ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅኑዕን ጌጋን ብኸመይ ኢኻ ኽትውስን ዘሎካ፧

ቅኑዕን ጌጋን ብኸመይ ኢኻ ኽትውስን ዘሎካ፧

ቅኑዕን ጌጋን ብኸመይ ኢኻ ኽትውስን ዘሎካ፧

ቅኑዕን ጌጋን ንምውሳን ስልጣን ዘለዎ መን እዩ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ ኻብ መጀመርታ ታሪኽ ወድሰብ ኣትሒዛ እያ ተላዒላ። ብመሰረት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ዘፍጥረት: ኣምላኽ ንሓንቲ ኣብ ገነት ኤድን በቚላ ዝነበረት ኦም “ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ኢሉ ጸውዓ። (ዘፍጥረት 2:9) ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ከኣ ፍረ እዛ ኦም እዚኣ ኸይበልዑ ኣዘዞም። ይኹን እምበር: እቲ ጸላኢ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ካብታ ኦም እንተ በሊዖም ኣዒንቶም ‘ከም ዚኽፈታ: ከም ኣምላኽ ከም ዚዀኑ: ጽቡቕን ክፉእን ድማ ከም ዚፈልጡ’ ነገሮም።—ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 3:1, 5፣ ራእይ 12:9

ኣዳምን ሄዋንን ውሳነ ኺገብሩ ነበሮም። ኣምላኽ ብዛዕባ ጽቡቕን ክፉእን ዘውጽኣሎም ስርዓታት ድዮም ኪስዕቡ ወይስ ናይ ርእሶም እዮም ኪስዕቡ፧ (ዘፍጥረት 3:6) ትእዛዝ ኣምላኽ ኣፍሪሶም ካብታ ኦም ኪበልዑ ወሰኑ። እዚ ቐሊል ተግባር እዚ እንታይ እዩ ዜመልክት፧ ነቲ ኣምላኽ ዝገበረሎም ቀይዲ ኬኽብሩ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም: ንሳቶምን ዘርኦምን ባዕሎም ቅኑዕን ጌጋን እንተ ወሰኑ ዚሕሾም ምዃኑ እዮም ሓቢሮም። እሞ ደኣኸ ደቅሰብ ናይ ርእሶም ስርዓታት ብምቛም ከም ኣምላኽ ኪዀኑ ዝገበርዎ ፈተነ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ሰሊጥዎም፧

እተፈላለየ ኣረኣእያታት

ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ንትምህርትታት እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ዝነበሩ ውሩያት ፈላስፋታት ድሕሪ ምጥቃስ: ካብቲ ሶቅራጦስ ዚበሃል ግሪኻዊ ፈላስፋ ኽሳዕ መበል 20 ዘመን “ቅኑዕን ጌጋን ዚበሃል ስርዓታት እንታይ ምዃኑ ብተደጋጋሚ የካትዕ እዩ” በለት።

ንኣብነት: ኣብ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ሶፊስታውያን ውሩያት መምህራን ግሪኽ እዮም ነይሮም። ቅኑዕን ጌጋን በረኣእያ ሓፋሽ ከም ዚውሰን ይምህሩ ነበሩ። ሓደ ኻብዞም መምህራን እዚኣቶም “ንነፍሲ ወከፍ ከተማ ቕኑዕን ጽቡቕን ኰይኑ ዚስምዓ ነገር: እቶም ተቐማጦኣ ኣተሓሳስባኦም ከምዚ ኽሳዕ ዝዀነ ነታ ኸተማ ቕኑዕን ጽቡቕን እዩ” በለ። በዚ መለክዒ እዚ እቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ጆዲ ነቲ ገንዘብ ኪወስዶ ነበሮ፣ ከመይሲ: መብዛሕትኦም ኣብቲ ማሕበረሰቡ ወይ ‘ከተማኡ’ ዘለዉ ሰባት ከምኡ ምገበሩ ነይሮም።

