ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ”

“ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ”

“ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ”

“ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ።” —ሮሜ 12:10

1, 2. ሓደ ኣብዚ ግዜና ዚነብር ዝነበረ ሚስዮናውን ሃዋርያ ጳውሎስን ምስ ኣሕዋቶም ከመይ ዝበለ ርክብ እዩ ዝነበሮም፧

 ዶን ኣብቲ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ዘሕለፎ 43 ዓመት ሚስዮናዊ ኣገልግሎት: ነቶም ዘገልገሎም ሰባት ብዝነበሮ ፍቕሪ ፍሉጥ እዩ ነይሩ። ሓሚሙ ኣብ ኣፍ ሞት ምስ በጽሐ: ገለ ኻብቶም ቀደም መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃሮም ሰባት በሽሓት ዚቝጸር ኪሎ ሜተራት ተጓዒዞም መጺኦም “ካምሳሃምኒዳ: ካምሳሃምኒዳ!” ማለት ብኮሪያኛ “ነመስግነካ: ነመግነካ!” በልዎ። እቲ ዘርኣዮም ለውሃት ዝመልኦ ፍቕሪ ልቦም ተንኪፍዎም እዩ።

2 ዶን ጥራይ ኣይኰነን ከምዚኣ ዝዓይነታ ባህሪ ኣርእዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ዘገልገሎም ክሳዕ ክንደይ ከም ዚፈትዎም ገሊጹ ኣሎ። ጥቕሚ ርእሱ እውን ይስውኣሎም ነበረ። ኣብ እምነቱ ጽኑዕ ሰብኣይ እኳ እንተ ነበረ: “ከምታ ውሉዳ እትሐቍፍ መጥበዊት” ሕያዋይን ሓላይን እውን እዩ ነይሩ። ንጉባኤ ተሰሎንቄ “ኣብ ማእከልኩም . . . ርሕሩሓት ነበርና። ከምዚ: ኣዚኹም ፍቁራትና ስለ ዝዀንኩም: ገዛእ ነፍስና ድማ እምበር: ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን: ከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርና።” (1 ተሰሎንቄ 2:7, 8) ጸኒሑ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ኣሕዋት ደጊም ገጹ ኸም ዘይርእዩ ምስ ነገሮም: ኵላቶም “ብዙሕ በኸዩ: ንጳውሎስ ድማ ብኽሳዱ ሐኒቖም ሰዐምዎ።” (ግብሪ ሃዋርያት 20:25, 37) ኣብ መንጎ ጳውሎስን ኣሕዋቱን ዝነበረ ርክብ እምነቶም ሕደ ኻብ ምዃን ንላዕሊ ኸም ዝነበረ ንጹር እዩ። ንሕድሕዶም ብለውሃት ይፋቐሩ ነበሩ።

ለውሃትን ፍቕርን

3. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ለውሃትን ፍቕርን ዚተኣሳሰራ ብኸመይ እየን፧

3 ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ለውሃትን ሓልዮትን ድንጋጽን ዚብላ ቓላት ምስታ ኻብ ኵሉ እትበልጽ ክርስትያናዊት ባህሪ ዝዀነት ፍቕሪ ይተኣሳሰራ እየን። (1 ተሰሎንቄ 2:8፣ 2 ጴጥሮስ 1:7) እዘን እተፈላለያ ኣምላኽ ዚፈትወን ባህርያት ልክዕ ከም እተፈላለየ ገጽ ናይ ጽብቕቲ ኣልማዝ ብምዃነን: ሓንቲ ነታ ኻልእ ሚዛናዊትን እተማልአት ንኽትከውንን ተኽእላ። ንክርስትያናት ንሓድሕዶም ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ሰማያዊ ኣቦኦም ንኺቀራረቡ የኽእላኦም። ስለዚ ኸኣ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ “ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። . . . ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ” ዝበሎም።—ሮሜ 12:9, 10

