ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቀደም ኰነ ሕጂ እሙናትን ጽኑዓትን

ቀደም ኰነ ሕጂ እሙናትን ጽኑዓትን

ቀደም ኰነ ሕጂ እሙናትን ጽኑዓትን

ኣብ ደቡባዊ ኽፋል ፖላንድ ጥቓ ዶብ ስሎቫክያን ቸክ ሪፓብሊክን: ቪስዋ ተባሂላ እትፍለጥ ንእሽቶ ኸተማ ኣላ። ብዛዕባ እዛ ኸተማ እዚኣ ቕድሚ ሕጂ ሰሚዕካ ዘይትፈልጥ እኳ እንተ ዀንካ: ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ዜገርሞም ታሪኽ ግን ኣለዋ። ታሪኻ ንኣምልኾ የሆዋ ብእተራእየ ንጽህናን ቅንኣት ዝመልአ እዩ። ብኸመይ፧

ቪስዋ ኣብ ባህ ዚብል ንምርኣዩ ዜሐጕስ ኣኽራን እተደኰነት እያ። ጃሕጃሕ ዚብል ዛራ ማይን ክልተ ወሓይዝን ናብ ፈለግ ቪስቱላ ይሕወስ እሞ በቲ ኣብ ኣኽራንን ስንጭሮታትን ዘሎ ዱር እናተጠዋወየ ይውሕዝ። ከተማ ቪስዋ ሳላ እቶም ተቐማጦኣን እቲ ፍሉይ ክሊማኣን: እትፍቶ ማእከል ሕክምና: ኣብ ክረምቲ መዕረፊት ቦታ: ከምኡውን ኣብ ቈራሪ ወርሓት እትዝውተር መዕቀሊት ኰይና ኣላ።

ነዚ ስም እዚ ሒዞም ንመጀመርታ ዝሰፈሩ ሰባት ብ1590ታት እዮም ኪዀኑ ዚኽእሉ። ፈለማ: ቈረጽቲ ዕንጨይቲ መጹ: ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብቲ ቓልዕ ክፋል እቲ ኸረን ኣባጊዕን ከብትን ዚጓስዩን ነቲ ምድሪ ዚሓርሱን ሰባት ሰፈሩ። እዞም ትሑታት ሰባት እዚኣቶም ግን ኣብ ሃይማኖት ብዘጋጠመ ቕልጡፍ ለውጥታት ተተንኪፎም እዮም። እቲ ኸባቢ በቲ ማርቲን ሉተር ዘበገሶ ሃይማኖታዊ ተሓድሶ ተጸልዩ ነበረ: ብመሰረት ኣንቼ ኦትቸክ ዚበሃል ተመራማሪ ኸኣ ሉተራውነት “ብ1545 ናይታ ሃገር ሃይማኖት ኰነ።” ኣብዚ ጥራይ ከይተሓጽረ: እቲ ናይ ሰላሳ ዓመት ውግእን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ጸረ-ተሓድሶን ዓብዪ ለውጢ ኣምጽአ። ኦትቸክ ኣስዕብ ኣቢሉ “ብ1654 ኵለን እተን ብፕሮተስታንት ዚውነና ዝነበራ ኣብያተ-ክርስትያን ተወስዳ: ኣገልግሎት ከይህባ ተኣገዳ: ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ ሃይማኖታዊ መጻሕፍትን ተገበተ” በለ። እንተዀነ ግን: መብዛሕትኦም እቶም ነበርቲ ሉተራውያን ኰይኖም ቀጸሉ።

ናይ ፈለማ ዘርኢ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ

እቲ ዜሐጕስ ግን ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ተሓድሶ ይመጽእ ነበረ። ብ1928 ክልተ ኣብቲ ግዜ እቲ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚጽውዑ ዝነበሩ ቐናኣት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እቲ ናይ ፈለማ ዘርኢ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርኡ። ንዓመታኣ ያን ጎሞላ ፎኖግራፍ ሒዙ ናብ ቪስዋ ኸደ: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ዝርርባት ድማ ኣስምዖም። ድሕሪኡ ናብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ስንጭሮ ኸደ እሞ ንሓደ ኣንጄ ራሽካ ዚበሃል ተቐባሊ ልቢ ዘለዎ ሓጺርን ድልዱልን ወዲ ኸበሳ ረኸቦ። ራሽካ ብኡንብኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣውጺኡ ምስቲ ኣብቲ ዝርርብ ዝሰምዖ ኣረኣኣዮ። ድሕሪኡ “ዝ’ሓወይ: ኣብ መወዳእታ ሓቂ ረኺበ! ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ድፋዕ ኰይነ ኻብ ዝዋግኣሉ ግዜ ኣትሒዘ መልሲ ኽደሊ እየ ጸኒሐ” በሎ።

