ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰባት ክንደይ ዓመታት እዮም ኪነብሩ ዚኽእሉ፧

ሰባት ክንደይ ዓመታት እዮም ኪነብሩ ዚኽእሉ፧

ሰባት ክንደይ ዓመታት እዮም ኪነብሩ ዚኽእሉ፧

ስጳኛዊ ዳህሳሲ ዃን ፖንሴ ዴ ሌኦን: ብ3 መጋቢት 1513 ካብ ፖርቶ ሪኮ ተላዒሉ ኣብ ደሴት ቢሚኒ ንኺበጽሕ ሓደ ኣቓልቦ ኺግበረሉ ዚግባእ መገሻ ጀመረ። ነቲ ብመሰረት ኣፈ ታሪኽ ፈልፋሊ ንእስነት ዚበሃል ተኣምራዊ ምንጪ ኺረክብ እዩ ደለዩ። እንተዀነ ግን: ኣብታ ሎሚ ሃገረ ፍሎሪዳ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትበሃል ቦታ እዩ በጺሑ። ነቲ ፈልፋሊ ኸኣ ኣይረኸቦን።

ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ ሎሚ ደቅሰብ ካብ 70 ወይ 80 ዓመት ንላዕሊ ኺነብሩ ኣይክእሉን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ካብዚ ዝነውሐ ዓመታት ዝጸንሑ ሰባት ከም ዘለዉ ብዝርዝር ዚገልጽ እኳ እንተዀነ: እቲ 2002 ጊነስ ቡክ ኦቭ ዎርልድ ሪኮርድ እተባህለ መጽሓፍ: ክሳዕ ሕጂ ኻብ ዝነበሩ ሰባት እታ 122 ዓመትን 164 መዓልትን ዝገበረት ሰበይቲ ነዊሕ ዕድመ ኸም ዝጸንሐት ይሕብር። (ዘፍጥረት 5:3-32) ይኹን እምበር: ብዛዕባ ባዮቲክ መጽናዕቲ ዜካይድ ጆን ሃሪስ ከምዚ በለ:- “እተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ: እርጋን: አረ ሞት እኳ ኸይተረፈ ዘየጋጥሞ ሕብረተሰብ ኪመጽእ ይኽእል እዩ።” ኣብዚ መበል 21 ዘመን: መጽናዕቲ ዘካይዱ ሓያሎ ተመራመርቲ “ዘይሙማት ኪህሉ እዩ:” “ኣብ 2099 ዕምሪ ደቅሰብ ደረት ዘይብሉ ኪኸውን እዩ:” “ዋህዮታት እናተተክአ ንዘለኣለም ኪቕጽል ተኽእሎ ኣለዎ” ዚብልን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ሓሳባትን ይጠቕሱ እዮም።

ማርክ ቤኪ ኣብታ ዘ ድሪም ኦቭ ኤተርናል ላይፍ እተባህለት መጽሓፉ: “ብህይወት ኣብ ዘለናሉ እዋን ዋህዮታት ኣካላትና ዳርጋ ብምሉኦም ሓያሎ ግዜ ይሕደሱ እዮም። . . . ኣብ ሸውዓተ ዓመት ኣቢሉ ኸኣ ሓድሽ ኣካላት እዩ ዚህልወና” በለ። ይኹን እምበር: እዚ መስርሕ እዚ ንሓዋሩ ዚቕጽል ኣይኰነን: ከመይሲ ዋህዮታት ንእተወሰነ ግዜ ምስ ተመቓቐሉ ምትኽኻእ የቋርጹ እዮም። ምቍራጽ እንተ ዘይህሉ ነይሩ ግን በኒክ ከም ዝበሎ “ኣካላት ሰብ ንኣዝዩ ነዊሕ እዋን: አረ ንዘለኣለም እውን ከይተረፈ እናተሓደሰ ምነበረ ነይሩ።”

ብዛዕባ እቲ ዜገርም ተኽእሎ ዘለዎ ኣእምሮ ወድሰብ እውን ንሕሰብ። ኣእምሮ ኣብ ውሽጢ እዚ ብተዛማዲ ኽርአ ኸሎ ሓጺር ዝዀነ ዕምርና ኻብቲ ዘለዎ ተኽእሎ ሒደት ጥራይ ኢና እንጥቀመሉ። ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ብዝበሎ መሰረት ኣእምሮ ወድሰብ “ካብቲ ሕጂ ሓደ ሰብ ኣብ ህይወቱ ዚጥቀመሉ ዘሎ ንላዕሊ ኺሰርሕ ከም ዚኽእል ኰይኑ እዩ ተዳልዩ።” (1976 ሕታም: ጥራዝ 12 ገጽ 998) ዳቪድ ኤ. ሳውሳ ኣብታ “ኣእምሮ ብኸመይ ከም ዚሰርሕ” እትበሃል መጽሓፉ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እቲ ኣእምሮ ሓበሬታ ንምኽዛን ዘለዎ ተኽእሎ ደረት የብሉን።”—ገጽ 78,  ካልኣይ ሕታሙ: መሰል ደራሲ 2001

ተመራመርቲ እቲ እንሞተሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኺርድኦም ዘይክኣለ ስለምንታይ እዩ፧ ኣእምሮ ወድሰብ ክሳዕ ክንድዚ ናይ ምኽዛን ተኽእሎ ዘለዎኸ ስለምንታይ እዩ፧ ንዘለኣለም ፍልጠት እናቐሰምና ኽንነብር ከም እንኽእል ኴንና ኽንፍጠርሲ ዚከኣል ድዩ፧ አረ: ብስሩ ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንሓስብ እንኽእልከ ስለምንታይ ኢና፧

መጽሓፍ ቅዱስ “ንዅሉ በብግዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ: ኣምላኽ ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ” ብምባል ይገልጽ። (መክብብ 3:11) እዘን ቃላት እዚኣተን ኣምላኽ ንዘለኣለም ምንባር ዚብል ሓሳብ ከም ዝተኸለልና ይሕብራ። እወ: ወትሩ ብዛዕባ ኣምላኽን ዕዮታቱን ክንመሃሮ እንኽእል ነገራት ኣሎ። ቍጽሪ ንዘይብሉ ቢልዮናት ዓመታት: እወ ንዘለኣለም: እንተደኣ ብህይወት ቀጺልና ወትሩ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ፍጥረታት ኣምላኽ እንመሃሮ ሓያሎ ነገራት ኣሎ።

የሱስ ክርስቶስ እተዛረቦ ቓላት እውን ወድሰብ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር ከም ዚኽእል ዚሕብር እዩ። “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) ንስኻኸ ንዘለኣለም ክትነብር ትደሊዶ፧

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ዃን ፓንሴ ዴ ሌኦን ፈልፋሊ ንእስነት ኪረክብ ደለየ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Ponce de León: Harper’s Encyclopædia of United States History