4. ‘ብለውሃት ምፍቃር’ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

4 እታ ‘ብለውሃት ምፍቃር’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ጳውሎስ እተጠቕመላ ናይ ግሪኽኛ ቓል: ብኽልተ ኽፋል ዝቘመት እያ። እዚኣተን ድማ እታ ሓንቲ ምሕዝነት ዝትርጕማ ኽትከውን ከላ: እታ ኻልአይቲ ኸኣ ባህርያዊ ፍቕሪ ማለት እያ። እዚ ማለት ከኣ ከምቲ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ዝገለጾ: ክርስትያናት “ብፍቕሮምን ምቅርራቦምን ምድግጋፎምን ዝመጸ ውፉያት ዝዀኑ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ብምዃን እዮም ዚፍለጡ።” ብዛዕባ ክርስትያናት ኣሕዋትካን ኣሓትካን ከምዚ ድዩ ዚስምዓካ፧ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፍቕሪ ወይ ምቅርራብ ኪሰፍን ኣለዎ። (ገላትያ 6:10) ስለዚ ድማ እታ ብጀይ. ቢ. ፊሊፕስ እተተርጐመት ዘ ኒው ተስታመንት ኢን ሞደርን ኢንግሊሽ ንሮሜ 12:10 “ከምቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ኪህሉ ዘለዎ ዓይነት ናይ ሓቂ ምዉቕ ፍቕሪ ይሃሉኹም” ኪብላ ኸሎ: ዘ ጀሩሳሌም ባይብል ከኣ “ከምቲ ኣብ ኣሕዋት ኪህሉ ዘለዎ ጌርኩም ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ” ትብል። እወ: ስርዓት ወይ ግዴታ ስለ ዝዀኖም ጥራይ ኣይኰኑን ክርስትያናት ንሓድሕዶም ዚፋቐሩ። ‘ግብዝና ብዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድና ብሓቂ ኽንፋቐር’ ኣሎና።—1 ጴጥሮስ 1:22

“ንሓድሕድኩም ንምፍቓር ካብ ኣምላኽ ተምሂርኩም”

5, 6. (ሀ) የሆዋ ንኣህጉራዊ ኣኼባታት ንህዝቡ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ንምምሃር እተጠቕመሉ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዚህሉ ማእሰር ምስ ግዜ ዚድልድል ብኸመይ እዩ፧

5 ኣብዛ ዓለም እዚኣ “ናይ ብዙሓት ፍቕሪ” ትዝሕል እኳ እንተላ: የሆዋ ነዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ህዝቡ ‘ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ’ እዩ ዚምህሮም ዘሎ። (ማቴዎስ 24:12፣ 1 ተሰሎንቄ 4:9) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ነዚ ስልጠና እዚ ንምርካብ ዜደንቕ ኣጋጣሚ ይኸፍት እዩ። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ኣብተን ዓድታት ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ርሑቕ ሃገራት ምስ ዝመጹ ኣሕዋቶም ይራኸቡ: ብዙሓት ከኣ ንወጻእተኛታት ኣብ ኣባይቶም ይቕበሉ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ እተገብረ ሓደ ኣኼባ: ገሊኦም ስምዒቶም ብዙሕ ካብ ዘይገልጹ ሃገራት መጹ። ሓደ መሕደሪ ኣብ ምድላው ዜገልግል ዝነበረ ክርስትያን “እዞም ተወከልቲ እዚኣቶም ኪመጹ ኸለዉ ተጨኒቖምን ፈሪሆምን ነይሮም። ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ኺሰናበቱ ኸለዉ ግን ንሳቶምን ኣአንገድቶምን ተሓቛቚፎም ነብዑ። ፈጺሞም ዘይርስዕዎ ክርስትያናዊ ፍቕሪ እዮም ርእዮም” በለ። መበቈሎም ብዘየገድስ ነሕዋትና ተቐቢልና ምስ እነአንግዶም: ኣብቶም ኣጋይሽ ኰነ ኣብቶም እነአንግዶም ዘበልና ጽቡቕ ጽልዋ እዩ ዜሕድር።—ሮሜ 12:13

6 እዚ ኻብ ኣህጉራዊ ኣኼባታት እተረኽበ ተመክሮታት ዜሐጕስ እኳ እንተዀነ: ክርስትያናት ብሓባር ንነዊሕ እዋን ንየሆዋ ምስ ዜገልግሉ ዝያዳ ዝጠበቐ ርክብ እዩ ዚምዕብል። ነሕዋትና ኣጸቢቕና ምስ እንፈልጦም: ነቲ ዚፍቶ ባህርያቶም: ማለት ሓቅነቶም: ተኣማንነቶም: ሕያውነቶም: ልግሶም: ሓልዮቶም: ከምኡውን ድንጋጾም ብዝያዳ ኸነድንቖ ንኽእል። (መዝሙር 15:3-5፣ ምሳሌ 19:22) ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሚስዮናዊ ዀይኑ ዘገልገለ ማርክ: “ምስ ኣሕዋትና ብሓባር ምዕያይ ዘይብተኽ ማእሰር እዩ ዚፈጥር” በለ።

7. ኣብ ጉባኤ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

7 ኣብ ጉባኤ ኸምዚ ዝኣመሰለ ማእሰር ንምምስራትን ንምዕቃብን እቶም ኣባላት ንሓድሕዶም ኪቀራረቡ ኣለዎም። ኣዘውቲርና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምእካብ: ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ምቅርራብ እዩ ዚድልድል። ቅድሚ ኣኼባ ምጅማሩን ድሕሪኡን ምስ ኣሕዋት ብምዕላል: ኣኼባ ኣብ ዚግበረሉ እዋን ከኣ ብምስታፍ: “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን” ንተባባዕ ከምኡውን ንነቓቓሕ ኢና። (እብራውያን 10:24, 25) ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ሽማግለ: “ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ስድራቤተይ ብእተኻእሎም መጠን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ምስ ፈተውቶም ትርጕም ዘለዎ ዕላል ስለ ዜዕልሉ: ካብቶም ካብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ ዚወጹ ሰባት ምንባሮም ትዝ ይብለኒ” በለ።

‘ልብኻ ኸተግፍሕ’ ኣሎካ ድዩ፧

8. (ሀ) ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ‘ልቦም ኬግፍሑ’ ኺምሕጸኖም ከሎ እንታይ ማለት እዩ ነይሩ፧ (ለ) ኣብ ጉባኤ ፍቕሪ ንምስፋን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

8 ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ ምሉእ ብምሉእ ንምንጽብራቕ: ‘ልብና ኸነግፍሕ’ የድልየና ይኸውን። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ልብና ገፍሔ። ኣባና ኣይጸበኩምን እዩ’ ኢሉ ጸሓፈሎም። “ልብኹም ኣግፍሑ” ኢሉውን ተማሕጸኖም። (2 ቈረንቶስ 6:11-13) ንስኻኸ ፍቕርኻ ‘ኸተግፍሕ’ ትኽእልዶ፧ ካልኦት ንኪቐርቡኻ ኽትጽበ የብልካን። ጳውሎስ ኣብቲ ንሰብ ሮሜ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ምስቲ ብለውሃት ምፍቃር ኣተኣሳሲሩ ‘ንሓድሕድኩም ብምክብባር ተቐዳደሙ’ ዚብል ማዕዳውን ሃቦም። (ሮሜ 12:10) ንኻልኦት ንምኽባር: ኣብ ኣኼባታት ሰላም ንምባል ተበግሶ ኽትወስድ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ግራት ኣገልገሎት ምሳኻ ሓቢሮም ንኼገልግሉ ወይ ንኣኼባታት ብሓባር ንኽትዳለዉ ኽትዕድሞም ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ምግባር ለውሃት ዝመልኣ ፍቕሪ ንኽትዓቢ መገዲ ይጽርግ።

9. ገሊኦም ምስ ክርስትያናት ብጾቶም ዚቀራረቡ ፈተውቲ ንምዃን እንታይ ስጕምትታት ወሲዶም፧ (ዝዀነ ይኹን ኣብቲ ኸባቢ ዚግበር ኣብነታት ጥቐስ።)

9 ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ስድራቤታትን ውልቀ-ሰባትን ንሓድሕዶም ብምብጽጻሕ: ቀሊል ምሳሕ ወይ ድራር ብምትዕድዳም: ከምኡውን ብሓባር ኣብ ጥዑይ ንጥፈታት ብምስታፍ ‘ልቦም ኬግፍሑ’ ይኽእሉ እዮም። (ሉቃስ 10:42፣ 14:12-14) ሃኮፕ ሓሓሊፉ ሒደት ሰባት ብሓባር ዙረት ንኪኸዱ ምድላዋት ይገብር እዩ። ብዛዕባ እዚ ኺዛረብ ከሎ “ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ: እንተላይ ንጽል ወለዲ ይመጹ እዮም። ኵላቶም ዜሐጕስ ተዘክሮታት ሒዞም እዮም ናብ ቤቶም ዚምለሱ: ብዝያዳ ድማ ይቀራረቡ” በለ። ከም ክርስትያናት መጠን ርክብና ብእምነትና ጥራይ ተሓጺሩ ኺተርፍ ዘይኰነስ: ናይ ሓቂ ፈተውቲ እውን ክንከውን ኣሎና።—3 ዮሃንስ 15 ትርጕም 1990

