ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ “ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን” መን እዩ፧

እቲ “ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን” መን እዩ፧

እቲ “ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን” መን እዩ፧

እቲ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ የሆዋ እዩ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ። ንሱ ፈጣርን ነቶም ዜፍቅርዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚህብን እዩ። ብዙሓት መጽሓፍ ቅዱስ ዜንብቡን ዚኣምኑሉን ሰባት ነዚ ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ቐሪቡ ዘሎ ሕቶ ኸምኡ ኢሎም እዮም ዚምልሱ። እወ: የሱስ ባዕሉ እኳ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ።—ዮሃንስ 17:3

ሓያሎ ተሳለምቲ ኣብያተ-ክርስትያን ግን ነዛ ሕቶ እዚኣ ብኻልእ መገዲ እዮም ዚርድእዋ። እተን ኣብዛ ኣርእስቲ ዘለዋ ቓላት ካብ 1 ዮሃንስ 5:20 እተወስዳ ዀይነን እተወሰነ ኽፋል እታ ጥቕሲ “ንሕና ኣብቲ ብዓል ሓቂ: ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኢና ዘሎና። እዚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ” ትብል።

ኣብ ሰረተ-እምነት ስላሴ ዚኣምኑ ሰባት እቲ “እዚ” (ሆቶስ) ዚብል ኣመልካቲ ተውላጠ ስም ነቲ ጥቓኡ ዘሎ ስም እዩ ዜመልክት ይብሉ። የሱስ “ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን” ከም ዝዀነ ይዛረቡ። እዚ ኣተራጕማ እዚ ግን ምስ ዝተረፈ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ዚጋጮ እዩ። ሓያሎ ኣኽቢርካ ዚረኣዩ ምሁራን እውን ነዚ ሰዓብቲ ሰረተ-እምነት ስላሴ ዜምጽእዎ ኣረኣእያ ኣይቅበልዎን እዮም። ኣብ ካምብሪጅ ዩኒቨርሲቲ ዚዓዪ ቢ. ኤፍ. ወስትኮት “[ሆቶስ ዚብል ተውላጠ ስም] ነቲ ኣብ ቀረባኡ ዘሎ ብዓል ቤት (subject) ዘይኰነስ: ነቲ እቲ ሃዋርያ ዚዛረበሉ ዘሎ ብዓል ቤት እዩ ዜመልክት ምባል እዩ ርትዓዊ” ኢሉ ጸሓፈ። ሃዋርያ ዮሃንስ ከኣ ብዛዕባ ኣቦ የሱስ እዩ ዚዛረብ ዝነበረ። ኤሪኽ ሃዩፕት ዚበሃል ጀርመናዊ ናይ ሃይማኖት ምሁር ከምዚ በለ:- “እቲ ኣብ ዚቕጽል ሓሳብ ተጠቒሱ ዘሎ [ሆቶስ] ካብቲ ቀቅድሚኡ ዚርከብ ብዓል ቤት . . . ወይ ካብቲ ርሕቕ ኢሉ እተጠቕሰ ብዓል ቤት: ማለት ኣምላኽ: ነየናይ ከም ዜመልክት ኪውሰን ኣለዎ። . . . እቲ ብዛዕባ ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚገልጽ ምስክርነት: ንመለኮትነት ክርስቶስ ዚገልጽ ዘይኰነስ ምስቲ ኣብ መወዳእታ ኻብ ጣኦታት ብዛዕባ ምሕላው እተዋህበ መጠንቀቕታ እዩ ብዝያዳ ዚሰማማዕ ዚመስል።”

እታ ኣብ ሮማ ብዚርከብ ጳጳሳዊ ትካል መጽሓፍ ቅዱስ እተሓትመት ኤ ግራማቲካል ኣናሊስስ ኦቭ ዘ ግሪክ ኒው ተስታመንት (ብዛዕባ ናይ ግሪኽኛ ሓድሽ ኪዳን ዚገልጽ ሰዋስዋዊ ትንተና) እውን ከይተረፈት “[ሆቶስ]:- ኣብ መዛዘሚ [ቍጽሪ] 18-20 ዚርከብ: ነቲ ኣንጻር ኣረማውነት (ቍ. 21) እተጠቕሰ ህያውን ሓቅን ዝዀነ ኣምላኽ ከም ዜመልክት ዳርጋ እተረጋገጸ እዩ” በለት።

