ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ ብግቡእ ዲኻ እትጽበዮ ዘለኻ፧

ንየሆዋ ብግቡእ ዲኻ እትጽበዮ ዘለኻ፧

ንየሆዋ ብግቡእ ዲኻ እትጽበዮ ዘለኻ፧

ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዙሓት ሰባት ንሰብ ወይ ንሓደ ነገር ምጽባይ ኣየሐጕሶምን እዩ። ትዕግስቶም እያ እትፍተን። ቅዱሳት ጽሑፋት ግን ንህዝቢ ኣምላኽ ‘ተስፋ ኺገብሩ’ ወይ ብዓቕሊ ኺጽበዩ እዩ ዜተባብዖም። ነብዪ ሚክያስ ከምቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ብዘይምንባሩ: “ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር አሎኹ” በለ።—ሚክያስ 7:7፣ ድጕዓ ኤርምያስ 3:26

ንየሆዋ ምጽባይ ወይ ተስፋ ምግባር ደኣ እሞ እንታይ ማለት እዩ፧ ሓደ ክርስትያን ንኣምላኽ ኪጽበዮ ዘለዎ ብኸመይ እዩ፧ ግቡእን ዘይግቡእን ምጽባይ ኣሎ ድዩ፧ ነቲ ኣብ ታሽዓይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ነብዪ ዮናስ ዘጋጠሞ ነገራት ትምህርቲ ይዀነና እዩ።

ብግጉይ ምኽንያት ምጽባይ

የሆዋ ኣምላኽ ንዮናስ ናብታ ርእሲ ኸተማ ሃጸያዊ ግዝኣት ኣሶር ዝነበረት ነነዌ ኸይዱ ኺሰብኽ መምርሒ ሃቦ። ነነዌ ጭካነ ዝመልኣ ብምንባራ “ከተማ ደም” ተባሂላ እያ እትፈልጥ ነይራ: ጸሓፍቲ ታሪኽን ተመራመርቲ ስነ-ጥንትን እውን ንሓቅነት እዚ ይምስክሩ እዮም። (ናሆም 3:1) ዮናስ ፈለማ ኻብዚ ሓላፍነት እዚ ኺሃድም ፈተነ: የሆዋ ግን ናብ ነነዌ ኸም ዚኸይድ ገበሮ።—ዮናስ 1:3–3:2

“ዮናስ ናብታ ኸተማ ኺአቱ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ጀመረ እሞ፤ ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሓ ኽትግምጠል እያ: ኢሉ አወጀ።” (ዮናስ 3:4) እዚ ጻዕርታቱ እውን ዜደንቕ ፍረ ኣምጽአ። “ሰብ ነነዌ ኸኣ ንኣምላኽ አመኑ: ጾም ድማ አወጁ: ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ንእሽቱኦምውን ክሻ ተኸድኑ።” (ዮናስ 3:5) ስለዚ ድማ የሆዋ “ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ” ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ነታ ኸተማ ነሓፋ።—2 ጴጥሮስ 3:9

ዮናስ ከመይ ተሰምዖ፧ እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ “እዚ ንዮናስ ኣዝዩ ኣጕሀዮ: ኰረየውን” ይብል። (ዮናስ 4:1) ስለምንታይ፧ እቲ ዕለት ጠቒሱ ብዛዕባ ጥፍኣት ዝኣወጆ ኣዋጅ ብዘይምፍጻሙ: ከም ነብዪ ዝነበሮ ኣኽብሮት ከም ዚስእን ዝገበሮ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። ካብቲ ኻልኦት ዝረኽብዎ ምሕረትን ድሕነትን ንላዕሊ ብዛዕባ ስሙ ኸም እተጨነቐ ንጹር እዩ ነይሩ።

ልክዕ እዩ: ዮናስ ነብዪ ኻብ ምዃን ኣየቋረጸን። ይኹን እምበር: “ነታ ኸተማ ዚወርዳ ኺርኢ” ኺጽበ ጀመረ። ካብ ቂም እተላዕለ ድማ እዩ ስርሑ ደው ኣቢሉ ኺጽበ ዝጀመረ። ከምቲ እተጸበዮ ኸም ዘይኰነሉ ምስ ረኣየ: ዳስ ሰሪሑ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ተቐመጠ: ገጹ ብጽልሙቱ ድማ ዚኸውን ኪርኢ ተጸበየ። የሆዋ ግን ነቲ ዮናስ ዝነበሮ ኣረኣእያ ስለ ዘይሰመሮ: ነዚ ተጋግዩ ዝነበረ ነብዪ ብፍቕሪ ኣረሞ።—ዮናስ 4:5, 9-11

