ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ገነት ንምንባር ተስፋ ኽትገብር ዜኽእል መሰረት ኣሎዶ፧

ኣብ ገነት ንምንባር ተስፋ ኽትገብር ዜኽእል መሰረት ኣሎዶ፧

ኣብ ገነት ንምንባር ተስፋ ኽትገብር ዜኽእል መሰረት ኣሎዶ፧

“ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስ . . . ናብ ገነት ከም እተዘረፈ . . . እፈልጥ እየ።” —2 ቈረንቶስ 12:2-4

1. ብዙሓት ሰባት በየናይ መብጽዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዚሰሓቡ፧

 ገነት። ኣምላኽ ንምድሪ ገነት ኪገብራ ምዃኑ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ሰማዕካ እተሰምዓካ ስምዒት ትዝክሮዶ፧ ‘ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ: ኣእዛን ጸማማት ጋህ ኪብላ: ምድረ በዳ ድማ ኪፍልፍል’ ምዃኑ ፈለማ ዝሰማዕካሉ እዋን ትዝክሮ ትኸውን። ተዅላ ምስ ዕየት ኪሰፍር: ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ ምዃኑ ዚገልጽ ትንቢት ዝሰማዕካሉ እዋንከ ትዝክሮዶ፧ እተፍቅሮም ሰባት ኣብ ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሒዞም ካብ ምዉታት ኪትንስኡ ኸም ዚኽእሉ ዘንበብካሉ እዋን ልብኻ ብሓጐስ ደይኰነን መሊኡ፧—ኢሳይያስ 11:6፣ 35:5, 6፣ ዮሃንስ 5:28, 29

2, 3. (ሀ) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ተስፋ መሰረት ኣለዎ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ነዚ ተስፋ እዚ እንታይ ተወሳኺ መሰረት ኣሎና፧

2 እዚ ተስፋኻ መሰረት ዘይብሉ ኣይኰነን። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገነት ዝሃቦ መብጽዓታት ንኽትኣምኖ እኹል ምኽንያታት ኣሎካ። ንኣብነት: የሱስ ነቲ ምስኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ዓማጺ “ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን: ብሓቂ እብለካ አሎኹ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ትኣምነሉ ኢኻ። (ሉቃስ 23:43) ነቲ “ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” ዚብል መብጽዓ እውን ትተኣማመነሉ ኢኻ። ነቲ ኣምላኽ ንንብዓት ካብ ኣዒንቲ ሰባት ዚደርዘሉ: ሞት ድሕሪ ደጊም ዘይህልወሉ: ሓዘንን ጫውጫውን ጻዕርን ዚጠፍኣሉ እዋን ኪመጽእ ምዃኑ ዚገልጽ መብጽዓ ኣይትጠራጠረሉን ኢኻ። እዚ ኸኣ ገነት ከም እትመጽእ ዚሕብር ምዃኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን!—2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 21:4

3 ካልእ ኣብ ገነት ተስፋ ንኽትገብር መሰረት ዝዀነካ ነገር: ሕጂ ኣብ መላእ ምድሪ ዘለዉ ክርስትያናት ዚሳተፉሉ ዘለዉ ነገር እዩ። እዚ እንታይ እዩ፧ ኣምላኽ መንፈሳዊ ገነት ኣዳልዩ: ንህዝቡ እውን ኣብኡ ኣእትይዎም ኣሎ። እታ “መንፈሳዊ ገነት” እትብል መግለጺ ዘይትጭበጥ ነገር ወይ ክትርድኣካ እተሸግር ክትመስል ትኽእል እኳ እንተዀነት: ብሓቂ ግን ከምዚኣ ዝኣመሰለት ገነት ኣላ።

ራእይ ገነት

4. ኣብ 2 ቈረንቶስ 12:2-4 እንታይ ትንቢት እዩ ተጠቒሱ ዘሎ: መንከ እዩ ነዚ ራእይ እዚ ርእይዎ ኪኸውን ዚኽእል፧

4 ምስዚ ብዚተሓሓዝ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ እሞ ኣስተብህል:- “ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስ: እዚ ኸምዚ ዝበለ ኽሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተዘረፈ: እፈልጥ አሎኹ: . . . ብናይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰብኣይ:—ኣብ ስጋ ምንባሩ ወይስ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን እየ: ኣምላኽ ይፈልጥ:—ናብ ገነት ከም እተዘረፈ እሞ: ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቐደሉ: ዘይንገር ዘረባውን ከም ዝሰምዔ: እፈልጥ እየ።” (2 ቈረንቶስ 12:2-4) እዚ ሓሳብ እዚ ደድሕሪ እቲ ብዛዕባ ሃዋርያነቱ ዝገበሮ ጥብቅና እዩ ተጻሒፉ እንረኽቦ። ብዘይካዚውን መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ብዛዕባ ዘሕለፈ ኻልእ ሰብኣይ ኣይጠቅስን እዩ: ጳውሎስ ድማ እዩ ብዛዕባኡ ዚነግረና ዘሎ። ስለዚ: ጳውሎስ ባዕሉ ራእይ ርእዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ኻብ ባህርያዊ ነገር ፍልይ ዝበለ ተመክሮ: ናብ እንታይ “ገነት” እዩ ኣትዩ፧—2 ቈረንቶስ 11:5, 23-31

5. ጳውሎስ እንታይ ኣይኰነን ርእዩ: ስለዚ እታ ዝረኣያ “ገነት” እንታይ ዓይነት እያ፧

5 ካብቲ ኣብዛ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት: እቲ “ሳልሳይ ሰማይ” ነቲ ኣብ ከባቢ ምድርና ዘሎ ሃዋህው ኰነ ንህዋ ኸም ዜመልክት ኣይሕብርን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ ግዜ ቝጽሪ ሰለስተ ንምጕላሕ ወይ ሓይሊ ንምውሳኽ ይጥቀመላ እዩ። (መክብብ 4:12፣ ኢሳይያስ 6:3፣ ማቴዎስ 26:34, 75፣ ራእይ 4:8) እምበኣር: እቲ ጳውሎስ ዝረኣዮ ራእይ: ልዕል ወይ ክብ ዝበለ ነገር እዩ ዜመልክት። እዚ ማለት ድማ መንፈሳዊ ገነት እዩ ርእዩ።

6. እንታይ ታሪኻዊ ምዕባለ እዩ ነቲ ጳውሎስ ዝረኣዮ ራእይ ዜነጽረልና፧

6 ኣቐድም ኣቢሉ እተፈጸመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዜነጽር እዩ። ኣምላኽ: እቶም ጥንታዎት ህዝቡ ምስ ጠለምዎ: ባቢሎናውያን ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ኪወግእዋ ኺመጹ ፈቐደ። ብመሰረት ኣቈጻጽራ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ብጥፍኣት ተዛዘመ። እታ ምድሪ ን70 ዓመት ክትባድም ምዃና: ድሕሪኡ ኣምላኽ ንእተነስሑ ኣይሁድ ተመሊሶም ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ብሓድሽ ኬቘሙ ኸም ዜፍቅደሎም ብትንቢት ተነግረ። እዚ ኻብ 537 ቅ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ተፈጸመ። (ዘዳግም 28:15, 62-68፣ 2 ነገስት 21:10-15፣ 24:12-16፣ 25:1-4፣ ኤርምያስ 29:10-14) እታ ምድሪኸ እንታይ ኰነት፧ ኣብተን 70 ዓመት ጣሻ ዚበቝለላን ምድሪ ኣጻምእን መሳፍሮ ወኻሩን ኰነት። (ኤርምያስ 4:26፣ 10:22) እንተዀነ ግን: “እግዚኣብሄር ንጽዮን ኬጸናንዓ: ንዅሉ ዑናታታ ኼጸናንዕ: ንምድረ በዳኣ ኸም ገነት: ንበረኻኣ ድማ ከም ኣታኽልቲ እግዚኣብሄር ኪገብሮ እዩ” ዚብል መብጽዓ ኣትዩ ነበረ።—ኢሳይያስ 51:3

7. ድሕሪ እቲ ናይ 70 ዓመት ምብዳም እንታይ ኪኸውን እዩ ዝነበሮ፧

7 እዚ ድሕሪ 70 ዓመት ተፈጸመ። ብበረኸት የሆዋ እቲ ዅነታት ተመሓየሸ። ነዚ ዚስዕብ እሞ በእምሮኻ ስኣሎ:- “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪሕጐሱ: ምድረ በዳ ኸኣ እልል ኪብል: ከም ጽጌረዳ ድማ ኪዕምብብ እዩ። ኣጸቢቑ ኺዕምብብ: ብሓጐስን ብእልልታን ባህ ኪብል . . . እዩ: . . . ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር: ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል: ማያት ኣብ በረኻ: ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ እሞ: ምድሪ ረመጨትሲ ቐላይ: ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ዓይኒ ማያት ኪኸውን እዩ: እቲ ወኻሩ መሳፍሮ ዚገብራኦ ስፍራስ መብቈል ሰትን ሰልሰላን ሻምብቆን ኪኸውን እዩ።”—ኢሳይያስ 35:1-7