ኣብ መበል 18 ዘመን ዚነብር ዝነበረ ኢማኑወል ካንት ዚበሃል ውሩይ ፈላስፋ ኸኣ እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። እታ ኢሹስ ኢን ኢቲክስ እትበሃል መጽሔት ‘ኢማኑወል ካንትን ካልኦት ከምኡ ዝኣመሰሉ ሰባትን ኣብቲ ሓደ ሰብ ብውልቁ ንምምራጽ ዘለዎ ውሳነ ኸም ዘተኰሩ’ ትገልጽ። ብመሰረት ፍልስፍና ካንት: ጆዲ ንመሰል ካልኦት ክሳዕ ዘይጠሓሰ: ዚወስዶ ስጕምቲ ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ እዩ ዚምርኰስ። እቲ ንሱ ዚስዕቦ ስርዓታት በረኣእያ ብዙሓት ኪውሰን የብሉን።

እሞ ደኣ ጆዲ እንታይ ወሰነ፧ ካልእ ሳልሳይ ኣማራጺ እዩ ተጠቒሙ። ነቲ ክርስትያናት ኰኑ ክርስትያናት ዘይኰኑ ሰባት ዚውድስዎ ትምህርቲ የሱስ ክርስቶስ እዩ ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ። የሱስ “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” ኢሉ መሃረ። (ማቴዎስ 7:12) ጆዲ ነታ ሰበይቲ እቲ 82,000 ዶላር ኣመሪካ ምስ ሃባ ብዙሕ እያ ተገሪማ። ንምንታይ ከም ዘይወሰዶ ሕቶ ምስ ቀረበሉ: ናይ የሆዋ ምስክር ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ “እቲ ገንዘብ ናተይ ኣይኰነን” ኢሉ መለሰ። ነቲ የሱስ እተዛረቦ ኣብ ማቴዎስ 19:18 ተመዝጊቡ ዚርከብ “ኣይትስረቕ” ዚብል ትእዛዝ ኣርዚኑ እዩ ርእይዎ።

ኣረኣእያ ሓፋሽ ዜተኣማምን መምርሒ ድዩ፧

ገሊኦም ሰባት: ጆዲ ኽሳዕ ክንድዚ ሓቀኛ ምዃኑ ዕሽነት እዩ ይብሉ ይዀኑ። ኣረኣእያ ሓፋሽ ግን ዜተኣማምን መምርሒ ኣይኰነን። ንኣብነት: ከምቶም ገሊኦም ጥንታዎት ሕብረተሰባት ዝነበርዎ ንቘልዓ ምስዋእ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ኣብ ዚኣምኑ ሕብረተሰብ ትነብር ኔርካ እንተ ትኸውን: እዚ ተግባር እዚ ቕኑዕዶ ምበልካዮ፧ (2 ነገስት 16:3) ስጋ ሰብ ምብላዕ ቅኑዕ ገይሮም ኣብ ዚርእዩ ሕብረተሰብ እንተ ትውለድከ: ስጋ ሰብ ምብላዕ ዋላ ሓንቲ ጌጋ የብሉን ክትብልዶ ትኽእል፧ ሓደ ነገር ብብዙሓት ቅቡል ምዃኑ ቕኑዕ ኣይገብሮን እዩ። ነዊሕ ይገብር መጽሓፍ ቅዱስ “ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ኣይትስዐብ” ኢሉ ኣጠንቀቐ።—ዘጸኣት 23:2

የሱስ ክርስቶስ ኣረኣእያ ሓፋሽ ከም መምዘኒ ቕኑዕን ጌጋን ጌርና ንኸይንቕበል ካልእ ምኽንያት ሂቡና ኣሎ። ንሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ምዃኑ ኣቃሊዕዎ እዩ። (ዮሃንስ 14:30፣ ሉቃስ 4:6) ሰይጣን ነዚ ስልጣኑ እዚ ብምጥቃም “ንብዘላ ዓለም” የስሕታ ኣሎ። (ራእይ 12:9) እምበኣር: ኣብ ኣረኣእያ ሓፋሽ ጥራይ ተመርኲስካ ቕኑዕን ጌጋን እንተ ወሲንካ: ስነ-ምግባራዊ ኣረኣእያ ሰይጣን ትቕበል ትህሉ ትኸውን: እዚውን ብዙሕ ጕድኣት ከም ዜምጽእ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ብናይ ምምዝዛን ክእለትካ ኽትተኣማመን ትኽእልዶ፧

