ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ እንጌራ ንምድላው ኣድላዪ ዝዀነ መጥሓን

እቲ እንጌራ ንምድላው ኣድላዪ ዝዀነ መጥሓን

እቲ እንጌራ ንምድላው ኣድላዪ ዝዀነ መጥሓን

“ምርኵስ ህይወት:” “ቀንዲ ምግቢ:” “ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ጠዋርን ደጋፍን ደቅሰብ” ተባሂሉ ተጸዊዑ እዩ። እወ: ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ እንጌራ ቐንዲ ምግቢ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ። አረ ሓደ ኻብቲ ንወድሰብ ኣጸቢቑ ዜድልዮ ነገር: ዕለታዊ እንጌራኡ እዩ።

እንጌራ ንምስራሕ ሓርጭ የድሊ። ነዚ ንምርካብ ከኣ እኽሊ ኺጠሓን ኣለዎ። እኽሊ ምጥሓን ካብ ጥንቲ እዩ ጀሚሩ። ብዘይ ማሽናት እኽሊ ጥሒንካ ሓርጭ ምርካብ ኣድካሚ ዕዮ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን ድምጺ መጥሓን ምስ ንቡርን ሰላማውን ኵነታት ኪተሓሓዝ ከሎ: ድምጺ መጥሓን እንተ ዘይሃልዩ ድማ ምስ ምብዳም ይተሓሓዝ ነበረ።—ኤርምያስ 25:10, 11

ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ምጥሓን እንታይ ነገራት እዩ ዜጠቓልል፧ ነዚ ንምፍጻም ዘገልገለ ሜላታትን መሳርሒታትን እንታይ እዩ፧ እቲ እንጌራኻ ንምድላው ዚሕግዝ መጥሓንከ ኸመይ ዝበለ እዩ፧

ንምንታይ ኣድለየ፧

የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን “እንሆ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ: ምግቢ ይኹንኩም” በሎም። (ዘፍጥረት 1:29) ገለ ኻብቲ የሆዋ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዝሃቦም ምግቢ: ኣእካል እዩ ነይሩ። ኵሉ ኣእካል: እንተላይ ስርናይ: ስገም: ኣጃ: ሩዝ: ብልቱግ: መሸላ: ዕፉን ንኣካላትና ዜድሊ ካርቦሃይድሬት ዚበሃል ሓይሊ ዚህበና ምግቢ ዝሓዘ ብምዃኑ: እዚ ዓይነት ምግቢ እዚ ንህላወ ደቅሰብ ኣድላዪ እዩ።

ወድሰብ ግን ጥረ እኽሊ ኸም ዘለዎ በሊዑ ኼሕቅቖ ኣይክእልን እዩ። እንተ ተጣሒኑን እንተ ተሰንኪቱን ግን ንምብላዑ ኣየጸግምን እዩ። እኽሊ ንምጥሓን ዜገልግል ቀሊል መገዲ ኣብ መጉእ ምውቃጥ: ብእምኒ ምጥሓን: ወይ ብኽልቲኡ መገዲ ምጥቃም እዩ።

ብሰብ ዚሰርሕ መጥሓን

ኣብ መቓብራት ግብጺ እተረኽበ ንኣሽቱ ሓወልትታት: ሓደ ኻብቲ ጥንቲ ዝነበረ ዓይነት መጥሓን ይጥቀሙ ኸም ዝነበሩ እዩ ዚሕብር። እዚ መጥሓን እዚ ልክዕ ከምዚ ኣብ ሃገርና ዚጥቀሙሉ: ክልተ ኣእማን ኣለዎ። እቲ ታሕተዋይ መጥሓን ጕድጕድ ዝበለ ኪኸውን ከሎ: እቲ መዲድ ግን ካብቲ መጥሓን ዝነኣሰ እዩ። እቲ ዚጥሕን ሰብ: መብዛሕትኡ ግዜ ሰበይቲ ኽትከውን ከላ: ኣብ ጥቓ እቲ መጥሓን ተደቢራ ነቲ መዲድ ብኽልተ ኢዳ ትሕዞ። ድሕሪኡ ንብምሉኡ ኽብደት ላዕለዋይ ኣካላታ ኣብኡ ድሕሪ ምዕራፍ: ኣብ ልዕሊ እቲ መጥሓን ንቕድሚትን ንድሕሪትን ተንቀሳቕሶ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ እኽሊ ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ኣእማን ትጥሕኖ። እዚ ሜላ እዚ ዘይተሓላለኸ ግን ከኣ ውጽኢታዊ እዩ።

