ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ

ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ

ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ

“ኪድ እሞ ንህዝበይ . . . ተነበየሉ።” —ኣሞጽ 7:15

1, 2. ኣሞጽ እንታዋይ እዩ ነይሩ: መጽሓፍ ቅዱስከ ብዛዕባኡ እንታይ እዩ ዚገልጸልና፧

 ሓደ ምስክር የሆዋ: ኣብ ኣገልግሎት ከሎ: ሓደ ኻህን መጺኡ ተጻረሮ። እቲ ኻህን ‘ስብከትካ ኣቋርጽ! ካብዚ ኸባቢ ድማ ኪድ!’ በሎ። እቲ ምስክር የሆዋ እንታይ ገበረ፧ ከምቲ እተባህለሉ ድዩ ገይሩ: ወይስ ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ምዝራብ እዩ ቐጺሉ፧ እቲ ምስክር የሆዋ ነቲ ተመክሮኡ ኣብታ ስሙ ዝሓዘት መጽሓፍ ስለ ዝጸሓፎ ነቲ ድሕሪኡ ዘጋጠሞ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። እታ መጽሓፍ እቲኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ኣሞጽ እያ። ብዛዕባ እቲ ኣሞጽ ምስቲ ኻህን ዘጋጠሞ ነገራት ጸኒሕና ኽንምለሶ ኢና: ፈለማ ግን ብዛዕባ ኣተዓባብያ ኣሞጽ መሰረት ዚዀነና ሓበሬታ እስከ ንርአ።

2 ኣሞጽ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧ ኣበይ ይነብር ነይሩ፧ ኣበየናይ እዋንከ እዩ ዚነብር ነይሩ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ኣሞጽ 1:1 ንረኽቦ ኢና። እታ ጥቕሲ “ቃላት ኣሞጽ: እቲ ኻብ ጓሶት ተቆዓ ዝነበረ: ብዘመን ኡዝያ ንጉስ ይሁዳን ብዘመን የሮብዓም: ወዲ ዮኣስ ንጉስ እስራኤልን” ትብል። ኣሞጽ ኣብታ ኻብ የሩሳሌም 16 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ተቆዓ እትበሃል ኣብ ይሁዳ እትርከብ ከተማ እዩ ዓብዩ። ኣብ መወዳእታ ታሽዓይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ንጉስ ኡዝያ ኣብ ይሁዳ: ንጉስ የሮብዓም ዳግማይ ከኣ ኣብ እስራኤል ኣብ ዚገዝኡሉ ዝነበሩ እዋን እዩ ዚነብር ነይሩ። ጓሳ ድማ እዩ ነይሩ። ኣሞጽ 7:14 ድማ “ጓሳ ኣሓ” ጥራይ ዘይኰነስ “ኣራይ ዳዕሮ” እውን ከም ዝነበረ ትነግረና። ስለዚ: ምህርቲ ኣብ ዚሕፈሰሉ ወቕቲ ኻልእ ስራሕ ነበሮ። ነቲ ፍረ ዳዕሮ በጻብዑ ይጸቓቕጦ ነበረ። እዚ ዕዮ እዚ ነቲ ዳዕሮ ቐልጢፉ ንኺበስል የኽእሎ። ኣድካሚ ስራሕ ከኣ እዩ ነይሩ።

‘ኪድ: ተነበ’

3. ንኽንሰብኽ ብቕዓት ዘይብልና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና: ብዛዕባ ኣሞጽ ምፍላጥ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

