ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ እኩያት ዚወርድ ፍርዲ የሆዋ

ኣብ እኩያት ዚወርድ ፍርዲ የሆዋ

ኣብ እኩያት ዚወርድ ፍርዲ የሆዋ

“ንኣምላኽካ ኽትቃባበል ተዳሎ።”—ኣሞጽ 4:12

1, 2. ኣምላኽ ንእከይ መወዳእታ ኺገብረሉ ምዃኑ ኽንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

 ንምዃኑ የሆዋ ነዚ ኣብዛ ምድሪ ዘሎ እከይን ስቓይን መወዳእታ ኺገብረሉ ድዩ፧ ብፍላይ ኣብዚ መጀመርታ መበል 21 ዘመን እዛ ሕቶ እዚኣ ኽትለዓል ግቡእ እዩ። ኣብ ኵሉ ቦታታት ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ጭካነ ዘርእየሉ ዅነታት ኢና እንርኢ ዘለና። ካብ ዓመጻ: ግብረ-ሽበራ: ከምኡውን ብልሽውና ሓራ ዝዀነት ዓለም ክትመጽእሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ሃረር እንብል!

2 እቲ ዜሐጕስ ግን የሆዋ ንእከይ መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ ምሉእ ምትእምማን ኣሎና። ባህርያት ኣምላኽ ክንርኢ ኸሎና ንእከይ ከም ዜጥፍኦ የረጋግጸልና እዩ። የሆዋ ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽ እዩ። መዝሙር 33:5 “ጽድቅን ፍርድን ይፈቱ” ትብለና። ካልእ መዝሙር ከኣ ብዛዕባ የሆዋ ‘ንፈታው ግፍዒ ነፍሱ ትጸልኦ’ ይብለና። (መዝሙር 11:5) እዚ ጽድቅን ፍትሕን ዚፈቱ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እንታይ ዓጢጥዎ ደኣሉ ነቲ ዝጸልኦ ነገር ንሓዋሩ እናተጻወሮ ዚነብር፧

3. ንትንቢት ኣሞጽ ምምርማር ምስ እንቕጽል: እንታይ እዩ ጐሊሑ እንረኽቦ፧

3 የሆዋ ንእከይ ከም ዜጥፍኦ ርግጸኛታት እንዀነሉ ኻልእ ምኽንያት እውን ንርአ። ጥንቲ ዝገበሮ ነገራት ነዚ የረጋግጸልና እዩ። የሆዋ ኣብ እኩያት ብተደጋጋሚ ዝወሰዶ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ኣብ መጽሓፍ ኣሞጽ ይርከብ። ንትንቢት ኣሞጽ ምምርማር ምስ እንቕጽል: ብዛዕባ ፍርዲ ኣምላኽ ሰለስተ ነገራት ንመሃር ኢና። ቀዳማይ: ወትሩ ኣብቶም ዚግብኦም እዩ ዚወርድ። ካልኣይ: ክትሃድመሉ ዘይከኣል እዩ። ሳልሳይ ከኣ መምዩ እዩ ዜጥፍእ: ከመይሲ የሆዋ ነቶም እኩያት ኬጥፍኦም ከሎ: ነቶም ዚንስሑን ቅኑዕ ዝልቦምን ግን ምሕረት ይገብረሎም እዩ።—ሮሜ 9:17-26

ፍርዲ ኣምላኽ ወትሩ ኣብቶም ዚግብኦም እዩ ዚወርድ

4. የሆዋ ንኣሞጽ ናበይ እዩ ዝለኣኾ: ንምንታይ ዕላማኸ፧

4 ብግዜ ኣሞጽ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ክልተ መንግስትታት ተኸፊሎም እዮም ነይሮም። እታ ሓንቲ እታ ብደቡብ ዝነበረት ክልተ ነገድ ዝሓዘት መንግስቲ ይሁዳ ኽትከውን ከላ: እታ ኻልአይቲ ኸኣ እታ ብሰሜን ዝነበረት ዓሰርተ ነገድ ዝሓዘት መንግስቲ እስራኤል እያ ነይራ። የሆዋ ንኣሞጽ ካብቲ ዝዓበየሉ ይሁዳ ናብ እስራኤል ከይዱ ኺንበ መዘዞ። ኣብኡ ድማ ፍርዲ ኣምላኽ ንኺእውጅ ተጠቕመሉ።

