ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንስኻትኩም ከምዚ ኢልኩም ጸልዩ’

‘ንስኻትኩም ከምዚ ኢልኩም ጸልዩ’

‘ንስኻትኩም ከምዚ ኢልኩም ጸልዩ’

ነታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብል ጸሎት ትፈልጣዶ፧ እዚኣ ክርስቶስ ንኣብነት ዝሰረዓልና ጸሎት እያ። የሱስ ኣብቲ ውሩይ ዝዀነ ናይ ከረን ስብከቱ “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ” በለ። (ማቴዎስ 6:9) እዛ ክርስቶስ ዝመሃረና ጸሎት “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና” ኢላ ስለ እትጅምር እያ ኣቡነ ዘበሰማያት ተባሂላ።

ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቍጸሩ ሰባት ንኣቡነ ዘበሰማያት መዓልታዊ እዮም ዚደግምዋ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ብዙሓት ሰባት ነዛ ጸሎት ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ህዝባዊ በዓላትን ይጽልይዋ እዮም። ንምንታይ እዮም ግን ሰባት ነታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብል ጸሎት ኣኽቢሮም ዚርእይዋ፧

ኣብ ሳልሳይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ቆጵሮሳዊ ናይ ሃይማኖት ምሁር “ክርስቶስ ካብ ዝሃበና መንፈሳዊት ጸሎት እትበልጽ እሞ እንታይ ኣላ፧ ካብታ እቲ ሓቂ ዝዀነ ወዱ . . . ዝመሃረና ጸሎት ንላዕሊ ሓቀኛ ኪኸውን ዚኽእል እሞ እንታይ ኣሎ፧” ኢሉ ጸሓፈ።—ዮሃንስ 14:6

ኣቡነ ዘበሰማያት “መሰረታዊት ጸሎት ክርስትያን” ከም ዝዀነት ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ትምህርተ-ሃይማኖት ተቐቢልዎ እዩ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ እውን “ቀንዲ መግለጺ እምነት ክርስትያን” ብምባል እዛ ጸሎት ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዓብዪ ቦታ ኸም ዘሎዋ ገለጸ።

ይኹን እምበር: ኣቡነ ዘበሰማያት ሸምዲዶም ዚጽልዩ ሰባት ንትርጕማ ምሉእ ብምሉእ ኣይርድእዎን እዮም። ኣብ ካናዳ እትሕተም ኦታዋ ሲቲዝን ዘርእስታ ጋዜጣ “ክርስቲያን እንተደኣ ዄንካ ኣቡነ ዘበሰማያት ከየዕረፍካ ተረር ኢልካ ኢኻ እትወጻ። ህድእ ኢልካ እናተረዳኣካ ንኽትጽልያ ግን ትጽገም ትኸውን” በለት።

ነቲ ናብ ኣምላኽ እንጽልዮ ጸሎት ምርዳእና ኽሳዕ ክንድዚ ኣገዳሲ ድዩ፧ ስለምንታይ እዩ ክርስቶስ ነታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብል ጸሎት ዝመሃረና፧ ንዓኻኸ እንታይ ትርጕም ኣለዋ፧ ሕጂ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን እስከ ነተኵረለን።