ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ምሉእ ህይወተይ ዝቐጸለ ትምህርቲ

ኣብ ምሉእ ህይወተይ ዝቐጸለ ትምህርቲ

ታሪኽ ህይወት

ኣብ ምሉእ ህይወተይ ዝቐጸለ ትምህርቲ

ሃሮልድ ጉልያስ ዘዘንተዎ

ብቘልዓይ ከለኹ ዝረኣኽዎ ነገር ንልዕሊ 70 ዓመት ኣይረሳዕክዎን። ኣብ ክሽነ ኾፍ ኢለ ኸለኹ: ሓደ “ሻሂ ሲሎን” ዚብል ምልክት ረኣኹ። ኣብ ሓምላይ ግራውቲ ሲሎን (ሕጂ ስሪ ላንካ) ኣንስቲ ቘጽሊ ሻሂ ኺኣርያ ዜርኢ ስእሊውን ነበሮ። እዚ ኻብቲ እንነብረሉ ዝነበርና ኣጻምእ ደቡብ ኣውስትራልያ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታ ዚርከብ ትርኢት ንተገዳስነተይ ኣለዓዓሎ። እታ ሃገር ክሳዕ ክንደይ ጽብቕትን እተሐጕስን ከም እትኸውን ሓሰብኩ። ኣብታ ብልጽቲ ደሴት 45 ዓመት ሚስዮናዊ ዀይነ ኸም ዘገልግል ግን ሽዑ ኣይፈለጥኩን ነይረ።

ኣብ ሚያዝያ 1922 ዓለምና ኻብዚ ሕጂ ዘላቶ ኣዝያ እተፈልየት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እየ ተወሊደ። ስድራቤተይ ኣብ ጥቓ እታ ተገሊላ እትርከብ ኪምባ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ኣብ ዚርከብ ሕርሻ ይነብሩ ነበሩ። እዚ ድማ ኣብ ማእከል እታ ሰፋሕ ክፍለ-ዓለም ኣውስትራልያ ዀይኑ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ እቲ ዓብዪ ምድረ-በዳ ይርከብ ነበረ። ምስ ድርቅን ሓሸራትን ዳህርን ዘየቋርጽ ቃልሲ ስለ ዝነበረና: ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ኢና ኔርና። ኣብ ዱር ብዚንጎ ኣብ እተሰርሐት ኣጕዶ ኢና እንነብር ኔርና: ኣደይ ድማ ነቶም ሽዱሽተ ደቃን ነቦናን ንምእላይ ኣበርቲዓ ትዓዪ ነበረት።

ንዓይ ግን ገጠር ናጽነትን ሓጐስን ዝረኽበሉ ቦታ እዩ ነይሩ። ሓያላት ጽምዲ ኣብዑር ቈጥቋጥ ኣብ ምጽራይ ኬገልግሉ ርእየ ኽግረም ከለኹ ትዝ ይብለኒ። ደሮና ሒዙ ዚመጽእ ህቦብላ ነቲ ኸባቢ ብምሉኡ ይሽፍኖ ነበረ። ስለዚ: ኣብታ ሓደ መምህር ጥራይ ዝነበራ ሓሙሽተ ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ንእሽቶ ቤት ትምህርቲ ቕድሚ ምእታወይ እየ ንህይወተይ ዚጠቕመኒ ትምህርቲ ኽረክብ ዝጀመርኩ።

