ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትሕትና የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧

ትሕትና የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧

ትሕትና የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧

ዳዊት ጸበባ ኣሕሊፉ እዩ። እቲ ቐናእ ሓሙኡ ዝነበረ ንጉስ ሳኦል የጋፍዖ ነበረ። ሰለስተ ግዜ ዚኸውን ኪቐትሎ ፈተነ: ንሓያሎ ዓመታት ይሃድኖ ስለ ዝነበረ ኸኣ ኪሃድም ተገዲዱ እዩ። (1 ሳሙኤል 18:11፣ 19:10፣ 26:20) ይኹን እምበር: የሆዋ ምስ ዳዊት ከም ዝነበረ ኣርእዩ እዩ። ካብ ሳኦል ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ካልኦት ጸላእቲ እውን ከይተረፈ ኣድሒንዎ እዩ። ስለዚ ኸኣ ዳዊት “እግዚኣብሄር ከውሔይን እምባይን መድሓንየይን እዩ: ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሀብካኒ: ምውራድካውን ኣዕበየኒ” ዝበለሉ ምኽንያት ኪርድኣና ይኽእል እዩ። (2 ሳሙኤል 22:2, 36) ዳዊት ኣብ እስራኤል ዕብየት ረኺቡ እዩ። እንተዀነ ግን: ትሕትና የሆዋ ኣብዚ እንታይ ግደ እዩ ነይርዎ፧

ቅዱሳት ጽሑፋት ንየሆዋ ኸም ትሑት ገይሩ ኺዛረበሉ ኸሎ: ዓቕሙ እተወሰነ እዩ ወይ ከኣ ንኻልኦት ይግዛእ እዩ ማለት ዘይኰነስ ነቶም ስምረቱ ኺረኽቡ ልባዊ ጻዕሪ ዚገብሩ ሰባት ኣጸቢቑ ኸም ዚድንግጸሎምን ምሕረቱ ኸም ዚዝርግሓሎምን ዜመልክት እዩ። መዝሙር 113:6, 7 ከምዚ ትብል:- “ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኣንቈልቊሉ ዚጥምት: እግዚኣብሄር ኣምላኽና . . . ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ።” “ኣንቈልቊሉ ዚጥምት” ኪበሃል ከሎ “ድንን ኢሉ ዚጥምት” ማለት እዩ። (ቱዳይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን) ስለዚ የሆዋ ነቲ ዘይፍጹም ግናኸ ንኣምላኽ ኬገልግል ባህጊ ዝነበሮ ትሑት ሰብኣይ ዝነበረ ዳዊት ምእንቲ ኬቕልበሉ ኢሉ ኻብ ሰማይ “ኣንቈልቊሉ” ወይ “ድንን ኢሉ” ርእይዎ ማለት እዩ። ስለዚ ኸኣ ዳዊት “እግዚኣብሄር ልዑል እዩ እሞ: ንትሑት ይርእዮ” ብምባል የረጋግጸልና። (መዝሙር 138:6) እቲ የሆዋ ንዳዊት ዘርኣዮ ምሕረትን ትዕግስትን ድንጋጽን ንዅሎም እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ዚደልዩ ሰባት ዜተባብዕ ኪኸውን ኣለዎ።

የሆዋ ኸም ልዑል ኣምላኽ መጠን ኣብ ዩኒቨርስ እቲ ዝለዓለ ቦታ እኳ እንተለዎ: ንነፍሲ ወከፍና ንኪቐርበና ፍቓደኛ እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ዅነታት እውን ከይተረፈ ሓገዙ ንኺህበና ኣብኡ ኽንውከል ከም እንኽእል ምትእምማን ዜሕድረልና እዩ። ኪርስዓና እዩ ኢልና እንፈርሃሉ ምኽንያት የብልናን። ንየሆዋ ብዛዕባ እቲ ምስ ህዝቡ እስራኤል ዝነበሮ ርክብ “ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ: እቲ ኣብ ውርደትና ዝዘከረና” ተባሂሉሉ ኣሎ።—መዝሙር 136:23

ሎሚ ዘሎና ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ከምቲ ዳዊት ዘሕለፎ ጸበባ ኸነሕልፍ ንኽእል ኢና። እቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ሰባት የላግጹልና ይዀኑ: ምስ ናይ ጥዕና ጸገማት ንቃለስ ንህሉ ንኸውን ወይ ድማ እነፍቅሮ ሰብ ብሙማቱ ምኽንያት ሓዚንና ኽንከውን ንኽእል ኢና። ኵነታትና እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ግን: ልብና ቕኑዕ እንተደኣ ዀይኑ: ንየሆዋ ብጸሎት ክንቀርቦን ምሕረቱ ኽንሓትትን ንኽእል ኢና። የሆዋ ንከቕልበልና ኢሉ ‘ድንን ክብልን’ ንጸሎትና ኺሰምዖን እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብመንፈስ ተደሪኹ “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን: ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን” በለ። (መዝሙር 34:15) ነዛ ተፈታዊት ባህሪ የሆዋ ዝዀነት ትሕትና ኽትሓስበላ ኸሎኻስ ልብኻ ኣይትንከፍንዶ፧

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ልክዕ ከምቲ ንጸሎት ዳዊት ዝሰምዖ ሎሚ እውን ንጸሎትና ኺሰምዖ ፍቓደኛ እዩ