ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብኣልኮላዊ መስተ ዝመጸ ሚዛናዊ ኹን

ብኣልኮላዊ መስተ ዝመጸ ሚዛናዊ ኹን

ብኣልኮላዊ መስተ ዝመጸ ሚዛናዊ ኹን

“ወይኒ መላገጺ እዩ: ዜስክር መስተ ኸኣ ሃዋኺ እዩ: በዚ ሰንከልከል ዚብል ዘበለስ ጥበበኛ ኣይከውንን።”—ምሳሌ 20:1

1. እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ጽቡቕ ውህበት ዘለዎ ሞሳ ብኸመይ ገለጸ፧

 “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ: ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ።” (ያእቆብ 1:17) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ ብዙሕ ጽቡቕ ውህበት ኣምላኽ ብዘለዎ ሞሳ ተደሪኹ “ወይኒ ንልቢ ሰብ ኬሐጕሶ: ዘይቲ ንገጹ ኼብርሆ: እንጌራውን ንልቢ ሰብ ኬጽንዖስ: ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ኼውጽእ: ንእንስሳስ ሳዕሪ: ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ ኣብቈልካ” በለ። (መዝሙር 104:14, 15) ወይንን ካልእ ኣልኮላዊ መስተን ልክዕ ከም ኣትክልቲ: እንጌራ: ከምኡውን ዘይቲ: ኣምላኽ ዘዳለዎ ሰናይ ውህበት እዩ። ብኸመይ ደኣ ኢና እሞ ኽንጥቀመሉ ዘሎና፧

2. ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንርኢ፧

2 ሓደ ባህ ዜብል ውህበት ብግቡእ ምስ እትጥቀመሉ ጥራይ እዩ ጽቡቕ ኪኸውን ዚኽእል። ንኣብነት: መዓር “ጽቡቕ እዩ:” እንተዀነ ግን “መዓር ኣብዚሕካ ምብላዕ ጽቡቕ ኣይኰነን።” (ምሳሌ 24:13፣ 25:27) “ሒደት ወይኒ” ምስታይ ጽቡቕ እኳ እንተዀነ: ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ ግን ከቢድ ጸገማት እዩ ዜስዕብ። (1 ጢሞቴዎስ 5:23) መጽሓፍ ቅዱስ “ወይኒ መላገጺ እዩ: ዜስክር መስተ ኸኣ ሃዋኺ እዩ: በዚ ሰንከልከል ዚብል ዘበለስ ጥበበኛ ኣይከውንን።” (ምሳሌ 20:1) ብኣልኮላዊ መስተ ሰንከልከል ምባል እንታይ ማለት እዩ፧ a ብዙሕ ኪበሃል ከሎ ኽንደይ እዩ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ሚዛናዊ ዚበሃል እንታይ እዩ፧

ብኣልኮላዊ መስተ ‘ሰንከልከል ምባል’—ብኸመይ፧

3, 4. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ንስኽራን ከም ዚዅንኖ እንታይ እዩ ዚሕብረና፧ (ለ) ገለ ኻብ ምልክታት ስኽራን እንታይ እዩ፧

3 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ስሱዕን ሰታይን ክነሱ ዘይንሳሕ ዘበለ ወዲ ብዳርባ እምኒ ኪቕተል ነበሮ። (ዘዳግም 21:18-21) ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት “ምስ ሓደ ሓው ዚብሀል እሞ ኣመንዝራ: ወይስ ስሱዕ: ወይስ መምለኽ ጣኦት: ወይስ ተጻራፊ: ወይስ ሰካር: ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ: ምስኡ ኸይትጽምበሩ: ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ” ኢሉ መዓዶም። እምበኣር: ክሳዕ እትሰክር ምስታይ ብቕዱሳት ጽሑፋት ከም እተዀነነ ንጹር እዩ።—1 ቈረንቶስ 5:11፣ 6:9, 10

