ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈሳዊ ነገራት ብምስዓብ ተጠቐም

መንፈሳዊ ነገራት ብምስዓብ ተጠቐም

መንፈሳዊ ነገራት ብምስዓብ ተጠቐም

“ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን: እዚውን ከንቱነት እዩ።”—መክብብ 5:10

ካብ መጠን ንላዕሊ ምስራሕ ናብ ውጥረት ይመርሕ: ውጥረት ከኣ ናይ ጥዕና ጸገማት የምጽእ: አረ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ሞት እውን የብጽሕ እዩ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዚርከባ ስድራቤታት ብፍትሕ ይበታተና ኣለዋ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን ፍጻመ ዜጋጥም ብሰንኪ ህርፋን ስጋዊ ነገራት እዩ። ብዘለዎ ተሓጒሱ ኣብ ክንዲ ምንባር ተወሳኺ ጥሪት ኣብ ምጥራይ ዜተኵር ሰብ: ዚኸፍሎ መስዋእቲ ብዘየገድስ በቲ ዘለዎ ዓጊቡ ኣይነብርን እዩ። ነዚ ብዚምልከት ሓንቲ መጽሓፍ “ዋላ እኳ እቲ ጐረቤት ብስራሕ እተወለፈን ብሰንኪ ጻዕቂ ስራሕ ገና ወዲ 43 ዓመት ከሎ ብድኻም ልቢ ጣዕ ኪብል ዝቐረበን እንተዀነ: ኵሉ ሰብ ከም ጐረቤቱ ኪኸውን እዩ ዚደሊ” ትብል።

ብዘሎካ ዘይምዕጋብ ሓጐስካ ኼጥፍኣልካ ይኽእል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ዘሎና ድኻም መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ሓያል ጽልዋ ዘለዎ ረክላማት ይምዝመዝ እዩ። መደባት ተለቪዥን ዘይትደልዮን ዘየዋጽኣካን ነገራት ክትዕድግ ብዚደፋፍእ ረክላማት ዝመልአ ኪኸውን ይኽእል። እዚ ዅሉ ብዙሕ ጕድኣት ኬውርድ ይኽእል።

ጠገለ ዘይብሉ ህርፋን ሰላሕ እናበለ ኣካላውን ስነ-ምግባራውን ጕድኣት ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ” በለ። (ምሳሌ 14:30) ብኣንጻሩ ግን: ስጋዊ ሃብቲ ምድላብ ዜምጽኦ ኽቱር ጻዕሪ: ጭንቀት: ከምኡውን ጸቕጢ ንጥዕናናን ሓጐስናን ኬጥፍኦ ይኽእል እዩ። ኣብ ህይወትና ስጋዊ ሸቶታት ዓብላሊ ምስ ዚኸውን: ምስ ካልኦት ዘሎና ርክባት እውን ይበላሾ እዩ። ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ ኸኣ ሓደ ሰብ ምስ ስድራቤቱ ዘለዎ ርክብን ማሕበራዊ ህይወቱን ምስ ዚበላሾ: ህይወቱ እውን እናተበላሸወ እዩ ዚኸይድ።

መንፈሳዊ ነገራት ዘለዎ ብልጫ

ቅድሚ ሓያሎ ዘመናት ሃዋርያ ጳውሎስ “ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ኢሉ መዓደ። (ሮሜ 12:2) ዓለም ነቶም ነቲ ናታ ዘበለ ዚስዕቡ ትፈትዎም እያ። (ዮሃንስ 15:19) ብእትርእዮ: ብእትድህስሶ: ብእትጥዕሞ: ብእተሽትቶ: ከምኡውን ብእትሰምዖ ኣቢላ ኽትስሕበካ እያ እትጽዕር። እወ: ስጋዊ ናብራ ኽትስዕብ እያ እትደልየካ። ንስኻ ዀንካ ኻልኦት ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ምእንቲ ኽትስዕቡ: ኣብቲ “ፍትወት ኣዒንቲ” ኸም እተተኵሩ እያ እትገብር።—1 ዮሃንስ 2:15-17

