ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ድንኳን ቅኑዓት ይዕምብብ’

‘ድንኳን ቅኑዓት ይዕምብብ’

‘ድንኳን ቅኑዓት ይዕምብብ’

ኣርማጌዶን ምስ መጸትን ነዚ እኩይ ኣገባብ ሰይጣን መወዳእታ ምስ ገበረትሉን “ቤት ረሲኣን ይዐኑ።” “ድንኳን ቅኑዓት”ከ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ ኣብታ ኣምላኽ ዘቘማ ሓዳስ ዓለም ‘ኪዕምብብ’ እዩ።—ምሳሌ 14:11

ክሳዕ እቲ ‘ረሲኣን ካብ ምድሪ ዚጸንቱሉ: ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ዚምንቈሱሉ’ እዋን ግን: እቶም ፍጹማት ምስቶም እኩያት ብሓባር ኪነብሩ ኣለዎም። (ምሳሌ 2:21, 22) ቅኑዓት ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኪዕምብቡ ይኽእሉ ድዮም፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ምሳሌ ኣብ ምዕራፍ 14 ቍጽሪ 1 ኽሳዕ 11 ዘረባናን ተግባርናን ብጥበብ ብምምራሕ: ሕጂውን እንተዀነ ብእተወሰነ ደረጃ ብልጽግናን ሰላምን ኪንረክብ ከም እንኽእል ተገሊጹ ኣሎ።

ጥበብ ንቤት ትሃንጽ

ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ሰሎሞን ብዛዕባ እቲ ሰበይቲ ኣብ ስድራቤታ ዘለዋ ጽልዋ ኺገልጽ ከሎ “ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሀንጽ: ዓሻ ግና ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ” በለ። (ምሳሌ 14:1) ለባም ሰበይቲ ንቤታ ብኸመይ እያ እትሃንጽ፧ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ርእስነት ዝገበሮ ምድላው ተኽብሮ እያ። (1 ቈረንቶስ 11:3) በቲ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ሰፊኑ ዘሎ ብርእሳ ናይ ምንባር መንፈስ ኣይትጽሎን እያ። (ኤፌሶን 2:2) ንሰብኣያ ትግዝኦ እያ: ብዛዕባኡ ጽቡቕ ስለ እትዛረብ እውን ካልኦት ብዝያዳ የኽብርዎ። ንውሉዳታ መንፈሳውን ግብራውን ትምህርቲ ኣብ ምሃብ ድማ ትሳተፍ እያ። ንቤታ ንምጥቃም ብትግሃት ትዓዪ: ቤታ ንስድራቤታ ባህ ዜብልን ምሹእን ትገብሮ። ብምስትውዓልን ብቝጠባን ከኣ ተመሓድር። ብሓቂ ለባም ዝዀነት ሰበይቲ ንብልጽግናን ሰላምን ስድራቤታ ብዙሕ እያ እተበርክት።

ዓሻ ሰበይቲ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ርእስነት ዘውጽኦ ስርዓት ኣይተኽብርን። ብዛዕባ ሰብኣያ ሕማቕ ካብ ምዝራብ ድማ ድሕር ኣይትብልን። ቈጣቢት ስለ ዘይኰነት ከኣ: ነቲ ብኽንደይ ጻዕሪ እተረኽበ ጥሪት እታ ቤት ትዘሩ። ግዜ እውን ተጥፍእ እያ። ከም ውጽኢት ናይዚ: እቲ ቤታ ብጽቡቕ ኣይተሓዝን: ደቃ እውን ኣካላውን መንፈሳውን ጕድኣት ይወርዶም። እወ: ዓሻ ሰበይቲ ንቤታ ተፍርሶ እያ።

ሓደ ሰብ ለባም ወይ ዓሻ ምዃኑ ዚውስኖ ደኣ እንታይ እዩ፧ ምሳሌ 14:2 “ብቕንዕናኡ ዚመላለስ ንእግዚኣብሄር ይፈርሆ: መገዱ ዜጐብጥ ግና ይንዕቆ” ትብል። ቅኑዕ ሰብ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ይፈርሆ: “ፍርሃት እግዚኣብሄር [ከኣ] መጀመርያ ጥበብ እዩ።” (መዝሙር 111:10) ብሓቂ ለባም ሰብ ‘ንኣምላኽ ኪፈርሆ: ትእዛዛቱውን ኪሕሉ’ ግዴታ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ። (መክብብ 12:13) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ዓሻ ምስቲ ቕኑዕ ስርዓታት ኣምላኽ ዚጋጮ መገዲ እዩ ዚስዕብ። መገዱ ጎባጥ ወይ ቄናን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ብልቡ “ኣምላኽ የልቦን” ብምባል ንኣምላኽ ይንዕቆ።—መዝሙር 14:1

