ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕጉሳት ኣገልገልቲ የሆዋ

ሕጉሳት ኣገልገልቲ የሆዋ

ሕጉሳት ኣገልገልቲ የሆዋ

“መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም።”—ማቴዎስ 5:3 Nw

1. ናይ ሓቂ ሓጐስ እንታይ እዩ: እንታይከ እዩ ዜንጸባርቕ፧

 ህዝቢ የሆዋ ነቲ ረኺቦምዎ ዘለዉ ሓጐስ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ [ሕጉስ] እዩ” በለ። (መዝሙር 144:15) ሓጐስ ባህ ኢሉካ ኸም ዘሎ ዜርኢ ስምዒት እዩ። ዝለዓለ ሓጐስ ዚርከብ ከኣ የሆዋ ኸም ዚባረኸና ብምፍላጥ እዩ። (ምሳሌ 10:22) ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጐስ ምስ ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ጥብቂ ርክብን ፍቓዱ ንገብር ከም ዘሎናን የንጸባርቕ። (መዝሙር 112:1፣ 119:1, 2) የሱስ ሕጉሳት ወይ ብጹኣት ኪገብረና ዚኽእል ትሽዓተ ምኽንያታት ጠቒሱ ኣሎ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትስዕብን ነዚ ሕጉስ ዚገብር ምኽንያታት ምምርማርና: ነቲ “ብሩኽ [“ሕጉስ:” NW] ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ብተኣማንነት እንተ ኣገልጊልናዮ ኽሳዕ ክንደይ ሕጉሳት ክንከውን ከም እንኽእል ንኽንግንዘብ የኽእለና።—1 ጢሞቴዎስ 1:11

መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልየና ምግንዛብ

2. የሱስ ብዛዕባ ሓጐስ እተዛረበ ኣብ ምንታይ ኣጋጣሚ እዩ: እተን መጀመርታ እተዛረበን ቃላትከ እንታይ እየን ነይረን፧

2 ብ31 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ሓደ ኻብቲ ኣብ ታሪኽ ኣዝዩ ውሩይ ዝዀነ ስብከት ኣቕረበ። ነዚ ድማ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዚርከብ ከረን ኰይኑ ስለ ዘቕረቦ: ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ተባሂሉ ይፍለጥ። ወንጌል ማቴዎስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ትትርኽ:- “ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ: ናብ ከረን ደየበ። ምስ ተቐመጠ ኸኣ: ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐረቡ። ኣፉ ኸፈተ: ከምዚ እናበለ ድማ መሀሮም፤ ብመንፈስ ድኻታት: መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ: ብጹኣን እዮም።” እዚ ቓል ብቓሉ ኺትርጕም ከሎ ኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዚብል ቃላት: “መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም” ተባሂሉ ተተርጒሙ ኣሎ። (ማቴዎስ 5:1-3NW) ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን ድማ “ብመንፈስ ድኻታት ምዃኖም ዚፈልጡ ሕጉሳት እዮም” ኢሉ ተርጒምዎ ኣሎ።

3. ትሕትና ንሓጐስና ኣበርክቶ እትገብር ብኸመይ እያ፧

3 የሱስ ኣብቲ ኸረን ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ ስብከት: ሓደ ሰብ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮ ዚግንዘብ እንተ ዀይኑ ዝያዳ ሓጐስ ከም ዚረክብ ሓበረ። ትሑታት ክርስትያናት ሓጥኣን ምዃኖም ኣጸቢቖም ስለ ዚፈልጡ: የሆዋ ብመሰረት በጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ ኣቢሉ ይቕረ ኺብለሎም ይልምንዎ እዮም። (1 ዮሃንስ 1:9) በዚ ኸምዚ ኸኣ ናይ ኣእምሮ ሰላምን ናይ ሓቂ ሓጐስን ይረኽቡ። “ኣበሳኡ እተሐድገሉ: ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ።”—መዝሙር 32:1፣ 119:165

4. (ሀ) መንፈሳዊ ነገራት ንዓና ዀነ ንኻልኦት ኣድላዪ ምዃኑ ኸም እንግንዘብ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ (ለ) መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልየና ምስ ምግንዛብ ዚተሓሓዝ እንታይ ነገር እዩ ንሓጐስና ዚውስኸሉ፧

