ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነዚ ግዜና ዚኸውን ብቑዕ መራሒ መን እዩ፧

ነዚ ግዜና ዚኸውን ብቑዕ መራሒ መን እዩ፧

ነዚ ግዜና ዚኸውን ብቑዕ መራሒ መን እዩ፧

ብ1940 ኣብ ባይቶ ብሪጣንያ ኣብ መሪሕነት ጸገማት ኣጋጢሙ ነበረ። ነቲ ኽትዕ ዝሰምዐ ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 77 ዓመት ዝነበረ ዴቪድ ሎይድ ጆርጅ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም መራሒ ብሪጣንያ ነበረ: እቲ ኣብ ፖለቲካ ዘሕለፎ ሓያሎ ዓመታት ከኣ ነቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ዚገብርዎ ብዚግባእ ኪመዝኖ ኣኽኣሎ። ብ8 ግንቦት ንባይቶ ሓፋሽ ብሪጣንያ ኣብ ዝሃቦ ዝርርብ “እዚ ህዝቢ መሪሕነት ክሳዕ ዝረኸበ: መንግስቲ እንታይ ዕላማ ኸም ዘለዎ ኽሳዕ ዝነጸረሉ: ከምኡውን እቶም መራሕቱ ዚከኣሎም ከም ዝገበሩ ኽሳዕ ዝኣመነ መስዋእቲ ንምኽፋል ድሉው እዩ” በለ።

እዘን ሎይድ ጆርጅ እተዛረበን ቃላት: ህዝቢ ንመራሕቱ ብቑዓት ኪዀኑን ምምሕያሽ ንምምጻእ ካብ ልቦም ኪጽዕሩን ከም ዚደልዮም ንጹር እየን ዚገብራ። ሓንቲ ኣብ ወፈራ ምርጫ እትሰርሕ ሰበይቲ “ሰባት ንሓደ ፕረዚደንት ኪመርጹ ኸለዉ: ህይወቶም: መጻኢ ዕድሎም: ውሉዳቶም ብሕድሪ ዚህብዎ ሰብ እዮም ዚመርጹ ዘለዉ” በለት። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነት ምፍጻም ኣዝዩ ኸቢድ ዕዮ እዩ። ስለምንታይ፧

ዓለምና መፍትሒ ብዘይብሉ ጸገማት ዝመልአት እያ። ንኣብነት: ኣየናይ መራሒ እዩ ኣዝዩ ጥበበኛን ሓያልን ካብ ምዃኑ እተላዕለ ዓመጻን ውግእን ኬጥፍእ ዝኸኣለ፧ ካብዞም ሎሚ ዘለዉ መራሕቲ ኣየናዮም እዩ ንዅሉ ሰብ ምግቢ: ጽሩይ ማይ: ከምኡውን ክንክን ጥዕና ንምሃብ ዓቕምን ድንጋጽን ዘለዎ፧ ንኣከባቢ ንምዕቃብን ናብ ዝነበሮ ንምምላስን ፍልጠት ኰነ ቘራጽነት ዘለዎ መን እዩ፧ ኵሎም ደቅሰብ ነዊሕን ዜሐጕስን ህይወት ከም ዚረኽቡ ንምግባር ክእለትን ሓይልን ዘለዎ መን እዩ፧

ደቅሰብ ብቕዓት የብሎምን

ገሊኦም መራሕቲ እተወሰነ ኣሳልጦ ኸም ዝረኸቡ ዘይክሓድ እኳ እንተዀነ: እንተ በዝሐ ብዓሰርተታት ንዚቝጸር ዓመታት እዮም ዜገልግሉ። ድሕሪኡኸ መን እዩ ዚትክኦም፧ ሓደ ኻብቶም ኣብ ዓለምና ዝነበሩ ብሉጻት መራሕቲ ዚበሃል ሰሎሞን ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል: ነዛ ሕቶ እዚኣ ድሕሪ ምስትንታን ከምዚ ኢሉ ደምደመ:- “ነቲ ብድሕረይ ዚመጽእ ሰብ ክሐድገሉ እየ እሞ: ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝዐየኽዎ ዅሉ ዕዮይ ጸላእክዎ። ንሱኸ ጠቢብ ኪኸውን ወይስ ዓሻ መን ይፈልጦ፧ ምስናይዚ ግና ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ጥበበኛ ዀይነ ዝጸዐርኩሉ ዘበለ ጻዕረይ ንሱ እዩ ዚጕይተተሉ: እዚውን ከንቱነት እዩ።”—መክብብ 2:18, 19

