ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ነዛ ምድሪ ዙራ’

‘ነዛ ምድሪ ዙራ’

‘ነዛ ምድሪ ዙራ’

“ነዛ ምድሪ ብምንዋሓን ብምግፋሓን ኪድ።”—ዘፍጥረት 13:17

1. ኣምላኽ ንኣብርሃም እንታይ ዜገርም መምርሒ እዩ ሂብዎ፧

 ንዙረት ናብ ገጠራት ምኻድ ምናልባት ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ብማኪና ምዝዋር የሐጕሰካዶ፧ ገሊኦም ኣካላቶም ንምውስዋስን ብዝያዳ ንምዝንጋዕን ብብሽክለታ ኪኸዱ እዮም ዚመርጹ። ገሊኦም ከኣ ከይተሃወኹ ኣብ ሓደ ቦታ ግዜ ንምሕላፍ ብእግሮም ምዝዋር እዮም ዚፈትዉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዙረት ንእተወሰነ እዋን እዩ ዚግበር። እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ንኣብርሃም “ንኣኻ ክህበካ እየ እሞ: ተንስእ ነዛ ምድሪ ብምንዋሓን ብምግፋሓን ኪድ [“ዙራ:” ትርጕም 1990]” ምስ በሎ: ኣብርሃም ከመይ ከም እተሰምዖ እሞ ሕስብ ኣብሎ።—ዘፍጥረት 13:17

2. ኣብርሃም ካብ ግብጺ ምስ ወጸ ናበይ እዩ ተጓዒዙ፧

2 ነቲ ኣብ ከባቢ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት እሞ ንርአ። ኣብርሃም ምስ ብዓልቲ ቤቱን ካልኦትን ኣብ ግብጺ እዩ ቐንዩ። ዘፍጥረት ምዕራፍ 13 ኻብ ግብጺ ወጺኦም ናብ ምድሪ “ደቡብ” ወይ ናብ ነጌብ ኣቢሉ ኸም ዝገዓዙ ትነግረና። ድሕሪኡ ኣብርሃም “ካብ ደቡብ እናተጓዕዘ ድማ ክሳዕ ቤት-ኤል” ኸደ። ኣብ መንጎ ጓሶቱን ኣብ መንጎ ጓሶት ሎጥ ወዲ ሓዉን ባእሲ ምስ ተላዕለ: ናይ ግድን እተፈላለየ መገሃጫ ኸም ዜድልዮም ከኣ ንጹር ምስ ኰነ: ንሎጥ ፈለማ ኺመርጽ ዕድል ሃቦ። ሎጥ ነቲ “ኸም ገነት እግዚኣብሄር” እተባህለ ልሙዕ “ጐልጐል ዮርዳኖስ ሐረየ:” ጸኒሑ ድማ ኣብ ሶዶም ኪቕመጥ ጀመረ። ኣምላኽ ንኣብርሃም “ዓይንኻ ቋሕ ኣብል እሞ ካብዛ ዘሎኻያ ቦታ ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢልካ ጠምት” በሎ። ኣብርሃም ኣብቲ ኣብ ጥቓ ቤትኤል ዚርከብ በሪኽ ቦታ ዀይኑ: ካልእ ቦታታት እታ ምድሪ ኺርኢ ይኽእል ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እንተዀነ ግን: ካብዚ ንላዕሊ እውን ኪገብር ነበሮ። ‘ነታ ምድሪ ኺዞራ:’ ንተፈጥሮኣን ቦታታታን ከኣ ኪፈልጦ ኣምላኽ ጻውዒት ኣቕረበሉ።

3. ኣብርሃም ዝገበሮ ጕዕዞ በእምሮኻ ምስኣል ከቢድ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

3 ኣብርሃም ናብ ኬብሮን ቅድሚ ምብጻሑ ነታ ምድራ ኽሳዕ ክንደይ ይዙራ ብዘየገድስ: ካብ መብዛሕትና ንላዕሊ ነታ ምድሪ ተስፋ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጣ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣብዚ ዛንታ እዚ ብዛዕባ እተጠቕሰ ኸም እኒ ነጌብ (ደቡብ): ቤትኤል: ጐላጕል ዮርዳኖስ: ሶዶም: ከምኡውን ኬብሮን ዝኣመሰለ ቦታታት እሞ ሕሰብ። እዚ ቦታታት እዚ ኣበይ ከም ዚርከብ በእምሮኻ ምስኣል ይኸብደካዶ፧ ካብ ህዝቢ የሆዋ ነታ ምድሪ ብምንዋሓን ብምግፋሓን ብምዛር ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦ ቦታታት ኪበጽሕዎ ዝኸኣሉ ብዙሓት ስለ ዘይኰኑ: ሓያሎ በእምሮኦም ኪስእልዋ ይኸብዶም እዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ቦታታት ንምፍላጥ ብዙሕ ተገዳስነት ኪህልወና ኣለዎ። ስለምንታይ፧