ከናፍር ብጥበብ ኪምርሓ ኸለዋ

ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዚፈርሆ ሰብ ኰነ ብዛዕባ እቲ ዚንዕቆ ሰብ ዚዛረቦ ዘረባ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ እቲ ንጉስ “ኣብ ኣፍ ዓሻ ሸቦጥ ትዕቢት አሎ: ንጠቢባን ግና ከናፍሮም ይሕልዎም” በለ። (ምሳሌ 14:3) ዓሻ ናይ ላዕሊ ጥበብ ስለ ዘይብሉ: ሰላማውን ልኡምን ኣይኰነን። እታ ንስጕምትታቱ እትመርሕ ጥበብ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ። ባእስን ትዕቢትን ዝመልኦ ቓላት እዩ ዜውስእ። ካብ ኣፉ ዚወጽእ ትዕቢት ንዕኡን ንኻልኦትን ብዙሕ ሽግር የምጽኣሎም።—ያእቆብ 3:13-18

ከናፍር ጥበበኛ ስለ ዚሕልውኦ: ወይ ዜዕቍባኦ: ዝያዳ ሓጐስን ዕግበትን የምጽኣሉ። ብኸመይ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ: መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ” ይብል። (ምሳሌ 12:18) ቃላት ጥበበኛ ኸይሓሰብካ ዚዝረብ ወይ ዚቘርጽ ኣይኰነን። ልቡ መልሲ ቕድሚ ምሃቡ ይሓስብ እዩ። (ምሳሌ 15:28) ብዚግባእ ሓሲቡ ዚዛረቦ ዘረባ ጥዕና እዩ። ንሕልናኦም ዝዓረቦም ነፍሳት የተባብዕ: ንእተደቝሱ ድማ የበራትዕ። ከናፍሩ ንሰባት ኣብ ክንዲ ዜበሳጭዋ: ሰላምን ህድኣትን እየን ዜስፍና።

ጥበብ ንጻዕርታት ደቅሰብ ክትመርሖ ኸላ

ሰሎሞን ቀጺሉ ንሓደ ዕዮ ቕድሚ ምዕያይና ጥቕሙን ጕድኣቱን ከነመዛዝን ከም ዘሎና እትገልጽ እትምስጥ ምስላ ተዛረበ። “ብዕራይ ኣብ ዜብሉ መብልዕ ማል ጥራዩ እዩ: ብዙሕ ሲሳይ ግና ብሓይሊ ብዕራይ እዩ” በለ።—ምሳሌ 14:4

ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ ትርጕም እዛ ምስላ እዚኣ ኺገልጽ ከሎ: “ጥራዩ መብልዕ ማል: ኣብዑር ከም ዘየለዉ እዩ ዚሕብር: ስለዚ ድማ ንእንስሳታት ከተጽሪ ዀነ ኽትከናኸን ኣየድልየካን: ብዙሕ ወጻኢታት እውን ኣይህልወካን። እዚ ‘ጥቕሚ’ እዚ ግን በቲ ኣብ ቍ[ጽሪ] 4ለ ዚርከብ ሓሳባት ተሰሪዙ ኣሎ። እዚ ድማ ብዘይ ኣብዑር ብዙሕ ምህርቲ ዘይርከብ ምዃኑ እዩ።” ሓደ ሓረስታይ ብጥበብ ኪመርጽ ኣለዎ።

ኣብዛ ምስላ እዚኣ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ስራሕ ክንቅይር: እተወሰነ ዓይነት ቤት ክንመርጽ: ማኪና ኽንዕድግ: ናይ ቤት እንስሳታት ክንሕዝ: ከምኡውን ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነታት ክንገብር ከለና ዚዓዪዶ ኸይኰነ፧ ጥበበኛ ሰብ ጥቕምን ጕድኣትን የመዛዝን: ንሓደ ነገር ቅድሚ ምግባሩ ኸኣ ክንድኡ ዚኣክል ጻዕርን ወጻእን ኪገብረሉ ዚግብኦ እንተ ዀይኑ ይግምግም።

