ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መጽሓፍ እያሱ ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ መጽሓፍ እያሱ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ መጽሓፍ እያሱ ዚጐልሕ ነጥብታት

እስራኤላውያን ብ1473 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ጐልጐል ሞኣብ ሰፊሮም ነዘን ዚስዕባ ቓላት ኪሰምዑ ኸለዉ ተመሲጦም ኪዀኑ ኣለዎም:- “ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም: ምእንቲ ኽትወርስዋ ንርስቲ ዚህበኩም ምድሪ ኽትአትውዋስ: ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ኽትሳገሩ ኢኹም እሞ: ስንቅኹም ኣዳልዉ።” (እያሱ 1:11) እቲ ናይ 40 ዓመት ጕዕዞኦም ኣብ ምውዳኡ ገጹ እዩ ነይሩ።

ዕስራ ዓመት ኣቢሉ ምስ ሓለፈ: እቲ መራሒ ዝነበረ እያሱ ኣብ ሕምብርቲ ከነኣን ደው ኢሉ ንዓበይቲ እስራኤል ከምዚ በሎም:- “ርአዩ: ነዞም ተሪፎም ዘለዉ ህዝብታት እዚኣቶምን ነቶም ዘጥፋእክዎም ኵሎም ህዝብታትን ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ብወገን ምዕራብ ጸሓይ: ንነገዳትኩም ርስቲ ብዕጭ ኣካፈልኩኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም: ንሱ ኻብ ቅድሜኹም ኪደፍኦም: ካብ ቅድሜኹም ከኣ ኪሰጎም እዩ: ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ድማ: ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም።”—እያሱ 23:4, 5

መጽሓፍ እያሱ ብ1450 ቅ.ኣ.ዘ. ብእያሱ እተጻሕፈት ክትከውን ከላ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ 22 ዓመት እተፈጸመ ዚምስጥ ታሪኽ ሒዛ ኣላ። ኣብዚ ሕጂ ኣብ ድርኵዂት ሓዳስ ዓለም ዘለናሉ እዋን ኵነታትና ምስ ኵነታት እቶም ምድሪ ተስፋ ኺወርሱ ተዳልዮም ዝነበሩ እስራኤላውያን ዚመሳሰል እዩ። ስለዚ እምበኣር ብተመስጦ ንመጽሓፍ እያሱ ነቕልበላ።—እብራውያን 4:12

ናብ “ጐልጐል ያሪኮ”

(እያሱ 1:1-5:15)

የሆዋ ንእያሱ “ሙሴ ባርያይ ሞተ: ሕጂ ድማ ተንስእ: ንስኻን ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዝን ናብታ ኣነ ንኣታቶም: ንደቂ እስራኤል: ዝህቦም ምድሪ ነዚ ዮርዳኖስ ተሳገሮ” ኪብሎ ኸሎስ ኣየ ኸመይ ዝበለ መዝነት ኰን እዩ ዝሃቦ! (እያሱ 1:2) እቲ እተዋህቦ መዝነት ከኣ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ህዝቢ ናብ ምድሪ ተስፋ ንኺመርሖም እዩ። ኣቐዲሙ ግን ናብታ መጀመርታ ኺስዕርዋ ዝነበሮም ከተማ ያሪኮ ኽልተ ሰለይቲ ለኣኸ። ኣብታ ኸተማ ኸኣ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ምእንቲ ህዝቡ ዝገበሮ ተኣምራዊ ተግባራት ሰሚዓ ዝነበረት ረሃብ እታ ኣመንዝራ ትነብር ነበረት። ነቶም ሰለይቲ ኣዕቈበቶም: ንሳቶም ከኣ እታ ኸተማ ኽትጠፍእ ከላ ክትድሕን ምዃና ተመባጽዑላ።