3 ኣሞጽ ብግልጺ “ነብዪ ወይስ ወዲ ነብዪ ኣይኰንኩን” በለ። (ኣሞጽ 7:14) እወ: ካብ ነብዪ ኣይተወልደን: ነብዪ ንኪኸውን ድማ ስልጠና ኣይተዋህቦን። የሆዋ ግን ካብቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ሰባት ሓያል ንጉስ: ወይ ምሁር ካህን: ወይ ሃብታም ሓለቓ ኣይመረጸን: የግዳስ ዕዮኡ ንኺዓየሉ ንኣሞጽ እዩ መሪጽዎ። እዚ ድማ ንዓና ዓብዪ ትምህርቲ እዩ ዚዀነና። ልክዕ ከም ኣሞጽ ብዓለማዊ ኣረኣእያ ወይ ብትምህርቲ ዝመጸ ብዙሕ ግምት ዘይወሃበና ኽንከውን ንኽእል ኢና። እዚ ግን ቃል ኣምላኽ ንምስባኽ ብቕዓት ዘይብልናዶ ኺገብረና ይኽእል እዩ፧ ኣይፋሉን! የሆዋ ኣብ ኣጸጋሚ ዞባ እውን ከይተረፈ መልእኽቱ ንኽንሰብኽ ኬዕጥቐና ይኽእል እዩ። የሆዋ ንኣሞጽ ከምኡ ስለ ዝገበረሉ: ነቶም ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ኪዛረቡ ዚደልዩ ዘበሉ ነቲ ኣሞጽ ዝሓደጎ ኣብነታት ምምርማሩ ትምህርቲ ኪዀኖም ይኽእል እዩ።

4. ንኣሞጽ ኣብ እስራኤል ምንባይ ከቢድ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

4 የሆዋ ንኣሞጽ “ኪድ እሞ ንህዝበይ እስራኤል ተነበየሉ” በሎ። (ኣሞጽ 7:15) እዚ ዕዮ እዚ ኸቢድ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ሰላምን ህድኣትን ብልጽግናን ረኺባ ነበረት። ብዙሓት ካብ ህዝባ “ቤት ክረምትን” “ቤት ሓጋይን” ነበሮም: እዚ ኣባይቲ እዚውን ብተራ ናይ ጭቃ ሕጡብ ዘይኰነስ ብኽቡር ዝዋጋኡ “ጽሩብ ኣእማን” እተሰርሐ እዩ ነይሩ። ገሊኣቶም ብስኒ ሓርማዝ እተሰርሐ ምልኩዕ ኣቝሑ ገዛ ነበሮም: ኣብ “ዜብህግ ኣታኽልቲ ወይኒ” ዝፈረየ ወይኒ ድማ ይሰትዩ ነበሩ። (ኣሞጽ 3:15፣ 5:11) ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ሰባት ሸለል በሃልቲ ዀኑ። ኣሞጽ ዜገልግለሉ ዝነበረ ዞባ ምስቲ መብዛሕትና ኣብ ኣገልግሎትና ዜጋጥመና ዘሎ ኣጸቢቑ ዚመሳሰል እዩ።

5. ገሊኦም እስራኤላውያን እንታይ ዘይፍትሓዊ ተግባር እዮም ዚገብሩ ነይሮም፧

5 እስራኤላውያን ስጋዊ ጥሪት ምጥራዮም ጌጋ ኣይነበረን። ይኹን እምበር: ገሊኣቶም ንሃብቶም ብምትላል እዮም ኣኪቦምዎ። እቶም ሃብታማት ‘ንድኻታት የጥቅዕዎም: ንመሰኪን ከኣ የጨንቕዎም’ ነበሩ። (ኣሞጽ 4:1) ሓያላት ነጋዶ: ደያኑ: ከምኡውን ካህናት ንድኻታት ንምምዝማዝ ውዲት ይኣልሙ ነበሩ። ሕጂ ንድሕሪት ምልስ ኢልና እዞም ሰባት እዚኣቶም ዚገብርዎ ዝነበሩ እስከ ንመርምር።

