ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ንልቢ ዚምርምር የሆዋ ድለዮ

ነቲ ንልቢ ዚምርምር የሆዋ ድለዮ

ነቲ ንልቢ ዚምርምር የሆዋ ድለዮ

“ድለዩኒ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።”—ኣሞጽ 5:4

1, 2. ቅዱሳት ጽሑፋት: የሆዋ “ልቢ እዩ ዚርኢ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

 ታሪኽ እስራኤላውያን ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ኣቢሉ የሆዋ ኣምላኽ ንነብዪ ሳሙኤል “ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ: እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ” በሎ። (1 ሳሙኤል 16:7) የሆዋ ‘ልቢ ዚርኢ’ ብኸመይ እዩ፧

2 ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ልቢ ንውሽጣዊ እንታይነት ሓደ ሰብ: ማለት ንባህግታቱ: ሓሳባቱ: ስምዒታቱ: ከምኡውን ፍትወቱ እዩ ዜመልክት። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ንልቢ ይርኢ ኺብል ከሎ: ንሓደ ሰብ ደጋዊ ትርኢቱ ጥራይ ዘይኰነስ ውሽጡ እውን የተኵረሉ ማለት እዩ።

ኣምላኽ ንእስራኤል መርመሮ

3, 4. ብመሰረት ኣሞጽ 6:4-6 ኣብታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል እንታይ ኵነታት ነበረ፧

3 እቲ ንልቢ ዚምርምር ኣምላኽ ነቶም ብግዜ ኣሞጽ ዝነበሩ ዓሰርተ ነገድ መንግስቲ እስራኤል ምስ መርመሮም: ብዙሕ ዘጕሂ ነገራት ረኣየ። ኣሞጽ 6:4-6 ብዛዕባ “ኣብ ዓራት ስኒ ሓርማዝ ዚግምሰሱ: ኣብ መንጸፎም ድማ ዚጋደሙ” ሰባት ትገልጽ። እዞም ሰባት እዚኣቶም “ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጥቦታውቲ: ካብ ደምበ ኣሓውን ኣባትይ ዚበልዑ” እዮም ነይሮም። “መሳርያ ሙዚክ ዜዳልዉ: ብገፊሕ ዋንጫ ወይኒ ዚሰትዩ” እውን ነበሩ።

4 ፈለማ እዚ ባህ ዜብል ትርኢት ኪመስለና ይኽእል ይኸውን። እቶም ሃብታማት ኣብቲ ብእተፈላለየ ኣቝሑ ዘጌጸ ምሾት ዘለዎ ኣባይቶም ብሉጽ ምግቢ ይምገቡ: ብሉጽ መስተ ይሰትዩ: በቲ ዘበን ኣምጽኦ መሳርሒታት ሙዚቃ ድማ ይዘናግዑ ነበሩ። “ዓራት ስኒ ሓርማዝ” እውን ነበሮም። ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ኣብታ ርእሲ ኸተማ መንግስቲ እስራኤል ዝነበረት ሰማርያ ብውሕሉል መገዲ እተቐርጸ ስኒ ሓርማዝ ረኺቦም እዮም። (1 ነገስት 10:22) መብዛሕትኡ ኻብዚ ድማ ንመስርሒ ኣቝሑ ገዛ ወይ መንደቕ ንምምልካዕ ይጥቀሙሉ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም።

5. ኣምላኽ በቶም ብግዜ ኣሞጽ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዝጐሃየ ስለምንታይ እዩ፧

5 የሆዋ ኣምላኽ: እስራኤላውያን መሺእዎም ብምንባሮም: ጥዑም ምግቢ ብምምጋቦም: ጽቡቕ ወይኒ ብምስታዮም: ከምኡውን ባህ ዜብል ሙዚቃ ብምስምዖም ድዩ ነቒፍዎም፧ ከምኡ ኣይኰነን። ከመይሲ: ነዚ ዅሉ ንደቅሰብ ብልግሲ ዝሃቦም ንሱ ባዕሉ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:17) የግዳስ: ሕማቕ ባህግታት የማዕብሉ ብምንባሮም: ልቦም ክፉእ ብምንባሩ: ከምኡውን ንዕኡ ዘየኽብርዎን ንብጾቶም እስራኤላውያን ፍቕሪ ዘየርእዩን ብምንባሮም እዩ ዜጕህዮ ነይሩ።

6. ብግዜ ኣሞጽ መንፈሳዊ ዅነታት እስራኤል ከመይ ነበረ፧

6 እቶም ‘ኣብ ዓራት ስኒ ሓርማዝ ዚግምሰሱ: ካብ ደምበ ኣሓ ኣባትይ ዚበልዑ: ወይኒ ዚሰትዩ: ከምኡውን መሳርያ ሙዚክ ዜዳልዉ’ ምንም ኣይዓጀቦምን። ነዞም ሰባት እዚኣቶም “ንስኻትኩም ነታ ሕስምቲ መዓልቲ እተርሕቑ” ተባህሉ። በቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ዅነታት ኪጭነቑ እኳ እንተ ነበሮም: “ብስብራት ዮሴፍ ግና ዘይጕህዩ” እዮም ተባሂሎም። (ኣሞጽ 6:3-6) እቲ ህዝቢ ብስጋ እኳ እንተ በልጸገ: ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ዮሴፍ ወይ እስራኤል ኣብ ክፉእ ኵነታት ከም ዘሎ የሆዋ ተዓዚቡ እዩ። እንተዀነ ግን: እቶም ሰባት ቅጭጭ ከይበሎም ዕለታዊ ናብራኦም ይገብሩ ነበሩ። ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት እውን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ እዮም ዜንጸባርቑ። ኣብ ጽንኩር ግዜ ኸም ዘለና ኣፍልጦ ይህቡሉ ይዀኑ: ንዖኦም ክሳዕ ዘይተንከፎም ግን ብዛዕባ ጸበባ ኻልኦት ቅጭጭ ኣይብሎምን እዩ: ንመንፈሳዊ ነገራት እውን ተገዳስነት የብሎምን።

እስራኤል—ዚበላሾ ዝነበረ ህዝቢ

7. ህዝቢ እስራኤል ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ብዘይምስማዑ እንታይ እዩ ኣስዒቡሉ፧

7 ኣሞጽ እቲ ህዝቢ ዚብልጽግ ዘሎ እኳ እንተ መሰለ: ውሽጡ ግን ይበላሾ ኸም ዘሎ እዩ ገሊጹ። እቲ ህዝቢ ነቲ ኣምላኽ ዝህቦ መጠንቀቕታ ሰሚዑ ኣረኣእያኡ ብዘይምዕራዩ: የሆዋ ኣብ ኢድ ጸላእቱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ድሕሪኡ ኣሶራውያን መጺኦም ካብቲ ብስኒ ሓርማዝ እተሰርሐ ዓራውቶም መንዚዖም ናብ ምርኮ ወሰድዎም። ድሕሪ ደጊም ምሾት ዚበሃል ኣይረኸቡን!

8. እስራኤላውያን ኣብ ሕማቕ መንፈሳዊ ዅነታት ዝወደቑ ብኸመይ እዮም፧

8 ህዝቢ እስራኤል ኣብዚ ዜሕዝን ኵነታት ኪወድቁ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ ብ997 ቅ.ኣ.ዘ. ሰሎሞን ምስ ሞተ እሞ እታ ሰሜናዊት መንግስቲ ኻብ ነገድ ይሁዳን ብንያምን ምስ ተፈልየት እዩ እዚ ጀሚሩ። እቲ “ወዲ ናባጥ” ዝዀነ ንጉስ የሮብዓም ፈላሚ ንጉስ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ኰነ። (1 ነገስት 11:26) ነቶም ህዝቢ ንየሆዋ ንኼምልኹ ኢሎም ናብ የሩሳሌም ምኻድ ይኸብዶም ከም ዘሎ ኣእመኖም። ከም ሓቂ ግን ብዛዕባ ድሕንነት እቲ ህዝቢ ተገዲሱ ኣይኰነን ከምኡ ዝበለ። ንጥቕሙ እዩ ኸምኡ ዝገበረ። (1 ነገስት 12:26) እስራኤላውያን ኣብ ዓመታዊ በዓላት ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ቤት መቕደስ እንተ ውሒዞም: ውዒሎም ሓዲሮም ልቦም ናብ ይሁዳ ኺዘዙ እዩ ኢሉ ሓሰበ። ስለዚ: ምእንቲ ኸይከድዕዎ: ክልተ ምራኹት ወርቂ ኣቘመ እሞ ሓደ ኣብ ዳን: ሓደ ድማ ኣብ ቤትኤል ኣንበሮ። በዚ ኸምዚ እስራኤላውያን ብሓፈሻ ንምራኽ ኬምልኹ ጀመሩ።—2 ዜና መዋእል 11:13-15