እሞ ደኣ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ብውልቁ ድዩ ቕኑዕን ጌጋን ኪውስን ዘለዎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ” ይብል። (ምሳሌ 3:5) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: ኵሎም ደቅሰብ ንምምዝዛኖም ኪጠውዮ ዚኽእል መሰረታዊ ኣበር ስለ ዝወረሱ እዩ። ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣምላኽ ምስ ዓለዉ: ንስርዓታት እቲ ስሱዕን ከዳዕን ዝዀነ ሰይጣን ተቐቢሎም: ንዕኡውን መንፈሳዊ ኣቦኦም ኪኸውን መረጽዎ። ድሕሪኡ ንዘርኦም ቅኑዕ ዘበለ ኺፈሊ ዚኽእል ግን ከኣ ሕማቕ ነገር ዚስዕብ ጠላም ልቢ እዮም ኣውሪሶምዎም።—ዘፍጥረት 6:5፣ ሮሜ 5:12፣ 7:21-24

ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ብዛዕባ ስነ-ምግባር ክትገልጽ ከላ “ሰባት እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚግባእ እናፈለጡ ኽነሶም ቃሕ ዝበሎም ኪገብሩ ምርኣይ ዜገርም ኣይኰነን። ኣብቲ ምዕራባውያን ዚኽተልዎ ስነ-ምግባር ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ቅኑዕ ኪገብሩሉ ዘለዎም ምኽንያታት ከመይ ጌርካ ኸም እትህቦም ከቢድ ጸገም ኰይኑ ኣሎ” ይብል። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ: መንከ የስተውዕሎ፧” ብምባል ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። (ኤርምያስ 17:9) ንሓደ ጐራሕን ሕሱምን ዝዀነ ሰብ ምኣመንካዮዶ፧

እቶም ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ እኳ እንተዀኑ: ብስነ-ምግባር ቅኑዕ ዝዀነ መገዲ ኺስዕቡ ኽእለት ከም ዘለዎም: ጠቓምን ኣኽቢርካ ዚርአን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኬማዕብሉ ኸም ዚኽእሉን ዚከሓድ ኣይኰነን። መብዛሕትኡ ግዜ ግን እቲ ብሉጽ ዚበሃል ስርዓታቶም ነጸብራቕ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ኣምላኽ ከም ዘሎ ዚኽሕዱ እኳ እንተዀኑ: ሓሳባቶም ግን ባህርያት ኣምላኽ ንኼንጸባርቑ ዝወረስዎ ተኽእሎ ኸም ዘለዎም የርኢ። እዚ ኸኣ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ: ደቅሰብ ፈለማ “ብመልክዕ ኣምላኽ” ከም እተፈጥሩ እዩ ዜረጋግጽ። (ዘፍጥረት 1:27፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:26-28) ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ አለዉ” በለ።—ሮሜ 2:15

ቅኑዕ ዘበለ ምፍላጥ ግን ቅኑዕ ንምግባር ብርታዐ ኻብ ምህላው ኣጸቢቑ እተፈልየ እዩ። ሓደ ሰብ ከመይ ገይሩ እዩ ስነ-ምግባራዊ ብርታዐ ኺህልዎ ዚኽእል፧ ልብና ንተግባራትና ስለ ዚድርኾ: ሓደ ሰብ ነቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ፍቕሪ ምስ ዜማዕብል ነዚ ብርታዐ እዚ ንኼጥሪ ኺሕግዞ ይኽእል እዩ።—መዝሙር 25:4, 5

