ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ፍቕራዊ ሓልዮት የሆዋ ምውካል

ኣብ ፍቕራዊ ሓልዮት የሆዋ ምውካል

ታሪኽ ህይወት

ኣብ ፍቕራዊ ሓልዮት የሆዋ ምውካል

ኣና ደንጽ ተርፐን ዘዘንተወቶ

ኣደይ ፍሽኽ እናበለት “‘ስለምንታይ’ ኢልካ ምሕታት መቸም ክትፈትዊ!” በለትኒ። ቈልዓ ኸለኹ ንወለደይ ብዙሕ ሕቶታት እየ ዝሓቶም ነይረ። ኣደይን ኣቦይን ግን ንምፍላጥ ሃንቀውታ ስለ ዝነበረኒ ኣይገንሑንን። ኣብ ክንድኡስ: ብኸመይ ከም ዘመዛዝንን ኣብቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናይ ተመርኲሰ ውሳነታት ከም ዝገብርን መሃሩኒ። እዚ ስልጠና እዚ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ጠቒሙኒ! ከመይሲ: ጓል 14 ዓመት ከለኹ: ኣባላት ናዚ ንወለደይ ካባይ መንዚዖም ወሰድዎም: ድሕሪኡ እንደገና ኣይረኣኽዎምን።

ኦስካር ደንጽ ዚበሃል ኣቦይን ኣና ማሪያ እትበሃል ኣደይን ኣብ ጥቓ ዶብ ስዊዝ ኣብ እትርከብ ሎራክ እትበሃል ከተማ ጀርመን ይነብሩ ነበሩ። መንእሰያት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ንጡፋት ፖለቲከኛታት እዮም ነይሮም: ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘለዉ ሰባት ከኣ ይፈልጥዎምን የኽብርዎምን ነበሩ። ድሕሪ ምምርዓዎም ነዊሕ ከይጸንሑ ብ1922 ግን ብዛዕባ ፖለቲካ ዝነበሮም ኣረኣእያን ኣብ ህይወቶም ዝነበሮም ሸቶን ቀየሩ። ኣደይ ምስቶም ሽዑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚፍለጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ሰላም ከተምጽእ ከም ዝዀነት ምስ ፈለጠት ድማ ተሓጐሰት። ኣቦይ ነዊሕ ከይጸንሐ ምስ ኣደይ ብሓባር ኬጽንዕ ጀመረ: ኣብቲ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብርዎ ኣኼባታት ድማ ኪእከቡ ጀመሩ። ኣቦይ ኣብታ ዓመት እቲ ኣብ በዓል ልደት ነደይ በገና ኣምላኽ ዘርእስታ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ መጽሓፍ ሃባ። ኣነ ሓንቲ ውሉዶም እየ: እተወለድኩሉ ድማ 25 መጋቢት 1923 እዩ ነይሩ።

ብዛዕባ ናብራ ስድራቤትና ጽቡቕ ተዘክሮታት እዩ ዘሎኒ። ንኣብነት: ኣብቲ ጸጥታ ዝሰፈኖ ዱር ብእግርና እንዛወረሉ ዝነበርና ግዜን ኣደይ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ቤት እትህበኒ ዝነበረት ትምህርትን ትዝ ይብለኒ። ኣብ ክሽነ ደው ኢላ ኸመይ ገይረ ኸም ዝኽሽን ዝመሃረትኒ እዋን ክሳዕ ሕጂ ኻብ ኣእምሮይ ኣይጠፍአን። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ወለደይ ንየሆዋ ኣምላኽ ከፍቅሮን ክውከሎን መሃሩኒ።

ኣብ ጉባኤና 40 ዝዀኑ ትጉሃት ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነበሩ። ወለደይ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዜዘራርብ ኣጋጣሚታት ናይ ምርካብ ፍሉይ ክእለት ነበሮም። ብምኽንያት እቲ ኣቐዲሙ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝነበሮም ንጥፈታት: ንኻልኦት ቀሪብካ ምዝራብ ኣይከብዶምን እዩ ነይሩ: ሰባት እውን ብጽቡቕ ይቕበልዎም ነበሩ። ጓል ሸውዓተ ዓመት ምስ ኰንኩ: ካብ ቤት ናብ ቤት ከይደ ኽሰብኽ ደለኹ። ኣብታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ እታ ብጸይተይ ሒደት ጽሑፋት ሂባ ናብ ሓንቲ ቤት ድሕሪ ምምልካት: “ናብታ ቤት ኬድኪ ነዚ ዚደልዩ እንተ ዀይኖም ሕተትዮም” በለትኒ። ብ1931 ኣብ ባሰል: ስዊዘርላንድ: ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝገበርዎ ዓብዪ ኣኼባ ተኣከብና። ኣብኡ ድማ ወለደይ ተጠምቁ።