5. ኣሞጽ መጀመርታ ብዛዕባ ኣየኖት ሃገራት ብምንባይ እዩ ጀሚሩ: እዚኣተን ከቢድ ፍርዲ ኣምላኽ ዚግብአን ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

5 ኣሞጽ ኣብታ ሰሜናዊት መንግስቲ ዚወርድ ፍርዲ የሆዋ ብምእዋጅ ኣይኰነን መልእኽቱ ጀሚሩ። የግዳስ: ነቲ ኣብተን ኣብ ከባቢ እስራኤል ዝነበራ ሽዱሽተ ሃገራት ኪወርድ ቀሪቡ ዝነበረ ፍርዲ ብምእዋጅ እዩ መልእኽቱ ጀሚሩ። እዚኣተን ከኣ ሶርያ: ፍልስጥኤም: ጢሮስ: ኤዶም: ዓሞን: ከምኡውን ሞኣብ እየን። እዘን ሃገራት እዚኣተን ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ዚግብአን ድዩ ነይሩ፧ እወ: ኣጸቢቑ ዚግብአን እዩ ነይሩ። ኵላተን ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ እየን ነይረን።

6. የሆዋ ኣብ ሶርያን ፍልስጥኤምን ጢሮስን መዓት ዘምጽአ ስለምንታይ እዩ፧

6 ንኣብነት: ሶርያውያን ‘ንጊልዓድ ብሓጺን መኼዳ ስለ ዘኸድዋ’ የሆዋ ዀነኖም። (ኣሞጽ 1:3) ሶርያውያን ካብ ጊልዓድ: ማለት ካብቲ ብምብራቕ ዮርዳኖስ ዚርከብ ግዝኣት እስራኤል እተወሰነ ወሰዱ: ኣብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ህዝቢ ድማ ከቢድ ጕድኣት ኣውረዱ። ፍልስጥኤማውያንን ሰብ ጢሮስንከ እንታይ እዮም ገይሮም፧ ፍልስጥኤማውያን ነቶም ምሩኻት እስራኤላውያን ንኤዶማውያን ብምሻጦም ገበነኛታት እዮም ነይሮም: ገሊኦም እስራኤላውያን እውን ኣብ ትሕቲ እቶም ባሮት ዚሸጡ ሰብ ጢሮስ ኣትዮም ነበሩ። (ኣሞጽ 1:6, 9) ሕስብ እሞ ኣብሎ—ንህዝቢ የሆዋ እኮ እዮም ንባርነት ሸይጦምዎም! እምበኣር የሆዋ ኣብ ሶርያን ፍልስጥኤምን ጢሮስን መዓት እንተ ኣምጽአ ዜገርም ኣይኰነን።

7. ኤዶማውያንን ዓሞናውያንን ሞኣባውያንን ምስ እስራኤላውያን እንታይ ዜተኣሳስሮም ነገር ነበሮም: ግንከ ንእስራኤላውያን ብኸመይ እዮም ዚሕዝዎም ነይሮም፧

