ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኦሪት ዘዳግም ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ኦሪት ዘዳግም ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ኦሪት ዘዳግም ዚጐልሕ ነጥብታት

እዋኑ ብ1473 ቅ.ኣ.ዘ. እዩ ነይሩ። የሆዋ ንደቂ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኻብ ዜውጽኦም 40 ዓመት ሓሊፉ ነበረ። እስራኤላውያን ነዚ ዅሉ ዓመታት ኣብ በረኻ ስለ ዘሕለፍዎ: ሃገር ዘይብሎም ህዝቢ እዮም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ኣፍደገ ምድሪ ተስፋ በጽሑ። ነታ ምድሪ እቲኣ ኺቈጻጸርዋ ኸለዉ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ እንታይ ጸገማት እዩ ኼጋጥሞም: ብኸመይከ እዮም ነቲ ጸገማት ኪሰግርዎ ዘለዎም፧

እስራኤላውያን ንርባ ዮርዳኖስ ሰጊሮም ናብ ምድሪ ከነኣን ቅድሚ ምእታዎም: ሙሴ ነቶም ህዝቢ ነቲ ዚጽበዮም ዝነበረ ዓብዪ ዕዮ ኣዳለዎም። ብኸመይ፧ ምትብባዕን መዘኻኸርን ማዕዳን መጠንቀቕታን ዚርከቦ ተኸታታሊ ዝርርባት ኣቕረበ። ንየሆዋ ኣምላኽ በይኑ ውፉያት ኪዀኑ ኸም ዚግባእን መገድታት እቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ኣህዛብ ኪስዕቡ ኸም ዘይብሎምን ኣዘኻኸሮም። መብዛሕትኡ ኽፋል እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ኦሪት ዘዳግም በዚ ዝርርባት እዚ እተመልአ እዩ። ንሕናውን ኣብዛ ሎሚ ንየሆዋ በይኑ ውፉይ ኴንካ ኽትነብረላ እተጸግም ዓለም ስለ እንነብር: እቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ተዋሂቡ ዘሎ ምኽሪ ንዓናውን የድልየና እዩ።—እብራውያን 4:12

ኦሪት ዘዳግም ብዘይካ እታ ናይ መወዳእታ ምዕራፋ ብሙሴ እያ ተጻሒፋ: ካብ ክልተ ወርሒ ቕሩብ ዚዛይድ ግዜ ድማ እያ እትሽፍን። a (ዘዳግም 1:3፣ እያሱ 4:19) እቲ ኣብኣ ተጠቒሱ ዘሎ ነጥብታት ንየሆዋ ኣምላኽ ብምሉእ ልብና ንኸነፍቅሮን ብተኣማንነት ንኸነገልግሎን ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ንርአ።

“ዓይንኻ ዝረአዮ ነገር ከይትርስዖ”

(ዘዳግም 1:1–4:49)

ኣብቲ ሙሴ ዝሃቦ ቐዳማይ ዝርርብ: ገለ ኻብቲ ኣብ በረኻ ዜጋጠሞም ነገራት ኣዘንተወሎም። ብፍላይ ከኣ እስራኤላውያን ነታ ምድሪ ተስፋ ኺወርስዋ ኣብ ዚዳለዉሉ ዝነበሩ እዋን ዚጠቕሞም ዘበለ ነገሮም። ብዛዕባ እቲ ፈራዶ እተሸሙሉ መገዲ ዚገልጽ ጸብጻብ: የሆዋ ንህዝቡ ኺውድቦም ከሎ ብፍቕሪ ኸም እተኸናኸኖም የዘኻኽር። ሙሴ ነቲ እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ዘምጽእዎ ሕማቕ ወረ ዘስዓቦ ነገራት ኣቐዲሙ ንዝነበረ ወለዶ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ዘይኣቱ ኸም ዝገበሮ እውን ኣዘንተወ። እዚ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት ኣብቶም ነታ ምድሪ ብዓይኖም ዚርእይዋ ዝነበሩ ሰማዕቲ ዝገደፎ ጽልዋ እሞ ሕስብ ኣብሎ።

ደቂ እስራኤል ንዮርዳኖስ ቅድሚ ምስጋሮም የሆዋ ዝሃቦም ዓወታት ምዝካሮም: ስግር እቲ ርባ ንምውራር ኣብ ዚዳለዉሉ እዋን ኣተባቢዕዎም ኪኸውን ኣለዎ። እታ ኺወርስዋ ተዳልዮም ዝነበሩ ምድሪ ብኣምልኾ ጣኦት ዝመልአት እያ ነይራ። እቲ ሙሴ ኻብ ኣምልኾ ጣኦት ንኺርሕቁ ዝሃቦም መጠንቀቕታ ብዙሕ ኣገዳስነት እዩ ነይርዎ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