ካብ ናዕቢ ናብ ምልካዊ ስርዓት

ኣብቲ ግዜ እቲ ጀርመን ኣብ ዓብዪ ናዕቢ እያ ነይራ: ብዙሓት ፖለቲካዊ ጕጅለታት ከኣ ኣብ ጐደናታት ይጋጨዉ ነበሩ። ሓደ ምሸት ኣብ ጐረቤትና ኣውያት ሰሚዐ ኻብ ድቃሰይ ተበራበርኩ። ክልተ ንኣሽቱ መንእሰያት ምስ ሓዎም ብፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ስለ ዘይተሰማምዑ: ብመስአ ገይሮም ቀተልዎ። ኣብ ኣይሁድ ዝሰፈነ ጽልኢ እውን ኣመና እናገደደ ኸደ። ኣብ ቤት ትምህርትና ሓንቲ ጓል ኣይሁዳዊት ብምዃና ጥራይ ንበይና ኣብ ሓደ ዅርናዕ ደው ከም እትብል ተገብረት። ብዙሕ እያ ኣደንጊጻትኒ። ፎእ ተባሂልካ ኽትግለል ከለኻ ኸመይ ከም ዚስምዓካ ድሕሪ ሓጺር እዋን ባዕለይ ክርእዮ ምዃናይ ኣይፈለጥኩን ነይረ።

ብ30 ጥሪ 1933 ኣዶልፍ ሂትለር ቻንስለር ጀርመን ኰነ። ክልተ ኣንጎሎ ዚኸውን ርሒቕና: እቶም ኣባላት ናዚ ነቲ ናይ ስዋስቲካ ኣርማ ዘለዎ ባንዴራኦም ኣብቲ ምምሕዳር ከተማና ብዓወት ኪሰቕልዎ ኸለዉ ረኣና። ኣብ ቤት ትምህርቲ መምህርና ብኸመይ “ሀይል ሂትለር!” ብምባል ሰላምታ ኸም እንህብ ብውዕዉዕ ስምዒት መሃረትና። ሽዑ መዓልቲ ድሕሪ ቐትሪ ነቦይ ብዛዕባ እዚ ምስ ነገርክዎ ተረበሸ። “እዚ ነገርዚ ኣይፈተኽዎን። ‘ሀይል’ እትብል ቃል ድሕነት ማለት እያ። ‘ሀይል ሂትለር’ እንተ ኢልና: ድሕነት ካብ የሆዋ ዘይኰነስ ካብ ሂትለር ከም ዚመጽእ ጌርና ኢና እንዛረብ ዘሎና። እዚ ቕኑዕ ኣይመስለንን: እንታይ ክትገብሪ ኸም ዘሎኪ ግን ባዕልኺ ወስኒ” በለኒ።

ንሂትለር ሰላምታ ምሃብ ስለ ዝኣበኹ: ደቂ ትምህርተይ ከም ሓንቲ ፍንፍንቲ ገይሮም ኪርእዩኒ ጀመሩ። አረ ገሊኦም ኣወዳትሲ መምህራንና ከይረኣይዎም ይወቕዑኒ ነበሩ። ጸኒሖም ነዚ ዅሉ እኳ እንተ ሓደግዎ: እተን መሓዙተይ ከይተረፋ ኣቦታተን ምሳይ ከይጻወታ ኸም ዝኸልከልወን ነገራኒ። ሓደገኛ ኸም ዝዀንኩ ገይሮም እዮም ዚርእዩኒ ነይሮም።