4 ብመንፈሳዊ ዜድልየና ነገራት ምግንዛብና: መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ኸነንብብ: ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” “በብጊዜኡ” ዜዳልዎ መንፈሳዊ ምግቢ ኽንምገብ: ከምኡውን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዘውቲርና ኽንእከብ ይድርኸና። (ማቴዎስ 24:45፣ መዝሙር 1:1, 2፣ 119:111፣ እብራውያን 10:25) እታ ንሰባት ዘላትና ፍቕሪ ነቲ ኻልኦት ብመንፈሳዊ ዜድልዮም ነገራት ክንግንዘብ ትድርኸና: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ኣብ ምምሃርን ቀናኣት ንኽንከውን እውን ትደፋፍኣና። (ማርቆስ 13:10፣ ሮሜ 1:14-16) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ንኻልኦት ምንጋር ሓጐስ የምጽኣልና። (ግብሪ ሃዋርያት 20:20, 35) ነቲ ዜደንቕ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽን እታ መንግስቲ እተምጽኦ በረኸትን ምስ እነስተንትነሉ እውን ሓጐስና ይውስኽ እዩ። ነቶም ብቕቡኣት ክርስትያናት ዝቘሙ “ሒደት መጓሰ” ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ኪበሃል ከሎ: ኣብ ሰማይ ክፍሊ እታ ናይ ክርስቶስ መንግስቲ ብምዃን ዘይትመውት ህይወት ምርካብ እዩ። (ሉቃስ 12:32፣ 1 ቈረንቶስ 15:50, 54) ነቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ከኣ ኣብታ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትመሓደር ገነታዊት ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምርካብ ማለት እዩ።—ዮሃንስ 10:16፣ መዝሙር 37:11፣ ማቴዎስ 25:34, 46

ዚጕህዩ ብኸመይ ሕጉሳት ከም ዚዀኑ

5. (ሀ) እታ “ዚጕህዩ” እትብል ቃል እንታይ ማለት እያ፧ (ለ) እቶም በዚ ኸምዚ ዚጕህዩ ምጽንናዕ ዚረኽቡ ብኸመይ እዮም፧

5 እዘን ቀጺለን ዘለዋ የሱስ ብዛዕባ ሓጐስ እተዛረበን ቃላት ንሓድሕደን ዚጋጨዋ እየን ዚመስላ። “ዚጕህዩ: ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:4) ሓደ ሰብ እናጐሃየ ኽነሱ ሕጉስ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ነዚ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ንምርዳእ: ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ጓሂ ይዛረብ ምንባሩ ኽንፈልጥ ኣሎና። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ሓጢኣትና ኼጕህየና ኸም ዘለዎ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ:- “ኣቱም ሓጥኣን: ኣእዳውኩም ኣጽርዩ: ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን: ልብኹም ኣንጽሁ። ተሸገሩን ጕሀዩን ብኸዩን። ሰሓቕኩም ናብ ብኽያት: ሓጐስኩምውን ናብ ሓዘን ይለወጥ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ: ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ።” (ያእቆብ 4:8-10) እቶም ብሓጢኣቶም ብሓቂ ዚጕህዩ: ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ እምነት እንተ ገይሮምን ፍቓድ የሆዋ ብምግባር ብሓቂ እንተ ተነሲሖምን ሓጢኣቶም ከም ዚሕደገሎም ምስ ፈለጡ ይጸናንዑ እዮም። (ዮሃንስ 3:16፣ 2 ቈረንቶስ 7:9, 10) ስለዚ: ምስ የሆዋ ኽቡር ርክብ ኪምስርቱ: ምእንቲ ኼገልግልዎን ኪውድስዎን ድማ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኺረኽቡ እዮም። እዚ ኸኣ ዓሚቝ ውሽጣዊ ሓጐስ የምጽኣሎም።—ሮሜ 4:7, 8