እቶም ሰለይቲ ምስ ተመልሱ: እያሱን እቶም ህዝብን ዮርዳኖስ ሰጊሮም ኣብታ ኸተማ ኺኣትዉ ተዳልዮም ነበሩ። እቲ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ዚውሕዝ ዝነበረ ውሒዝ ዕንቅፋት ኣይኰኖምን። የሆዋ ነቲ ኻብ ላዕሊ ዚወርድ ዝነበረ ውሒዝ ኵምራ ዀይኑ ኸም ዚቐውም: ነቲ ናብ ምውት ባሕሪ ዚውሕዝ ዝነበረ ኸኣ ከም ዚነጽፍ ስለ ዝገበሮ: እቲ ብርቱዕ ውሒዝ ዕንቅፋት ኣይፈጠረሎምን። እስራኤላውያን ዮርዳኖስ ምስ ሰገሩ: ኣብታ ኣብ መንጽር ያሪኮ እትርከብ ጊልጋል ሰፈሩ። ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ኸኣ ካብ ወርሒ ኣቢብ ኣብ መበል 14 መዓልቲ: ኣብ ጐልጐል ያሪኮ ፋስጋ ኣብዓሉ። (እያሱ 5:10) ንጽብሒቱ: ፍረ እታ ምድሪ በልዑ: እቲ ማና ኸኣ ኣቋረጸ። እያሱ ኣብዚ እዋን እዚ ንዅሎም እቶም ኣብ በረኻ እተወልዱ ደቂ ተባዕትዮ ገዘሮም።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

2:4, 5—ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ንኺደልዩ ንጉስ ዝለኣኾም ሰባት ዜጋገየቶም ስለምንታይ እያ፧ ረሃብ ኣብ የሆዋ እምነት ስለ ዝነበራ ነቶም ሰለይቲ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕ እያ ኣዕቚባቶም። ነቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ኬጥፍኡ ዚደልዩ ዝነበሩ ሰባት ከኣ እቶም ሰለይቲ ኣበይ ከም ዘለዉ ኽትነግሮም ግዴታ ኣይነበራን። (ማቴዎስ 7:6፣ 21:23-27፣ ዮሃንስ 7:3-10) አረ: ረሃብሲ ‘ብግብሪ ጸዲቓ እያ።’ እዚ ግብሪ እዚ ኸኣ ነቶም ተወከልቲ እቲ ንጉስ ዜጋገየቶም ምግጋይ እውን ዜጠቓልል እዩ።—ያእቆብ 2:24-26

5:14, 15—እቲ “ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር” መን እዩ፧ እስራኤላውያን ንምድሪ ተስፋ ኺስዕሩ ኺጅምሩ ኸለዉ ንእያሱ ኼበራትዖ ዝመጸ መስፍን ካብቲ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ “ቓል” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ ሓሊፉ ኻልእ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። (ዮሃንስ 1:1፣ ዳንኤል 10:13) ኣብዚ ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ተጸሚዶምሉ ዘለዉ እዋን እቲ ግርማ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ ምስኣቶም ምዃኑ ምፍላጥናስ ኣየ ኽንደይ ዜበራትዕ ኰን እዩ!

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:7-9 ኣብቲ እንገብሮ መንፈሳዊ ጻዕርታትና ኽንዕወት እንተደኣ ዄንና: መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ኸነንብብን ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ኸነስተንትንን ኣብ ግብሪ ኸኣ ከነውዕሎን የድልየና።

1:11 እያሱ ነቶም ህዝቢ ኢዶምን እግሮምን ኣጣሚሮም ኣምላኽ ኬዳልወሎም ኪጽበዩ ዘይኰነስ ስንቆም ኬዳልዉ ነገሮም። የሱስ ብዛዕባ ንህይወትና ዜድልየና ነገራት “ኣይትጨነቑ” “እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ኪብል ከሎ: ርእስና ኽኢልና ንምንባር ኢልና ኽንጽዕር ከም ዘይብልና ዚሕብር ኣይኰነን።—ማቴዎስ 6:25, 33