4 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምልክታት ስኽራን ኪገልጽ ከሎ “ንወይኒ ምቕያሑ: ኣብ ብርለ ምውዕዋዑ: ጥዒሙ ምውራዱ ኣይትጠምቶ። ኣብ መወዳእታ ኸም ተመን ይነክስ: ከም ኣፍዑት ሕንዙ ፉፍ የብል። ኣዒንትኻ ሕውዝውዝ ይብላ: ልብኻውን ጠዋይ ነገር ይዛረብ” ይብል። (ምሳሌ 23:31-33) እምብዛ ምስታይ ከም መርዛም ተመን ይነክስ: የሕምም: ሕውስውስ ይብለካ: ሕሉፍ ሓሊፉውን ሃለዋትካ ኸም እተጥፍእ ይገብር። ሰኽራም ሰብ ኣዒንቱ “ሕውዝውዝ” ስለ ዚብሎ: ከህተፍትፍ ወይ ዘይኰነ ነገራት ኪረኣዮ ይኽእል እዩ። ካልእ ግዜ ኣብ ውሽጡ ዚሕዞ ዝነበረ ሓሳባቱን ባህግታቱን እውን ይድርጕሖ።

5. ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ ጐዳኢ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

5 ሓደ ሰብ ኣልኮላዊ መስተ ዚሰቲ: ግን ከኣ ከም ዝሰኸረ ዘይፍለጥ እንተ ዀነኸ፧ ገሊኦም ሰባት ብዙሕ መስተ ሰትዮም ክነሶም ከም ዝሰኸሩ ዳርጋ ኣይፍለጡን እዮም። ይኹን እምበር: ከምዚ ምግባር ጕድኣት የብሉን ኢልካ ምሕሳብ ንርእስኻ ምትላል እዩ። (ኤርምያስ 17:9) ሓደ ሰብ ቀስ ብቐስ ኣልኮላዊ መስተ ኺውለፍን ‘ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባርያ ኪኸውንን’ ይኽእል እዩ። (ቲቶስ 2:3) ካሮሊን ናፕ እትበሃል ደራሲት: ኣልኮላዊ መስተ ብኸመይ ከም እትውለፍ ክትገልጽ ከላ: “ቀስ እናበልካ በብቕሩብ እናተዓሸኻ ኢኻ እትውለፍ” በለት። ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ መፈንጠራ ዀን እዩ!

6. ኣልኮላዊ መስተ ዀነ ምግቢ ኻብ መጠን ንላዕሊ ኸነብዝሕ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

6 የሱስ እውን “እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ: ስስዔን ስኽራንን [“ምብዛሕ መስተን:” NW] ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ” ብምባል እዩ ኣጠንቂቑ። (ሉቃስ 21:34, 35) ስለዚ: ብመሰረት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ሓደ ሰብ ብስጋዊ ዀነ ብመንፈሳዊ ብዕዙዝን ህኩይን ንኪኸውን ናይ ግድን ኪሰክር ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ከሎ መዓልቲ የሆዋ እንተ ኣርከበቶ እንታይ እዩ ዚኸውን፧

ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ ናበይ ከም ዚመርሕ

7. ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ ምስቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 7:1 ዘሎ መምርሒ ዚጋጮ ስለምንታይ እዩ፧

7 ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ ንብዙሕ ኣካላዊ ዀነ መንፈሳዊ ሓደጋታት እዩ ዜቃልዕ። ገለ ኻብቲ ብሰንኪ እዚ ዚመጽእ ሕማማት ፌጋቶ ዚበሃል ዓይነት ሕማም ጸላም ከብዲ: ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዜስዕቦ ወይቦ: ከምኡውን ከም እተህተፍትፍ ዚገብር ምምዝባል ኣእምሮ ኺጥቀስ ይከኣል። ንነዊሕ ግዜ ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ እውን መንሽሮ: ሽኮርያ: ከምኡውን ሕማም ልብን ከስዐን ኬስዕብ ይኽእል። እዚ ምስቲ “ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና: ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ዚጋጮ እዩ።—2 ቈረንቶስ 7:1