9, 10. (ሀ) ንጉስ የሮብዓም ቀዳማይ እንታይ ሃይማኖታዊ በዓላት እዩ ዝገበረ፧ (ለ) የሆዋ ነቲ ብዘመን ንጉስ የሮብዓም ዳግማይ ኣብ እስራኤል ዚግበር ዝነበረ በዓላት ብኸመይ ይርእዮ ነበረ፧

9 የሮብዓም ነዚ ሓድሽ ሃይማኖት ቅኑዕ ከም ዝዀነ ኼምስል ጸዓረ። ምስቲ ኣብ የሩሳሌም ዚግበር ዝነበረ በዓላት ዚመሳሰል በዓላት ኣዳለወ። ኣብ 1 ነገስት 12:32 ከምዚ ዚብል ነንብብ:- “የሮብዓም ድማ ኣብ ሳምነይቲ ወርሒ: ኣብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኸምቲ ኣብ ይሁዳ ዚግበር በዓል: በዓል ገበረ: ናብቲ መሰውኢ ድማ ደየበ።”

10 የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ በዓላት ፈጺሙ ኣይቅበልን እዩ። ልዕሊ ሓደ ዘመን ዚኸውን ጸኒሑ እቲ ብ844 ቅ.ኣ.ዘ. ንጉስ ዓሰርተ ነገድ መንግስቲ እስራኤል ዝዀነ የሮብዓም ዳግማይ ኣብ ዝነገሰሉ እዋን ብኣሞጽ ኣቢሉ ነዚ ንጹር ገበሮ። (ኣሞጽ 1:1) ብመሰረት ኣሞጽ 5:21-24 ኣምላኽ ከምዚ በለ:- “ንበዓላትኩም ጸላእኩን ነዐቕኩን: ንኣኼባ በዓላትኩም ድማ ኣይሽትቶን። መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ብልዕኹምን እንተ ኣቕረብኩምለይ እኳ: ኣይክቕበሎን እየ: ነቲ ናይ ስቡሕ ከብትኹም መስዋእቲ ምስጋናውን ቍሊሕ ኣይክብሎን እየ። ደሃይ ቅኔታትካ ኻባይ ኣርሕቕ: ቃና መሰንቆታትካ ኸኣ ኣይሰምዕን እየ። ግናኸ ፍርዲ ኸም ማያት: ጽድቂ ድማ ከም ዘይነጽፍ ርባ ይውሐዝ።”

ኣብዚ ግዜና ዘሎ ተመሳሳሊ ተግባር

11, 12. ኣብ መንጎ ኣምልኾ ጥንታዎት እስራኤልን ህዝበ-ክርስትያንን እንታይ ምምስሳል ኣሎ፧

11 የሆዋ ንልቢ እቶም ኣብ በዓላት እስራኤል እተሳተፉ ዘበሉ ኸም ዝመርመሮ: ንበዓላቶምን ንዚሓርር መስዋእቶምን ከኣ ከም ዘይተቐበሎ ንጹር እዩ። ኣብዚ ግዜና እውን ብተመሳሳሊ ነቲ ህዝበ-ክርስትያን እተብዕሎ ኸም በዓል ልደትን በዓል ትንሳኤን ዝኣመሰለ ኣረማዊ በዓላት ይነጽጎ እዩ። ኣብ ኣምለኽቲ የሆዋ: ኣብ መንጎ ጽድቅን ሓጢኣትን ኰነ ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን ሕብረት ኪህሉ ኣይክእልን እዩ።—2 ቈረንቶስ 6:14-16

