ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዚ ግዜና ንኣምላኽ ክብሪ ዚህብዎ ዘለዉ መን እዮም፧

ኣብዚ ግዜና ንኣምላኽ ክብሪ ዚህብዎ ዘለዉ መን እዮም፧

ኣብዚ ግዜና ንኣምላኽ ክብሪ ዚህብዎ ዘለዉ መን እዮም፧

“ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን: . . . ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።”—ራእይ 4:11

1, 2. (ሀ) እንታይ ኣብነታት እዩ ነቲ ባዮሚመቲክስ ዚበሃል ዓውዲ ዚገልጸልና፧ (ለ) እንታይ ሕቶ እዩ ዚለዓል: መልሱኸ እንታይ እዩ፧

 ሓደ መዓልቲ ብ1940ታት ዦርዥ ደ መስትራል ዚበሃል ስዊዘርላንዳዊ መሃንድስ ንኸልቡ ሒዙ ብእግሩ ኺዛወር ወጸ። ናብ ገዝኡ ምስ ተመልሰ: ኣብ ክዳኑን ኣብ ጸጕሪ እቲ ኸልቡን ብዙሕ ጠነግ ለጊቡ ኣስተብሃለ። ብዛዕባ እዚ ኺፈልጥ ስለ ዝደለየ: ነቲ ጠነግ ብማይክሮስኮፕ ገይሩ መርመሮ: በቲ ምስ ዝዀነ ይኹን ጠዋይ ነገር ዚለግብ ዓንቃሪቦ ድማ ተደነቐ። ኣብ መወዳእታኡ: ምስዚ ብዚመሳሰል ኣገባብ ኣብ ገሊኡ ሻንጣታተን ጫማታተን ካልእ ነገራትን ዜገልግል ልግብ ኢሉ ዚተሓሓዝን ከተፈላልዮ ኸለኻ ጨት ዚብልን ነገር መሃዘ። ደ መስተራል ጥራይ ኣይኰነን ካብ ተፈጥሮ ቐዲሑ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እውን ደቂ ራይት ዚበሃሉ ኣሕዋት: ዓበይቲ ኣዕዋፍ ብኸመይ ከም ዚነፍራ ድሕሪ ምጽናዕ እዮም ነፋሪት ዝመሃዙ። ኣለክሳንደር ጉስታቭ ኤፍል ዚበሃል ፈረንሳዊ መሃንድስ ከኣ ነቲ ብስሙ ተሰይሙ ዘሎ ኣብ ፓሪስ ዚርከብ ግምቢ ኤፍል ዝመሃዞ: ነቲ ናይ ሰብ ዓጽሚ ሰለፍ ንነብስና ንምስካም ዚጥቀመሉ መሰረታዊ ስርዓት ብምቕዳሕ እዩ።

2 እዚ ኣብነታት እዚ ነቲ ባዮሚመቲክስ ዚበሃል ተፈጥሮኣዊ ንድፊ ንምቕዳሕ ዚጽዕር ዓውዲ ስነ-ፍልጠት ብዚግባእ ዜርኢ እዩ። a እንተዀነ ግን: ‘መሃዝቲ ነቲ ደቀቕቲ ጠነግ: ዓበይቲ ኣዕዋፍ: ዓጽሚ ሰለፍ ሰባት: ከምኡውን ካልእ ዝቐድሕዎ ብሉጽ ንድፍታት ፈለማ ዝነደፈ ኣካል ክሳዕ ክንደይ እዮም ክብሪ ዚህብዎ፧’ ኢልና ኽንሓትት ይግባእ። እቲ ዜሕዝን ግን ኣብዛ ዓለምና: ንኣምላኽ እቲ ዚግብኦ ኽብሪ ኣይወሃቦን እዩ ዘሎ።

3, 4. እታ “ኽብሪ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ቓል እንታይ ትርጕም ኣለዋ: ኣብ የሆዋ ኽትውዕል ከላኸ ንምንታይ እያ እተመልክት፧

3 ገሊኦም ሰባት ‘ንኣምላኽ ክብሪ ምሃብ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብቐደሙኸ ኽብሪ ዝዓሰሎዶ ኸይኰነ፧’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ልክዕ እዩ: የሆዋ ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ኵሉ ዚበልጽ ክብሪ ዘለዎ እዩ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ኵሎም ሰባት ክብሪ ኸም ዘለዎ ይፈልጡ እዮም ማለት ኣይኰነን። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ክብሪ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል: “ክብደት” ዚብል ትርጕም ዝሓቘፈት እያ። ንሓደ ኣካል ክብደት ዚውስኸሉ ወይ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ኣገዳሲ ንዚገብሮ ዝዀነ ይኹን ነገር እያ እተመልክት። ኣብ ኣምላኽ ክትውዕል ከላ: ነቲ ኣብ ቅድሚ ሰባት መሳጢ ዚገብሮ ነገራት ተመልክት።