ወለደይ ብሰንኪ ራሕቒ ናብ ቤተ-ክርስትያን ዘይከዱ እኳ እንተ ነበሩ: ሃይማኖታውያን እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: ኣብ መጀመርታ 1930ታት ኣደይ ነቲ ኻብ መደበር ረድዮ ኣደላይድ ኣብ ሰሰሙን ዚፍኖ ዝነበረ ራዘርፎርድ ዝሃቦ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ክትከታተል ጀመረት። ራዘርፎርድ ኣብ ኣደላይድ ዚርከብ ሰባኺ ይመስለኒ ነበረ: ብዙሕ ተገዳስነት ድማ ኣይነበረንን። ኣደይ ግን ኣብ ሰሰሙን ነቲ ፈነወ ተሃንጥያ ትጽበዮ ነበረት: እታ ብባትሪ እትሰርሕ ናይ ቀደም ረድዮና ጭጭ እናበለት ድምጹ ኸተመሓላልፍ ከላ ጽን ኢላ ትሰምዕ ነበረት።

ሓደ መዓልቲ ሃሩርን ደሮናን ኣብ ዝበዝሖ እዋን ሓንቲ ኣረጊት ማኪና ኣብ ኣፍደገ ቤትና መጸት: ክልተ ብዚግባእ እተኸድኑ ሰብኡት ድማ ካብታ ማኪና ወሪዶም ናባና መጹ። እዚኣቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ነይሮም። ኣደይ መልእኽቶም ሰምዐት: ገንዘብ ወፈያ ብምግባር ድማ እተወሰነ መጻሕፍቲ ወሰደት። ነዚውን ብኡንብኡ ኸተንብቦ ጀመረት። እዚ መጻሕፍቲ እዚ ዓሚቝ ጦብላሕታ ስለ ዘሕደረላ: ንጎረባብትና ነቲ ዝፈለጠቶ ምእንቲ ኽትነግሮም ነቦይ ብማኪና ኺወስዳ ሓተተቶ።

ኣወንታዊ ጽልዋ ዘለዎ ጥቕሚ

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ብሰንኪ እቲ ኣብ ገጠር ዝነበረ ጽንኩር ኵነታት ናብታ 500 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኣደላይድ ክንግዕዝ ተገደድና። ስድራቤትና ምስታ ኣብ ኣደላይድ እትርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምሕባር መንፈሳዊ ዕቤት ክትገብር ጀመረት። ወግዓዊ ትምህርተይ እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቅዐ። ወዲ 13 ዓመት ከለኹ ትምህርቲ ኣቋረጽኩ: ክሳዕ ሻውዓይ ክፍሊ ጥራይ ከኣ እየ ተማሂረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ቕሱን እየ ነይረ: ገሊኣቶም ፓይነራት ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዝነበሩ ኣሕዋት ብብሕቲ ተገዲሶም እንተ ዘይሕግዙኒ ነይሮም ከኣ ካብ መንፈሳዊ ጕዕዞይ ብቐሊሉ ምረሓቕኩ ነይረ።

ምስ ግዜ: እቲ እዞም ቀናኣት ኣሕዋት ዘሕደሩለይ ጽልዋ ነቲ ኣብ ውሽጠይ ተደጒሉ ዝነበረ መንፈሳውነት ኣለዓዓሎ። ምሳታቶም ምዃን ፈተኽዎ: ነቲ ትግሃቶም ከኣ ኣድነቕክዎ። ስለዚ: ብ1940 ኣብ ኣደላይድ ኣብ እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባ ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዜተባብዕ ምልክታ ምስ ተነግረ ተመዝገብኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣይተጠመቕኩን ነይረ: ኣብ ምምስካር እውን ብዙሕ ተመክሮ ኣይነበረንን። ኰይኑ ግን: ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ምስቶም ካብ ኣደላይድ በማእታት ዚቝጸር ኪሎ ሜተራት ርሒቓ ኣብ ግዝኣት ቪክቶርያ ኣብ እትርከብ ከተማ ዎርነምቡል ዝነበሩ ሒደት ጕጅለ ፓይነራት ክሕወስ ጻውዒት ቀረበለይ።