እንተዀነ ግን: ካብ ገንዘብን ዝናን ስጋዊ ሃብትን ዚበልጽ ዋጋ ዘለዎ ነገራት ኣሎ። ቅድሚ ሓያሎ ዘመናት ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ዓለም ኣሎ ዚበሃል ስጋዊ ነገራት ደሊቡ ነበረ። ኣባይቲ: ኣታኽልቲ: ፍረታት ዚፈሪ ኣእዋም: ባሮት: ማል: ኣወዳትን ኣዋልድን ደረፍቲ: ከምኡውን ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ነበሮ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣጸቢቑ ዚበዝሕ ሃብቲ ኣከበ። እዚ ዘይበሃል ሃብቲ እዩ ነይርዎ። ሰብ ኪምነዮ ዚኽእል ኵሉ ነገራት ነበሮ። ኰይኑ ግን: ነቲ ዝፈጸሞ ነገራት ምልስ ኢሉ ድሕሪ ምርኣይ “እዚ ዅሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን እዩ” በለ።—መክብብ 2:1-11

ሰሎሞን ካብ የሆዋ ብሉጽ ጥበብ ስለ እተዋህቦ: መንፈሳዊ ነገራት ብምስዓብ ዓብዪ ዕግበት ከም ዚርከብ ፈለጠ። “መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ: እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ” ኢሉ ጸሓፈ።—መክብብ 12:13

ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መዝገብ: ካብ ወርቂ ወይ ብሩር ይበልጽ። (ምሳሌ 16:16) ዕምቈት ዘለዎ ሓቂ ልክዕ ከም ዕንቊ ኣናዲኻ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። እሞኸ ኽትደልዮን ንምርካቡ ኽትኵዕትን ዲኻ፧ (ምሳሌ 2:1-6) እቲ ምንጪ ኽቡር ነገራት ዝዀነ ፈጣሪና: ከምዚ ኽትገብር እዩ ዚምሕጸነካን ዚሕግዘካን። ብኸመይ ግን እዩ ዚሕግዘካ፧

የሆዋ ብቓሉን ብመንፈሱን ብማሕበሩን ኣቢሉ ኽቡር ሓቅታት ይነግረና እዩ። (መዝሙር 1:1-3፣ ኢሳይያስ 48:17, 18፣ ማቴዎስ 24:45-47፣ 1 ቈረንቶስ 2:10) ነዚ ብቐሊሉ ዘይርከብን ኣዝዩ ኽቡር ዝዋግኡን ነገር ምምርማር: ነቲ ብሉጽን ዝያዳ ዅሉ ዕግበት ዘለዎን ህይወት ንኽትመርጽ ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ። ነዚ ምርጫ እዚ ንኽትገብር እውን ብዙሕ ዜጸግም ኣይኰነን: ከመይሲ እቲ ፈጣሪና የሆዋ ብሓቂ ሕጉሳት ዚገብረና ነገራት ይፈልጥ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ነገር ክንስዕብ የተባብዓና

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጽቡቕ ምኽሪ ወይ ማዕዳ: ግብራዊ ጥራይ ዘይኰነስ መወዳድርቲ እውን የብሉን። እቲ ኣብኡ ዚርከብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ሓለፍ ዝበለ እዩ። ምኽርታቱ ወትሩ ጠቓሚ እዩ። ንነዊሕ እዋን ብሉጽ ምዃኑ ኣመስኪሩ እዩ። ገለ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ጽቡቕ ማዕዳ: ትጉህ ምዃን: ሓቀኛ ምዃን: ገንዘብካ ብጥበብ ምጥቃም: ከምኡውን ካብ ትህኪት ምርሓቕ ይርከቦ።—ምሳሌ 6:6-8፣ 20:23፣ 31:16

የሱስ ምስዚ ብምስምማዕ “ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ: ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ: ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ: ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር: ብልዒ ኣብ ዚበልዖ: ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ: ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ” በለ።—ማቴዎስ 6:19, 20

እዚ ማዕዳ እዚ ኸምቲ ኣስታት 2,000 ዓመት ዝነበሮ: ሕጂውን ጠቓሚ እዩ። ብህርፋን ስጋዊ ሃብቲ ኣብ ክንዲ እንወሓጥ: ብሉጽ ዓይነት ህይወት ብምስዓብ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ከምዚ ንምግባር: ነቲ ናብ ሓጐስን ዕግበትን ዘለዎ ህይወት ዚመርሕ መንፈሳዊ መዝገብ ክንእክብ ኣሎና። ከመይ ጌርና ኢና ኸምዚ ኽንገብር እንኽእል፧ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ንትምህርትታቱ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ኢና ነዚ ኽንገብሮ እንኽእል።