4 ኣብዚ ግዜና ንኣምላኽ መሳጢ ዚገብሮ ነገራት ዜስተውዕሉ ብዙሓት ኣይኰኑን። (መዝሙር 10:4፣ 14:1) ኣብ ኣምላኽ ንኣምን ዚብሉ ምርኡያት ሰባት ምናልባት እንተ ተረኽቡ እውን ነቲ ኽብሪ ዝዓሰሎ ፈጣሪ ዅሉ ዓለማት ክብሪ ንኸይህብዎ ጽልዋ ይገብሩሎም እዮም። ብኸመይ እዮም ከምዚ ዚገብሩ፧

‘ዜማኻንይዎ ዝሰኣኑ’

5. ሓያሎ ሊቃውንቲ ዜደንቕ ፍጥረታት ካበይ ከም ዝመጸ እዮም ዚገልጹ፧

5 ሓያሎ ሊቃውንቲ: ኣምላኽ ከም ዘየልቦ ይዛረቡ እዮም። እቲ ዜደንቕ ፍጥረታት: እንተላይ ወድሰብ ደኣ እሞ ኻበይ መጺኡ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ መስተንክር ነገራት ብፍልቀት: ማለት በጋጣሚ ሓደ ሓይሊ ኸም ዜምጽኦ ይዛረቡ። ንኣብነት: ስቲቨን ጀይ ጎልድ ዚበሃል ኣብ ፍልቀት ዚኣምን ሊቅ “እተወሰኑ ፍልይ ዝበሉ ዓሳ ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ፍጥረታት ዚጥቀሙሉ እግሪ ኪቕየር ዚኽእል በይኑ ዝዓይነቱ ቕርጺ ኽንፊ ስለ ዘለዎም ኢና ናብ ህላወ ኽንመጽእ ክኢልና። . . . ‘ዝሓሸ’ መልሲ ኽንረክብ ንደሊ ንኸውን: ግን ከኣ ካልእ መልሲ የልቦን” በለ። ብተመሳሳሊ: ሪቻርድ ሊኪን ሮጀር ልዊንን “ምናልባት ወድሰብ ኣብ ህይወት ብዘጋጠመ ሃንደበታዊ ነገር እዩ ኣብ ህላወ መጺኡ ኪኸውን ዘለዎ” ኢሎም ጸሓፉ። እቶም ኣብ ተፈጥሮ ዚርአ ጽባቐን ንድፍን ዜድንቑ ገሊኦም ሊቃውንቲ እውን ከይተረፉ ንኣምላኽ ክብሪ ኣይህብዎን እዮም።

6. ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ከም ፈጣሪ መጠን ዚግብኦ ኽብሪ ዘይህብዎ ስለምንታይ እዮም፧

6 ምሁራት ፍልቀት ሓቂ ኸም ዝዀነ ገይሮም ኪዛረቡሉ ኸለዉ: ነዚ ዘይቅብል ሰብ ደንቈሮ ከም ዝዀነ እዮም ዚገልጹ። ብዙሓት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ እንታይ ምላሽ እዩ ዘለዎም፧ ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት ብዛዕባ ፍልቀት ኣጸቢቑ ዚፈልጥ ሰብኣይ ነቲ ኽልሰ-ሓሳብ ንእተቐበልዎ ሰባት ቃለ-መጠይቕ ገይሩ ነይሩ። “መብዛሕትኦም ኣብ ፍልቀት ዚኣምኑ ዘበሉ በላሕቲ ሰባት ከም ዚኣምኑሉ ስለ እተነገሮም ጥራይ እዮም ዚኣምኑሉ” በለ። እወ: ምሁራት: ኣምላኽ የልቦን ዚብል ኣረኣእያኦም ስለ ዚገልጹ: ካልኦት ሰባት ንኣምላኽ ከም ፈጣሪ መጠን ዚግብኦ ኽብሪ ኣይህብዎን።—ምሳሌ 14:15, 18

