ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ”

“ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ”

“ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ”

“ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ: ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።” —ኤፌሶን 6:11

1, 2. ነቲ ክርስትያናት ኪለብስዎ ዘለዎም መንፈሳዊ ኣጽዋር ብቓላትካ ግለጽ።

 ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ሮሜ ዝሓየለት ዝነበረትሉ እዋን እዩ። ሰራዊት ሮሜ ብርቱዕ ብምንባሩ ንመብዛሕትኡ እቲ ሽዑ ዚፍለጥ ዓለም ኪቈጻጸር ከኣለ። ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ነዚ ሰራዊት እዚ “ኣብ ታሪኽ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዕዉት ሰራዊት” ኢሉ ገለጾ። ሰራዊት ሮሜ ጥብቂ ስልጠና ብእተዋህቦም ወተሃደራት ዝቘመ እዩ ነይሩ። ኣብ ውግእ ዚረኸብዎ ዓወት ግን ኣብቲ ኣጽዋሮም እውን ዚምርኰስ ነበረ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ወተሃደር ሮሜ ዚለብሶ ኣጽዋር: ክርስትያናት ኣብቲ ምስ ድያብሎስ ዚገብርዎ ውግእ ንምዕዋት ዜኽእሎም መንፈሳዊ ኣጽዋር ንምግላጽ ተጠቒሙሉ እዩ።

2 መግለጺ እዚ መንፈሳዊ ኣጽዋር እዚ ኣብ ኤፌሶን 6:14-17 ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላው ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። ናይ ምድሓን ቊራዕ ርእሲ ኣእትዉ: ናይ መንፈስ ሰይፊውን: ማለት ቃል ኣምላኽ: ሐዙ።” ብስጋዊ ዓይኒ ኺርአ ኸሎ: እቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ኣጽዋር ንሮማዊ ወተሃደር ብዙሕ እዩ ዚከላኸለሉ ነይሩ። ነቲ ንውግእ ዚጠቕሞ ቐንዲ ኣጽዋር ዝዀነ ሰይፊ እውን ይሕዝ ነይሩ።

3. የሱስ ክርስቶስ ዚህበና መምርሒ ኽንእዘዝን ኣብነቱ ኽንስዕብን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

3 ሰራዊት ሮሜ ዚረኽቦ ዓወት ኣብ ኣጽዋሩን ስልጠናኡን ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብቲ ወተሃደራት ንኣዛዚኦም ዝነበሮም ተኣዛዝነት እውን ይምርኰስ ነበረ። ብተመሳሳሊ: ክርስትያናት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ገዛኢ ህዝብታት’ ዝበሎ የሱስ ክርስቶስ ኪእዘዙ ኣለዎም። (ኢሳይያስ 55:4) ንሱ “ርእሲ ማሕበሩ” እውን እዩ። (ኤፌሶን 5:23) የሱስ ንመንፈሳዊ ውግእና ዜድሊ መምርሒ ይህበና: ነቲ መንፈሳዊ ኣጽዋር ብኸመይ ክንለብሶ ኸም ዘሎና ኸኣ ፍጹም ኣርኣያ ይዀነና እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:21) ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ባህርያት ምስ መንፈሳዊ ኣጽዋርና ብዙሕ ዜመሳስሎ ነገር ስለ ዘሎ: ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ ሓሳብ ክርስቶስ “ከም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ” እዩ ዚብለና። (1 ጴጥሮስ 4:1) እምበኣር ንነፍሲ ወከፍ ክፋል መንፈሳዊ ኣጽዋርና ኽንምርምር ከለና: ኣገዳስነቱን ጥቕሙን ንምግላጽ ኣብነት የሱስ ክንርኢ ኢና።

ንሕቜናን ንኣፍ ልብናን ነእጋርናን ምክልኻል

4. ሕቘ ምዕጣቕ ኣብ ኣጽዋር ወተሃደር እንታይ ግደ ነበሮ: እዚኸ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧

4 ሕቜኹም ብሓቂ ተዓጢቕኩም። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን ወተሃደራት ካብ 5-15 ሳንቲ ሜተር ዚምግፋሑ ብቘርበት እተሰርሐ ቝልፊ ወይ ቅናት ይዕጠቑ ነበሩ። ገሊኣቶም ተርጐምቲ እታ ጥቕሲ “ሓቂ ኸም ቝልፊ ኣብ ሕቘኹም ኣጥቢቕኩም ተዓጢቕኩም” ተባሂላ ኽትትርጕም ከም ዘለዋ ሓሳብ ይህቡ። ወተሃደራት ዚዕጠቕዎ ዝነበሩ ቝልፊ ንሕቜኦም ይከላኸለሉ: ሰይፎም ንምንጥልጣል ድማ የገልግሎም ነበረ። ሓደ ወተሃደር ሕቜኡ ኺዕጠቕ ከሎ: ንውግእ እዩ ድሉው ዚኸውን ነይሩ። ጳውሎስ ነቲ ወተሃደራት ዚዕጠቕዎ ቝልፊ ኺጠቅስ ከሎ: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ሓቂ ንህይወትና ኽሳዕ ክንደይ ኪጸልዎ ኸም ዘለዎ ንምብራህ እዩ። ምስ ሓቂ ተሰማሚዕና ምእንቲ ኽንመላለስን ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ምእንቲ ኽንጣበቐሉን: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ሕቜና ኣጥቢቕና ኽንዕጠቖ ኣሎና። (መዝሙር 43:3፣ 1 ጴጥሮስ 3:15) ነዚ ኣብ ኣእምሮና ሒዝና: መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ከነጽንዕ: ነቲ ትሕዝቶኡ ኸኣ ከነስተንትነሉ ኣሎና። የሱስ ሕጊ ኣምላኽ ‘ኣብ ውሽጢ ልቡ’ ነበሮ። (መዝሙር 40:8) ስለዚ ድማ ተጻረርቱ ኺሓትዎ ኸለዉ: ካብቲ ኣብ ተዘክሮኡ ዘስፈሮ ቕዱሳት ጽሑፋት እናጠቐሰ ኺምልስ ከኣለ።—ማቴዎስ 19:3-6፣ 22:23-32

5. ቅዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ኣብ ግዜ ፈተና ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ግለጽ።

5 ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኺመርሓና እንተ ፈቒድናሉ: ካብ ናይ ሓሶት ኣተሓሳስባ የዕቝበና: ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ድማ የኽእለና። ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ: መምርሒታት መጽሓፍ ቅዱስ ቅኑዕ ዘበለ ንኽንገብር ዝገበርናዮ ቘራጽነት የደልድሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ነቲ ዓብዪ መምህርና የሆዋ ንርእዮ: ኣብ ድሕሬና እውን “እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ” ዚብል ድምጺ ንሰምዕ።—ኢሳይያስ 30:20, 21

6. ንምሳልያዊ ልብና ኽንሕልዎ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ: ጽድቂ ዕቝባ ኪዀነና ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧

6 ድርዒ ጽድቂ። ሓደ ወተሃደር ዚለብሶ ድርዒ ነቲ ኣገዳሲ ኽፋል ኣካላቱ ዝዀነ ልቡ እዩ ዚከላኸለሉ። ምሳልያዊ ልብና: ማለት ውሽጣዊ እንታይነትና: ናብ ክፍኣት ዘዘንበለ ብምዃኑ ተጠንቂቕና ኽንሕልዎ የድሊ። (ዘፍጥረት 8:21) ስለዚ: ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ኽንፈልጦን ከነፍቅሮን ኣሎና። (መዝሙር 119:97, 105) እቲ ንጽድቂ ዘሎና ፍቕሪ ነቲ ንጹር መምርሒታት የሆዋ ዕሽሽ ንዚብል ወይ ንዜፋዅስ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ንኽንነጽግ ይድርኸና። ኣብ ርእሲኡ ቕኑዕ ዘበለ እነፍቅር: ጌጋ ዘበለ ኸኣ እንጸልእ እንተደኣ ዄንና: ንህይወትና ናብ ጥፍኣት ኪመርሕ ዚኽእል መገዲ ኣይንስዕብን። (መዝሙር 119:99-101፣ ኣሞጽ 5:15) ኣብዚ መዳይ እዚ የሱስ ኣብነት እዩ ዚዀነና። ከመይሲ: ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባኡ “ጽድቂ ፈቶኻ ዓመጻ ኸኣ ጸላእካ” እዩ ዚብል።—እብራውያን 1:9 a

7. ሓደ ሮማዊ ወተሃደር ጥዑይ ሳእኒ ዜድልዮ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ: እዚኸ ንምንታይ የመልክት፧