ራሽካ ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰ ንጎሞላ ምስ የርዤን ኣንጄ ፒልኽን ዚበሃሉ ኣዕሩኽቱ ኼራኽቦ ወሰዶ። ንሳቶም እውን ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተቐበልዎ። ኣብ ፈረንሳ ሓቂ ዝፈለጠ ኣንጄ ቲርና: ነዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም ፍልጠት ንኼዕምቑ ሓገዞም። ነዊሕ ከይጸንሑ ተጠምቁ። ነታ ኣብ ቪስዋ ዝነበረት ጕጅለ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሕጋዝ: ኣብ መፋርቕ 1930ታት ካብተን ኣብ ከባቢ ዚርከባ ኸተማታት ኣሕዋት ይኸድዎም ነበሩ። እቲ እተረኽበ ውጽኢት ዜደንቕ እዩ ነይሩ።

ብዙሓት ሓደስቲ ተገደስቲ ኺውሕዙ ጀመሩ። ኣብታ ኸተማ ዝነበራ ሉተራውያን ስድራቤታት ኣብ በቤተን መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልማድ ነበረን። ስለዚ: ሓንሳእ ብዛዕባ ሰረተ-እምነት ሲኦልን ስላሴን ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ምስ ረኣያ: መብዛሕትአን ነቲ ሓቂ ኻብ ሓሶት ፈልየን ኬለልያ ኸኣላ። ሓያሎ ስድራቤታት ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ትምህርትታት ሓራ ኺወጻ ወሰና። በዚ ኸምዚ እታ ኣብ ቪስዋ እትርከብ ጉባኤ ዓበየት: ብ1939 ከኣ 140 ኣባላት ነበርዋ። እቲ ዜገርም ግን መብዛሕትኦም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ዓበይቲ ሰባት ኣይተጠምቁን ነይሮም። ሓንቲ ኻብቶም ቀዳሞት ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ሄለና: “ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን እዞም ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ኪቘሙ ኣይከኣሉን ማለት ኣይኰነን” በለት። ኣስዕብ ኣቢላውን “ድሕሪ ሓጺር እዋን ንእምነቶም ዚፍትን ነገር ምስ ኣጋጠሞም: ንጽህናኦም ኣርእዮም እዮም” በለት።

እቶም ውሉዳትከ፧ ወለዶም ሓቂ ኸም ዝረኸቡ ኣስተውዓሉ። ፍራንቺሸክ ብራንጽ ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ኣቦይ ሓቂ ኸም ዝረኸበ ምስ ኣስተውዓለ: ንዓይን ንሓወይን ኪሰርጸልና ጀመረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ደቂ ሸሞንተን ዓሰርተን ዓመት ኢና ኔርና። ኣቦይ ‘ኣምላኽ መን እዩ: ስሙኸ መን እዩ፧ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ እንታይ ትፈልጥ፧’ ዚብልን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለን ቀለልቲ ሕቶታት ይሓተና ነበረ። መልስና ኽንጽሕፎን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዚርከብ ጥቕሲ ጌርና ኽንድግፎን ነበረና።” ካልእ ናይ የሆዋ ምስክር ከኣ “ወለደይ ብ1940 ንቤተ-ክርስትያን ሉተራውያን ሓዲጎም ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ እተቐበሉ: ኣብ ቤት ትምህርቲ ምጽራርን መውቃዕትን ኣጋጠመኒ። ወለደይ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝተኸሉለይ አመስግኖም እየ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ጽንኩር ግዜ ጸኒዐ ንክቕጽል ኣኽኢሉኒ” በለ።