ጽቡቕ ንምግባር ብርታዐ ምርካብ

ንኣምላኽ ፍቕሪ ንኸተሕድር ክትገብሮ ዜድልየካ ቐዳማይ ስጕምቲ: ትእዛዛቱ ኽሳዕ ክንደይ ሚዛናውን ጠቓምን ምዃኑ ምፍላጥ እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” በለ። (1 ዮሃንስ 5:3) ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ንመንእሰያት ኣልኮላዊ መስተ ብዛዕባ ምስታይ: ሓሽሽ ብዛዕባ ምውሳድ: ወይ ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ብዛዕባ ምግባር እቲ ቕኑዕን ጌጋን ኪፈልዩ ዜኽእሎም ጠቓሚ ማዕዳ ይህቦም እዩ። ንሰብ ሓዳር ዘይምርድዳእ ብኸመይ ኪፈትሑ ኸም ዘለዎም ንኼስተውዕሉ: ንወለዲ እውን ብምንታይ ስርዓታት ንደቆም ከም ዜዕብዩ ንኺፈልጡ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። a ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምስ ዜውዕልዎ: ማሕበራዊ: ትምህርታዊ: ወይ ባህላዊ ዅነታቶም ብዘየገድስ ይጠቕሞም እዩ።

ከምቲ መኣዛታት ዘለዎ ምግቢ ምብላዕ ንኽትዓዪ ብርታዐ ዚህበካ: ቃል ኣምላኽ ምንባብ እውን ብስርዓታቱ ንኽትመላለስ ብርታዐ ይህበካ እዩ። የሱስ ነቲ ኻብ ኣፍ ኣምላኽ ዚወጽእ ቃል ምስ እንጌራ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 4:4) “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ” እውን ኢሉ ኣሎ። (ዮሃንስ 4:34) መንፈሳዊ ምግቢ ምብላዑ: ፈተናታት ኪጻወርን ጥበባዊ ውሳነታት ኪገብርን ኣኽኢልዎ እዩ።—ሉቃስ 4:1-13

ፈለማ ነእምሮኻ ቓል ኣምላኽ ክትምግቦን ስርዓታቱ ኽትቅበሎን የጸግመካ ይኸውን። ቈልዓ ኣብ ዝነበርካሉ እዋን እውን ንጥዕናኻ ዚጠቅም ገሊኡ ምግቢ ኣይትፈቱን ኔርካ ትኸውን። ድልዱል ንኽትከውን ግን ነዚ ጥዑይ ምግብታት ክትለምዶ ነይሩካ። ብተመሳሳሊውን ንስርዓታት ኣምላኽ ንኽትለምዶ ግዜ ይወስደልካ ይኸውን። እንተ ዘይተሓሊልካ ግን ክትፈትዎን ብመንፈስ ድልዱል ክትከውንን ኢኻ። (መዝሙር 34:8፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:15-17) ብዘይካዚውን ኣብ የሆዋ ኽትውከል: ‘ሰናይ ንኽትገብር’ ድማ ድራኸ ኺሓድረካ እዩ።—መዝሙር 37:3

ከምቲ ንጆዲ ዘጋጠሞ ዅነታት ፈጺሙ ኣየጋጥመካን ይኸውን። ኰይኑ ግን: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ስነ-ምግባር ተመርኲስካ ንኣሽቱ ዀነ ዓበይቲ ውሳነታት ትገብር ኢኻ። ስለዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ብምባል ይምሕጸነካ። (ምሳሌ 3:5, 6) ንየሆዋ ኣምላኽ እዙዝ ምዃን ናብ ህይወት ስለ ዚመርሕ: ኣብኡ እምንቶ ምሕዳር ዘምጽኦ ጥቕሚ ንሕጂ ጥራይ ዘይኰነስ ንዘለኣለም ንምንባር እውን ኣጋጣሚ ኪኸፍተልካ እዩ።—ማቴዎስ 7:13, 14

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነዝን ንኻልእ ጕዳያትን ዚምልከት ግብራዊ ማዕዳ ኣብተን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ከምኡውን መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዚብላ መጻሕፍቲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣረኣእያ ሓፋሽ ብዘይረኣዩ ሓይልታት ኪጽሎ ይኽእል እዩ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ሶቅራጦስ

ካንት

ኮንፊሸስ

ፈላስፋታት ንነዊሕ ዘመናት ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ተኻቲዖም እዮም

[ምንጪ ስእሊ]

Kant: From the book The Historian’s History of the World; Socrates: From the book A General History for Colleges and High Schools; Confucius: Sung Kyun Kwan University, Seoul, Korea

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ቅኑዕን ጌጋን ክንፈሊ ይሕግዘና ጥራይ ዘይኰነስ: ቅኑዕ ክንገብር እውን ይድርኸና እዩ