ሰሎሞን እቲ ዚትክኦ ሰብ ነቲ ጽቡቕ ዕዮኡ ኪቕጽሎ ድዩ ወይስ ኬፍርሶ ኺፈልጥ ኣይከኣለን። ንዝጸንሑ መራሕቲ ብሓደስቲ ምትካእ “ከንቱነት” ገይሩ እዩ ርእይዎ። ካልእ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ነገርዚ “ብላሽ” ኢሉ ኺገልጾ ኸሎ: ሓደ ኻልእ ከኣ “ትርጕም ኣልቦ” ኢልዎ ኣሎ።

ሓድሓደ ግዜ መራሕቲ ብሓይሊ ይቕየሩ እዮም። ክኢላታት መራሕቲ ዕዮኦም እናፈጸሙ ኸለዉ ተቐቲሎም እዮም። ሓደ እዋን እቲ ኣኽቢርካ ዚርአ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ነበር ኣብርሃም ሊንከን ንሰማዕቱ “ንሓጺር እዋን ኣገዳሲ ሓላፍነት ተዋሂቡኒ ኣሎ: ሕጂ ኸኣ ኣብ ቅድሜኹም ድሕሪ ሓጺር እዋን ዚሓልፍ ስልጣን ረኺበ ኣለኹ” በሎም። እቲ ዝሃቦ ኣገልግሎት ብሓቂ ሓጺር እዩ ነይሩ። ብዙሕ ዝገበረን ዝያዳ ኺገብር ዚደልን እኳ እንተ ነበረ: ንሃገሩ ነርባዕተ ዓመት ጥራይ እዩ መሪሕዋ። ንኻልኣይ ግዜ ተመሪጹ ዕዮኡ ኣብ ዚጅምረሉ እዋን: ብሓደ ኣብ መሪሕነት ለውጢ ዝደለየ ሰብ ተቐትለ።

እቶም ብሉጻት መራሕቲ እውን ንመጻኢኦም ኪቈጻጸሩ ኣይክእሉን እዮም። ንስኻኸ ንመጻኢኻ ኺቈጻጸሩ ኽትኣምኖም ትኽእልዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ብመሳፍንቲ: በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ። ትንፋሱ ይወጽእ: ናብ መሬቱ ይምለስ: በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ” ይብል።—መዝሙር 146:3, 4

ንሰብኣውያን መራሕቲ ኸይንውከሎም ዚገልጽ ማዕዳ ምቕባሉ የጸግም ይኸውን። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ደቅሰብ ንፉዕን ዘይሓልፍን መራሒ ኣይኪህልዎምን እዩ ኣይበለን። ኢሳይያስ 32:1 “እንሆ: ንጉስ ብጽድቂ ኺነግስ እዩ” ትብል። እቲ ፈጣሪ ደቅሰብ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንጕዳያት ምድሪ ድሕሪ ሓጺር እዋን ዚቈጻጸር “ንጉስ” ወይ መራሒ ኣዳልዩ ኣሎ። እዚ መን እዩ፧ መንነቱ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ።

ንምምራሕ ብሓቂ ብቕዓት ዘለዎ

ክልተ ሽሕ ዓመት ይገብር: ሓደ መልኣኽ ንሓንቲ ማርያም እትበሃል ኣይሁዳዊት ሰበይቲ “ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ: ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን: ወዲ ልዑልውን ኪብሀል እዩ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ: መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን” በላ። (ሉቃስ 1:31-33) እወ: የሱስ ብዓል ናዝሬት እዩ እቲ ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ንጉስ።