8. ብመሰረት ምሳሌ 23:20, 21 ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ እንታይ ኬስዕብ ይኽእል፧

8 ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ ኣታዊኻ የባኽን: ካብ ስራሕ ከም እትባረር እውን ኪገብር ይኽእል እዩ። እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን “ኣብ ማእከል ሰተይቲ ወይኒ: ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን” ኢሉ ኣጠንቀቐ። ስለምንታይ፧ “ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ: ድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ” ብምባል ናይዚ ምኽንያት ባዕሉ ይገልጸልና።—ምሳሌ 23:20, 21

9. ሓደ ሰብ ማኪና ኺዝውር እንተደኣ ዀይኑ: ኣልኮላዊ መስተ ኺሰቲ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

9 ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ኣልክሆሊዝም ካልእ ሓደጋ ኽትሕብር ከላ: “ኣልኮላዊ መስተ ማኪና ናይ ምምራሕ ክእለትካ: ማለት ስጕምቲ ንምውሳድ ዘሎካ ቕልጣፈ: ውህደትካ: ኣቓልቦኻ: ከምኡውን ንቕሓትካን ምስትውዓልካን ቍልቍል ከም ዜውርዶ መጽናዕትታት ሓቢሩ እዩ” በለት። ሓደ ሰብ መስተ ሰትዩ ምስ ዚዝውር ኣብ ከቢድ ሓደጋ እዩ ዚወድቕ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ጥራይ ብሰንኪ እቶም ኣልኮላዊ መስተ ሰትዮም ዚዝውሩ ሰባት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ይሞቱ: በማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ድማ ጕድኣት ይወርዶም። ብፍላይ መንእሰያት ኣብ ምስታይ ኰነ ኣብ ምዝዋር ብዙሕ ተመክሮ ስለ ዘይብሎም: ቀንዲ ኣደዳ እዚ ሓደጋ እዚ እዮም። ሓደ ሰብ ኣልኮላዊ መስተ ሰትዩ ማኪና ዚዝውር እንተ ዀይኑ: ህይወት ካብ የሆዋ ኣምላኽ እተዋህበና ውህበት ስለ ዝዀነ ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ ኢሉ ኺዛረብ ይኽእልዶ፧ (መዝሙር 36:9) ቅድስና ህይወት ኣብ ግምት ብምእታው: ሓደ ሰብ ቅድሚ ማኪና ምምራሑ ፈጺሙ ኣልኮላዊ መስተ እንተ ዘይሰተየ ይምረጽ።

10. ኣልኮላዊ መስተ ነእምሮኻ ብኸመይ ይጸልዎ: እዚ ሓደገኛ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

10 ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ ኣካላዊ ጥራይ ዘይኰነስ መንፈሳዊ ጕድኣት እውን የስዕብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ወይንን ኰልዒ ወይንን ኣእምሮ የጥፍእ” ይብል። (ሆሴእ 4:11) ኣልኮላዊ መስተ ነእምሮ ይጸልዎ እዩ። ናይ ሕ.መ.ኣ. ሃገራዊ ትካል ምውሳድ ሓሽሽ ዘውጽኦ ጽሑፍ: “ሓደ ሰብ ምስ ዚሰቲ: እቲ ኣልኮል ብስርዓተ-ምሕቃቕ ኣቢሉ ናብ ደሙ ይሕወስ: ቀልጢፉውን ናብ ሓንጐሉ ይበጽሕ። ነቲ ነተሓሳስባኡን ስምዒቱን ዚቈጻጸር ክፋል ኣእምሮኡ ኼዝሕሎ ይጅምር። እቲ ሰብ ርእሱ ምግታእ ኣይክእለን: ዝደለዮ ኺገብር ዚኽእል ኰይኑ ድማ ይስምዖ” ይብል። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት መብዛሕትኡ ግዜ ‘ሰንከልከል ኢልና’ መገድና ንስሕት: ነውራም ተግባር ንገብር: ንሓያሎ ፈተናታት እውን ንቃላዕ።—ምሳሌ 20:1