2:4-13 ረሃብ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ዓብዪ ግብርታት ምስ ሰምዐትን እዋኑ ዘየላቡ ምዃኑ ምስ ተገንዘበትን ብወገን ኣምለኽቲ የሆዋ ኽትስለፍ ወሰነት። መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ካብ እትጅምር እተወሰነ እዋን እንተ ሓሊፉ እሞ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ምህላውና እንተደኣ ተገንዚብካ: ንኣምላኽ ንምግልጋል ውሳነ ኽትገብርዶ ኣይግብኣካን፧—2 ጢሞቴዎስ 3:1

3:15 እያሱ: እቶም ሰለይቲ ጽቡቕ ወረ ሒዞምሉ ምስ መጹ: ማያት ዮርዳኖስ ኪነጽፍ ከይተጸበየ ቕልጡፍ ስጕምቲ ወሰደ። ንሕናውን ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝመጸ: ዝያዳ ምሹእ ኵነታት ክሳዕ ዚፍጠር ኣብ ክንዲ እንጽበ ብትብዓት ስጕምቲ ኽንወስድ ይግብኣና።

4:4-8, 20-24 እቲ ኻብ ማእከል ርባ ዮርዳኖስ እተወስደ 12 ኣእማን ንእስራኤላውያን ከም መዘኻኸሪ ዀይኑ ኼገልግል ነበሮ። እቲ የሆዋ ንዘመናውያን ህዝቡ ኻብ ጸላእቶም ንምድሓን ኢሉ ዚፍጽሞ ተግባራት እውን ምስኣቶም ምዃኑ ዜዘኻኽር እዩ።

እቲ ስዕረት ይቕጽል

(እያሱ 6:1-12:24)

ከተማ ያሪኮ “ተዐጽያን ተሸጕራን ነበረት። ዚወጽእ ኰነ ዚአቱ ዀነ ኣይነበረን።” (እያሱ 6:1) ብኸመይ ደኣ እያ እሞ ኽትሰዓር፧ የሆዋ ንእያሱ ስትራተጂ ሂብዎ እዩ። ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ መናድቕ ፈራረሰ: እታ ኸተማ ኸኣ ዓነወት። ረሃብን ቤታን ጥራይ እዮም ድሒኖም።

ቀጺሎም ዝሰዓርዋ ኸተማ ኸኣ እታ ኸተማ ነገስታት ዝነበረት ዓይ እያ። እቶም ናብታ ኸተማ እተላእኩ ሰለይቲ ኸኣ እታ ኸተማ ሒደት ተቐማጦ ጥራይ ከም ዘለዉዋ ጸብጻብ ስለ ዝሃቡ: ብዙሓት ተዋጋእቲ ኣየድልዩን ነበሩ። ይኹን እምበር: ነታ ኸተማ ኼጥቅዑ እተላእኩ 3,000 ዝዀኑ ወተሃደራት ካብ ሰብ ዓይ ሃደሙ። ስለምንታይ እዮም ግን ተሳዒሮም፧ የሆዋ ምስ እስራኤላውያን ስለ ዘይነበረ እዩ። እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣካን ንያሪኮ ኺወርዋ ኸለዉ ስለ ዝሓጥአ እዩ። እያሱ ነቲ ጉዳይ ምስ ኣደቀሶ እንደገና ንዓይ ኣጥቅዓ። ንጉስ ዓይ ንእስራኤላውያን ሓንሳእ ስዒርዎም ስለ ዝነበረ: ንኺዋግኦም ብህንጥዮት ተላዕለ። እያሱ ግን ነቶም ርእሰ-ምእትምማን ኣሕዲሮም ዝነበሩ ሰብ ዓይ ኬደናግር ዚኽእል ስትራተጂ ተጠቒሙ ነታ ኸተማ ሓዛ።