ኣጀማምራይ ጽቡቕ እኳ እንተ ዘይነበረ: ነዊሕ ከይጸናሕኩ ንግራት ኣገልግሎተይ ፈተኽዎ: እዚ ፍቕሪ እዚ ኸኣ ንሓያሎ ዓመታት ብዘይምዝሓሉ የሐጕሰኒ እዩ። እዚ ንህይወተይ መቐይሮ እዩ ነይሩ: ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ዕቤት ድማ ክገብር ጀመርኩ። ምስቶም ንመንፈሳዊ ነገራት ፍቕሪ ዘለዎም ምቅርራብ ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ምዃኑ ተመሃርኩ። ደረጃ ትምህርትና ብዘየገድስ እቲ ሰናይ ጽልዋኦም ነቲ ብሉጽ ባህርያትና ብኸመይ ከም ዜውጽኦን ነቲ በዚ ኸምዚ እንመሃሮ ትምህርቲ ብኸመይ ኣብ ምሉእ ህይወትና ኸም ዚጠቕመና እውን ፈለጥኩ።

ብፈተና ምድልዳል

ኣብ ኣውስትራልያ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚፍጽምዎ ዕዮ ኣብ እተኣገደሉ እዋን ፓይነር ካብ ዝኸውን ነዊሕ ኣይገበርኩን ነይረ። እንታይ ከም ዝገብር ስለ ዝጨነቐኒ: ንገሊኦም ኣሕዋት መምርሒ ኺህቡኒ ሓተትክዎም። ንሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምዝራብ ከም ዘይተኣገደ ድማ ሓበሩኒ። ስለዚ: ምስ ካልኦት ፓይነራት ኰይነ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ቅልል ዝበለ መልእኽቲ ብምሓዝ ካብ ቤት ናብ ቤት ክኸይድ ጀመርኩ። እዚ ነቲ ብድሕሪኡ ዝመጸ ፈተናታት ንኽድልድል ኣኽኢሉኒ እዩ።

ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ: 18 ዓመተይ ስለ ዝመላእኩ: ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክህብ ጻውዒት ቀረበለይ። እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ እተወሰኑ መኰነናትን ኣብ ቅድሚ ጭቃ ዓድን ንእምነተይ ክጣበቕ ኣጋጣሚ ኸፈተለይ። ኣብቲ ግዜ እቲ 20 ዝዀኑ ኣሕዋት ብምኽንያት ገለልትነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣደላይድ ተዳጒኖም ነይሮም: ኣነውን ምሳታቶም ተጸምበርኩ። እምኒ ናይ ምፍንቃልን ጽርግያ ናይ ምጽጋንን ከቢድ ስራሕ ተዋህበና። እዚውን ከም ጽንዓትን ቈራጽነትን ዝኣመሰለ ባህርያት ንኸማዕብል ሓገዘኒ። እቲ ጽቡቕ ጠባይናን ተሪር ኣቕዋምናን ብብዙሓት ሓለውቲ እሱራት ከም እንፍቶ ገበረና።

ድሕሪ እተወሰነ ኣዋርሕ ምስ ተፈታሕኩ: ጥዑም ምግቢ በላዕኩ: ፓይነር ኰይነ እውን ምግልጋል ቀጸልኩ። መገላግልቲ ፓይነራት ዘይርከቡ ብምንባሮም ግን ኣብ ደቡብ ኣውስትራልያ ኣብ ዚርከብ ርሑቕ ሕርሻ በይነይ ከገልግል ዝኽእል እንተ ዀይነ ተሓተትኩ። ነዚ ተቐቢለ ድማ ንምስክርነት ዜድልየኒ ነገራትን ብሽክለታይን ጥራይ ሒዘ ብመርከብ ናብ ሓውሲ ደሴት ዮርክ ከድኩ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ: ተገዳስነት ዘለዎም ስድራቤት ናብ መዕረፊ ኣጋይሽ ወሰዱኒ። ኣብቲ መዕረፊ ኣጋይሽ ድማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸም ወዳ ገይራ ሓዘትኒ። ኣብ እዋን ቀትሪ በቲ ዶራን መገዲ ብብሽክለታይ ተጓዒዘ: ኣብተን ኣብታ ሓውሲ ደሴት ፋሕ ኢለን ዚርከባ ንኣሽቱ ኸተማታት እሰብኽ ነበርኩ። ነቲ ኣብ ርሑቕ ዚርከብ ቦታታት ንምሽፋን: ሓሓሊፈ ኣብ ንኣሽቱ ሆቴላት ወይ መዕረፊ ኣጋይሽ እሓድር ነበርኩ። በዚ ኸምዚ በማእታት ዚቝጸር ኪሎ ሜተራት ብብሽክለታይ ተጓዒዘ: ብዙሕ ጽቡቕ ተመክሮታት ድማ ረኺበ እየ። በይነይ ናብ ኣገልግሎት ምኻደይ ብዙሕ ዘተሓሰሳበኒ ጕዳይ ኣይነበረን: የሆዋ ኸም ዝሓልየለይ ምስ ረኣኹ ድማ ብዝያዳ ቐረብክዎ።

