ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ትሑታት ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም’—ብኸመይ፧

‘ትሑታት ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም’—ብኸመይ፧

‘ትሑታት ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም’ ብኸመይ፧

“ምናልባት ነቲ የሱስ ‘ዓቃላት ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም’ ብምባል እተዛረቦ ልቢ ዚትንክፍ ቃላት ትፈልጦ ትኸውን። እንተዀነ ግን: ሰባት ኣብ ንሓድሕዶምን ኣብ ምድርን ዚፍጽምዎ ዘለዉ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው: ትሑታት እንታይ ዚረብሕ ውርሲ እዮም ኺረኽቡ፧”—ማቴዎስ 5:5፣ መዝሙር 37:11

ሚርያም እትበሃል ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ሓደ ሰብኣይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ንምጅማር ነዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ሕቶ ተጠቕመትላ። እቲ ሰብኣይ ከኣ የሱስ ነዚ መብጽዓ እዚ እንተ ኣትዩ: ምድሪ ንውርሲ እትበቅዕ ኰይና ኽትጸንሖም ደኣ እምበር ዑና ወይ ሰብ ዘይነብራ ኸም ዘይትኸውን ዚእምት ምዃኑ መለሰ።

እዚ ብሓቂ ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዩ። እንተዀነ ግን: ነዚ ኣረኣእያ እዚ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና ድዩ፧ እወ። ከመይሲ: መጽሓፍ ቅዱስ እዚ መብጽዓ እዚ ኸም ዚፍጸም ንኽንኣምን ዜኽእል ሓያል ምኽንያት ይህበና እዩ። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: ፍጻመ እዚ መብጽዓ እዚ ምስቲ ኣምላኽ ንደቅሰብን ንምድርን ዘለዎ ዕላማ ኣጸቢቑ ይተኣሳሰር እዩ። ኣምላኽ ዝዓለሞ ኸም ዚፍጽም ድማ መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ። (ኢሳይያስ 55:11) ስለዚ እምበኣር: ኣምላኽ ንደቅሰብ ፈለማ እንታይ ዕላማ እዩ ነይርዎ: ብኸመይከ እዩ ዚፍጸም፧

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዘለኣለማዊ ዕላማ

የሆዋ ንምድሪ ብፍሉይ ዕላማ እዩ ፈጢርዋ። “እቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ እዩ: ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን: ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር: ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ ኸምዚ ይብል: ኣነ እግዚኣብሄር እየ: ብጀካይውን ካልእ የልቦን።” (ኢሳይያስ 45:18) እምበኣር: ምድሪ ሰባት ኪነብሩላ እያ ተፈጢራ። ኣብ ርእሲ እዚውን ንዘለኣለም መንበሪት ደቅሰብ ክትከውን እዩ ኣምላኽ ዕላማ ገይሩ። ከመይሲ: “ንዘለኣለም ከይትናወጽሲ: ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣጽንዓ።”—መዝሙር 104:5፣ 119:90

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኣብቲ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝሃቦም መዝነት እውን ንጹር ኰይኑ እዩ። ንኣዳምን ንሄዋንን “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን: ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ” በሎም። (ዘፍጥረት 1:28) እታ ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ብሕድሪ ዝሃቦም ምድሪ: ንዓታቶምን ንዘርኦምን ዘለኣለማዊት መንበሪት ክትከውን እያ ተሓሲባ ነይራ። ሓያሎ ዘመናት ጸኒሑ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም: ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሀቦም” በለ።—መዝሙር 115:16

ኣዳምን ሄዋንን ኰኑ ዘርኦም ነቲ ዜደንቕ ተስፋ ንምርካብ: ነፍሲ ወከፎም ነቲ ፈጣርን ወሃብ ህይወትን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከም ሉዑላዊ ገዛኢኦም ገይሮም ኪቕበልዎ ኸምኡውን ኪእዘዝዎ ፍቓደኛታት ኪዀኑ ነበሮም። የሆዋ እውን “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ: ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና: ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ: ካብኣ ኣይትብላዕ” ኢሉ ኺእዝዝ ከሎ ነዚ ጕዳይ እዚ ዘየማትእ ገይርዎ እዩ። (ዘፍጥረት 2:16, 17) ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤድን ምንባር ኪቕጽሉ እንተደኣ ዀይኖም: ነዚ ቐሊልን ንጹርን ትእዛዝ ኪሕልዉ ነበሮም። ምእዛዞም ነቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ዝገበረሎም ዘበለ ነገራት ዘለዎም ሞሳ ዚገልጹሉ መገዲ እዩ ነይሩ።