4, 5. (ሀ) ምሳሌ 18:15 ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ቦታታት ክንፈልጦን ክንርድኦን ከም ዘሎና እትሕብር ብኸመይ እያ፧ (ለ) ጸፎንያስ ምዕራፍ 2 እንታይ እያ እተርእየና፧

4 ቃል ኣምላኽ “ልቢ ለባም ሰብ ፍልጠት የጥሪ: እዝኒ ጠቢባን ከኣ ፍልጠት ትደሊ” ይብል። (ምሳሌ 18:15) ሓደ ሰብ ፍልጠት ኬጥርየሉ ዚኽእል ብዙሕ ጕዳያት ኣሎ: ኰይኑ ግን ምስ የሆዋ ኣምላኽን ግብርታቱን ዚተሓሓዝ ርጡብ ፍልጠት ብዙሕ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦ ነገራት ሕመረት እቲ ርጡብ ፍልጠት ምዃኑ እተረጋገጸ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እንተዀነ ግን: ክንርድኦ ኸም ዜድልየና እውን ኣይትረስዕ። ምርዳእ ኪበሃል ከሎ ንሓደ ነገር ውሽጡ ምፍላጥ: ምስትውዓል: ወይ ኣብ ንሓድሕዱን ምስ ሓፈሻዊ ትሕዝቶኡን ዘሎ ርክብ ምግንዛብ ማለት እዩ። እዚውን ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ቦታታት ዚዓዪ እዩ። ንኣብነት: መብዛሕትና ግብጺ ኣበይ ከም እትርከብ ንፈልጥ ኢና። እንተዀነ ግን: ኣብርሃም ካብ ግብጺ ወጺኡ ናብ ምድሪ ደቡብ ወይ ናብ ነጌብ: ናብ ቤትኤል: ከምኡውን ናብ ኬብሮን ከም ዚኸደ ዚሕብር መግለጺ ኽሳዕ ክንደይ ኢና እንርድኦ፧ ነቲ ኣብ መንጎ እዚ ቦታታት ዘሎ ምትእስሳር ትፈልጦዶ፧

5 ወይ ከኣ ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ጸፎንያስ ምዕራፍ 2 ኣንቢብካ ትኸውን። ኣብኡ ኣስማት ከተማታትን ህዝብታትን ዓድታትን ይርከብ። ገለ ኻብኡ ጋዛ: ኣስቃሎን: ኣሽዶድ: ዔቕሮን: ሶዶም: ነነዌ: ከነኣን: ሞኣብ: ዓሞን: ኣሶር ኪጥቀስ ይከኣል። እዚ ዅሉ ኣስማት ኣብ ሓንቲ ምዕራፍ ጥራይ እዩ ተጠቒሱ። ነዚ ኣብ ምፍጻም ትንቢታት ኣምላኽ ግደ ዝነበሮም ኰነ ኻልኦት ሰባት ብሓቂ ዚነብሩሉ ዝነበሩ ቦታታት ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ኽኢልካዶ፧

6. ገሊኦም ክርስትያናት ካርታታት ዚፈትዉ ስለምንታይ እዮም፧ (ሳጹን ርአ።)

6 ብዙሓት ተመሃሮ ቓል ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ቦታታት ዜርኢ ካርታታት ብምውካስ ብዙሕ ተጠቒሞም እዮም። ነዚ ዚገብሩ ኸኣ በቲ ካርታታት ስለ እተመሰጡ ጥራይ ዘይኰነስ: ብካርታታት ገይሮም ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዘለዎም ፍልጠት ኬዕብዩ ኸም ዚኽእሉ ስለ ዝፈለጡ እዮም። ኣብ ርእሲ እዚውን ካርታታት ነቲ ኣቐዲሞም ዚፈልጥዎ ሓቅታት ምስ ካልእ ሓበሬታ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ኪግንዘቡ ብምሕጋዝ ንምርዳኦም የስፍሖ። ገለ ኣብነታት ክንርኢ ኸለና: ንየሆዋ ዘሎካ ሞሳ ኺዓምቝን ነቲ ኣብ ቃሉ ዚርከብ ጸብጻባት ብዝያዳ ኽትርድኦን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን ርአ።

ርሕቐት ምፍላጥ ነቲ ምርዳእካ የስፍሖ

7, 8. (ሀ) ሲምሶን ኣብ ጋዛ እንታይ ዜደንቕ ነገር እዩ ገይሩ፧ (ለ) እንታይ ሓበሬታ እዩ ንጅግንነት ሲምሶን ዜጕልሕ፧ (ሐ) ንዛንታ ሲምሶን ብዚምልከት ዝያዳ ምፍላጥናን ምርዳእናን ብኸመይ እዩ ዚሕግዘና፧