ምስክር ጥበበኛ ኪኸውን ከሎ

ሰሎሞን ቀጺሉ “እሙን ምስክር ኣይሕሱን: ሓሳዊ ምስክር ግና ሓሶት የውስእ” በለ። (ምሳሌ 14:5) ሓሳዊ ምስክር ዚዛረቦ ሓሶት ብዙሕ ጕድኣት ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ክልተ ደቂ ብልያል ንናቦት ይዝርኤላዊ ብሓሶት ምስ መስከሩሉ እዩ ብዳርባ እምኒ እተቐትለ። (1 ነገስት 21:7-13) ንየሱስ እውን ናይ ሓሶት መሰኻኽር መስኪሮምሉዶ ኣይነበሩን: ብሰንኪ እዚውን መወዳእታኡዶ ኣይተቐትለን፧ (ማቴዎስ 26:59-61) ናይ ሓሶት መሰኻኽር ነቲ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብምኽንያት እምነቱ ፈለማ እተቐትለ እስጢፋኖስ እውን መስኪሮምሉ እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 6:10, 11

ሓሳዊ ሰብ ንእተወሰነ እዋን ኣይቅላዕን ይኸውን: ብዛዕባ መጻኢኡ ግን እሞ ሕስብ ኣብል። የሆዋ “ሓሶት ዚዛረብ ሓሳዊ ምስክር” ከም ዚጸልእ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጹ ኣሎ። (ምሳሌ 6:16-19) ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ግዲኡ ምስቶም ከም ቀተልቲ ነፍስን መምለኽቲ ጣኦትን ዝኣመሰሉ ኣበሰኛታት ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ: እዚ ኸኣ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ።—ራእይ 21:8

እሙን ምስክር ቃሉ ንምሃብ ድሕሪ ምምሓሉ ኣይሕሱን እዩ። ኣብ ምስክርነቱ ሓሶት የብሉን። ይኹን እምበር: ነቶም ኣብ ህዝቢ የሆዋ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ጕድኣት ኬውርዱ ዚኽእሉ ሰባት ምሉእ ሓበሬታ ንምሃብ ግዴታ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ኣብርሃምን ይስሃቅን ነቶም ንየሆዋ ዘየምልኹ ሰባት ዘይነገርዎም ነገራት ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 12:10-19፣ 20:1-18፣ 26:1-10) ረሃብ ብዓልቲ ያሪኮ ነቶም ንጉስ ዝለኣኾም ሰባት ብጌጋ ኣንፈት ከም ዚኸዱ እያ ገይራቶም። (እያሱ 2:1-7) የሱስ ክርስቶስ እውን እንተዀነ ምሉእ ሓበሬታ ምሃብ ዘየድሊ ጕድኣት ኣብ ዜምጽኣሉ እዋን ምስጢሩ ኣይቀልዐን። (ዮሃንስ 7:1-10) “እቲ ቅዱስ ነኽላባት ኣይትሀቡ” በለ። ስለምንታይ፧ “ተመሊሶም ከይትርትሩኹም” ብምባል ምኽንያቱ ገለጸ።—ማቴዎስ 7:6

‘ፍልጠት ዘየሸግር’ ኣብ ዝዀነሉ እዋን

ጥበብ ኵሉ ዚረኽባ ድያ፧ ምሳሌ 14:6 “መላገጺ ንጥበብ ይደልያ እሞ ኣይረኽባን። ነእምሮኛ ግና ፍልጠት ኣይሽግሮን” ትብል። መላገጺ ወይ መባጨዊ ጥበብ ይደሊ ይኸውን። ናይ ሓቂ ጥበብ ግን ኣይረክብን እዩ። መላገጺ ነቲ ናይ ኣምላኽ ዝበለ ብትዕቢት ስለ ዜባጭወሉ: ጥበብ ንምርካብ ዜኽእል መሰረታዊ ረቛሒ: ማለት ብዛዕባ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ኣየማልእን። ኵርዓቱን ትዕቢቱን ብዛዕባ ኣምላኽ ካብ ምፍላጥን ጥበብ ካብ ምጥራይን ይዓግቶ። (ምሳሌ 11:2) ስለምንታይ ግን እዩ ጥበብ ዚደሊ፧ እቲ ምኽንያት ኣብታ ምስላ እኳ እንተ ዘይተገልጸ: ከምዚ ዚገብር ካልኦት ጥበበኛ ገይሮም ንኺርእይዎ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ነእምሮኛ “ፍልጠት ኣይሽግሮን።” እታ ኣእምሮ እትብል ቃል “ናይ ምስትውዓልን ናይ ምግንዛብን ኵነት” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። እተፈላለየ ጕዳያት በበይኑ ጌርካ ምርኣይ ዘይኰነስ ንብምልኡ ብሓባር ናይ ምርዳእ ክእለት የመልክት። እዛ ምስላ እዚኣ እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኽእለት ዘለዎ ሰብ ብቐሊሉ ፍልጠት የጥሪ እያ እትብል ዘላ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ኣብ ምጥራይ ዘሕለፍካዮ ተመክሮ እስከ ተመልከት። መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ምስ ጀመርካ: ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ መብጽዓታቱን ብዛዕባ ወዱን መጀመርታ ተማሂርካ ኽትከውን ኣሎካ። ፈለማ ነዚ ዝርዝር ነጥብታት ነንበይኑ ኣቐሚጥካዮ ኔርካ። እንተዀነ ግን: መጽናዕትኻ ምስ ቀጸልካ እዚ ዝርዝር ነጥብታት ንሓድሕዱ ኺተኣሳሰር ይጅምር: ምስቲ ንደቅሰብን ምድርን ዚምልከት ሓፈሻዊ ዕላማ የሆዋ ብኸመይ ከም ዚተኣሳሰር ከኣ ብንጹር ክትግንዘብ ከኣልካ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብካዮ ሓቂ ርትዓውን ንሓድሕዱ እተኣሳሰረን ኰነልካ። ሓድሽ ዝርዝር ነጥብታት ምስቲ ሓፈሻዊ ፍልጠት ብኸመይ ከም ዚተኣሳሰር ስለ ዘስተውዓልካ: ምፍላጡን ምዝካሩን እውን ቀለለልካ።

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ፍልጠት ዘይርከበሉ ምንጪ እውን ጠቒሱ ኣሎ። “ካብ ዓሻ ርሐቕ: ኣብኡ ኸናፍር ፍልጠት ኣይክትረክብን ኢኻ” በለ። (ምሳሌ 14:7) ዓሻ ናይ ሓቂ ፍልጠት የብሉን። ፍልጠት ዜውስእ ከናፍር እውን የብሉን። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ክንርሕቕ ኢና ተማዒድና: ሓንሳእ ምስ ረሓቕና እውን እንደገና ኽንቀርቦ የብልናን። “ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ . . . ሕሱም ይኸውን።”—ምሳሌ 13:20

ሰሎሞን ቀጺሉ “ጥበብ እቲ ለባምሲ መገዱ ምፍላጥ እዩ: ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ጥበራ እዩ” በለ። (ምሳሌ 14:8) ለባም ሓደ ነገር ቅድሚ ምግባሩ ይሓስብ እዩ። ብዛዕባ እቲ ዘለዎ እተፈላለየ ኣማራጺታት ይሓስብ: ነፍሲ ወከፍ ኣማራጺ ናበይ ከም ዚመርሖ ድማ የስተንትን። መገዱ ብጥበብ ይመርጽ። ዓሻ ግን እንታይ እዩ ዚገብር፧ ዚገብሮ ዚፈልጥን ዝበለጸ ምርጫ ዚገብርን እናመሰሎ መገዲ ዕሽነት እዩ ዚመርጽ። ዕሽነቱ ይጥብሮ እዩ።

ጥበብ ንርክባትና ኽትመርሖ ኸላ

ብጥበብ ዚመላለስ ሰብ ምስ ካልኦት ሰላማዊ ርክብ እዩ ዘለዎ። እቲ ንጉስ እስራኤል “እቶም ዓያሱ ብሓጢኣት ይዋዘዩ: ኣብ ማእከል እቶም ቅኑዓት ግና ጽቡቕ ፍቓድ አሎ” በለ። (ምሳሌ 14:9) ሓጢኣት ምስ ገበርካ ዚስምዓካ ስምዒት: ወይ ጣዕሳ: ንዓሻ መስሓቒኡ እዩ። ዕቡይ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ንዝበደሎ ስለ ዘይክሕስን ሰላም ስለ ዘይደልን ኣብ ቤቱ ዀነ ኣብ ወጻኢ ሕማቕ ርክብ እዩ ዘለዎ። ቅኑዕ ሰብ ንጕድለት ሰባት ኣብ ግምት ኬእቱ ይኽእል እዩ። ኪጋገ ኸሎ ይቕረታ ንምሕታትን ንምኽሓስን ድሉው እዩ። ንሰላም ስለ ዚስዕባ: ምስ ካልኦት ዜሐጕስን ሰላማውን ርክብ ኣለዎ።—እብራውያን 12:14

ድሕርዚ ሰሎሞን ኣብ ርክባት ደቅሰብ ዕንቅፋት ዚኸውን ረቛሒ ጠቐሰ። “ልቢ ንምረቱ ባዕሉ ይፈልጦ: ኣብ ሓጐሱ ኸኣ ጓና ኣይሕወስን” በለ። (ምሳሌ 14:10) ውሽጣዊ ጓሂና ወይ ሓጐስና ኸምቲ ዚስምዓና ጌርና ንኻልኦት ኵሉ ግዜ ኽንገልጸሎም ንኽእል ዲና፧ ሓደ ሰብ ነቲ ኻልእ ሰብ ዚስምዖ ወትሩ ምሉእ ብምሉእ ኪርድኦ ይኽእል ድዩ፧ መልሲ እዘን ክልተ ሕቶታት እዚኣተን ‘ኣይፋልን’ እትብል እያ።

ንኣብነት: ብዛዕባ ሓደ ርእሰ-ቕትለት ኪገብር ዚሓስብ ሰብ ዚስምዖ ስምዒት ንውሰድ። መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ስምዒታቱ እዚ ንስድራቤቱ ወይ ንፈታዊኡ ብዚግባእ ኪገልጾ ኣይክእልን እዩ። ካልኦት ኣብ ጥቓኡ እናሃለዉ ምልክት እዚ ስምዒታት እዚ ወትሩ ይፈልጥዎ ማለት ኣይኰነን። ነዚ ምልክታት እዚ ብዘይምርኣይናን ክንድግፎ ብዘይምኽኣልናን ናይ ጣዕሳ ስምዒት ኪስምዓና የብሉን። ስምዒታዊ ደገፍ ደሊኻ ናብ ሓደ ሓላዪ ፈታዊ ምቕራብ ዜጸናንዕ እኳ እንተዀነ: ደቅሰብ ኪህብዎ ዚኽእሉ ምጽንናዕ ግን እተደረተ ምዃኑ እያ እዛ ምስላ እዚኣ እትገልጽ። ገሊኡ ጸገማት ንምስጋር ኣብ የሆዋ ጥራይ ኢና ኽንጽጋዕ እንኽእል።

“ሃብትን ጽጋብን ኣብ ቤቱ እዩ”

እቲ ንጉስ እስራኤል “ቤት ረሲኣን ይዐኑ: ድንኳን ቅኑዓት ግና ይዕምብብ” በለ። (ምሳሌ 14:11) ረሲእ ኣብዚ ኣገባብ እዚ ይብልጽግ: ኣብ ብግቡእ እተሃንጸ ቤትውን ይነብር ይኸውን: እንተዀነ ግን ንሱ ንባዕሉ ዘይህልወሉ ግዜ ምስ መጸ እዚ እንታይ ረብሓ እዩ ኺህልዎ፧ (መዝሙር 37:10) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ቅኑዕ ዚነብረላ መንበሪ ተራ ኽትከውን ትኽእል እያ። መዝሙር 112:3 ግን “ሃብትን ጽጋብን ኣብ ቤቱ እዩ” ትብል። እዚኸ እንታይ እዩ፧

እንዛረቦን እንገብሮን ብጥበብ እንተ ዀይኑ: ምስ ጥበብ ተተሓሒዙ ዚመጽእ “ሃብትን ክብረትን” ንረክብ ኢና። (ምሳሌ 8:18) እዚ ድማ ምስ ኣምላኽን ሰባትን ሰላማዊ ርክብ ምህላው: ጥዕናን ሓጐስን ምርካብ: ከምኡውን ብእተወሰነ ሰላም ምርካብ የጠቓልል። እወ: “ድንኳን ቅኑዓት” ሕጂውን ኪዕምብብ ይኽእል እዩ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሃንጽ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

“መልሓስ እቶም ጠቢባን . . . ጥዕና እዩ”