11, 12. ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ እንታይ መንፈሳዊ ጕድኣት የምጽእ፧

11 ብዘይካዚውን መጽሓፍ ቅዱስ “እንተ በላዕኩም: ወይስ እንተ ሰቴኹም: ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም: ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ዚብል ትእዛዝ ይህብ። (1 ቈረንቶስ 10:31) ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ንኣምላኽ ክብሪ ዜምጽእ ድዩ፧ ሓደ ክርስትያን መስተ ዜብዝሕ ተባሂሉ ኺፍለጥ ኣይደልን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስም: ኣብ ስም ኣምላኽ ጸርፊ ደኣ እምበር ክብሪ ኣየምጽእን እዩ።

12 ሓደ ክርስትያን ካብ መጠኑ ንላዕሊ ዚሰቲ ብምዃኑ ንብጻዩ: ምናልባት እውን ንሓደ ሓድሽ ወደ መዝሙር እንተ ዓንቂፍዎኸ፧ (ሮሜ 14:21) የሱስ “ካብዞም ብኣይ ዚአምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና: መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተአሲሩ ኣብ ዓሚቝ ባሕሪ ኺጥሕል ይሔሾ” ኢሉ ኣጠንቂቑ እዩ። (ማቴዎስ 18:6) ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ ኣብ ጉባኤ ዘሎካ ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነት ከም እትስእን እውን ኪገብረካ ይኽእል እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:1-3, 8) ኣብ ስድራቤት ኪፈጥሮ ዚኽእል ግጭት እውን ዕሽሽ ኢልካ ኺርአ የብሉን።

ነቲ ሓደጋ ብኸመይ ተወግዶ፧

13. ኣልኮላዊ መስተ ንኸይተብዝሕ እንታይ ክትፈልጥ እዩ ኣገዳሲ ዝዀነ፧

13 ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ ዜምጽኦ ሓደጋ ንምውጋድ ዜኽእል ቀንዲ ረቛሒ ኣብ መንጎ መስተ ምብዛሕን ምስካርን ዘሎ ፍልልይ ምፍላጡ ዘይኰነስ: ኣብ መንጎ ብመጠኑ ምስታይን መስተ ምብዛሕን ዘሎ ፍልልይ ምፍላጡ እዩ። ነዚ መን እዩ ኺውስነልካ ዚኽእል፧ ኣብዚ ብዙሕ ረቛሒታት ዚኣቱ ብምዃኑ ልዕሊ ኽንደይ መስተ ምስ ሰተኻ ኣብዚሕካ ኺበሃል ከም ዚከኣል ጽኑዕ ሕጊ የልቦን። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብብሕቱ ዓቕሙ ኺፈልጥን ልዕሊ ዓቕሙ ንኸይሰቲ ኺጥንቀቕን ኣለዎ። ንዓኻ ብዙሕ ዚበሃል ክንደይ ዚኣክል መስተ ምዃኑ ንምውሳን ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧ ከም መምርሒ ዀይኑ ዜገልግል መሰረታዊ ስርዓት ኣሎዶ፧

14. ኣብ መንጎ ብመጠኑ ምስታይን መስተ ምብዛሕን ዘሎ ፍልልይ ንኽትፈልጥ እንታይ መሰረታዊ ስርዓት ኪሕግዘካ ይኽእል፧

14 መጽሓፍ ቅዱስ “ንጥበብን ንምኽርን [“ናይ ምሕሳብ ክእለትን:” NW] ተጠንቂቕካ ሐዘን። ንሳተን ንነፍስኻ ህይወት: ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ኪዀናኻ እየን” ይብል። (ምሳሌ 3:21, 22) እምበኣር: ካብዛ ጥቕሲ እዚኣ ነዚ ዚስዕብ መሰረታዊ ስርዓት ከነውጽእ ንኽእል:- ንናይ ምምዝዛንን ምሕሳብን ክእለትካ ዜዳኽም ዝዀነ ይኹን መጠን: ንዓኻ ብዙሕ ኪበሃል ይከኣል እዩ። እንተዀነ ግን: ዓቕምኻ ብልክዕ ክንደይ ምዃኑ ኽትፈልጥ ምእንቲ ኽትክእል: ንርእስኻ ኸተታልል የብልካን።