ብፈተና ዝሓለፈት እምነት

ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተባርዐን ናዚ ነቲ ቦታ ምስ ተቘጻጸርዎን: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬጥፍእዎም ቈሪጾም ተላዕሉ። ፈለማ ዓበይቲ ሰባት: ብሕልፊ ኸኣ ኣቦታት: እተወሰነ ጥቕሚ ምእንቲ ኺረኽቡ ዜጋታት ጀርመን ከም ዝዀኑ ዚገልጽ ወረቐት ኪፍርሙ ምትብባዕ ተዋህቦም። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጐድኒ ናዚ ምስላፍ ኣበዩ። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣብ ናይ ውትህድርና ዕድመ ዝበጽሑ ተገደስትን ኣብ መዋጥር ኣተዉ። ወይ ምስቲ ሰራዊት ኪሓብሩ: ወይ ከኣ ገለልትነቶም ብምሕላው ከቢድ መቕጻዕቲ ኺወርዶም ነበሮ። ጌስታፖ ብ1943 ዝኣሰርዎ ኣንጄ ሻልቦት ዚበሃል ክርስትያን “ሓደ ሰብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምስ ዚኣቢ: ናብ መዳጐኒ ደምበ: መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ናብ ኦሽዊትዝ ይለኣኽ ነበረ” ብምባል ይገልጽ። ቀጺሉ ድማ “ኣብቲ ግዜ እቲ ኣይተጠመቕኩን ነይረ: ነቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 10:28, 29 ዝሃቦ መረጋገጺ ግን እፈልጦ ነይረ። ብምኽንያት እቲ ኣብ የሆዋ ዝነበረኒ እምነት እንተ ሞይተ: ኬተንስኣኒ ኸም ዚኽእል እፈልጥ ነይረ” በለ።

ኣብ መጀመርታ 1942 እቶም ናዚ ኻብ ቪስዋ 17 ኣሕዋት ኣሰሩ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ: 15 ኻብዚኣቶም ኣብ ኦሽዊትዝ ሞቱ። እዚ ኣብቶም ኣብ ቪስዋ ዝተረፉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ጽልዋ ኣሕደረ፧ እምነቶም ከም ዚሓድጉ ኣብ ክንዲ ዚገብሮም: ከይተለማመጡ ናብ የሆዋ ንኺለግቡ ኣተባብዖም! ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ሽዱሽተ ወርሒ: ብዝሒ እቶም ኣብ ቪስዋ ዝነበሩ ኣስፋሕቲ ዕጽፊ ዀነ። ነዊሕ ከይጸንሐ ሓያሎ ተኣስሩ። ብድምር 83 ኣሕዋትን ተገደስትን ቈልዑን በቲ ሂትለር ዝወሰዶ ሓያል ስጕምቲ ተተንከፉ። ካብዚኣቶም 53 ናብ መዳጐኒ ደምበታት (መብዛሕትኦም ናብ ኦሽዊትዝ) ወይ ከኣ ናብቲ ኣብ ፖላንድን ጀርመንን ቦሂምያን ዚርከብ መዐደንን እምኒ ዚፈሓረሉ ቦታታትን ተላእኩ።

እሙናትን ጽኑዓትን

ኣብ ኦሽዊትዝ እቶም ናዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኡንብኡ ኸም ዚፈትሕዎም መብጽዓ ብምእታው ኪሓባብልዎም ፈተኑ። ሓደ ናይ ኤስ.ኤስ. ወተሃደር ንሓደ ሓው “ድሕሪ ሕጂ ኣባል እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይኰንካ ዚገልጽ ወረቐት እንተ ፈሪምካ: ክንፈትሓካ ኢና: ናብ ቤትካ ኸኣ ትኸይድ” በሎ። እዚ መብጽዓ እዚ ነቲ ሓው ተደጋጊሙ እኳ እንተ ቐረበሉ: ኣብቲ ንየሆዋ ዝነበሮ ተኣማንነት ግን ኣይተለማመጠን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጀርመን ዚርከብ ኦሽዊትዝን ሚተልባውዶራን መውቃዕቲ: ላግጺ: ከምኡውን ኣዝዩ ኣድካሚ ሸቕሊ ኣሕሊፉ እዩ። ሓራ ቀቅድሚ ምውጻኡ: እቲ ዝነበሮ መዳጐኒ ደምበ ኺድብደብ ከሎ: ካብ ሞት ንዋራ እዩ ወጺኡ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝሞተ ፓቨል ሻልቦት ዚበሃል ናይ የሆዋ ምስክር: “እቶም ጌስታፖ ኺምርምሩኒ ኸለዉ: ኣባል ሰራዊት ጀርመን ምዃንን ሃይል ሂትለር ምባልን ስለምንታይ ከም ዝኣበኹ ደጋጊሞም ሓተቱኒ” በለ። ብዛዕባ ክርስትያናዊ ገለልትነቱ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ምስ ኣረድኦም: ኣብ ኣጽዋር ዚስርሓሉ ፋብሪካ ኺዓዪ ፈረድዎ። ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዝዀነ ኺገልጽ ከሎ: “ነዚ ዓይነት ዕዮ እዚ ክቕበል ሕልናይ ከም ዘየፍቅደለይ ንጹር እዩ። ስለዚ: ኣብ መዐደኒ ኽዓዪ ሰደዱኒ” በለ። እንተዀነ ግን: ተኣማንነቱ ሓልዩ እዩ።