ናብ ዓዶም እተመልሱን እተለወጡን ሰባት

8. ኢሳይያስ ምዕራፍ 35 ኣብ ሰባት ከም እተተኵር ብኸመይ ንፈልጥ፧

8 እዝስ ከመይ ዝበለ ለውጢ ዀን እዩ! ካብ ምብዳም ናብ ገነት እዩ ተቐዪሩ። እንተዀነ ግን: እዝን ካልእ ዜተኣማምን ትንቢታትን ኣብቶም ህዝቢ ልክዕ ምስቲ ኻብ ምብዳም ናብ ፍርያም ዚቕየር ቦታ ዚመሳሰል ለውጢ ኺህሉ ምዃኑ ይሕብር። ስለምንታይ ኢና ኸምዚ ኽንብል እንኽእል፧ ምኽንያቱ: ኢሳይያስ ኣብቶም “እልል እናበሉ” ዚምለሱን “ደስታን ሓጐስን” ዚረክቡን የሆዋ “እተበጀዎም” ሰባት እዩ ዜተኵር ነይሩ። (ኢሳይያስ 35:10) እዚ ቓል ብቓሉ ንምድሪ ዘይኰነስ ንሰባት እዩ ዜመልክት። ብዘይካዚውን: ኢሳይያስ ኣብ ካልእ ቦታ ብዛዕባ እቶም ናብ ጽዮን እተመልሱ ሰባት “ኣእዋም ጽድቂ: . . . ተኽሊ እግዚኣብሄር: ተብሂሎም . . . ኺስመዩ . . . ከምቲ ምድሪ ብቋልያኣ እተውጽእ . . . ከምኡውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ ጽድቅን ምስጋናን ኬብቍል እዩ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ። ብተወሳኺውን ብዛዕባ ህዝቢ ኣምላኽ “እግዚኣብሄር ንዅሉ ጊዜ ኺመርሓካ: . . . ነዕጽምትኻ ድማ ኬበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዝሰተየ ኣታኽልቲ . . . ኢኻ” በለ። (ኢሳይያስ 58:11፣ 61:3, 11፣ ኤርምያስ 31:10-12) ስለዚ: ከምቲ ዅነታት እታ ምድሪ እተመሓየሸ: ኣብቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ኣይሁድ እውን ለውጢ ነበረ።

9. ጳውሎስ እንታይ “ገነት” እዩ ዝረኣየ: እዚኸ መዓስ እዩ ተፈጺሙ፧

9 እዚ ታሪኻዊ ኣብነት ነቲ ጳውሎስ ኣብ ራእይ ዝረኣዮ ኽንርዳእ ይሕግዘና። እቲ ራእይ ነታ ፍርያም ክትከውን ዘለዋ “ግራት ኣምላኽ” ኢሉ ዝጸውዓ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዜጠቓልል እዩ። (1 ቈረንቶስ 3:9) እቲ ራእይ እቲ መዓስ እዩ ፍጻሜኡ ዚረክብ፧ ጳውሎስ ነቲ ዝረኣዮ ነገር “ራእይ” ስለ ዝበሎ: ንመጻኢ ዚኸውን ምዃኑ እዩ ዚሕብር። ድሕሪ ሞቱ ኽሕደት ከም ዜስፋሕፍሕ ይፈልጥ ነበረ። (2 ቈረንቶስ 12:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30፣ 2 ተሰሎንቄ 2:3, 7) ከሓድቲ ዓብዮም ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ዝዓብለሉሉ እዋን: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምስ ፍርያም ስፍራ ኣታኽልቲ ኺመሳሰሉ ዘይከውን እዩ። እንተዀነ ግን: ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ብሓድሽ ክብ ዚብለሉ እዋን ኪመጽእ ነበሮ። ‘ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ምእንቲ ኺበርሁ’ ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ቦታኦም ኪምለሱ ነበሮም። (ማቴዎስ 13:24-30, 36-43) እዚ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ እትምስረት ሒደት ዓመታት ጸኒሑ እዩ ተፈጺሙ። ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ኸኣ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብቲ ጳውሎስ ብራእይ ዝረኣዮ መንፈሳዊ ገነት ከም ዘለዉ ኣዝዩ ንጹር እናዀነ ኸደ።

