ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣሌኻንድራ ዝለኣኸታ ደብዳበ

ኣሌኻንድራ ዝለኣኸታ ደብዳበ

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ

ኣሌኻንድራ ዝለኣኸታ ደብዳበ

ደብዳበ ምጽሓፍ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ምስክርነት ንምሃብ ዜኽእል ኣስላጢ መገዲ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ፍረ ዘይብሉ ዚመስል እኳ እንተዀነ: እቶም ብዘይምቍራጽ ነዚ ሜላ እዚ ዚጥቀሙሉ ግን ብዙሕ ተባሪኾም እዮም። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ኣየናዩ ኸም ዚበቍል: እዚ ወይስ እቲ ወይስ ክልቲኣቶም ሐቢሮም እንተ ጸበቑ: ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ: ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ: ንምሸቱውን ኢድካ ኣይተብኵር” ዚብል ማዕዳ ይዝክሩ እዮም።—መክብብ 11:6

ኣሌኻንድራ እትበሃል ኣብ መክሲኮ ኣብ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዓሰርተ ዓመት ኣቢላ ዘገልገለት መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር: ሕማም መንሽሮ ስለ ዘለዋ ኬሞተራፒ ዚበሃል ሕክምና ኺግበረላ ተጀመረ። ጥዕናኣ እናተበላሸወ ኸደ: ኣዝያ ኻብ ምድካማ እተላዕለ መዓልታዊ ንጥፈታታ እውን ክትፍጽም ኣይከኣለትን። እንተዀነ ግን: ኣገልግሎታ ዕሽሽ ክትብል ስለ ዘይደለየት: ደብዳበታት ክትጽሕፍ ወሰነት። ብዛዕባ እቲ ብዘይ ክፍሊት ዚወሃብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምጽሓፍ: ቍጽሪ ተሌፎን ኣዴኣ ኣብኡ ጠቐሰት። ድሕሪኡ ነቲ ደብዳበታት ነዲኣ ሃበታ እሞ: ካብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ ከላ ሰብ ኣብ ዘይትረኽበሉ ኣባይቲ ኽትሓድጎ ነገረታ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: ድዮሃኒ እትበሃል ጓል ጓቲማላ ናብ ካንኩን: መክሲኮ: ብምኻድ ሰራሕተኛ ገዛ ዀይና ኽትዓዪ ጀመረት። ኣብኡ ኸላ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ተመያየጠት። ድሕሪ ግዜ እቶም ኣስራሕታ ናብ መክሲኮ ሲቲ ኺግዕዙ ወሰኑ: ንዓኣ ድማ ኪማልእዋ ደለዩ። ድዮሃኒ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዋ ርክብ ኪቋረጽ ስለ ዝዀነ ተወላወለት።

እታ እመቤታ “ኣይትጨነቒ: ኣብ ኵሉ ቦታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ። ኣብኡ ምስ በጸሕና ብኡንብኡ ኸነናድዮም ኢና” በለታ። ድዮሃኒ ነዚ ተስፋ እዚ ሒዛ ምሳታቶም ክትከይድ ተሰማምዐት። ኣብ መክሲኮ ሲቲ ምስ ኣተዉ እቶም ኣስራሕታ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪረኽብዎም ጸዓሩ። ኣብታ ኸተማ ኣብ 730 ጉባኤታት ልዕሊ 41,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እኳ እንተለዉ ኺረኽብዎም ግን ኣይከኣሉን።

ነዊሕ ከይጸንሑ ድዮሃኒ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምይይጣት ክትቅጽልን ብዘይምኽኣላ ተስፋ ቘረጸት። ሓንቲ መዓልቲ እመቤታ መጺኣ “ኣምላኽኪ ጸሎትኪ ሰሚዕዎ” በለታ። ሒዛቶ ዝመጸት ደብዳበ እናሃበት “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዛ ደብዳበ እዚኣ ንዓኺ እዮም ገዲፎምዋ” በለታ። እታ ደብዳበ ኻብ ኣሌኻንድራ እተላእከት እያ ነይራ።

ድዮሃኒ ምስ ኣደ ኣሌኻንድራን ምስታ ብላንካ እትበሃል ሓብታን ተራኸበት: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ድማ ተሰማምዐት። ድሕሪ እተወሰነ ሰሙናት ምስ ኣሌኻንድራ ተራኸበት: ክልቲኤን ድማ ብዙሕ ተሓጐሳ። ኣሌኻንድራ ድማ መንፈሳዊ ዕቤት ምእንቲ ኽትገብርን ነቲ ኻብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመሃሮ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎን ኣተባብዐታ።

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ሓምለ 2003 ኣሌኻንድራ ሞተት። ንክርስትያናት ብጾታ ግን ሰናይ ኣብነት እምነትን ትብዓትን እያ ዀይናቶም። ኣብ ቀብራ ብዙሓት ንድዮሃኒ ምስ ረኸብዋ ኸምኡውን “ኣሌኻንድራን ስድራቤታን ዜደንቕ ኣብነት እዮም ኰይኖምኒ። ንየሆዋ ኸገልግልን ድሕሪ ሓጺር እዋን ክጥመቕን ቈሪጸ እየ። ንኣሌኻንድራ ኣብታ እትመጽእ ገነት ክርእያ ተሃንጥየ እየ ዘለኹ” ኢላ ኽትዛረብ ከላ ምስ ሰምዕዋ ልቦም እዮም ተተንኪፎም።

እወ: ደብዳበ ንእሽቶ ነገር ክትከውን ትኽእል እያ። እንተዀነ ግን: ከመይ ዝበለ ጽቡቕን ነባርን ጽልዋ ዀን እያ ኸተሕድር እትኽእል!