ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ክርስትያናዊት ጉባኤ ንህርፋን ብኸመይ እያ ኽትምልከቶ ዘለዋ፧

ቃል ኣምላኽ: ስኽራንን ህርፋንን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከርሕቕዎ ዘለዎም ተግባር ከም ዝዀነ ገይሩ ይዅንኖ እዩ። ስለዚ: እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንሓደ ዕሉል ህሩፍ ምስቲ ዕሉል ሰኽራም ሓደ ገይራ እያ እትምልከቶ። ሰኽራም ይኹን ህሩፍ ክፍሊ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም።

ምሳሌ 23:20, 21 ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ: ድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ እሞ: ኣብ ማእከል ሰተይቲ ወይኒ: ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን።” ዘዳግም 21:20 ብዛዕባ ሓደ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ብሞት ኪቕጻዕ ዘለዎ “ህልኸኛን ዓመጸኛን” ውልቀ-ሰብ ትገልጽ። ብመሰረት እዛ ጥቕሲ እዚኣ: እቲ ዓመጸኛን ዘይናሳሕን ውልቀ-ሰብ ዝልለየሉ ኽልተ ጠባያት “ህሩፍን ሰካርን” ምንባሩ እዩ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ኣብቶም ንኣምላኽ ኬገልግሉ ዚብህጉ ሰባት ህርፋን ዘይቅቡል ተግባር እዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር: ህርፋን እንታይ እዩ ዜጠቓልል ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሐፉትከ ብዛዕባ እዚ እንታይ እዩ ዚብል፧ ህሩፍ “ስሱዕ: ሃርጓፍ (ንምግቢ: ወዘተ)” ዚብል ትርጕም እዩ ዘለዎ። ስለዚ: ህርፋን ሓደ ዓይነት ስስዐ እዩ: ቃል ኣምላኽ ከኣ “ስሱዓት” ካብቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘይወርሱ ሰባት ምዃኖም እዩ ዚነግረና። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ ፊልጲ 3:18, 19፣ 1 ጴጥሮስ 4:3) ኣብ ርእሲ እዚውን ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ካብ “ግብሪ ስጋ” ኪርሕቑ ኼጠንቅቖም ከሎ “ስኽራን: ጓይላ: [“ቀይዲ በተኽ ድግስ:” NW] ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን” ጠቒሱ ኣሎ። (ገላትያ 5:19-21) ዚበዝሕ ግዜ መስተን ቀይዲ በተኽ ድግስን እንተደኣ ኣልዩ ኸኣ ካብ መጠን ንላዕሊ ምብላዕ ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ብዘይዚውን: ህርፋን ምስቲ “ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን” ዚብል ቃላት ጳውሎስ ተጠቓሊሉ ኸም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ሓደ ክርስትያን ህሩፍ ብምዃን ምስ ዚፍለጥ እሞ ነዚ ናይ ስስዐ ባህርያቱ ኸቋርጾ ምስ ዘይደሊ ኻብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺውገድ ኣለዎ።—1 ቈረንቶስ 5:11, 13 a

ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ሰካርን ህሩፍን ሓደ ገይርካ ዚረኣዩ እኳ እንተዀኑ: ካብ ንህሩፍ ክትፈልጦ ግን ንሰካር ክትፈልጦ ይቐልል። ናይ ስኽራን ምልክታት መብዛሕትኡ ግዜ ብቐሊሉ ዚርአ እዩ። ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ዕሉል ህሩፍ ኣብ ናይ ምዃን ደረጃ በጺሑ እዩ ንኽትብሎ ግን ኣሸጋሪ እዩ። ከመይሲ ብደጋዊ ትርኢቱ ዚውሰን ኣይኰነን። ስለዚ እምበኣር: ምስዚ እተተሓሓዘ ጕዳይ ዚሕዙ ሽማግለታት ጉባኤ ብዙሕ ጥንቃቐን ምስትውዓልን ኪሓቶም እዩ።

ንኣብነት: ክራሸ ምልክት ህርፋን ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተዀነ: ኵሉ ግዜ ኸምኡ ኢልና ኽንውስን ኣይንኽእልን ኢና። ሓደ ሰብ ብምኽንያት ሕማም ሚዛኑ ኻብ መጠን ኪሓልፍ ይኽእል እዩ። ክራሸ ብውርሲ እውን ኪመሓላለፍ ይኽእል እዩ። ከምኡውን ህርፋን ምስ ኣእምሮ እተተሓሓዘ ኪኸውን ከሎ: ክራሸ ግን ምስ ኣካል እተተሓሓዘ ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። ክራሸ “ምዝፍጣጥ” ዚብል ትርጕም ኪህልዎ ኸሎ: ህርፋን ግን ‘ስስዐ ወይ ምሒር ድሌት’ ዚብል ትርጕም እዩ ዘለዎ። ስለዚ እምበኣር: ህርፋን መጠን ኣካላት ርኢኻ ዘይኰነስ ንምግቢ ብዘለዎ ኣመለኻኽታ እዩ ዚውሰን። ሓደ ሰብ መጠነኛ ኣካላት ዘለዎ ወይ እውን ቀጢን ኰይኑ ኸብቅዕ ህሩፍ ግን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ቅቡል ዚበሃል ግዝፊ ወይ ቅርጺ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ እዩ።

ህርፋን እንታይ ምልክታት እዩ ዘለዎ፧ ሓደ ህሩፍ ሰብ ኪበልዕ ከሎ ወትሩ ነፍሱ ዘይገትእ: ክሳዕ ዚጽልኦ ወይ ክሳዕ ዚሓምም ከኣ ሃርገፍገፍ እናበለ እዩ ዚበልዕ። ነፍሱ ዘይምግታኡ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋን ንህዝቡን ከምጽኣሎም ዚኽእል ጸርፊ ዘይግደስ ምዃኑ ዚሕብር እዩ። (1 ቈረንቶስ 10:31) ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ሳሕቲ ኻብ መጠን ንላዕሊ ምስ ዚበልዕ ብኡንብኡ ኸም “ስሱዕ” ጌርካ ኺርአ የብሉን። (ኤፌሶን 5:5) ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ክርስትያን በቲ ኣብ ገላትያ 6:1 ዘሎ መንፈስ ጌርካ ሓገዝ ኪወሃቦ ኼድሊ እዩ። ጳውሎስ “ኣሕዋተየ: ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ: ነዚ ኸምዚ ዝበለ: ንስኻትኩም መንፈሳውያን: ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ” በለ።

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ መጠን ንላዕሊ ንኸይንበልዕ ዚህበና ምኽሪ ብፍላይ ሎሚ ኣገዳሲ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ የሱስ ብፍላይ ብዛዕባ ግዜና “ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ” ዚብል ለበዋ ሂቡ ኣሎ። (ሉቃስ 21:34, 35) ንመንፈሳውነትና ዝሃሲ ናብራ ህይወት ከነርሕቐሉ እንኽእል ሓደ መገዲ ብኣመጋግባና ቐይዲ በተኽ ዘይምዃን እዩ።

ጥንቃቐ ወይ ሚዛናዊ ምዃን ክርስትያናዊ ውርዝውና እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:2, 11) የሆዋ ንዅሎም እቶም ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምብላዕን ምስታይን ሚዛንና ንኽንሕሉ ዚህበና ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ልባዊ ጻዕሪ ዚገብሩ ሰባት ከም ዚድግፎም ንተኣማመን ኢና።—እብራውያን 4:16

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነቲ ኣብ 1 ግንቦት 1986 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዘሎ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።