12 ኣብ መንጎ እቲ እስራኤላውያን ዝፈጸምዎ ኣምልኾ ምራኽን ኣምልኾ ህዝበ-ክርስትያንን ካልእ ምምስሳል እውን ኣሎ። ገሊኦም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ቓል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ዚቕበልዎ እኳ እንተዀኑ: ህዝበ-ክርስትያን ንኣምላኽ ብዘለዋ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ተደሪኻ ኣይኰነትን እተምልኽ። ብፍቕሪ ተደሪኻ እተምልኽ እንተ ትኸውን ነይራ: የሆዋ “ብመንፈስን ብሓቅን” ኪምለኽ ስለ ዝደሊ በዚ መገዲ እዚ ኸተምልኾ ምደለየት። (ዮሃንስ 4:24) ኣብ ርእሲ እዚውን ህዝበ-ክርስትያን ‘ፍርዲ ኸም ማያት: ጽድቂ ድማ ከም ዘይነጽፍ ርባ ንኺውሕዝ’ ኣይተፍቅድን እያ። ኣብ ክንድኡስ: ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ወትሩ ምስ ኣነኣኣሰት እያ። ምንዝርን ካልእ ከቢድ ሓጢኣትን ዕሽሽ ትብል። አረ ሕሉፍ ሓሊፋስ ንግብረ-ሶዶም ዚፍጽሙ እውን ተመራዕዎም እያ!

‘ሰናይ ኣፍቅር’

13. ምስቲ ኣብ ኣሞጽ 5:15 ዚርከብ ቃላት ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

13 የሆዋ ንዅሎም እቶም ብቕቡል መገዲ ኼምልኽዎ ዚደልዩ “እከይ ጽልኡ: ሰናይ ከኣ አፍቅሩ” በሎም። (ኣሞጽ 5:15) ፍቕርን ጽልእን ካብ ምሳልያዊ ልብና ዚምንጭ ሓያል ስምዒታት እዩ። ልቢ ጐራሕ እዩ፣ ስለዚ: ንምሕላዉ ዚከኣለና ዅሉ ኽንገብር ኣሎና። (ምሳሌ 4:23፣ ኤርምያስ 17:9) ንልብና ሕማቕ ባህግታት ኬሕድር እንተ ፈቒድናሉ: እከይ ከነፍቅር: ሰናይ ከኣ ክንጸልእ ንኽእል ኢና። ሓጢኣት ብምግባር ነዚ ባህግታት እዚ እንተ ፈጺምናዮ ኸኣ ብርቱዕ ቅንኣት ዋላ እውን እንተ ሃለወና: ሞገስ ኣምላኽ ኣይንረክብን ኢና። ስለዚ እምበኣር: ‘እከይ ክንጸልእ: ሰናይ ከኣ ከነፍቅር’ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ንምርካብ ንጸሊ።

14, 15. (ሀ) ኣብ እስራኤል ገለ ኻብቶም ሰናይ ዚገብሩ ዝነበሩ ብዓል መን እዮም ነይሮም: ገሊኣቶም ግን እንታይ እዩ ዜጓንፎም ነይሩ፧ (ለ) ነቶም ሎሚ ዘለዉ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ብኸመይ ከነተባብዖም ንኽእል፧

14 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽፉእ ዚገብሩ ዝነበሩ እስራኤላውያን ኵሎም ኣይነበሩን። ንኣብነት: ሆሴእን ኣሞጽን ‘ሰናይ የፍቅሩ:’ ነብያት ኰይኖም ድማ ንኣምላኽ ብተኣማንነት የገልግልዎ ነበሩ። ገሊኣቶም እውን ናዝራውያን ንምዃን እተመባጽዑ እዮም ነይሮም። ብዅለን መዓልትታት ናዝራውነቶም ወይኒ ዀነ ኻብ ወይኒ ዚፈሪ ነገራት: ብፍላይ ከኣ ብወይኒ ዚስራሕ ኣልኮላዊ መስተ ኣይትንክፉን ነበሩ። (ዘሁልቍ 6:1-4) እቶም ካልኦት እስራኤላውያን ግን ነቲ እዞም ሰብ እምነት ጥቕሚ ርእሶም ብምስዋእ ዝነብርዎ ዝነበሩ ናብራ ብኸመይ ረኣይዎ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ዚኸውን መልሲ: እቲ ህዝቢ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተበላሸወ እዩ ዜርኢ። ኣሞጽ 2:12 “ንስኻትኩም ግና ነቶም ናዝራውያን ወይኒ ኣስቴኹምዎም: ንነብያት ከኣ፤ ኣይትነበዩ ኢልኩም አዘዝኩምዎም” ትብል።