እንተዀነ ግን: ኣዳምን ሄዋንን ደይ መደይ ኢሎም ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ኣፍረሱ: ነቲ ዅሉ እቲ ዝነበሮም ነገራት ዝሃቦም ኣምላኽ እዮም ዝባኖም መሊሶሙሉ። (ዘፍጥረት 3:6) ከምዚ ብምግባሮም ከኣ ካብታ ጽብቕቲ መንበሪኦም ዝነበረት ገነት ተሰጉ: እዚውን ንዓታቶም ጥራይ ዘይኰነስ ንዘርኦም እውን ተንከፎም። (ሮሜ 5:12) እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ትእዛዝ ምፍራሶም ነቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠረሉ ዕላማ ኻብ ምፍጻም ዓንቂጽዎ ድዩ፧

ዘይተለወጠ ኣምላኽ

ኣምላኽ ብነብዪ ሚልክያስ ኣቢሉ “ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ” በለ። (ሚልክያስ 3:6) ሎይስ ፊዮን ዚበሃል ፈረንሳዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ሓሳብ ኪህብ ከሎ: እቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሳባት ምስ ምፍጻም መብጽዓታት ኣምላኽ ኣጸቢቑ ኸም ዚተኣሳሰር ገለጸ። “የሆዋ ነቶም ዓለወኛታት ህዝቡ ኼጥፍኦም ይኽእል ነይሩ። እንተዀነ ግን: መብጽዓታቱ ዘይልውጥ ብምዃኑ: ዘጋጠመ እኳ እንተ ኣጋጠመ: ነቲ ኣቐዲሙ ዝገበሮ መብጽዓታት እሙን እዩ ነይሩ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። ኣምላኽ ንውልቀ-ሰባት ኰነ ንሓደ ጕጅለ ህዝቢ ዀነ ንደቅሰብ ብሓፈሻ ዝኣትዎ መብጽዓታት ኣብ ግዜኡ ኺፍጸም ደኣ እዩ እምበር ከቶ ኣይኪርሳዕን እዩ። “ነቲ ንሽሕ ወለዶ ዝአዘዞ ቓል ንዘለኣለም ዘኪሩ” እዩ።—መዝሙር 105:8

የሆዋ ነቲ ፈለማ ንምድሪ ዝነበሮ ዕላማ ኸም ዘይለወጠ ግን ብኸመይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ ኣብ ምሉእ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ: ምድሪ ንእዙዛት ደቅሰብ ኪህቦም ምዃኑ ዚገልጽ ዕላማኡ ተጠቒሱ ስለ እንረክብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (መዝሙር 25:13፣ 37:9, 22, 29, 34) ብዘይካዚውን ቅዱሳት ጽሑፋት እቶም የሆዋ ዚባርኾም ነፍሲ ወከፎም ‘ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኖምን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሶምን’ ብህድኣት ኪቕመጡ እዮም: “ዜፍርሆም ከኣ የልቦን” ይብል። (ሚክያስ 4:4፣ ህዝቅኤል 34:28) እቶም የሆዋ ዚሓርዮም “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም።” ምስ ኣራዊት እውን ከይተረፈ ብሰላም ኪነብሩ እዮም።—ኢሳይያስ 11:6-9፣ 65:21, 25

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መብጽዓ ኣምላኽ ብመርኣያ እውን ይገልጸልና እዩ። ብዘመን ንጉስ ሰሎሞን ህዝቢ እስራኤል ሰላምን ብልጽግናን ረኺቡ ነበረ። ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ “ይሁዳን እስራኤልን ድማ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ብህድኣት ይቕመጥ ነበረ።” (1 ነገስት 4:25) መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ “ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ” እዩ ዚብሎ። ብዛዕባ ግዝኣቱ ኸኣ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ: ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ” ኢሉ ተነበየ። ኣብቲ ግዜ እቲ “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን” እዩ።—ሉቃስ 11:31፣ መዝሙር 72:7, 16

የሆዋ ኣምላኽ ቃሉ ብምሕላው እታ መብጽዓ ዝኣተወላ ውርሲ ኸም ዘለዋ ዘይኰነትስ ናብቲ ናይ ቀደማ ጽባቐ እውን መሊሱ እዩ ዜውርሳ። ኣብ ራእይ 21:4 ቃል ኣምላኽ ኣብታ መብጽዓ እተገብረላ ሓዳስ ዓለም: ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም [ኣዒንቲ ደቅሰብ] ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ይብለና። እዚ መብጽዓ እዚ ብሓቂ ገነት ከም እትመጽእ እዩ ዚገልጽ።