ናዚ ኣብ ጀርመን ስልጣን ካብ ዚሕዝ ክልተ ወርሒ ዚኸውን ጸኒሑ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሃገር ዜስግኡ እዮም ተባሂሎም ተኣገዱ። ወተሃደራት ናዚ ነቲ ኣብ ማግደበርግ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ዓጸዉዎ: ኣኼባታትና እውን ተኣገደ። ንሕና ግን ጥቓ ዶብ ንነብር ስለ ዝነበርና: ኣቦይ ዶብ ሰጊርና ናብ ባሰል ክንከይድ ዜኽእለና ፍቓድ ረኸበ: ኣብኡ ኸኣ ሰንበት ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ንካፈል ነበርና። ኣቦይ ብዙሕ ግዜ ኣብ ጀርመን ዘለዉ ኣሕዋትና ንዚመጾም ዘበለ ብትብዓት ኪዋጽኡሉ ምእንቲ ኺሕግዞም መንፈሳዊ ምግቢ ንኺረኽቡ ይምነ ነበረ።

ሓደገኛ ዙረት

ኣብ ማግደበርግ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ምስ ተዓጽወ: ዩሊየስ ሪፈል ዚበሃል ኣብኡ ዚዓዪ ዝነበረ ሓው ዕዮ ስብከት ብሕቡእ ንምውዳብ ናብታ ዝዓበየላ ኸተማ ሎራክ ተመሊሱ መጸ። ኣቦይ ብኡንብኡ ሓገዝ ንምሃብ ፍቓደኛ ዀነ። ንዓይን ነደይን ኮፍ ኣቢሉ: ካብ ስዊዘርላንድ ናብ ጀርመን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ኬምጽእ ከም እተሰማምዐ ገለጸልና። እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ስለ ዝዀነ: ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ኪእሰር ከም ዚኽእል ነገረና። እዚ ዕዮ እዚ ንዓናውን ኣዝዩ ሓደገኛ ስለ ዝዀነ: ብሰብ ተደፊእና ምስኡ ኽንሓብር ኣይደለየን። ኣደይ ግን ብኡንብኡ “ኣነ ምሳኻ እየ” በለቶ። ድሕሪኡ ኽልቲኦም ንዓይ ጠመቱኒ: ኣነ ኸኣ “ኣነውን ምሳኻ እየ” በልክዎ።

ኣደይ ክንዲ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ እትኸውን ቦርሳ ብፈትሊ ኣለመት። ነቲ ጽሑፋት በቲ ብሓደ ወገን ዘዳለወቶ ኸፋት ተእትዎ እሞ ነቲ ኸፋት ብፈትሊ ትሰፍዮ ነበረት። ኣብ ክዳውንቲ ኣቦይ መሕብኢ ዚኸውን ጁባታት ሰርሐት: ንዓኣን ንዓይን እውን ንኣሽቱ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ጽሑፋት እንሓብኣሉ ቦታ ኣብ ማዕጥቖና ኣዳለወት። ነቲ ምስጢራዊ ሃብቲ ናብ ቤትና ሒዝና ኣብ ዝመጻእናሉ ዘበለ: እፎይ ንብል: ንየሆዋ ድማ ነመስግን ነበርና። ነቲ ጽሑፋት ከኣ ኣብ ዋልድቢትና ንሓብኦ ነበርና።

ፈለማ ኣባላት ናዚ ዋላ ሓንቲ ኣይጠርጠሩናን። ሕቶ ሓቲቶምና ዀነ ቤትና ፈቲሾምዎ ኣይፈልጡን ነበሩ። እንተዀነ ግን: ጸገም ኬጋጥም ከሎ ብምልክት ጌርና ንመንፈሳውያን ኣሕዋትና ኸነጠንቅቖም ወሲንና ኔርና። እታ እንጥቀመላ ዝነበርና ኮድ ወይ ምልክት 4711 እትብል ቍጽሪ እያ። እዛ ቍጽሪ እዚኣ ኸኣ ስም ናይ ሓደ ህቡብ ዓይነት ጨና እያ። ኣሕዋት ናብ ቤትና ኺመጹ ሓደገኛ እንተ ዀይኑ: ዝገበርና ጌርና በታ ቝጽሪ እቲኣ ኣቢልና ነጠንቅቖም ነበርና። ብዘይካዚውን: ኣቦይ ናብ ቤትና ቕድሚ ምእታዎም ንመሳዅቲ ሳሎንና ኺርእዩ ነጊርዎም ነይሩ። እታ ናይ ጸጋመይቲ መስኮት እንተ ተኸፊታ: ገለ ሽግር ከም ዘሎ እዩ ዚሕብር: ስለዚ ኣብቲ ግዜ እቲ ናብ ቤትና ኣይመጹን ነበሩ።