7 መሳፍንቲ 16:2 ሲምሶን ኣብታ ኸተማ ፍልስጥኤማውያን ዝነበረት ጋዛ ኸም ዝኣተወ ትገልጽ። ኣብዚ ግዜና ጋዛ ዚብል ስም ኣብ ዜና ኣዘውቲርና ንሰምዖ ኢና: ስለዚ ሲምሶን ኣብ ጥቓ ገማግም መዲተራነያን ኣብ ዚርከብ ምድሪ ፍልስጥኤም ከም ዝነበረ ኣፋፍኖት ኪህልወካ ይኽእል እዩ። [11] መሳፍንቲ 16:3 እንታይ ከም እትብል እሞ ኣስተብህለላ:- “ሲምሶን ከኣ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ደቀሰ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ: ተንሲኡ ነቲ መዓጹ ደገ እታ ኸተማ ምስ ክልተ ልዳውቱን ምስ መሸጐሪኡን ሒዙ መንቘሶ: ኣብ መንኵቡ ገይሩ ድማ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንጽር ኬብሮን ዘሎ ኸረን ኣደየቦ።”

8 ከም ጋዛ ዝኣመሰለት እተዓርደት ከተማ ዝነበራ መዓጹ ደገን ልዳትን ኣዝዩ ገዚፍን ከቢድን ምንባሩ ኣይትስሕቶን ኢኻ። ነዚ ምስካም እሞ ሕስብ ኣብሎ! ሲምሶን ነዚ ተሰኪሙ ግን ናበይ እዩ ኸይዱ: እንታይ ዓይነት ጕዕዞኸ እዩ ገይሩ፧ ጋዛ ኣብ ገምገም ባሕሪ ስለ እትርከብ ኣብ ጽፍሒ ባሕሪ እያ ዘላ። [15] ኬብሮን ግን ብወገን ምብራቕ ኣብ 900 ሜትሮ ብራኸ እያ እትርከብ። ብሓቂ ተሪር ዓቐበት እዩ ደይቡ! “እቲ ኣብ መንጽር ኬብሮን ዘሎ ኸረን” እተባህለ ብልክዕ ኣየናይ ምዃኑ እኳ እንተ ዘይፈለጥናዮ: እታ ኸተማ ኻብ ጋዛ 60 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ እያ እትርከብ: ኣብ ርእሲ እዚውን ንዓቐብ እዩ ተጓዒዙ! እዝስ ንጅግንነት ሲምሶን ዜጕልሕዶ ኸይኰነ፧ ሲምሶን ነዚ ኺገብር ዝኸኣለ ‘መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝወረደ’ ምዃኑ እውን ኣይትረስዕ። (መሳፍንቲ 14:6, 19፣ 15:14) ከም ክርስትያናት መጠን: መንፈስ ኣምላኽ ፍሉይ ኣካላዊ ብርታዐ ኺህበና ዘይንጽበ እኳ እንተ ዀንና: እዚ ሓያል መንፈስ እዚ ነቲ ብዛዕባ ዓሚቝ መንፈሳዊ ጕዳያት ዘሎና ምርዳእ ኪውስኾን ነቲ ናይ ውሽጢ ሰብነትና ብሓይሊ ኼበርትዓናን ግን ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 2:10-16፣ 13:8፣ ኤፌሶን 3:16፣ ቈሎሴ 1:9, 10) እወ: ብዛዕባ ሲምሶን ዚገልጽ ዛንታ ምርዳእና: መንፈስ ኣምላኽ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ንኽንተኣማመን የኽእለና።

9, 10. (ሀ) ጊዴዎን ንሚድያናውያን ኪስዕሮም ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ርሕቀት ቦታታት እንረኽቦ ፍልጠት ነቲ እነንብቦ ዛንታ ብዝያዳ ትርጕም ከም ዚህልዎ ኺገብሮ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

9 ጊዴዎን ንሚድያናውያን ዝሰዓሮም ስዕረት: ካልእ ንርሕቐት ዜጕልሕ ታሪኽ ዝሓዘ እዩ። ብዙሓት መጽሓፍ ቅዱስ ዜንብቡ ሰባት እቲ ፈራዲ ዝነበረ ጊዴዎንን 300 ወተሃደራቱን ን135,000 ዝዀኑ ኣብ ጥቓ ኵርባ ሞሬ ዚርከብ ለሰ ይዝርኤል ሰፊሮም ዝነበሩ ሚድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ካልኦት ህዝብን ከም ዝሰዓሮም ይፈልጡ እዮም። [18] ሰራዊት ጊዴዎን መለኸት ነፍሑ: ነቲ ፋናታት ብሃንደበት ንምብራህ ዳነሱኦም ሰበሩ: “ሴፍ እግዚኣብሄርን ጊዴዎንን” ኢሎም ከኣ ጨደሩ። እዚ ነቶም ጸላእቲ ሕንፍሽፍሽን ስምባድን ፈጠረሎም: ስለዚ ንሓድሕዶም ኪዋግኡ ጀመሩ። (መሳፍንቲ 6:33፣ 7:1-22) እቲ ውግእ ኣብ ሓደ ለይቲ ብቕልጡፍ ድዩ ኣብቂዑ፧ ኣብ መሳፍንቲ ምዕራፍ 7ን 8ን እንተ ኣንቢብካ: ጊዴዎን መጥቃዕቱ ኸም ዝቐጸለ ኽትግንዘብ ኢኻ። ገለ ኻብቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ቦታታት: ሎሚ ኣበይ ከም ዚርከብ ስለ ዘይተፈልጠ: ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ካርታታት ኣይንረኽቦን ንኸውን። ኰይኑ ግን: ነቲ ጊዴዎን ዝገበሮ ግብሪ ዚሕብር እኹል ቦታታት ተጠቒሱልና ኣሎ።