7 ኤዶምን ዓሞንን ሞኣብን ከኣ ሓደ ምስ እስራኤል ዜተኣሳስረን ነገር ነበረን። እዚ ኸኣ ህዝቢ ሰለስቲአን ሃገራት ምስ ህዝቢ እስራኤል ዚዛመዱ ምንባሮም እዩ። ኤዶማውያን ደቂ ኣብርሃም ኰይኖም ካብቲ ንያእቆብ ፍላይ ማንታኡ ዝነበረ ኤሳው እተወልዱ እዮም። ስለዚ: ኣሕዋት እስራኤላውያን ኪበሃሉ ይኽእሉ እዮም። ዓሞናውያንን ሞኣባውያንን ደቂ ሎጥ እቲ ወዲ ሓዉ ንኣብርሃም እዮም ነይሮም። ኤዶማውያንን ዓሞናውያንን ሞኣባውያንን ነቶም እስራኤላውያን ኣዝማዶም ብሕውነት ድዮም ዚርእይዎም ነይሮም፧ ኣይፋሎምን! ኤዶም ብዘይ ምሕረት “ንሓዉ” ብሰይፊ ኺሰጎ ኸሎ: ዓሞናውያን ንምሩኻት እስራኤላውያን ብጭካነ እዮም ሒዞምዎም። (ኣሞጽ 1:11, 13) ሞኣባውያን ንህዝቢ ኣምላኽ ከም ዜጋፍዕዎም ኣሞጽ ብቐጥታ እኳ እንተ ዘይገለጸ: ንእስራኤላውያን ብምጽራር ነዊሕ ዝጸንሐ ታሪኽ ነበሮም። ነዞም ሰለስተ ኣዝማድ እስራኤላውያን ዝነበሩ ህዝብታት ዝገደደ መቕጻዕቲ እዩ ዚግብኦም። የሆዋ ብሓዊ እውን ከም ዜጥፍኦም እዩ ቓል ኣትዩ።

ፍርዲ ኣምላኽ ክትሃድመሉ ዘይከኣል እዩ

8. ኣብቶም ሽዱሽተ ህዝብታት ዘውረዶ ፍርዲ ኽትሃድመሉ ዘይከኣል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

8 እቶም ኣብ ከባቢ እስራኤል ዝነበሩ ሽዱሽተ ህዝብታት ፍርዲ ኣምላኽ ከም ዚግብኦም ዜተሓታትት ኣይኰነን። ካብዚ ኼምልጡሉ ዚኽእሉ መገዲ ድማ ኣይነበሮምን። ካብ ኣሞጽ ምዕራፍ 1 ቍጽሪ 3 ክሳዕ ምዕራፍ 2 ቍጽሪ 1 የሆዋ ሽዱሽተ ሳዕ “ኣይክመልስን እየ” በለ። ከምቲ ቓል ዝኣተዎ ኸኣ ንኢዱ ፍርዱ ኻብ ምፍጻም ኣይመለሳን። እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ነፍሲ ወከፎም መዓት ከም ዝወረዶም ሕጂ ታሪኽ ዚምስክሮ ጕዳይ እዩ። አረ ኣብዚ ሕጂ እዋንሲ እንተ ወሓደ በዞም ሰለስተ ማለት ብሞኣብን ብዓሞንን ብኤዶምን ዚጽዋዕ ህዝቢ እውን የለን!

9. ተቐማጦ ይሁዳ እንታይ እዩ ዚግብኦም: ስለምንታይከ፧

9 ትንቢት ኣሞጽ ቀጺሉ ኣብቶም ደቂ ዓዱ ዝዀኑ ሻውዓይ ህዝቢ: ማለት ኣብ ኣይሁድ ኣተኰረ። እቶም ኣብ ሰሜናዊት መንግስቲ ዝነበሩ ሰማዕቱ: ነታ ኣብ ደቡብ ዝነበረት መንግስቲ ፍርዲ ኺእውጀላ ኸሎ ተገሪሞም ኪዀኑ ኣለዎም። ተቐማጦ ይሁዳ ሕማቕ ፍርዲ ኺወርዶም ዚግብኦም ስለምንታይ እዩ፧ ኣሞጽ 2:4 “ንሕጊ እግዚኣብሄር ንዒቖምዎ” ትብል። የሆዋ ነቶም ኰነ ኢሎም ሕጉ ዚጥሕሱ ሸለል ኣይብሎምን እዩ። ብመሰረት ኣሞጽ 2:5 “ናብ ይሁዳ ሓዊ ኽሰድድ እየ: ነቲ ኣዳራሻት የሩሳሌም ከኣ ሞዅ ኬብሎ እዩ” ብምባል ተነበየ።