ሃይማኖታዊ ስእልታትን ምስልታትን መብዛሕትኡ ግዜ ንየሱስ ከም ሕጻን ወይ ከም ሓደ ኣካላቱ ጽሙእ ሰብ ወይ ከኣ ከም ሓደ ዝወረደ እንተ ወረዶ ስቕ ኢሉ ዜሕልፍ መስኪን ገይሩ እዩ ዚገልጾ። እዚ ምስልታት እዚ ኸም መራሒ መጠን ንኽትተኣማነሉ ዜኽእል ኣይኰነን። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ ግን ቅንኣትን ተበግሶን ዘለዎ ሓያል ብሱል ሰብኣይ እዩ ነይሩ። መራሒ ንኪኸውን ዜብቅዖ ኻልእ ባህርያት እውን ነበሮ። (ሉቃስ 2:52) ቀጺልና እተወሰነ ኻብቲ ዜደንቕ ባህርያቱ ኽንርኢ ኢና።

የሱስ ፍጹም ንጽህናኡ ሓለወ። ሓቀኛን ቅኑዕን ምዃኑ ዜተኣማምን ብምንባሩ ንጸላእቱ መሰረት ዘለዎ ኽሲ ኬቕርቡሉ እንተ ኽኢሎም ተዛሪብዎም ነበረ። ንሳቶም ግን ኣይከኣሉን። (ዮሃንስ 8:46) እቲ ግብዝና ዘይብሉ ትምህርትታቱ ንሓያሎ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ሰዓብቱ ኪዀኑ ኣእመኖም።—ዮሃንስ 7:46፣ 8:28-30፣ 12:19

የሱስ ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ እተወፈየ ነበረ። ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ዕዮ ንምፍጻም ቈራጽነት ስለ ዝነበሮ: ካብቶም ተጻረርቱ ሰባት ኰኑ ኣጋንንቲ ዋላ ሓደ እኳ ኼጐናድቦ ኣይከኣለን። መጥቃዕትታት ኣየፍርሆን። (ሉቃስ 4:28-30) ድኻምን ጥሜትን ዕጅብ ኣይበሎን። (ዮሃንስ 4:5-16, 31-34) ፈተውቱ እውን እንተ ሓደግዎ: ካብ ዕላማኡ ምንቕ ኣይበለን።—ማቴዎስ 26:55, 56፣ ዮሃንስ 18:3-9

የሱስ ንደቅሰብ ኣጸቢቑ ይሓልየሎም ነበረ። ንዝጠመዩ ምግቢ ሃቦም። (ዮሃንስ 6:10, 11) ንእተጨነቑ ኣጸናንዖም። (ሉቃስ 7:11-15) ንዕዉራትን ንጸማማትን ንሕሙማትን ኣሕወዮም። (ማቴዎስ 12:22፣ ሉቃስ 8:43-48፣ ዮሃንስ 9:1-6) ነቶም ህርኩታት ሃዋርያቱ ኣተባብዖም። (ዮሃንስ ምዕራፍ 13-17) ነባጊዑ ዚሓልየለን “ሕያዋይ ጓሳ” ምዃኑ ብግብሪ ኣርኣየ።—ዮሃንስ 10:11-14

የሱስ ንኺዓዪ ፍቓደኛ ነበረ። ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ምእንቲ ኺምህሮም ኣእጋር ሃዋርያቱ ሓጸበ። (ዮሃንስ 13:4-15) ነቲ ብስራት ንምስባኽ በቲ ዶራን መገድታት ኪጐዓዝ ከሎ ኣእጋሩ ረስሐ። (ሉቃስ 8:1) ኣብ “ጽምዊ ቦታ” ኼዕርፍ ድሕሪ ምኻዱ: እቶም ህዝቢ ተወሳኺ ትምህርቲ ደልዮም ምስ ረኸብዎ ዝደለይዎ ኣማልኣሎም። (ማርቆስ 6:30-34) በዚ ኸምዚ ንዅሎም ክርስትያናት ትጉሃት ኪዀኑ ኣብነት ሓደገሎም።—1 ዮሃንስ 2:6