2:4-6, 9, 19, 24, 31-35 3:1-6—እስራኤላውያን ነቶም ብምብራቕ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ገሊኦም ህዝቢ ኼጥፍእዎም: ንገሊኦም ከኣ ኪሓድግዎም እተኣዘዙ ስለምንታይ እዮም፧ የሆዋ ንእስራኤላውያን ምስ ደቂ ኤሳው ከይዋግኡ ኣዘዞም። ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ኢሉ ዝኣዘዞም፧ ምኽንያቱ ደቂ ሓው ያእቆብ እዮም ነይሮም። ሞኣባውያንን ዓሞናውያንን እውን ደቂ ሎጥ እቲ ወዲ ሓዉ ንኣብርሃም ስለ ዝነበሩ ኼዕገርግርዎም ወይ ኪዋግእዎም ኣይነበሮምን። እቶም ኣሞራውያን ንጉስ ሲሆንን ንጉስ ዖግን ግን ዘመድ እስራኤላውያን ስለ ዘይነበሩ: ነታ ምድሪ ንምውራስ መሰል ኣይነበሮምን። ስለዚ: ሲሆን ንእስራኤላውያን ብመሬቱ ምሕላፍ ምስ ከልከሎምን ዖግ ንውግእ ኪቀባበሎም ምስ ወጸን: የሆዋ ንእስራኤላውያን ንኸተማታቶም ኬብርስወንን ንዓታቶም ከኣ ዋላ ሓደ ኸየትረፉ ኼጥፍእዎምን ኣዘዞም።

4:15-20, 23, 24—እተወቕረ ምስሊ ምግባር ክልኩል ምዃኑ: ንስልማት ዜገልግል ምስሊ ምስራሕ ጌጋ ምዃኑ የመልክት ድዩ፧ ኣይፋልን። ኣብዘን ጥቕስታት ንኣምልኾ ምስሊ ኸይስራሕ: ማለት ‘ንጣኦታት ከይትሰግደሎምን ከይተገልግሎምን’ እዩ ዚኽልክል ነይሩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንስነ-ጥበብ ኢልካ ምስሊ ምቕራጽ ወይ ስእሊ ምስኣል ኣይክልክልን እዩ።—1 ነገስት 7:18, 25

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:2, 19 “ካብ ሆሬብ [ካብቲ ዓሰርተ ትእዛዛት እተዋህበሉ ኣብ ከባቢ ኸረን ሲና ዚርከብ ኣኽራን] ብመገዲ ኸረን ሰዒር ክሳዕ ቃዴስ-ባርኔዓ: መገዲ ዓሰርተው ሓደ መዓልቲ” ጥራይ እኳ እንተ ነበረ: ደቂ እስራኤል ግን ኣብ በረኻ ን38 ዓመት ዚኸውን ኮለል በሉ። ንየሆዋ ብዘይምእዛዞምሲ ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ መቕጻዕቲ ዀን እዩ ወሪድዎም!—ዘሁልቍ 14:26-34

1:16, 17 እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ፍርዲ ዘለዎ ስርዓታት ሎሚውን ኣይተቐየረን። እቶም ናይ ፍርዲ ኮሚተ ዀይኖም ኬገልግሉ ሓላፍነት ዚወሃቦም: ኣድልዎ ወይ ፍርሂ ሰብ ንውሳነኦም ከም ዚጠውዮ ኺገብሩ የብሎምን።

4:9 እስራኤላውያን ዕዉታት ምእንቲ ኪዀኑ: ‘ነቲ ዓይኖም ዝረኣዮ ነገር ኪርስዑ ኣይነበሮምን።’ እታ መብጽዓ እተገብረላ ሓዳስ ዓለም ኣብ እትቐርበሉ ዘላ እዋን: ትጉሃት ተመሃሮ ቓል ኣምላኽ ብምዃን ነቲ የሆዋ ዝገበሮ ዜደንቕ ነገራት ከነተኵረሉ ኣሎና።

ንየሆዋ ኣፍቅሮ: ትእዛዛቱውን ሓሉ

(ዘዳግም 5:1–26:19)