10. ይሁዳ ኻብ ጥፍኣት ከተምልጥ ዘይከኣለት ስለምንታይ እያ፧

10 ዘይእሙናት ኣይሁድ ካብቲ ዚመጽእ ጥፍኣት ኬምልጡ ኣይከኣሉን። የሆዋ ንሻውዓይ ግዜ “ኣይክመልስን እየ” በለ። (ኣሞጽ 2:4) ይሁዳ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ብባቢሎናውያን ምስ ዓነወት እቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ መቕጻዕቲ ተቐበለት። ኣብዚውን እኩያት ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ከም ዘየምልጡ ኢና እንርኢ።

11-13. ኣሞጽ ብቐዳምነት ነየኖት ህዝቢ እዩ ተነብዩሎም: ኣባታቶምከ እንታይ ዓይነት ጭቈና እዩ ነይሩ፧

11 ነብዪ ኣሞጽ ኣብ ሸውዓተ ሃገራት እዩ ፍርዲ የሆዋ ኣዊጁ። ትንቢቱ ኸም ዝዛዘመ ተስፋ ዝገበረ ነይሩ እንተ ዀይኑ: ገና ብዙሕ ተሪፍዎ ብምንባሩ ተጋግዩ እዩ። ብቐዳምነት ነታ ኣብ ሰሜን እትርከብ ዓሰርተ ነገድ ዘለዉዋ መንግስቲ እስራኤል ኣዝዩ ኸቢድ መልእኽቲ ኼብጽሕ እዩ ተመዚዙ። እስራኤል ብስነ-ምግባራዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣመና ተበላሽያ ብምንባራ: ፍርዲ ኣምላኽ ኪወርዳ ዚግብኣ እያ ነይራ።

12 ኣሞጽ እተነበዮ ትንቢት ኣብታ መንግስቲ እስራኤል ልሙድ ጭቈና ኸም ዝነበረ ኣቃሊዑ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኣሞጽ 2:6, 7 ከምዚ ትንበብ:- “እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ: ነቲ ጻድቕ ብብሩር: ነቲ ድኻ ኸኣ ብሓንቲ ጽምዲ ሳእኒ ሸይጦምዎ እዮም እሞ: ስለ ሰለስተ ገበን እስራኤል: ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ: መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ። ኣብ ርእሲ ድኻታት ተጐጓ ምድሪ ኺርእዩ ይትምነዩ: ንመገዲ ትሑታት ይጠውይዎ።”

13 ጻድቃን “ብብሩር” ይሽየጡ ነበሩ: እዚ ማለት ከኣ ምናልባት ደያኑ ጉቦ ብምቕባል ነቲ ንጹህ ይፈርድዎ ነይሮም ይዀኑ። እቶም ኣለቃሕቲ ነቶም ድኻታት “ብሓንቲ ጽምዲ ሳእኒ” ንባርነት ይሸጥዎም ነበሩ: እዚ ማለትውን ምናልባት ሒደት ዕዳ ጥራይ እዩ ነይርዎም ኪኸውን ዚኽእል። እቶም ምሕረት ዘይፈልጡ ሰባት ነቶም “ድኻታት” ብምድቋስ በቲ ዜጋጥሞም ጭንቂ: ሓዘን: ወይ ውርደት ኣብ ርእሶም ተጐጓ ምድሪ ገይሮም ኪርእይዎም “ይትምነዩ” ወይ ሃረር ይብሉ ነበሩ። ብልሽውና ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑ ስለ ዝነበረ: “ትሑታት” ፍትሒ ኺረኽቡ ተስፋ ኣይነበሮምን።