ሕጊ ኣምላኽ ተጣሒሱ

6. እስራኤላውያን ነጋዶ ንኻልኦት ዚምዝምዙ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

6 ፈለማ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ዕዳጋ ዚግበር ዝነበረ ንመርምር። ኣብኡ መታለልቲ ነጋዶ ‘ኤፋ የንእሱ: ሲቃል ድማ ይውስኹ:’ ሕሉፍ ሓሊፎም ከኣ “ጕርዲ ስርናይ” ይሸጡ ነበሩ። (ኣሞጽ 8:5, 6) እቶም ነጋዶ ንዓማዊሎም ካብቲ ዚግባእ ዚውሕድ ብምሻጥ: ዘይግቡእ ዋጋ ብምኽፋል: ጥዑይ ዘይኰነ እኽሊ ድማ ብምሻጥ የታልልዎም ነይሮም። እቶም ነጋዶ ነቶም ድኻታት ምስ ኣንደይዎም ከኣ እቶም ድኻታት ባሮት ንኪዀኑ ገዛእ ርእሶም ይሸጡ። ድሕሪኡ: እቶም ነጋዶ ‘ብሓንቲ ጽምዲ ሳእኒ ይሻየጥዎም።’ (ኣሞጽ 8:6) ሕስብ እሞ ኣብሎ! እዞም ስሱዓት ነጋዶ ነቶም ከማታቶም እስራኤላውያን ካብ ሳእኒ ዘይበልጹ ገይሮም እዮም ዚርእይዎም ነይሮም! እቶም ስኡናት ክሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ተዋሪዶም: እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ንሕጊ ኣምላኽ ዚጥሕስ! እንተዀነ ግን: እዞም ነጋዶ እዚኣቶም “ሰንበት” ተጠንቂቖም ይሕልዉ ነበሩ። (ኣሞጽ 8:5) እወ: ሃይማኖታውያን እኳ እንተ ነበሩ: ብደጊኦም ጥራይ እዮም ከምኡ ነይሮም።

7. እስራኤላውያን ነጋዶ ሕጊ ኣምላኽ ኬፍርሱ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

7 እቶም ነጋዶ ነቲ “ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ” ዚብል ሕጊ ኣምላኽ ኣፍሪሶም ከይተቐጽዑ ኺተርፉ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ (ዘሌዋውያን 19:18) እቶም ነቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ንኺውዕል ዚቈጻጸሩ ደያኑ ኣብቲ ገበን ይተሓባበርዎም ብምንባሮም እዮም ዘይተቐጽዑ። ኣብቲ ንፍርዲ ዚቐርብ ጕዳያት ዝረኣየሉ ደገ እቲ ኸተማ: እቶም ደያኑ ‘ደርሆ ይቕበሉ’ ወይ ብመሰረት ትርጕም 1990 ‘መማለዲ ይቕበሉ’ እሞ ‘ነቲ መስኪን ኣብ ደገ ይገፍዕዎ ነበሩ።’ እዞም ደያኑ ንመስኪን ኣብ ክንዲ ዕቝባ ዚዀንዎ: ብመማለዲ ይኽሕድዎ ነበሩ። (ኣሞጽ 5:10, 12) ስለዚ: ንሕጊ ኣምላኽ ዕሽሽ እዮም ዚብሉ ነይሮም።

8. እቶም እኩያት ካህናት ንምንታይ ተግባር እዮም ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ዚዀኑ ዝነበሩ፧

8 ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ኻህናትከ እንታይ እዮም ዚገብሩ ነይሮም፧ ነዚ ንምፍላጥ ኣብ ካልእ ቦታ ኽንምርምር የድልየና። እቶም ካህናት ኣብ “ቤት ኣምላኾም” እንታይ ኪግበር ከም ዘፍቀዱ እሞ ንርአ! ኣምላኽ ብኣሞጽ ኣቢሉ “ነቲ ቅዱስ ስመይ ኬርክስዎ ድማ: ሰብኣይን ኣቦኡን ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ይኸዱ” በለ። (ኣሞጽ 2:7, 8) ሕስብ እሞ ኣብሎ! እስራኤላውያን ሰብኡትን ኣወዳቶምን ምስ ሓንቲ ናይ ቤተ መቕደስ ኣመንዝራ ጾታዊ ርኽሰት ይፍጽሙ ነይሮም። እቶም እኩያት ካህናት ከኣ ነቲ ርኽሰት ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ይዀኑ ነበሩ!—ዘሌዋውያን 19:29፣ ዘዳግም 5:18፣ 23:17