ነቲ ብቕዓት ከም ዘይብለይ ዚስምዓኒ ስምዒት ምስጋሩ

ብ1946 በዚ ናይ ሕጂ ኣጸዋውዓ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ብደብዳበ ጻውዒት ቀረበለይ። እዚ ድማ ኣብቲ እተመደበለይ ወረዳ ንዚርከባ ሓያሎ ጉባኤታት ምብጻሕ ዜጠቓልል ነበረ። እዚ ሓላፍነት እዚ ብሓቂ እዩ ኸቢዱኒ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ሓው “ሃሮልድ ንመድረኽ ዚኸውን ሰብ ኣይኰነን: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ግን ንፉዕ እዩ” ኺብል ከሎ ሰማዕክዎ። እቲ እተዛረቦ ዘረባ ብዙሕ እዩ ኣተባቢዑኒ። ናይ ምዝራብን ናይ ምምሕዳርን ከእለተይ ብዙሕ ከም ዘይኰነ እፈልጥ ነይረ: ዕዮ ስብከት ግን ክርስትያናት ኪፍጽምዎ ዚግባእ ቀንዲ ንጥፈት ምዃኑ እኣምን ነበርኩ።

ብ1947 ሓው ናታን ኖርን ሚልተን ሄንሸልን ካብቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪበጽሑና ምስ መጹ ብዙሕ ኢና ተሓጒስና። ሓው ራዘርፎርድ ብ1938 ድሕሪ ምምጻኡ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምብጻሕ ዝረኸብናሉ ንመጀመርታ ግዜና እዩ ነይሩ። ምስቲ ምብጻሕ ብምትሕሓዝ ኣብ ሲድኒ ዓብዪ ኣኼባ ተገብረ። ኣነውን ከም ካልኦት ብዙሓት መንእሰያት ፓይነራት ኣብቲ ኻብ ዚኽፈት ነዊሕ ዘይገበረ ኣብ ደቡብ ላንሲን: ኒው ዮርክ: ሕ.መ.ኣ.: ዝነበረ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣትየ ሚስዮናዊ ንምዃን ዚወሃብ ስልጠና ንምርካብ ተሃንጠኹ። ብዙሓት ካባና ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ንምእታው ዝለዓለ ትምህርቲ ዜድልየና እንተ ዀይኑ ንሓስብ ነበርና። ሓው ኖር ግን ኣብ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ዚወጽእ ዓንቀጽ ኣንቢብና ቐንዲ ነጥብታት ንዝክር እንተደኣ ዄንና: ኣብ ጊልዓድ ዕዉታት ክንከውን ከም እንኽእል ገለጸልና።