14. ኣብተን ዓሰርተ ነገድ መንግስቲ እስራኤል ግፍዒ ዚወርዶም ዝነበረ መን እዮም፧

14 እቶም እተገፍዑ መን ምዃኖም እሞ ኣስተብህለሎም። ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ጻድቃን: ድኻታት: ትሑታት እዮም ነይሮም። እቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ኺዳን ንተኣፈፍትን ስኡናትን ድንጋጽ ኪግበረሎም ከም ዘለዎ ይእዝዝ ነበረ። ከምዚ ኣብ ክንዲ ዚግበር ግን ነቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት እዚ ዘይበሃል ግፍዒ ይወርዶም ነበረ።

“ንኣምላኽካ ኽትቃባበል ተዳሎ”

15, 16. (ሀ) እስራኤላውያን “ንኣምላኽካ ኽትቃባበል ተዳሎ” ዚብል መጠንቀቕታ እተዋህቦም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣሞጽ 9:1, 2 እኩያት ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ኬምልጡ ኸም ዘይክእሉ እትገልጽ ብኸመይ እያ፧ (ሐ) ነታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ብ740 ቅ.ኣ.ዘ. እንታይ ኣጋጠማ፧

15 ኣብ እስራኤል ጾታዊ ርኽሰትን ካልእ ሓጢኣትን ኣስፋሕፊሑ ስለ ዝነበረ: ነብዪ ኣሞጽ ነቶም ዓለወኛታት ህዝቢ “ንኣምላኽካ ኽትቃባበል ተዳሎ” ኢሉ ኼጠንቅቖም እምበኣር ሓቁ እዩ። (ኣሞጽ 4:12) የሆዋ ንሻምናይ ግዜ “ኣይክመልስን እየ” ስለ ዝበለ: ዘይእሙናት እስራኤላውያን ካብቲ ዚመጽእ ዝነበረ ፍርዲ ኣምላኽ ኬምልጡ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። (ኣሞጽ 2:6) ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ካብኡ ኺሕብኡ ዚፍትኑ እኩያት ከምዚ በለ:- “ካብኦም ሓደ እኳ ኣይኪሀድምን እዩ: ካብኦምሲ ሓደ እኳ ኣይኬምልጥን እዩ። ኵዒቶም እኳ ናብ ሲኦል እንተ አተዉ: ካብኡ ኢደይ ከተውጽኦም እያ። ናብ ሰማይ እንተ ደየቡውን: ካብኡ ኣነ ኸውርዶም እየ።”—ኣሞጽ 9:1, 2

16 እኩያት ብምሳልያዊ ኣዘራርባ “ናብ ሲኦል” ኵዒቶም ብምእታው ማለት ኣብ ዝዓመቘ ኽፋል ምድሪ ብምሕባእ ካብ የሆዋ ኼምልጡ ኣይክእሉን እዮም። “ናብ ሰማይ እንተ ደየቡውን” ማለት ኣብ ዝበረኸ ኣኽራን መዕቈቢ እንተ ኣናደዩውን ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ኬምልጡ ኣይክእሉን እዮም። የሆዋ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ንጹር እዩ ነይሩ። ንሱ ዘየረኻኽበሉ ዋላ ሓደ መሕብኢ የልቦን። ፍትሒ ኣምላኽ ንኺፍጸም እታ ሰሜናዊት መንግስቲ በቲ እኩይ ግብራ ተሓታቲት ክትከውን ነበራ። እዚ ድማ ብግዜኡ ተፈጺሙ እዩ። ብ740 ቅ.ኣ.ዘ. ኣሞጽ ነዚ ትንቢት እዚ ምስ ጸሓፈ 60 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: እታ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል በቶም ወረርቲ ኣሶራውያን ተሳዕረት።