6. ገሊኦም ብኸመይ እዮም ዚጕህዩ: ብኸመይከ እዮም ዚጸናንዑ፧

6 የሱስ እተዛረቦ ቓላት ነቶም በዚ ኣብ ምድሪ ዘሎ ጽያፍ ዚጕህዩ እውን ዜጠቓልል እዩ። የሱስ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 61:1, 2 ዚርከብ “ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ: መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን . . . ንዅሎም ሕዙናት ከጸናንዕ [ለኣኸኒ]” ዚብል ቃላት ጠቒሱ ኣብ ርእሱ ኣውዓሎ። እዚ መዝነት እዚ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ በቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ዚበሃሉ ብጾቶም እናተሓገዙ መዝነቶም ዚፍጽሙ ቕቡኣት ክርስትያናት እውን ዚምልከት እዩ። ኵላቶም ኣብቲ ብምሳልያዊ መገዲ ኣብ ግምባር እቶም “ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላ [ኣብ ማእከል እታ ህዝበ-ክርስትያን እተመልክት ከሓዲት የሩሳሌም] ዚግበር ዘሎ ጽያፍ ዚጕህዩን ዚትክዙን” ማሕተም ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ይሳተፉ እዮም። (ህዝቅኤል 9:4) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ዚጕህዩ ሰባት በቲ “ወንጌል መንግስቲ” ይጸናንዑ እዮም። (ማቴዎስ 24:14) እዚ እኩይ ኣገባብ ሰይጣን እዚ ድሕሪ ሓጺር እዋን በታ የሆዋ ዘዳለዋ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ኪትካእ ምዃኑ ምፍላጦም የሐጕሶም እዩ።

ዓቃላት ሕጉሳት እዮም

7. እታ “ዓቃላት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል እንታይ ማለት ኣይኰነትን፧

7 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ቀጺሉ “ዓቃላት: ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:5) ሓድሓደ ግዜ ዓቕሊ ድኽመት ከም ዝዀነ ጌርካ ይውሰድ እዩ። እንተዀነ ግን: እዚ ጌጋ ኣረኣእያ እዩ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ነታ “ዓቃል” ተባሂላ ተርጒማ ዘላ ቓል ሒዛቶ ዘላ ትርጕም ኪገልጽ ከሎ: “ንሓደ [ዓቃል] ሰብ ብሉጽ ዚገብሮ ባህሪ: ንርእሱ ምሉእ ብምሉእ ዚቈጻጸር ብምዃኑ እዩ። እታ ባህሪ ልምሉም: በቝባቝ: መስኪን ማለት ኣይኰነትን። ኣብ ክንድኡስ: ባህሪኻ ምቍጽጻር እያ እተመልክት” በለ። የሱስ ብዛዕባ ርእሱ “ኣነ ለዋህ [ዓቃል] እየ: ልበይውን ትሑት” በለ። (ማቴዎስ 11:29) እንተዀነ ግን: የሱስ ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታት ኣብ ምጥባቕ ተባዕ ነበረ።—ማቴዎስ 21:12, 13፣ 23:13-33

8. ዓቕሊ ምስ ኣየነይቲ ባህሪ እያ ኣጸቢቓ እትተኣሳሰር: ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብከ እዛ ባህሪ እዚኣ እተድልየና ስለምንታይ እያ፧

8 እምበኣር: ዓቕሊ ምስ ርእስኻ ምግታእ ኣጸቢቓ ትተኣሳሰር እያ። ሃዋርያ ጳውሎስ እምበኣር ዓቕልን ለውሃትን ርእስኻ ምግታእን ኣብቲ “ፍረ መንፈስ” ብሓባር ኪጠቕሰን ሓቁ እዩ። (ገላትያ 5:22, 23ትርጕም 1990) ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ዓቕሊ ኸነማዕብል ኣሎና። ምስቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉን ምስቶም ካብ ጉባኤ ወጻኢ ዚርከቡን ሰላም ንምግባር እተኽእል ክርስትያናዊት ባህሪ እያ። ጳውሎስ “ምሕረት ልቢ: ለውሃት: ትሕትና: ዓቕሊ: ትዕግስቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ” ኢሉ ጸሓፈ።—ቈሎሴ 3:12, 13

9. (ሀ) ዓቕሊ ኣብቲ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ጥራይ ዘይትሕጸር ስለምንታይ እያ፧ (ለ) ዓቃላት ‘ንምድሪ ዚወርስዋ’ ብኸመይ እዮም፧