7 ናይ ወንጌል ሰላም ምድላው ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም። ወተሃደራት ሮሜ ኺዘምቱ ኸለዉ: ነፍሲ ወከፎም 27 ኪሎ ግራም ዚምዘን ኣጽዋር ተሰኪሞም ኣብ መዓልቲ 30 ኪሎ ሜተር ይጐዓዙ ብምንባሮም: ጥዑይ ሳእኒ ወይ ድልዱል ሰንደል የድልዮም ነበረ። ጳውሎስ እምበኣር ንሳእኒ ምስቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ዚሰምዓና ንምስባኽ ዘሎና ድሉውነት ኬመሳስሎ ሓቁ እዩ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ: ከመይሲ ንምስባኽ ድሉዋትን ፍቓደኛታትን እንተ ዘይኴንና: ከመይ ገይሮም እዮም እሞ ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጥዎ፧—ሮሜ 10:13-15

8. ነቲ የሱስ ከም ሰባኺ ብስራት መጠን ዝገደፈልና ኣብነት ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

8 ኣብ ህይወት የሱስ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ንጥፈት እንታይ እዩ ነይሩ፧ ነቲ ሮማዊ ገዛኢ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ “ንሓቂ ኽምስክር እየ . . . ናብ ዓለም ዝመጻእኩ” በሎ። የሱስ ሰማዒት እዝኒ ኣብ ዝረኸበሉ ዘበለ ይሰብኽ ነበረ። ነገልግሎቱ ኣጸቢቑ ይፈትዎ ብምንባሩ ድማ: ካብቲ ብስጋ ዜድልዮ ነገራት ንላዕሊ እውን ቀዳምነት ይህቦ ነበረ። (ዮሃንስ 4:5-34፣ 18:37) ከም የሱስ ነቲ ብስራት ንምስባኽ ህንጡያት እንተደኣ ዄንና: ንሰባት ንኸነካፍሎም ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክንረክብ ኢና። ብዛይካዚውን በገልግሎትና ትሑዛት እንተደኣ ዄንና: ብመንፈስ ድልዱላት ንኽንከውን ይሕግዘና።—ግብሪ ሃዋርያት 18:5

እቲ ዋልታን እቲ ቝራዕን እቲ ሰይፍን

9. ዓብዪ ዋልታ ንሓደ ወተሃደር ሮሜ ንምንታይ እዩ ዚጠቕሞ ነይሩ፧

9 ዋልታ እምነት። እታ “ዋልታ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: መብዛሕትኡ ኽፋል ኣካላትና ኺሽፍን ንዚኽእል ዓብዪ ዋልታ እያ እተመልክት። እዚ ዋልታ እዚ ኻብቲ ኣብ ኤፌሶን 6:16 ተጠቒሱ ዘሎ “ርሱን መንትግ” ኪከላኸለልና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን ወተሃደራት ንሰልሰላ ኣብ ጫፉ ዚነድድ ናፍታ ዚሕዝ ንእሽቶ ሓጺን ብምስኳዕ ዚስራሕ መዝረቕ ይጥቀሙ ነበሩ። ሓደ ምሁር ነዚ መዝረቕ እዚ “ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ጥንታዊ ኣጽዋር ውግእ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። ሓደ ወተሃደር ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ መንትግ ገዛእ ርእሱ ንምክልኻል ዓብዪ ዋልታ እንተ ዘየብሉ: ከቢድ መቝሰልቲ ኼጋጥሞ ወይውን ኪቕተል ይኽእል እዩ።

10, 11. (ሀ) ንእምነትና ኼዳኽም ዚኽእል ሰይጣን ዚውርውሮ “ርሱን መንትግ” እንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ኣብ ግዜ ፈተና እምነት ከም ዜድልየና ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

10 ሰይጣን ንእምነትና ንምድኻም እንታይ “ርሱን መንትግ” እዩ ዚጥቀም፧ ኣብ ስድራቤት: ኣብ ስራሕ: ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ መስጐጕቲ ወይ ምጽራር ኬምጽእ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ከኣ በቲ ብዙሕ ጥሪት ንምድላብ ዘለዎም ባህግን በቲ ርኹስ ተግባር ንምፍጻም ዚወርዶም ፈተናን ወዲቖም እዮም። ንርእስና ኻብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ንምክልኻል ‘ምስናይ እዚ ዅሉ ዋልታ እምነት ነልዕል።’ እምነት ንየሆዋ ኣዘውቲርካ ብጸሎት ካብ ምዝራብ ከምኡውን ብኸመይ ከም ዜዕቍብን ከም ዚባርኽን ብምስትውዓል ብዛዕባኡ ኻብ ምፍላጥ እዩ ዚመጽእ።—እያሱ 23:14፣ ሉቃስ 17:5፣ ሮሜ 10:17

