ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ስልጠና ብምርካበይ ተሓጐስኩ’

‘ስልጠና ብምርካበይ ተሓጐስኩ’

‘ስልጠና ብምርካበይ ተሓጐስኩ’

ሓንቲ ካዙና እትበሃል መንእሰይ: መምህራ ኣብ ሓደ ብእንግሊዝኛ ዝርርብ ኣብ ምሃብ ዚግበር ውድድር ንኽትሳተፍ ምስ ሓተታ ኣዝያ ሰንበደት። እዚ ውድድር እዚ ንዅለን ኣብታ ኣብ ጃፓን እትርከብ ዓባይ ሰሜናዊት ደሴት ሆካይዶ ዚርከባ ኻልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ እተኸፍተ ዀይኑ: እታ ካዙና እትመሃረላ ቤት ትምህርቲ ግን ንፈለማ ግዜ እያ ኣብዚ ውድድር እዚ ተኻፊላ። ኣብቲ እቲ ውድድር እተገበረሉ መዓልቲ ካዙና ምስ 50 ዝዀኑ ተመሃሮ ኽትወዳደር ምዃና ኣጨኒቕዋ ነበረ። ነቲ ውድድር ዚዳንዩ ኽልተ ሰባት ድማ ተዛረብቲ ቛንቋ እንግሊዝኛ ኸም ዝዀኑ ምስ ፈለጠት: ዝገደደ ተሻቐለት።

ኣስማት እቶም ተዓወቲ ኻብቲ ዳሕረዋይ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ቐዳማይ ኪጽዋዕ ጀመረ እሞ ካዙና ቐዳመይቲ ኸም ዝወጸት ስማ ምስ ተጸወዐ: ብስንባደ ተዓነደት። ምስቲ ጥቓኣ ኾፍ ኢሉ ዝነበረ መምህራ ድማ ብምግራም ንሓድሕዶም ተጠማመቱ። ስንባደኣ ኸይወጻላ ኸሎ ኸኣ ናብቲ መድረኽ ከይዳ ሽልማታ ወሰደት።

በዚ እተሓጐሰት ካዙና “ነዚ ኸም ዝረክብ ዝገበረኒ እቲ ማሕበር የሆዋ ብቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኣቢላ እትህበኒ ስልጠና እዩ። እዚ ስልጠና እዚ ብምርካበይ ኣዝየ እየ ዝሕጐስ” በለት። እዚ ካዙና ኻብ ንእስነታ ኣትሒዛ እተሳተፈትሉ ቤት ትምህርቲ እዚ ሓደ ኻብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ኣኼባታት እዩ። ካዙና ነዚ ውድድር እዚ ኽትዳሎ ኸላ: ከም እኒ ኣጠቓቕማ ማይክሮፎን: ብውዕዉዕን ምውቕን ስምዒት ምዝራብ: ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምጥቃም: ምስ ሰማዕቲ ርክብ ምግባርን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዚዋሃብ ትምህርትታት ኣተኲራትሉ ነበረት።

ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዚርከብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጺእካ ነዚ ሰሙን ሰሙን ዚካየድ ቤት ትምህርቲ ኽትርእዮ ንዕድመካ። ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ ኻብዚ ብኸመይ ከም ዚጥቀሙ ባዕልኻ ርአ። እዚ ኣኼባ እዚ ንህዝቢ ኽፋት እዩ። ብዛዕባ እዚ ቤት ትምህርቲ ዝካየደሉ ንዓኻ ዝቐርበካ ቦታ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብ።