ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍርሂ ኣብ ዘይብላ ዓለም ክትነብር ትህንጠዶ፧

ፍርሂ ኣብ ዘይብላ ዓለም ክትነብር ትህንጠዶ፧

ፍርሂ ኣብ ዘይብላ ዓለም ክትነብር ትህንጠዶ፧

“ብሰንኪ እቲ ‘ብዘይ መጠንቀቕታ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋንን ብዝዀነ ይኹን መልክዕን ኬጋጥም ዚኽእል ብንጹር ዘይተፈልጠ . . . ሓደጋ’ ‘ወትሩ ምስ ዜሻቕል ክትትልን . . . ፍርህን’ ኢና እንነብር ዘሎና።”

እዘን ንስምዒት ኣብዛ ህውከት ዝመልኣ ዓለም ዚነብሩ ሰባት ዜንጸባርቓ ቓላት: ካብ ናይ ዓሚ ሕታም መጽሔት ኒውስዊክ እተወስዳ እየን። የሱስ ክርስቶስ ኣብ መጻኢ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት እናገደደ ኸም ዚኸይድ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብ ምድሪ ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን: ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ድማ ሰባት ዚገብርዎ ኺጠፍኦም ምዃኑ ተነብዩ ነበረ። እንተዀነ ግን: ንሕና ብፍርሂ ኣይንርዕድን ኢና: ምኽንያቱ የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ “እዚ ምዃን ምስ ጀመረ: ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ: ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ” ኢሉና እዩ።—ሉቃስ 21:25-28

የሆዋ ኣምላኽ ንህዝቡ ምስ ኣድሓኖም ብድሕሪኡ እንታይ ዓይነት ናብራ ኸም ዚህልዎም ኪዛረብ ከሎ “ህዝበይ ኣብ ማሕደር ሰላምን ኣብ ኣባይቲ ደሓንን ኣብ ህዱእ ቦታታት ዕረፍትን ኪነብር እዩ” በለ። (ኢሳይያስ 32:18) ብነብዪ ሚክያስ ኣቢሉ ድማ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን” በለ።—ሚክያስ 4:4

እዝስ ምስቲ ሕጂ ዘለናዮ ናብራ ኺወዳደር ከሎ ኣበይ ናበይ! ሰባት ብዘይተፈልጠ ሓደጋ ኣይኪሻቐሉን እዮም። ኣብ ክንዲ ዜሻቕል ክትትልን ፍርህን ድማ መጠረሽታ ዘይብሉ ሰላምን ሓጐስን እዩ ኪኸውን።