ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዘለኣለም ክትነብር ትደሊዶ፧

ንዘለኣለም ክትነብር ትደሊዶ፧

ንዘለኣለም ክትነብር ትደሊዶ፧

ኣብ ጃፓን እትነብር ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ “ከይመውት ዚብል ፍርሂ የብለይን: ካብ ዕምባባታተይ ክፍለ ግን የጨንቐኒ እዩ” በለት። እታ ሰበይቲ ጽቡቕ ኣታኽልቲ ስለ ዝነበራ: እታ ዝበጽሓታ ክርስትያን ኣገልጋሊት ከምኡ ዝበለትሉ ምኽንያት ተረዲእዋ እዩ። መብዛሕትኦም እቶም ሞት ኣይንፈርህን ኢና ዚብሉ ሰባት እቲ ዜደንቕ ፍጥረታት ብሓቂ ስለ ዜደስቶም ንዘለኣለም ኪነብሩ ይብህጉ እዮም።

ሰብሲ ንዘለኣለም ኪነብር፧ ሓያሎ ሰባት ነዚ ሓሳብ እዚ ይነጽግዎ ይዀኑ። አረ ገሊኣቶምሲ ንዘለኣለም ክንነብር ኣይንደልን ኢና ይብሉ ይዀኑ። ሰባት ከምዚ ዓይነት ስምዒት ዜሕድሩ ስለምንታይ እዮም፧

ዘለኣለማዊ ህይወት ዜሰልኪ ድዩ፧

ገሊኣቶም ንዘለኣለም ምንባር የሰልኪ እዩ ኢሎም ይሓስቡ። እቶም ኣብ ተለቪዥን ኮፍ ኢልካ ምርኣይ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ዕዮ ዘይብሎም ጥሮታ ዚወጹ ሰባት ንዝነብርዎ ዜሰልኪ ናብራ ህይወት ከኣ ከም ኣብነት ይጠቕስዎ ይዀኑ። ንስኻ እውን ከምዚ ዚስምዓካ እንተደኣ ዀይኑ: ኣስትሮኖመር ሮበርት ጃስትሮው: ‘ዘለኣለማዊ ህይወት በረኸት ድዩ ወይስ መርገም፧’ ዚብል ሕቶ ምስ ተሓተ ዝሃቦ መልሲ ርአ። ጃስትሮው ከምዚ ዚብል ምላሽ ሃበ:- “ነቶም ኪፈልጡ ዚህንጠዩን ናይ ምምሃር ክቱር ባህጊ ዘለዎምን ሰባት በረኸት እዩ። ‘ንዘለኣለም ፍልጠት እናቐሰምና ኽንነብር ኢና’ ዚብል ሓሳብ ኣዝዩ እዩ ዜጸናንዖም። ነቶም እኹል ፍልጠት ከም ዚቐሰሙ ዀይኑ ዚስምዖም ሰባት እሞ ሓድሽ ነገር ኪመሃሩ ባህጊ ዘይብሎም ግን ከም መርገም እዩ ዚዀኖም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ንግዜኦም ብኸመይ ከም ዚጥቀሙሉ ይሕርብቶም እዩ።”

ዘለኣለማዊ ህይወት ዜሰልኪ ድዩ ኣይኰነን: ኣብ ኣመለኻኽታኻ እተመርኰሰ እዩ። ‘ንኽትፈልጥ እትህንጠን ንኽትመሃር ባህጊ ዘሎካን’ እንተደኣ ዄንካ ኣብ ስነ-ጥበብ: ሙዚቃ: ስነ-ህንጻ: ኣታኽልቲ ምእላይ: ወይ ኣብ ካልእ ባህ ዜብለካ ጠቓሚ ዕዮታት ክትገብሮ እትኽእል እሞ ሕስብ ኣብል። ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር እተፈላለየ ባህ ዜብለካ ዕዮታት ንምዕያይ ዘሎካ ተኽእሎ ንኸተማዕብል ዜገርም ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልካ።

ንዘለኣለም እናኣፍቀርካን እናተፈቐርካን ክትነብር እውን ሓደ ኻብቲ ንዘለኣለም ምንባር ዜዕግብ ዚገብሮ ረቛሒ እዩ። ከነፍቅር ከም እንኽእል ኴንና ኢና ተፈጢርና: ካልእ ሰብ ኬፍቅረና ኸሎ ኸኣ የሐጕሰና እዩ። ከተፍቅርን ክትፍቀርን ምኽኣል ዘይሃስስ ዕግበት እዩ ዜምጽኣልካ። ንዘለኣለም ምንባር ንብጻይካ ጥራይ ዘይኰነስ ብፍላይ ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ እናዕበኻ ንኽትነብር እዚ ዘይበሃል ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልካ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ንኣምላኽ ዜፍቅሮ እንተሎ ግና: ንሱ ብእኡ ፍሉጥ እዩ” ይብለና። (1 ቈረንቶስ 8:3) ነቲ ልዑል ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረት ክትፈልጦን ብእኡ ኽትፍለጥን ኣጋጣሚ ኽህልወካስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዜገርም መጻኢ ዀን እዩ! ኣብ ርእሲ እዚ እውን ብዛዕባ እቲ ፈቃር ፈጣሪና ምምሃር ዚውዳእ ኣይኰነን። ከመይ ኢሉ ደኣ እዩ እሞ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዜሰልክን መርገምን ኪኸውን ዚኽእል፧