እንተዀነ ግን: ንሰዓታት ተደቢርካ ምጽናሕ ሕማቕ ሳዕቤን ኣለዎ። ነቲ መዲድ ክሳዕ ጫፍ እቲ መጥሓን ምድፋእን ምስሓብን ንሕቖ: ንቐላጽም: ንሰለፍ: ንብርኪ: ከምኡውን ነጻብዕ እግሪ ይጐድእ እዩ። በዕጽምቲ ኣቢሎም ብዛዕባ ጥንታዊ ታሪኽ ዜጽንዑ ተመራመርቲ: እቲ ኣብ ጥንታዊት ሶርያ ዝረኸብዎ ኣዕጽምቲ: ኣብ ብርኪ ዝጐድጐደ: ኣብ ታሕተዋይ ዓንዲ ሕቖ ዝጐበጠ: ዓባይዓባይቶ ድማ እተሃስየ ብምዃኑ ተመሳሳሊ መጥሓን ይጥቀሙ ነይሮም ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ሓበሩ። ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ምጥሓን ስራሕ ግዙኣት ዝነበረ እዩ ዚመስል። (ዘጸኣት 11:5) a እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ: ተመሳሳሊ ዓይነት መጥሓን ከም እተማልኡ ገሊኦም ምሁራት ይኣምኑሉ እዮም።

ጸኒሑ እቲ መጥሓን ብጽቡቕ ንምጥሓን ኣብ ክልቲኡ እቲ እምኒ ነዃል ተገብረሉ። ኣብቲ መዲድ ከም መንቈርቈር ዝኣመሰለ ነዃል ስለ እተገብረሉ: እታ እትጥሕን ሰበይቲ ነቲ ነዃል ብእኽሊ ትመልኦ እሞ ኣብ መንጎ እቲ ኣእማን እናኣተወ ይጠሓን። ኣብ ራብዓይ ወይ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ግሪኽ ዝቐለለ ዓይነት መጥሓን ተማህዘ። ኣብ ጫፍ መዲድ ሓደ ለዓት ንጋድም ይትከለሉ ነበረ። በቲ እቲ ለዓት ዘለዎ ወገን ናብዝን ናብትን ምምልላሱ: ነቲ እኽሊ ዚምልኣሉ ኸም መንቈርቈር ዝኣመሰለ እምኒ ምስቲ ታሕተዋይ እምኒ ንኺፈሓፋሕ የኽእሎ።

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዓይነት መጥሓን እተወሰነ ኣሉታዊ ጐድንታት ነበሮ። እንስሳ ኣሰልጢንካ ኽትትክኣሉ ዘይከኣል ንቕድሚትን ንድሕሪትን ዚግበር ምንቅስቓስ እዩ ዚጥቀም። ስለዚ: እዚ መጥሓን እዚ ብሰባት ጥራይ እዩ ዚዓዪ ነይሩ። ድሕሪኡ: ሓድሽ ቴክኖሎጂ ተኣታተወ። እዚ ድማ ዚዘውር መጥሓን እዩ። ኣብዚ ዓይነት መጥሓን እዚ እንስሳታት ምጥቃም ይከኣል እዩ።

ዚዘውር መጥሓን ነቲ ዕዮ ኣቃለሎ

እቲ ዚዘውር መጥሓን ኣብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ኣብ መዲተራነያን ዚርከባ ሃገራት እዩ ተማሂዙ ኪኸውን ዘለዎ። የሱስ ብዛዕባ “መጥሓን ኣድጊ:” ማለት ብኣድጊ ዚዘውር መጥሓን ብምዝራቡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ፍልስጥኤም ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ነዚ ይፈልጥዎ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም።—ማርቆስ 9:42