ኣብቲ ሙሴ ዝሃቦ ኻልኣይ ዝርርብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከረን ሲና እተዋህበ ሕጊ ዘርዘረ: ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት እውን ጠቐሰን። ሸውዓተ ኣህዛብ ምሉእ ብምሉእ ኪጠፍኡ ተወሰነ። “ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዚወጽእ ኵሉ ነገር ደኣ እምበር: ብእንጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር” ብምጥቃስ: ደቂ እስራኤል ብዛዕባ እቲ ኣብ በረኻ እተማህርዎ ኣገዳሲ ትምህርቲ ተዘኻኸሩ። ኣብታ ዚነብሩላ ሓዳስ ምድሪ: ‘ኵሉ ትእዛዝ ኪሕልዉ’ ነበሮም።—ዘዳግም 8:3፣ 11:8

እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ኺነብሩ ምስ ጀመሩ: ብዛዕባ ኣምልኾ ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ፍርዲ: መንግስቲ: ውግእ: ከምኡውን ብዛዕባ ዅሉ ማሕበራውን ብሕታውን ህይወት ሕግታት ኬድልዮም እዩ። ሙሴ ነዚ ሕግታት እዚ ደገመሎም: ንየሆዋ ኼፍቅሩን ትእዛዛቱ ኺሕልዉን ከም ዜድልዮም ድማ ኣጕልሓሎም።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

8:3, 4—እስራኤላውያን ኣብቲ ኣብ በረኻ ዝገበርዎ ጕዕዞ ኽዳውንቶም ዘይበለየን ኣእጋሮም ዘይሓበጠን ብኸመይ እዩ፧ ልክዕ ከምቲ ዕለታዊ ማና ዚወሃቦም ዝነበረ: እዚውን ተኣምር እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ነቲ ጕዕዞ ኺጅምሩ ኸለዉ ዝነበሮም ክዳውንቲ ይኽደኑን ኣሳእን ይወድዩን ነበሩ። እቶም ደቆም ምስ ዓበዩን እቶም ዓበይቲ ምስ ሞቱን እቲ ኽዳውንቲ ኻብ ሓደ ናብ ካልእ ይመሓላልፍ ነይሩ ይኸውን። እቲ ኣብ መጀመርታን ኣብ መወዳእታን: እቲ ኣብ በረኻ እተጓዕዙሉ እዋን እተገብረ ቘጸራ ህዝቢ: ብዝሖም ከም ዘይወሰኸ ስለ ዚሕብር: እቲ መጀመርታ ዝነበሮም ክዳውንቲ እኹል ምንባሩ እዩ ዚሕብር።—ዘሁልቍ 2:32፣ 26:51

14:21—እስራኤላውያን ነቲ ንሳቶም ኪበልዕዎ ዘይክእሉ ሕሉቕ ንስድተኛ ኺህብዎ ወይ ንጓና ኺሸጡሉ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን እታ “ስደተኛ” እትብል ቃል እስራኤላዊ ንዘይኰነ ጵሮሴሊት ወይ ከኣ ብመሰረታዊ ሕጊ ሙሴ ንዚመላለስ ግን ከኣ ንየሆዋ ዘየምልኽ ኣብታ ሃገር ዚነብር ሰብ የመልክት። ሓደ ጓናን ስደተኛን ጵሮሴሊት እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ኣይኰነን ዚነብር: ነቲ ሕሉቕ ከኣ ብእተፈላለየ መገዲ ኺጥቀመሉ ይኽእል ነበረ። እስራኤላውያን ንሕሉቕ ኪህቡ ወይ ኪሸጡ ተፈቒዱሎም ነበረ። ጵሮሴሊት ግን በቲ ሕጊ ኺዳን ይቕየድ ነበረ። ኣብ ዘሌዋውያን 17:10 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ: ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ደም እንስሳ ኺበልዕ ኣይክእልን እዩ።

24:6—‘መጥሓንን መዲድን ንታሕዚ ምውሳድ: ንነፍሲ ምስ ምሓዝ’ እተመሳሰለ ስለምንታይ እዩ፧ መጥሓንን መዲድን ን“ነፍሲ” ሰብ ወይ መናበሪኡ የመልክት ነበረ። ንሓደ ኻብዚ ንታሕዚ ምውሳድ ንምልእቲ ስድራቤት ዕለታዊ እንጌራ ኸይትረክብ ይዓግታ።

