ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም መንእሰያት ልብኹም ክትሕልዉ ወለድኹም ይሓግዙኹም!

ኣቱም መንእሰያት ልብኹም ክትሕልዉ ወለድኹም ይሓግዙኹም!

ኣቱም መንእሰያት ልብኹም ክትሕልዉ ወለድኹም ይሓግዙኹም!

ንሓደ ሓለቓ መርከብ ወይ ካፕተን ዜጋጥሞ እቲ ዝኸፍአ ኣጸጋሚ ዅነታት እንታይ ይመስለካ፧ ሰፊሕ ውቅያኖስ ብሰላም ምስጋር ድዩ፧ መብዛሕትኡ ግዜ ኣይኰነን። መራኽብ ዚስበራ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዘይኰነስ ኣብ ገማግም እዩ። እቲ ዜገርም ከኣ ነፋሪት ካብ ምዕላብ: መርከብ ኣብ መዐሸጊኣ ምእታው ዝያዳ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧

ሓደ ሓለቓ መርከብ ነታ መርከብ ኣብ ወደብ ቅድሚ ምዕሻጉ: ኣብቲ ወደብ ኬጋጥሞ ኻብ ዚኽእል ሓደጋታት ኪጥንቀቕ ኣለዎ። ምስ ካልኦት መራኽብ ምእንቲ ኸይጋጮ ብዛዕባ ውሽጣዊ ማዕበል ኪፈልጥ ኣለዎ። ካብ ድበት ወይ ጒላ ሑጻ: ካብ ኣኻውሕ: ካብ ኣብ ትሕቲ ማይ ዘሎ ስብርባር ናይ ዝዓነዋ መራኽብ ኪጥንቀቕ ይግባእ። ነቲ ወደብ ቅድሚ ሕጂ ዘይፈልጦ እንተደኣ ዀይኑ ኸኣ ዝያዳ ጥንቃቐ የድልዮ።

ሓደ በሊሕ ሓለቓ መርከብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሽግራት ኪሓልፍ እንተ ዀይኑ: ነቲ ኸባቢ ኣጸቢቑ ዚፈልጥ መራሕ መርከብ ወይ ፓይለት ንዚህቦ ሓገዝ ይጥቀመሉ እዩ። እቲ መራሕ መርከብ ኣብ ጥቃ እቲ ሓለቓ መርከብ ደው ኢሉ እዩ ዚሕብሮ። ክልቲኦም ተሓጋጊዞም ድማ ብዘይ ገለ ጸገም ጸበብቲ መትረብ እኳ ኺሓልፉ ይኽእሉ እዮም።

እዚ ዜደንቕ ክእለት እቲ መራሕ መርከብ: ነቶም ንዜጋጥሞም ፈተናታት ንምስጋር መደብ ኬውጽኡ ዘለዎም ክርስትያን መንእሰያት እተዳልወሎም ብዋጋ ዘይሽነን ሓገዝ እዩ ዚመስል። እዚ ሓገዝ እዚ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ እዩ ንመንእሰያት ዜድልዮም፧

ብዛዕባ መርከብ ዝጀመርናዮ መብርሂ እሞ ንርአ። እኹል ሰብ እንተደኣ ዄንካ: ልክዕ ከምቲ ሓለቓ መርከብ ንስኻውን ብዛዕባ ህይወትካ ሓላፍነት ምውሳድካ ዘይተርፍ እዩ። ወለድኻ ድማ ከምቲ መራሕ መርከብ ዚገብሮ ነቲ ዜጋጥመካ ኣዝዩ ጽንኩር ኵነታት ንኽትዋጽኣሉ ይመርሑኻ እዮም። ይኹን እምበር: ኰተቴ ኸለኻ ምኽሪ ወለድኻ ምስማዕ የጸግመካ ይኸውን። ስለምንታይ፧

መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሽግር ኣብ ልቢ እዩ ዘሎ። ምሳልያዊ ልብኻ: ነቲ እተኸልከለ ነገር ንኽትብህጎ ወይ ድማ ናጽነትካ ዚቕይድ ኰይኑ እተሰመዓካ ዝዀነ ይኹን ነገር ንኽትቃወሞ ይደፋፍኣካ ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ “ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ” ይብል። (ዘፍጥረት 8:21) ኣብ ቅድሜኻ ኣጸጋሚ ዅነታት ከም ዜጋጥመካ የሆዋ ንጹር ገይሩልካ እዩ። “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ: መንከ የስተውዕሎ፧” ኢሉ ኸኣ የጠንቅቐካ። (ኤርምያስ 17:9) ልቢ ሓደ መንእሰይ ክፉእ ትምኒት ምምናይ ጥራይ ዘይኰነስ: ንሱ ኻብቶም ተመክሮ ዘለዎም ወለዱ ዝያዳ ዚፈልጥ ኰይኑ ኸም ዚስምዖ ገይሩ የታልሎ። እንተዀነ ግን: ነዚ ኣጸጋሚ ዝዀነ ዕድመ ኰተቴ ንምሕላፍ ሓገዝ ወለድኻ እትደልየሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎካ።

ንወለድኻ ኽትእዘዝ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ልዕሊ ዅሉ: በቲ መስራቲ ስድራቤት ዝዀነ የሆዋ ትእዛዝ ወለድኻ ኽትሰምዕ ተኣዚዝካ ኢኻ። (ኤፌሶን 3:15) ኣምላኽ ንወለድኻ ኺከናኸኑኻ ሓላፍነት ሂብዎም እዩ: ንዓኻውን “ኣቱም ውሉድ: እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ: ንወለድኹም ብጐይታ ተአዘዝዎም” ዚብል ማዕዳ ሂቡካ ኣሎ። (ኤፌሶን 6:1-3፣ መዝሙር 78:5) ዋላኳ ኣብ ዕድመ ኰተቴ እንተለኻ: ወለድኻ መምርሒ ኺህቡኻ ሓላፍነት ኣለዎም: ንስኻ ኸኣ ንኽትእዘዞም ግዴታ ኣሎካ። ሃዋርያ ጳውሎስ ውሉዳት ንወለዶም ኪእዘዙ ኸም ዘለዎም ኪጽሕፍ ከሎ እተጠቐመላ ናይ ግሪኽ ቃል: ዕድሜኦም ብዘየገድስ ንዅሎም ውሉዳት እያ እተመልክት። ንኣብነት: የሱስ ኣብ ማቴዎስ 23:37 ንተቐማጦ ኸተማ የሩሳሌም “ደቅኺ” እኳ እንተ በሎም: መብዛሕትኦም ግን ብዕድመ ዓበይቲ እዮም ነይሮም።

ኣብ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰብኡት: ዓበይቲ ምስ ኰኑ እውን ንወለዶም ይእዘዙ ነበሩ። ያእቆብ ዓብዪ ሰብኣይ እኳ እንተ ነበረ: ኣቦኡ ኻብተን ንየሆዋ ዘየምልኻ ኣዋልድ ንኸየእቱ ምስ ኣዘዞ ሰሚዕዎ እዩ። (ዘፍጥረት 28:1, 2) ያእቆብ: እተን ሓዉ እተመርዓወን ኣረማውያን ዝዀና ከነኣናውያን: ንልቢ ወለዱ ኸመይ ከም ዘጕሃያ ይርኢ ነይሩ እዩ።—ዘፍጥረት 27:46

ክርስትያን ወለድኻ ኣብ ርእሲ እቲ ንኺመርሑኻ ኣምላኽ ዚሃቦም ሓላፍነት: ንኺምዕዱኻ እውን ዝበለጸ ብቕዓት ኣለዎም። ከምዚ እንብለሉ ምኽንያት ድማ: ቅድም ቀዳድም ኣጸቢቖም እዮም ዚፈልጡኻ: ንነዊሕ ዓመታት ድማ ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ኣርእዮምኻ እዮም። ንሳቶም እውን ልክዕ ከምቲ ሓለቓ መርከብ ካብ ተመክሮ ተበጊሶም እዮም ዚዛረቡ። “ትምኒት ጕብዝና” ሓሊፎምዎ እዮም። ከም ናይ ሓቂ ክርስትያናት መጠን ድማ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምእዛዝ ዘለዎ ጥቕሚ ብብሕቶም ርእዮምዎ እዮም።—2 ጢሞቴዎስ 2:22

በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ተጠቒምካ ብዘይ ገለ ጸገም ንዜጋጥመካ ኣሸጋሪ ዅነታት ክትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ምስ ኣንጻር ጾታ ዘሎካ ርክብ ንውሰድ። ክርስትያን ወለድኻ ኣብዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳይ ብኸመይ ይመርሑኻ

