ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቡነ ዘበሰማያት ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዋ፧

ኣቡነ ዘበሰማያት ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዋ፧

ኣቡነ ዘበሰማያት ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዋ፧

እታ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ከረን ኣብ ዝገበሮ ስብከት ዝማሃራ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብል ጸሎት ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 6 ኻብ ቍጽሪ 9 ክሳብ 13 እያ እትርከብ። ነዛ ጸሎት ፈእዚኣ ቕድሚ ምምሃሩ: “ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ: ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ: ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ” በለ።—ማቴዎስ 6:7

ክርስቶስ ንኣቡነ ዘበሰማያት ክንሽምድዳ ኸም ዘየድልየና ኣብዚ ንጹር እዩ ገይሩልና። ሓቂ እዩ: ንኻልእ ሰብ ነዛ ጸሎት እዚኣ ደጊሙሉ እዩ። (ሉቃስ 11:2-4) ይኹን እምበር: እተን ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዘለዋ ቓላት እታ ጸሎት: ካብተን ኣብ ሉቃስ ዘለዋ ገለ ፍልልይ ኣለወን። ብተወሳኺውን: የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ካልእ እዋናት ኪጽልዩ ኸለዉ ንቓላት እዛ ጸሎት ከም ዘለዎ ኣይሰዓቡን።

ስለምንታይ እያ ግን ኣቡነ ዘበሰማያት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊባ ዘላ፧ የሱስ ጸሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብኸመይ ተቐባልነት ከም ዚረክብ በዛ ጸሎት ኣቢሉ ምሂሩና እዩ። ኣብዛ ጸሎት እዚኣ ብዛዕባ ህይወት ንዘሎና ሕቶታትውን መልሲ ንረኽበሉ ኢና። እስከ እምበኣር ነዛ ጸሎት እዚኣ በብሓደ ንመርምራ።

ስም ኣምላኽ መን እዩ፧

“ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ።” (ማቴዎስ 6:9) እዘን ናይዛ ጸሎት መእተዊ ቓላት ንኣምላኽ “ኣቦና” ኢልና ብምጽዋዕ ንኽንቐርቦ ይገብራና። ልክዕ ከምቲ ሓደ ቘልዓ ብተፈጥሮኡ ናብቶም ዜፍቅርዎን ዚርድእዎን ወለዱ ዚሰሓብ: ንሕናውን እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኸም ዚሰምዓና ብምትእምማን ክንቀርቦ ንኽእል ኢና። ንጉስ ዳዊት “ኣታ ጸሎት እትሰምዕ: ኵሉ ስጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ” ኢሉ ዘመረ።—መዝሙር 65:2

የሱስ ስም ኣምላኽ ንኪቕደስ ክንጽልይ ኣዚዙና እዩ። ስም ኣምላኽ ግን መን እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ንስኻ: ጐይታ [“የሆዋ:”NW] ዝስምካ: በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ: ይፍለጡ” ብምባል ይምልሰልና። (መዝሙር 83:18) ነዚ የሆዋ ዚብል ስም ቅድሚ ሕጂ ትፈልጦዶ፧

ኣብ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ እቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ 7,000 ግዜ ተጻሒፉ ይርከብ። ይኹን እምበር: ገለ ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንስም ኣምላኽ ካብ ትርጕማቶም ሓኺኾምዎ እዮም። ስለዚ: ስም ፈጣሪና ንኪቕደስ ምጽላይና ግቡእ እዩ። (ህዝቅኤል 36:23) ክንጽልይ ከለና ነቲ የሆዋ ዚብል ስሙ ምጥቃምና እምበኣር ምስዚ ጸሎት እዚ ኸም እንሰማማዕ እዩ ዜርኢ።

ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ ካቶሊክ ዝነበረት ፓትርሺያ እትበሃል ሓንቲ ሰበይቲ ነታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብል ጸሎት ኣጸቢቓ እያ እትፈልጣ ነይራ። ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ስም ኣምላኽ ምስ ኣርኣየታ እንታይ ተሰመዓ፧ “ምእማን ስለ ዝሰኣንኩ ኣብቲ ናይ ብሕተይ ቅዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ደለኽዎሞ ረኸብክዎ። ሽዑ እታ ናይ የሆዋ ምስክር: ስም ኣምላኽ ምስታ ኣብ ማቴዎስ 6:9, 10 እትርከብ ኣቡነ ዘበሰማያት ከም ዚተሓሓዝ ኣርኣየትኒ። ኣዝየ ስለ እተሓጕስኩ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትምህረኒ ሓተትክዋ” በለት።

ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኪኸውን ምጽላይ

“መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።” (ማቴዎስ 6:10) እዚስ ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧ ብዙሓት ሰባት ሰማይ ሰላምን ህድኣትን ዚሰፈኖ ኸም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። ቅዱሳት ጽሑፋት: ሰማይ ‘ማሕደር ቅድስናን ግርማን’ የሆዋ ኸም ዝዀነ ይነግረና። (ኢሳይያስ 63:15) ስለዚ እምበኣር: ፍቓድ ኣምላኽ “ከምቲ ኣብ ሰማይ” ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ንኪኸውን ምጽላይናሲ ዜገርም ኣይኰነን። እዚ ግን ኪፍጸም ድዩ፧