15 እዞም ናዝራውያንን ነብያትን ዝነበሮም ተኣማንነት ነዞም ተድላ ዚፈትዉ እስራኤላውያን ኬሕፍሮምን መገዶም ንኪቕይሩ ኺድርኾምን ነይርዎ። ኣብ ክንድኡ ግን ብኽፍኣት ነዞም እሙናት ዘበሉ ንኣምላኽ ክብሪ ኻብ ምሃብ ኪዓናቕፍዎም ጸዓሩ። ንሕናውን ጥቕሚ ርእሶም ንዚስውኡ ፓይነራት: ገየሽቲ ተዓዘብቲ: ሚስዮናውያን: ወይ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ነቲ ብቕንኣት ዚፍጽምዎ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሓዲጎም ናብቲ ንቡር ዚበሃል ናብራ ኺምለሱ ኸቶ ኣይንደፋፍኣዮም። ኣብ ክንድኡስ: ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪቕጽሉ ነተባብዓዮም!

16. እስራኤላውያን ካብቲ ብግዜ ኣሞጽ ዝነበርዎ: ብግዜ ሙሴ ብመንፈሳዊ ኣብ ዝሓሸ ዅነታት ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

16 ብግዜ ኣሞጽ ብዙሓት እስራኤላውያን ብስጋ ዜሐጕስ ህይወት የሕልፉ እኳ እንተ ነበሩ: ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግን ሃብታማት ኣይኰኑን’ ነይሮም። (ሉቃስ 12:13-21) ኣቦታቶም ኣብ በረኻ ን40 ዓመት ማና ጥራይ እዮም በሊዖም። ስቡሕ ብዕራይ ይበልዑ ወይ ኣብ ዓራት ስኒ ሓርማዝ ይግምሰሱ ኣይነበሩን። ይኹን እምበር: ሙሴ ብዛዕባ እዚ ቕኑዕ ኣረኣእያ ስለ ዝነበሮ: “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ተግባር ኢድካ ባሪኹካ እዩ . . . በዘን ኣርብዓ ዓመት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሳኻ ነበረ: ገለ እኳ ኣይጐደለካን” በሎም። (ዘዳግም 2:7) እወ: እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዜድልዮም ኵሉ ተማሊእሎም እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ፍቕርን ዕቘባን በረኸትን የሆዋ ነበሮም!

17. የሆዋ ነቶም ቀዳሞት እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ዘእተዎም ስለምንታይ እዩ፧

17 የሆዋ ነቶም ብግዜ ኣሞጽ ዝነበሩ ሰባት: ነቦታቶም ናብ ምድሪ ተስፋ ኸም ዘእተዎምን ንዅሎም ጸላእቶም ኪሰጉ ኸም ዝሓገዞምን ኣዘኻኸሮም። (ኣሞጽ 2:9, 10) ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኣውጺኡ ናብ ምድሪ ተስፋ ዘእተዎም ግን ስለምንታይ እዩ፧ ንፈጣሪኦም ረሲዖም ብምሾት ንኺነብሩ ኢሉ ድዩ፧ ኣይፋሉን! የግዳስ: ሓራን ብመንፈሳዊ ንጹሃትን ህዝቢ ዀይኖም ንዕኡ ምእንቲ ኼምልኽዎ ኢሉ እዩ። ብግዜ ኣሞጽ ዝነበሩ ተቐማጦ ዓሰርተ ነገድ እስራኤል ግን እከይ ኣይጸልኡን: ሰናይ ከኣ ኣየፍቀሩን። ኣብ ክንድኡስ: ንየሆዋ ኣምላኽ ዘይኰነስ: ንጽሩብ ምስልታት እዮም ክብሪ ዚህቡ ነይሮም። ኣየ ኽንደይ ዜሕፍር ተግባር ኰን እዩ!