መንፈሳዊ ነገራት ምስዓብ ዓስቢ የምጽእ

ንመንፈሳዊ ነገራት ብዚግባእ ምስ እንጥቀመሉ ኣካላውን ስምዒታውን መንፈሳውን ረብሓ የምጽኣልና እዩ። ከምቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚርከብ ቀጸላ ኦዞን ካብ ጐዳኢ ጸርጊ ጸሓይ ዚከላኸለልና: ቅኑዕ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከኣ ካብ ሓደገኛ ሳዕቤን ፍቕረ-ንዋይ ይከላኸለልና እዩ። እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ: ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ: ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።”—1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10

ፍቕሪ ገንዘብ ንሰባት ዝያዳ ሃብትን ቦታን ስልጣንን ንምርካብ ኪጽዕሩ እዩ ዜለዓዕሎም። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ነዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ ምትላልን ሸፈጥን ይፍጽሙ። ደድሕሪ ፍቕረ-ንዋይ እንተ ስዒብካ: ግዜኻን ጕልበትካን ክእለትካን እዩ ዚባኽን። ሕሉፍ ሓሊፉውን ጥዑም ድቃስ ትስእን። (መክብብ 5:12) ብዘሎካ ዘይምዕጋብ ንመንፈሳዊ ዕቤት ከም ዚዓግቶ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ ዝዓበየ ሰብኣይ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም” ብምባል ዝሓሸ መገዲ ብንጹር ገለጸ። (ማቴዎስ 5:3 NW) መንፈሳዊ ሃብቲ ነባሪ ዓስቢ ኸም ዜምጽእን ካብቲ ሓላፊ ስጋዊ ረብሓ ብዝያዳ ኸም ዜገድስን ይፈልጥ ነበረ።—ሉቃስ 12:13-31

ብሓቂዶ ጠቓሚ እዩ፧

ግረግ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ “ወለደይ መንፈሳዊ ነገራት ዘይረብሕ ምዃኑ ንኼእምኑኒ ብዙሕ እዮም ጽዒሮም። እንተዀነ ግን: መንፈሳዊ ሸቶታት ብምስዓበይ ካብቲ ሃብቲ ንምድላብ ዚግበር ውድድር ዘምጽኦ ውጥረት ሓራ ስለ ዝዀንኩ: ብዙሕ ናይ ኣእምሮ ሰላም እየ ረኺበ” ይብል።

መንፈሳዊ ነገራት ዝሓሸ ብሕታዊ ርክብ ከም ዚህልወካ ይገብር። ናይ ሓቂ ፈተውቲ ብመንነትካ ደኣ እምበር: ብጥሪትካ ኣይኰኑን ዚቐርቡኻ። መጽሓፍ ቅዱስ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን” ብምባል ይምሕጸነና። (ምሳሌ 13:20) ኣብ ርእሲ እዚውን ዕውትቲ ስድራቤት ብጥበብን ብፍቕርን ደኣ እምበር ብስጋዊ ጥሪት ኣይትህነጽን እያ።—ኤፌሶን 5:22-6:4

ክንውለድ ከለና ኣኽቢርና እንርእዮ ስርዓታት ኣይንወርስን ኢና። ነዚ ኻብ መዛኑና ወይ ካብ ካልእ ዝለዓለ ምንጪ ኽንመሃሮ ኣሎና። ስለዚ ኸኣ እዩ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ንዘሎና ኣረኣእያ ኪቕይሮ ዚኽእል። ቀደም ሰራሕተኛ ባንክ ዝነበረ ዶን “ነቲ ኣኽቢረ ዝርእዮ ነገራት ከም ብሓድሽ ንኽሓስበሉ ሓገዝ ረኺበ: በቲ ዜድልየኒ መሰረታዊ ነገራት ክዓግብ ድማ ተማሂረ” በለ።

ነባሪ መንፈሳዊ ሃብቲ ስዓብ

መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ነዊሕ ግዜ ዚርከብ ዓስቢ ደኣ እምበኣር ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ዚርከብ ዕግበት ዜተኵር ኣይኰነን። ጳውሎስ “እቲ ዚርኤ [ስጋዊ] ንጊዜኡ እዩ: እቲ ዘይርኤ [መንፈሳዊ] ግና ንዘለኣለም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 4:18) ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ምስዓብ ግዜያዊ ዕግበት ኬምጽእ ዚኽእል እኳ እንተዀነ: ስስዐ ነባሪ ጥቕሚ የብሉን። መንፈሳዊ ነገራት ግን ዘለኣለማዊ እዩ።—ምሳሌ 11:4፣ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10

መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብዚ ግዜና ኣብ ስጋዊ ነገራት ዚግበር ኣትኵሮ ይዅንኖ እዩ። ዓይንና ጥዕይቲ ብምግባር: ወይ ኣብቲ ዚሓይሽ ተባሂሉ ዘሎ መንፈሳዊ ሃብቲ ብምትኳር ንስስዐና ልጓም ክንገብረሉ ይምህረና። (ፊልጲ 1:10) ስስዐ ኣምልኾ ጣኦት ምዃኑ ድማ የቃልዕ። ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እንመሃሮ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ: ዝያዳ ሓጐስ ንረክብ። ኣተሓሳስባና ኻብ ካልኦት ኣብ ምቕባል ዘይኰነስ ንኻልኦት ኣብ ምሃብ የተኵር። ርእስኻ ናይ ምርዋይ ባህጊ: ብመንፈሳዊ ነገራት ምትካእሲ ኸመይ ዝበለ ሓያል ድራኸ ዀን እዩ ዜሕድር!

ገንዘብ ብእተወሰነ ደረጃ ጽላል ከም ዚኸውን ዚከሓድ ኣይኰነን። (መክብብ 7:12) እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ “ከምቲ ንሰማይ ኣቢሉ ዚነፍር ንስሪ፥ ሃብትኻ ኣኽናፍ ኣውፂኡ ኸም ቅጽበት ዓይኒ ኻባኻ ኺኽወል ይኽእል እዩ” ብምባል ነቲ ሓቂ ይገልጽ። (ምሳሌ 23:5 ትርጕም 1990) ሰባት ሃብቲ ንምርካብ ኢሎም: ጥዕናኦም: ስድራቤቶም: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ሕልናኦም ብምስዋኦም: ሕማቕ ሳዕቤን ኣስዒቡሎም እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ መንፈሳዊ ምዃን ነቲ ልዕሊ ዅሉ ዜድልየና ነገራት የማልኣልና። እዚ ኸኣ ንኽንፍቀር ዘሎና ድሌት: ዕላማ ንኽንፈልጥ ዘሎና ድሌት: ከምኡውን ነቲ ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ ንምምላኽ ዘሎና ድሌት እዩ። መንፈሳዊ ኣረኣእያ እንተሎና: ፍጹማት ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ዚነብሩሉ መገዲ ኣምላኽ ከም ዘዳለወልና ንፈልጥ።

ድሕሪ ሓጺር ግዜ እቲ ደቅሰብ ኪብልጽጉ ዘለዎም ትምኒት ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም ምሉእ ብምሉእ ኪፍጸም እዩ። (መዝሙር 145:16) ኣብቲ ግዜ እቲ ምልእቲ ምድሪ “ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ።” (ኢሳይያስ 11:9) መንፈሳዊ ነገራት ኪስስን እዩ። ፍቕረ-ንዋይን ሕማቕ ሳዕቤናቱን ምሉእ ብምሉእ ኪጠፍእ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:13) ድሕሪኡ: ከም ፍጹም ጥዕና: ዜዕግብ ስራሕ: ጥዑይ መዘናግዒ: ኣብ ስድራቤት ዘሎ ጽቡቕ ርክብ: ከምኡውን ምስ ኣምላኽ ዚህሉ ነባሪ ዕርክነት ዝኣመሰለ ንህይወት ብዝያዳ ትርጕም ከም ዚህልዋ ዚገብራ ነገራት: ንደቅሰብ ንዘለኣለም ሓጐስ ኬምጽኣሎም እዩ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ገንዘብካ ብጽቡቕ ተጠቐመሉ!

ዜድልየካ ነገር ፍለጥ። የሱስ “ናይ ዕለት እንጌራና ኣብ ጸጽባሕ ሀበና” ኢልና ኽንጽሊ መሃረና። (ሉቃስ 11:3) እትብህጎ ነገራት ናይ ግድን ከም ዜድልየካ ጌርካ ኣይትውሰዶ። ህይወት ካብ ጥሪት ከም ዘይኰነ ኣይትረስዕ።—ሉቃስ 12:16-21