11 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድልድልቲ እምነት ምህላው ኣብ ጽንኩር እዋን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ገለጸ። ነቲ ኣቦኡ ዚገብሮ ውሳነ ምሉእ ብምሉእ ይኣምኖ: ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር እውን ይሕጐስ ነበረ። (ማቴዎስ 26:42, 53, 54፣ ዮሃንስ 6:38) ኣብ ጌተሴማኔ ኣመና ኣብ እተጨነቐሉ እዋን እውን እንተዀነ: ነቦኡ “ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር: ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን” በሎ። (ማቴዎስ 26:39) የሱስ ንጽህና ምሕላውን ነቦኡ ምሕጓስን ዘለዎ ኣገዳስነት ፈጺሙ ኣይረስዐን። (ምሳሌ 27:11) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ኣብ የሆዋ ንተኣማመን እንተደኣ ዄንና: ነቐፌታ ወይ ምጽራር ንእምነትና ኼዳኽማ ኣይከነፍቅድን ኢና። ኣብ ክንድኡስ: ኣብ ኣምላኽ እንተ ተወኪልና: ፍቕሪ እንተ ኣርኢናዮ: ከምኡውን ትእዛዛቱ እንተ ሓሊና: እምነትና ኽትድልድል እያ። (መዝሙር 19:7-11፣ 1 ዮሃንስ 5:3) ዝዀነ ይኹን ስጋዊ ዓስቢ ወይ ዝዀነ ይኹን ሓላፊ ስምዒታዊ ባህታ ምስቲ የሆዋ ንዜፍቅርዎ ዚህቦም በረኸት ኣይወዳደርን እዩ።—ምሳሌ 10:22

12. ምሳልያዊ ቝራዕ ርእስና ንምንታይ ኣገዳሲ ኣካልና እዩ ዚከላኸለልና: ከምዚ ዝኣመሰለ ዕቝባ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

12 ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ። ቍራዕ ርእሲ ነቲ ኣእምሮ እቲ ወተሃደር ዚርከበሉ ርእስን ሓንጐልን እዩ ዚከላኸል። ክርስትያናዊ ተስፋ ነእምሮና ስለ ዚከላኸለሉ: ምስ ቍራዕ ርእሲ ተመሳሲሉ ኣሎ። (1 ተሰሎንቄ 5:8) ነቲ ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ንምስዓብ ቈራጽነት እኳ እንተ ገበርና: ድኹማትን ዘይፍጹማትን ምዃንና ግን ኣይተርፈናን እዩ። ኣእምሮና ብቐሊሉ ኺበላሾ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ኣገባብ እዚ ዘተኰረ ሸቶታት ኪሓናኹለና ወይ ካብቲ ኣምላኽ ዝሃበና ሸቶ ኼርሕቐና ይኽእል እዩ። (ሮሜ 7:18፣ 12:2) ድያብሎስ ንየሱስ “ኵላ ዓለምን ክብረተንን” ብምርኣይ ካብ መገዱ ንኼስሕቶ ኸንቱ ፈተነ ገበረ። (ማቴዎስ 4:8) የሱስ ግን ብኡንብኡ ነቲ ዝቐረበሉ ነጸጎ: ብዛዕባኡ ድማ ጳውሎስ ኪገልጽ ከሎ “ሕፍረት ንዒቑ: ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን” በለ።—እብራውያን 12:2

13. ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ተስፋ ምትእምማን ከነሕድር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 እቲ የሱስ ዝነበሮ ምትእምማን ብሃውሪ ዚመጸ ኣይነበረን። ነእምሮና ኣብቲ ተስፋና ኸም ዜተኵር ኣብ ክንዲ ምግባር ብትምኒታትን ሸቶታትን እዚ ኣገባብ እዚ እንተ መሊእናዮ: ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ዘሎና እምነት ይዳኸም እዩ። አረ ምስ ግዜስ ዝነበረና ተስፋ እውን ምሉእ ብምሉእ ከነጥፍእ ንኽእል ኢና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ንመብጽዓታት ኣምላኽ ኣዘውቲርና እንተ ኣስተንቲንናሉ: በቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ተስፋ ኽንሕጐስ ኢና።—ሮሜ 12:12

14, 15. (ሀ) ምሳልያዊ ሰይፍና እንታይ እዩ: ብኸመይከ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ (ለ) ናይ መንፈስ ሰይፊ ፈተና ንምምካት ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ግለጽ።