15. ሓንቲ መስተ እውን ካብ መጠን ንላዕሊ ኽትከውን እትኽእል መዓስ እዩ፧

15 ኣብ ገሊኡ ዅነታት ሓንቲ መስተ እውን ክትበዝሓካ ትኽእል እያ። ነፍሰ-ጾር ሰበይቲ ነቲ ድቂ ምእንቲ ኸይጐድኦ ኢላ ፈጺማ ኣይትሰትን ትኸውን። ብዘይካዚውን ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዝነበሮ ወይ መስተ ምስታይ ንሕልናኡ ሕርኽርኽ ዚብሎ ሰብ ኣብ ዘለወሉ ቦታ ፈጺምካ ዘይምስታይ ዝሓሸዶ ኣይምዀነን፧ የሆዋ ነቶም ኣብ ማሕደር ዜገልግሉ ዝነበሩ ኻህናት “ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትአትዉ ኸሎኹም: ምእንቲ ኸይትሞቱ: ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዩ” በሎም። (ዘሌዋውያን 10:8, 9) እምበኣር: ናብ ኣኼባ ወይ ኣገልግሎት ቀቅድሚ ምኻድካ ኸምኡውን ካልእ ቲኦክራሲያዊ ሓላፍነት ቀቅድሚ ምፍጻምካ መስተ ኣይትስተ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ኣብቲ ኣልኮላዊ መስተ ዚኽልከለሉ ወይ ልዕሊ እተወሰነ ዕድመ ጥራይ ዚፍቀደሉ ሃገራት: ሕጊ እታ ሃገር ኪኽበር ኣለዎ።—ሮሜ 13:1

16. ኣልኮላዊ መስተ ምስ ዚቐርበልካ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ብኸመይ ክትውስን ይግባእ፧

16 ኣልኮላዊ መስተ ኽትሰቲ ኽትጋበዝ ከለኻ ወይ ኪቐርበልካ ኸሎ: ፈለማ ‘ክሰቲዶ ወይ ክገድፎ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ኽትሓትት ኣሎካ። ክትሰቲ እንተ ወሲንካ: መጠንካ ኽንደይ ምዃኑ ወስን: ካብኡ ኸኣ ኣይትሕለፍ። እቲ ዘአንግደካ ሰብ ለጋስ ስለ ዝዀነ ጥራይ ስቕ ኢልካ ኣይትስተ። ኣብ ከም መርዓ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ዚቐርብ መስተ ምቍጽጻር ዘይግበረሉ እንተ ዀይኑ እውን ተጠንቀቕ። ኣብ ሓያሎ ቦታታት ቈልዑ መስተ ኸይሰትዩ ዚኽልክል ሕጊ የልቦን። ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ኺምህርዎምን ንዕኡ ብዚምልከት ኪቈጻጸርዎምን ኣለዎም።—ምሳሌ 22:6

ክትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ

17. ኣልኮላዊ መስተ ብምብዛሕ ጸገም ከም ዘሎካ ወይ ከም ዘይብልካ ንምፍላጥ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