የሆዋ ኪቐጽዖም እዩ

18. የሆዋ ብመንፈሳዊ መዳይ ሓራ ዘውጸኣና ስለምንታይ እዩ፧

18 ኣምላኽ ነቲ እስራኤላውያን ዚገብርዎ ዜሕፍር ተግባር ዕሽሽ ኣይበሎን። “ብሰሪ ዅሉ ኣበሳኹም ክቐጽዓኩም እየ” ብምባል ኣቕዋሙ ንጹር ገበረ። (ኣሞጽ 3:2) እዚ ቓላት እዚ ኻብዛ ኣብዚ ግዜና ዘላ ምሳልያዊት ግብጺ: ማለት ካብዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ሓራ ምውጻእና እዩ ዜዘኻኽረና። የሆዋ ብመንፈሳዊ መዳይ ሓራ ዘውጸኣና: ስስዐ ዝመልኦ ሸቶታት ንኸነውጽእ ኢሉ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: ናጻ ዄንና ናብ ንጹህ ኣምልኾ ብምቕራብ ካብ ልቢ ዝመነጨ ኽብሪ ምእንቲ ኽንህቦ ኢሉ እዩ። ነፍሲ ወከፍና ኸኣ በጠቓቕማ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ሓርነት ተሓተትቲ ኢና።—ሮሜ 14:12

19. ብመሰረት ኣሞጽ 4:4, 5 መብዛሕትኦም እስራኤላውያን እንታይ እዮም ኣፍቂሮም፧

19 እቲ ዜሕዝን ግን መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ነቲ ኣሞጽ ዘመሓላለፎ ሓያል መልእኽቲ ዕሽሽ በልዎ። ኣብ ኣሞጽ 4:4, 5 እቲ ነብዪ ነቲ ብመንፈሳዊ መዳይ እተበላሸወ ልቦም “ናብ ቤት-ኤል ንዑ እሞ ኣብሱ: ናብ ጊልጋልውን ኣበሳ ኣብዝሑ . . . ኣቱም ደቂ እስራኤል: ከምዚ ኽትገብሩ ፈቲኹም ኢኹም” ብምባል ኣቃልዖ። እስራኤላውያን ጽቡቕ ባህጊ ኣየማዕበሉን። ንልቦም ኣይሓለዉዎን። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ መብዛሕትኦም እከይ ኣፍቂሮም: ሰናይ ከኣ ጸሊኦም። እቶም ነቓጻት ኣምለኽቲ ምራኽ ለውጢ ኺገብሩ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። የሆዋ ኪቐጽዖም እዩ: ብሰሪ ኣበሳኦም ድማ ኪሞቱ እዮም!

20. ምስ ኣሞጽ 5:4 ተሰማሚዕና ኽንመላለስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

20 ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ እስራኤል ዚነብር ዝነበረ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ንኺመላለስ ይኸብዶ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ከምቲ መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ ክርስትያናት ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ: ኣንጻር ብዙሓት ምኻድ ቀሊል ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ገሊኣቶም እስራኤላውያን ንኣምላኽ ካብ ዝነበሮም ፍቕርን ንዑኡ ንምሕጓስ ካብ ዝነበሮም ባህግን ተደሪኾም ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ይመላለሱ ነበሩ። የሆዋ ንዓታቶም ነቲ ኣብ ኣሞጽ 5:4 ዚርከብ “ድለዩኒ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም” ዚብል ባህ ዜብል ጻውዒት ኣቕሪቡሎም ኣሎ። ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ኣምላኽ ነቶም ዚንስሑን ነቶም ካብ ቃሉ ርጡብ ፍልጠት ብምጥራይ ኰነ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዚደልይዎን ምሕረት የርእዮም እዩ። ነዚ መገዲ እዚ ምስዓብ ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ: ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ ዚመርሕ።—ዮሃንስ 17:3