14 ናይ መንፈስ ሰይፊ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ቃል ወይ መልእኽቲ ኣምላኽ ከም ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ በሊሕ ስለ ዝዀነ: ንሃይማኖታዊ ሓሶት ኬቃልዕን ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት መንፈሳዊ ሓርነት ከም ዚረኽቡ ኺገብርን ይኽእል እዩ። (ዮሃንስ 8:32፣ እብራውያን 4:12) እዚ መንፈሳዊ ሰይፊ እዚ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ወይ ከሓድቲ እምነትና ኼጥፍኡ ኺፍትኑ ኸለዉ እውን ንምክልኻል ይጠቕመና እዩ። (2 ቈረንቶስ 10:4, 5) ‘መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺምና እተዳሎና’ ዚገብረና ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ!—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

15 የሱስ ኣብ በረኻ ብሰይጣን ኪፍተን ከሎ: ነቲ ናይ መንፈስ ሰይፊ ንናይ ሓሶት መረዳእታታትን ዜታልል ፈተናታትን ንምምካት ተጠቕመሉ። ንነፍሲ ወከፍ ሰይጣን ዘቕረቦ ፈተና: “ጽሑፍ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴዎስ 4:1-11) ሓደ ኣብ ስጳኛ ዚነብር ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ዴቪድ እውን: ንዜጋጠሞ ፈተና ኺሰግር ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዝሓገዞ ይገልጽ። ወዲ 19 ዓመት ከሎ ሓንቲ መሳርሕቱ ዝነበረት መልክዐኛ መንእሰይ “ብሓባር ንዘናጋዕ” ኢላ ሓተተቶ። ዴቪድ ነቲ ዘቕረበትሉ ዕድመ ኣይተቐበሎን: ኣብ ተመሳሳሊ ፈተና ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ ንሓለቓኡ ናብ ካልእ ቦታ ኪቕይሮ ሓተቶ። ዴቪድ “ኣብነት ዮሴፍ ዘከርኩ። ነቲ ጾታዊ ርኽሰት ድሕሪ ምንጻጉ ብኡንብኡ እዩ ኻብቲ ቦታ ርሒቑ። ኣነውን ተመሳሳሊ ገበርኩ” በለ።—ዘፍጥረት 39:10-12

16. ‘እቲ ቓል ሓቂ ብቕኑዕ ንኸነማቕል’ ስልጠና ስለምንታይ ከም ዜድልየና ግለጽ።

16 የሱስ እውን ንሰባት ካብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ሓራ ንምውጻእ ነቲ ናይ መንፈስ ሰይፊ ተጠቒሙሉ እዩ። “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር: ናተይ ኣይኰነን” በለ። (ዮሃንስ 7:16) ክእለት ኣመሃህራ የሱስ ንምቕዳሕ: ስልጠና የድልየና። ጆሰፈስ እቲ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ብዛዕባ ወተሃደራት ሮሜ “ነፍሲ ወከፍ ወተሃደር መዓልታዊ ልክዕ ከም ኣብ ውግእ ዘሎ ዀይኑ ብትግሃት ምውስዋስ ኣካላት ይገብር ነበረ: ስለዚ ኸኣ እዮም ኣብ ውግእ ብቐሊሉ ዘይደኽሙ ዝነበሩ” በለ። ኣብ መንፈሳዊ ውግእና: መጽሓፍ ቅዱስ ክንጥቀም ኣሎና። ኣብ ርእሲ እዚውን ‘ንርእስና እቲ ቓል ሓቂ ብቕኑዕ ዜማቕሉ: ዜሕፍር ዘይብሎም ፍቱናት ዓየይቲ ጌርና: ንኣምላኽ ከነርእዮ ኽንጽዕር’ ኣሎና። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) ሓደ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ብቕንዕና ንዚሓቶ ሕቶ ኣብ ምምላስ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንጥቀም ከለና: ብዙሕ ዕግበት ኢና እንረክብ።

ኵሉ ሳዕ ጸሊ

17, 18. (ሀ) ጸሎት ንሰይጣን ኣብ ምጽራር እንታይ ግደ ኣለዎ፧ (ለ) ጸሎት ክሳዕ ክንደይ ዋጋ ኸም ዘለዎ ንምግላጽ ኣብነት ሃብ።

