ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ትፈልጦዶ፧

ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ትፈልጦዶ፧

ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ትፈልጦዶ፧

ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዳርጋ 50 ዓመት ዚኸውን እያ ኣሕሊፋ። እርጋን እኳ እንተ ኣድከማ: ነቲ ሓድሽ እተሃንጸ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትበጽሖ ግን ቈሪጻ ተላዕለት። ንኢድ ሓደ ክርስትያን ሓው ተደጊፋ ናብቲ ኣደራሽ ኣተወት: ቀስ እናበለት ከኣ ናብታ ዝሓሰበታ: ማለት ናብ ናይ ወፈያ ሳጹን ከደት። ኣብኡ ኸኣ ነቲ ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትውፍዮ ኢላ ዘዋህለለቶ ሒደት ገንዘብ ኣእተወት። ኣብ ህንጸት እቲ ኣደራሽ ብጕልበት ክትድግፍ እኳ እንተ ዘይከኣለት: ብኻልእ መገዲ ግን ክትሕግዝ ደለየት።

እዛ ክርስትያን ሰበይቲ እዚኣ ንኻልእ እምንቲ ሰበይቲ ኣዘኻኺራትካ ትኸውን። ንሳ ድማ እታ የሱስ ክልተ ሳንቲም ኣብ ሳጹን ቤተ መቕደስ ከተእቱ ዝረኣያ “ድኻ መበለት” እያ። ብዛዕባ ዅነታት እታ መበለት ዘይተነግረና እኳ እንተዀነ: ኣብቲ ግዜ እቲ ብዘይ ሰብኣይ ምንባራ ግን ቍጠባዊ ጸገማት ነይርዋ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ነቲ ዅነታታ ምሉእ ብምሉእ ስለ እተረድኦ ደንገጸላ። ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ኣብነት ገይሩ ኺጠቕሳ ኸሎ: እቲ ሒደት ወፈያኣ “ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ” ምዃኑ ገለጸ።—ማርቆስ 12:41-44

እታ ድኻ መበለት ከምዚ ዝኣመሰለ መስዋእቲ ዝገበረት ስለምንታይ እያ፧ ነቲ ማእከል ኣምልኾኡ ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ የሆዋ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ውፍይቲ ብምንባራ ምዃኑ ንጹር እዩ። ክትገብሮ እትኽእል ድሩት እኳ እንተ ነበረ: ቅዱስ ኣገልግሎት ከተደንፍዕ ግን ደለየት። ዚከኣላ ዘበለ ብምውፋያ ድማ ናይ ሓቂ ሓጐስ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ኣለዎ።

ዕዮ የሆዋ ንምድጋፍ ምሃብ

ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ንዋታውን ገንዘባውን ወፈያ ምግባር ኣገዳሲ ኽፋል ንጹህ ኣምልኾ እዩ: ወትሩ እውን ምንጪ ዓብዪ ሓጐስ እዩ። (1 ዜና መዋእል 29:9) ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ወፈያታት ነቲ ቤተ መቕደስ ንምስላም ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታት ዚግበር ብምሉኡ መዳያት ኣምልኾ የሆዋ ንምፍጻም እውን የገልግል ነበረ። ብመሰረት እቲ ሕጊ: ደቂ እስራኤል ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዜገልግሉ ዝነበሩ ሌዋውያን ንምድጋፍ ካብ ፍርያቶም ዕሽር ይህቡ ነበሩ። እቶም ሌዋውያን እውን ካብቲ እተዋህቦም ዘበለ ንየሆዋ ዕሽር ይህቡ ነበሩ።—ዘሁልቍ 18:21-29

