ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብመሰረት እቲ ጥበባዊ ማዕዳ ሰሎሞን እንታይ ከነንብብ ይግባእ፧

ብመሰረት እቲ ጥበባዊ ማዕዳ ሰሎሞን እንታይ ከነንብብ ይግባእ፧

ብመሰረት እቲ ጥበባዊ ማዕዳ ሰሎሞን እንታይ ከነንብብ ይግባእ፧

“መጻሕፍቲ ምጽሓፍ መወዳእታ የብሉን: ብዙሕ ምምሃር ድማ ንስጋ የድክሞ እዩ።” (መክብብ 12:12) እቲ ጥበበኛ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን ቅድሚ 3,000 ዓመት ነዚ ማዕዳ እዚ ኺህብ ከሎ: ኣይተንብቡ ማለቱ ኣይነበረን። የግዳስ: መረጽቲ ናይ ምዃን ኣገዳስነት እዩ ዜጕልሕ ነይሩ። እዚ ማዕዳ እዚ ነዞም ኣብ ዓዓመት በሽሓት ዚቍጸር ጽሑፋት ኣብ ዝሕተመሉ ዘሎ እዋን እንነብር ዘሎናስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ግሩም መዘኻኸሪ ዀን እዩ!

እቲ ሰሎሞን ዝጠቐሶ “መጻሕፍቲ” ዚሃንጽ ወይ ድማ ዜበራትዕ ነገራት ዝሓዘ ኣይነበረን። ስለዚ ኸኣ እዩ ኣብኡ ግዜ ምጥፋእ ኣብ ክንዲ ነባሪ ጥቕሚ ዜምጽእ “ንስጋ የድክሞ እዩ” ዝበለ።

ይኹን እምበር: ሰሎሞን ነቲ ኣንባቢ ዚጠቅምን ዜተኣማምንን መምርሒ ኺህብ ዚኽእል መጻሕፍቲ ፈጺሙ የልቦን ማለቱ ድዩ ነይሩ፧ ኣይኰነን: ከመይሲ “ዘረባ ጠቢባን ከምቲ ጓሶት ነባጊዖም ዚጓስዩሉ በትሪ እዩ፥ እኩብ ምስላታት ከኣ ኸምቲ ኣጸቢቑ ዝተሸኽለ ሽንካር እዩ፥ እዚ ኸኣ በቲ በይኑ ጓሳና ዝኾነ እግዚኣብሔር ዝተዋህበ እዩ” ኢሉ እውን ጽሒፉ እዩ። (መክብብ 12:11 ትርጕም 1990) እወ: ልክዕ ከምቲ “ጓሶት ነባጊዖም ዚጓስዩሉ በትሪ” ነቲ ኣንባቢ ኣወንታዊ ጽልዋ ዜሕድርን ብቕኑዕ መገዲ ዚመርሕን ጽሑፍ ኣሎ። ብተወሳኺውን: ከም “ዝተሸኽለ ሽንካር” ንኺብርትዕን ንኺጸንዕን ይሕግዞ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ጥበብ ዝመልኦ ቓላት ኣበይ ይርከብ፧ ከምቲ ሰሎሞን ዝበሎ: ካብቲ ጓሳ ዝዀነ የሆዋ እዩ ዚመጽእ። (መዝሙር 23:1) ስለዚ እምበኣር: ካብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበለጸ መጽሓፍ ፈጺሙ ኣይርከብን እዩ። ነዚ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓላት መዓልታዊ ዜንብብ ሰብ “ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም” እዩ ዚኸውን።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17