9, 10. እስራኤላውያን ነየናይ ሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓሶም እዮም ገበነኛታት ዝነበሩ: እዚኸ ኣብዚ ግዜና ምስ ምንታይ ኪመሳሰል ይኽእል፧

9 የሆዋ ኻልእ ሓጢኣቶም ኪጠቅስ ከሎ “ኣብ ጥቓ ዅሉ መሰውኢታት ነቲ ብታሕዚ እተቐበልዎ ኽዳውንቲ ኣንጺፎም ይድቅሱ: ናይ ካሕሳ ወይኒ ድማ ኣብ ቤት ኣምላኾም ይሰትዩ” በለ። (ኣሞጽ 2:8) እቶም ካህናትን እቶም ህዝብን ብሓፈሻ ነቲ ኣብ ዘጸኣት 22:26, 27 ዚርከብ ጸሓይ ከይዓረበት ብታሕዚ እተታሕዘ ኽዳን ኪምለስ ከም ዘለዎ ዚእዝዝ ሕጊ ሸለል ኢሎምዎ ነበሩ። የግዳስ: ኣብቲ ቤተ መቕደስ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቶም በዓል ኬብዕሉን ኪሰትዩን ከለዉ ዜሳፍሑሉ ምንጻፍ ገበርዎ። በቲ ኻብ ድኻታት ዝረኸብዎ ኻሕሳ ወይ ክፍሊት ከኣ ኣብ በዓላት ናይ ሓሶት ኣማልኽቶም ንኺሰትይዎ ወይኒ ይዕድጉ ነበሩ። ካብ መገዲ ንጹህ ኣምልኾ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ርሒቖም!

10 እስራኤላውያን ነተን ኣብቲ ሕጊ ዚርከባ ኽልተ ዝዓበያ ትእዛዛት: ማለት እተን ንየሆዋን ንብጻዮምን ኬፍቅሩ እተዋህባኦም ትእዛዛት ስኽፍ ከይበሎም እዮም ጥሒሶምወን። በዚ ምኽንያት እዚ ኣምላኽ ስለቲ ዘይተኣማንነቶም ምእንቲ ኪዅንኖም ንኣሞጽ ለኣኾ። ኣብዚ ግዜና ኣባላት ህዝበ-ክርስትያንን ዝተረፈ ኽፋል ዓለምን ነቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ብልሽውና እዮም ዜንጸባርቑ ዘለዉ። ገሊኣቶም ሰባት ኪህብትሙ ኸለዉ: ብዙሓት ግን ብቝጠባ ይድቈሱ: በቲ እቶም መታለልቲ መራሕቲ ዓበይቲ ትካላት ንግዲ: ፖለቲከኛታት: ከምኡውን መራሕቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚገብርዎ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ከኣ ስምዒቶም ይጕዳእ። ይኹን እምበር: የሆዋ ነቶም ዚሳቐዩ ዘለዉን ንኺደልይዎ እተደረኹን ሰባት ይሓልየሎም እዩ። ስለዚ: ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ኣገልገልቱ ኸምቲ ንኣሞጽ ተዋሂብዎ ዝነበረ ዕዮ ኺዓዩ: ማለት ቃሉ ብትብዓት ኪሰብኩ መዚዝዎም ኣሎ።

11. ካብ ኣብነት ኣሞጽ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

11 ኣብ መንጎ እቲ ንኣሞጽን ንዓናን እተዋህበ ዕዮ ምምስሳል ስለ ዘሎ: ተመክሮኡ ምምርማርና ብዙሕ ኪጠቕመና እዩ። አረ ኻብ ኣሞጽሲ (1) እንታይ መልእኽቲ ኽንሰብኽ ከም ዘሎና: (2) ብኸመይ ክንሰብኽ ከም ዘሎና: (3) ኣብ ምድሪ ዚርከብ ዝዀነ ይኹን ፍጡር ንዕዮ ስብከትና ደው ኬብሎ ዘይክእል ስለምንታይ ምዃኑ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ነዚ ነጥብታት እዚ በብሓደ እስከ ንርኣዮ።