የሆዋ ዕጉስ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ነነዌ ብምንስሓ እኳ እንተ ተናሕፈት: ጸኒሓ ግን ናብ እከያ ተመልሰት። የሆዋ ኸኣ ብነብዪ ናሆምን ብነብዪ ጸፎንያስን ኣቢሉ ጥፍኣታ ተነበየ። ብዛዕባ እታ “ኸተማ ደም” ኪዛረብ ከሎ: ንኣሶር ከም ዜጥፍኣን ንነነዌ ኸም ዜባድማን ኣወጀ። (ናሆም 3:1፣ ጸፎንያስ 2:13) ብ632 ቅ.ኣ.ዘ. ነነዌ ዓነወት: ብድሕሪኡ ድማ ኣይተሃንጸትን።

ሎሚ ዘላ ዓለም እውን ብተመሳሳሊ ኻብ ጥንታዊት ነነዌ ብዝገደደ ብምፍሳስ ደም ገበነኛ እያ። በዝን ብኻልእ ምኽንያታትን: የሆዋ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ኣብቲ ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈለጥ ዓብዪ “መከራ” ኼጥፍኦ እዩ።—ማቴዎስ 24:21, 22

ይኹን እምበር: ከምቶም እተነስሑ ሰብ ነነዌ ዝኣመሰሉ ቕኑዓት ሰባት ምእንቲ ኺንስሑን ኪነሓፉን: የሆዋ ነቲ እተመባጽዖ ጥፍኣት ክሳዕ ሕጂ ኣይፈነዎን። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንትዕግስቲ ኣምላኽ በዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ:- “ጐይታስ: ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ: ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር: ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም: ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።”—2 ጴጥሮስ 3:9, 10, 13

ብግቡእ ምጽባይ

ጴጥሮስ ኣስዕብ ኣቢሉ “ደጊም እዚ ዅሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ: . . . ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን [“ሕይወትን:” ትርጕም 1990] ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም” በለ። (2 ጴጥሮስ 3:11, 12) መዓልቲ የሆዋ ኽንጸበያ ኸለና: “ብቕዱስ ሕይወትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን” ክንመላለስ: ማለት ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ዘይኰነስ ንጡፋት ኴንና ኽንጽበ ኸም ዚግባእ ኣስተብህል።

እወ: ብግቡእ እንጽበ እንተደኣ ዄንና: መዓልቲ የሆዋ ኻብቲ ዝመደቦ ዋላ ሓንቲ ህሞት ከይሰገረት ከም እትመጽእ ምሉእ ምትእምማን ይህልወና። ከምዚኣ ዝኣመሰለት እምነት: ቅዱስን ኣምላኽ ዚፈትዎን ተግባራት ተፍሪ: ብፍላይ ከኣ ንስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣጕሊሕና ኸም እንርእዮ ትገብረና። የሱስ ኣብ ምስባኽ ሰናይ ኣብነት ገደፈ: ንቕቡኣት ሰዓብቱ ኸኣ “ሓቛቝኹም ዕጡቕ: መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። ንስኻትኩም: ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዚምለስ ዚጽበዩ እሞ: መጺኡ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ: ብኡብኡ ዚኸፍቱሉ ሰባት ምሰሉ። እቶም: ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ: ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም” በሎም።—ሉቃስ 12:35-37

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ባሮት ብዙሕ ጕልበት ኣብ ዜድልዮ ዕዮ ፍጡናት ምእንቲ ኪዀኑ: ዘፈር ክዳውንቶም ኣብ ትሕቲ ዕጣቖም ብምእታው ይዕጠቑ ነበሩ። ስለዚ: ሓደ ክርስትያን ኣብ ሰናይ ግብሪ ሓያልን ቀናእን ኪኸውን ኣለዎ። ዝዀነ ይኹን ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ጕልበቱ ብምውሳድ ከም ‘ዚህከ’ ዚገብሮ ኸም ተድላን ፍቕረ-ንዋይን ዝኣመሰለ ነገር ኪቃለስ ኣለዎ። ኣብ ክንድኡስ: ነታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ የሆዋ ኺጽበ ኸሎ ‘ብዕዮ ጐይታ ኵሉ ግዜ ዕዙዝ’ ኪኸውን ኣለዎ።—ሮሜ 12:11፣ 1 ቈረንቶስ 15:58

ንጡፍ ኴንካ ምጽባይ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዕዮ ትሑዛት ኰይኖም እዮም ንመዓልቲ የሆዋ ዚጽበዩ። ንኣብነት: ኣብ ናይ 2003 ዓመት ኣገልግሎት ብገምጋም 3,383,000 ሰዓት ኣብ መዓልቲ ብዛዕባ ቓል የሆዋ ኣብ ምስባኽ ኣሕሊፎም። ሓደ ሰብ ንበይኑ ነዚ ኣብ ሓደ መዓልቲ እተገብረ ነገር ንምፍጻም: ን386 ዓመት ብዘይምቍራጽ ኪሰብኽ ኣለዎ ማለት እዩ።