ነቲ መብጽዓ እተገብረሉ ርስቲ ብኸመይ ትረኽቦ፧

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እታ ኣብ ሰማይ ኰይና እተመሓድር የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ እያ ምድሪ ናብ ገነት እትቕየር። (ማቴዎስ 6:9, 10) ፈለማ እታ መንግስቲ “ነቶም መጥፋእቲ ምድሪውን እተጥፍኣሉ” እዋን ኪመጽእ እዩ። (ራእይ 11:18፣ ዳንኤል 2:44) ድሕሪኡ: እቲ “መስፍን ሰላም” እተባህለ የሱስ ክርስቶስ ነቲ “ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን” ዚብል ትንቢት ኪፍጽሞ እዩ። (ኢሳይያስ 9:6, 7) ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ እቲኣ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: እንተላይ እቶም ካብ ሞት ዚትንስኡ: ንምድሪ ኺወርስዋ ኣጋጣሚ ኪኽፈተሎም እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15

ነቲ ዜደንቕ ውርሲ መን እዩ ኪረኽቦ፧ የሱስ “ዓቃላት: ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:5) ዓቃል ወይ ትሑት ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ መዝገበ-ቓላት ነተን “ትሑት” ወይ “ዓቃል” ዚብላ ቓላት ሕያዋይ: ምእዙዝ: ህዱእ: ርጉእ: ልኡም ዚብል ትርጕም እዩ ዚህበን። እንተዀነ ግን: እታ ኣብዛ ጥቕሲ እትርከብ በዅሪ ናይ ግሪኽ ቃል ዝዓመቘ ትርጕም እዩ ዘለዋ። ዊልያም ባርክለይ ዚጸሓፎ ኒው ተስታመንት ዎርድቡክ እታ ቓል ናይ ልእመት ባህሪ ኸም ዝሓቘፈት ድሕሪ ምጥቃስ: “እንተዀነ ግን: ብድሕሪ ልእመት ከም ኣቻዮ ዝምብርትዑ ሓይሊ ኣሎ” በለ። እዚ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ምእንቲ ኺህልወካ ኢልካ: ንዚወርደካ ጕድኣት ቂም ከይሓዝካ ወይ ሕነ ኽትፈዲ ኸይሓሰብካ ናይ ምጻር ዝንባለ ዜመልክት ኪኸውን ከሎ: እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ድማ ምንጪ ብርታዐ ይዀነካ።—ኢሳይያስ 12:2፣ ፊልጲ 4:13

ሓደ ትሑት ሰብ ንስርዓታት ኣምላኽ ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወቱ ብትሕትና እዩ ዚቕበል። ብናይ ርእሱ ኣረኣእያ ወይ ብናይ ካልኦት ሰባት ኣረኣእያ ንኺመላለስ ግዲ ኣይብልን። ትምህርቲ ዚቕበል ብምዃኑ ብየሆዋ ንኺምሃር ፍቓደኛ እዩ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር “[የሆዋ] ንትሑታት ብፍርዲ ኺመርሖም: ንትሑታትውን መገዱ ኼስተምህሮም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 25:9፣ ምሳሌ 3:5, 6

ካብቶም ንምድሪ ዚወርስዋ “ትሑታት” ዲኻ፧ ብትግሃት ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕ: ነቲ እተመሃርካዮ ድማ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንየሆዋን ፍቓዱን እንተ ፈሊጥካ: ነታ ገነት እትኸውን ምድሪ ናይ ምውራስን ኣብኣ ንዘለኣለም ናይ ምንባርን ተስፋ ኺህልወካ እዩ።—ዮሃንስ 17:3

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኣብቲ ንኣዳምን ሄዋንን ዝሃቦም መዝነት ንጹር ኰነ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኣብ ግዝኣት ሰሎሞን ዝነበረ ሰላምን ብልጽግናን መርኣያ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ውርሲ እዩ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Sheep and background hill: Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.; Arabian oryx: Hai-Bar, Yotvata, Israel; farmer plowing: Garo Nalbandian

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ጽድቂ ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም ትመጽእ ኣላ። ንስኻኸ ኣብኣ ኽትነብር ዲኻ፧