እቲ ብእንስሳ ዚሰርሕ መጥሓን ኣብ ሮሜን ኣብ ካልእ ክፍልታት እቲ ሃጸያዊ ግዝኣትን የገልግል ነበረ። ሓያሎ ኸምዚ ዝኣመሰለ መጥሓን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ፖምፐይ ይርከብ። እቲ እኽሊ ዚኣትወሉ መዲድ ኣብ ማእከሉ ሓላቝ መጉእ ዚመስል ኪኸውን ከሎ: እቲ ታሕተዋይ መጥሓን ከኣ ኮኖኣዊ ወይ ኣጕዶ-መሰል ቅርጺ ኣለዎ። እቲ መዲድ ኣብ ልዕሊ እቲ ታሕተዋይ መጥሓን ኪዘውር ከሎ: እኽሊ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ኣእማን ይኣቱ እሞ ይጠሓን። እዚ ኽሳዕ ሕጂ ዘሎ ኸምዚ ዝኣመሰለ እተፈላለየ መዲድ: ሳንጣቒቱ ኻብ 45 ክሳዕ 90 ሳንቲ ሜተር ኣቢሉ ይኸውን። እዚ መጥሓን እዚ ቝመቱ ኽሳዕ 1 ሜትሮን 80 ሳንቲ ሜተርን ይበጽሕ።

እቲ ብኢድ ዚሰርሕ ዚዘውር መጥሓን ካብቲ ብእንስሳታት ዚሰርሕ መጥሓን እንተ ተቐዲሑ: ወይ ከኣ እቲ ብእንስሳታት ዚሰርሕ ካብቲ ብኢድ ዚሰርሕ ዚዘውር መጥሓን እንተ ተቐዲሑ ብልክዕ ኣይፍለጥን እዩ። ዝዀነ ዀይኑ: ብኢድ ዚሰርሕ ዚዘውር መጥሓን ብቐሊሉ ሒዝካዮ ኽትንቀሳቐስን ክትጥቀመሉን ዚከኣል እዩ ነይሩ። ካብ 30 ክሳዕ 40 ሳንቲ ሜተር ኣቢሉ ዝሰንጣቒቱ ኽልተ ኸበብቲ ኣእማን ጌርካ እተሰርሐ ነበረ። ዝባን እቲ ታሕተዋይ መጥሓን ሕብጥ ዝበለ ኪኸውን ከሎ: ከብዲ እቲ መዲድ ምስቲ መጥሓን ምእንቲ ኺገጥም ጕድጕድ ዝበለ እዩ ነይሩ። እቲ መዲድ ኣብ ማእከል እቲ ሕብጥ ዝበለ መጥሓን ይቕመጥ እሞ ብለዓት ይዘውር ነበረ። ክልተ ኣንስቲ ፊት ንፊት ኰይነን ኮፍ ድሕሪ ምባል በቲ ለዓት ሒዘን ነቲ መዲድ የዙራኦ ነበራ። (ሉቃስ 17:35) እታ ሓንቲ ሰበይቲ በታ ነቲ መጥሓን ዘይሓዘት ኢዳ ገይራ ናብቲ ኣብ መዲድ ዚርከብ ነዃል እኽሊ ኽትመልእ ከላ: እታ ኻልአይታ ኸኣ እቲ ሓርጭ ካብ ወሰን እቲ መጥሓን ናብ ኣቕሓ ወይ ኣብ ትሕቲኡ እተዘርግሐ ጨርቂ ኺፈስስ ከሎ ትእክብ። ወተሃደራት: ባሕረኛታት: ወይ ዓብዪ መጥሓን ኣብ ዘይርከቦ ቦታ ዚነብራ ንኣሽቱ ስድራቤታት እዚ ዓይነት መጥሓን እዚ እዩ ዜድልዮም ነይሩ።

ብማይን ብንፋስን ዚዘውር መጥሓን

ብ27 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ቪትሩቪየስ ዚበሃል ሮማዊ መሃንድስ ብግዜኡ ብዛዕባ ዝነበረት ጠሓኒት ማይ: ማለት ብዛዕባ ብማይ እትሰርሕ ጠሓኒት እኽሊ መግለጺ ሃበ። ዚውሕዝ ማይ ንመቕዘፊ እቲ ንትኹል ዝቘመ ዓንኬል የዝሮ። በስናን ዘለዎ መንኰርኰራት ጌርካ ኸኣ እቲ ዙረት ናብ ዓብዪ መዲድ ይበጽሕ።