25:9—እቲ ንሰበይቲ ሓዉ ምውራስ ዝኣበየ ሳእኑ ምውጻእን ኣብ ገጹ ጡፍ ምባልን እንታይ ትርጕም ነበሮ፧ “ቀደም ኣብ እስራኤል: ኣብ ምውራስ . . . ሰብ ሳእኑ ኣውጺኡ ነቲ ብጻዩ ኺህቦ ልማድ ነበረ።” (ሩት 4:7) ንሰበይቲ ሓዉ ምውራስ ንዝኣበየ ሰብኣይ ሳእኑ ምውጻእ: ንቦታኡ ኸም ዝሓደገን ንዝሞተ ሓዉ ዘርኢ ንኬቝመሉ ዝነበሮ መሰል ከም ዘጥፍአን የረጋግጽ። እዚ ውርደት እዩ ነይሩ። (ዘዳግም 25:10) ኣብ ገጹ ጡፍ ምባል ዜሕፍሮ ወይ ዜዋርዶ ነገር እዩ።—ዘሁልቍ 12:14

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

6:6-9 ከምቲ እስራኤላውያን ነቲ ሕጊ ኺፈልጥዎ እተኣዘዙ: ንሕናውን ትእዛዛት ኣምላኽ ኣብ ልብና ኽንፈልጦ: ወትሩ ኣብ ቅድሜና ኽንገብሮ: ንደቅና እውን ክንሰርጸሎም ኣሎና። ‘ንምልክት ኣብ ኢድና ኽንኣስሮ:’ ማለት እቲ በእዳውና ተመሲሉ ዘሎ ግብርና ንየሆዋ እዙዛት ምዃንና ዜርኢ ኪኸውን ኣለዎ። ከምቲ ‘አብ መንጎ ኣዒንቲ ዚግበር ክታብ’ ከኣ ተኣዛዝነትና ንዅሉ ዚርአ ኪኸውን ኣለዎ።

6:16 ከምቲ እስራኤላውያን እምነት ብምጕዳሎም ማይ ስኢንና ኢሎም ብምጕርምራም ንየሆዋ ኣብ ማሳ ዝፈተንዎ: ንሕና ድማ ንየሆዋ ኣይንፈትኖ።—ዘጸኣት 17:1-7

8:11-18 ፍቕረ-ንዋይ ንየሆዋ ኸም እንርስዖ ኺገብረና ይኽእል እዩ።

9:4-6 ከይንመጻደቕ ክንጥንቀቕ ኣሎና።

13:6 ዝዀነ ይኹን ሰብ ካብ ኣምልኾ የሆዋ ኼርሕቐና ኽንፈቕደሉ የብልናን።

14:1 ነብስኻ ምብጣሕ ንኣካላትካ ኣኽቢርካ ኸም ዘይትርኢ ዜመልክት ኪኸውን ከሎ: ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እተተሓሓዘ ኪኸውን ስለ ዚኽእል እውን ኪውገድ ነበሮ። (1 ነገስት 18:25-28) ብዛዕባ ትንሳኤ ዘሎና ተስፋ ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንምዉት ዚግበር ሕሉፍ መግለጺ ሓዘን ዘይግቡእ ይገብሮ።

20:5-7 24:5 ኪዕየ እተደልየ ዕዮ ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ: ፍሉይ ኵነታት ንዘለዎም ሰባት ሓልዮት ኪግበረሎም ኣለዎ።

22:23-27 ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሰብኣይ ኪጋሰሳ እንተ ደልዩ: ሓደ ኻብቲ ኽትጥቀመሉ እትኽእል ብሉጽ መከላኸሊ ምእዋይ እዩ።

“ህይወት ሕረ”

(ዘዳግም 27:1–34:12)

ኣብቲ ሙሴ ዝሃቦ ሳልሳይ ዝርርብ ዮርዳኖስ ድሕሪ ምስጋር: እስራኤላውያን ነቲ ሕጊ ኣብ ዓበይቲ ኣእማን ኪጽሕፍዎ: ንዘይእዙዛት ኪረግምዎም: ንእዙዛት ከኣ ኪምርቕዎም ከም ዘለዎም ገለጸ። እቲ ራብዓይ ዝርርብ ኣብ መንጎ የሆዋን እስራኤላውያንን ኪዳን ብምሕዳስ እዩ ዚጅምር። ሙሴ እንደገና ዘይተኣዛዝነት ዜምጽኦ ሳዕቤን ኣጠንቀቐ: ነቲ ህዝቢ ድማ “ህይወት ሕረ” ኢሉ ተላበዎ።—ዘዳግም 30:19

ሙሴ ኣርባዕተ ዝርርብ ሂቡ ጥራይ ዘይኰነስ: መን ከም ዚመርሖም ገለጸሎም: ንእስራኤላውያን ከኣ ንየሆዋ ዚውድስን ዘይተኣዛዝነት ዜምጽኦ መዓት ዜጠንቅቕን ጽቡቕ መዝሙር መሃሮም። ነቶም ነገዳት ድሕሪ ምብራኽ ከኣ ኣብ 120 ዓመቱ ሞተ: ተቐብረ ኸኣ። እቲ ሓዘን 30 መዓልቲ: ማለት ዳርጋ ፍርቂ እቲ ኦሪት ዘዳግም እትሽፍኖ ግዜ ወሰደ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