ፍርዲ ኣምላኽ መምዩ እዩ ዜጥፍእ

17, 18. ኣሞጽ ምዕራፍ 9 ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ እንታይ እያ እትገልጽ፧

17 ኣብ ትንቢት ኣሞጽ ፍርዲ ኣምላኽ ወትሩ ኣብቶም ዚግብኦም ከም ዚወርድን ክትሃድመሉ ዘይከኣል ምዃኑን ኢና ኽንርኢ ጸኒሕና። መጽሓፍ ኣሞጽ ግን ብዛዕባ ፍርዲ የሆዋ መምዩ ጥራይ ዜጥፍእ ምዃኑ ትነግረና እያ። ኣምላኽ ነቶም እኩያት ኣብቲ እተሓብኡሉ ዘበለ ኺረኽቦም ይኽእል እዩ። ነቶም ምሕረቱ ዚግብኦም ዚንስሑን ቅኑዓትን ሰባት እውን ኪረኽቦም ከም ዘየጸግሞ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብታ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ናይ ትንቢት ኣሞጽ ብዜደንቕ መገዲ እዩ ጐሊሑ ዚርከብ።

18 ኣብ ምዕራፍ 9 ቍጽሪ 8 የሆዋ “ንቤት ያእቆብ ብጥራስ ኣይከጥፍኣን እየ” በለ። ብመሰረት ቍጽሪ 13 ክሳዕ 15 የሆዋ ንህዝቡ “ካብ ምርኮ ኽመልሶ” ምዃኑ ተመባጽዐ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ምሕረትን ህድኣትን ብልጽግናን ኪረኽቡ እዮም። የሆዋ “እቲ ሓረስታይ ንዓጻዳይ . . . ዜርክበሉ መዓልትታት ኪመጻ እየን” ኢሉ ተመባጽዐ። ሕስብ እሞ ኣብሎ: እቲ ምህርቲ ኣዝዩ ብዙሕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ገሊኡ ኽሳዕ እቲ ማሕረስ ዚሕረሰሉን ዘርኢ ዚዝርኣሉን እዋን ከይተዓጽደ ኺጸንሕ እዩ!

19. ነቶም ተረፍ እስራኤላውያንን ኣይሁድን እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧

19 የሆዋ ኣብቶም ኣብ ይሁዳን እስራኤልን ዝነበሩ እኩያት ፍርዱ ኺፍጽም ከሎ: ነቶም ዚንስሑን ቅኑዕ ዝልቦምን ሰባት ምሕረት ብምርኣዩ መምዩ እዩ ፈጺምዎ ኽንብል ንኽእል ኢና። እቶም እተነስሑ ተረፍ እስራኤላውያንን ኣይሁድን ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ካብ ምርኮ ምስ ተመልሱ: እቲ ናብ ዓዶም ከም ዚምለሱ ዚገልጽ ኣብ ኣሞጽ ምዕራፍ 9 ተመዝጊቡ ዘሎ መብጽዓ ተፈጸመ። ኣብታ ዝፈትዉዋ ዓዶም ንጹህ ኣምልኾ እንደገና መስረቱ። ብህድኣት ኣባይቲ ሃነጹ: ወይንን ኣታኽልትን ከኣ ተኸሉ።

እቲ ኸቢድ ፍርዲ የሆዋ ኺመጽእ እዩ!

