ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዘሎካ ዘይምዕጋብ

ብዘሎካ ዘይምዕጋብ

ብዘሎካ ዘይምዕጋብ

“ክንዓግብ ዘይንኽእል እንተ ዄንና: ይኣኽለኒ ዚበሃል ነገር የልቦን ማለት እዩ።”—ኤ ዎርልድዎች ኢንስቲትዩት ሪፖርት

“እንታይ ንደሊ፧ ኵሉ ነገር። መዓስ ንደልዮ፧ ሕጂ።” እዚ ጭርሖ እዚ ብ1960ታት ገሊኦም ተመሃሮ ኮለጅ ዜዘውትርዎ ዝነበረ እዩ። ኣብዚ ግዜና እዘን ቃላት እዚኣተን ዘይንሰምዐን እኳ እንተ ዀንና: እቲ መሰረታዊ ሓሳበን ግን ሕጂውን ኣሎ። እወ: ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ዘመን ብዘሎካ ዘይምዕጋብ ዘስፋሕፍሐ እዩ ዚመስል።

ብዙሓት ሰባት ሃብትን ጥሪትን ምድላብ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት እዮም ዚህብዎ። ሓደ እዋን ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ነበር ጂሚ ካርተር “ወድሰብ ብዚገብሮ ዘይኰነስ ብዚውንኖ እዩ ዚፍለጥ ዘሎ” በለ። ካብ ጥሪት ዚበልጽ ነገር ኣሎዶ፧ እንተ ሃልዩ እንታይ እዩ: እንታይ ጥቕምታትከ የምጽኣልና፧