7. ብመሰረት ሮሜ 1:20 ብዚርአ ፍጥረት እንታይ እዩ ብንጹር ኪርአ ተኻኢሉ: ስለምንታይከ፧

7 ሊቃውንቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መደምደምታ ኺበጽሑ ዝኸኣሉ ጭቡጥ መርትዖ ስለ ዝረኸቡ ድዮም፧ ኣይፋልን! ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዚሕብር ብዙሕ መርትዖታት እዩ ኣብ ከባቢና ዘሎ። ብዛዕባ እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ “[እቶም ዘይኣምኑ] ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ: እቲ ኻብ ፍጥረት [ናይ ደቅሰብ] ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ: እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 1:20) ፈጣሪ ኣብ ፍጥረታቱ ኣሰሩ ገዲፉ እዩ። ስለዚ: ጳውሎስ ካብቲ ደቅሰብ እተፈጥሩሉ እዋን ኣትሒዙ: ሰባት በቲ ዚርአ ፍጥረት ገይሮም ኣምላኽ ከም ዘሎ ‘ኺፈልጡ’ ኸም ዝኸኣሉ እዩ ዚዛረብ ዘሎ። እዚ መርትዖ እዚ ኣበይ እዩ ዚርከብ፧

8. (ሀ) ሰማያት ሓይልን ጥበብን ኣምላኽ ዚምስክር ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ዩኒቨርስ መበገሲ ምኽንያት ኪህልዎ ኸም ዘለዎ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

8 ኣብቲ ኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማያት: ኣምላኽ ከም ዘሎ መርትዖ ንረክብ ኢና። መዝሙር 19:1 “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ” ትብል። “ሰማያት:” ማለት ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን: ንሓይልን ጥበብን ኣምላኽ እዩ ዚምስክር። እቲ ማእለያ ዘይብሉ ብዝሒ ኸዋኽብቲ የስደምመና እዩ። እዚ ዅሉ ሰማያዊ ኣካላት ከኣ ኣብ ህዋ ብዘይ ዕላማ ዘይኰነስ: ሕጊ ሓልዩ እዩ ብትኽክል ዚንቀሳቐስ። b (ኢሳይያስ 40:26) ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓት በጋጣሚ መጺኡ ኺበሃልስ ተቐባልነት ዚረክብ ድዩ፧ ሓያሎ ሊቃውንቲ ግን ዩኒቨርስ ብሃንደበት እዩ ጀሚሩ ይብሉ። ሓደ ፕሮፌሰር ብዛዕባ እዚ ኺዛረብ ከሎ ኸምዚ በለ:- “ንዘለኣለም ዚነብር ዝነበረ ዚበሃል ዩኒቨርስ ብኢዝሄራዊ ወይ ኢፈሊጣዊ [ኣረኣእያ] ዝያዳ ተቐባልነት ኣለዎ። መጀመርታ ዘለዎ ዩኒቨርስ ዚብል ሓሳብ ከኣ መበገሲ ምኽንያት የድልዮ እዩ፣ ከመይሲ: ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ከምዚ ዝኣመሰለ ሳዕቤን ኪመጽእ ይኽእል እዩ ኢሉ ዚሓስብ እሞ መን ኣሎ፧”

9. ጥበብ የሆዋ ኣብ እንስሳታት ንጹር ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

9 ኣብ ምድሪ እውን ኣምላኽ ከም ዘሎ መርትዖ ንርኢ ኢና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ: ንዅሉ ብጥበብ ገበርካዮ: ምድሪ ብሃብትኻ [“ብፍጡራትካ:” ትርጕም 1990] መሊኣ አላ” በለ። (መዝሙር 104:24) “ፍጡራት” የሆዋ: እንተላይ እንስሳታት: ንጥበቡ እዮም ዚምስክሩ። ኣብ መእተዊ ኸም እተገልጸ: ንድፊ ህያዋን ፍጡራት ብሉጽ ብምዃኑ ሊቃውንቲ ብዙሕ ግዜ ኪቐድሕዎ ይጽዕሩ እዮም። ካልእ ኣብነታት እስከ ንርአ። ተመራመርቲ ዝደልደለ ቝራዕ ርእሲ ምእንቲ ኺሰርሑ ኢሎም ንቐርኒ እቲ ሸውዓተ ቐርኑ ዚበሃል ዓይነት ዓጋዜን የጽንዕዎ ኣለዉ። ንዚጻንዖም ሰባት ንምስማዕ ዚሕግዞም መሳርሒ ንምምሕያሽ ተባሂሉ ኸኣ በሊሕ ናይ ምስማዕ ክእለት ንዘለዎም በረርቲ ነፍሳት የጽንዑ ኣለዉ። ብራዳር ዘይረኣያ ነፈርቲ ንምምሃዝ ኢሎም ድማ ንክንቲት ጕንጓ ይምርምሩ ኣለዉ። እንተዀነ ግን: ሰብ ዝገበረ እኳ እንተ ገበረ: ነቲ ኣብ ተፈጥሮ ዚርከብ ንድፊ ምሉእ ብምሉእ ኪቀድሖ ኣይክእልን እዩ። ባዮሚሚክሪ—ኢኖቬሽን ኢንስፓይርድ ባይ ኔቸር “ህያዋን ነገራት ነዳዲ ብብዝሒ ኸይተጠቕመ: ንምድሪ ኸይበከለ: ወይ መጻኢኡ ኣብ ሓደጋ ኸየእተወ ንዅሉ እቲ ኽንገብሮ እንደልዮ ዘበለ ገይርዎ እዩ” በለት። እዚ ብሓቂ ብሉጽ ጥበብ እዩ!

