ነቲ ጥንትን ኣብ ማእከላይ ዘመንን እተዳለወ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ-ጽሑፋት እዮም ዝያዳ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ። እቲ እተሰላለመ ኢደ-ጽሑፋት ንዓቕልን ስነ-ጥበባዊ ኽእለትን እቶም ብኢድ ዚቐድሕዎ ጸሓፍቲ እዩ ዚሕብር። እቲ እተሓትመ መጻሕፍቲ ንኽእለትን ብልሓትን እቶም ጥንቲ ዝነበሩ መጻሕፍቲ ዚጥርዙን ዚሓትሙን ሰባት እዩ ዜርኢ። ንኣብነት: ቢቢልያ ላቲና ብ1479 ብኣንቶን ኮበርገር ኣብ ኑረምበርግ እያ ተሓቲማ። እዚ ሰብ እዚ ዮሃንስ ጉተንበርግ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዚነብር ዝነበረ ዀይኑ: “ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስትን ንጡፋትን ቀዳሞት ሓተምቲ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።

ሓደ ኻብቲ ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ቸስተር ቢቲ ዚርከብ ፍሉይ መጽሓፍ: ኤፍሬም ዚበሃል ሶርያዊ ምሁር ኣብ መጀመርታ ራብዓይ ዘመን ዘዳለዎ ኢደ-ጽሑፍ እዩ። ኤፍሬም ካብቲ ኣብ ካልኣይ ዘመን እተዳለወ ዲያተሳሮን ዚበሃል ጽሑፍ ብተደጋጋሚ እዩ ዚጠቅስ። ኣብቲ ጽሑፍ እቲ ኸኣ እቲ ቴሽን ዚበሃል ጸሓፊኡ ነቲ ብዛዕባ ህይወት የሱስ ክርስቶስ ዚገልጽ ጸብጻባት ዝሓዘ ኣርባዕተ ወንጌላት ኣብ ሓደ ዚሰማማዕ ታሪኽ ብምግባር ኣስፈሮ። ጸኒሖም ጸሓፍቲ ኻብቲ ዲያተሳሮን እኳ እንተ ጠቐሱ: ቅዳሕ እቲ ጽሑፍ ግን ኣይተረኽበን። ገለ ኻብቶም ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበሩ ምሁራት እኳ እዚ ጽሑፍ እዚ ብሓቂ እንተ ነይሩ ኺጠራጠሩ ጀመሩ። ብ1956 ግን ቢቲ ነቲ ኤፍሬም ብዛዕባ እቲ ቴሽን ዝጸሓፎ ዲያተሳሮን ዝሃቦ ሓሳባት ረኸቦ። እዚ ርኽበት እዚ ንሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ ዜራጕድ ተወሳኺ መርትዖ እዩ።

ኣኽቢርካ ዚርአ ናይ ፓፒረስ ኢደ-ጽሑፋት

ቢቲ ሓያሎ ሃይማኖታውን ዓለማውን ናይ ፓፒረስ ኢደ-ጽሑፋት እውን ኣኪቡ እዩ። ቅድሚ ራብዓይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈ ልዕሊ 50 ናይ ፓፒረስ ኢደ-ጽሑፋት ተረኺቡ ኣሎ። ገለ ኻብዚ ፓፒረስ እዚ ኣብ ምድረ-በዳ ግብጺ ንዘመናት ዳርጋ ተጓሒፉ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ተረኺቡ። ሓያሎ ኻብቲ ፓፒረስ ንመሸጣ ኪቐርብ ከሎ ተቘራሪጹ እዩ ነይሩ። ሸቃጦ ቝርጽራጽ ፓፒረስ ዝመልአ ሳጹን ሒዞም ይመጹ። ብዛዕባ እቲ ድሕርዚ ዚኸውን ነገር ቻርለስ ሆርተን ዚበሃል ሓላፊ ምዕራባዊ ጽሑፋት ቤተ-መጻሕፍቲ ቸስተር ቢቲ ኺገልጽ ከሎ: “እቶም ኪገዝእዎ ዚደልዩ: ካብቲ ሳጹን ነቲ ዝበዝሐ ጽሑፍ ዝሓዘ ዝዓበየ ቝራጽ የልዕሉ” በለ።

ሆርቶን ካብ መንጎ እቲ ቢቲ ዝረኸቦ “ኣዝዩ ዜደንቕ ርኽበት:” ክቡር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ይርከቦ። እዚ ድማ “ገለ ኻብቲ ብጥንታውነቱ ቐዳምነት ዚወሃቦ ናይ ክርስትያን ብሉይን ሓድሽን ኪዳን ይርከቦ።” እቶም ዋጋኡ ዝፈለጡ ሸቃጦ ንእተፈላለዩ ዓደግቲ ምእንቲ ኺሸጥዎ ኢሎም ንሓደ ጽሑፍ ኣብ እተፈላለየ ኽፋል ቀዲዶምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ቢቲ ግን ሓያሎ ኻብዚ ኺዕድግ ከኣለ። እዚ ጽሑፋት ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧ ሰር ፍረደሪክ ከንዮን ነቲ ርኽበት እቲ ኻብቲ ቲሸንዶርፍ ብ1844 ዝረኸቦ ኮደክስ ሲናቲኩስ ቀጺሉ “ኣዝዩ ኣገዳሲ” ርኽበት ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ።