ጊብዖን ‘ካብ ዓይ እትዓቢ ኸተማ እያ ነይራ ዅሎም ሰባውን ጀጋኑ ነበሩ።’ (እያሱ 10:2) ይኹን እምበር: ሰብ ጊብዖን እስራኤላውያን ንያሪኮን ዓይን ከም ዝሰዓርወን ምስ ሰምዑ: ንእያሱ ጠቢሮም ኪዳን ሰላም ከም ዝኣትወሎም ገበሩ። እተን ኣብቲ ኸባቢ ዝነበራ ኸተማታት በዚ ኽድዓት እዚ ሰግኣ። ሓሙሽተ ኻብ ነገስታተን ኪዳን ተኣታትዮም ንጊብዖን ኬጥቅዕዋ ተላዕሉ። እስራኤላውያን ንጊብዖናውያን ዘርዮም ነቶም ተዋጋእቲ ምሉእ ብምሉእ ሰዓርዎም። እስራኤላውያን ብእያሱ ተመሪሖም ዝሰዓርወን ካልኦት ከተማታት ከኣ ኣብ ደቡብን ምዕራብን ዝርከባ ኸተማታትን ነቶም ብሰሜን ዝነበሩ ሕቡራት ነገስታትን ዜጠቓልል ነበረ። ኵሎም እቶም ኣብ ምዕራብ ዮርዳኖስ እተሳዕሩ ነገስታት 31 ዝዀኑ ነበሩ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

10:13—ከመይ ገይራ እያ ጸሓይ ክትቀውም ክኢላ፧ ነቲ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ዝዀነ የሆዋዶ “ዚጨንቆ ነገር ኣለዎ፧” (ዘፍጥረት 18:14) የሆዋ እንተደኣ ደልዩ ንዑደት ምድሪ ተቘጻጺሩ: ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሰብ ጸሓይን ወርሕን ደው ዝበላ ዀይነን ከም ዝረኣያኦ ኺገብር ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ዑደት ምድርን ወርሕን ከየቋረጸ ነቲ ኻብ ጸሓይን ወርሕን ዚመጽእ ጸርጊ ብርሃን ብምቕናን ካብዘን ክልተ ብርሃናት ዚመጽእ ብርሃን ከም ዚቕጽል ገይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ይኹን እቲ ግን ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ “ከምታ መዓልቲ እቲኣ ዝበለት . . . ኣይነበረትን።”—እያሱ 10:14

10:13—መጽሓፍ ያሻር እንታይ እዩ፧ እታ መጽሓፍ “ደርፊ ቐስቲ” ዚብል: ብዛዕባ እቲ ናይ እስራኤል ንጉስ ሳኦልን ወዱ ዮናታንን እተገጥመ ልቕሶ: ከም ዝሓዘት እውን ኣብ 2 ሳሙኤል 1:18 ትርጕም 1990 ተጠቒሳ ኣላ። እታ መጽሓፍ ብዛዕባ ኣገዳሲ ታሪኽ እስራኤል ዚገልጽ መዝሙራትን ግጥምታትን ዝሓቘፈት ኰይና ኣብ እብራውያን ኣዝያ ፍልጥቲ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

6:26 9:22, 23 እቲ እያሱ ያሪኮ ኽትጠፍእ ከላ ዝረገማ መርገም 500 ዚኸውን ዓመት ጸኒሑ እዩ ተፈጺሙ። (1 ነገስት 16:34) እቲ ኖህ ነቲ ወዲ ወዱ ከነኣን ዝረገሞ መርገም ጊብዖናውያን ባሮት ምስ ኰኑ ተፈጸመ። (ዘፍጥረት 9:25, 26) ቃል የሆዋ ዅሉ ግዜ ሓቂ እዩ።

7:20-25 ገሊኣቶም ኣካን ዝፈጸሞ ስርቂ ንኻልኦት ሰባት ዚጐድእ ኣይነበረን ዚብል ምኽኒት ብምቕራብ ኣቕሊሎም ይርእይዎ ይዀኑ። ኣብ ግምት ዘይኣቱ ንእሽቶ ነገር ምስራቕን ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ንእሽቶ በደል ምፍጻምን እውን ቀሊል ከም ዝዀነ ገይሮም ይምልከትዎ ይዀኑ። ንሕና ግን ዘይሕጋዊ ወይ ዘይስነ-ምግባራዊ ነገራት ክንፍጽም ጸቕጢ ምስ ዚግበረልና ኸም እያሱ ጽኑዕ መትከል ኪህልወና ይግባእ።