10. ርክባትና ምስ ዚሕርፍፍ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

10 ሓድሓደ ግዜ ግን ምስ ካልኦት ምሕዝነት ወይ ፍቕሪ ንምምዕባል ዘይፍጽምና ይዓግተና እዩ። እንታይ ኢና እንገብር፧ ፈለማ: ምስ ኣሕዋት ጽቡቕ ርክብ ንኺህልወና ኽንጽሊ ንኽእል። ኣምላኽ ነገልገልቱ ተሳንዮም ኪነብሩ እዩ ዚደልዮም: ነዚ ብዚምልከት ካብ ልብና እንጽልዮ ጸሎት ድማ ይምልሰልና እዩ። (1 ዮሃንስ 4:20, 21፣ 5:14, 15) ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና እውን ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ገያሺ ተዓዛቢ ዀይኑ ዜገልግል ሪክ: ምስ ሓደ ተሪር ዝባህሪኡ ሓው ተሰማሚዑ ምኻድ ከቢድዎ ነበረ። ዝገበሮ ኺገልጽ ከሎ “ካብቲ ሓው ኣብ ክንዲ ዝርሕቕ ግን ዝያዳ ኽፈልጦ እየ ቘሪጸ። ኣቦ እቲ ሓው ተሪር ስነ-ስርዓት ዚስዕብ እዩ ነይሩ። እቲ ሓው ነዚ ኣተዓባብያኡ ንምዕራይ ብዙሕ ከም እተቓለሰን ክሳዕ ክንደይ ከም እተመሓየሸን ምስ ተረድኣኒ ኣድነቕክዎ። እንቀራረብ ኣዕሩኽ ድማ ኰንና” በለ።—1 ጴጥሮስ 4:8

ልብኻ ኽፈት!

11. (ሀ) ኣብ ጉባኤ ፍቕሪ ንኺዓቢ እንታይ ኪግበር የድሊ፧ (ለ) ካብ ካልኦት ምርሓቕ ብመንፈስ ጐዳኢ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

11 ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ሰባት ኣብ ምሉእ ህይወቶም ምስ ዋላ ሓደ ሰብ ጥብቂ ምሕዝነት ከየማዕበሉ ይነብሩ እዮም። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ! ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ግን ከምዚ ኪኸውን ኣይግባእን። ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኣሕዋት ብትሕትናን ብስነ-ስርዓትን ምዝርራብ ጥራይ ማለት ኣይኰነን። ስምዒትካ ንኻልኦት ካብ መጠን ንላዕሊ ምግላጽ እውን ኣይኰነን። የግዳስ: ከምቲ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ዝገበረሎም ልብና ንምኽፋት ፍቓደኛታት ክንከውን: ንክርስትያናት ብጾትና ኸኣ ብሓቂ ኸም እንሓልየሎም ከነርእዮም ኣሎና። ኵሉ ሰብ ብተፈጥሮ ሕዉስ ወይ ስምዒቱ ዚገልጽ እኳ እንተ ዘይኰነ: ካብ መጠን ንላዕሊ ኻብ ሰብ ምርሓቕ ግን ጕድኣት ኬምጽእ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ንርእሱ ዚፍለ ትምኒቱ ይደሊ: ንዅሉ ጥበብውን ይቃወሞ” ይብል።—ምሳሌ 18:1

12. ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣብ ጉባኤ ጥብቂ ርክብ ንምህላው ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