10 ጊዴዎን ነቶም ዝተረፉ ሰራዊት ክሳዕ ቤት-ሺጣ ድሕሪ ምስጓግ: ድሕሪኡ ናብ ደቡብ ገጹ ኽሳዕ እቲ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ዚርከብ ኣቤል-መሖላ ሰጐጎም። (መሳፍንቲ 7:22-25) እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ “ጊዴዎን ድማ ናብ ዮርዳኖስ መጸ እሞ: ንሱን እቶም ምስኡ ዝነብሩ ሰለስተ ሚእቲ ሰብኣይን ተሳገሩ: ደኺሞም ከለዉ እኳ ይሰጉ ነበሩ” ይብል። ንዮርዳኖስ ምስ ተሳገሩ: እስራኤላውያን ንጸላእቶም ንደቡብ ገጾም ክሳዕ ጥቓ ያቦቕ ዚርከብ ሱኮትን ጻልሙናን ሰዓብዎም: ድሕሪኡ ንዓቐብ ገጹ ኽሳዕ ዮግበሃ (ሕጂ ኣብ ጥቓ ኣማን: ዮርዳኖስ) ሰጐጕዎም። እዚ 80 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ምስጓጕን ቃልስን እዩ ነይሩ። ጊዴዎን ክልተ ነገስታት ሚድያን ሒዙ ቐተለ: ድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እቲ ውግእ እተጀመረሉ ቦታ እትርከብ ዖፍራ እትበሃል ዚነብረላ ኸተማ ተመልሰ። (መሳፍንቲ 8:4-12, 21-27) እቲ ጅግንነቱ ንሒደት ደቓይቕ መለኸት ካብ ምንፋሕን ፋና ኻብ ምሓዝን ካብ ምጭዳርን ንላዕሊ ምንባሩ ንጹር እዩ። እዚ ፍልጠት እዚ ኣብቲ ነቶም ናይ እምነት ሰባት ብዚምልከት: ‘ብዛዕባ እቶም ካብ ድኻም ዝበርትዑ: ኣብ ውግእ ዝሓየሉ: እኒ ጊዴዎንን ካልኦትን ከየዘንትወልኩም ግዜ ይሓጽረኒ እዩ’ ዚብል እተጻሕፈ ሓሳባት ክሳዕ ክንደይ ዝያዳ ትርጕም ከም ዚህቦ እሞ ሕስብ ኣብሎ። (እብራውያን 11:32-34) ክርስትያናት እውን ኣካላዊ ድኻም ኪስምዓና ዚኽእል እኳ እንተዀነ: ፍቓድ ኣምላኽ ብዘይምቍራጽ ምግባር ግን ኣገዳሲዶ ኸይኰነ፧—2 ቈረንቶስ 4:1, 16፣ ገላትያ 6:9

ኣተሓሳስባኦምን ተግባራቶምን ከመይ ነበረ፧

11. እስራኤላውያን ኣብ ቃዴስ ክሳዕ ዚበጽሑን ድሕሪኡን ክንደይ ዚኣክል ጕዕዞ እዮም ዝገበሩ፧

11 ገሊኦም ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ቦታታት ኣበይ ከም ዚርከብ ንምፍላጥ ካርታታት ይውከሱ እዮም። እንተዀነ ግን: ካርታታት ነተሓሳስባ ሰባት ንኽንርድኦ ኸም ዚሕግዘና ትፈልጥዶ፧ ንኣብነት: ነቶም ካብ ከረን ሲና ናብ ምድሪ ተስፋ እተጓዕዙ እስራኤላውያን ንውሰድ። ኣብ መገዲ እናዕረፉ ኣብ ቃዴስ (ወይ ቃዴስ-ባርኔዓ) በጽሑ። [9] ዘዳግም 1:2 እዚ ርሕቐት እዚ መገዲ 11 መዓልቲ: ማለት 270 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ኸም ዚኸውን ትገልጽ። ካብኡ ኸኣ ሙሴ 12 ሰለይቲ ናብታ ምድሪ ተስፋ ለኣኸ። (ዘሁልቍ 10:12, 33፣ 11:34, 35፣ 12:16፣ 13:1-3, 25, 26) እቶም ሰለይቲ ብምድሪ ደቡብ ወይ ነጌብ ኣቢሎም ሓለፉ: ብብኤር-ሸባዕ ኣቢሎም ሓሊፎም እውን ኪዀኑ ይኽእሉ: ድሕሪኡ ናብ ኬብሮን ከዱ: ክሳዕ ሰሜናዊ ጫፍ ምድሪ ተስፋ እውን በጽሑ። (ዘሁልቍ 13:21-24) እስራኤላውያን ነቲ እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ዘምጽኡሎም ሕማቕ ወረ ስለ እተቐበሉ: ኣብ በረኻ ን40 ዓመት ኰለል በሉ። (ዘሁልቍ 14:1-34) እዚ ብዛዕባ እምነቶምን ኣብ የሆዋ ዝነበሮም ትውክልትን እንታይ እዩ ዚገልጸልና፧—ዘዳግም 1:19-33፣ መዝሙር 78:22, 32-43፣ ይሁዳ 5