20. ነቲ ኣሞጽ ዝኣወጆ ፍርዲ ኣምላኽ ምምርማርና: እንታይ እዩ ዜረጋግጸልና፧

20 ነቲ ኣሞጽ ዝኣወጆ ፍርዲ ኣምላኽ ምምርማርና: የሆዋ ነዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ እኩያት እውን ከም ዜጥፍኦም ርግጸኛታት ከም እንኸውን ኪገብረና ይግባእ። እዚ ኸም ዚኸውን እንኣምን ስለምንታይ ኢና፧ ቀዳማይ: ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣምላኽ ንእኩያት ዝገበሮ ነገራት ሕጂ እንታይ ከም ዚገብር ዚሕብር እዩ። ካልኣይ: ፍርዲ የሆዋ ኣብታ ኸሓዲት መንግስቲ እስራኤል ምፍጻሙ: ኣምላኽ ኣብታ ቐንዲ ኽፍሊ እታ “ዓባይ ባቢሎን” ወይ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ህዝበ-ክርስትያን ጥፍኣት ከም ዜምጽእ እዩ ዜረጋግጽ።—ራእይ 18:2

21. ህዝበ-ክርስትያን ከቢድ ፍርዲ ኣምላኽ ዚግብኣ ስለምንታይ እዩ፧

21 ህዝበ-ክርስትያን ከቢድ ፍርዲ ኣምላኽ ከም ዚግብኣ ኣየጠራጥርን እዩ። እቲ ኣብኣ ዘሎ ሃይማኖታውን ስነ-ምግባራውን ብልሽውና እኳ ኣፍ እንተ ዚህልዎ ምጨደረ ነይሩ። የሆዋ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ኰነ ኣብቲ ዝተረፈ ሰይጣን ዚቈጻጸሮ ዓለም ዚፍጽሞ ፍርዲ ዚግባእ እዩ። ኪሃድሙሉ ድማ ኣይክእሉን እዮም። እቲ ፍርዲ ኣብ ዚፍጸመሉ እዋን: እቲ ኣብ ኣሞጽ ምዕራፍ 9 ቍጽሪ 1 ዚርከብ “ካብኦም ሓደ እኳ ኣይኪሀድምን እዩ: ካብኦምሲ ሓደ እኳ ኣይኬምልጥን እዩ” ዚብል ቃላት ኪፍጸም እዩ። እወ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ዋላ እንተ ተሓብኡ: የሆዋ ኺረኽቦም እዩ።

22. ኣብ 2 ተሰሎንቄ 1:6-8 ብዛዕባ ፍርዲ ኣምላኽ እንታይ ነጥብታት እዩ ንጹር ኰይኑ፧

22 ፍርዲ ኣምላኽ ኣብቶም ዚግብኦም ዚወርድ: ክትሃድመሉ ዘይከኣል: ከምኡውን መምዩ ዜጥፍእ እዩ። ነዚውን ኣብዚ ዚስዕብ ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ክንርእዮ ንኽእል ኢና:- “በቲ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ ንኣኻትኩም ጸቢቡኩም ዘሎን ምሳና ዕረፍቲ [ኪህበኩም]: ነቶም ዜጻብቡልኩም ዘለዉን ጸበባ ኺፈዲ: ብኣምላኽ ቅኑዕ እዩ እሞ: ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ።” (2 ተሰሎንቄ 1:6-8) ነቲ ንቕቡኣት ክርስትያናት ጸበባ ብምምጻኦም ከቢድ ፍርዲ ዚግብኦም ዘበሉ ምፍዳይ: “ብኣምላኽ ቅኑዕ እዩ።” እቶም እኩያት ‘ካብቲ ብሃልሃልታ ሓዊ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ምስ መላእኽቱ’ ኼምልጡ ስለ ዘይክእሉ: እቲ ፍርዲ እቲ ኽትሃድመሉ ዘይከኣል ኪኸውን እዩ። የሱስ “ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን” ሕነ ኺፈዲ ብምዃኑ: ፍርዲ ኣምላኽ መምዩ ዜጥፍእ ኪኸውን እዩ። ፍርዲ ኣምላኽ ምፍጻሙ: ነቶም ጸበባ ዘሕለፉ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ምጽንናዕ ኬምጽኣሎም እዩ።