ንኣሞጽ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

12, 13. የሆዋ ንእስራኤላውያን ከም ዘይተሓጐሰሎም ብኸመይ ገለጸ: ንሳቶምከ ብዛዕባ እዚ እንታይ ገበሩ፧

12 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን: ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ዘተኰረ ዕዮ እዩ ዘሎና። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ማርቆስ 13:10) ይኹን እምበር: ልክዕ ከምቲ ኣሞጽ: የሆዋ ነቶም እኩያት ከቢድ ፍርዲ ኸም ዜውርደሎም ዝኣወጀ: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መጠንቀቕታ እውን ንሰብኽ ኢና። ንኣብነት: ኣብ ኣሞጽ 4:6-11 የሆዋ ንእስራኤላውያን ከም ዘይተሓጐሰሎም ደጋጊሙ ገለጸሎም። ነቶም ህዝቢ ‘እንጌራ ኣስኣኖም: ዝናም ከልከሎም: ብሃጕን ብዋግን ወቕዖም: ፌራ ድማ ሰደደሎም።’ እዚ ነገራት እዚ ንእስራኤላውያን ከም ዚንስሑ ገይርዎምዶ፧ ኣምላኽ “ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” በሎም። እወ: እስራኤላውያን ንየሆዋ ብተደጋጋሚ እዮም ነጺጎምዎ።

13 የሆዋ ነቶም ዘይንስሑ እስራኤላውያን ኪቐጽዖም ወሰነ። ቅድሚኡ ግን ትንቢታዊ መጠንቀቕታ ኺንገሮም ነበሮ። ምስዚ ብምስምማዕ ኣምላኽ ባዕሉ “እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም: ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ” በለ። (ኣሞጽ 3:7) ከምቲ የሆዋ ንኖህ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዝነበረ ማይ ኣይሂ ዝገለጸሉን ነቲ መጠንቀቕታ ኺነግር ዝኣዘዞን: ንኣሞጽ እውን ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ኺነግር ኣዘዞ። እቲ ዜሕዝን ግን: እስራኤላውያን ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ መልእኽቲ ዕሽሽ በልዎ: ግቡእ ስጕምቲ ድማ ኣይወሰዱን።

14. ኣብ መንጎ እቲ ኣሞጽ ዝነበረሉ ግዜን ኣብዚ ግዜናን እንታይ ምምስሳል እዩ ዘሎ፧

14 ኣብ መንጎ እቲ ኣሞጽ ዝነበረሉ ግዜን እዚ ዘለናሉ ግዜን ዜደንቕ ምምስሳል ከም ዘሎ ብዘይ ጥርጥር ትሰማምዓሉ ኢኻ። የሱስ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ብዛዕባ ዚወርድ መዓት ኣቐዲሙ ተነብዩ ነይሩ። ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት እውን ተነብዩ እዩ። (ማቴዎስ 24:3-14) እንተዀነ ግን: ከምቲ ብግዜ ኣሞጽ ዘጋጠመ: ሎሚውን ብዙሓት ሰባት ነዚ ኣብዚ ግዜና ዚርአ ምልክታትን ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽን ዕሽሽ ይብልዎ ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቶም ዘይተነስሑ እስራኤላውያን ዘጋጠሞም ኵነታት እዩ ኼጋጥሞም። የሆዋ “ንኣምላኽካ ኽትቃባበል ተዳሎ” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (ኣሞጽ 4:12) ሰራዊት ኣሶር ንእስራኤል ምስ ወረራ: እቶም እስራኤላውያን በቲ ዝወረዶም ሕማቕ ፍርዲ ኣቢሎም ንኣምላኽ ተቐባቢሎምዎ እዮም። ኣብዚ ግዜና እዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ኣብ ኣርማጌዶን ‘ንኣምላኽ ክትቀባበሎ’ እያ። (ራእይ 16:14, 16) ክሳዕ ሽዑ ግን ትዕግስቲ የሆዋ ኽሳዕ ዝቐጸለ: ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት: ‘ንየሆዋ ድለዩ: ብህይወት ድማ ክትነብሩ ኢኹም’ ኢልና ኽንምሕጸን ኢና።—ኣሞጽ 5:6