17 ወይኒ ዀነ ዜስክር መስተ ተብዝሕ ዲኻ፧ ብምስጢር ኣልኮላዊ መስተ ተብዝሕ እንተደኣ ዄንካ: ውዒሉ ሓዲሩ ሓጢኣትካ ኼርክበካ እዩ። ስለዚ: ህድእ ኢልካ ብቕንዕና ንርእስኻ ገምግም። ከምዚ ዚስዕብ ዝኣመለሰ ርእስኻ ንምምርማር ዚሕግዝ ሕቶታት ሕተት:- ‘ካብቲ ቐደም ዝሰትዮ ዝነበርኩ ንላዕሊ ድየ ዝሰቲ ዘለኹ፧ ዝሓየለ መስተ ድየ ዝሰቲ ዘለኹ፧ ካብ ሻቕሎት: ጭንቀት: ወይ ጸገም ንምምላጥ እሰቲ ድየ፧ ሓደ ኻብ ኣባላት ስድራቤተይ መስተ ኸም ዘብዝሕ ኣሚቱለይዶ ይፈልጥ፧ መስተ ብምስታየይ ንስድራቤተይ ጸገም ፈጢሩሎምዶ፧ ንእተወሰነ እዋን: ንኣብነት ንሓደ ወርሒ: መስተ ምቍራጽ ኣብዩኒዶ ይፈልጥ፧ ወይኒ ወይ መስተ ተሓቢአ ድየ ዝሰቲ፧’ ንገለ ኻብዚ ሕቶታት ዝሃብካዮ መልሲ ‘እወ’ እንተ ዀይኑ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ከምቲ ‘ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ እሞ ብኡንብኡ ኸመይ ምዃኑ ዚርስዕ ሰብኣይ’ ኣይትኹን። (ያእቆብ 1:22-24) ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ስጕምትታት ውሰድ። እሞ ደኣ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

18, 19. ኣልኮላዊ መስተ ኻብ መጠን ንላዕሊ ኻብ ምስታይ ክትቍጠብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

18 ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት “ዝርገት አለዎ እሞ: ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ . . . መንፈስ ይምላእኩም” ኢሉ መዓዶም። (ኤፌሶን 5:18) ንዓኻ ኻብ ክንደይ ንላዕሊ ብዙሕ ከም ዝዀነ ወስን: ቀይድታትውን ግበር። ካብኡ ኸይትሓልፍ ቈራጽነት ግበር: ርእስኻውን ግታእ። (ገላትያ 5:22, 23) ብዙሕ ክትሰቲ ጸቕጢ ዚገብሩልካ ኣዕሩኽ ኣለዉኻ ድዮም፧ ካብዚኣቶም ተጠንቀቕ። መጽሓፍ ቅዱስ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ይብለና።—ምሳሌ 13:20

19 ካብ ገለ ጸገማት ንምምላጥ ኣልኮላዊ መስተ ትሰቲ እንተደኣ ሃሊኻ: ነቲ ጸገም ፊት ንፊት ተጋጠሞ። ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ጸገማት ኪፍታሕ ይከኣል እዩ። (መዝሙር 119:105) ካብ እትኣምኖ ክርስትያን ሽማግለ ሓገዝ ካብ ምሕታት ድሕር ኣይትበል። መንፈሳውነትካ ንምህናጽ ነቲ የሆዋ ዝገበረልካ ምድላው ብዚግባእ ተጠቐመሉ። ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ኣደልድል። ብፍላይ ብዛዕባ ድኽመትካ እናጠቐስካ ኣዘውቲርካ ጸሊ። ኣምላኽ ‘ልብኻን ኰላሊትካን ኪምርምሮ’ ወይ ኬጽርዮ ለምኖ። (መዝሙር 26:2) ቅድሚ እዚኣ ኣብ ዘላ ዓንቀጽ ከም እተገልጸ: ብንጽህና ንምምልላስ ዚከኣለካ ዅሉ ግበር።