ይኹን እምበር: ንገዛእ ርእስና ‘ብብሕተይ ብኸመይ እየ ዝጽበ ዘለኹ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። የሱስ ነቲ እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት ዜርእይዎ ትግሃት ዚገልጽ ምስላ መሲሉ ነይሩ። ብዛዕባ ሰለስተ ባሮት ከምዚ ኢሉ ተዛረበ:- “[እቲ ጐይታ] ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም: ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት: ንኻልኣይ ክልተ: ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂብዎም ገሸ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ: ብኣብኣ ኸይዱ ብእኡ ነገደ: ሓሙሽተ ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ። እቲ በዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ። እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዅዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤ። ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ: ምሳታቶምውን ተጻባጸበ።”—ማቴዎስ 25:15-19

ሰለስቲኦም ባሮት ጐይታኦም ኪመጽእ ተጸብዮምዎ እዮም። እቶም ጐይታኦም ክሳዕ ዚመጸእ እናተጸበዩ ብስራሕ ትሑዛት ዝነበሩ ኽልተ ባሮት: ምስ መጸ ነፍሲ ወከፎም “ኣታ ሕያዋይ: እሙን ባርያ” ተባህሉ። እቲ ብዘይ ስራሕ እተጸበየ ግን ፍልይ ዝበለ ስጕምቲ እዩ ተወሲዱሉ። እቲ ጐይታ “ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ” በለ።—ማቴዎስ 25:20-30

እዚ ምስላ እዚ ንቕቡኣት ክርስትያናት ዚምልከት እኳ እንተዀነ: ተስፋና ብዘየገድስ ኵላትና ኻብዚ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል ኢና። እቲ ጐይታ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ በታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ኽሳዕ ዚመጽእ እናተጸበና ነፍሲ ወከፍና ኣብ ኣገልግሎቱ ተጊህና ኽንዓዪ እዩ ዚጽበየና። ነፍሲ ወከፍና ‘ከከም ዓቕምናን’ ከከም ኵነታትናን እንገብሮ ጻዕሪ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። እቲ ጐይታ ኣብ መወዳእታ መጺኡ: “ጽቡቕ” (ትርጕም 1990) ኪብለና ኸሎስ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!

ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓን እዩ

እዚ ኣገባብ እዚ ኻብቲ ዝሓሰብናዮ ወይ እተጸበናዮ ንዝነውሐ እዋን እንተ ጸንሐኸ፧ ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ኣሎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቍጸርዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጴጥሮስ 3:15) ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት እንተ ኣጥሪናን ምስ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ዘይንመዓራረ ምዃንና ብትሕትና እንተ ተቐቢልናዮን: የሆዋ ኽሳዕ ዝመረጾ ኣብዚ ኣረጊት ኣገባብ ትዕግስቲ ንኽንገብር የኽእለና።

ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ያእቆብ ንክርስትያናት ትዕግስቲ ኺገብሩ ንምትብባዕ እዚ ዚስዕብ መብርሂ ሃበ:- “እንሆ: ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ: ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብውን ይዕገስ እዩ። ንስኻትኩም ከኣ: ምጽኣት ጐይታ ቐረባ እዩ እሞ: ተዐገሱ: ልብኹምውን ኣጽንዑ።”—ያእቆብ 5:7, 8

የሆዋ ኣምላኽ ብትጽቢት ክንሕለል ወይ ተስፋ ኽንቈርጽ ኣይደልየናን እዩ። ክንፍጽሞ ዘሎና ዕዮ ኣዳልዩልና ኣሎ: እቲ ኣብ ምጽባይ እነሕልፎ ግዜ ነቲ ስራሕ ብትግሃት ኣብ ምፍጻም እንተ ኣውዒልናዮ ድማ ይሕጐስ እዩ። ካብቶም ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ እብራውያን ዝለኣኻ መልእኽቱ “ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር: ድንዙዛት ከይትዀኑስ: ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት እዚ ኼርኢ: ንደሊ አሎና” ብምባል እተዛረቦም ሰባት ክንከውን እዩ ዚደልየና።—እብራውያን 6:11, 12

ስለዚ: ኣይንተሓለል። የግዳስ: ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ብሕታዊ ርክብ: ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ዘሎና እምነት: ከምኡውን ብዛዕባ ሓድሽ ኣገባብ ዘሎና ብሩህ ተስፋ ሓይሊ ይዅነና። ከምቶም የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምስላ እተጠቕሱ ‘ሕያዎትን እሙናትን’ ባሮት: ንኣምላኽና ተጊህና ብምውዳስ ናእዳን ዓስብን ንምርካብ እንበቅዕ ንኹን። እቲ “ኣነ ግና ኵሉ ጊዜ ተስፋ ኽገብር: ንዅሉ ምስጋናኻውን ክውስኸሉ እየ” ብምባል እተዛረበ ጸሓፍ መዝሙር እውን ከምኡ እዩ ገይሩ።—መዝሙር 71:14

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ዮናስ ብምጕሃዩ ንነነዌ እንታይ ከም እትኸውን ኪርኢ ተጸበየ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

መዓልቲ የሆዋ እናተጸበና ፍርሃት ኣምላኽ ነንጸባርቕ