ከም ኣሞጽ ንዜጋጥመና ምጽራር ምስጋሩ

15-17. (ሀ) ኣማስያ እንታዋይ እዩ ነይሩ: ነቲ ኣሞጽ እተዛረቦ ዘረባኸ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ (ለ) ኣማስያ ንኣሞጽ እንታይ ኢሉ ኸሰሶ፧

15 ኣሞጽ እንታይ ከም እንሰብኽ ጥራይ ዘይኰነስ ብኸመይ ከም እንሰብኽ እውን ኣርእዩና እዩ። እዚውን ኣብ ምዕራፍ 7 ጐሊሑ ንረኽቦ። ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ካህን ኣሎ። እቲ ኻህን እቲ “ኣማስያ ካህን ቤት-ኤል” እዩ። (ኣሞጽ 7:10) ቤት-ኤል ኣምልኾ ምራኽ ዝካየደላ ዝነበረት ሃይማኖታዊት ማእከል እቶም ከሓድቲ እስራኤላውያን ነበረት። ስለዚ: ኣማስያ ናይቲ እታ ሃገር እትስዕቦ ዝነበረት ሃይማኖት ካህን እዩ ነይሩ። ነቲ ኣሞጽ ብትብዓት ዝእውጆ ዝነበረ መልእኽቲ ደኣሞ እንታይ ምላሽ እዩ ዝሃበ፧

16 ኣማስያ ንኣሞጽ “ኣታ ነብዪ: ኪድ: ናብ ሃገር ይሁዳ ህደም: ኣብኣ ኸኣ እንጌራኻ ብላዕ: ኣብኣውን ተነበ: ቤት-ኤል ግና መቕደስ ንጉስን ቤተ መንግስትን እያ እሞ: ደጊም ድሕርዚ ኣብኣ ኣይትነበ” ኢሉ ተዛረቦ። (ኣሞጽ 7:12, 13) ስለዚ: ኣማስያ ብኻልእ ኣዘራርባ ‘ናብ ዓድኻ ኺድ! ንሕና ሃይማኖትና ኣሎና’ እዩ ዚብሎ ነይሩ። ንንጉስ የሮብዓም ዳግማይ “ኣሞጽ ኣብ ማእከል ቤት እስራኤል ተማሓሒሉልካ አሎ” ኢሉ ብምንጋር: ንንጥፈታት ኣሞጽ ንምእጋድ ነቲ መንግስቲ ኼለዓዕል እውን ፈቲኑ እዩ። (ኣሞጽ 7:10) እወ: ኣማስያ ንኣሞጽ ብኽሕደት እዩ ኸሲስዎ። ነቲ ንጉስ “ንሱ [ኣሞጽ]: የሮብዓም ብሰይፊ ኺመውት: እስራኤልውን ካብ ሃገሩ ኺማረኽ እዩ: ኢሉ እዩ” በሎ።—ኣሞጽ 7:11

