ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብሉጽ” ትርጕም

“ብሉጽ” ትርጕም

“ብሉጽ” ትርጕም

ካብ 1952 ኣትሒዙ ኽሳዕ 1990 ኣብ ዘሎ ዓመታት: 55 ዚኣክል ሓደስቲ ትርጕማት ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ብእንግሊዝኛ ኸም እተዳለወ እዩ ዚግመት። እዚ ትርጕማት እዚ ኸኣ ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ተተርጒሙ። ኣብ ፍላግስታፍ: ኣሪዞና: ሕ.መ.ኣ: ኣብ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ኖርዘርን ኣሪዞና ናይ ሃይማኖታዊ መጽናዕቲ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ጄሰን በዱን ንተኣማንነት እዚ ትርጕማት እዚ ንምግምጋም: ነቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ሓዊሱ ኣብ ሸሞንተ ቐንዲ ትርጕማት መጽናዕቲ ኣካየደ። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧

በዱን ዋላኳ ምስ ሓደ ሓደ ኣተራጕማ ትርጕም ሓዳስ ዓለም እንተ ዘይተሰማምዐ: ምስቶም ካልኦት ትርጕማት ኪወዳደር ከሎ ግን “ብሉጽ” ትርጕም: “ኣጸቢቑ ዚሓይሽ:” ከምኡውን “መብዛሕትኡ ግዜ ዝሓሸ” ኢልዎ ኣሎ። ብሓፈሻኡ በለ በዱን ትርጕም ሓዳስ ዓለም “ካብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም ሓድሽ ኪዳን እቲ ትኽክለኛ” ከምኡውን “ካብቲ ዘወዳደርክዎ ትርጕማት ድማ እቲ ቕኑዕ እዩ” ኢሉ ደምደመ።—ትሩዝ ኢን ትራንስሌሽን: ኣኲረሲ ኤንድ ባያዝ ኢን ኢንግሊሽ ትራንስሌሽንስ ኦቭ ዘ ኒው ቴስታመንት

በዱን መብዛሕትኦም ተርጐምቲ “ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ለውጠ-ሓረግ ገይሮም ወይ ከኣ ወሳሲኾም ንዘመናውያን ኣንበብቲ ኸም ዚጥዕም ገይሮም ኪትርጕሙ” ጸቕጢ ኸም እተገብረሎም ገሊጹ እዩ። ትርጕም ሓዳስ ዓለም ግን ካብዚ እተፈልየ እዩ: ምኽንያቱ ኣብኡ “እቲ ናይ መጀመርያ ጸሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን እተጠቕምሉ መግለጺታት ብጥንቃቐ ቓል ብቓሉ እዩ ተተርጒሙ” በለ።

ከምቲ ናይ ትርጕም ሓዳስ ዓለም መጽሓፍ ቅዱስ ኮሚተ ኣብቲ መቕድም ዝበሎ: ንቕዱሳት ጽሑፋት ካብቲ በዅሪ ቛንቋታት ናብ ዘመናዊ ኣዘራርባ ምትርጓም “ኣዝዩ ኸቢድ ሓላፍነት እዩ።” ቀጺሉ ድማ “እቶም ነቲ መለኮታዊ ደራሲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚፈርሁን ዜፍቅሩን ተርጐምቲ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ: ንሓሳባትን መግለጺታትን ኣምላኽ ብእተኻእለ መጠን ልክዕ ገይሮም ኬመሓላልፍዎ ፍሉይ ሓላፍነት ይስምዖም እዩ” በለ።

ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብሓደ ጥራዝ ምሕታም ካብ እተጀመረሉ ኻብ 1961 ኣትሒዙ ናብ 32 ቋንቋታት ተተርጒሙ: ብኽልተ ቛንቋታት ከኣ ብብረይል ተዳልዩ ኣሎ። ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ወይ ከኣ “ሓድሽ ኪዳን” ድማ ናብ 18 ቋንቋታት ተተርጒሙ: ብሓደ ቛንቋ ድማ ብብረይል ተዳልዩ ኣሎ። ንዓኻውን በዚ ዘመናውን “ብሉጽ”ን ትርጕም: ጌርካ ቓል ኣምላኽ ከተንብብ ንዕድመካ።