ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እምነታ ንደቂ ኽፍላ ነገረቶም

እምነታ ንደቂ ኽፍላ ነገረቶም

እምነታ ንደቂ ኽፍላ ነገረቶም

ንደቂ ኽፍልኻ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነትካ ብዝያዳ ኸተረድኦም ትደሊዶ፧ ኣብ ፖላንድ እትርከብ ማግዳሌና እትበሃል ጓል 18 ዓመት ተመሃሪት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ: ንደቂ ኽፍላ ብዛዕባ እቲ ኸም ናይ የሆዋ ምስክር መጠን እትኣመነሉ እምነታት ትነግሮም እያ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ‘ናይ የሆዋ ምስክር ምዃን ከመይ ይመስል፧’ ‘ኣብ የሱስ ክርስቶስ ኣይትኣምኑን ዲኹም፧’ ዝኣመሰለ ሕቶታት ይሓትዋ እዮም። ንደቂ ኽፍላ ብኸመይ ሓጊዛቶም፧ መሪሕነት ንምርካብ ናብ የሆዋ ድሕሪ ምጽላይ: ምስቲ ጸሎታ ተሰማሚዓ ስጕምቲ ወሰደት።—ያእቆብ 1:5

ሓደ መዓልቲ ንሓንቲ ጸቡቕ ኣረኣእያ ዘለዋ መምህራ ንደቂ ኽፍላ እታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ዘ ኦርጋናይዜሽን ብሃይንድ ዘ ኔም ዘርእስታ ቪድዮ ኸተርእዮም ትኽእል እንተ ዀይና ሓተተታ። እታ መምህር በዚ ተሰማምዐት። ድሕሪኡ ማግዳሌና ንደቂ ኽፍላ “ሓደ ፈታውየይ መጺኡ ን90 ደቒቕ ዚኸውን ሓደ ኣስተምህሮ ኪህብ ምድላው እገብር ኣለኹ። እዚ ድማ ብቪድዮ ዚቐርብ ትርኢትን ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበር ምይይጥን የጠቓልል። ክትመጹ ትደልዩዶ፧” ኢላ ሓተተቶም። ኵላቶም ብኣወንታ መለሱላ። ማግዳሌናን ቮይጽኽ ዚበሃል ተመክሮ ዘለዎ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውን ነቲ ፕሮጀክት ኪዳለዉ ጀመሩ።

ፈለማ ን20 ደቒቕ ኣብታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧ እንታይ ኢሎም እዮም ዚኣምኑ፧ ዘርእስታ ብሮሹር እተመስረተ ዝርርብ ኪግበር: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ኪግበር እዩ ተመዲቡ ነይሩ። ቀጺልካ: እታ ቪድዮ ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ኺርእይዋ መደቡ። ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ኽፍሊ ዘሎ ተመሃራይ ሓደ ህያብ ኪወሃቦ ምድላው ተገብረ። እዚ ህያብ እዚ ኸኣ ሒደት ብሮሹራት: መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ መጽሓፍ: ከምኡውን ሒደት ትራክትታትን መጽሔታትን ዝሓዘ ዓብዪ ጶስጣ እዩ ነይሩ።

እታ መዓልቲ ምስ ኣኸለት: ኣብታ ኽፍሊ ዚመሃሩ 14 ተመሃሮን እታ መምህሮምን ኣብቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ዝጸንሑ 4 ተመሃሮን ተኣከቡ። ቮይጾኽ ኣብ መእተዊኡ ብዙሓት ፖላንዳውያን ገጠምትን ጸሓፍትን ነቲ የሆዋ ዚብል መለኮታዊ ስም ኣብ ጽሑፋቶም ከም እተጠቕሙሉ ገለጸ። ጥንቲ ካቶሊክ ኣብ እትህቦ ዝነበረት ትምህርቲ መለኮታዊ ስም ይጥቀስ ምንባሩ እውን ሓበረ። ኣብዚ ግዜና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ዘለዉ ንጥፈታት ንምግላጽ: ናይ እተፈላለየ ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ብሮሹራትን ዓበይቲ ኣኼባ ናይ ዚግበረሉ ኣደራሻት ስእልታትን ኣርኣዮም።

ድሕሪኡ ጽቡቕ ምይይጥ ተገብረ። ማግዳሌናን ቮይጾኽን ነቲ ዝቐረበሎም ሕቶታት ንምምላስ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቕሙ። እዚ ኸኣ ነቶም ሰማዕቲ መሰጦም: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ርእሶም ይሰብኩ ኸም ዘየለዉ ድማ ኣእመኖም። ገለ ኻብቲ ሕቶታት እንታይ እዩ ነይሩ: እንታይ መልሲኸ ተዋሂቡሉ፧

ሕቶ:- መጽሓፍ ቅዱስ ዘይንጹርን ውስጠዘኣውን ዘረባ ስለ ዝመልኦ: ብዙሕ ትርጕም ኪወሃቦ ይኽእል እዩ። ከመይ ጌርካ ኢኻ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ተሰማሚዕካ ኽትነብር እትኽእል፧

መልሲ:- ገሊኦም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ዝደለኻዮ ቓና ክትወቕዓሉ እትኽእል ቫዮሊን እዩ ይብሉ። ግን ሕስብ እሞ ኣብሉ:- ሓደ ጸሓፊ እንታይ ኪብል ከም ዝደለየ ኽትፈልጡ እንተ ደሊኹም: ንዕኡ ምሕታት ዝሓሸዶ ኸይኰነ፧ እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከምቶም ዝሞቱ ደቅሰብ ዘይኰነስ: ሕጂውን ህያው እዩ። (ሮሜ 1:20፣ 1 ቈረንቶስ 8:5, 6) ኣብ ከባቢ ሓደ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ነቲ ቕኑዕ ትርጕሙ ኺሕብረና ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ጕዳይ ኣብ እተፈላለየ ቦታ ስለ ዚገልጾ: ምንጽጻሩ ይሕግዘና እዩ። በዚ ኸምዚ: ኣምላኽ ልክዕ ባዕሉ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ከም ዚገልጸልና ዘሎ ዀይኑ ኺመርሓና ይኽእል። ከምዚ ምስ እንገብር: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ ፍቓዱ ንፈልጦ: ምስኡ ተሰማሚዕና ድማ ንኸይድ።