10, 11. ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና: ኣብ መንፈሳዊ ገነት ኢና ዘሎና ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

10 ነፍሲ ወከፍና ዘይፍጹማት ምዃንና ስለ እንፈልጥ: ከምቲ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዘጋጠሞም: ኣብ መንጎና እውን ጸገማት እንተ ተላዕለ ኣየገርመናን እዩ። (1 ቈረንቶስ 1:10-13፣ ፊልጲ 4:2, 3፣ 2 ተሰሎንቄ 3:6-14) እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እቲ ሕጂ ዘለናዮ መንፈሳዊ ገነት እሞ ሕስብ ነብል። ምስቲ ብመንፈስ ሓሚምናሉ ዝነበርና እዋን ኪነጻጸር ከሎ: ሕጂ ሓዊና ኢና። ምስቲ ቐደም ዝነበረና ጥሜት ኪወዳደር ከሎ: ኣብዚ እዋን እዚ ዚኣክል መንፈሳዊ ምግቢ ንረክብ ኣሎና። ህዝቢ ኣምላኽ ምስ ኣጻምእ ዝዀነ መንፈሳዊ ምድሪ ኣብ ክንዲ ዚቃለሱ: ስምረት ኣምላኽ ረኺቦም: በረኸቱ ድማ ብብዝሒ ይፈሰሎም ኣሎ። (ኢሳይያስ 35:1, 7) ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዓዊርና ኣብ ክንዲ እንነብር: ናይ ናጽነት ብርሃን ንርኢ ኣሎና: ሞገስ ኣምላኽ ድማ ረኺብና ኢና። ብዙሓት ንትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ጸማማት ዝነበሩ ሰባት: ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ ይርድእዎ ኣለዉ። (ኢሳይያስ 35:5) ንኣብነት: ኣብ መላእ ምድሪ ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንትንቢት ዳንኤል በብጥቕሲ መርሚሮምዋ እዮም። ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ኢሳይያስ እውን ብዕምቈት ኣጽኒዖምዋ እዮም። እዚ ባህ ዜብል መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ከም ዘሎና ዜርኢ ንጹር መርትዖዶ ኸይኰነ፧

11 እተፈላለየ መበቈል ዘለዎም ቅኑዓት ሰባት ቃል ኣምላኽ ኪርድኦምን ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎን ኪጽዕሩ ኸለዉ ኣብ ባህሪኦም ብዛዕባ ዝገበርዎ ለውጢ እውን ሕሰብ። ነቲ ኸም ናይ እንስሳ ዝነበረ ባህሪኦም ንኼወግድዎ ብዙሕ ጽዒሮም እዮም። ምናልባት ንስኻውን ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕሪ ብምግባር ብዙሕ ፍረ ረኺብካ ትኸውን: መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ገይሮም ይዀኑ። (ቈሎሴ 3:8-14) ስለዚ: ኣብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሰላማውያንን ባህ ዜብሉን ሰባት ኢኻ ተኸቢብካ ዘሎኻ። ፍጹማት እኳ እንተ ዘይኰኑ: ምስ ጨካናት ኣናብስ ወይ ግርጉራት ኣራዊት ግን ዚመሳሰሉ ኣይኰኑን። (ኢሳይያስ 35:9) እዚ ዅሉ ሰላም ዚሰፈኖ መንፈሳዊ ሕውነት እንታይ እዩ ዚሕብረና፧ ኣብቲ መንፈሳዊ ገነት ኢልና እንጽውዖ ዅነታት ከም ዘሎና ብንጹር ክንርኢ ንኽእል ኢና። ንየሆዋ እሙናት ኴንና እንተ ቐጺልና: እዚ ዘለናዮ መንፈሳዊ ገነት እታ ብሕጂ እንኣትዋ ምድራዊት ገነት ክትመጽእ ምዃና እዩ ዚሕብረና።

12, 13. ኣብ መንፈሳዊ ገነት ንምንባር እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