ብ1936ን ብ1937ን እቶም ጌስታፖ ዚበሃሉ ናይ ጸጥታ ፖሊስ በሽሓት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሲሮም ኣብ ኣብያተ-ማእሰርትን መዳጐኒ ደምበታትን ዳጐንዎም። ኣብኡ ኸኣ ዜሰቅቕን ዜስካሕክሕን ስቓይ ኣሕለፉ። እቲ ኣብ በርን: ስዊዘርላንድ: ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ነታ ክሮይትሱግ ጌገን ዳስ ክሪስተንቱም (ኣንጻር ክርስትና እተገብረ ውግእ መስቀላውያን) ዘርእስታ ገበን ናዚ እተቃልዕ መጽሓፍ ንምሕታም ጸብጻባት ኪእክብ ጀመረ: ገለ ኻብዚ ጸብጻባት እውን ካብ መዳጐኒ ደምበታት ብሕቡእ ዝወጸ እዩ ነይሩ። ነዚ ምስጢራዊ ጸብጻባት ዶብ ኣስጊርና ናብ ባሰል ናይ ምእታው ሓደገኛ ዕዮ ጀመርና። ኣባላት ናዚ ብሕጊ ዘይፍቀድ ሰነዳት ሒዝና ኽንወጽእ እንተ ዚረኽቡና ነይሮም: ብኡንብኡ ምተኣሰርና ኔርና። ብዛዕባ እቶም ኣሕዋትና ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቓይ ምስ ኣንበብኩ ነባዕኩ። እንተዀነ ግን: ኣይፈራህኩን። የሆዋ: ወለደይ: ከምኡውን ፈተውተይ ከም ዚከናኸኑኒ እተኣማመን ነበርኩ።

ጓል 14 ዓመት ምስ ኰንኩ ትምህርተይ ወዳእኩ: ኣብ መኽዘን እንዳ ኣቕሑ ድማ ጸሓፊት ኰይነ ተቘጸርኩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣቦይ ካብ ስራሕ ናጻ ኣብ ዝዀነሉ ዝነበረ ቐዳም ድሕሪ ቐትሪ ወይ ሰንበት ኢና መልእኽቲ ነበጻጽሕ ዝነበርና። ብገምጋም ኣብ ከክልተ ሰሙን ንኸይድ ነበርና። ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ይዛወሩ ኸም ዘለዉ ስድራቤት ኢና ንመስል ኔርና: ነርባዕተ ዓመት ዚኸውን ድማ እቶም ሓለውቲ ዶብ ደው ኣቢሎምና ዀነ ፈቲሾምና ኣይፈልጡን ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ለካቲት 1938 ግን እዚ ተቐየረ።

ተረኸብና!

ኣብታ ኣብ ጥቓ ባሰል እትርከብ ጽሑፋት እንረኽበላ ቦታ ምስ በጻሕና እሞ ኣቦይ ነቲ ኣብኡ ተኣኪቡ ዝጸንሐ ብዙሕ ጽሑፋት ምስ ረኣየ ኣብ ገጹ ዝረኣኽዎ ለውጢ ፈጺመ ኣይርስዖን እየ። ካልኦት ጽሑፍ ዜበጻጽሑ ስድራቤት ስለ እተኣስሩ: ተወሳኺ መጻሕፍቲ ኽንስከም ነበረና። ኣብ ዶብ ምስ በጻሕና ሓደ ሰራሕተኛ ጉምሩክ ብዓይኒ ጥርጣረ ረኣየና: ክንፍተሽ ድማ ኣዘዘ። ነቲ መጻሕፍቲ ምስ ረኸብዎ: ብረቶም ኣዐሚሮም እናሓለዉ ናብ መኻይን ፖሊስ ወሰዱና። እቶም ኣባላት ፖሊስ ሒዞምና ኪኸዱ ኸለዉ: ኣቦይ ኢደይ ጭብጥ ኣቢሉ: ቀስ ኢሉ ኣብ እዝነይ “ከዳዕ ከይትዀኒ። ንዋላ ሓደ ኣሕሊፍኪ ኸይትህቢ!” በለኒ። ኣነውን “ኣይኸድዕን እየ” ኢለ ኣረጋገጽኩሉ። ኣብ ሎራክ ምስ በጻሕና: ነቲ ፍቑር ኣቦይ ወሰድዎ። ንመወዳእታ ግዜ ዝረኣኽዎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኺዓጽዉዎ ኸለዉ እዩ።

ኣርባዕተ ኣባላት ጌስታፖ ነርባዕተ ሰዓት ዚኸውን ኣስማትን ኣድራሻታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክነግሮም እናሓተቱ መርመሩኒ። ምስ ኣበኽዎም ሓደ ኻባታቶም ሓሪቑ “ብኻልእ መገዲ ጌርና ኸነለፋልፈኪ ንኽእል ኢና!” ኢሉ ኣጕባዕብዓለይ። ዋላ ሓንቲ ምስጢር ግን ኣይነገርክዎምን። ድሕሪኡ ንዓይን ነደይን ናብ ቤትና መለሱና: ንመጀመርታ ግዜ ድማ ንቤትና ፈተሽዎ። ነደይ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኼእትዉዋ ኸለዉ: ሓትኖይ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃና ስለ ዘይፈለጡ: ናብኣ ወሲዶም ብሓደራ ምስኣ ኣቐመጡኒ። ናብ ስራሕ ክኸይድ እኳ እንተ ተፈቕደለይ: ናበይ ከም ዝኸይድ ምእንቲ ኺፈልጡ ኣርባዕተ ጌስታፖ ኣብ ማኪና ዀይኖም ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ኮፍ ኢሎም ነበሩ: ሓደ ፖሊስ እውን ኣብቲ ጐደናታት እናተመላለሰ ይሕሉ ነበረ።

ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ኣብ እዋን ምሳሕ ሓንቲ ሓብቲ ብሽክለታ ተወጢሓ ናባይ ገጻ ኽትመጽእ ረኣኽዋ። እናቐረበት ምስ ከደት: ወረቐት ደርብያትለይ ክትከይድ ምዃና ኣስተውዓልኩ። ነታ ወረቐት ምስ ቈለብክዋ: እቶም ኣባላት ጌስታፖ ርእዮምኒ እንተ ዀይኖም ክፈልጥ ቍሊሕ በልኩ። እቲ ዜገርም ከኣ: ኣብታ ህሞት እቲኣ ዅላቶም ይስሕቁ ስለ ዝነበሩ ኣይረኣዩንን!

እታ ሓብቲ ዝሃበትኒ ወረቐት ፋዱስ ምስ ኰነ ናብ እንዳ ወለዳ ክኸይድ እትገልጽ ነበረት። እቶም ኣባላት ጌስታፖ ይከታተሉኒ ስለ ዝነበሩ ግን ከመይ ገይረ እየ እሞ ንወለዳ ኣብ ሓደጋ ዜእትዎም ነገር ክገብር ዝኽእል፧ ነቶም ኣብታ ማኪና ዝነበሩ ኣባላት ጌስታፖ ዀነ ነቲ ኣብቲ ጐደና ናብዝን ናብትን ዚዛወር ዝነበረ ፖሊስ ረኣኽዎም። እንታይ ከም ዝገብር ሓርበተኒ: ስለዚ ድማ የሆዋ ንኺሕግዘኒ ኣምሪረ ጸለኹ። ብሃንደበት እቲ ፖሊስ ናብቶም ጌስታፖ ኸይዱ ኣዘራረቦም። ድሕሪኡ ኣብታ ማኪና ኣትዩ ተተሓሒዞም ከዱ!

ኣብቲ ግዜ እቲ ሓትኖይ መጸት። ፋዱስ ድሮ ሓሊፉ ነይሩ። ነታ ወረቐት ኣንበበታ: ኣሕዋት ናብ ስዊዘርላንድ ዝወስዱኒ መገዲ ኸም ዘዳለዉ ብምግማት ከምቲ እተነግረና ናብቲ ገዛ ኽንከይድ ወሰነት። ኣብኡ ምስ በጻሕና: እቶም ስድራቤት ንሓደ ሃይንሪኽ ራይፍ ዚበሃል ሰብኣይ ኣፋለጡኒ። ንሱውን ብደሓን ምውጻአይ ከም ዘሐጐሶ ድሕሪ ምግላጽ: ናብ ስዊዘርላንድ ከምልጥ ኪሕግዘኒ ኸም ዝመጸ ነገረኒ። ኣብ ኣግራብ ዝበዝሖ ቦታ ንኽንራኸብ ድማ ፍርቂ ሰዓት ዚኸውን ግዜ ሃበኒ።