20. እትሰትዮ መጠን ክትቈጻጸሮ ዘይትኽእል እንተደኣ ዄንካ: እንታይ ስጕምቲ ኽትወስድ ኣሎካ፧

20 እዚ ዅሉ ጻዕሪ እናገበርካ: ነቲ እትሰትዮ መጠን ክትቈጻጸሮ እንተ ዘይከኣልካኸ፧ ከምዚ እንተደኣ ዀይኑ: ነቲ የሱስ “ኢድካ እንተ ኣስሐተትካ: ቍረጻ። ክልተ ኢድ አልዩካ: ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ . . . ገሃነም ካብ እትድርበስ: ቍሩጽ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ስዓብ። (ማርቆስ 9:43) ብሓጺሩ: ፈጺምካ ኣይትስተ። ሓንቲ ሰበይቲ: ከምኡ እያ ኽትገብር ወሲና። “ንኽልተ ዓመትን መንፈቕን ዚኸውን ከይሰተኹ ድሕሪ ምጽናሕ: ምናልባት ሓንቲ ጥራይ እንተ ሰተኹ ምንም ኣይብለንን እዩ: ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጻወሮ ኸኣ እርኢ ኢለ ኽሓስብ ጀመርኩ። እንተዀነ ግን: እዚ ስምዒት እዚ ምስ ሓደረኒ ብኡንብኡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ናብ የሆዋ ጸለኹ። ሓድሽ ኣገባብ ክሳዕ ዚመጽእ: ምናልባት ድሕሪኡ እውን እንተዀነ: ኣልኮላዊ መስተ ዚበሃል ከይጥዕም ቈሪጸ እየ” በለት። ፈጺምካ መስተ ንኸይትጥዕም ምውሳን ነቲ ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም እንረኽቦ ህይወት ዝበዝሖ ኣይኰነን።—2 ጴጥሮስ 3:13

“ምእንቲ ኽትረኽብዋ: ከምኡ ጕየዩ”

21, 22. ኣብቲ መወዳእታ ሕንጻጽ ቅድድም ህይወት ከይንበጽሕ እንታይ ኪሓናዅለና ይኽእል: ነዚኸ ብኸመይ ንሰግሮ፧

21 ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናዊ ህይወት ምስ ቅድድም ወይ ቅልስ ብምምስሳል ከምዚ በለ:- “ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ዅላቶም ከም ዚጐዩ: ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶ: ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ: ከምኡ ጕየዩ። እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብዅሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ: እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኪቕበሉ እዮም: ንሕና ግና ነቲ ዘይሐልፍ። ስለዚ ኣነ እጐዪ አሎኹ: ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩን: እምክት አሎኹ: ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና አይኰንኩን። ንኻልኦት እናሰበኽኩ: ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን: ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ።”—1 ቈረንቶስ 9:24-27

22 እቲ ሽልማት ነቶም ብዓወት ነቲ ቕድድም ዝወድኡ ጥራይ እዩ ዚወሃቦም። መስተ ምብዛሕ ኣብ ጕያ ህይወት ኣብ መወዳእታ ሕንጻጽ ከይንበጽሕ ይሓናዅለና እዩ። ስለዚ ርእስና ኽንገትእ ኣሎና። ርግጸኛታት ኴንና ንምጕያይ: ‘ዓቐን ዘይብሉ መስተ’ ኽንሰቲ የብልናን። (1 ጴጥሮስ 4:3 ትርጕም 1990) እኳ ደኣስ ኣብ ኵሉ ነገራት ርእስና ኽንቈጻጸር ኣሎና። ኣልኮላዊ መስተ ብምስታይ ዝመጸ: “ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር” ኣሎና።—ቲቶስ 2:12

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ “ኣልኮላዊ መስተ” ኺበሃል ከሎ ንቢራን ወይንን ካልእ ሓያል ኣልኮላዊ መስተን የመልክት።

ትዝክሮዶ፧

• ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

• ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ እንታይ ጕድኣት የስዕብ፧

• ካብቲ ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ ዜስዕቦ ሓደጋታት ብኸመይ ከተምልጥ ትኽእል፧

• ሓደ ሰብ ኣልኮላዊ መስተ ዜብዝሕ እንተ ዀይኑ: ንጸገሙ ብኸመይ ኪፈትሖ ይኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

‘ወይኒ ንልቢ ሰብ የሐጕሶ’

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ዓቕምና ኽንፈልጥን ልዕሊ ዓቕምና ኸይንሰትን ኽንጥንቀቕ ኣሎና

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ክንደይ ከም እትሰቲ ኣቐዲምካ ወስን

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ ድኽመትካ ኣዘውቲርካ ናብ የሆዋ ጸሊ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ናይ ምምሃር ሓላፍነት ኣለዎም