12 እንተዀነ ግን: ዕሽሽ ኢልና ኽንርእዮ ዘይብልና ነገር ኣሎ። ኣምላኽ ንእስራኤላውያን “ምእንቲ ኽትሕይሉ ናብታ ኽትርስተይዋ እትሳገርዋ ዘሎኹም ምድሪ ኽትአትውዋን: . . . እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ ሐልዉ” በሎም። (ዘዳግም 11:8) ኣብ ዘሌዋውያን 20:22, 24 ብዛዕባ እታ ምድሪ እቲኣ ኸምዚ ተባህለ:- “እታ ኽትነብሩላ ኢለ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ምድሪ ኸይትተፍአኩምሲ: ኵሉ ሕጋጋተይን ኵሉ ፍርድታተይን ሐልዉን ግበሩን። በልኩኹም ድማ፤ ንስኻትኩም ምድሮም ክትርስተዩ ኢኹም: ኣነ ኸኣ እታ ጸባን መዓርን እትውሕዝ ምድሪ ንርስቲ ኽህበኩም እየ።” እወ: ነታ ምድሪ ተስፋ ምርስታይ: ኣብቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዚህሉ ጽቡቕ ርክብ እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዝዎ እዩ ባቢሎናውያን ኪስዕርዎምን ካብታ መንበሪቶም ኬውጽእዎምን ዝፈቐደሎም።

13 በቲ ዘለናሉ መንፈሳዊ ገነት ንሕጐስ ንኸውን። እቲ ኣከባቢ ዜሐጕስን ዜሐድስን እዩ። ምስቶም ካብቲ ኸም ናይ እንስሳ ዝኣመሰለ ባህሪኦም ኪቕይሩ ዝጸዓሩ ክርስትያናት ሰላም ኣሎና። ሕያዎትን ሓገዝትን ኪዀኑ እዮም ዚጽዕሩ ዘለዉ። እንተዀነ ግን: ኣብ መንፈሳዊ ገነት ንምንባር ምስ እዞም ሰባት እዚኣቶም ጽቡቕ ርክብ ምግባር ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወናን ፍቓዱ ኽንገብርን ኣሎና። (ሚክያስ 6:8) ናብ መንፈሳዊ ገነት ብፍታውና ንመጽእ እኳ እንተ ዀንና: ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ንምዕቃብ ኣበርቲዕና እንተ ዘይዓዪና ግን ክንጠፍእ ወይ ክንወጽእ ንኽእል ኢና።

14. ኣብ መንፈሳዊ ገነት ንምንባር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

14 ሓደ ኻብቲ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ንምቕጻል ዚሕግዘና ኣገዳሲ ረቛሒታት: ካብ ቃል ኣምላኽ ብርታዐ ምርካብ እዩ። ነቲ ኣብ መዝሙር 1:1-3 ዚርከብ ምሳልያዊ ኣዘራርባ እሞ ኣቕልበሉ:- “ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ . . . ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ: ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን: ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ: ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ: ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።” ኣብ ርእሲ እዚውን: እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ብምስንዳው ነቶም ኣብ መንፈሳዊ ገነት ዚነብሩ መንፈሳዊ ምግቢ የዳልወሎም እዩ።—ማቴዎስ 24:45-47

ብዛዕባ ገነት ዘሎካ ኣረኣእያ ምድልዳል

15. ሙሴ ንእስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ኺመርሖም ዘይከኣለ ስለምንታይ እዩ: እንታይ ግን እዩ ርእዩ፧

15 ካልእ መርኣዪ ገነት እውን ኣሎ። እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ን40 ዓመት ኰለል ድሕሪ ምባሎም: ሙሴ ናብቲ ብምብራቕ ርባ ዮርዳኖስ ዚርከብ ጐላጕል ሞኣብ መርሖም። ኣቐዲሙ ብዝፈጸሞ ጌጋ ግን: ንእስራኤላውያን መሪሑ ንዮርዳኖስ ከይሳገር የሆዋ ወሲኑሉ ነይሩ። (ዘሁልቍ 20:7-12፣ 27:12, 13) ሙሴ ንኣምላኽ “ነዛ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ጽብቕቲ ምድሪ: . . . ክርኢ ዀታ ኣሕልፈኒ” ኢሉ ለመኖ። ዋላውን ኪኣትዋ እንተ ዘይከኣለ: እታ ምድሪ ተስፋ “ጽብቕቲ ምድሪ” ኸም ዝዀነት ግን ይፈልጥ ነበረ። እታ ምድሪ ኸመይ ትመስል ዝነበረት ይመስለካ፧—ዘዳግም 3:25-27