ናብራ ስደት

ንወለደይ ሓዲገዮም ብምኻደይ ስለ ዘሕዘነኒ: ንብዓት ብምዕጉርተይ እናወሓዘ ምስ ሓው ራይፍ ተራኸብኩ። ኵሉ ነገራት ብቕልጡፍ እዩ ተፈጺሙ። ንሓጺር እዋን ዜጨንቕ ኵነታት ድሕሪ ምሕላፍ: ምስ ጕጅለ በጻሕቲ ሃገር ተሓዊስና ዶብ ስዊዝ ብሰላም ሰገርና።

ኣብቲ ኣብ በርን ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ምስ በጻሕኩ: ኣብኡ ዚርከቡ ኣሕዋት ዘምልጠሉ መገዲ ኸም ዘዳለዉለይ ፈለጥኩ። ብሕያውነት እውን ዘዕርፈሉ ቦታ ኣዳለዉለይ። ኣብ ክሽነ ኽሰርሕ ጀመርኩ: ነዚውን ብዙሕ እየ ዝፈትዎ ነይረ። እንተዀነ ግን: ነቶም ንነፍሲ ወከፎም ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ እተፈርዶም ወለደይ እንታይ ከም ዜጋጥሞም ከይፈለጥኩ ኣብ ዓዲ ስደት ምንባር ብዙሕ እዩ ከቢዱኒ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ ሓዘንን ጭንቀትን ይኸብደኒ ስለ ዝነበረ: ኣብ ሽቓቕ ተዓጽየ እበኪ ነበርኩ። ይኹን እምበር: ወትሩ ምስ ወለደይ እጸሓሓፍ ብምንባረይ: እምንቲ ዀይነ ክቕጽል ኣተባቢዖምኒ እዮም።

በቲ ወለደይ ዝሓደጉለይ ኣብነት እምነት ተተባቢዐ: ብ25 ሓምለ 1938 ህይወተይ ንየሆዋ ብምውፋይ ተጠመቕኩ። ኣብ ቤትኤል ንሓደ ዓመት ዚኣክል ድሕሪ ምግልጋል: ኣብቲ እቲ ኣብ ስዊዝ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንስድራ ቤትኤል ዚኸውን ምግቢ ንምቕራብን ነቶም ብመስጐጕቲ ሃዲሞም ዝመጹ ኣሕዋት ንምዕቃልን ኢሉ ዝዓደጎ ኣብ ሻነላዝ ዚርከብ ሕርሻ ክሰርሕ ጀመርኩ።

ብ1940 ወለደይ ማእሰርቶም ምስ ኣብቅዑ: እቶም ናዚ እምነቶም እንተ ኽሒዶም ኪፈትሕዎም ኣማራጺ ኣቕረቡሎም። ንሳቶም ግን ጸንዑ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ናብ መዳጐኒ ደምበታት ተላእኩ። ኣቦይ ናብ ዳካው ኪለኣኽ ከሎ ኣደይ ናብ ራቨንስብሩክ ተላእከት። ኣብቲ ብ1941 ዝነበረ ቘራሪ ወርሓት ኣደይን ካልኦት ኣብቲ ደምበ ዝነበራ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደቂ ኣንስትዮን ንወተሃደራት ዕዮ ምዕያይ ኣበያ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ን3 መዓልትን ን3 ለይትን ኣብ ቍሪ ደው ከም ዚብላ ተገብራ: ድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ጸልማት ክፍልታት ተዳጐና: ን40 መዓልቲ ድማ ዚረብሕ ምግቢ ኣይተዋህበንን። እዚ ምስ ሓለፈውን ተገርፋ። ኣደይ ብ31 ጥሪ 1942 ንሰለስተ ወርሒ ብዜስካሕክሕ መገዲ ምስ ገረፍዋ ሞተት።