ናይ የሆዋ ነብዪ ዝነበረ ዳንኤል “ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን [ምድራውያን] መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ” ኢሉ ተነቢዩ ነበረ። (ዳንኤል 2:44) እዛ ሰማያዊት መንግስቲ እዚኣ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምድሪ ብጽድቃዊ ኣገዛዝኣኣ ኣቢላ ዓለምለኻዊ ሰላም ከተስፍን እያ።—2 ጴጥሮስ 3:13

መንግስቲ ኣምላኽ መጺኣ ፍቓድ ኣምላኽ ንኽትፍጽም ምጽላይ መግለጺ እቲ ዘይፈሽል እምነትና እዩ። እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ዮሃንስ “ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፤ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ: ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፤ . . . እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ: ጽሐፍ: በለኒ” ኢሉ ጸሓፈ።—ራእይ 21:3-5

ብስጋ ብዛዕባ ዜድልየና ነገራት ምጽላይ

ክንጽሊ ኸለና ብዛዕባ ስም ኣምላኽን ፍቓዱን ቀዳምነት ክንህቦ ኸም ዘሎና የሱስ ኣብቲ ንኣብነት ዝሰረዓልና ጸሎት ገሊጹልና እዩ። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ ብስጋ ዜድልየና ነገራት እውን ናብ የሆዋ ብግቡእ ክንጽሊ ከም እንኽእል ኣብታ እትቕጽል ክፋል እታ ጸሎት ንርእዮ።

ካብዚኣተን እታ ቐዳመይቲ “ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበና” እትብል እያ። (ማቴዎስ 6:11) እዚ ሰብኣዊ ሃብቲ ንምርካብ ዚግበር ለመና ኣይኰነን። የሱስ “ናይ ዕለት እንጌራና ኣብ ጸጽባሕ ሀበና” ኢልና ኽንጽሊ እዩ ኣተባቢዑና። (ሉቃስ 11:3) ንኣምላኽ ነፍቅሮን ንእዘዞን እንተደኣ ዄንና: ምስዛ ጸሎት እዚኣ ብምስምማዕ መዓልታዊ ዜድልየና ነገራት ከም ዜማልኣልና ርግጸኛታት ኴንና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና።

ቍጠባዊ ሽግራት ኣዝዩ ዜሻቕለና እንተደኣ ዀይኑ: ብመንፈስ ንዜድልየና ነገራት ሸለል ንብሎ: ነቲ ኣምላኽ ክንገብሮ ዚደልየና ነገራት ድማ ኣይንፍጽምን። ንኣምላኽ ዚቐርብ ኣምልኾ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ንህቦ እንተ ዄንና ግን: ከም ክዳውንትን ምግብን ዝኣመሰለ ስጋዊ ነገራት ንኽንረክብ እነቕርቦ ልመና ኸም ዚሰምዓና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። የሱስ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ኢሉና እዩ። (ማቴዎስ 6:26-33) ኵላትና ምሕረት ዜድልየና ሓጢኣተኛታት ሰባት ስለ ዝዀንና: ጽድቂ ኣምላኽ ምድላይ ቀሊል ኣይኰነልናን እዩ። (ሮሜ 5:12) ኣብታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብል ጸሎት ብዛዕባ እዚውን ተጠቒሱ ኣሎ።

ብዛዕባ ሕድገት ሓጢኣትና ምጽላይ

“ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም: በደልና ሕደገልና።” (ማቴዎስ 6:12፣ ሉቃስ 11:4) የሆዋስ ብሓቂዶ ንሓጢኣትና ይሓድገልና እዩ፧

ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ዳዊት ከቢድ ሓጢኣት ፈጺሙ እኳ እንተ ነበረ: ደሓር ስለ ተነስሐ ግን ኣፉ መሊኡ “ዎ እግዚኣብሄር: ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ: ናባኻ ንዜእውዩ ዅላቶም ከኣ ብዓል ዓብዪ ምሕረት ኢኻ” ኢሉ ጸለየ። (መዝሙር 86:5) እዝስ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ! ሰማያዊ ኣቦና ንዚንስሑ ሰባት “ንይቕሬታ ድልዊ” እዩ። ንሓጢኣትና ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ኪድምስሰልና ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር: ኣምላኽ ሓጢኣትና ምእንቲ ኺገድፈልና: ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ኽንብለሎም ከም ዚግብኣና የሱስ ነጊሩና እዩ። (ማቴዎስ 6:14, 15) እቲ ጻድቕ ዝነበረ እዮብ በቶም ሰለስተ ኣዕሩኽቱ ተገፊዑ እኳ እንተ ነበረ: ይቕረ በለሎም: ምእንትኦም ድማ ጸለየ። (እዮብ 42:10) ንዝበደሉና ይቕረ እንተ ኢልናሎም: ኣምላኽውን ምሕረት ይገብረልና።