የሱስ ዕዮኡ ወዲኡ ኻብ ምድሪ ዓረገ። የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ስለቲ ተኣማንነቱ ኣብ ሰማይ ንግስነትን ዘይትመውት ህይወትን ብምሃብ ዓስቡ ኸፈሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ “እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውት: ሞትውን ኣብኡ ኸም ዘይመልኽ” ይገልጽ። (ሮሜ 6:9) እምበኣር: ንደቅሰብ እቲ ዝበለጸ መራሒ ኸም ዝዀነ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። ክርስቶስ የሱስ ንምድሪ ምሉእ ብምሉእ ምስ ተቘጻጸራ: ንኻልእ ሰብ ስልጣን ምሃብ ኰነ መራሕቲ ምቅይያር ኣይኬድልን እዩ። ስልጣኑ ሒዙ ኸሎ ኸቶ ኣይኪቕተልን እዩ: ዕዮኡ ኸኣ ብዘይብቑዕ ተተካኢ ኣይኪፈርስን እዩ። ንደቅሰብ ንምጥቃም ግን ብፍላይ እንታይ እዩ ኺገብር፧

እዚ ሓድሽ መራሒ ዚገብሮ ነገራት

መዝሙር 72 ብትንቢታዊ መልክዕ እዚ ፍጹምን ዘይመውትን ንጉስ እንታይ ከም ዚገብር ትሕብረና። ኣብ ቍጽሪ 7ን 8ን “ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ: ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ። ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ: ካብ ርባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ኺመልኽ እዩ።” ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ተቐማጦ ምድሪ ዘለኣለማውን ዘየቋርጽን ደሓን ኪረኽቡ እዮም። ንዅሉ እቲ ሕጂ ዘሎ ኣጽዋር ውግእ ኬጥፍኦ: ካብ ኣልባብ ሰባት እውን ንምግጫው ዘለዎም ባህጊ ኺምሕዎ እዩ። እቶም ሕጂ ንኻልኦት ሰባት ዜጥቅዑ ኸም ግርጉር ኣንበሳ ወይ ሕሱም ድቢ ዝኣመሰሉ ሰባት: ባህሪኦም ፈጺሙ ኪቕየር እዩ። (ኢሳይያስ 11:1-9) ሰላም ኪሰፍን እዩ።

መዝሙር 72 ካብ ቍጽሪ 12 ኽሳዕ ቍጽሪ 14 “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ” ትብል። እቶም መሳኪንን ድኻታትን ጥቑዓትን ክፍሊ እታ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ዝሓበረት ሓጐስ ዝመልኣ ሰብኣዊ ስድራቤት ኪዀኑ እዮም። ህይወቶም ብስቓይን ተስፋ ምቝራጽን ዘይኰነስ ብሓጐስ ኪምላእ እዩ።—ኢሳይያስ 35:10

ቍጽሪ 16 “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን” ምዃኑ ትመባጻዕ። ኣብዚ ግዜና ጥሜት ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት የሳቒ ኣሎ። መብዛሕትኡ ግዜ ፖለቲካን ስስዐን ነቲ ምግቢ ብግቡእ ንኸይባጻሕ ይዓግት: በዚ ኸምዚ ድማ ቈልዑ ዚርከብዎም ብዙሓት ሰባት ብዓጸቦ ይሞቱ። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ ግን እዚ ጸገም እዚ ኣይኪህሉን እዩ። ምድሪ ባህ ዜብል ብዙሕ ምህርቲ ኸተእቱ እያ። ኵሎም ደቅሰብ ብጽቡቕ ኪምገቡ እዮም።