12 ካብ ልቢ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንናይ ሓቂ ዕርክነት መሰረት እዩ። (ዮሃንስ 15:15) ኵላትና ውሽጣዊ ሓሳባትናን ስምዒትናን ከነካፍሎም እንኽእል ፈተውቲ የድልዩና እዮም። ኣብ ርእሲ እዚውን ንሓድሕድና ብዝያዳ ብእተፋለጥና መጠን: ዜድሊ ንምምላእ ዝቐለለ እዩ ዚዀነልና። በዚ ኸምዚ ጥቕሚ ኻልኦት ምስ እነቐድም: ብለውሃት ንፋቐር: ነቲ የሱስ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ዝበሎ ድማ ኣብ ህይወትና ኺፍጸም ንርእዮ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35፣ ፊልጲ 2:1-4

13. ነሕዋትና ብሓቂ ኸም እነፍቅሮም ንምርኣይ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

13 ፍቕርና ብዙሕ እትጠቀም ንኽትከውን: ክንገልጻ ኣሎና። (ምሳሌ 27:5) ፍቕርና ናይ ሓቂ ምስ እትኸውን: እዚ ኣብ ገጽና ይንጸባረቕ: ልቢ ኻልኦት ምላሽ ንኺህብ ድማ ይልዓዓል። እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ “ብሩህ ቈላሕታ ንልቢ የሐጕሶ” በለ። (ምሳሌ 15:30) ብሓልዮት ዚግበር ነገራት ፍቕሪ ኸም እትዓቢ ይገብር እዩ። ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኽትዕደግ ዘይትከኣል እኳ እንተዀነት: ካብ ልቢ ተደሪኽካ ዚወሃብ ህያብ ብዙሕ ትርጕም ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ካርድ: ደብዳበ: ከምኡውን “ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል” ዓሚቝ ፍቕሪ ኺገልጽ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 25:11፣ 27:9) ሓንሳእ ምሕዝነት ምስ መስረትና: ስስዐ ዘይብሉ ፍቕሪ ብምርኣይ ወትሩ ኽንዕቅቦ ኣሎና። ብፍላይ ኣብ ግዜ ሽግር: ንፈተውትና ንምድጋፍ ድሉዋት ክንከውን ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር: ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ” ይብል።—ምሳሌ 17:17

14. ሓደ ሰብ ነቲ ፍቕርና ምላሽ ዘይህብ እንተ መሲሉ: እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

14 ኣብ ጉባኤና ምስ ኵሉ ሰብ ክንቀራረብ ትጽቢት ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ብባህሪና ንገሊኦም ካብ ካልኦት ብዝያዳ ንቐርቦም ኢና። ስለዚ: ከምቲ እትሓስቦ ሓደ ሰብ ብዙሕ እንተ ዘይቀሪቡካ: ተቐላጢፍካ ገለ ሽግር ከም ዘሎካ ወይ እቲ ሰብ ገለ ሽግር ከም ዘለዎ ጌርካ ኣይትደምድም። ጥብቂ ርክብ ንኺህልወካ እውን ኣይትደፋፍኣዮ። በቲ እቲ ሰብ ዚቐርበካ መጠን ጥራይ እንተ ቐሪብካዮ: ኣብ መጻኢ ጥብቂ ርክብ ንኺህልወኩም መገዲ ኣብ ምኽፋት እጃምካ ጌርካ ኢኻ።

“ብኣኻ ዝሰመርኩ”

15. ናእዳ ምሃብ ወይ ዘይምሃብ ኣብ ካልኦት እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧

15 የሱስ ድሕሪ ምጥማቑ: ካብ ሰማይ “ብኣኻ ዝሰመርኩ” ዚብል ድምጺ ምስ ሰምዐስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ! (ማርቆስ 1:11) እዚ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ዚሕብር መግለጺ: ነቲ ኣቦኡ ኸም ዜፍቅሮ ዝነበሮ ምትእምማን ኣደልዲሉሉ ኪኸውን ኣለዎ። (ዮሃንስ 5:20) እቲ ዜሕዝን ግን ገሊኦም ሰባት ካብቶም ዜኽብርዎምን ዜፍቅርዎምን ናእዳ ዚበሃል ከቶ ኣይሰምዑን እዮም። ብዛዕባ እዚ ኣን “ከምዚ ኸማይ ዝኣመሰሉ ሓያሎ መንእሰያት ኣብ ክርስትያናዊ እምነቶም ዚሓብሮም ኣባል ስድራቤት የብሎምን። ኣብ ቤት ነቐፌታ ጥራይ ኢና እንሰምዕ። እዚ ኸኣ ብዙሕ እዩ ዜጕህየና” በለት። ኣባል ጉባኤ ምስ ኰኑ ግን ካብታ ደገፍትን ሓለይትን ኣባላት ዘለዋ መንፈሳዊት ስድራቤት: ማለት ካብቶም ብእምነት ኣቦታትን ኣዴታትን ኣሕዋትን ኣሓትን ፍቕሪ ይረኽቡ እዮም።—ማርቆስ 10:29, 30፣ ገላትያ 6:10