9 ይኹን እምበር: ዓቕሊ ኣብቲ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ጥራይ እተሓጽረት ኣይኰነትን። ንልዑላውነት የሆዋ ብፍታው ምስ እንግዛእ: ዓቃላት ምዃንና ኢና እነርኢ። ኣብዚ መዳይ እዚ ቐንዲ ኣብነትና እቲ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንፍቓድ ኣቦኡ ዓቕልን ምሉእ ተኣዛዝነትን ዘርኣየ የሱስ ክርስቶስ እዩ። (ዮሃንስ 5:19, 30) የሱስ ንምድሪ ኺገዝኣ ስለ እተሸመ: ቀዳማይ ወራሲኣ እዩ። (መዝሙር 2:6-8፣ ዳንኤል 7:13, 14) ምስቶም “መዋርስቱ” እተባህሉ “ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ” ኻብ “ደቂ ኣዳም” እተመርጹ 144,000 ድማ ብሓባር ኪወርስ እዩ። (ሮሜ 8:17፣ ራእይ 5:9, 10፣ 14:1, 3, 4፣ ዳንኤል 7:27) ክርስቶስን እቶም ምስኡ ሓቢሮም ዚገዝኡ ነገስታትን ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ኸም በጊዕ ዝኣመሰሉ ሰብኡትን ኣንስትን ኪገዝእዎም እዮም። እቲ ኣብ መዝሙር ዚርከብ “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ዚብል ትንቢት ኣባታቶም ፍጻሜኡ ኺረክብ እዩ።—መዝሙር 37:11፣ ማቴዎስ 25:33, 34, 46

ጽድቂ ዚጠምዩ ሕጉሳት እዮም

10. እቶም “ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን” ዚጸግቡሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

10 እቲ የሱስ ቀጺሉ ኣብ ገሊላ ኣብ ዚርከብ ከረን ኰይኑ ብዛዕባ ሓጐስ ዚርከበሉ ምኽንያት ዝጠቐሶ ነገር “ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን: ኪጸግቡ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም” ዚብል ነበረ። (ማቴዎስ 5:6) ንክርስትያናት ጽድቃዊ ስርዓታት ዜውጽኣሎም የሆዋ እዩ። ስለዚ: እቶም ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን: ብኻልእ ኣበሃህላ መሪሕነት ኣምላኽ እዮም ዚጠምዩን ዚጸምኡን። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንሓጢኣቶምን ዘይፍጽምናኦምን ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ እዮም: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ኪረኽቡ እውን ሃረር እዮም ዚብሉ። እንተ ተነሲሖምን ብበጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ ይቕረታ ኺግበረሎም እንተ ሓቲቶምን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽድቃዊ ኣቕዋም ከም ዚህልዎም ካብ ቃል ኣምላኽ ምስ ፈለጡስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ዚሕጐሱ!—ግብሪ ሃዋርያት 2:38፣ 10:43፣ 13:38, 39፣ ሮሜ 5:19

11, 12. (ሀ) ቅቡኣት ክርስትያናት ጻድቃን ዚዀኑ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ብጾት እቶም ቅቡኣት ንጽድቂ ዘለዎም ጽምኢ ዚረዊ ብኸመይ እዩ፧

11 የሱስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት “ኪጸግቡ” ስለ ዝዀኑ ሕጉሳት ምዃኖም ገለጸ። እቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ “ኪገዝኡ” እተጸውዑ ቕቡኣት ክርስትያናት ‘ንህይወት ዝጸደቑ’ ተባሂሎም ኣለዉ። (ሮሜ 5:1, 9, 16-18) የሆዋ ኸም መንፈሳውያን ወሉዳቱ ገይሩ ተቐቢልዎም እዩ። ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ክርስቶስ ነገስታትን ካህናትን ንምዃን ስለ እተጸውዑ ንክርስቶስ መዋርስቱ ዀይኖም እዮም።—ዮሃንስ 3:3፣ 1 ጴጥሮስ 2:9

