ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣጋንንቲ ኣብ እዋን እተን ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ኣበይ እዮም ኪነብሩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ብቐጥታ ኣይምልሳን እዩ። ይኹን እምበር: ኣጋንንቲ ኣብ እዋን እተን ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ኣበይ ከም ዚነብሩ ርትዓዊ መደምደምታ ኽንህብ ንኽእል ኢና።

ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጀመርታን ኣብ መደምደምታን እተን ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ እንታይ ከም ዚፍጸም ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ:- “መርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ መልኣኽ ድማ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ንሱውን ነቲ ገበል: ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን: ሐዞ: እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ: ሽሕ ዓመትውን አሰሮ። እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ኸኣ: ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን: ዐጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሐተመ። ድሕርዚ ንቕሩብ ጊዜ ኺፍታሕ ይግባእ እዩ።” (ራእይ 20:1-3) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ እቲ ዚእሰር ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኸኣ ዚፍታሕ ሰይጣን ጥራይ እያ እትጠቅስ። ሽሕ እኳ ኣብዚ ኣጋንንቲ እንተ ዘይተጠቕሱ: እቲ መልኣኽ መዓሙቝ ዝዀነ ግርማ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ ንድያብሎስ ሒዙ ኺኣስሮ ኸሎ ነጋንንቲ እውን ከም ዘይምሕሮም ርትዓዊ እዩ ዚመስል።—ራእይ 9:11

የሱስ ክርስቶስ ብ1914 ኣብ ሰማይ ምስ ነገሰ: ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ከቢድ ሳዕቤን ዘምጽኣሎም ስጕምቲ ወሲዱ እዩ። ራእይ 12:7-9 ከምዚ ትብል:- “ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፤ ሚካኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን [ኣጋንንትን] ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዐርዎምን ከአ: ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል: እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ: ናብ ምድሪ ተደርበየ: መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።” ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሽዑ ንነጀው ኣብ ከባቢ ምድሪ ተደርብዮም እዮም። የሱስ ክርስቶስ: ንምድሪ ኻብቲ እኩይ ጽልዋ ሰይጣን ምእንቲ ኼናግፋ ንሰይጣን ቀይዲ ኺገብረሉ ኸሎ ነጋንንቱ እውን ከም ዘይምሕሮም ርትዓዊ መደምደምታ ኽንህብ ንኽእል ኢና።

እቲ ናይ መጀመርታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ንርአ። ከምዚ ይብል:- “[ኣነ ኣምላኽ] ኣብ መንጎኻን [ኣብ መንጎ ሰይጣን] ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን [ሰማያዊት ማሕበር ኣምላኽን]: ኣብ መንጎ ዘርእኻን [ዘርኢ ሰይጣን] ኣብ መንጎ ዘርኣን [የሱስ ክርስቶስ] ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ: በሎ።” (ዘፍጥረት 3:15) ምጭፍላቕ ርእሲ እቲ ተመን: ሰይጣን ኣብቲ ክርስቶስ ዝገዝኣሉ ሽሕ ዓመት ኣብ መዓሙቝ ዚእሰረሉ ዅነታት ዜጠቓልል እዩ። እቲ ትንቢት ቀጺሉ ኣብ መንጎ እቲ ዚጭፍልቕን ኣብ መንጎ ዘርኢ ሰይጣንን ጽልኢ ኸም ዚህሉ እውን ይገልጽ እዩ። እዚ ዘርኢ ወይ ማሕበር እዚ በቶም እኩያት መላእኽቲ ወይ ኣጋንንቲ ዝቘመ ዘይርአ ኽፍሊ እውን ዜጠቓልል እዩ። ስለዚ እምበኣር የሱስ ንሰይጣን ኣብ መዓሙቝ ኪድርብዮ ኸሎ ነጋንንቱ እውን ኣሲሩ ኣብ መዓሙቝ ኪድርብዮም ኢልና ኽንድምድም ርትዓዊ እዩ። እቶም እኩያት መላእኽቲ ንመዓሙቝ ዓብዪ ፍርሃት ምፍርሆም ኣብዚ ቐይዲ እዚ ኽኣትዉ ምዃኖም ከም ዚፈልጡ ዚሕብር እዩ።—ሉቃስ 8:31

ይኹን እምበር: ኣብ ራእይ 20:1-3 ኣጋንንቲ ዘይተጠቕሱሉ ምኽንያት ኣብ ኣርማጌዶን ምስቲ ዝርአ ኽፍሊ ዘርኢ ሰይጣን ስለ ዚጠፍኡ ኪኸውን ይኽእልዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኪኸውን ከም ዘይክእል ዚገልጽ ሓሳባት ሒዙ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ ንሰይጣን ዜጋጥሞ ነገር ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል:- “እቲ ዘስሕቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም።” (ራእይ 20:10) እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን ፖለቲካውያን ባእታታት ኪዀኑ ኸለዉ ኽፍሊ እዚ ዝርአ ማሕበር ሰይጣን እዮም። (ራእይ 13:1, 2, 11-14፣ ራእይ 16:13, 14) መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኣርማጌዶን ንዅለን መንግስታት ዓለም ክትጭፍልቐንን ከተጥፍአንን ከላ ኸኣ እዮም ዚጠፍኡ። (ዳንኤል 2:44) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ “ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ” ይጠቅስ እዩ። (ማቴዎስ 25:41) ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንዘለኣለም ምእንቲ ኺጠፍኡ ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይሉ “ሓውን ዲንን” እዮም ዚድርበዩ። እቲ ዝሓየለ ዘይረአ መንፈሳዊ ኽፍሊ ዘርኢ ሰይጣን: ኣብ ኣርማጌዶን ዚጠፍእ ነይሩ እንተ ዚኸውን: ኣጋንንቲ እውን ኣብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይሉ ምሳልያዊ ቐላይ ሓዊ ኸም እተደርበዩ ምተጠቕሱ ነይሮም። ኣብ ራእይ 20:10 ዘይምጥቃሶም ኣብ ኣርማጌዶን ከም ዘይጠፍኡ ዜመልክት እዩ።

ኣጋንንቲ ኣብ መዓሙቝ ከም እተደርበዩ ብቐጥታ ስለ ዘይተጠቕሱ ኻብቲ መዓሙቝ ከም እተፈትሑ እውን ብንጹር ኣይተገልጸን። ይኹን እምበር: መወዳእታኦም ካብ ናይ ድያብሎስ እተፈልየ ኣይኰነን። ምስ ድያብሎስ ምስ ተኣስሩ እሞ ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት ምስኡ ተፈቲሖም ንደቅሰብ ንመወዳእታ ግዜ ምስ ኣስሓቱ: ንሳቶም እውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርብዮም ንዘለኣለም ኪጠፍኡ እዮም።—ራእይ 20:7-9

ስለዚ እምበኣር: ራእይ 20:1-3 ብዛዕባ እቲ ዚእሰርን ኣብ መዓሙቝ ከኣ ዚድርበን ሰይጣን ጥራይ እኳ እትጠቅስ እንተዀነት መላእኽቱውን ምስኡ ተኣሲሮም ከም ዚድርበዩ ርትዓዊ መደምደምታ ኽንህብ ንኽእል ኢና። ኣብተን ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ሰይጣን ይኹን ኣጋንንቱ ነቲ ኣምላኽ ንምድሪ ናብ ገነት ንምቕያርን ንደቅሰብ ናብ ፍጽምና ንምብጻሕን ዘለዎ ዕላማ ኸተዓናቕጹ ኣይኪፍቀደሎምን እዩ።