32:13, 14—እስራኤላውያን ዝዀነ ይኹን ስብሒ ኸይበልዑ ስለ እተኸልከሉ: “ስብሒ ገንሸል” ምብላዕ ኪበሃል ከሎ ንምንታይ የመልክት፧ እዚ ኣብዚ ዘሎ መግለጺ ብምሳልያዊ መገዲ ዀይኑ: ብሉጽ ክፋል እቲ መጓሰ የመልክት። እታ ጥቕሲ እቲኣ “ስብሒ ፍቱግ ስርናይ” ከምኡውን “ደም ኣስካል” ስለ እትብል: ነዚ ምሳልያዊ ኣዘራርባ እዩ ዚሕብር።

33:1-29—ኣብቲ ሙሴ ንደቂ እስራኤል ዝባረኾም በረኸት ስምኦን ብንጹር ዘይተጠቕሰ ስለምንታይ እዩ፧ ስምኦንን ሌዊን “ጨካን:” ኵራኦም ከኣ “ብርቱዕ” ብምንባሩ እዩ። (ዘፍጥረት 34:13-31፣ 49:5-7) ከምቶም ካልኦት ነገዳት እስራኤል ኣይኰኑን ተረስትዮም። ሌዊ 48 ከተማታት ተዋህባኦ: ስምኦን ከኣ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ይሁዳ እተወሰነ ኽፋል ተዋህቦ። (እያሱ 19:9፣ 21:41, 42) ስለዚ: ሙሴ ንስምኦን ብንጹር ኣይባረኾን። ይኹን እምበር: በረኸት ስምኦን ኣብቲ ንደቂ እስራኤል እተዋህበ ሓፈሻዊ በረኸት ተጠቒሱ እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

31:12 ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንኣሽቱ ምስ ዓበይቲ ኾፍ ኢሎም ኪሰምዑን ኪመሃሩን ኣለዎም።

32:4 የሆዋ ንፍትሑን ጥበቡን ፍቕሩን ሓይሉን ብሚዛናዊ መገዲ ስለ ዜንጸባርቕ: ኵሉ ንጥፈታት የሆዋ ፍጹም እዩ።

ብዙሕ ትጠቕመና

ኦሪት ዘዳግም ንየሆዋ ‘ሓደ ኣምላኽ’ ኢላ እያ እትገልጾ። (ዘዳግም 6:4) ብዛዕባ እቶም ምስ ኣምላኽ ፍሉይ ርክብ ዝነበሮም ሰባት ትገልጽ እያ። ኦሪት ዘዳግም ብዛዕባ ኣምልኾ ጣኦት ተጠንቅቕ: ንናይ ሓቂ ኣምላኽ በይኑ ውፉያት ክንከውን ድማ ተጕልሕ።

ብርግጽ ኦሪት ዘዳግም ብዙሕ ትጠቕመና እያ! ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ እኳ እንተ ዘይኰንና: ካብዛ መጽሓፍ እዚኣ ግን ንየሆዋ ኣምላኽ ‘ብዅሉ ልብናን ብዅሉ ነፍስናን ብዅሉ ሓይልናን ንኽንፈትዎ’ ዚሕግዘና ብዙሕ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።—ዘዳግም 6:5

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ ብዛዕባ ሞት ሙሴ እትገልጽ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ: እያሱ ወይ ኣልኣዛር እቲ ሊቀ ኻህናት ዝጸሓፋ ኽትከውን ትኽእል እያ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ካርታ]

(For fully formatted text, see publication)

ስዒር

ቃዴስ-ባርኔዕ

ከረን ሲና (ሆሬብ)

ቀይሕ ባሕሪ

[ምንጪ ስእሊ]

Based on maps copyrighted by Pictorial Archive (Near Eastern History) Est. and Survey of Israel

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ እስሊ]

መብዛሕትኡ ኽፋል ኦሪት ዘዳግም ሙሴ ዝሃቦ ዝርርባት ዝሓዘ እዩ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ እስሊ]

ካብቲ የሆዋ ማና ብምሃብ ዝገበሮ ምድላው እንታይ ትምህርቲ ይርከብ፧

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ እስሊ]

መጥሓንን መዲድን ንታሕዚ ምውሳድ: ን“ነፍሲ” ምስ ምሓዝ ተመሳሲሉ ኣሎ