12. ብዛዕባ እምነት እስራኤላውያን ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኽንበጽሕ ንኽእል: እዚኸ ኽንሓስበሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

12 ነዚ ኻብ ርሕቐት ቦታታት ተበጊስካ እሞ ርኣዮ። እስራኤላውያን እምነት እንተ ዚህልዎምን ምኽሪ እያሱን ካሌብን እንተ ዚሰምዑን: ናብታ ምድሪ ተስፋ ንምብጻሕ ነዊሕ ርሕቐት ኪጐዓዙ መድለዮምዶ፧ ቃዴስ ካብታ ይስሃቅን ርብቃን ዚቕመጡላ ዝነበሩ ብኤር-ላሓይ-ሮይ 16 ኪሎ ሜተር ጥራይ እያ እትርሕቕ። [7] ካብታ ደቡባዊ ጫፍ ምድሪ ተስፋ ኸም ዝዀነት እትጥቀስ ብኤር-ሸባዕ ከኣ ካብ 95 ኪሎ ሜተር ኣብ ዚውሕድ ርሕቀት እያ እትርከብ። (ዘፍጥረት 24:62፣ 25:11፣ 2 ሳሙኤል 3:10) ካብ ግብጺ ናብ ከረን ሲና: ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ቃዴስ 270 ኪሎ ሜተር ብምጕዓዞም: ኣብ ኣፍደገ ምድሪ ተስፋ እዮም ነይሮም ኪበሃል ይከኣል እዩ። ንሕናውን ኣብ ድርኵኺት እታ መብጽዓ እተገብረላ ምድራዊት ገነት ኢና ዘሎና። ካብዚ ዝረኣናዮ ዛንታ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንወስድ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ኸይወድቕ: ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ኽንአቱ ንጋደል” ብምባል ንዅነታት እስራኤላውያን ብምጥቃስ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ።—እብራውያን 3:16-4:11

13, 14. (ሀ) ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ጊብዖናውያን ወሳኒ ስጕምቲ ዝወሰዱ፧ (ለ) ነተሓሳስባ ጊብዖናውያን ክንርዳእ ዚሕግዘና እንታይ እዩ: ካብዚኸ እንታይ ትምህርቲ ኢና ኽንወስድ ዘሎና፧

13 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጊብዖናውያን ተጠቒሱ ዘሎ ዛንታ ምስ እነንብብ: ፍልይ ዝበለ ኣተሓሳስባ ኸም ዝነበሮም: ማለት ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም ኣብኡ ኸም ዚውከሉ ንርኢ ኢና። እያሱ ንእስራኤላውያን ንርባ ዮርዳኖስ ኣሳጊሩ ናብታ ኣምላኽ ንዘርኢ ኣብርሃም እተመባጽዓላ ምድሪ ምስ ኣእተዎም: ከነኣናውያን ዚጠፍኡሉ እዋን ኣኸለ። (ዘዳግም 7:1-3) ጊብዖናውያን እውን ምስ ከነኣናውያን ኪጠፍኡ ነበሮም። እስራኤላውያን ንያሪኮን ንዓይን ሰዓርወን: ጥቓ ጊልጋል እውን ሰፊሮም ነበሩ። ጊብዖናውያን ከምቶም ንጥፍኣት እተመጠዉ ከነኣናውያን ኪጠፍኡ ስለ ዘይደለዩ: ናብ እያሱ ናብ ጊልጋል ተወከልቲ ለኣኹ። ምስቶም እብራውያን ኪዳን ምእንቲ ኺተኣታተዉ: ካብ ከነኣን ወጻኢ ዝመጹ መሰሉ።

