ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ”

“እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ”

“እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ”

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ደማስቆ ብልጽግቲ ኸተማ እያ ነይራ። ልምዕቲ ቦታ ስለ ዝነበረት ድማ: ካብ ምብራቕ ንዚመጹ ቓፍላያት መዕረፊቶም ነበረት። ድሕሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ከይጸንሐ: ኣብ ደማስቆ ሓንቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ቘመት። ገለ ኻብቶም ኣባላት እታ ጉባኤ ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ሰዓብቲ የሱስ ዝዀኑ ኣይሁድ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:5, 41) እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ምስ ተቐትለ መስጐግቲ ስለ እተላዕለ: ገለ ደቀ መዛሙርቲ ኻብ ይሁዳ ናብ ደማስቆ ግዒዞም ኪዀኑ ኣለዎም።—ግብሪ ሃዋርያት 8:1

ኣብ 34 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ኣብ ደማስቆ ዚነብር ዝነበረ ሃናንያ ዚበሃል ሓደ ክርስትያን ፍልይ ዝበለ ዕዮ ተዋህቦ። ጐይታ “ተንስእ እሞ ናብቲ ቕኑዕ ዚብሀል መተሓላለፊ ኺድ: ሳውል ዚብሀል ሰብኣይ ብዓል ጠርሴስ: እንሆ: ይጽሊ አሎ እሞ: ኣብ ቤት ይሁዳ ድለዮ” በሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:11

እቲ ሓደ ኺሎ ሜተርን ፈርቓን ዝንውሓቱ ቕኑዕ ዚበሃል ጐደና ብማእከል ከተማ ደማስቆ እዩ ዚሓልፍ ነይሩ። ካብዚ ኣብዚ ስእሊ ዚርአ ዘሎ ኣብ መበል 19 ዘመን እተሰርሐ ቕርጺ እዚ ጥንታዊ ጐደናታት እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ኽንግምት ንኽእል ኢና። ኣሰራርሓ እዚ ጐደና ኣብ ግምት ብምእታው: ሃናንያ ቤት ይሁዳ ንምርካብ ሃለው ኢሉ ኪኸውን ኣለዎ ኽትብል ትኽእል ኢኻ። ኣብ መወዳእታ ነቲ ገዛ ረኸቦ እሞ ሳውል እውን ሳላ እዚ እተገብረሉ ምብጻሕ እዚ ቐናእ ሰባኺ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃኑ ዚፍለጥ ሃዋርያ ጳውሎስ ኰነ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:12-19

የሱስ ንሰዓብቱ ኺልእኮም ከሎ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስማዕ “እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ” በሎም። (ማቴዎስ 10:11) ሃናንያ ንሳውል ቃል ብቓሉ እዩ ሃለው ኢሉ ደሊዎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ከም ሃናንያ ነቶም ብቑዓት የናድዩ: ሰባት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪቕበሉ ኸለዉ ድማ ኣዝዮም ይሕጐሱ። እምበኣር ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ምርካብ ፍረ ስለ ዘለዎ ጻዕሪ ኺግበር ይግባእ።—1 ቈረንቶስ 15:58

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

From the book La Tierra Santa, Volume II, 1830

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ሕጂ ዘሎ እቲ “ቕኑዕ ዚብሀል መተሓላለፊ”