ናብ ኣንጻር ጾታ ምስሓብ

መራሕቲ መርከብ ንሓላቑ መርከብ ካብ ድበት ኣዝዮም ኪርሕቁ እዮም ዚመኽርዎም። ድበት ድኹም ይመስል እምበር ኣቀማምጣኡ ብቐጻሊ ስለ ዚቀያየር መታለሊ እዩ። ብተመሳሳሊ እውን ወለድኻ ኣብ መፈንጠራ ኻብ ዜእትወካ ዅነታት ንኽትርሕቕ እዮም ዚደልዩኻ። ንኣብነት: ኣብ ኣንጻር ጾታ ዚህሉ ስምዒት ምግላጹ ኣጸጋምን ዓሚቝን ከም ዝዀነ ይፈልጡ እዮም። እዚ ስምዒት እዚ ሓንሳእ ምስ ተለዓዓለ ግን ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ክሳዕ ምስባር መርከብ ኬብጽሓካ ይኽእል እዩ።

ኣብነት ዲና ኻብቲ ሓደጋ ዜምጽእ ነገራት ዘይምርሓቕ ዜስዕቦ ጕድኣት እዩ ዜርእየና። ምናልባት ነቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ነገራት ንምፍላጥ ዝነበራ ሃንቀውታ ወይ ድማ ክትዘናጋዕ ዝነበራ ድሌት ምስተን ብስነ-ምግባር ብልሽዋት ዝነበራ ከነኣናውያን ከም እትመሓዞ ገይርዋ ኪኸውን ይኽእል። እቲ መጀመርያ ምንም ጕድኣት ዘይብሉ ዚመስል ዝነበረ መዘናግዒ: ደሓር ግን በቲ ኣብታ ኸተማ ‘ኻብ ዘለዉ ዅሎም ዝኸበረ’ እተባህለ ሰብ ብምንዋራ መወዳእታኡ ዜሕዝን ነበረ።—ዘፍጥረት 34:1, 2, 19

ልክዕ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ኣብዛ እንነብረላ ብጾታ ዓበድበድ ኢላ ዘላ ዓለም መሊኡ እዩ ዘሎ። (ሆሴእ 5:4) መብዛሕትኦም መንእሰያት ምስ ኣንጻር ጾታ ምዝንጋዕ እቲ ኣዝዩ ዜሕጕስ ነገር ከም ዝዀነ እዩ ዚስምዖም። ምስ ሓደ መልክዑ ዚማርኸካ ሰብ ንበይንኻ ብዛዕባ ምዃን ክትሓስብ ከለኻ ልብኻ ብሓጐስ ፍንጭሕ ትብል ትኸውን። ይኹን እምበር: እቶም ፈቃራት ወለድኻ ስርዓታት ኣምላኽ ምስ ዘየኽብሩ መንእሰያት ንኸይትተዓራረኽ ይኽልክሉኻ እዮም።

መንእሰያት ሓድሽ ነገር ንምፍላጥ ዘለዎም ህንጥዮት ኣብ ሓደጋ ኸም ዜውድቖም ሎራ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ኢላ ትዛረብ:- “ኣብ ክፍለይ ዘለዋ ኣዋልድ ምስ ገለ መልክዐኛታት ኣወዳት ምሉእ ለይቲ ኺስዕስዓ ኸም ዚሓደራ እሞ እዚ ድማ ፈጺምካ ዘይርሳዕ ከም ዝዀነ ኣምሲለን እየን ዚነግራኒ። መብዛሕትኡ ግዜ የጋንና ኸም ዘለዋ እኳ እንተ ተረድኣኒ: ብውሽጠይ ግን ሃንቀውታ ይሓድረኒ: ብዙሕ ሓጐስ ይሓልፈኒ ኸም ዘሎ ድማ ይስመዓኒ እዩ። ወለደይ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ክኸይድ ዘይምፍቃዶም ትኽክል ምዃኑ እኳ እንተ ፈለጥኩ: ልበይ ግን ይፍተን እዩ።”