16, 17. (ሀ) እታ ጥንቲ ዝነበረት ምድሪ ተስፋ: ካብዛ ሕጂ ዘላ እትፍለ ብኸመይ እያ፧ (ለ) እታ ምድሪ ተስፋ ሓደ እዋን ከም ገነት እያ ነይራ ኢልና ኽንኣምን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

16 እቲ ኸባቢ ሕጂ ኸመይ ይመስል ከም ዘሎ እንተ ርኢኻ: ሑጻ ዝመልኦ ኣጻምእ: ኣኻውሕ ዝመልኦ ምድረ-በዳ: ከምኡውን ብርቱዕ ሃሩር ዘለዎ ቦታ ዀይኑ ኢኻ እትረኽቦ። እንተዀነ ግን: ጥንቲ ኻብዚ እተፈልየ ምንባሩ እኹል መርትዖ ኣሎ። ናይ ማይን ሓመድን ክኢላ ዶ/ር ዋልተር ሲ. ሎውደርሚልክ ኣብ መጽሔት ሳይንትፊክ ኣመሪካን እታ ምድሪ “ሓደ ሽሕ ዓመት ብዝወሰደ ሕማቕ ኣጠቓቕማ ተጐዲኣ እያ” ኢሉ ገለጸ። “እቲ ኣቐዲሙ ልሙዕ ዝነበረ ሕጂ ‘ምድረ-በዳ’ ዀይኑ ዘሎ ምድሪ ብሰንኪ ተፈጥሮ ዘይኰነስ ሰብ ብዘውረዶ ጕድኣት እዩ ኸምኡ ዀይኑ” ኢሉውን ጸሓፈ። አረ እቲ ኽኢላ ዝገበሮ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮስ “እዛ ምድሪ እዚኣ ልምዕቲ ገነት እያ ነይራ።” ስለዚ: ደቅሰብ ነዛ “ልምዕቲ ገነት” ኣበላሸዉዋ። a

17 ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተንብቦ ብምስትንታን: እዚ መደምደምታ እዚ ርትዓዊ ምዃኑ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝሃቦ መረጋገጺ እሞ ዘክሮ:- “እታ ኽትወርስዋ እትሳገርዋ ዘሎኹም ምድርስ: ካብ ሰማይ ዝዘነመ ማይ እትሰቲ ምድሪ ኣኽራንን ለሴታትን እያ: ንሳስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚከናኸና ሃገር [እያ]።”—ዘዳግም 11:8-12

18. ኢሳይያስ 35:2 እታ ምድሪ ተስፋ ኸመይ ከም እትኸውን ነቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዘዘኻኸረቶም ብኸመይ እያ ኽትከውን ዘለዋ፧

18 እታ ምድሪ ተስፋ ብልምዓታን ብፍርያምነታን ኣዝያ እትፍለጥ ብምንባራ: ገለ ቦታታት ጥራይ እኳ ምስ ተጠቕሰ: ገነት እዩ ኣብ ኣእምሮና ዚመጽእ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ፈለማ እስራኤላውያን ካብ ባቢሎን ኪምለሱ ኸለዉ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 35 ዚርከብ ትንቢት ንጹር ኰይኑ ኣሎ። ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “ኣጸቢቑ ኺዕምብብ: ብሓጐስን ብእልልታን ባህ ኪብል: ክብሪ ሊባኖስን ጌጽ ቀርሜሎስን ሳሮንን ኪወሀቦ እዩ: ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንጌጽ ኣምላኽናን ኪርእዩ እዮም።” (ኢሳይያስ 35:2) ኣብዚ ሊባኖስን ቀርሜሎስን ሳሮንን ምጥቃሱ: ንእስራኤላውያን ባህ ዜብል ሓሳብ ኣምጺኡሎም ኪኸውን ኣለዎ።

19, 20. (ሀ) ብግዜ ጥንቲ ሳሮን ከመይ ከም ዝነበረ ግለጽ። (ለ) ብዛዕባ ገነት ዘሎና ተስፋ እነደልድለሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