ሕቶ:- ኣብ መንጎ ክርስትያናትን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን እንታይ ፍልልይ እዩ ዘሎ፧

መልሲ:- ንሕና ክርስትያናት ኢና! እንተዀነ ግን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኣፎም ክርስትያናት ኢና ጥራይ ኣብ ክንዲ ምባል: ምስቲ ዚኣምኑሉን ምስቲ ኣምላኽ ንጥቕሞም ኢሉ ዚህቦም ትምህርትን ተሰማሚዖም ኪነብሩ እዮም ዚጽዕሩ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ኵሉ እቲ ትምህርትታቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ስለ ዝዀነ: ሓቂ ኸም ዘላቶም ይፈልጡ እዮም።—ማቴዎስ 7:13, 14, 21-23

ሕቶ:- ስለምንታይ ኢኹም ንዘይትፈልጥዎ ሰብ ቀሪብኩም ብግዲ እተዘራርቡ፧ እዝስ እምነትኩም ብሓይሊ ተቐበሉና ማለትዶ ኸይኰነ፧

መልሲ:- ሓደ ሰብ ኣብ መገዲ ብኣኽብሮት ምስ ዜዘራርበኩምን ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ዘለኩም ርእይቶ ምስ ዚሓተኩምን ጌጋ ጌርኩም ዲኹም እትወስድዎ፧ (ኤርምያስ 5:1፣ ጸፎንያስ 2:2, 3) (ድሕሪኡ ቮይጾኽን ማግዳሌናን ንሓደ ሓላፍ መገዲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ፖላንድ ዘጋጠመ ምጥልቕላቕ ማይ ኣምላኽ ዚግደስ እንተ ዀይኑ ብኸመይ ከም ዚሓትዎ መርኣያ ኣቕረቡ።) ርእይቶኡ ምስ ሰማዕና: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ነርእዮ። ሓደ ሰብ ኪዛረበና እንተ ዘይደልዩ: ደሓን ኩን ኢልና ጕዳይና ንገብር። (ማቴዎስ 10:11-14) እዝስ ንኸተዘራርብ ምግዳድ ድዩ: ወይስ ሰባት ኪዘራረቡ የብሎምን እዩ፧

ሕቶ:- በዓላት ዘይተብዕሉ ስለምንታይ ኢኹም፧

መልሲ:- ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ከነብዕላ ዝኣዘዘና በዓል ጥራይ ኢና እነብዕል። ንሳ ኸኣ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ እያ። (1 ቈረንቶስ 11:23-26) ካልእ በዓላት ግን ኣብ መዝገበ-ፍልጠትን ካልእ ዜተኣማምን ምንጭታትን ባዕላትኩም ብምውካስ መበቈሎም ክትፈልጡ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ እንተደኣ ጌርኩም: በዓላት ስለምንታይ ከም ዘይነብዕል ብቐሊሉ ኺርድኣኩም እዩ።—2 ቈረንቶስ 6:14-18

እዚ ጥራይ ዘይኰነ ሓያሎ ኻልእ ሕቶታት ተሓቲቱን መልሲ ተዋሂቡሉን እዩ። እቲ ምይይጥ ነዊሕ ግዜ ስለ ዝወሰደ: እቲ ቪድዮ ንምርኣይ ተገይሩ ዝነበረ መደብ ንኻልእ ግዜ ተሰጋገረ።

እቶም ተመሃሮ ነቲ ምይይጥ ብኸመይ ተቐቢሎምዎ፧ ማግዳሌና ባዕላ ኸምዚ ብምባል ገለጸት:- “ገሊኦም ስራሕ ዕሽነት ዚሰርሑን ንኻልኦት ዜላግጹን ዝነበሩ ተመሃሮ ረዚን ሕቶታት ኪሓቱ ምርኣየይ ኣገሪሙኒ እዩ። ኣምላኽ የልቦን ዚብሉ እኳ እንተዀኑ: ኣብቲ ምይይጥ ግን ኣብ ኣምላኽ እምነት ከም ዘለዎም ገሊጾም እዮም።” እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ተኣከብቲ ነቲ ህያባት ብሞሳ ተቐበልዎ። ብድምር 35 መጻሕፍትን 63 ብሮሹራትን 34 መጽሔታትን ድማ ተበርከተሎም።

እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ፕሮጀክት ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ፍረ ዀን እዩ ኣፍርዩ! ነቶም ንማግዳሌና ደቂ ኽፍላ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝያዳ ኺፈልጥዎምን ኪርድእዎምን ጥራይ ኣይኰነን ኣኽኢልዎም: የግዳስ ንሓያሎ ኻብቶም መንእሰያት ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ኪሓስቡ ኣተባቢዕዎም እዩ። እሞ ደኣ ንደቂ ኽፍልኻ ብዛዕባ እምነትካ ዝያዳ ኺፈልጡ ንምንታይ ክትሕግዞም ዘይትጽዕር፧

[እግረ-ጽሑፍ]

ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወት።

ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወት።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ማግዳሌናን ቮይጾኽን ነቲ ምይይጥ ኪዳለዉ ኸለዉ