10. ዓብዪ ነዳፊ ኸም ዘሎ ምኽሓድ ርትዓዊ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ መብርሂ ሃብ።

10 ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሰማያት ኰነ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ፍጥረት እንተ ጠመትካ: ፈጣሪ ኸም ዘሎ ንጹር እዩ ዚኸውን። (ኤርምያስ 10:12) ምስቶም “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን: ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: . . . ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” ኢሎም ዝጨደሩ ሰማያውያን ፍጡራት ብምሉእ ልብና ኽንሰማማዕ ኣሎና። (ራእይ 4:11) እንተዀነ ግን: ብዙሓት ሊቃውንቲ ነቲ ብዓይኖም ዚርእይዎ ንድፊ ዜድንቕዎ እኳ እንተዀኑ: ‘ኣዒንቲ ልቦም’ ግን ፈጣሪ ኸም ዘሎ ኣይርእይን እዩ። (ኤፌሶን 1:18) ነዚ ኸኣ በዚ ዚስዕብ ጌርና ኸነብርሆ ንኽእል:- ጽባቐን ንድፍን ተፈጥሮ ኣድኒቕካ ዓብዪ ነዳፊ ኸም ዘሎ ምኽሓድ: ብሉጽ ቅብኣ ድሕሪ ምድናቕ ነቲ ቕብኣ ዝሰርሖ ሰኣሊ ኸም ዘሎ ኻብ ምኽሓድ ዚፍለ ኣይኰነን። እቶም ኣምላኽ ከም ዘሎ ዘይኣምኑ ‘ዜመኻንይዎ ዝሰኣኑ’ እንተ ተባህሉ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።

“ዕዉራት” መራሕቲ ንብዙሓት የስሕቱ

11, 12. ሰረተ-እምነት ጽሕፍቶ ኣብ ምንታይ እተመስረተ እዩ: እዚ ሰረተ-እምነት እዚ ንኣምላኽ ክብሪ ኸም ዘየምጽኣሉ ዘርእየናኸ እንታይ እዩ፧

11 ብዙሓት ሃይማኖታውያን ሰባት ኣምልኾኦም ንኣምላኽ ክብሪ ዚህቦ እዩ ዚመስሎም። (ሮሜ 10:2, 3) ይኹን እምበር: ሃይማኖታት ብሓፈሻ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ንኣምላኽ ክብሪ ንኸይህብዎ ዕንቅፋት ኰይነን እየን ዘለዋ። ብኸመይ፧ ክልተ መገድታት እስከ ንርአ።

12 ቀዳማይ: ሃይማኖታት ብናይ ሓሶት ትምህርትታት ኣቢለን ንኣምላኽ ክብሪ ንኸይወሃብ ዕንቅፋት ይዀና። ንኣብነት: ብዛዕባ ጽሕፍቶ ዚወሃብ ትምህርቲ እስከ ንውሰድ። እዚ ሰረተ-እምነት እዚ ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምፍላጥ ክእለት ስለ ዘለዎ: መወዳእታ ናይ ኵሉ ነገር ኣቐዲሙ ይፈልጦ እዩ ኻብ ዚብል ሓሳብ ዝነቐለ እዩ። ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ጽቡቕን ሕማቕን ናይ ኵሉ ውልቀ-ሰብ ከም ዝወሰኖ እዩ ዚሕብር። ብመሰረት እዚ ሓሳብ እዚ ኣምላኽ በቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዜጋጥም ስቓይን እከይን ተሓታቲ እዩ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ዚጽውዖ ቐንዲ ተጻራሪ ዝዀነ ሰይጣን ኪሕተተሉ ዚግባእ ዝነበረ ነገር: ኣብ ኣምላኽ ኪልጠፍ ከሎ: ንኣምላኽ ክብሪ ኣየምጽኣሉን እዩ።—ዮሃንስ 14:30፣ 1 ዮሃንስ 5:19

13. ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ኺቈጻጸሮ ኣይክእልን እዩ ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ መብርሂ ሃብ።

13 ሰረተ-እምነት ጽሕፍቶ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ኣይኰነን: ንኣምላኽ እውን ዜጸልም እዩ። ነቲ ኺገብሮ ዚኽእል: ምስቲ ብሓቂ ዚገብሮ ነገር ዜደናገረ ትምህርቲ እዩ። ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጥ ከም ዚኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። (ኢሳይያስ 46:9, 10) ይኹን እምበር: ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ንምፍላጥ ዘለዎ ኽእለት ኪቈጻጸሮ ኣይክእልን እዩ ኢልካ ምሕሳብ ወይ ብዅሉ ነገራት ተሓታቲ ምግባሩ ግን ርትዓዊ ኣይኰነን። ነዚ ንምብራህ ነዛ እትስዕብ ሕቶ እስከ ኣስተብህል:- ብዙሕ ሓይሊ እንተ ዚህልወካ: ንዅሉ ዝረኣኻዮ ኸቢድ ነገር ከተልዕል ምደለኻዶ፧ ከምኡ ኸም ዘይትገብር ፍሉጥ እዩ! ብተመሳሳሊ: ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ንምፍላጥ ዘለዎ ኽእለት: ንዅሉ ነገራት ኣቐዲሙ ንኺፈልጥ ወይ ንኺውስን ኣይድርኾን እዩ። ነዚ ኽእለቱ ብጥንቃቐን ብምስትውዓልን እዩ ዚጥቀመሉ። c ናይ ሓሶት ትምህርትታት: እንተላይ ትምህርቲ ጽሕፍቶ: ንኣምላኽ ከም ዘየኽብሮ ንጹር እዩ።

14. ሃይማኖታት ንኣምላኽ ክብሪ ዘይህባኦ ብኸመይ እየን፧

14 ሃይማኖታት ንኣምላኽ ክብሪ ዘይህባሉ ኻልኣይ መገዲ በቲ ሰዓብተን ዚመላለሱሉ ኣገባብ ኣቢለን እየን። ክርስትያናት ትምህርትታት የሱስ ኪስዕቡ እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም። ገለ ኻብቲ የሱስ ንሰዓብቱ ዝመሃሮም ነገራት ‘ኪፋቐሩን’ ‘ካብ ዓለም ከይኰኑን’ ዚብል ይርከቦ። (ዮሃንስ 15:12፣ 17:14-16) ኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያን ነዚ ትምህርትታት እዚ ብሓቂ ስዒቦምዎ ድዮም፧

15. (ሀ) ንውግኣት ኣህዛብ ብዚምልከት ኣቕሽሽቲ እንታይ ስም እዩ ዘለዎም፧ (ለ) ኣቕሽሽቲ ዚገብርዎ ተግባራት ኣብ ብዙሓት ሰባት እንታይ ጽልዋ እዩ ዘለዎ፧