ክርስትያናት ካብቲ ሕጊ ኺዳን ሓራ እኳ እንተዀኑ: ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድጋፍ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብጥሪቶም ደገፍ ኪገብሩ ኸም ዚግባእ ዚሓትት ስርዓት ግን ኣይተቐየረን። (ገላትያ 5:1) ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ነሕዋቶም ዜድሊ ንምምላእ ኢሎም ወፈያ ምግባር የሐጕሶም ነይሩ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:45, 46) ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ከምቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ነገራት ብልግሲ ዝሃቦም: ንሳቶም እውን ንኻልኦት ለጋሳት ኪዀኑ ኣዘኻኸሮም። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈሎም:- “ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ: በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚህበና ኣምላኽ እምበር: በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም። ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ: ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ: ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ: ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ: ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ አዝዞም።” (1 ጢሞቴዎስ 6:17-19፣ 2 ቈረንቶስ 9:11) እወ: ጳውሎስ ካብ ተመክሮ ተበጊሱ ነተን የሱስ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ብምባል እተዛረበን ቃላት ኪደግመን ክኢሉ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

ሎሚ ዘሎ ክርስትያናዊ ምሃብ

ኣብዚ ግዜና ኣገልገልቲ የሆዋ ንሓድሕዶም ንምትሕግጋዝን ንዕዮ ኣምላኽ ንምድጋፍን ጥሪቶም ይጥቀሙሉ እዮም። እቶም ብዙሕ ገንዘብ ዘይብሎም እውን እንተዀኑ ብዓቕሞም የበርክቱ እዮም። እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ነቲ ዚዋጻእ ገንዘብ ኣብ ጽቡቕ መዓላ ንምውዓል ሓላፍነት ይስምዖ እዩ። (ማቴዎስ 24:45) ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ንምክያድ: መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ንምትርጓምን ንምሕታምን: ክርስትያናዊ ኣኼባ ንምድላው: ገየሽቲ ተዓዘብትን ሚስዮናውያንን ንምስልጣንን ንምልኣኽን: ረድኤት ንምሃብ: ከምኡውን ንሓያሎ ኻልእ ኣገዳሲ ዕላማታት ገንዘብ የድሊ እዩ። ኣብ ሓደ ኻብዚ ዕላማታት እዚ እስከ ነተኵር: እዚ ድማ ናይ ኣምልኾ ቦታታት ምህናጽ እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ መንፈሳዊ ትምህርትን ጽቡቕ ምሕዝነትን ምእንቲ ኺጥቀሙ ኢሎም ኣብ ሰሙን ብተደጋጋሚ ግዜ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይእከቡ እዮም። ይኹን እምበር: ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሰንኪ ቝጠባዊ ዅነታቶም መበገሲ ሓገዝ እንተ ዘይተዋሂብዎም ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሃንጹ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ድማ ብ1999 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብተን ዝሃብተማ ሃገራት እተኣከበ ገንዘብ ኣብተን ዝደኸያ ሃገራት ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽ ዚውዕለሉ ምድላው ጀመሩ። ኣብ ርእሲኡ በሽሓት ዚቝጸሩ ወለንተኛታት ኣብ ርሕቕ ዝበለ ቦታታት እዘን ሃገራት ንምግልጋል ግዜኦምን ክእለቶምን ወፈዩ። ኣብ ግዜ ህንጸት እቶም ኣብቲ ዓዲ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚህነጽን ብኸመይ ከም እትከናኸኖን ተማሂሮም: ሳላ እቲ ማዕከን ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ዜድሊ ንዋትን ኣቝሑን ኪዕደግ ተኻኢሉ። እቶም ሕጂ ነዚ ሓድሽ ኣደራሻት ዚጥቀሙሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ክርስትያናት ብጾቶም ግዜኦምን ገንዘቦምን ብምውፋዮም ብዙሕ እዮም ዜማስዉሉ። ነቲ ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምክያድን ናይ ህንጸት ዕዳኦም ንምኽፋልን እውን ወርሓዊ ኣበርክቶ ይገብሩ እዮም: በዚ ኸምዚ ኸኣ ዝያዳ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽ ኣበርክቶ ይግበር ኣሎ።

ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ በቲ ኣብቲ ዓዲ ዚዝውተር ኣገባብ ኣሰራርሓን ኣቝሑን ጌርካ እዩ ዚህነጽ። እዚ ኣደራሻት እዚ ብዙሕ ዜገጸ እኳ እንተ ዘይኰነ: ዚስሕብን ጠቓምን ምሹእን እዩ። እዚ መደብ ህንጸት እዚ ብ1999 ኪጅምር ከሎ: 40 ዝዀና ሃገራት ኣብኡ ኺጠቓለላ ኸለዋ: ነዚ ዚኸውን ብዙሕ ገንዘብ እውን ኣይነበረን። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እቲ መደብ ብምስፋሕ ን116 ሃገራት: ማለት ኣብ ዓለም ንልዕሊ ፍርቂ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜጠቓልል ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት: ኣብ ትሕቲ እዚ ምድላው እዚ ልዕሊ 9,000 ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተሃኒጹ: እዚ ኸኣ ብገምጋም ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 5 ሓድሽ ኣደራሻት ይህነጽ ማለት እዩ! ኰይኑ ግን: ኣብዘን 116 ሃገራት ገና ብሕጂ 14,500 ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ የድሊ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚውን ብዝሒ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዕቤት ስለ ዚገብር ዘሎ ኣብ ዓዓመት 1,000 ተወሳኺ ኣደራሻት የድሊ ኣሎ። ብበረኸት የሆዋ ኸምኡውን ብፍታውን ልግስን ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ መሰኻኽሩ: ነዚ ኺህነጽ ዜድሊ ኣደራሻት ዚኣክል ገንዘብ ኪማላእ ተስፋ ንገብር።—መዝሙር 127:1

ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዕቤት የምጽእ

እዚ ጻዕሪ እዚ ኣብቶም ነቲ ኣደራሽ ዚጥቀሙሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ኣብቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተሃንጸ: ኣብ ቍጽሪ ተኣከብቲ ዓብዪ ወሰኽ ተራእዩ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ጽቡቕ ኣብነት ዚዀነና: እዚ ኻብ ብሩንዲ እተላእከ ጸብጻብ እንሆ:- “ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተሃንጸ: ብኡንብኡ እዩ ዚመልእ። ንኣብነት: ንሓንቲ ኣብ ኣኼባ 100 ኣቢሎም ዝዀኑ ተኣከብቲ ዝነበርዋ ጉባኤ ሓደ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተሃንጸላ። እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ 150 ተኣከብቲ ብምሹእ ኵነታት ዚሕዝ ነበረ። ኣብ እተወድኣሉ ግዜ ግን 250 ኪእከቡ ጀመሩ።”

ከምዚ ዝኣመሰለ ወሰኽ ዚርአ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ኻብቲ ምኽንያታት: ኣብ ትሕቲ ኦም ወይ ኣብ ግራት ዚእከቡ ግቡእ መአከቢ ዘይብሎም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዓይኒ ጥርጣረ ዚረኣዩ ምዃኖም እዩ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ዓሌታዊ ዓመጻ ምስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ ጕጅለታት ሃይማኖት እተተሓሓዘ ብምንባሩ: ሕጊ እታ ዓዲ ዅሉ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ኣብ ውሽጢ ናይ ኣምልኾ ቤት ኪግበር እዩ ዚእዝዝ።

ብዘይካዚውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ርእሶም ኣደራሻት ምጥራዮም: ደቀ መዛሙርቲ ሓደ ቐሺ ዘይምዃኖም እዩ ዚሕብር። ኣብ ዚምባብወ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብዚ ኸባቢ ዚርከቡ ኣሕዋት ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ይእከቡ ነበሩ: ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ሰባት ከኣ ነታ ጉባኤ ብስም እቲ ዚእከቡሉ ብዓል ገዛ ይሰምይዋ ነበሩ። ነሕዋት ሰዓብቲ ቤተ-ክርስትያን እንዳ እገለ ኢሎም ይጽውዕዎም ነበሩ። ሕጂ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣደራሽ: ‘ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር’ ዚብል ጽሑፍ ብንጹር ምስ ረኣዩ: እዚ ዅሉ ይቕየር ኣሎ።”