9:15, 26, 27 ንሕና እውን ዝገበርናዮ ውዕል ኣርዚንና ብምውሳድ ቃልና ኸነኽብር ይግብኣና።

እያሱ ዓብዪ ዕማም ይጅምር

(እያሱ 13:1-24:33)

እያሱ ብዕድመ ደፊኡ ናብ 90 ገጹ እናተጸገዐ ኸሎ: ነታ ምድሪ ኪኸፋፍላ ይጅምር። ዓብዪ ዕማም እዩ ነይሩ! ነገድ ሮቤልን ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ዛጊት ርስቶም ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ወሲዶም እዮም። እቶም ዝተረፉ ነገዳት ግን ዕጭ ብምውዳቕ ብሸነኽ ምዕራብ ዮርዳኖስ ርስቲ ተዋህቦም።

እቲ ማሕደር ኣብ ሺሎ ኣብ ምድሪ ኤፍሬም እዩ ተተኺሉ። ንካሌብ ከተማ ኬብሮን: ንእያሱ ኸኣ ቲምናት-ሴራ ተዋህባኦም። እቶም ሌዋውያን ነተን ሽዱሽተ ኸተማታት ዕቝባ ሓዊስካ 48 ከተማታት ተዋህባኦም። እቶም ካብ ሮቤልን ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ዝዀኑ ተዋጋእቲ ናብቲ ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝነበረ ርስቶም ኪምለሱ ኸለዉ “ዓብዪ ርኡይ መሰውኢ” ሰርሑ። (እያሱ 22:10) እቶም ብሸነኽ ምዕራብ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ነገዳት ነዚ ኸም ክሕደት ገይሮም ስለ ዝቘጸርዎ ዓሌታዊ ውግእ ኪገብሩ ተዳልዮም ነበሩ: ይኹን እምበር ብምርድዳኦም ካብ ደም ምፍሳስ ተሓለዉ።

እያሱ ኣብ ቲምናት-ሴራ ገለ ግዜያት ምስ ጸንሐ: ነቶም ዓበይትን ሓላቑን ፈራዶን መኳንንትን እስራኤል ጸዊዑ ኺተብዑን ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ኪነብሩን ተላበዎም። ድሕሪ እዚ ኸኣ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣብ ሴኬም ኣከቦም። ኣብኡ ድማ ንዅሉ እቲ የሆዋ ኻብ ኣብርሃም ኣትሒዙ ዝገበረሎም ነገራት ኣዘንተወሎም እሞ ንየሆዋ ‘ኺፈርህዎ: ብፍጽምናን ብእምነትን ከኣ ኬገልግልዎ’ ተላበዎም። እቶም ህዝቢ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ነገልግል: ቃሉ ኸኣ ንሰምዕ” ኢሎም መለሱ። (እያሱ 24:14, 15, 24) ድሕሪዚ እያሱ ኣብ 110 ዕድሚኡ ሞተ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

13:1—እዝስ ምስቲ ኣብ እያሱ 11:23 ዘሎ ሓሳብ ዚጋጮዶ ኣይኰነን፧ ኣይጋጮን እዩ። ከመይሲ ንምድሪ ተስፋ ወሪርካ ምሓዝ ክልተ መዳያት ዝሓቘፈ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ እቲ ሓደ ነቶም 31 ነገስታት ምድሪ ከነኣን ስዒርካ ንሓይሊ ከነኣናውያን ምድኻም ኪኸውን ከሎ እቲ ኻልኣይ ከኣ ነታ ምድሪ ብነገድን ብውልቅን ምሉእ ብምሉእ ምሓዝ እዩ። (እያሱ 17:14-18፣ 18:3) ሽሕኳ ህዝቢ እስራኤል ንከነኣናውያን ካብ ማእከሎም ምሉእ ብምሉእ እንተ ዘየጥፍእዎም: ንድሕንነቶም ዜስግኡ ግን ኣይነበሩን። (እያሱ 16:10፣ 17:12) እያሱ 21:44 የሆዋ “ብዅሉ ዙርያኦም ኣዕረፎም” ትብለና።