መብዛሕትኡ ግዜ እታ “እዚ” ወይ “ንሱ” ተባሂላ እትትርጐም ሆቶስ ብኡንብኡ ነቲ ቕድሚኡ ዘሎ ብዓል ቤት ኣይኰነትን እተመልክት። ንኣብነት: ሉቃስ ብተመሳሳሊ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 4:10, 11 ነታ ተውላጠ ስም እቲኣ ተጠቒሙላ ኣሎ። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል:- “ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ እሞ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ የሱስ ክርስቶስ ናዝራዊ: ብእኡ እዚ ኣብ ቅድሜኹም ጥዕዩ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ: ኣብ ኵላትኩምን ኣብ ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ይፈለጥ። እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዐቕኩምዎ እሞ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ እምኒ: ንሱ [ሆቶስ] እዩ።” እታ ሆቶስ ደድሕሪ እቲ ዝጠዓየ ሰብኣይ እኳ እንተ ተጠቕሰት: እታ “ንሱ” እትብል ኣመልካቲት ስም ንዕኡ ኸም ዘይተመልክት ንጹር እዩ። እታ ኣብ ቍጽሪ 11 ዘላ “ንሱ” እትብል ቃል ነቲ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተሰረተትሉ ‘እምኒ መኣዝን’ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ናዝራዊ ኸም እተመልክት እተረጋገጸ እዩ።—ኤፌሶን 2:20፣ 1 ጴጥሮስ 2:4-8

እዚ ጥቕስታት እዚ ነቲ ዳንኤል ዋላስ ዚበሃል ግሪኻዊ ምሁር ዝሃቦ ሓሳባት ዚድግፍ እዩ። ብዛዕባ እቲ ግሪኽኛ ዚጥቀመሉ ኣመልካቲ ተውላጠ ስም “እቲ ጥቓኡ ዚርከብ ስም: ኣብ ኣእምሮ እቲ ደራሲ ዘሎ ስም ከይከውን ይኽእል እዩ” በለ።

እቲ “ብዓል ሓቂ”

ከምቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝጸሓፎ: እቲ “ብዓል ሓቂ” ተባሂሉ ዘሎ እቲ ኣቦ የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ የሆዋ እዩ። ንሱ በይኑ ጥራይ እዩ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ፈጣርን። ሃዋርያ ጳውሎስ “ንኣናስ ኵሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ: ኣቦ: አሎና” ኢሉ ኣፍልጦ ሃበ። (1 ቈረንቶስ 8:6፣ ኢሳይያስ 42:8) የሆዋ እቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:20 ተጠቒሱ ዘሎ “ብዓል ሓቂ” ምዃኑ ዜረጋግጽ ካልእ መርትዖ: ንሱ ምንጪ ሓቂ ምዃኑ እዩ። የሆዋ ኣብ ኵሉ እቲ ዚገብሮ እሙንን ዘይሕሱን ብምዃኑ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣምላኽ ሓቂ” ብምባል ጸዊዕዎ ኣሎ። (መዝሙር 31:5፣ ዘጸኣት 34:6፣ ቲቶስ 1:2) እቲ ወዲ ኸኣ ንሰማያዊ ኣቦኡ “ቃልካ ሓቂ እዩ” በሎ። የሱስ ብዛዕባ እቲ ዚምህሮ ትምህርቲ ድማ “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር: ናተይ ኣይኰነን” በለ።—ዮሃንስ 7:16፣ 17:17

የሆዋ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” እውን እዩ። ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኪኸውን ከሎ: ብክርስቶስ ኣቢሉ እውን ነቲ ውህበት ጸጋ ዝዀነ ህይወት ይህበና። (መዝሙር 36:9፣ ሮሜ 6:23) ሃዋርያ ጳውሎስ እምበኣር ኣምላኽ “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦም” ምዝራቡ ኣገዳሲ እዩ። (እብራውያን 11:6) ኣምላኽ ንወዱ ኻብ ምዉታት ብምትንሳእ ዓስቡ ሃቦ: ነቶም ብምሉእ ልቦም ዜገልግልዎ ድማ እዚ ኣቦ እዚ ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 26:23፣ 2 ቈረንቶስ 1:9

ስለዚ: ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና ኽንበጽሕ ዘሎና፧ እቲ “ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን” ተባሂሉ ዘሎ የሆዋ ደኣ እምበር ካልእ ከም ዘይኰነ ኽንድምድም ይግባእ። ንሱ ጥራይ እዩ ኻብቶም ፍጡራቱ ንበይኑ ኣምልኾ ኺወሃቦ ዚግባእ።—ራእይ 4:11