ብዙሕ ስለ ዘይተመሃርኩ: ብቕዓት ዚህልወኒ ዀይኑ ኣይተሰምዓንን ነይሩ። እቲ ዜገርም ግን ድሕሪ እተወሰነ ኣዋርሕ ኣብ ጊልዓድ ስልጠና ንምርካብ ከመልክት ጻውዒት ቀረበለይ። ድሕሪኡ: ተቐባልነት ረኸብኩ: ኣብቲ ብ1950 እተገብረ መበል 16 ክፍሊ ጊልዓድ ድማ ተኻፈልኩ። እዚ ነቲ ዝነበረኒ ምትእምማን ኣጸቢቑ ዘደልደለለይ ዜደንቕ ተመክሮ እዩ ዀይኑኒ። ዕዉት ንምዃን ትምህርታዊ ኣሳልጦ ብቐዳምነት ዚውሰድ ረቛሒ ዘይምዃኑ ኣረጋገጸለይ። ኣብ ክንድኡስ: ትግሃትን ተኣዛዝነትን እዩ ቐንዲ ዚድለ ነገራት። መምህራንና ዚከኣለና ዅሉ ኽንገብር ኣተባብዑና። ማዕዳኦም ብምስማዐይ ብቐጻሊ ዕቤት ገበርኩ: ነቲ ትምህርቲ ድማ ብጽቡቕ ክከታተል ከኣልኩ።

ካብ ኣጻምእ ዝመልኣ ኽፍለ-ዓለም ናብ ብልጽቲ ደሴት

ድሕሪ ምረቓ ኣነን ክልተ ኣውስትራልያውያን ኣሕዋትን ናብ ሲሎን (ሕጂ ስሪ ላንካ) ተመደብና። ኣብ መስከረም 1951 ኣብታ ኮሎምቦ እትበሃል ርእሲ ኸተማ በጻሕና። እቲ ዓዲ ብዙሕ ሙቐትን ዳህርን ነበሮ: እተፈላለየ ትርኢትን ድምጽን ሽታን ድማ ተቐበለና። ካብታ መርከብ ክንወርድ ከለና: ሓደ ኻብቶም ኣብታ ሃገር ዜገልግል ዝነበረ ሚስዮናውያን ኪቕበለና መጸ። ኣብ እትቕጽል ሰንበት ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ብዛዕባ ዚግበር ህዝባዊ ዝርርብ ዜፋልጥ ናይ ዕድመ ወረቐት ሒዙ ድማ ነበረ። እቲ ዜገርም ከኣ ኣብቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ተዛራባይ ምዃነይ ተጠቒሱ ነበረ። ሽዑ እተሰምዓኒ ፍርሂ ኽትግምትዎ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ኣውስትራልያ ፓይነር ኰይነ ኣብ ዘገልገልኩሉ ዓመታት ግን ዝዀነ ይኹን ዚወሃበኒ መዝነት ክቕበል ከም ዘሎኒ እየ ተማሂረ። ስለዚ: ብሓገዝ የሆዋ ነቲ ህዝባዊ ዝርርብ ጽቡቕ ገይረ ኣቕረብኩዎ። ሰለስቴና ምስቶም ኣብ ኮሎምቦ ኣብ ዝነበረ ቤት ሚስዮናውያን ዝጸንሑ ኣርባዕተ ዘይተመርዓዉ ኣሕዋት ሓቢርና ነቲ ኸቢድ ቋንቋ ሲንሃላ ንምልማድን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንምስታፍን ጻዕሪ ኽንገብር ጀመርና። መብዛሕትኡ ግዜ ንበይንና ኢና ነገልግል ኔርና: እቶም ደቂ እቲ ዓዲ ድማ ኣኽበርቲ ሰብን ተቐበልቲ ኣጋይሽን ምዃኖም የሐጕሰና እዩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ኣኼባታት ዚእከቡ ቝጽሮም ኪውስኽ ጀመረ።

ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ናብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ብመርከብ ክኸይድ ከለኹ ብዛዕባ ዝረኸብኩዋ ሓንቲ ሲቢል ዚስማ ጽብቕቲ ፓይነር ክሓስብ ጀመርኩ። ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዚግበር ኣህጉራዊ ኣኼባ ንኽትእከብ እያ ትጐዓዝ ነይራ። ጸኒሓ ኣብ መበል 21 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተማህረት: ብ1953 ከኣ ናብ ሆንግ ኮንግ ተመደበት። ምስኣ ኽጸሓሓፍ ጀመርኩ: ክሳዕ 1955 ከኣ ደብዳበ ተጸሓሓፍና። ድሕሪኡ: ሲቢል ናብ ሲሎን መጸት እሞ ተመርዓና።

ሰብ ሓዳር ሚስዮናውያን ምስ ኰንና ንመጀመርታ ግዜ እተመደብናሉ ቦታ: ኣብ ሰሜን ጫፍ ስሪ ላንካ እትርከብ ከተማ ጃፍና እያ። ኣብ መፋርቕ 1950ታት እቶም ሲንሃላን ታሚልን ዚበሃሉ ማሕበረሰባት ብፖለቲካ ኺጻብኡ ጀመሩ። እዚ ድማ ንዚቕጽል ሓያሎ ዓመታት ግጭት ኣስዓበ። ሲንሃላን ታሚልን ዝመበቈሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እዋን ጸበባ ሓደ ነቲ ሓደ ኼዕቍቦ ምርኣይስ ክሳዕ ክንደይ ልቢ ዚትንክፍ ኰን እዩ! እቲ ፈተናታት እቲ ንእምነት ኣሕዋት ኰሊዕዋን ኣደልዲልዋን እዩ።

ኣብ ስሪ ላንካ ምስባኽን ምምሃርን

ምስቶም ሂንዱን እስላምን ንምውህሃድ ዓቕልን ጽንዓትን የድሊ። ኰይኑ ግን: ንናይ ክልቲኡ ባህልታትን ዚፍቶ ባህርያትን ክንርድኦ ኽኢልና ኢና። ወጻእተኛ በተን ናይቲ ዓዲ ኣውቶቡሳት ኪጐዓዝ ምርኣይ ዘይተለምደ ስለ ዝዀነ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣተኲሮም እዮም ዚጥምቱና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ሲቢል ፍሽኽ ክትብሎም ጀመረት። ንሳቶም እውን ብኡንብኡ ፍሽኽ ኪብሉና ጀመሩ።

ሓደ እዋን ኣብ ሓደ መፈተሺ ነቝጣ ደው በልና። እቲ ሓላዊ ኻበይ ከም ዝመጻእናን ናበይ ንኸይድ ከም ዘሎናን ድሕሪ ምሕታት: ብዛዕባ ብሕታዊ ህይወትና ኺሓተና ጀመረ።

“እዛ ሰበይቲ እንታወይቲ እያ፧” በለኒ

“ብዓልቲ ቤተይ” ኢለ መለስኩሉ።

“ካብ እትምርዓዉ ኽንደይ ጌርኩም፧”

“ሸሞንተ ዓመት።”

“ደቂ ኣለዉኹምዶ፧”

“የብልናን።”

“እዋእ! ናብ ሓኪም ኬድኩምዶ፧”

እዚ መጀመርታ ኣሰምቢዱና ነይሩ: ጸኒሕና ግን እቶም ደቂ እቲ ዓዲ ንኻልኦት ዘለዎም ናይ ሓቂ ብሕታዊ ተገዳስነት ዜርእዩሉ መገዲ ምዃኑ ፈለጥና። ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዚፍቶ ባህርያቶም እውን እዚ እዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ህዝባዊ ኣደባባይ ሓንሳእ ደው እንተ ኢሉ: ነዊሕ ከይጸንሐ ዝዀነ ሰብ መጺኡ ገለ ሓገዝ እንተ ኣድልይዎን ኪሕግዞ ፍቓደኛ ምዃኑን ብምግላጽ ብሕያውነት ይሓቶ።