24:2—ታራ ኣቦ ኣብርሃም ጣኦታት ዜምልኽ ድዩ ነይሩ፧ ታራ ኻብ ቀደሙ ንየሆዋ ዜምልኽ ሰብ ኣይነበረን። ነቲ ሲን ዚበሃል ኣብ ኡር ፍሉጥ ዝነበረ ኣምላኽ ወርሒ የምልኽ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብመሰረት ናይ ኣይሁድ ኣፈ-ታሪኽ: ታራ ጣኦታት ዚሰርሕ ሰብ እውን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ኣብርሃም ብትእዛዝ ኣምላኽ ካብ ኡር ኪወጽእ ከሎ: ታራ ምስኡ ናብ ካራን ከደ።—ዘፍጥረት 11:31

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

14:10-13 ካሌብ ወዲ 85 ዓመት ከሎ ንህዝቢ ኬብሮን ተዋጊኡ ናይ ምስጓጕ ከቢድ ሓላፍነት ኪወሃቦ ሓተተ። እታ ኸተማ ኻብ መጠን ንላዕሊ ገዘፍትን ነዋሕትን ዝነበሩ ዓናቃውያን ዚበሃሉ ሰባት እዮም ዚነብሩላ ነይሮም። እዚ ተዋጋኢ ሰብኣይ ብሓገዝ የሆዋ ተዓወተ: ኬብሮን ከኣ ከተማ ዕቝባ ዀነት። (እያሱ 15:13-19፣ 21:11-13) እቲ ካሌብ ዝገደፈልና ኣብነት ከቢድ ቲኦክራሲያዊ ሓላፍነታት ንኸይወሃበና ኢልና ኸይንሃድም ዜተባብዓና እዩ።

22:9-12, 21-33 ንኻልኦት ሰባት ብዘይሓሰብዎ ኸይንጥቅኖም ክንጥንቀቕ ይግብኣና

“ሓደ እኳ ኣይወደቐን”

እያሱ ብዕድመ ሸምጊሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቶም ሓላፍነት ተሰኪሞም ዝነበሩ ዓበይቲ እስራኤል “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር: ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ: . . . ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም” በሎም። (እያሱ 23:14) እዝስ ነቲ ታሪኻዊ ጸብጻብ እያሱ ብንጹር ዜብርሆዶ ኸይኰነ!

ሃዋርያ ጳውሎስ “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና: እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ” በለ። (ሮሜ 15:4) ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ዘሎና ተስፋ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ካብቲ መብጽዓታት ሓደ እኳ ኣይኪወድቕን እዩ: ኵሉ ኺበጽሓና እዩ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

እታ ምድሪ ብመሪሕነት እያሱ ተታሕዘት

ባሳን

ጊልዓድ

ኣራባ (ጐልጐል)

ነጌብ (ደቡብ)

ርባ ዮርዳኖስ

ባሕሪ ጨው

ርባ ያቦቅ

ርባ ኣርኖን

ሓጾር

ማዶን

ላሻሮን

ሺምሮን

ዮቅነዓም

ዶር

መጊዶ

ቃዴስ

ታዓናክ

ሔፈር

ቲርጻ

ኣፌቅ

ታጱኣ

ቤት-ኤል

ዓይ

ጊልጋል

ያሪኮ

ጌዘር

የሩሳሌም

ማቄዳ

ያርሙት

ዓዱላም

ሊብና

ላኪሽ

ዔግሎን

ኬብሮን

ደቢር

ዓራድ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ረሃብ እታ ኣመንዝራ ጻድቕ እተባህለትሉ ምኽንያትሲ ትፈልጦዶ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እያሱ: ንእስራኤላውያን ንየሆዋ ‘ኺፈርህዎን ኬገልግልዎን’ ተላበዎም

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣካን ዝፈጸሞ ስርቂ ቐሊል በደል ኣይነበረን፣ ከቢድ ሳዕቤን ከኣ ኣምጽአ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

“ቀጽሪ ያሪኮ . . . ብእምነት ወደቐ።”—እብራውያን 11:30