19 ንኣብነት: ነቲ ኣብ መንጎ ኵድዅዶታት ሰማርያን እቲ ዓብዪ ባሕሪ ወይ መዲተራነያን ባሕሪ ዚርከብ ጐላጕል ሳሮን እስከ ንውሰድ። (ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ ርአ።) እዚ ቦታ እዚ ልሙዕ ብምንባሩ ብዝነበሮ ጽባቐን ፍርያምነትን እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። እኹል ማያት ስለ ዝነበሮ: ንመጓሰ ምሹእ እዩ ነይሩ: ኣብ ሰሜናዊ ኽፋሉ ግን ኣእዋም ዳዕሮ ነበሮ። (1 ዜና መዋእል 27:29፣ መሃልየ መሃልይ 2:1፣ ኢሳይያስ 65:10) ስለዚ: ኢሳይያስ 35:2 ብዛዕባ እቲ ባዲሙ ዝነበረ እሞ ናብ ዝነበሮ ዅነታት ዚምለስ ከም ገነት ዝኣመሰለ ጌጽ ዘለዎ ምድሪ እያ እትዛረብ ነይራ። እቲ ትንቢት እቲ ምስቲ ጳውሎስ ዝረኣዮ ራእይ ብምስምማዕ ነቲ ባህ ዜብል መንፈሳዊ ገነት እውን የመልክት ነበረ። ኣብ መወዳእታ: እዚ ትንቢት እዚ ምስ ካልእ ትንቢታት ተደሚሩ ነታ ደቅሰብ ዚነብሩላ ምድራዊት ገነት ዘሎና ተስፋ የደልድሎ።

20 ኣብ መንፈሳዊ ገነት ኣብ እንነበርሉ እዋን ነዚ ገነት እዚ ዘሎና ሞሳ ኸነዕብዮ: ነቲ ኣብ ምድራዊት ገነት ዘሎና ተስፋ ኸኣ ከነደልድሎ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ብዛዕባ እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦ ነገራት ዘሎና ምርዳእ ብምዕማቝ ኢና ነዚ እንገብሮ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መግለጺታትን ትንቢታትን እተወሰነ ቦታታት ይጠቅስ እዩ። እዚ ኣበይ ከም ዝነበረን ምስ ካልእ ቦታታት ዝነበሮ ርክብ ከመይ ምንባሩን ብዝያዳ ኽትርዳእ ትደሊዶ፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ብኸመይ ከም እትገብሮን እንታይ ጥቕሚ ኸም እትረክብን ክትሕብረካ እያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ደኒስ ባሊ ኣብታ ዘ ጂኦግራፊ ኦቭ ዘ ባይብል (ጂኦግራፍ መጽሓፍ ቅዱስ) ዘርእስታ መጽሓፉ: “ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ እዋን ኣትሒዙ እቲ ኣብቲ ቦታ ዚበቍል ኣትክልቲ ብዙሕ ለውጢ ገይሩ ኪኸውን ኣለዎ” በለ። ስለምንታይ፧ ‘ሰብ ንነዳድን ንህንጸትን ዕንጨይቲ ስለ ዝደለየ: ነቲ ኣእዋም ኪቘርጾ ጀመረ: ነታ ምድሪ ኸኣ ነቲ ዘየናሕሲ ዅነታት ኣየር ኣቃልዓ። ሰብ ኣብ ኣከባቢ ጣልቃ ብምእታዉ: እቲ ክሊማ ተቐየረ እሞ: ኣብ ምዕናው እቲ ኸባቢ ቐንዲ ረቛሒ ዀነ።’

ትዝክሮዶ፧

• ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ “ገነት” እዩ ብራእይ ዝረኣየ፧

ኢሳይያስ ምዕራፍ 35 ፈለማ እንታይ ፍጻመ እዩ ነይርዋ: ምስቲ ጳውሎስ ዝረኣዮ ራእይከ እንታይ ምትሕሓዝ ነበራ፧

• ብዛዕባ መንፈሳዊ ገነትን ተስፋ ምድራዊ ገነትን ዘሎና ሞሳ ዀነ ምርዳእ ብኸመይ ከነዕብዮ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ጐላጕል ሳሮን ኣብ ምድሪ ተስፋ ዚርከብ ፍርያም ቦታ እዩ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ሙሴ “ጽብቕቲ ምድሪ” ምንባራ ኣስተውዓለ