እዚ ጽሑፋት እዚ ኻብ ካልኣይ ክሳዕ ራብዓይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ዘሎ እዋን እዩ ተጻሒፉ። ኣብ መንጎ እቲ ናብ ግሪኽኛ ሰፕቱጀንት እተተርጐመ ናይ እብራይስጢ ቕዱሳት ጽሑፋት: ክልተ ናይ ዘፍጥረት ቅዳሓት ይርከብ። ከንዮን እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ: “ምኽንያቱ እቲ መጽሓፍ [ዘፍጥረት] ኣብ ቫቲካኑስን ሲናቲኩስን [ኣብ ራብዓይ ዘመን ዚርከብ ኢደ-ጽሑፋት] ኣይርከብን እዩ” በለ። ሰለስተ ኻብዚ እተረኽበ ጽሑፋት መጻሕፍቲ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት እዩ። እቲ ሓደ ጽሑፍ መብዛሕትኡ ኽፋል እቲ ኣርባዕተ ወንጌላትን መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያትን ዝሓዘ እዩ። እቲ ኻልኣይ ጽሑፍን ቢቲ ጸኒሑ ዝዓደጎ ኻልእ ገጻትን ከኣ ነታ ናብ እብራውያን እተላእከት መልእኽቲ ሓዊስካ ዳርጋ ምሉእ ቅዳሕ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ መልእኽትታት ዝሓዘ እዩ። እቲ ሳልሳይ ጽሑፍ ከኣ ሲሶ መጽሓፍ ራእይ ዝሓዘ እዩ። ብመሰረት ከንዮን እዚ ፓፒረስ እዚ “ነቲ ድሮ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝነበረና ድልዱል ምትእምማን ተወሳኺ መርትዖ ብምዃን ዝያዳ ኣደልዲልዎ” በለ።

ቸስተር ቢቲ ዝኣከቦ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፓፒረስ: ክርስትያናት ቀልጢፎም ነቲ ዘይምሹእ ጥቕላላት ሓዲጎም ብመልክዕ መጽሓፍ ኪጥቀሙ ኸም ዝጀመሩ ይሕብር። ነዚ ድማ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ዝጀመርዎ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ፓፒረስ ዋሕዲ ናይ ጽሕፈት መሳርሒ ብምንባሩ: ቀዳሕቲ ነቲ ናይ ቀደም ፓፒረስ ዳግም ይጥቀሙሉ ምንባሮም ይሕብር። ንኣብነት: ሓደ ኽፋል ወንጌል ዮሃንስ ዝሓዘ ናይ ኮፕቲክ ኢደ-ጽሑፍ “ናይ ግሪኽ ሕሳብ ዚርከቦ ናይ ቤት ትምህርቲ መላመዲ ደብተር ኣብ ዚመስል ጥራዝ” እዩ ተጻሒፉ።

እዚ ፓፒረስ እዚ ዜደንቕ ጽባቐ ዘይብሉ እኳ እንተዀነ: ብዋጋ ግን ዘይሽነን እዩ። ምስ ፈላሚ ክርስትና ዜተኣሳስር ዚጭበጥ መርትዖ እዩ። ቻርለስ ሆርተን “ኣብዚ ገሊኦም ቀዳሞት ማሕበረሰብ ክርስትያናት ዚጥቀሙሉን ኣኽቢሮም ዚርእይዎን ዝነበሩ መጻሕፍቲ ብዓይንኻ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ” በለ። (ምሳሌ 2:4, 5) ናብ ቤተ-መጻሕፍቲ ቸስተር ቢቲ ኼድካ ነቲ ኽቡር ጽሑፋት ክትምርምር ኣጋጣሚ እንተ ረኺብካ: ተሓጒስካ ኸም እትወጽእ ኣየጠራጥርን እዩ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ካትሱሺካ ሆኩሳይ ኣብ ዕንጨይቲ ዝቐረጾ ስነ-ቕርጺ ጃፓን

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

“ቢቢልያ ላቲና” ሓደ ኻብቲ ጥንታዊ ቕዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ኤፍሬም ብዛዕባ እቲ ቴሽን ዘዳለዎ “ዲያተሳሮን” ዝሃቦ ሓሳባት ንሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ የራጕዶ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ዝዀነ ቸስተር ቢቲ ፒ45 ዚበሃል ጽሑፍ መብዛሕትኡ ኽፋል እቲ ኣርባዕተ ወንጌላትን ግብሪ ሃዋርያትን ኣብ ሓንቲ ጥራዝ ሒዙ ኣሎ

[ምንጪ ስእሊ]

Reproduced by kind permission of The Trustees of the Chester Beatty Library, Dublin

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

All images: Reproduced by kind permission of The Trustees of the Chester Beatty Library, Dublin