17 ኣማስያ ኣብዛ ሓንቲ ምሉእ ሓሳባት እዚኣ ሰለስተ ዜታልል ሓሳባት ኣእትዩ ኣሎ። ፈለማ “ንሱ . . . ኢሉ እዩ” ብምባል ኣሞጽ ከም እተዛረበ ገይሩ ኣቕረቦ። ኣሞጽ ግን ምንጪ ናይ ሓደ ትንቢት ከም ዝዀነ ገይሩ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ ክንድኡስ ኵሉ ሳዕ “እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ” እናበለ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ኣሞጽ 1:3) ኣሞጽ: “የሮብዓም ብሰይፊ ኺመውት . . . እዩ” ኢሉ ኸም እተዛረበ እውን ተኸሲሱ ኣሎ። ኣብ ኣሞጽ 7:9 ተገሊጹ ኸም ዘሎ ግን “ኣነውን [የሆዋ] ሰይፊ ሒዘ ንቤት የሮብዓም ክትንስኣ እየ” ኢሉ እዩ እተነበየ። የሆዋ “ንቤት” ወይ ንዘርኢ የሮብዓም ደኣ እምበር ንየሮብዓም ኣይኰነን ኬጥፍኦ ዝመደበ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣማስያ ንኣሞጽ “እስራኤልውን ካብ ሃገሩ ኺማረኽ እዩ” ኢሉ ኸም እተዛረበ ኸሰሶ። እንተዀነ ግን: ኣሞጽ እቶም ናብ ኣምላኽ ዚምለሱ እስራኤላውያን በረኸት ከም ዚረኽቡ እውን ተነብዩ ነይሩ እዩ። እምበኣር: ኣማስያ ገለ ሓሳባት ጠውዩ ብምቕራብ ኣብቲ ኣሞጽ ዚፍጽሞ ዝነበረ ዕዮ ስብከት ወግዓዊ እገዳ ኺግበር እዩ ዚፍትን ነይሩ።

18. ኣብ መንጎ እቲ ኣማስያ እተጠቕመሉ ሜላታትን ሕጂ ዘለዉ ኣቕሽሽቲ ዚጥቀሙሉ ሜላታትን እንታይ ምምስሳል እዩ ዘሎ፧

18 ኣብ መንጎ እቲ ኣማስያ እተጠቕመሉ ሜላታትን እቶም ሕጂ ንህዝቢ የሆዋ ዚጻረሩ ዚጥቀሙሉ ሜላታትን ዘሎ ምምስሳል ኣስተብሂልካሉዶ፧ ልክዕ ከምቲ ኣማስያ ንኣሞጽ ስቕ ኬብሎ ዝፈተነ: እዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣቕሽሽትን ኣቡናትን እውን ነቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝፍጽምዎ ዕዮ ስብከት ኪዓግቱ ይፍትኑ እዮም። ኣማስያ ኣልዕል ኣቢሉ ንኣሞጽ ከሓዲ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኸሰሶ። ኣብዚ ግዜና እውን ገሊኣቶም ኣቕሽሽቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሃገራዊ ጸጥታ ዜስግኡ እዮም ኢሎም ብሓሶት ይኸስዎም እዮም። ከምቲ ኣማስያ ንኣሞጽ ንምስናፍ ካብ ንጉስ ሓገዝ ዝደለየ: ኣቕሽሽቲውን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምስጓግ ካብቶም ፖለቲካውያን መሻርኽቶም ሓገዝ ይደልዩ እዮም።

ተጻረርቲ ንስብከትና ደው ኬብልዎ ኣይክእሉን እዮም

19, 20. ኣሞጽ ካብ ኣማስያ ምጽራር ምስ ኣጋጠሞ እንታይ ገበረ፧

19 ኣሞጽከ ኻብ ኣማስያ ምጽራር ምስ ኣጋጠሞ እንታይ እዩ ዝገበረ፧ ፈለማ: ነቲ ኻህን “ኣንጻር እስራኤል ኣይትነበ: . . . ትብል አሎኻ” በሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸይተወላወለ ነቲ ኣማስያ ኺሰምዖ ዘይደለዮ ቓላት ምዝራብ ቀጸለ። (ኣሞጽ 7:16, 17) ፈጺሙ ድምብርጽ ኣይበሎን። ኣየ ኸመይ ዝበለ ብሉጽ ኣብነት ኰን እዩ ዚዀነና! ንሕናውን ኣብተን ከቢድ መስጐጕቲ ዜውርዳ ብኣማስያ ዝምሰሉ ሰባት ዘለውወን ሃገራት እውን ከይተረፈ ጽምብርድ ከይበለና ንቓል ኣምላኽ ብትብዓት ክንዛረብ ኢና። ልክዕ ከም ኣሞጽ “የሆዋ ከምዚ ይብል ኣሎ” ኢልና ኻብ ምስባኽ ኣይከነቋርጽን ኢና። “ኢድ” የሆዋ ምሳና ስለ ዝዀነት ከኣ ተጻረርትና ንስብከትና ደው ኬብልዎ ኣይክእሉን እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 11:19-21