መርከብ ልጓም ስለ ዘይብላ ደው ከተብላ ነዊሕ እዩ ዚወስድ። ስምዒት እውን ተመሳሳሊ ምዃኑ ወለዲ ይፈልጡ እዮም። መጽሓፍ ምሳሌ ስምዒቱ ዘይገትእ ሰብ ምስ ናብ ማሕረዲ ዚዅብኰብ ብዕራይ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ምሳሌ 7:21-23) መቸም ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳውን ስምዒታውን መስበርቲ ኼጋጥመካ ኸም ዘይትደሊ ፍሉጥ እዩ። ወለድኻ ልብኻ በዚ መዳይ እዚ ኼታልለካ ኺጅምር ከሎ ርእዮም: ተግሳጽ ይህቡኻ ይዀኑ። ንተግሳጾም ሰሚዕካ ኻብቲ ኼጋጥመካ ዚኽእል ሓደጋ ንምምላጥ ጥበብ ኣላትካዶ፧—ምሳሌ 1:8፣ 27:12

ናይ መዛኑ ጸቕጢ ንምጽዋር እውን ሓገዝ ወለድኻ የድልየካ እዩ። ብኸመይከ እዮም ኪሕግዙኻ ዚኽእሉ፧

ናይ መዛኑ ጸቕጢ ዘለዎ ጽልዋ

ብርቱዕ ማዕበል ወይ ዋሕዚ ንሓንቲ መርከብ ካብ መገዳ ኼስሕታ ስለ ዚኽእል: እታ መርከብ ናብ ኣንጻሩ ገጻ ኽትምራሕ ኣለዋ። ብተመሳሳሊ እውን: ናይ መዛኑ ጸቕጢ ኻብ መንፈሳዊ መገድና ምእንቲ ኸየውጸኣና: ንዕኡ እንጻወረሉ ስጕምትታት ኪንወስድ የድልየና እዩ።

ካብ ኣብነት ዲና ኸም ዝረኣናዮ: “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን።” (ምሳሌ 13:20) መጽሓፍ ቅዱስ “ዓያሱ” ዚብሎም ነቶም ንየሆዋ ዘይፈልጡ ወይ ድማ ብመገድታቱ ኪኸዱ ዘይደልዩ ምዃኑ ዘክር።

በተሓሳስባኻን ብግብርኻን ካብ መማህርትኻ ምፍላይ ቀሊል ኰይኑ ኣይትረኽቦን ትኸውን። ማሪያ ሆሴ “በቶም ካልኦት መንእሰያት ተቐባልነት ክረክብ ደለኹ። ካብኣቶም ከይፍለ ኢለ ድማ ብእተኻእለኒ መጠን መሰልክዎም” በለት። ንስኻውን ከይተፈለጠካ ኣብ ሙዚቃ እትገብሮ ምርጫ: ኣብ ኣከዳድናኻ: ወይ ድማ ኣብ ኣዛራርባኻ: መዛኑኻ ጽልዋ ኣሕዲሮምልካ ይዀኑ እዮም። ምስ መሳቱኻ ኽትከውን ምድላይ ባህርያዊ እኳ እንተዀነ: ናብቲ ኼጥፍኣካ ዚኽእል ናይ መዛኑ ሓያል ጸቕጢ ዜቃልዕ እዩ።—ምሳሌ 1:10-16

ካሮሊን ብዛዕባ ቕድሚ ቕሩብ ዓመታት ዜጋጠማ ጸግም ክትዝክር ከላ “ካብ 13 ዓመተይ ጀሚረ ዅለን መሓዙተይ ኣዕሩኽቲ ነበርወን: ስለዚ ንሓያሎ ዓመታት ኣብነተን ክስዕብ ኵሉ ሳዕ ጸቕጢ ይገብራለይ ነበራ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ኣጸጋሚ እዋን ሓገዝ ኣደይ ኣይተፈለየንን። ንሰዓታት ኮፍ ኢላ ትሰምዓኒ: ብመርትዖ ተረድኣኒ: ምስ ኣንጻር ጾታ ኸምዚ ዓይነት ርክብ ንኽምስርት በተሓሳስባይ ክሳዕ ዝበስል ክጸንሕ ከም ዘሎኒ ንኽግንዘብ ትሕግዘኒ ነበረት” ትብል።