14 እቶም ልኡኻት “ገላውኻ ምእንቲ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኣዝዩ ርሑቕ ሃገር ዝመጻእና ኢና” በሉ። (እያሱ 9:3-9) እቲ ኽዳውንቶምን ስንቆምን ካብ ርሑቕ ከም ዝመጹ ዜምስል ነበረ: ከም ሓቂ ግን ጊብዖን ካብ ጊልጋል 30 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ጥራይ እያ እትርሕቕ። [19] እያሱን እቶም ሹማምትን ስለ ዝኣመንዎም: ምስ ጊብዖንን ከባቢኣ ዘለዋ ኸተማታትን ኪዳን ተኣታተዉ። እቲ ጊብዖናውያን ዝገበርዎ ምትላል ካብ ሞት ዜምልጡሉ መገዲ ጥራይ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን: ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ሞገስ ኣምላኽ እስራኤል ንምርካብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ዜንጸባርቕ እዩ ነይሩ። የሆዋ ነቶም ጊብዖናውያን ኣብ መሰውኢ ዚነድድ ዕንጨይቲ ኣብ ምድላው ዜገልግሉ: “ነቲ ኣኼባን ንመሰውኢ እግዚኣብሄርን . . . ቘረጽቲ ዕጨይትን ወረዲ ማይን” ኪዀኑ ተቐቢልዎም እዩ። (እያሱ 9:11-27) ጊብዖናውያን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑት ዕዮ ንምዕያይ ዝነበሮም ፍታው ቀጻሊ እዩ ነይሩ። ገሊኣቶም ኣብ መንጎ እቶም ካብ ባቢሎን እተመልሱ ነቲኒም ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም: ኣብታ ዳግም እተሃንጸት ቤተ መቕደስ ከኣ ኣገልገሉ። (እዝራ 2:1, 2, 43-54፣ 8:20) ምስ ኣምላኽ ዘሎና ሰላም ንኽንዕቅብ ብምጽዓርን ኣብ ኣገልግሎቱ ትሑት ዕዮ ንምዕያይ ፍቓደኛታት ብምዃንን ነተሓሳስባኦም ክንቀድሖ ንኽእል ኢና።

ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ

15. ኣብ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እተጠቕሰ ቦታታት እንግደስ ስለምንታይ ኢና፧

15 የሱስን ሃዋርያ ጳውሎስን ኣብ ዝገበርዎ መገሻታትን ኣገልግሎትን ኰነ ኣብ ካልእ ኣብ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ጸብጻባት ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ቦታታት ነንብብ ኢና። (ማርቆስ 1:38፣ 7:24, 31፣ 10:1፣ ሉቃስ 8:1፣ 13:22፣ 2 ቈረንቶስ 11:25, 26) ኣብ ዚስዕብ ጸብጻባት: ነቲ መገሻታት እሞ በእምሮኻ ኽትስእሎ ጽዓር።

16. ኣብ ቤርያ ዝነበሩ ክርስትያናት ንጳውሎስ ከም ዜፍቅርዎን ዜኽብርዎን ብኸመይ ኣርኣዩ፧

16 ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ (ኣብቲ ካርታ ጁኽ ዚሕብሩ መስመር): ናብታ ሕጂ ኣብ ግሪኽ እትርከብ ፊልጲ ኸደ። [33] ኣብታ ኸተማ መስከረ: ተኣስረ: ተፈትሐ: ድሕሪኡ ናብ ተሰሎንቄ ኸደ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:6-17:1) ኣይሁድ ናዕቢ ምስ ኣለዓዓሉ: እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ኣሕዋት ንጳውሎስ ናብታ 65 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ እትርከብ ቤርያ ኪኸይድ ተማሕጸንዎ። ኣብ ቤርያ ጽቡቕ ኣገልገለ: እንደገና ግን ኣይሁድ መጺኦም ነቲ ህዝቢ ኣነዓብዎ። ስለዚ: “እቶም ኣሕዋት ንጳውሎስ: ክሳዕ ባሕሪ ኪኸይድ: ቀልጢፎም ሰደድዎ።” “እቶም ንጳውሎስ ዝወሰዱ ግና ክሳዕ ኣቴና ኣብጽሕዎ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:5-15) ገለ ኻብቶም ሓደስቲ ክርስትያናት ናብ ባሕሪ ኤጅያን ንምብጻሕ 40 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ኪጐዓዙ: ድሕሪኡ ብመርከብ ዚኸዱሉ ዋጋ ኸፊሎም 500 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ብመርከብ ኪጐዓዙ ፍቓደኛታት ነበሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መገሻ ብዙሕ ሓደጋ ኺህልዎ ዚኽእል እኳ እንተዀነ: እቶም ኣሕዋት ግን ነቲ ኼጋጥሞም ዚኽእል ሓደጋ ተቐቢሎምዎ እዮም: በዚ ኸምዚ ድማ ምስቲ ብኣምላኽ እተወከለ ገያሺ ዚጸንሑሉ ግዜ ኼናውሑ ኸኣሉ።