20 ኣማስያ እቲ ምጕብዕባዑ ኸንቱ ኸም ዚኸውን ኪፈልጥ ነይርዎ። ከመይሲ: ኣሞጽ ኣቐዲሙ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዝዀነ ይኹን ፍጡር ንምንታይ ትም ኬብሎ ኸም ዘይክእል ገሊጹ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ እቲ ሕጂ እንምርምሮ ሳልሳይ ነጥቢ እዩ። ብመሰረት ኣሞጽ 3:3-8 ብዘይ ምኽንያት ዚኸውን ነገር ዋላ ሓንቲ ኸም ዘየለ ንምርዳእ ሕቶታትን መረዳእታትን ብተኸታታሊ ተጠቕመ። ድሕሪኡ “ኣንበሳ ጓዚሙስ መን እዩ ዘይፈርህ፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተዛሪቡኸ መን እዩ ዘይንበ፧” ብምባል ገለጸ። ብኻልእ ኣዘራርባ ነቶም ሰማዕቱ: ‘ከምቲ ኣንበሳ ኺጓዝም ከሎ ሰሚዕኩም እትፈርሁ: ኣነውን የሆዋ እንተ መዚዙኒ ቓል ኣምላኽ ካብ ምስባኽ ድሕር ኣይብልን እየ’ እዩ ዚብሎም ነይሩ። ንኣሞጽ ንኺዛረብ ዝደረኾ ፍርሃት ኣምላኽ ወይ ንየሆዋ ዝነበሮ ዓሚቝ ኣኽብሮት እዩ።

21. ነቲ ኣምላኽ ብስራት ንኽንሰብኽ ዝሃበና ትእዛዝ ብኸመይ ኢና ምላሽ እንህበሉ፧

21 ንሕናውን የሆዋ ንኽንሰብኽ ዝሃበና መዝነት ሰሚዕና ኢና። ብኸመይከ ኢና ምላሽ እንህበሉ፧ ልክዕ ከም ኣሞጽን ከምቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስን ብሓገዝ የሆዋ: ቃሉ ብትብዓት ብምዝራብ ኢና ምላሽ እንህበሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:23-31) ተጻረርቲ ዘምጽእዎ መስጐጕቲ ዀነ እቶም እንሰብከሎም ሰባት ዘርእይዎ ዘይምግዳስ ስቕ ኣይኬብለናን እዩ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቲ ናይ ኣሞጽ ቅንኣት ብምንጽብራቕ ብትብዓት ነቲ ብስራት ኪሰብኩ እዮም። ንሰባት ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዘሎ ፍርዲ የሆዋ ንኸነጠንቅቖም ሓላፍነት ኣሎና። እዚ ፍርዲ እዚ እንታይ ዜጠቓልል እዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ኪግለጽ እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ኣሞጽ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መዝነት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ፈጺምዎ፧

• ንሕናውን ከም ኣሞጽ እንታይ ኢና ኽንሰብኽ ዘሎና፧

• ዕዮ ስብከትና እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ሒዝና ኢና ኽንፍጽሞ ዘሎና፧

• ተጻረርቲ ንምስክርነትና ደው ኬብልዎ ዘይከኣሉ ስለምንታይ እዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ነቲ ኣራይ ዳዕሮ ዝነበረ ኣሞጽ ዕዮኡ ኺገብረሉ መረጾ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ንስኻኸ ከም ኣሞጽ መልእኽቲ የሆዋ ብትብዓት ትእውጅዶ ኣለኻ፧