ለውጥታትን ተዘክሮታትን

ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ስሪ ላንካ ሚስዮናውያን ብምዃን ዘገልገልናዮ: ኣብ ካልእ መዳይ እውን ኣገልጊልና ኢና። ጸኒሐ ናይ ወረዳ ተዓዛብን ናይ ኣውራጃ ተዓዛብን ኰይነ ኸገልግል ተመደብኩ: ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እውን ኰንኩ። ብ1996 ዕድመይ ኣብ መፋርቕ 70ታት ኣቢሉ በጻሐ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ኣብ ስሪ ላንካ ንልዕሊ 45 ዓመት ሚስዮናዊ ዀይነ ኣገልጊለ ነይረ። ኣብቲ ኣብ ኮሎምቦ እተኣከብኩሉ ናይ መጀመርታ ኣኼባ 20 ሰባት ጥራይ እዮም ተኣኪቦም ነይሮም። እዚ ቝጽሪ እዚ ብምውሳኽ ልዕሊ 3,500 በጽሐ። ኣነን ሲቢልን ንመብዛሕትኦም እዞም ፍቑራት እዚኣቶም ከም መንፈሳውያን ደቅናን ደቂ ደቅናን ጌርና ኢና እንርእዮም። ይኹን እምበር: ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ብዙሕ ኪዕየ ዘለዎ ነገራት ነበረ። እቲ ዕዮ ድማ ሓይልን ክእለትን ብዕድመ ዝነኣሱ ሰባት እዩ ዚደሊ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ናብ ኣውስትራልያ ኽንምለስ ዘቕረበልና ጻውዒት ተቐበልናዮ። እዚ ኸኣ ብቕዓት ዘለዎም ብዕድመ ኻባና ዝነኣሱ ሚስዮናውያን ኣብ ክንዳና ተተኪኦም ናብ ስሪ ላንካ ኺኣትዉ ኣኽኣለ።

ሕጂ መበል 83 ዓመተይ ሒዘ ኣለኹ። ኣነን ሲቢልን ኣብቲ ቐደም ዝነብረሉ ዝነበርኩ ኣደላይድ ክሳዕ ሕጂ ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ንምግልጋል ዜኽእል ጥዕና ስለ ዘሎና ሕጉሳት ኢና። ኣገልግሎትና በእምሮ ንጡፋትን ተዓጻጸፍትን ክንከውን የኽእለና። ነቲ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዘሎ ኣዝዩ እተፈልየ ናብራ ንኽንለምዶ ድማ ሓጊዙና።

የሆዋ ብስጋ ዜድልየና ነገራት ካብ ምምላእ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን: ኣብ ጉባኤና ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ፍቕሮም ይገልጹልና: ደገፎም ድማ ይህቡና ኣለዉ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ሓድሽ ሓላፍነት ተዋሂቡኒ ኣሎ። ኣብ ጉባኤና ጸሓፊ ዀይነ ኸገልግል ተመዲበ ኣለኹ። ስለዚ: ንየሆዋ ብተኣማንነት ከገልግሎ ኣብ ዝጽዕረሉ እዋን: ዝወሃበኒ ስልጠና ዘየቋርጽ ኰይኑ እየ ረኺበዮ። ንድሕሪት ምልስ ኢለ ኽርኢ ኸለኹ: ሓደ ቕሱን ሃገረሰብ ቈልዓ ኣብ ምሉእ ህይወት ዚቕጽል ዜደንቕ ትምህርቲ ኺወሃቦ ምኽኣሉ የገርመኒ እዩ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብ1955 ኣብ መዓልቲ መርዓና

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ብ1957 ምስቲ ወዲ እቲ ዓዲ ዝዀነ ራጃን ካዲርጋማር ከነገልግል ከለና

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ምስ ሲቢል