ኣቦይ ካብ ዳካው ናብቲ ኣብ ኣውስትርያ ዝነበረ ማውታውሰን ተቐየረ። ኣብዚ መዳጐኒ ደምበ እዚ ኣባላት ናዚ ንእሱራት ብጥሜትን ብኸቢድ ዕዮን ይቐትልዎም ነበሩ። ኣደይ ድሕሪ ሙማታ: ሽዱሽተ ወርሒ ዚኸውን ጸኒሑ ግን ናዚ ነቦይ ብኻልእ ሜላ: ማለት ናይ ሕክምና መፈተኒ ብምግባር ቀተልዎ። እቶም ኣብቲ ደምበ ዝነበሩ ሓካይም ኰነ ኢሎም ንሰባት ንመፈተኒ ንምግባር ብዓባይ ሰዓል ከም ዚተሓዙ ይገብርዎም ነበሩ። ድሕርዚ እቶም እሱራት ኣብ ልቦም ዚቐትል መርፍእ ይውግኡ። እቲ ወግዓዊ መዝገብ ግን ኣቦይ “ብድኻም ልቢ” ኸም ዝሞተ እዩ ዚገልጽ። ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 43 ዓመት እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ዜስካሕክሕ ቅትለት ኣዋርሕ ጸኒሐ እየ ሰሚዐ። ብዛዕባ እቶም ፍቑራት ወለደይ ክዝክር ከለኹ: ክሳዕ ሕጂ እየ ዝነብዕ። ይኹን እምበር: ሽዑ ዀነ ሕጂ እቶም ተስፋ ሰማያዊ ህይወት ዝነበሮም ኣደይን ኣቦይን ኣብ ኢድ የሆዋ ኸም ዘለዉ ምፍላጠይ የጸናንዓኒ እዩ።

ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝነበረ መበል 11 ኽፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ ምክፋል ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺበ እየ። ንሓሙሽተ ወርሒ ቕዱስ ጽሑፋዊ መጽናዕቲ ምግባርሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ ነይሩ! ብ1948 ምስ ተመረቕኩ: ሚስዮናዊት ኰይነ ንምግልጋል ናብ ስዊዘርላንድ ተለኣኽኩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ምስ ጄምስ ኤል. ተርፐን ዚበሃል ካብ ሓምሻይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተመረቐ እሙን ሓው ተራኸብኩ። ኣብ ቱርኪ ናይ መጀመርታ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ምስ ተኸፍተ: ኣብኡ ተዓዛቢ ዀይኑ የገልግል ነበረ። ኣብ መጋቢት 1951 ተመርዓና: ነዊሕ ከይጸናሕና ኸኣ ወለዲ ኽንከውን ምዃንና ፈለጥና! ድሕሪኡ ናብ ሕቡራት መንግስቲ ኣመሪካ ገዓዝና: ኣብ ታሕሳስ እታ ዓመት እቲኣ ድማ ማርሊን ጓልና ተወልደት።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣነን ጂምን ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ብዝፈጸምናዮ ነገራት ብዙሕ ሓጐስ ረኺብና ኢና። ሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ እትፈቱ ፐኒ እትበሃል ቻይናዊት ተማሃሪተይ ኣጸቢቐ እየ ዝዝክራ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ተጠምቀት: ጸኒሓ ኸኣ ነዚ ሕጂ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ዜገልግል ዘሎ ጋይ ፒርስ ተመርዓወት። ከምኣ ዝኣመሰሉ ፍቑራት ፈተውቲ ነቲ ወለደይ ብምስኣነይ እተፈጥረ ጋግ ንምዕባስ ይሕግዙኒ እዮም።

ኣብ መጀመርታ 2004 ኣብታ ወለደይ ዚነብሩላ ዝነበሩ ኸተማ ሎራክ ዘለዉ ኣሕዋት ኣብ ጐደና ሽቲኽ ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሃነጹ። እቲ ቤት ምኽሪ እታ ኸተማ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበርዎ ነገራት ኣፍልጦ ንምሃብ: ነቲ ጐደና ንኽብሪ ወለደይ ደንጽሽትራሰ (ጐደና ደንጽ) ኢሉ ሰመዮ። ኣብታ ኸተማ እትሕተም ባዲሸ ጻይቱንግ እትበሃል ጋዜጣ: “ንዝኽሪ እንዳ ደንጽ ዚበሃሉ ሰብ ሓዳር: ሓድሽ ጐደና ተሰይሙ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ: ብዛዕባ ወለደይ “ኣብ ትሕቲ ሳልሳይ ራይክ ብምኽንያት እምነቶም ኣብ መዳጐኒ ደምበ ተቐትሉ” በለት። እዚ ቤት ምኽሪ እቲ ኸተማ ዝወሰዶ ስጕምቲ: ኣነ ዘይተጸበኽዎ ንልበይ ዘሐጐሰ ፍጻመ እዩ።