17. ኣብ መንጎ ሚሊጦስን ኤፌሶንን ዘሎ ርሕቀት ምስ ተረዳእናዮ እንታይ እዩ ብዝያዳ ዚንጽረልና፧

17 ጳውሎስ ኣብ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ (ኣብቲ ካርታ ቐጠልያ መስመር): ኣብ ወደብ ሚሊጦስ በጽሐ። ነቶም ኣብታ 50 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ እትርከብ ጉባኤ ኤፌሶን ዝነበሩ ሽማግለታት ልኢኹ ጸውዖም። እቶም ሽማግለታት ካልእ ጕዳያቶም ገዲፎም ናብ ጳውሎስ ኪኸዱ ኸለዉ እሞ በእምሮኻ ስኣሎ። ኣብ መገዲ ብዛዕባ እቲ ዚገብርዎ ኣኼባ ብሃንቀውታ ይዘራረቡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ምስ ጳውሎስ ድሕሪ ምርኻቦምን ንሱ ምሳታቶም ሓቢሩ ድሕሪ ምጽላዩን: “ኵላቶም . . . ብዙሕ በኸዩ: ንጳውሎስ ድማ ብኽሳዱ ሐኒቖም ሰዐምዎ።” ድሕሪኡ: ናብ ዮሩሳሌም ንኪኸይድ “ክሳዕ እታ መርከብ . . . ኣፋነውዎ።” (ግብሪ ሃዋርያት 20:14-38) ናብ ኤፌሶን ኣብ ዚምለሱሉ እዋን ብዙሕ ዚሓስቡሉን ዚዘራረቡሉን ነገራት ነበሮም። ምስቲ ኺምህሮምን ኬተባብዖምን ዚኽእል ገያሺ ኣገልጋሊ ንምዃን ነቲ ርሕቐት ብእግሮም ብምጕዓዞም ዘርኣይዎ ሞሳስ ልብኻ ኣይተንከፈካንዶ፧ እዚ ኣብ ህይወትካ ወይ ኣተሓሳስባኻ ኽትዓየሉ እትኽእል ነገር ድዩ፧

ብዛዕባ እታ ምድሪ ተስፋን ብዛዕባ መጻኢ ተስፋናን ተምሃር

18. ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ቦታታት ብዚምልከት እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

18 እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኣብነታት ነታ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ምድሪ ምፍላጣ ኣገዳሲ ምዃኑን እታ ምድሪ ኣብ ሓያሎ ጸብጻባት ኣድላዪነት ከም ዘለዋን እዩ ዚሕብር። (ኣብ ርእሲ እዚውን ብዛዕባ እተን ኣብቲ ኸባቢ ዝነበራ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሳ ሃገራት ብምፍላጥ ኣረኣእያና ኸነስፍሕ ንኽእል ኢና።) ብዛዕባ ምድሪ ተስፋ ዘሎና ፍልጠትን ምርዳእን እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ እዋን: ነቲ እስራኤላውያን ናብታ “ጸባን መዓርን እተውሕዝ” ምድሪ ንምእታው ኬማልእዎ ዘለዎም መሰረታዊ ብቕዓት ክንዝክር ኣሎና። እዚ ኸኣ ንየሆዋ ኺፈርህዎን ትእዛዛቱ ኺሕልዉን እዩ ነይሩ።—ዘዳግም 6:1, 2፣ 27:3

19. ነየኖት ክልተ ገነት ኢና ቐጻሊ ቘላሕታ ኽንገብረለን ዘሎና፧

19 ሎሚውን ብተመሳሳሊ ንየሆዋ ብምፍራህን ናብ መገድታቱ ለጊብና ብምምልላስን እጃምና ኽንገብር ኣሎና። ከምዚ ምስ እንገብር: ነታ ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘላ መንፈሳዊት ገነት ንምስፋሕን ንምጽባቕን እጃምና ነበርክት። ብዛዕባ እተፈላለየ መዳያታን ኣብኣ ዚርከብ በረኸትን ዘሎና ፍልጠት እናዓበየ ይኸይድ። ብዙሕ ተወሳኺ በረኸት ከም ዚህሉ ድማ ንፈልጥ። እያሱ ንእስራኤላውያን ዮርዳኖስ ኣሳጊሩ ናብታ ፍርያምን ባህ እተብልን “ጽብቕቲ ምድሪ” ኣእተዎም። ኣብዚ እዋን እዚ ነታ ብሕጂ እንኣትዋ ጽብቕቲ ምድሪ: ማለት ነታ ቓል ብቓሉ ገነት ሃረር ኢልና ንኽንጽበያ እኹል ምኽንያት ኣሎና።

ትዝክሮዶ፧

• ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ቦታታት ዘሎና ፍልጠትን ምርዳእን ከነስፍሕ ባህጊ ኺሓድረና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

• ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሰ ኣየናይ ብዛዕባ ሓደ ቦታ ዚገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ እዩ ብፍላይ ብዙሕ ዝጠቐመካ፧

• ብዛዕባ ገሊኡ ቦታታት ዝያዳ ምስ ፈለጥካ: እንታይ ነጥቢ እዩ ብዝያዳ ነጺሩልካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

‘ነታ ጽብቕቲ ምድሪ ርኣያ’

ኣብ ናይ 2003ን 2004ን ኣውራጃዊ ኣኼባታት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ነታ ጽብቕቲ ምድሪ ርኣያ’ ዘርእስታ ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ብሓጐስ ተቐቢሎምዋ እዮም። እዛ ሓዳስ ጽሕፍቲ እዚኣ ብ80 ቛንቋታት እትርከብ ኰይና: ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ቦታታት: ብፍላይ ከኣ ምድሪ ተስፋ ኣብ እተፈላለየ እዋን ከመይ ትመስል ከም ዝነበረት ብዚገልጽ ሕብራዊ ካርታታትን ሰሌዳታትን ዝመልአት እያ።