መደብ ግበር። ብዘይ መደብ ስቕ ኢልካ ኣይትዓድግ። መጽሓፍ ቅዱስ “ተጠንቂቕካ መደብ እንተ ደኣ ኣውፂእካ ረብሓ ትረክብ፥ ታህዋኽ ግና ናብ ስእነት እዩ ዜውድቐካ” ይብል። (ምሳሌ 21:5 ትርጕም 1990) የሱስ ንሰማዕቱ ቕድሚ ዝዀነ ይኹን ውጥን ምጅማሮም ተቐሚጦም ኪጽብጽቡ መዓዶም።—ሉቃስ 14:28-30

ብዘየድሊ ኣይትተዓደ። ብእተኻእለካ መጠን ንእትዕድጎ ነገር ኣዋህልል ደኣ እምበር ብልቓሕ ኣይትዓድግ። ሓደ ምስላ “ተለቃሒ . . . ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 22:7) ርእስኻ ብምግታእን ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ብዘይምዕድግን: ዓብዪ ነገር ንምዕዳግ ውጥን ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ኣይተባኽን። ነቲ እትውንኖ ኣቕሓ ብግቡእ ብምሓዝ ንነዊሕ ግዜ ኸም ዜገልግለካ ግበር: በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣይተባኽንን። የሱስ ነቲ እተጠቕመሉ ነገር ብምዕቃብ ግቡእ ኣመለኻኽታ ኸም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ።—ዮሃንስ 6:10-13

ቀዳምነት ኪወሃቦ ንዘለዎ: ቀዳምነት ሃቦ። ጥበበኛ ሰብ ዝያዳ ዜገድስ ሸቶታት ንምስዓብ ‘ግዜ ይዕድግ’ እዩ።—ኤፌሶን 5:15, 16

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ብተመክሮ ኻብ ዚርከብ ትምህርቲ ዚበልጽ ኣሎ ድዩ፧

ብብሕትና ዜጋጥመና ሕማቕ ኰነ ጽቡቕ ተመክሮ ጠቓሚ ትምህርቲ ኺህበና ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ከምቲ ብዙሓት ዚብልዎ ተመክሮ እቲ ዝበለጸ መምህር ድዩ፧ ኣይፋልን: ካብኡ ዚበልጽ መምርሒ ኺህበና ዚኽእል ኣሎ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ: ንመገደይ ብርሃን እዩ” ኢሉ ኺጽሊ ኸሎ ነዚ እዩ ጠቒስዎ።—መዝሙር 119:105

ኣምላኽ ዚህቦ መምርሒ: ካብቲ ብተመክሮ ዚርከብ ትምህርቲ ኣጸቢቑ ዚበልጽ ስለምንታይ እዩ፧ ቀዳማይ ነገር: ብተመክሮ ጥራይ ዚርከብ ትምህርቲ ኻብ ጌጋኻ ዚምህር ብምዃኑ: ብዙሕ መስዋእቲ ዚኽፈሎን ዜሳቕን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚውን ናይ ግድን ብእኡ ኽትሓልፍ ኣየድልየካን እዩ። ኣምላኽ ንጥንታዎት እስራኤላውያን “ኣየ: ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ: ሰላምካ ኸም ወሓዚ: ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ” ኢልዎም ነበረ።—ኢሳይያስ 48:18

ሓደ ኻብቲ ቓል ኣምላኽ ዝበለጸ ምንጪ ትምህርቲ ዝዀነሉ ምኽንያት: ተመክሮ ደቅሰብ ብምምዝጋብ ዝመጸ ብጥንታውነቱን ብሓቅነቱን ቀዳማይ ቦታ ዝሓዘ ብምዃኑ እዩ። ብዘይ ገለ ስቓይ ካብ ኣሳልጦን ፍሽለትን ካልኦት ትምህርቲ ምውሳድ: ንጌጋኦም ካብ ምድጋም ከም ዚሓይሽ ኣስተውዒልካ ትኸውን ኢኻ። (1 ቈረንቶስ 10:6-11) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ዜተኣማምን ብሉጽ ሕግታትን መምርሒ ዚዀነና ስርዓታትን ሂቡና ኣሎ። “ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ: . . . ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ: ንገርሂ የጥብቦ።” (መዝሙር 19:7) ብርግጽ እምበኣር ካብ ጥበብ እቲ ፈቃር ፈጣሪና ትምህርቲ ምርካብ ዝበለጸ መገዲ እዩ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ዓለም ነቲ ኣብ ፍቕረ-ንዋይ ዜተኵር ናብራ ኽትስዕብ እያ እትደልየካ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መዝገብ ካብ ወርቂ ወይ ብሩር ዚበልጽ እዩ