16. ንኻልኦት ብዓይኒ ነቐፌታ ምርኣይ ሃናጺ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

16 ኣብ ገሊኡ ባህልታት ምንኣድ ሰነፍ ወይ ዕቡይ ይገብር ኢልካ ስለ ዚሕሰብ: ወለድን ዓበይትን መምህራንን ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ንነኣሽቱ ብምሉእ ልቦም ኣይንእድዎምን እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ንክርስትያን ስድራቤታትን ንጉባኤን እውን ከይተረፈ ኺጸሉ ይኽእል እዩ። ዓበይቲ ዘበሉ ሓደ ዝርርብ ምስ ሰምዑ ወይ ካልእ ጻዕሪ ምስ ረኣዩ: “ጽቡቕ ኢኻ ጌርካ: ግን ካብዚ ዝሓሸ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ!” ኢሎም ሓሳብ ይህቡ። ኣብ ገሊኡ መዳይ ከኣ በቲ መንእሰይ ከም ዘይተሓጐሱ ይገልጹ። ከምዚ ብምግባሮም ነቶም መንእሰያት ብምሉእ ዓቕሞም ንኺዓዩ ኸም ዚድርኽዎም ይኣምኑ። እዚ ኣቀራርባ እዚ ግን ንመንእሰያት ከም ዚርሕቑ ወይ ዘይበቕዑ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ስለ ዚገብር: መብዛሕትኡ ግዜ ኣሉታዊ ሳዕቤን እዩ ዚህልዎ።

17. ንኻልኦት ንምንኣድ ኣጋጣሚ ኸነናዲ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17 ቀቅድሚ ምግሳጽካ ጥራይ ምንኣድ ግቡእ ኣይኰነን። ካብ ልቢ ዝመነጨ ናእዳ ኣብ ስድራቤትን ኣብ ጉባኤን ፍቕሪ ስለ ዜማዕብል: ንመንእሰያት ማዕዳ ደልዮም ናብ ተመክሮ ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዚቐርቡ ይገብሮም። ስለዚ እምበኣር ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ብባህሊ ኣብ ክንዲ ዚጽሎ: “እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ” ንልበስ። ከምቲ የሆዋ ዚንእድ: ንሕናውን ንንኣድ።—ኤፌሶን 4:24

18. (ሀ) መንእሰያት ካብ ዓበይቲ ዚወሃበኩም ምኽሪ ብኸመይ ክትርእይዎ ኣለኩም፧ (ለ) ዓበይቲ ነቲ ዚህብዎ ምኽሪ ዚጥንቀቑሉ ስለምንታይ እዮም፧

18 በቲ ኻልእ ሸነኽ መንእሰያት ዘበልኩም እውን ዓበይቲ መኣረምታ ወይ ማዕዳ እንተ ሂቦምኹም: ከም ዘይፈትዉኹም ጌርኩም ኣይትሕሰቡ። (መክብብ 7:9) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ በቲ ንዓኻትኩም ዘለዎም ሓልዮትን ዓሚቝ ፍቕርን ተደሪኾም እዮም ዚገብርዎ። ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩ: ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እንታይ ጨኒቕዎም እዮም ዚዛረቡኹም፧ ዓበይቲ ዘበሉ: ብፍላይ ከኣ ሽማግለታት ጉባኤ እቲ ዚዝረብ ቃላት ዘሕድሮ ጽልዋ ስለ ዚፈልጡ: ሰናይ ጥራይ ኪገብሩ ድማ ስለ ዚደልዩ: መብዛሕትኡ ግዜ ምኽሪ ቕድሚ ምሃቦም ይሓስቡሉን ይጽልዩሉን እዮም።—1 ጴጥሮስ 5:5