እቶም ከይተኣስሩ ዝተረፉ ኣንስትን ቈልዑን ናብ ኦሽዊትዝ ምግቢ ይሰዱ ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ሓው “ኣብ ክረምቲ ኻብ ጫካ ክራንበሪ [ዓይነት ፍረ] ንእክብ: ድሕሪኡ ብስርናይ ንቕይሮ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “እተን ኣሓት ባኒ ይስንክታ እሞ ኣብ ስብሒ ይኣልክኦ። ድሕሪኡ ነቲ ባኒ በብቕሩብ ናብቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ ክርስትያናት ብጾትና ንልእኮ” በለ።

ካብ ቪስዋ ብድምር 53 ዓበይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ መዳጐኒ ደምበን ናብ ኣገዲድካ ዚሽቀለሉን ቦታታትን ተላእኩ። ካብዚኣቶም 38 ሞቱ።

ንኣሽቱ እውን ተተንከፉ

ውሉዳት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን በቲ ስርዓት ናዚ ዝገበሮ ጭቈና ተተንኪፎም እዮም። ገሊኦም ምስ ኣዴታቶም ናብቲ ኣብ ቦሂምያ ዚርከብ ግዝያዊ ደምበታት ተላእኩ። ገሊኦም ከኣ ካብ ወለዶም ተፈልዮም ናብቲ ኣብ ሎድዝ ዝነበረ ዕሉል ደምበ ቘልዑ ተወስዱ።

ሰለስተ ኻብዚኣቶም ከኣ “እቶም ጀርመናውያን ንፈለማ ግዜ ናብ ሎድዝ ኣብ ዝለኣኹና እዋን: ካብ ደቂ ሓሙሽተ ኽሳዕ ትሽዓተ ንእንኸውን ዓሰርተ ወሰዱና። ብምጽላይን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምይያጥን ንሓድሕድና ተተባባዕና። ጸኒዕካ ምቕጻል ቀሊል ኣይነበረን” በሉ። ብ1945 ኵሎም እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ናብ ቤቶም ተመልሱ። ዝሞተ እኳ እንተ ዘይነበረ: ማሲኖምን ተዳሂሎምን እዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን: ዝወረደ እንተ ወረዶም ኣብ ንጽህናኦም ኣይተለማመጡን።

ድሕሪኡ እንታይ ኰነ፧

ካልኣይ ውግእ ዓለም ኪውዳእ ኣብ ዚቐርበሉ ዝነበረ እዋን: እቶም ደቂ ቪስዋ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብእምነት ጽኑዓት ኰይኖምን ስብከቶም ብቕንኣትን ብቘራጽነትን ኪጅምሩ ተዳልዮምን ነበሩ። ገሊኦም ኣሕዋት ካብ ቪስዋ ኽሳዕ 40 ኪሎ ሜተር ርሒቖም ንዚርከቡ ሰባት ንኺሰብኩሎምን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ንኺዕድልዎምን ኢሎም ብጕጅለ ኺበጽሕዎም ጀመሩ። ያን ክዦክ “ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብታ ኸተማ ሰለስተ ንጡፋት ጉባኤታት ቈማ” በለ። ይኹን እምበር: እቲ ሃይማኖታዊ ናጽነት ነዊሕ ኣይቀጸለን።