እታ ጠሓኒት ማይ እትጥሕኖ መጠን ምስቲ ኻልእ መጥሓን ዚጥሕኖ መጠን ኪወዳደር ከሎ ኸመይ እዩ፧ ብኢድ ዚዓዪ መጥሓን ኣብ ሰዓት 10 ኪሎ ግራም ዘይበጽሕ ሓርጭ ከም ዚጥሕን ኪግመት ከሎ: እቲ ብሉጽ ዚበሃል ብእንስሳ ዚሰርሕ መጥሓን ከኣ 50 ኪሎ ግራም ኣቢሉ ይጥሕን። እታ ቪትሩቪየስ ዝጠቐሳ ጠሓኒት ማይ ግን ኣብ ሰዓት ካብ 150 ክሳዕ 200 ኪሎ ግራም ክትጥሕን ትኽእል። ክኢላታት ሰራሕቲ ጠሓኒት ነቲ ቪትሩቪየስ ዝጠቐሶ መሰረታዊ ነጥብታት እተፈላለየ ምምሕያሻት እናገበሩ ንዘመናት ተጠቕሙሉ።

መዲድ ንምዛር ዚውሕዝ ማይ ጥራይ ዘይኰነስ ካልእ ምንጪ ሓይሊ እውን ምጥቃም ይከኣል እዩ። እቲ ብማይ ዚዘውር ዓንኬል በታ ብንፋስ እትዘውር ጠሓኒት እንተ ተተኪኣ: ኣብ ተመሳሳሊ ሸቶ ምብጻሕ ይከኣል እዩ። ኣብ መበል 12 ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ጠሓኒት ንፋስ ኣብ ኣውሮጳ ኺዕየየላ ተጀመረ። ኣብ በልጅዩም: ኣብ ጀርመን: ኣብ ሆላንድ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ቦታታት እውን ክትዝውተር ጀመረት። ብሃፋን ብኻልእ ምንጪ ጽዓትን ዚዓያ ጠሓንቲ ኽሳዕ ዚትክእኣ ኸኣ ኣገልጊላ እያ።

“ናይ ዕለት እንጌራና”

ምዕባለ እኳ እንተ ተገብረ: ሓያሎ ሜላታት መጥሓን ክሳዕ እዚ ግዜና ኣብ ገሊኡ ኽፍልታት ዓለም የገልግል ኣሎ። መጉእን ወድንኢን ኣብ ገሊኡ ኽፍልታት ኣፍሪቃን ኦሺንያን የገልግል ኣሎ። ኣብ መክሲኮን ማእከላይ ኣመሪካን ከኣ ብዕፉን ዚስራሕ እንጌራኦም ንምስንካት ብኢድ እትሰርሕ መጥሓን ይጥቀሙ። ጠሓንቲ ማይን ጠሓንቲ ንፋስን እውን ኣብ ፍቐዶኡ ቦታታት ይሰርሓ ኣለዋ።

መብዛሕትኡ ኣብዛ ዝሰልጠነት ዓለም እንጌራ ንምስንካት ዜገልግል ሓርጭ: ብዓበይቲ ጠሓንቲ ማሽናት እዩ ዚጠሓን። እቲ እኽሊ ብእተፈላለየ ፍጥነት ብዚዘውር መጉኣዊ ቕርጺ ዘለዎ ሓጻዊን ይጠሓን እሞ ሓርጭ ይኸውን። እዚ ሜላ እዚ እተፈላለየ ደረጃ ዘለዎ ሓርጭ ብሕሱር ንምጥሓን የኽእል።

ሕጂ ምጥሓንን ምስንካትን ከምቲ ቐደም ዝነበሮ ብዙሕ ኣድካሚ እኳ እንተ ዘይኰነ: ፈጣሪና እኽልን ነዚ እኽሊ ናብ “ናይ ዕለት እንጌራና” ንምቕያር ዜኽእል ብልሓትን ስለ ዝሃበና ኸነመስግኖ ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 6:11

[እግረ-ጽሑፍ]

a መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን ከም ሳምሶንን ካልኦት እስራኤላውያንን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ጸላኢ ኺኣትዉ ኸለዉ: ኣብ መጥሓን ይዓዩ ነበሩ። (መሳፍንቲ 16:21፣ ድጕዓ ኤርምያስ 5:13) ግዙኣት ዘይኰና ኣንስቲ ኸኣ ንቤተን ዜድሊ እኽሊ ይጥሕና ነበራ።—እዮብ 31:10

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

From the Self-Pronouncing Edition of the Holy Bible, containing the King James and the Revised versions

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዚ ብእንስሳ ዚሰርሕ መጥሓን ዘይቲ ኣውልዕ ይጽሞቝ ነበረ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ግብጻውያን ዚጥቀመሉ ዝነበሩ መጥሓን

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Soprintendenza Archeologica per la Toscana, Firenze