15 ንውግእ ብዚምልከት ኣቕሽሽቲ እንታይ ስም ከም ዘለዎም እስከ ንርአ። ኣብ ሓያሎ ውግኣት ኣህዛብ ደገፎም ሂቦም: ዕሽሽ ኢሎም: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን መራሕቲ ዀይኖም ተሳቲፎም እዮም። ንወተሃደራት ባሪኾም: ምቕታል ጌጋ ኸም ዘይኰነ ድማ መመኽነይታ ኣቕሪቦም እዮም። ‘ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣቕሽሽቲ እቶም ብኣንጻሮም ዘለዎ ኣቕሽሽቲ እውን ተመሳሳሊ ነገር ከም ዚገብሩ ኣይርዶኦምን ድዩ፧’ ዚብል ሕቶ ንኸነበግስ ንድረኽ ኢና። (“ኣምላኽ ብወገን መን እዩ፧” እትብል ሳጹን ርአ።) ኣቕሽሽቲ ኣብቲ ብዙሕ ደም ዚፈሰሉ ውግኣት ደገፍ ኣምላኽ ከም ዚረኽቡ ብምዝራቦም ክብሪ ኣይኰነን ዜምጽኡሉ ዘለዉ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግዜኡ ኸም ዝሓለፎ ኺገልጹን ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ጾታዊ ርኽሰት ዕሽሽ ኪብሉን ከለዉ እውን ክብሪ ኣየምጽኡሉን እዮም። ብሓቂ ነቶም የሱስ “ገበርቲ ዓመጻ” ኸምኡውን “ዕዉራት” ብምባል ዝነቐፎም መራሕቲ ሃይማኖት እዮም ዜዘኻኽሩና። (ማቴዎስ 7:15-23፣ 15:14) ኣቕሽሽቲ ዚገብርዎ ተግባራት: ነታ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ንኣምላኽ ዝነበረቶም ፍቕሪ ኸም እትዝሕል ገይርዋ እዩ።—ማቴዎስ 24:12

ንኣምላኽ ብሓቂ ኽብሪ ዚህብዎ ዘለዉ መን እዮም፧

16. ንኣምላኽ ብሓቂ ኽብሪ ዚህብዎ ዘለዉ መን ምዃኖም ንምፍላጥ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንርኢ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

16 እቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ምርኡያትን ጽልዋ ዘለዎምን ሰባት ብሓፈሻኡ ንኣምላኽ ክብሪ ዘይህብዎ እንተደኣ ዀይኖም: ብሓቂ ኽብሪ ዚህብዎ ዘለዉ ደኣ መን እዮም፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንርኢ ኣሎና። ከመይሲ: ኣምላኽ ብኸመይ ክብሪ ኺወሃቦ ኸም ዘለዎ ናይ ምግላጽ መሰል ኣለዎ: ነዚ ስርዓታት እዚውን ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊርዎ ኣሎ። (ኢሳይያስ 42:8) ንየሆዋ ኽብሪ እንህበሉ ሰለስተ መገድታት እስከ ንርአ። ኣብ ሰለስቲኡ መዳያት ከኣ ሎሚ ብሓቂ ኽብሪ ዚህቡ ዘለዉ መን ምዃኖም ክንርኢ ኢና።

17. የሆዋ ባዕሉ ንስሙ ምኽባር ኣዝዩ ኣገዳሲ መዳይ ፍቓዱ ምዃኑ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ: ኣብዚ ግዜና ኣብ ብዘላ ምድሪ ስም ኣምላኽ ዚውድሱ ዘለዉ መን እዮም፧

17 ፈለማ: ስሙ ብምውዳስ ንኣምላኽ ክብሪ ኽንህቦ ንኽእል ኢና። ከምዚ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ኽፋል ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ኻብቲ የሆዋ ንየሱስ ዝበሎ ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና። ካብቲ የሱስ ዝሞተሉ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ: “ኣቦ: ንስምካ ኣኽብሮ” ኢሉ ጸለየ። ድሕሪኡ “ኣነ ኣኽቢረዮ አሎኹ: ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ” ዚብል ድምጺ መጸ። (ዮሃንስ 12:28) ነዚ እተዛረበ የሆዋ ምዃኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ካብቲ መልሱ: ንስሙ ምኽባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። ንስሙ ኸም ዚፍለጥ ብምግባርን ኣብ ብዘላ ምድሪ ብምውዳስን ዜኽብርዎ ዘለዉ ደኣ መን እዮም፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም: ነዚውን ኣብ 235 ሃገራት ይገብርዎ ኣለዉ።—መዝሙር 86:11, 12

18. ነቶም ንኣምላኽ “ብሓቂ” ዜምልኽዎ ዘለዉ ብኸመይ ከነለልዮም ንኽእል: ኣበላት ኣየነይቲ ጕጅለ ሃይማኖትከ እዮም ንልዕሊ ሓደ ዘመን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኺምህሩ ዝጸንሑ፧