እቲ ኣምላኽ ጸሎትና ንምስማዕ ዘለዎ ባህጊ: ሞገሱ ኽንረክብ ዝያዳ ንኽንጽዕር ኪድርኸና ኣለዎ። ዘይፍጹማት ክንስና ሞገስ ኣምላኽ ክንረክብ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 26:41) ልክዕ ከምቲ የሱስ ኣብ መወዳእታ እታ ጸሎት ዝበሎ: የሆዋ ይሕግዘና እዩ።

ደድሕሪ ጽድቂ ንምስዓብ ሓገዝ ንኽንረክብ ምጽላይ

“ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር: ናብ ፈተና ኣይተእትወና።” (ማቴዎስ 6:13) የሆዋ ኣብ ሓጢኣት ንኽንወድቕ ኣይፍትነናን ወይ ድማ ኣብ ግዜ ፈተና ኣይጥንጥነናን እዩ። ቃሉ “ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ” ይብለና። (ያእቆብ 1:13) ንኽንፍተን ዋላኳ እንተ ፈቀደ: ካብቲ ሰይጣን ዲያብሎስ ተባሂሉ እተጸወዐ “እኩይ” ዝዀነ ቐንዲ መታለሊ ኼናግፈና ይኽእል እዩ።

ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት ብጾቱ “ድያብሎስ: እቲ መጻርርትኹም: ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (1 ጴጥሮስ 5:8) አረ ሕሉፍ ሓሊፉስ ሰይጣን ነቲ ፍጹም ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ እኳ ኸይተረፈ ፈቲንዎ እዩ! ዕላማኡኸ እንታይ ነበረ፧ ካብቲ ንጹህ ዝዀነ ናይ የሆዋ ኣምልኾ ንኼርሕቖ እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 4:1-11) ንስኻውን ንኣምላኽ ከተገልግሎ ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ሰይጣን ኪውሕጠካ እዩ ዚጽዕር።

ሰይጣን በታ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ዘላ ዓለም ገይሩ ኣምላኽ ዘይቕበሎም ተግባራት ንኽንገብር ይደፋፋኣና ይኸውን። (1 ዮሃንስ 5:19) ስለዚ: ብፍላይ ብቐጻሊ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ: ንኽሕግዘና ወትሩ ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ኣሎና። ንየሆዋ በቲ መንፈሱ ዚነፈሶ ቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርሒና እንተደኣ ኣምሊኽናዮ: ንድያብሎስ ንኽንቃወሞ ብምሕጋዝ ኬድሕነና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ: . . . ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ” ይብለና።—1 ቈረንቶስ 10:13

ኣድላዪነት እታ ኣብ ኣምላኽ ዘላትና እምነት

ሰማያዊ ኣቦና ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍና ኸም ዚግደስ ምፍላጥሲ ኽንደይ ኰን ባህ ዜብል እዩ! ንወዱ የሱስ ክርስቶስ እውን ብኸመይ ክንጽሊ ኸም ዚግባኣና ንኺምህረና ሰዲድዎ እዩ። ነዚ ምፍላጥና ድማ ንልቢ የሆዋ ኣምላኽ ንኸነሐጕስ ከም እንጽዕር ይገብረና። ብኸመይ ኢና ግን ንየሆዋ ኸነሐጕሶ እንኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ” ይብል። (እብራውያን 11:6) እዛ ኸምዚኣ ዝበለት እምነት ብኸመይ ከነጥርያ ንኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ “እምነት ካብ ምስማዕ እያ” ይብል። (ሮሜ 10:17) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቶም ብናይ ሓቂ እምነት ንኣምላኽ ኬገልግልዎ ሃረር ዚብሉ ሰባት ብዛዕባ ቕዱስ ጽሑፋዊ ነገራት ምዝራብ የሐጕሶም እዩ።

እዚ ብዛዕባ እታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብል ጸሎት ዝረኣናዮ ነጥብታት: ንትርጕማ ዚምልከት ዘሎካ ምርዳእ ከም ዘዕበዮ ተስፋ ንገብር። ብዛዕባ የሆዋን “ነቶም ዚደልይዎ” ዚህቦም ዓስብን ዝያዳ እናፈለጥካ ምስ ከድካ: ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምነት ይድልድል። እምበኣር: ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ዝያዳ ተምሃር እሞ ምስ ሰማያዊ ኣቦኻ ንዘልአለም ዝጠበቐ ርክብ ኪህልወካ እዩ።—ዮሃንስ 17:3

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበና። ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም: በደልና ሕደገልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር: ናብ ፈተና ኣይተእትወና።”ማቴዎስ 6:9-13

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቶም ዜፍቅርዎ ዜድልዮም ነገራት የማልኣሎም እዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ንድያብሎስ ክንቃወሞ ይሕግዘና

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ከም እዮብ ንዝበደሉና ይቕረ እንተደኣ ኢልናሎም: ምሕረት የሆዋ ንረክብ