እዚ ኣብ ትሕቲ ንፉዕ መራሒ ዚህሉ በረኸት ክትረክብ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንብዘላ ምድሪ ዚቈጻጸራ መራሒ ኽትመሃር ነተባብዓካ። ኣብዚ መዳይ እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ ኣምላኽ ባዕሉ ብዛዕባ ወዱ “ኣነ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅዱስ ከረነይ ንጉሰይ ሸምኩ” ስለ ዝበለ: እዚ መወዳእታኡ ዜጕሂ ኣይኰነን።—መዝሙር 2:6

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]

ሃንደበት ካብ ስልጣን ምውራድ

ሓደ መራሒ ንተገዛእቱ ብእተወሰነ ደረጃ ሰላም እንተ ኣምጺኡሎምን መነባብሮ ጽቡቕ እንተ ገይሩሎምን መብዛሕትኡ ግዜ ኬኽብርዎን ኪድግፍዎን ትጽቢት ይገብር እዩ። ይኹን እምበር: ሰባት ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ኣብኡ ዝነበሮም ትውክልቲ እንተ ጐዲሉ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብቲ መንበረ-ስልጣን ካልእ ሰብ እዩ ኾፍ ዚብል። ገለ ኻብቲ ንሓያላት መራሕቲ ብሃንደበት ካብ ስልጣኖም ከም ዚወርዱ ዝገበሮም ኵነታት እንሆ:-

ሕማቕ መነባብሮ። ኣብ መወዳእታ መበል 18 ዘመን: ብዙሓት ዜጋታት ፈረንሳ ብዙሕ ግብሪ እናኸፈሉ ኽነሶም እኹል ምግቢ ዘይረኽቡሉ ዅነታት ተፈጢሩ ነይሩ። እዚ ዅነታት እዚ ሰውራ ፈረንሳ ንኺለዓዓል ኣበርክቶ ገበረ: ብ1793 ከኣ ንጉስ ሉዊ መበል 16 ተቐንጸለ።

ውግእ። ቀዳማይ ውግእ ዓለም ንገሊኦም ኣብ ታሪኽ ሓያላት ዝነበሩ ሃጸያት ከም ዜኽትሙ ገይሩ እዩ። ንኣብነት: ብ1917 ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ: ሩስያ: ብሰንኪ ውግእ ዝሰዓበ ዋሕዲ ምግቢ: ናብ ሰውራ ለካቲት ተቐየረ። እዚ ሰውራ እዚ ንንጉስ ኒኮላስ ዳግማይ ካብ ስልጣኑ ኣውረዶ: ናብ ኮምዩኒስታዊ ግዝኣት ድማ ኣምርሐ። ኣብ ሕዳር 1918 ጀርመን ሰላም ክትገብር ደልያ ነይራ: እተን ዚወግእኣ ዝነበራ ጥሙራት ሓይልታት ግን ኣብቲ መሪሕነት ለውጢ ኽሳዕ ዘይተገብረ ውግእ ደው ምባል ኣበያ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ሃጸይ ጀርመን ዝነበረ ቪልሀልም ቀዳማይ ናብ ነዘርላንድስ ተሰዲዱ ኺነብር ተገደደ።

ካልእ ስርዓት ምድላይ። ብ1989 እቲ ኣብ ትሕቲ ኮምዩኒስታዊ ስርዓት ዝነበረ መንግስትታት ወደቐ። እቶም ተገዛእቲ ንኮምዩኒዝም ነጺጎም ካልእ ዓይነት ስርዓት ኬቝሙ ስለ ዝደለዩ: እቲ ኸም ከውሒ ተሪር ዚመስል ዝነበረ ስርዓታት ተሓምሸሸ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንዝጠመዩ መገበ: ንዝሓመሙ ኣሕወየ: ንዅሎም ክርስትያናት ከኣ ሰናይ ኣብነት ሓደገ

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Lloyd George: Photo by Kurt Hutton/Picture Post/Getty Images