18 ካልኣይ: ብዛዕባ ኣምላኽ ሓቂ ብምምሃር ከነኽብሮ ንኽእል ኢና። የሱስ: ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንኣምላኽ ‘ብሓቂ ኸም ዚሰግዱሉ’ ወይ ከም ዜምልኽዎ ተዛሪቡ ነይሩ። (ዮሃንስ 4:24) ነቶም ንኣምላኽ “ብሓቂ” ዜምልኽዎ ዘለዉ ብኸመይ ከነለልዮም ንኽእል፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተመስረተን ንኣምላኽን ፍቓዱን ዜጸልምን ሰረተ-እምነታት ኪነጽጉ ኣለዎም። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ንጹህ ትምህርቲ ኺምህሩ ኣለዎም። ገለ ኻብዚ ድማ እንሆ:- የሆዋ እቲ ልዕሊ ዅሉ ልዑል ኣምላኽ ኪኸውን ከሎ: ልዕሊ ዅሉ ልዑል ዚብል ክብሪ ንዕኡ ጥራይ እዩ ኺወሃብ ዘለዎ (መዝሙር 83:18 NW)፣ የሱስ ወዲ ኣምላኽን ገዛኢ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን እተሸመን እዩ (1 ቈረንቶስ 15:27, 28)፣ መንግስቲ ኣምላኽ ንስም የሆዋ ኽትቅድስ: ንምድርን ደቅሰብን ዘለዎ ዕላማ ድማ ክትፍጸም እያ (ማቴዎስ 6:9, 10)፣ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪሰበኽ ኣለዎ። (ማቴዎስ 24:14) ንልዕሊ ሓደ ዘመን ሓደ ጕጅለ ሃይማኖት ጥራይ እዮም ነዚ ኽቡር ሓቂ ብተኣማንነት ኪምህሩ ጸኒሖም። ንሳቶም ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም።

19, 20. (ሀ) ጽቡቕ ኣኻይዳ ሓደ ክርስትያን ንኣምላኽ ክብሪ ኼምጽእ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣየናይ ሕቶታት እዩ ብጽቡቕ ኣኻይዳኦም ንኣምላኽ ክብሪ ዜምጽኡ ዘለዉ መን ምዃኖም ንምፍላይ ዜኽእለና፧

19 ሳልሳይ: ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕና ብምምልላስ ንኣምላኽ ክብሪ ኽንህቦ ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ጴጥሮስ “እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ: ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ: ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 2:12) ኣኻይዳ ሓደ ክርስትያን ነታ እምነቱ እዩ ዜንጸባርቕ። ተዓዘብቲ ነዚ ኼተሓሕዝዎ ኸለዉ: ማለት እቲ ሓደ ክርስትያን ዚፍጽሞ ሰናይ ግብሪ ብቐጥታ ኻብ እምነቱ ኸም ዝመጸ ኺርእዩ ኸለዉ: ንኣምላኽ ክብሪ እዩ ዜምጽኣሉ።

20 ኣብዚ እዋን እዚ ብጽቡቕ ኣኻይዳኦም ንኣምላኽ ክብሪ ዜምጽኡሉ ዘለዉ መን እዮም፧ ኣየነይቲ ጕጅለ ሃይማኖት እያ ኣባላታ ሰላማውያንን ግብሪ ብምኽፋል ኣኽበርቲ ሕግን ብምዃኖም እተናእዱ፧ (ሮሜ 13:1, 3, 6, 7) ኣየኖት ጕጅለ እዮም ኣብ መንጎ ኣባላቶም ብዘሎ ዓሌታውን ሃገራውን ቀቢላውን ፍልልይ ዘይንቕንቖ ሓድነት ዚፍለጡ፧ (መዝሙር 133:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ኣብ መላእ ዓለም ንሕግን ስነ-ምግባር ስድራቤትን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባ ምኽባር ብዚህብዎ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚፍለጡ ጕጅለ ኣየኖት እዮም፧ ኣብዚ መዳይ እዝን ኣብ ካልእ መዳያትን ብጽቡቕ ኣኻይዳ እተመስከረሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም።

ንስኻኸ ንኣምላኽ ክብሪ ትህብዶ ኣሎኻ፧

21. ንኣምላኽ ብብሕትና ኽብሪ ንህቦ እንተለና ወይ እንተ ዘየለና ኼተሓሳስበና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