ወለድኻውን ከም ኣደ ካሮሊን መዛኑኻ ብዛዕባ ዜሕድሩልካ ጸቕጢ ኼጠንቅቑኻ ወይ ድማ ምስ እተወሰኑ ሰባት ዕርክነት ከይትገብር ወይ ከኣ ናብ እተወሰኑ ቦታታት ከይትኸይድ ኪኣብዩኻ ሓላፍነት ይስምዖም ይኸውን። ናታን ኣብ ከምዚ ጕዳያት ምስ ወለዱ እተጋጨወሉ እዋን ኪዝክር ከሎ “መብዛሕትኡ ግዜ ኣዕሩኽተይ ምስኦም ክዘናጋዕ ይዕድሙኒ ነበሩ። ወለደይ ግን ምስ ኣዕሩኽተይ ግዜ ኸሕልፍ ወይ ከኣ ዚቈጻጸሮ ኣብ ዘይብሉ ትልሂታት ክኸይድ ኣየፍቅዱለይን እዮም ነይሮም። ሓድሓደ ግዜ ስለምንታይ ካልኦት ወለዲ ኻብ ወለደይ ንላዕሊ ንደቆም ናጽነት ከም ዚህብዎም ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ” በለ።

ጸኒሑ ግን ናታን ተረድኦ እሞ ኸምዚ ድማ በለ:- “‘ልበይ ዕሽነት ተቘራንይዎ’ ኸም ዝነበረ ፈሊጠ እየ። እዚ ዕሽነት እዚ ኣወዳት ብሓንሳብ ኪእከቡ ኸለዉ በጨቕ እዩ ዚብል። ሓደ ኻብኣቶም እከይ ይጅምር: ካብኡ እቲ ኻልኣይ ገለ ይውስኸሉ: እቲ ሳልሳይ ከኣ ዝገደደ ይገብር። ነዊሕ ከይጸንሐ ንዅሎም እቶም ምሳታቶም ዘለዉ ኺሓብርዎም ይደፋፍእዎም። እቶም ንየሆዋ ነገልግል ኢና ዚብሉ መንእሰያት እኳ ኸይተረፉ በዚ ኸምዚ ዝበለ መፈንጠራ ይወድቁ” በለ።—ምሳሌ 22:15

ናታንን ማሪያ ሆሴን ወለዶም ከም መሳቱኦም ከይገብሩ ዚኣዘዝዎም ንምስማዕ ምስ ልቦም ኪቃለሱ ነበሮም። ምእዛዞም ግን ንዳሕራዩ ኣሐጕስዎም እዩ። እቲ ምስላ “እዝንኻ ጽሎ: ቃላት ጠቢባን ከኣ ስማዕ: ብልብኻ ናብ ፍልጠተይ ኣቕልብ” እዩ ዚብል።—ምሳሌ 22:17

ክብሪ ዚግብኦም

ዝዛዘወት መርከብ ምምራሓ ጸገም እዩ: አረ ኣጸቢቓ እንተ ዛዝያስ ክትግልበጥ እውን ትኽእል እያ። ንሕና ዅላትና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና ናብ ስስዐን ናብ እተኸላእናዮ ዘበለን ኢና እንዝንብል። ንመምርሒ ወለዶም ብጥንቃቐ ዚሰምዑ መንእሰያት ዋላኳ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዝንባለታት እንተለዎም: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ብሰላም ኣብ ወደብ ኪበጽሑ ይኽእሉ እዮም።

ንኣብነት: ወለድኻ ነቲ ኣብ መንጎ እታ ናብ ህይወት እትወስድ ጸባብ መገድን እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ገፋሕ መገድን ሓንቲ ማእከለይቲ መገዲ ኣላ ዚብል ኣተሓሳስባ ንኸይትቕበል ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። (ማቴዎስ 7:13, 14) ሕጊ ኣምላኽ ከየፍረስካ ኻብቲ ጌጋ ቕሩብ ምጥዓም ዘይመስል እዩ። እቶም ከምዚ ንምግባር ዚፍትኑ ‘ናብ ክልቲኡ ወገን እዮም ዚሕንክሱ:’ በቲ ሓደ ንየሆዋ የገልግሉ በቲ ሓደ ኸኣ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ይፈትዉ: ውዒሎም ሓዲሮም ከኣ ብመንፈሳዊ መገዲ ይግልበጡ። (1 ነገስት 18:21፣ 1 ዮሃንስ 2:15) ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዚኸውን፧ ምኽንያቱ ናብ ሓጢኣት ዝዘምበልና ኢና።

