ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ እተንብቦ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧

ነቲ እተንብቦ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧

ነቲ እተንብቦ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧

ብዛዕባ እቲ እተንብቦ ዘለኻ ቦታ ምፍላጥ: ነቲ ኣብቲ ቦታ እተገብረ ፍጻመታት ኣብ ኣእምሮኻ ንምስኣል ቀሊል ይገብረልካ። ንኣብነት: ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ተጠቒሱ ዘሎ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገበሮ ሚስዮናዊ ጉዕዞ ንርአ። ኣብ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ: ካብታ ሰዓብቲ የሱስ ንመጀመርያ ግዜ ክርስትያናት ተባሂሎም እተጸዉዑላ ኣንጾክያ ነቐለ። ካብኡ ድማ ናብ ሰላሚስ: ናብ ኣንጾክያ ናይ ጵስድያ: ናብ ኢቆንዩም: ናብ ልስጥራ: ከምኡውን ናብ ደርቤ ተጓዕዘ። እዘን ቦታታት እዚኣተን ኣበይ ከም ዝነበራስ ትፈልጥዶ፧

ካርታ እንተደኣ ኣልዩካ: ክትፈልጠን ትኽእል ኢኻ። እዛ 36-ገጽ ዘለዋ ‘ነታ ጽብቕቲ ምድሪ ርኣያ’ ዘርእስታ ሓዳስ ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ከምዚ ዝኣመሰለ ካርታ ዝሓዘት እያ። ኣብ ሞንታና: ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ: እትነብር ሓንቲ ኣንባቢት “ነቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ጕዕዞ: ብምንታይ ይጐዓዝ ምንባሩ: ንሱን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናትን ነቲ ብስራት ንምስባኽ ዝገበርዎ ጻዕሪ ኣብ ኣእምሮይ ከም ዚስእሎ እዩ ገይሩኒ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ዝመልኦ ካርታ ስለ ዘዳለኹምልና አመስግነኩም” ኢላ ሞሳኣ ገለጸት።

ነቲ ጳውሎስ እተጓዕዘሉ ቦታታት ዜርኢ ካርታ: ካብቲ ኣንበብቲ ብዛዕባ እቲ ዜንብብዎ ኣብ ኣእምሮኦም ኪስእሉ ንምሕጋዝ ኢሉ እተዳለወ ብዙሕ ካርታታት ሓደ እዩ። ነዛ ኩፖን እዚኣ መሊእካ ናብቲ ኣብኣ ተጻሒፉ ዘሎ ኣድራሻ ወይ ድማ ካብቲ ኣብ ገጽ 2 ናይዛ መጽሔት እዚኣ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዚቐርበካ ብምልኣኽ: ቅዳሕ ናይዛ ‘ነታ ጽብቕቲ ምድሪ ርኣያ’ ዘርእስታ ብሮሹር ንኽትስደደልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ።

□ ነታ ጽብቕቲ ምድሪ ርኣያ’ ዘርእስታ ብሮሹር ልኣኹለይ። በየናይ ቋንቋ ኸም እትደሊ ሓብር

□ ካብቲ ብዘይ ክፍሊት እትህብዎ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክጥቀም ስለ ዝደሊ: በጃኹም በዚ ኣድራሻ እዚ ርኸቡኒ።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.