ሕጉሳት ወሃብቲ

ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ” በለ። (2 ቈረንቶስ 9:7) ብዙሕ ዝመጠኑ ወፈያ ሓጋዚ ምዃኑ ዘይክሓድ እኳ እንተ ኰነ: መብዛሕትኡ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ዕዮ ዚውፈ ገንዘብ ግን ካብ ናይ ወፈያ ሳጹናት እዩ ዚርከብ። ብዙሕ ይኹን ሒደት ብዘየገድስ ኵሉ ወፈያ ኣገዳሲ እዩ: ኣቕሊልካ እውን ኪርአ የብሉን። የሱስ ነታ ድኻ መበለት ክልተ ሳንቲም ክትውፊ ኸላ ኺርእያ ኣብ ዚኽእል ቦታ ኸም እተቐመጠ ኣይትረስዕ። መላእኽትን የሆዋን እውን ርእዮምዋ እዮም። ስም እታ መበለት እኳ እንተ ዘይፈለጥናዮ: የሆዋ ግን ነቲ ልግሳ ርእዩ ንሓዋሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መዝጊብዎ ኣሎ።

ወፈያታትና ኣብ ልዕሊ እቲ ህንጸት ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ: ንዅሉ ኣገዳሲ መዳይ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ይድግፍ እዩ። በዚ ኸምዚ ምትሕብባርና ንኽንሕጐስን “ብብዙሕ ምስጋና ንኣምላኽ” ንኸነመስግኖን የኽእለና። (2 ቈረንቶስ 9:12) ኣብ በኒን ዚርከቡ ክርስትያናት ኣሕዋትና ኣብ ዝጸሓፍዎ ጸብጻብ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ስለቲ ኻብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣሕዋት ዝረኸብናዮ ገንዘብዊ ደገፍ ሓያሎ ጸሎት ምስጋና እዩ ናብ የሆዋ ዚዓርግ” በሉ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: ኵላትና ኣብቲ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ግደ ዘሎና ዘበልና ነቲ ብክርስትያናዊ ምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ንረክብ ኢና!

[ኣብ ገጽ 22,23 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ገሊኣቶም ወፈያ ዚህቡሉ መገድታት

ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚኸውን ውጽኢት

ብዙሓት ኣብቲ “ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚኸውን ውጽኢት—ማቴዎስ 24:14” ዚብል እተጻሕፎ ናይ ውጽኢት ሳጹናት ዜእትውዎ እተወሰነ ገንዘብ ይፈልዩ ወይ ይምድቡ።

ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብቲ ነታ ሃገር ዜገልግል ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይልእካኦ። ብወለንታ ዚግበር ናይ ገንዘብ ወፈያታት: ብቐጥታ Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania, c/o Office of the Secretary and Treasurer, 25 Columbia Heights, Brooklyn, New York 11201-2483  ኢልካ ኺልኣኽ ወይ ከኣ በቲ ንሃገርካ ዜገልግል ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣቢሉ ኺስደድ ይከኣል እዩ። እቲ ወፈያ ብቸክ እንተ ዀይኑ ን“Watch Tower” ዚኽፈል ምዃኑ ኺጥቀስ ኣለዎ። ስልማት ወይ ካልእ ክቡር ነገራት እውን ምውፋይ ይከኣል እዩ። ከምዚ ዝበለ ህያብ ብዘይ ገለ ገደብ እተዋህበ ምዃኑ ዚነግር ሓጺር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ኪለኣኽ ኣለዎ።

ኪምለስ ዚኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ 

ገንዘብ ብሕድሪ ምስ ግምቢ ዘብዐኛ ኪቕመጥ ይከኣል እዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ዝሃበ ሰብ ነቲ ገንዘብ ምስ ዚደልዮ ይምለሰሉ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ በጃኻ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ተጠቒምካ ናብ ቤት ጽሕፈት ጸሓፍን ተሓዝ ገንዘብን ጽሓፍ።

ብመደብ ዚግበር ልግሲ 

ብጀካ እቲ ብዘይ ገለ ገደብ ዚግበር ናይ ገንዘብ ህያብ: ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚካየድ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ ካልእ ናይ ምሃብ መገድታት እውን ኣሎ። ነዚ ዚስዕብ ድማ ዜጠቓልል እዩ:-