የሆዋ “ለውሃት ዝመልኤ” እዩ

19. እቶም ዜጕሂ ነገር ዘጋጠሞም: ካብ የሆዋ ደገፍ ኪጽበዩ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዩ፧

19 ገሊኦም ሰባት ሕማቕ ነገራት ስለ ዘሕለፉ: ብለውሃት ፍቕርኻ ምግላጽ ተወሳኺ ጓሂ ጥራይ ከም ዜምጽእ ይስምዖም ይኸውን። እንደገና ልቦም ንኪኸፍቱ ትብዓትን ድልዱል እምነትን የድልዮም። የሆዋ “ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ” ምዃኑ ግን ኪርስዑ የብሎምን። ክንቀርቦ እዩ ጻውዒት ኣቕሪቡልና። (ግብሪ ሃዋርያት 17:27፣ ያእቆብ 4:8) ከይንህሰ ዘሎና ፍርሂ ይርድኦ እዩ: ኣብ ጐድንና ዀይኑ ኺድገፈና ድማ ተመባጺዑልና ኣሎ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም” ብምባል መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ።—መዝሙር 34:18

20, 21. (ሀ) ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ክንገብር ከም እንኽእል ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ ንምምስራት እንታይ ከነማልእ የድሊ፧

20 ካብቲ ኸነማዕብሎ እንኽእል ርክባት: እቲ ምስ የሆዋ እንምስርቶ ናይ ማሕርሮ ዕርክነት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ ግን ዚከኣል ድዩ፧ እወ: ይከኣል እዩ። ጻድቃን ሰብኡትን ኣንስትን ምስ ሰማያዊ ኣቦና ኽሳዕ ክንደይ ከም እተቐራረቡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ። ንሕናውን ንየሆዋ ኽንቀርቦ ኸም እንኽእል ምትእምማን ምእንቲ ኺሓድረና: እቲ ልቢ ዚትንክፍ መግለጺኦም ተመዝጊቡልና ኣሎ።—መዝሙር 23, 34, 139፣ ዮሃንስ 16:27፣ ሮሜ 15:4

21 ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ ንኺህልወና ኸነማልኦ ዘሎና ብቕዓታት: ኵሉ ሰብ ኺበጽሖ ዚኽእል እዩ። ዳዊት “ዎ እግዚኣብሄር: ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን” ኢሉ መለሰ። (መዝሙር 15:1, 2፣ 25:14) ንኣምላኽ ምግልጋል ጽቡቕ ፍረ ኸም ዜፍሪ: መሪሕነቱን ዕቝባኡን ንኽንረክብ ድማ ከም ዜኽእለና ምስ ረኣና: የሆዋ “ለውሃት ዝመልኤ” ምዃኑ ኽንርዳእ ኢና።—ያእቆብ 5:11

22. የሆዋ ንህዝቡ እንታይ ዓይነት ርክብ ኪህልዎም እዩ ዚደሊ፧

22 የሆዋ ምስ ዘይፍጹማት ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ብሕታዊ ርክብ ኪህልዎ ምድላዩስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ተባሪኽና! ስለዚ: ንሓድሕድና ብለውሃት ክንፋቐርዶ ኣይግብኣናን፧ ነፍሲ ወከፍና ብሓገዝ የሆዋ ኣብ ክርስትያናዊ ሕውነትና ብለውሃት ንምፍቓር ኣበርክቶ ኽንገብር ወይ ካብዚ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኵሉ ኣብ ምድሪ ዚነብር ሰብ ንዘለኣለም ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ ኺረክብ እዩ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ዓይነት ሃዋህው ኪሰፍን ኣለዎ፧

• ነፍሲ ወከፍና ኣብ ጉባኤና ብለውሃት ንምፍቓር ኣበርክቶ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ልባዊ ናእዳ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ዜዕቢ ብኸመይ እዩ፧

• ለውሃት የሆዋ ዚድግፈናን ዜጽንዓናን ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ንሓድሕዶም ግዴታ ስለ ዝዀኖም ጥራይ ኣይኰኑን ፍቕሪ ዜርእዩ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ፍቕርኻ ‘ኸተግፍሕ’ ትኽእልዶ፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ነቓፊ ዲኻ ኣተባባዒ፧