እዛ ኣብዚ ጐድኒ ዘላ ዓንቀጽ ብድሙቕ ብእተጻሕፈ ቝጽርታት ኣቢላ ናብቲ ካርታታት ዚርከበሉ ገጽ እያ እትሕብረና: ንኣብነት [15]። እዛ ሓዳስ ብሮሹር እዚኣ እንተላትካ: ግዜ ወሲድካ ነቲ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዘሎካ ፍልጠትን ምርዳእን ንኺውስኽ ኪሕግዝካ ዚኽእል ፍሉይ ትሕዝቶኣ ፍለጦ።

(1) ሓያሎ ካርታታት ኣብቲ ካርታ ንዚርከብ ፍሉይ ምልክታት ንምሕባር መግለጺ ወይ ሳጹን ይህልዎ እዩ [18]። (2) መብዛሕትኡ ካርታታት ነቲ ርሕቐታት ንምፍላጥ ዜኽእል ብማይልን ኪሎ ሜተርን ዚሕብር መጠን ኣለዎ [26]። (3) መብዛሕትኡ ግዜ ፍላጻ ናብ ሰሜን ይሕብር: በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣንፈት ትፈልጥ [19]። (4) ካርታታት ዝበዝሕ እዋን ሓፈሻዊ ብራኸ ዚሕብር ቀለም ይልከ እዩ [12]። (5) ከተማታት ወይ ኣስማት ኣበይ ከም ዚርከብ ንምሕባር: ኣብ ወሰናቱ ፊደላት/ቍጽርታት ኪህልዎ ይኽእል እዩ [23]። (6) ኣብቲ ኽልተ ገጽ ዚኸውን መሐበሪ ቦታታት [34-5]: ቍጽሪ እቲ ገጽ ብድሙቕ ተጻሒፉ: ድሕሪኡ ኸኣ ከም E2 ዝኣመሰለ መሐበሪ ትረክብ። ነዚ መዳያት እዚ ንእተወሰነ እዋን ድሕሪ ምጥቃምካ: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ፍልጠት ንምስፋሕን ምርዳእካ ንምዕማቝን ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ መግለጺ ምዃኑ ኺርድኣካ እዩ።

[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ካርታ/ሰሌዳ]

ሰሌዳ ቦታታት

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሀ. ገማግም ዓብዪ ባሕሪ

ለ. ብምብራቕ ዮርዳኖስ ዚርከብ ጐላጕል

1. ጐልጐል ኣሴር

2. ገማግም ዶር

3. መጓሰዪታት ሳሮን

4. ጐልጐል ፍልስጥኤም

5. ኣብ ማእከል ምብራቕን ምዕራብን ዚርከብ ስንጭሮ

ሀ. ጐልጐል መጊዶ

ለ. ለሰ ይዝርኤል

ሐ. ብምዕራብ ዮርዳኖስ ዚርከብ ኣኽራን

1. ኵርባታት ገሊላ

2. ኵርባታት ቀርሜሎስ

3. ኵርባታት ሰማርያ

4. ሸፈላ (ቈላ)

5. ኣኽራን ይሁዳ

6. በረኻ ይሁዳ

7. ነጌብ (ደቡብ)

8. በረኻ ጳራን

መ. ኣራባ ወይ ጐልጐል (ሃጓፍ ስንጭሮ)

1. ራህያ ሑላ

2. ባሕሪ ገሊላ

3. ስንጭሮ ዮርዳኖስ

4. ባሕሪ ጨው (ምዉት ባሕሪ)

5. ኣራባ ወይ ጐልጐል (ደቡብ ካብ ባሕሪ ጨው)

ረ. ኣኽራን/ብምብራቕ ዮርዳኖስ ዚርከብ ሰጣሕ መሬት

1. ባሳን

2. ጊልዓድ

3. ዓሞንን ሞኣብን

4. ዝባን ኤዶም

ሰ. ኣኽራን ሊባኖስ

[ካርታ]

ከረን ሄርሞን

ሞሬ

ኣቤል-ሜሖላ

ሱኮት

ዮግበሃ

ቤት-ኤል

ጊልጋል

ጊብዖን

የሩሳሌም

ኬብሮን

ጋዛ

ብኤር-ሸባዕ

ሶዶም፧

ቃዴስ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ከነኣን

መጊዶ

ጊልዓድ

ዶታን

ሴኬም

ቤት-ኤል (ሉዝ)

ዓይ

የሩሳሌም (ሳሌም)

ቤት-ልሄም (ኤፍራታ)

መምሬ

ኬብሮን (ማክጴላ)

ጌራር

ብኤር-ሸባዕ

ሶዶም፧

ነጌብ (ደቡብ)

ረሖቦት፧

[Mountains]

ሞርያ

[ማያት]

ባሕሪ ጨው

[Rivers]

ዮርዳኖስ

[ስእሊ]

ኣብርሃም ነታ ምድሪ ዞራ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ጥሮኣስ

ሳሙትራኬ

ንያጶሊስ

ፊልጲ

ኣምፊጶሊስ

ተሰሎንቄ

ቤርያ

ኣቴና

ቈረንቶስ

ኤፌሶን

መሊጦስ

ሮዶስ