21 ነፍሲ ወከፍና ‘ኣነኸ ብብሕተይ ንየሆዋ ኽብሪ እህቦ ኣለኹ ድየ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። ብመሰረት መዝሙር 148 መብዛሕትኡ ፍጥረት ንኣምላኽ ክብሪ ይህቦ እዩ። መላእኽቲ: ሰማያት: ከምኡውን ምድርን ኣብኣ ዘሎ ፍጥረታትን ንየሆዋ ይውድሶ እዩ። (ቍጽሪ 1-10) ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ንኣምላኽ ክብሪ ዘይህብዎ ምዃኖም ግን ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ! ንኣምላኽ ክብሪ ብዚህብ መገዲ ብምምልላስ: ምስቶም ንየሆዋ ዚውድሱ ዝተረፉ ፍጥረታት ኢኻ እትሓብር። (ቍጽሪ 11-13) ንህይወትካ ኻብዚ ብዚበልጽ መገዲ ኽትጥቀመሉ ኣይትኽእልን ኢኻ።

22. ንኣምላኽ ክብሪ ብምሃብካ ብኸመይ ኢኻ እትባረኽ: እንታይ ቈራጽነትከ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

22 ንየሆዋ ኽብሪ ብምሃብካ ብብዙሕ መገድታት ኢኻ እትባረኽ። ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ እምነት ክትገብር ከለኻ: ምስ ኣምላኽ ትዕረቕ: ምስ ሰማያዊ ኣቦኻ ኸኣ ሰላማውን ዓስቢ ዘለዎን ርክብ ይህልወካ። (ሮሜ 5:10) ንኣምላኽ ክብሪ እትህበሉ ምኽንያታት ከተናዲ ኸለኻ: ዝያዳ ኣወንታውን መማሰውን ትኸውን። (ኤርምያስ 31:12) ድሕሪኡ: ካልኦት ሓጐስን ዕግበትን ዘለዎ ህይወት ንኺረኽቡ ኽትሕግዞም ትኽእል: በዚ ኸምዚ ድማ ዝያዳ ሓጐስ ትረክብ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) እምበኣር ሕጅን ንዘለኣለምን ንኣምላኽ ክብሪ ንኽትህቦ ቘራጽነት ግበር!

[እግረ-ጽሑፋት]

a እታ “ባዮሚመቲክስ” እትብል ቃል ካብ ናይ ግሪኽኛ ቢዮስ ማለት “ህይወት:” ከምኡውን ሚመሲስ ማለት “ምቕዳሕ” ዚብላ ቓላት እተወስደት እያ።

b ሰማያት ጥበብን ሓይልን ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዜንጸባርቕ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 5ን 17ን ተወከስ።

c ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ 1ይ ጥራዝ: ገጽ 853 ርአ።

ትዝክሮዶ፧

• ሊቃውንቲ ብሓፈሻ ንኣምላኽ ክብሪ ኣብ ምሃብ ኣይሓገዙን ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

• ሰባት ንኣምላኽ ክብሪ ንኸይህቡ ሃይማኖታት ዕንቅፋት ዝዀናሉ ኽልተ መገድታት እንታይ እዩ፧

• ንኣምላኽ ብኸመይ ክብሪ ኽንህቦ ንኽእል፧

• ንኣምላኽ ብብሕቲ ኽብሪ ትህቦ እንተሎኻ ወይ እንተ ዘየሎኻ ኼተሓሳስበካ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሳጹን]

“ኣምላኽ ብወገን መን እዩ፧”

ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣባል ሓይሊ ኣየር ጀርመን ዝነበረ: ጸኒሑ ግን ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ሰብኣይ ተዘክሮኡ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ:-

“ኣብተን ውግእ እተኻየደለን ዓመታት ኣቕሽሽቲ ዅለን ሃይማኖታት—ካቶሊክ: ሉተራውያን: ኤጲስቆጶሳውያን: ከምኡውን ካልኦት—ነፈርቲ ንኺድብድባ ቕድሚ ምብጋሰን ነተን ነፈርትን ነቶም ዜብርርወንን ይባርኹ ምንባሮም ይርብሸኒ ነበረ። ብዙሕ ግዜ ‘ኣምላኽ ብወገን መን እዩ፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ።

“ወተሃደራት ጀርመን ጎት ሚት ኡንስ (ኣምላኽ ምሳና እዩ) ዚብል ጽሑፍ ዘለዎ ቝልፊ ይዕጠቑ ነይሮም። እንተዀነ ግን: ‘ኣምላኽ ምስቶም ብኣንጻርና ዘለዉ ኸም ናትና ሃይማኖት ዚስዕቡን ናብቲ ንሕና እንጽልዮ ኣምላኽ ዚጽልዩን ወተሃደራት ዘይከውን ስለምንታይ እዩ፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ።”

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ምድሪ ንኣምላኽ ብሓቂ ኽብሪ ይህብዎ ኣለዉ