ንቕኑዓት ዘለዎም ተስፋ

23. ካብ መጽሓፍ ኣሞጽ እንታይ ተስፋን ምጽንናዕን ክንረክብ ንኽእል፧

23 ትንቢት ኣሞጽ ንቕኑዓት ሰባት ዜደንቕ ምጽንናዕን ተስፋን ዚህብ መልእኽቲ እውን ዝሓዘት እያ። ኣብ መጽሓፍ ኣሞጽ ብትንቢት ተገሊጹ ኸም ዘሎ: የሆዋ ንህዝቡ ጠሪሱ ኣየጥፈኦምን። ነቶም ምሩኻት እስራኤል ናብ ዓዶም ኣኪቡ ብምምላስ ከምኡውን ብዙሕ ህድኣትን ብልጽግናን ከም ዚረኽቡ ብምግባር ባሪኽዎም እዩ። እዚ ኣብዚ ግዜና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ ኣብቲ እናቐረበ ዚመጽእ ዘሎ ፍርዲ ኣምላኽ: የሆዋ ነቶም እኩያት ካብ እተሓብእዎ ዘበለ ኼውጽኦም ምዃኑ: ነቶም ምሕረቱ ዚግብኦም እውን ኣብዛ ምድሪ ኣብ ዝሃለዉ እንተ ሃለዉ ኺረኽቦም ምዃኑ የረጋግጸልና።

24. ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ብኸመይ እዮም ተባሪኾም ዘለዉ፧

24 ፍርዲ የሆዋ ኣብቶም እኩያት ኪፍጸም እናተጸበና: ከም እሙናት ኣገልገልቲ መጠን እንታይ ኢና እንጽበ፧ የሆዋ ብዝጅርብብ መንፈሳዊ ብልጽግና ባሪኹና ኣሎ! ካብ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ህዝበ-ክርስትያን ዘይመነጨን ሓሶትን ቄናንን ዘይብሉን ኣምልኾ ኢና እንስዕብ። የሆዋ መንፈሳዊ ምግቢ ኣኺሉ ኽሳዕ ዚተርፍ ብምሃብ እውን ባሪኹና እዩ። ይኹን እምበር: እዚ በረኸት እዚ ዓብዪ ሓላፍነት ከም ዜሰክመና እውን ኣይንረስዕ። ኣምላኽ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዘሎ ፍርዲ ኸነጠንቅቖም ይጽበየና እዩ። ነቶም “ንህይወት ዘለኣለም ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ንምርካብ ዝከኣለና ዅሉ ኽንገብር ንደሊ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 13:48 NW) እወ: ብእተኻእለና መጠን ብዙሓት ሰባት ካብዚ ሕጂ ረኺብናዮ ዘለና መንፈሳዊ ብልጽግና ንኺካፈሉን ካብቲ እናቐረበ ዚመጽእ ዘሎ ኣብቶም እኩያት ዚወርድ ፍርዲ ኣምላኽ ንኺድሕኑን ክንሕግዞም ንደሊ ኢና። ልክዕ እዩ: ነዚ በረኸት እዚ ንምርካብ ልብና ቕኑዕ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ከም እንርእዮ: እዚውን ኣብ ትንቢት ኣሞጽ ጐሊሑ ንረኽቦ ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ከቢድ ፍርዲ የሆዋ ወትሩ ኣብቶም ዚግብኦም ከም ዚወርድ ነብዪ ኣሞጽ ብኸመይ ኣርኣየ፧

• ፍርዲ ኣምላኽ ክትሃድመሉ ዘይከኣል ምዃኑ ንምሕባር ኣሞጽ እንታይ መርትዖ ኣቕረበ፧

• ፍርዲ ኣምላኽ መምዩ ዜጥፍእ ምዃኑ መጽሓፍ ኣሞጽ እትገልጽ ብኸመይ እያ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

መንግስቲ እስራኤል ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ኣየምለጠትን

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ተረፍ እስራኤልን ይሁዳን ካብ ምርኮ ባቢሎን ተመልሱ