መንፈሳዊ ጥሜት እናሃለወ ኽነሱ ብልጽግና

21. ነቶም ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘይመላለሱ እንታይ ጥሜት እዩ ዜጋጥሞም፧

21 ነቶም ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘይደገፉ ግን እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧ እቲ ዝኸፍአ ዓይነት ጥሜት: እዚ ኸኣ መንፈሳዊ ጥሜት እዩ ኣጋጢምዎም! “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፤ እንሆ: ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን። ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር: ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን።” (ኣሞጽ 8:11) ኣብዚ ግዜና ህዝበ-ክርስትያን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ጥሜት እያ ዘላ። እቶም ኣብ መንጎኦም ዘለዉ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ግን ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዘለዎም መንፈሳዊ ብልጽግና ብምርኣይ ናብ ማሕበር የሆዋ ይውሕዙ ኣለዉ። ነቲ ኣብ መንጎ ህዝበ-ክርስትያንን ናይ ሓቂ ክርስትያናትን ዘሎ ፍልልይ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ብዚግባእ ተገሊጹ ኣሎ:- “እንሆ: ባሮተይ ኪበልዑ: ንስኻትኩም ግና ክትጠምዩ ኢኹም: እንሆ: ባሮተይ ኪሰትዩ: ንስኻትኩም ግና ክትጸምኡ ኢኹም: እንሆ: ባሮተይ ኪሕጐሱ: ንስኻትኩም ግና ክትሐፍሩ ኢኹም።”—ኢሳይያስ 65:13

22. ንኽንሕጐስ እንታይ ምኽንያት ኣሎና፧

22 ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ብመንፈሳዊ እተገብረልና ምድላዋትን ዝረኸብናዮ በረኸታትን ብብሕቲዶ ነማስወሉ ኢና፧ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ኣብ ናይ ወረዳ ወይ ፍሉይ ኣኼባታት: ከምኡውን ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ክንካፈል ከለና: ብሓጐስ ልቢ እልል ክንብል ኢና እንደሊ። ንቓል ኣምላኽ: እንተላይ ነዚ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ትንቢት ኣሞጽ ብምርዳእና ንሕጐስ ኢና።

23. እቶም ንኣምላኽ ክብሪ ዚህብዎ እንታይ እዮም ዚረኽቡ፧

23 ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎን ክብሪ ኺህብዎ ዚደልዩን: እዚ ትንቢት ኣሞጽ መልእኽቲ ተስፋ እዩ ዘለዎ። ቍጠባዊ ዅነታትና ዀነ ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም እነሕልፎ ዘለና ፈተና ብዘየገድስ: እቶም ንየሆዋ ነፍቅር ዘበልና በረኸቱ ንረክብን እቲ ዝበለጸ ምግቢ ንበልዕን ኣሎና። (ምሳሌ 10:22፣ ማቴዎስ 24:45-47) ነቲ ንጥቕምና ኢሉ ነዚ ዅሉ ብልግሲ ዘዳልወልና ኣምላኽ ክብሪ ኺወሃቦ ይግባእ። ሃየ እምበኣር ኵላትና ንዘለኣለም ካብ ልቢ ዝመነጨ ውዳሰ ንሃቦ። ነቲ ንልቢ ዚምርምር የሆዋ እንተ ደሊናዮ: እዚ ዜሐጕስ ፍሉይ መሰል እዚ ኽንረክብ ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ብግዜ ኣሞጽ ኣብ እስራኤል ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ዝነበረ፧

• ኣብዚ ግዜና ምስቲ ኣብታ ብዓሰርተ ነገድ እስራኤል ዝቘመት መንግስቲ ዝነበረ ዚመሳሰል እንታይ ኵነታት ኣሎ፧

• ሕጂ እንታይ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ ጥሜት እዩ ዘሎ: በዚ ዘይተተንከፉ ግን መን እዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ሓያሎ እስራኤላውያን ብምሾት ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ: መንፈሳዊ ሃብቲ ግን ኣይነበሮምን

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኣብ ኣገልግሎቶም ኪቕጽሉ ኣተባብዓዮም

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መንጎ እቶም ሕጉሳት ህዝቢ የሆዋ መንፈሳዊ ጥሜት የልቦን