17 ጳውሎስ ንዅሉ እቲ ኣጽዋር ድሕሪ ምግላጹ: ሓደ ኣገዳሲ ምኽሪ ሃበ። ክርስትያናት ንሰይጣን ምእንቲ ኺጻረሩ: “ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን” ኪተግሁ ኣለዎም። ክሳዕ ክንደይ እዮም ኪተግሁ ዚግባእ፧ ጳውሎስ “ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌሶን 6:18) ፈተናታት ወይ ተስፋ ዜቝርጽ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ: ጸሎት ብዙሕ ኬበርትዓና ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 26:41) የሱስ ‘ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚከኣሎ: ጸሎትን ምህልላን ኣቕረበ: ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ኸኣ ተሰምዔ።’—እብራውያን 5:7

18 ሓንቲ ሚላግሮስ እትበሃል ከቢድ ሕማም ንዝነበሮ ሰብኣያ ን15 ዓመት ዝኣለየቶ ሰበይቲ: “ተስፋ ክቘርጽ ከለኹ: ናብ የሆዋ እጽሊ። ከምኡ ገይሩ ኺሕግዘኒ ዚኽእል ካልእ የልቦን። ልክዕ እዩ: ድሕሪ ደጊም ኣይክእሎን እየ ዝበልኩሉ እዋናት ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግን: ናብ የሆዋ ድሕሪ ምጽላየይ: ብተደጋጋሚ ሓይለይ ተሓዲሱን ብርታዐ ረኺበን እየ” በለት።

19, 20. ምስ ሰይጣን ኣብ እንገብሮ ቕልስ ዕዉታት ንምዃን እንታይ የድልየና፧

19 ድያብሎስ ግዜኡ ሓጺር ምዃኑ ስለ ዚፈልጥ: ምእንቲ ኺስዕረና ጻዕርታቱ ይውስኽ እዩ ዘሎ። (ራእይ 12:12, 17) ነዚ ሓያል ጸላኢ እዚ ኽንጻረሮን ‘ጽቡቕ ገድሊ እምነት ክንጋደልን’ ኣሎና። (1 ጢሞቴዎስ 6:12) ነዚ ንምግባር ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ የድልየና። (2 ቈረንቶስ 4:7) ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ እውን ስለ ዜድልየና: ምእንቲ ኺወሃበና ኽንጽሊ ይግባእ። ብዛዕባ እዚ የሱስ “ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም: ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” በለ።—ሉቃስ 11:13

20 እምበኣር: ንዅሉ እቲ የሆዋ ዘዳለዎ ኣጽዋር ክንለብስ ኣሎና። ነዚ መንፈሳዊ ኣጽዋር እዚ ንምልባስ ከም እምነትን ጽድቅን ዝኣመሰለ ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርያት ከነማዕብል የድልየና። ንሓቂ ልክዕ ከም እተዓጠቕናያ ዄንና ኸነፍቅራ: ነቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ንምዝርጋሕ ድሉዋት ክንከውን: ከምኡውን ንተስፋና ኣቕሪብና ኽንርእዮ ኣሎና። ነቲ ናይ መንፈስ ሰይፊ ብዚግባእ ንኽንጥቀም እውን ክንመሃር ኣሎና። ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ እንተ ለቢስና: ምስቶም እኩያት መናፍስቲ ኣብ ዚግበር ቅልስ ዕዉታት ክንከውንን ነቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ኽብሪ ኸነምጽኣሉን ንኽእል ኢና።—ሮሜ 8:37-39

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ: የሆዋ ንባዕሉ “ንጽድቂ ኸም ድርዒ ገይሩ ተኸድኖ” ተባሂሉ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ጉባኤ ንዜገልግሉ ተዓዘብቲ ፍትሒ ኼውጽኡን ጽድቂ ኺገብሩን እዩ ዚደልዮም።—ኢሳይያስ 59:14, 15, 17

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• መንፈሳዊ ኣጽዋር ብምልባስ ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ዚዀነና መን እዩ: ኣብነቱ ተጠንቂቕና ኽንምርምሮ ዚግባእከ ስለምንታይ ኢና፧

• ነእምሮናን ንምሳልያዊ ልብናን ብኸመይ ክንሕልዎ ንኽእል፧

• ነቲ ናይ መንፈስ ሰይፊ ኣብ ምጥቃም ክኢላታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ኵሉ ሳዕ ክንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ተጊህካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ ነቲ ብስራት ንኽንሰብኽ ኪድርኸና ይኽእል

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

እቲ እተረጋገጸ ተስፋና ፈተናታት ክንሰግር የኽእለና

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣገልግሎት ነቲ “ናይ መንፈስ ሰይፊ” ትጥቀመሉዶ ኢኻ፧