ህይወት ክቡር ዝዀነ ሓጺር ዕምሪ ስለ ዘለዎ ድዩ፧

ገለ ሰባት ህይወት ክቡር ጌርካ ዚርአ ሓጺር ዕምሪ ስለ ዘለዎ ጥራይ እዩ ይብሉ። ምስቲ ኸም ድላይካ ዘይርከብ ወርቂ ኸኣ የነጻጽርዎ ይዀኑ። ወርቂ ኣብ ፍቐዶኡ ዚርከብ ነይሩ እንተ ዚኸውን ምሓሰረ ነይሩ ይብሉ። ይኹን ደኣ እምበር: ዋላኳ ዋጋኡ እንተ ሓሰረ መልክዑ ግን ከም ዘይሃስስ ዚከሓድ ኣይኰነን። ብዛዕባ ህይወት እውን ከምኡ እዩ።

ንዘለኣለም ብህይወት ምንባር ምስ ብዙሕ ኣየር ምርካብ ከነነጻጽሮ ንኽእል ኢና። ኣብ ሓንቲ እተበላሸወት ሳብማሪን ንዚጐዓዙ መርከበኛታት: ኣየር ብፍላይ ጠቓሚ እዩ። ካብታ መርከብ ምስ ወጹ ግን እንደገና ኣየር ከም ድላዮም ብምርካቦም ዘጕረምርሙዶ ይመስለካ፧ ፈጺሞም ከም ዘየጕረምርሙ ፍሉጥ እዩ።

ንሕና ግን ከምቶም መርከበኛታት ንሒደት ዓመታት ጥራይ ዘይኰነስ ንዘለኣለም ንህይወት ከነስተማቕረሉ እንኽእል ኣጋጣሚ ኪኽፈተልና ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ: ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 6:23) ኣምላኽ ብበጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ኣቢሉ ሰብኣዊ ዘይፍጽምናን ሞትን ኣርሒቑ: ንእዙዛት ደቅሰብ ውህበት ዘለኣለማዊ ህይወት ኪህቦም እዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ ምድላው ስለ እተገብረልናስ ኣየ ኽንደይ ኰን ኢና ኸነማሱ ዚግብኣና!

እቶም እተፍቅሮም ብጾትካኸ፧

ገለ ሰባት ‘እቶም ዜፍቅሮም ብጾተይከ እንታይ እዩ ግዴኦም፧ ንሳቶም ምሳይ እንተ ዘይሃልዮም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ንዓይ ትርጕም የብሉን’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ምናልባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ፍልጠት ቀሲምካ እንተደኣ ዄንካ ኣብ ምድራዊት ገነት ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካ ኽትነብር ከም ዚከኣል ተማሂርካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 37:11፣ ዮሃንስ 3:16፣ 17:3) ብተፈጥሮ: እቶም ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራቤትካን ካልኦት ፍቑራትካን እትፈትዎም ኣዕሩኽትኻን ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ጽድቂ ዝነብረላ ሓዳስ ዓለም ምሳኻ ዀይኖም እናተሓጐሱ ኺነብሩ ኢኻ እትደልዮም።—2 ጴጥሮስ 3:13

ኣዕሩኽትኻን እተፍቅሮም ሰባትን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ተገዳስነት እንተ ዘይኣርእዮምከ፧ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ርጡብ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጥሪ እሞ ዕየየሉ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣቲ ሰበይቲ: ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ: እንታይ ትፈልጢ፧ ወይስ ኣታ ሰብኣይ: ንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ: እንታይ ትፈልጥ፧” (1 ቈረንቶስ 7:16) ሰባት ኪቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት: ሓደ ንክርስትና ዚጻረር ዝነበረ ሰብኣይ ተለዊጡ ድሕሪ ገለ ግዜ ናይ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሽማግለ ኪኸውን በቒዑ እዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “እቶም ፍቑራት ስድራቤተይ ብዙሕ ምጽራር እናኣውረድኩሎም ጸኒዖም ብተኣማንነት ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምልላሶም ኣዝየ እየ ዘመስግን።”

ኣምላኽ ብህይወትካን ብህይወት ፍቑራትካን ኣጸቢቑ ይግደስ እዩ። አረ “ጐይታስ: ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ [ኣይፈቱን]” እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:9) የሆዋ ኣምላኽ ንስኻን ፍቑራትካን ንዘለኣለም ክትነብሩ እዩ ዚደልየኩም። ፍቕሩ ኻብቶም ዘይፍጹማት ሰባት ዜርእይዎ ፍቕሪ ዝዓበየ እዩ። (ኢሳይያስ 49:15) ስለዚ ስለምንታይ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ዕርክነት ዘይትምስርት፧ ቀጺልካ ንፍቑራትካውን ከምኡ ኺገብሩ ኽትሕግዞም ክትክእል ኢኻ። ሕጂ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ እኳ እንተ ዘየሕደሩ: ብመሰረት እቲ ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ክትመላለስ ኪርእዩኻ ኸለዉ ኣመለኻኽታኦም ኪቕየር ይኽእል እዩ።

እቶም ብሞት እተፈለዩኻ እተፍቅሮም ሰባትከ እንታይ እዩ ግዴኦም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብሚልዮናት ዚቘጸሩ ሞይቶም ዘለዉ ሰባት ኪትንስኡ ምዃኖም ዜደንቕ ተስፋ ይህብ እዩ። እዚ ማለት ድማ ካብ ሞት ኣተንሲኡ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኸም ዚነብሩ ኺገብሮም እዩ ማለት እዩ። የሱስ ክርስቶስ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ” ዚብል መብጽዓ ሂቡ ኣሎ። (ዮሃንስ 5:28, 29) መጽሓፍ ቅዱስ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ ስለ ዚገልጽ: እቶም ንኣምላኽ ከይፈለጡ ዝሞቱ እውን ከይተረፉ ኺትንስኡ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ተንሲኦም ክትቅበሎምሲ ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ፧

ናይ ዘለኣለም ህይወት—ዜሐጕስ ተስፋ

ኣብዛ እተፈላለየ ሽግራት ዘለዋ ዓለም ሓጐስን ዕግበትን ረኺብካ ኽትነብር እንተደኣ ኽኢልካ: ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ከም እትሕጐሰሉ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር: ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባ እቲ ብዘለኣለማዊ ህይወት ዚርከብ ጥቕሚ ምስ ጠቐሰትላ: እታ ሰበይቲ “ንዘለኣለም ክነብር ኣይደልን እየ። እዘን 70 ወይ 80 ዓመታት ወድሰብ ንዓይ እኹላት እየን” ኢላ መለሰት። ምስኣተን ዝነበረ ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ኸኣ “ምስ ሞትኪ ደቅኺ እንታይ ከም ዚስምዖም ሓሲብክሉዶ ትፈልጢ” ኢሉ ሓተታ። ደቃ ኣደ ስኢኖም ሓዚኖም ኪነብሩ ኸለዉ ተራእያ እሞ ኣዒንታ ቝጽርጽር ኢልዋ ነብዐት። “ክሳዕ ክንደይ ስስዕቲ ኸም ዝነበርኩ እተገንዘብኩ ሕጂ እየ: ዘለኣለማዊ ህይወት ከኣ ናይ ስስዐ ተስፋ ዘይኰነስ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ እውን ዚትንክፍ ምዃኑ ኣስተውዓልኩ” ብምባል ድማ ተኣመነት።

ገሊኣቶም ከኣ ብህይወት ምንባሮም ወይ ሙማቶም ንማንም ዘየገድሶ ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን። ይኹን እምበር: ነቲ “ኣነ ህያው እየ: . . . ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር: ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩ” ዝበለ ወሃብ ህይወትና ዝዀነ የሆዋ የገድሶ እዩ። (ህዝቅኤል 33:11) ኣምላኽ ብህይወት እቶም እኩያት እውን ከይተረፈ ዚግድስ ካብ ኰነ ነቶም ዜፍቅሮም ብሓቂ ኸም ዚግደሰሎም እተረጋገጸ እዩ።

እቲ ናይ ጥንቲ እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ዳዊት: የሆዋ ብፍቕሪ ኸም ዚሓልየሉ ምትእምማን ነበሮ። ሓደ እዋን ድማ “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ: እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” ኢሉ ነበረ። (መዝሙር 27:10) ወለዱ ኸም ዜፍቅርዎ ምትእምማን ነይርዎ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ እዞም ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ዝዀኑ ወለዱ እኳ እንተ ጠንጠንዎ ኣምላኽ ከም ዘይሓድጎ ይፈልጥ ነበረ። የሆዋ ብፍቕርን ብሓልዮትን ተለዓዒሉ ዘለኣለማዊ ህይወት ሂቡና: ምስኡ ዘየቋረጽ ዕርክነት ንኽንምስርት ከኣ መገዲ ኸፊቱልና እዩ። (ያእቆብ 2:23 ትርጕም 1990) ነዚ ዜደንቕ ክቡር ውህበት እዚ ብሞሳ ክንቅበሎዶ ኣይግብኣናን፧

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ኻብቲ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ዜሐጕስ ዚገብሮ ረቛሒ ንኣምላኽን ንብጻይካን ምፍቃር እዩ