ኣቦይ ኣብዚ ግዜና ኣርማጌዶን ከም ዘይትመጽእ ጌርና መደብ ክንገብር: ግን ከኣ ጽባሕ ከም እትመጽእ ኴንና ህይወትና ኽንመርሕ ከም ዘሎና ይዛረብ ነይሩ። እዚ ኸኣ ወትሩ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ዝጸዓርኩ ጠቓሚ ምኽሪ እዩ። ሃረርታ እናሃለወና ኽነሱ ብዓቕሊ ምምልላስ ቀሊል ኣይኰነን: ብፍላይ ከኣ ሕጂ እርጋን ካብ ቤት ከም ዘይወጽእ ስለ ዝገበረኒ ዝያዳ እዩ ኸቢዱኒ። ኰይኑ ግን: የሆዋ ንዅሎም እሙናት ኣገልገልቱ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: . . . ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ብምባል ዝኣተዎ መብጽዓ ፈጺመ ተጠራጢረዮ ኣይፈልጥን።—ምሳሌ 3:5, 6

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ቀደም እተጻሕፈ ኽቡር ቃላት

ሓንቲ ርሕቕ ኢሉ ኣብ ዚርከብ ቍሸት እትነብር ሰበይቲ ብ1980ታት ናብ ሎራክ ከደት። ኣብቲ ግዜ እቲ ተቐማጦ እታ ኸተማ ነቲ ዘይደልይዎ ንብረቶም ካልኦት ሰባት ዝደልይዎ እንተ ዀይኖም መሪጾም ምእንቲ ኺወስዱ ናብ ዚኽእሉሉ ቦታ ይወስድዎ ነበሩ። እታ ሰበይቲ ንስፌት ዜገልግል ነገራት ዝሓዘ ሳጹን ረኸበት እሞ ናብ ቤታ ወሰደቶ። ጸኒሓ: ኣብ ታሕተዋይ ክፋል እታ ሳጹን ስእሊ ሓንቲ ጓልን ካብ መዳጐኒ ደምበ እተጻሕፈ ደብዳበታትን ረኸበት። በቲ ደብዳበታት ተመሰጠት: እታ ኣብቲ ስእሊ ዘላ ጓል መን ከም ዝዀነት እውን ክትሓስብ ጀመረት።

ሓደ መዓልቲ ኣብ 2000 እታ ሰበይቲ ኣብ ሎራክ ታሪኻዊ ምርኢት ኪህሉ ምዃኑ ኣንበበት። እቲ ዓንቀጽ ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብግዜ ናዚ ዘሕለፍዎ ታሪኽ ዚገልጽ ኰይኑ: ታሪኽ ስድራቤትና ኣብኡ ወጺኡ ነበረ። ኣነ ቘልዓ ኸለኹ እተሰኣልክዎ ስእሊ እውን ኣብኡ ነበረ። እታ ሰበይቲ ነቲ ምምስሳል ምስ ረኣየት: ነታ ጋዜጠኛ ረኸበታ: ብዛዕባ እቲ ምስኣ ዘሎ 42 ደብዳበታት እውን ነገረታ። ድሕሪ ሒደት ሰሙናት: እቲ ደብዳበታት ኣብ ኢደይ ኣተወ። ኣብኡ ኸኣ ወለደይ ንሓትኖይ ብዛዕባይ ብቐጻሊ ዝሓትዋ ዝነበሩ ሕቶታት ተጻሒፉ ነበረ። እቲ ንዓይ ዝነበሮም ፍቕራዊ ሓልዮት ኣይተቛረጸን። እዚ ደብዳበታት እዚ ልዕሊ 60 ዓመት ጸኒሑ ኽረኽቦ ምኽኣለይ ዜደንቕ እዩ!

[ምንጪ ስእሊ]

Hitler: U.S. Army photo

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ሂትለር ስልጣን ምስ ሓዘ እታ ሓጐስ ዝመልኣ ስድራቤትና ተበታተነት

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

1. ቤት ጽሕፈት ማግደበርግ

2. ኣባላት ጌስታፖ በሽሓት ንዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሰሩ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ኣነን ጂምን ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ብዝፈጸምናዮ ነገራት ብዙሕ ሓጐስ ረኺብና ኢና