12 ብጾት እቶም ቅቡኣት ክሳዕ ሕጂ ንህይወት ዝጸደቑ ኣይተባህሉን። እንተዀነ ግን: የሆዋ በቲ ኣብ ደም ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ኣቢሉ ብእተወሰነ ደረጃ ጽድቂ ኸም ዘለዎም ገይሩ ይቘጽሮም እዩ። (ያእቆብ 2:22-25፣ ራእይ 7:9, 10) ከም ኣዕሩኽ የሆዋ መጠን ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ዚድሕኑ ጻድቃን ጌርካ እዮም ዚቝጸሩ። (ራእይ 7:14) ክፍሊ እቲ ኣብ ትሕቲ “ሓድሽ ሰማያት” ዚህሉ “ጽድቂ ዚነብረሉ” ሓድሽ ምድሪ ምስ ኰኑ ንጽድቂ ዘለዎም ጽምኢ ኺረዊ እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:13፣ መዝሙር 37:29

መሓርቲ ሕጉሳት እዮም

13, 14. መሓርቲ ምዃንና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ዝበለ ግብራዊ መገድታት ኢና: እንታይ ረብሓኸ ንረኽበሉ፧

13 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ቀጺሉ “መሓርቲ: ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:7) ኣብ ሕጋዊ ጕዳያት ምሕረት ኪበሃል ከሎ: ዳኛ ብመሰረት እቲ ሕጊ ኣብቲ በዳሊ ኺወርድ ዝነበሮ መቕጻዕቲ ብእተወሰነ ወይ ምሉእ ብምሉእ ምሕዳግ የመልክት። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግን እታ “ምሕረት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ቓል መብዛሕትኡ ግዜ ንጽጉማት እፎይታ ዜምጽኣሎም ሓልዮት ወይ ድንጋጽ እያ እተመልክት። ስለዚ: መሓርቲ ኺበሃል ከሎ ደንገጽቲ ማለት እዩ። ኣብታ የሱስ እተዛረባ ምስላ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ: ንሽጉር ‘ምሕረት ብዛዕባ ዝገበረ’ ሰናይ ኣብነት ዚኸውን ውልቀ-ሰብ ተጠቒሱ ኣሎ።—ሉቃስ 10:29-37

14 መሓርቲ ብምዃን ሓጐስ ንምርካብ: ነቶም እተጸገሙ ብግብሪ ሕያውነትና ኣብ ምርኣይ ክንሳተፍ ኣሎና። (ገላትያ 6:10) የሱስ ነቶም ህዝቢ ምስ ረኣዮም “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም: ብዙሕውን ኪምህሮም ጀመረ።” (ማርቆስ 6:34) ንደቅሰብ ልዕሊ ዅሉ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ይፈልጥ ነበረ። ንሕናውን ንሰባት እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜድልዮም “ወንጌል መንግስቲ” ብምንጋር ድንጋጽናን ምሕረትናን ከነርእዮም ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 24:14) ብዕድመ ንዝደፍኡ ክርስትያናት ብጾትናን ንመበለታትን ንዘኽታማትን ብግብሪ ኽንሕግዞም ከምኡውን ‘ነቶም ሕልናኦም ዝዓረቦም ከነተባብዖም’ ንኽእል ኢና። (1 ተሰሎንቄ 5:14 ትርጕም 1990ምሳሌ 12:25፣ ያእቆብ 1:27) እዚ ሓጐስ የምጽኣልና ጥራይ ዘይኰነስ ምሕረት የሆዋ ንኽንረክብ እውን የኽእለና።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35፣ ያእቆብ 2:13

ጽሩያት ልብን ገበርቲ ሰላምን

15. ጽሩያት ልብን ገበርቲ ሰላምን ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 የሱስ እቲ ሻድሻይን ሻውዓይን ሓጐስ ዚርከበሉ ምኽንያት “ጽሩያት ልቢ: ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም። ገበርቲ ሰላም: ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” ብምባል ገለጸ። (ማቴዎስ 5:8, 9) ጽሩይ ልቢ ኺበሃል ከሎ ብስነ-ምግባር ንጹህ ማለት ጥራይ ዘይኰነስ: ንየሆዋ ኣብ ዚግበር ተወፋይነት ብመንፈስ ዘይረስሐን ዘይረኸሰን ማለት እውን እዩ። (1 ዜና መዋእል 28:9፣ መዝሙር 86:11) ገበርቲ ሰላም ምስ ክርስትያናት ኣሕዋቶም ከምኡውን ብኣታቶም ዝመጸ ምስ ካልኦት ሰባት ብሰላም ይነብሩ። (ሮሜ 12:17-21) ‘ንሰላም ይደልይዋን ይስዕብዋን እዮም።’—1 ጴጥሮስ 3:11

16, 17. (ሀ) እቶም ቅቡኣት “ውሉድ ኣምላኽ” ተባሂሎም እተጸውዑ ስለምንታይ እዮም: ‘ንኣምላኽ ዚርእይዎኸ’ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ‘ንኣምላኽ ዚርእይዎ’ ብኸመይ እዮም፧ (ሐ) እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ምሉእ ብምሉእ “ደቂ ኣምላኽ” ዝዀኑ መዓስን ብኸመይን እዮም፧

16 ነቶም ገበርቲ ሰላምን ጽሩያት ልብን: “ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም” ከምኡውን “ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም” ዚብል መብጽዓ ተኣትዩሎም ኣሎ። ቅቡኣት ክርስትያናት ብመንፈስ እተወልዱ እዮም: ኣብ ምድሪ ኸለዉ ድማ የሆዋ ኸም “ውሉድ” ገይሩ ተቐቢልዎም እዩ። (ሮሜ 8:14-17) ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ንምሕባር ምስ ተንስኡ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ የገልግሉ: ብሓቂ እውን ይርእይዎ እዮም።—1 ዮሃንስ 3:1, 2፣ ራእይ 4:9-11

17 እቶም ገበርቲ ሰላም ዝዀኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ንየሆዋ ኣብ ትሕቲ እቲ “ኣቦ ዘለኣለም” ዝዀነ ሕያዋይ ጓሳ እተባህለ ክርስቶስ የሱስ ብምዃን የገልግልዎ። (ዮሃንስ 10:14, 16፣ ኢሳይያስ 9:6) እቶም ነቲ ድሕሪ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ዚህሉ ናይ መወዳእታ ፈተና ብዓወት ዚሓልፍዎ: ምድራውያን ውሉዳት የሆዋ ኪዀኑን “ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ኪበጽሑን እዮም። (ሮሜ 8:21፣ ራእይ 20:7, 9) ነዚ ብሃንቀውታ እናተጸበዩ ህይወቶም ንየሆዋ ስለ ዝወፈዩን ወሃብ ህይወቶም ምዃኑ ስለ ዚፈልጡን ኣቦና ይብልዎ። (ኢሳይያስ 64:8) ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ እዮብን ሙሴን ብናይ እምነት ዓይኖም “ንኣምላኽ ኪርእይዎ” ይኽእሉ እዮም። (እዮብ 42:5፣ እብራውያን 11:27) ‘በዒንቲ ልቦምን’ ብርጡብ ፍልጠት ኣምላኽን ነቲ ዜደንቕ ባህርያት የሆዋ ይግንዘብዎ: ፍቓዱ ብምግባር ድማ ኪመስልዎ ይጽዕሩ።—ኤፌሶን 1:18፣ ሮሜ 1:19, 20፣ 3 ዮሃንስ 11

18. ብመሰረት እቲ የሱስ ሓጐስ ዜምጽእ ኢሉ ዝጠቐሶ ሸውዓተ ናይ መጀመርታ ምኽንያታት: ኣብዚ ግዜ እዚ ብሓቂ ሕጉሳት መን እዮም፧

18 መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ: ዚጕህዩ: ዓቃላት: ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን: መሓርቲ: ጽሩያት ልቢ: ከምኡውን ገበርቲ ሰላም ንየሆዋ ብምግልጋል ናይ ሓቂ ሰላም ከም ዚረኽቡ ርኢና ኢና። እንተዀነ ግን: ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ወትሩ ምጽራር: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን መስጐጕቲ የጋጥሞም እዩ። እዚ ንሓጐሶም ይንክዮዶ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእያ ኢና።

ድግማ

• መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ እንታይ ሓጐስ እዮም ዚረኽቡ፧

• ዚጕህዩ ምጽንናዕ ዚረኽቡ ብኸመይ እዮም፧

• ዓቕሊ እነርኢ ብኸመይ ኢና፧

• መሓርትን ጽሩያት ልብን ገበርቲ ሰላምን ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

“መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም”

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

“መሓርቲ . . . ብጹኣን እዮም”

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

“ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን . . . ብጹኣን እዮም”