ነቲ ፍጽምና ዝጐደሎ ትምኒትና ኸነርዊ ብዝጸዓርና መጠን: እናሓየለ እዩ ዚኸይድ። እቲ ‘ጐራሕ ልብና’ ብንእሽቶ ነገር ጥራይ ዚዓግብ ኣይኰነን: የግዳስ: ዝያዳ እዩ ዚደሊ። (ኤርምያስ 17:9) ሓንሳእ ብመንፈሳዊ መገዲ ኽንጠፍእ ምስ ጀመርና: ዓለም እተሕድረልና ጸቕጢ እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ። (እብራውያን 2:1) ብመንፈሳዊ መገዲ ትዛዙ ወይ ትዝምብል ምህላውካ ንዓኻ ኣይፍለጠካን ይኸውን: ወለድኻ ግን የስተብህልሉ እዮም። ሓቂ እዩ ብዛዕባ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም ከማኻ ቐልጢፉ ኣይርድኦምን ይኸውን: ብዛዕባ ጐራሕ ልቢ ግን ካባኻ ንላዕሊ እዮም ዚፈልጡ። በቲ ህይወት ዜውህበካ መዳይ ‘ንልብኻ ብመገዲ ኸተቕንዕ’ ኪሕግዙኻ እዮም ዚደልዩ።—ምሳሌ 23:19

ወለድኻ መራጺ ምዃን ኣብ ዜድልየሉ ኸም ሙዚቃ: መዘናግዒ: ኣከዳድና ዝኣመሰሉ መዳያት መምርሒ ኺህቡኻ ኸለዉ ኣብ ምምዝዛኖም ጐደሎ ዘይብሎም ከም ዚዀኑ ጌርካ ኣይትጸበ። ከም ናይ ሰሎሞን ዝበለ ጥበብ ወይ ድማ ከም ናይ እዮብ ዝኣመሰለ ትዕግስቲ ኣይህልዎምን ይኸውን። ሓደጋ ምእንቲ ኸየጋጥመካ ኢሎም ልክዕ ከም መራሕ መርከብ ኣመና ይቘጻጸሩኻ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ‘ንተግሳጽ ኣቦኻ እንተ ሰሚዕካ: ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ እንተ ዘይሓዲግካ:’ ብዙሕ ኢኻ እትጥቀም።—ምሳሌ 1:8, 9

ካልኦት መንእሰያት ንወለዶም የስተናዕቕዎም ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ወለድኻ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ኺስዕቡ ዚጽዕሩ እንተደኣ ዀይኖም: ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ሃሉ ወይ ዝዀነ ዓይነት ፈተና የጋጥመካ ብዘየገድስ ኵሉ ሳዕ ኣብ ጐድንኻ እዮም። ብመገዲ ጥበብ ምእንቲ ኽትመላለስ ልክዕ ከምቲ ሓለቓ መርከብ ካብቲ ተመክሮ ዘለዎ መራሕ መርከብ ምኽሪ ዚቕበል: ንስኻውን መምርሒ ወለድኻ ኽትሰምዕ ይግባእ። ማእለያ ዘይብሉ ዓስቢ ድማ ትረክብ።

“ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትአቱ እያ: ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ እሞ: ካብ ክፉእ መገዲ: ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት ከተናግፈካስ: ምኽሪ ኽትሕልወካ: ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ። ንሳቶም ብመገዲ ጸልማት ምእንቲ ኺመላለሱስ: ንመገዲ ቕንዕና ይሐድግዋ: እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ: እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ: እምበኣርሲ ንስኻ ኣብታ መገዲ ሰናያት ተመላለስ: ንመገዲ ጻድቃንውን ሐልዋ።”—ምሳሌ 2:10-13, 21

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ናይ መዛኑ ጸቕጢ መንፈሳዊ መገድኻ ኼስሕተካ ይኽእል እዩ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ንዲና ዘጋጠማ ዘክር

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ከምቲ ሓለቓ መርከብ ካብ ተመክሮ ዘለዎ መራሕ መርከብ ምኽሪ ዚቕበል: መንእሰያት ካብ ወለዶም መምርሒ ኪቕበሉ ኣለዎም

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Photo: www.comstock.com