ብ1950 እቲ ንናዚ ዝተክኦ ኮምዩኒስታዊ መንግስቲ ንንጥፈታት እቶም ኣብ ፖላንድ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣገዶ። ስለዚ: እቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ኣሕዋት ኣብ ኣገልግሎቶም ኪባላሓቱ ነበሮም። ሓድሓደ ግዜ ንሰባት ከብቲ ወይ እኽሊ ኸም ዚዕድጉ ዀይኖም ኣብ ቤቶም ይበጽሕዎም ነበሩ። ክርስትያናዊ ኣኼባታት መብዛሕትኡ ግዜ ለይቲን በብሒደትን ይግበር ነበረ። ኰይኑ ግን: ኣባላት ክፍሊ ጸጥታ ንሓያሎ ኣምለኽቲ የሆዋ ኣልዕል ኣቢሎም ሰለይቲ ኸም ዝዀኑ ጌርካ ብምኽሳስ ኣሰርዎም። ገለ ሰበ ስልጣን ንፓቨል ፒልኽ እናኣሽካዕለሉ “ሂትለር ኣየለማመጠኩምን: ንሕና ግን ከነለማምጠኩም ኢና” ኢሎም ኣፈራርህዎ። እንተዀነ ግን: ፒልኽ ንሓሙሽተ ዓመት እኳ እንተ ተኣስረ: ንየሆዋ ዝነበሮ ተኣማንነት ኣየጕደለን። እተወሰኑ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሶሻሊስት ፖለቲካዊ ሰነድ ምፍራም ምስ ኣበዩ: ካብ ቤት ትምህርቲ ወይ ስራሕ ተሰጉ።

የሆዋ ምሳታቶም ነበረ

ብ1989 ፖለቲካዊ ዅነታት ተቐየረ: ኣብ ፖላንድ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኸቡ። ኣብ ቪስዋ ዝነበሩ ጽኑዓት ኣምለኽቲ የሆዋ ንጥፈታቶም ኣጐሃሃሩ: እዚ ድማ ኣብ ብዝሒ እቶም ፓይነራት: ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ተንጸባረቐ። ኣብዚ ቦታ እዚ ዚነብሩ 100 ኣቢሎም ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ፓይነራት ኰይኖም ኣገልገሉ። ስለዚ: እዛ ኸተማ እዚኣ ፋብሪካ ፓይነራት ዚብል ሳጓ እንተ ወጻ ዜገርም ኣይኰነን።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንዝነበሩ ኣገልገልቱ ዝሃቦም ሓገዝ ኪገልጽ ከሎ “እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይነብር: ሰብ ኪትንስኡና ኸለዉ: . . . ሽዑ ብህይወት ከሎና ምወሐጡና” ይብል። (መዝሙር 124:2, 3) ኣብዚ ግዜና ዘይምግዳስን ርኽሰትን ኣስፋሕፊሑ እኳ እንተሎ: ኣብ ቪስዋ ዚነብሩ ኣምለኽቲ የሆዋ ንጽህናኦም ኪሕለዉ ስለ ዚጽዕሩ ብዙሕ በረኸት እዮም ዚረኽቡ ዘለዉ። ኣብቲ ቦታ እቲ ዚነብሩ ወለዶታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ንሓቅነት እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ: መን እዩ ዚቃወመና፧” ዚብል ቃላት ይምስክሩ እዮም።—ሮሜ 8:31

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኤሚልያ ክዦክ ምስቶም ሄለና: ኤሚልያ: ያን ዚበሃሉ ደቃ ናብቲ ኣብ ቦሂምያ ዝነበረ ግዝያዊ ደምበ ተላእከት

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ፓቨል ሻልቦት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ምስ ኣበየ: ናብ መዐደኒ ተላእከ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ኣሕዋት ናብ ኦሽዊትዝ ምስ ተላእኩን ኣብኡ ምስ ሞቱን: እቲ ኣብ ቪስዋ ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ስብከት ዕቤት ካብ ምግባር ኣየቋረጸን

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ፓቨል ፒልኽን ያን ፖለክን ናብቲ ኣብ ሎድዝ ዝነበረ ንኣሽቱ ዚዳጐኑሉ ደምበ ተወስዱ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Berries and flowers: © R.M. Kosinscy / www.kosinscy.pl