መድሕን:- ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ/እስትሕጋግ ክፍሊት ተጠቃሚት ከም ዝዀነት ጌርካ ስም ኪመሓላለፈላ ይከኣል እዩ።

ናይ ባንክ ሕሳብ:- ናይ ባንክ ሕሳብ: ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት: ወይ ናይ ውልቀ-ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዚፈቕዶ ንግምቢ ዘብዐኛ ብሓደራ ኺወሃብ ወይ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚት ምዃና ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ኣክሲዮንን ቦንድን:- ኣክሲዮንን ቦንድን ብዘይ ገለ ገደብ ዚወሃብ ህያብ ኰይኑ ንግምቢ ዘብዐኛ ኺውፈ ይከኣል እዩ።

ዘይንቀሳቐስ ንብረት:- ኪሽየጥ ዚኽእል ዘይንቀሳቐስ ንብረት: ብዘይ ገለ ገደብ ዚወሃብ ህያብ ወይ እቲ ንብረት መንበሪ እንተ ዀይኑ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ኪዀነሉ ዚኽእል መደብ ብምግባር ኪውፈ ይከኣል እዩ። ዘይንቀሳቐስ ንብረት ከም ዝወፈኻዮ ዚገልጽ ሰነድ ቅድሚ ምፍራምካ: ምስቲ ንዓድኻ ዜካይድ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተላዘብ።

ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ:- ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ ኺበሃል ከሎ ሓደ ሰብ ገንዘብ ወይ ሰነድ ዋንነት ንትካል ግምቢ ዘብዐኛ ዚህበሉ ምድላው እዩ። እቲ ወሃቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሰብ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እተወሰነ ዓመታዊ ኽፍሊት ይወሃቦ። ኣብቲ እቲ ወፈያ እተገብረሉ ዓመት መጠን እቲ ዚስላዕ ግብሪ ይንኪ እዩ።

ለበዋን ሕድርን:- ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ ለበዋ ብምግባር ጥሪት ወይ ገንዘብ ንግምቢ ዘብዐኛ ኸተውርሳ ይከኣል እዩ: ወይ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚት ክትከውን ስም ኪመሓላለፈላ ይከኣል እዩ። ንሃይማኖታዊ ማሕበር ዚወሃብ ሕድሪ: ገለ ናይ ቀረጽ ምጕዳላት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

እቲ “ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚብል ስያመ ኸም ዚገልጾ: እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ ብወገን እቲ ዚውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዚሓትት እዩ። ነቶም በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪውፍዩ ዚደልዩ ውልቀ-ሰባት ንምሕጋዝ: ቻሪታብል ፕላኒን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትበሃል ብሮሹር ብእንግሊዝኛን ብቛንቋ ስጳኛን ተዳልያ ኣላ። እታ ብሮሹር ውልቀ-ሰባት ሕጂ ወይ ምስ ሞቱ ብመልክዕ ውርሲ ኺውፍዩሉ ዚኽእሉ እተፈላለየ መገዲ ትሕብር እያ። ብዙሓት ነዛ ብሮሹር እዚኣ ብምንባብን ምስቶም ብዛዕባ ሕግን ግብርን ዜማኽርዎም ክኢላታት ብምምይያጥን ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዚፍጽምዎ ዕዮ ኺሕግዙ: ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዚርከብ ናይ ምጕዳል ቀረጽ ረብሓታት ከኣ ኬዕብይዎ ኽኢሎም እዮም። ቅዳሕ ናይዛ ብሮሹር እዚኣ ብቐጥታ ን“ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ብምሕታት ኪርከብ ይከኣል እዩ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ኣድራሻ ጌርካ ወይ ድማ ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምጽሓፍ ወይ ብምድዋል ምስቶም ኣብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚሰርሑ ኣሕዋት ክትራኸብ ኣሎካ።

Charitable Planning Office

Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania

100 Watchtower Drive,

Patterson, New York 12563-9204

Telephone: (845) 306-0707

[ኣብ ገጽ 20, 21 ዘሎ ስእሊ]

ኣቐዲሙ ዝነበረን ሓድሽን ናይ ኣምልኾ ቦታታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ዛምብያ

ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