ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እስጢፋኖስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 7:59 እተዛረቦ ቓላት: ጸሎትና ናብ የሱስ ኪቐርብ ከም ዘለዎ ዚሕብር ድዩ፧

ግብሪ ሃዋርያት 7:59 “ንእስጢፋኖስ ከኣ እናተማህለለን፤ ጐይታይ የሱስ: መንፈሰይ ተቐበል: እናበለን: ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ” ትብል። መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ “ጸሎት እትሰምዕ” ስለ ዚብሎ: እዘን ኣብዚ ዘለዋ ቓላት ኣብ ኣእምሮ ገሊኦም ሰባት ሕቶ ኣበጊሰን እየን። (መዝሙር 65:2) እስጢፋኖስ ብሓቂ ናብ የሱስ ድዩ ጸልዩ፧ እዝስ የሱስ ምስ የሆዋ ሓደ ምዃኑ ዚሕብር ድዩ፧

ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ዚበሃል ትርጕም: እስጢፋኖስ “ናብ ኣምላኽ እናተማህለለ” ብምባል ተርጒምዎ ኣሎ። ካብዚ ብምብጋስ ከምቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳብ ዚህብ ማቲው ሄንሪ “ኣብዚ እስጢፋኖስ ናብ ክርስቶስ ካብ ጸለየ: ንሕናውን ከምኡ ኽንገብር ኣሎና” ዝበለ: ብዙሓት ሰባት እውን ኣብ ተመሳሳሊ መደምደምታ እንተ በጽሑ ዜገርም ኣይኰነን። ይኹን እምበር: እዚ ኣረኣእያ እዚ ጌጋ እዩ። ስለምንታይ፧

ባርነስ ኖት ኦን ዘ ቴስታመንት ዘርእስታ ጽሕፍቲ “እታ ኣምላኽ እትብል ቃል ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ የላን: ኣብ ትርጕማት እውን ክትህሉ ኣይግባእን። ኣብ ዋላ ሓደ ኻብቲ ጥንታዊ [ኢደ-ጽሑፋት] ወይ ትርጕማት የላን” ብምባል ብቕንዕና ትገልጽ። እታ “ኣምላኽ” እትብል ቃል ደኣ እሞ ብኸመይ እያ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣትያ፧ ኣቤል ኣቦት ሊቨርሞር ዚበሃል ምሁር ነዚ ነገር እዚ “ሓደ ጕጅለ ሃይማኖት ነቲ ትርጕም ዘቕነኑሉ ኣጋጣሚ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። ስለዚ ድማ እዚ ንኣምላኽ ዜመልክት ሓቅነት ዘይብሉ መግለጺ ኻብ መብዛሕትኡ ዘመናዊ ትርጕማት ወጺኡ እዩ።

ይኹን እምበር: ሓያሎ ትርጕማት እስጢፋኖስ ናብ የሱስ “ጸልየ” ይብላ እየን። ኣብ እግረ-ጽሑፍ ትርጕም ሓዳስ ዓለም እታ “ለመነ” እትብል ቃል “ተማህለለ፣ ጸለየ” ተባሂላ እውን ክትርጕም ከም እትኽእል ተገሊጹ ኣሎ። እዝስ የሱስ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምዃኑ ዜመልክት ደይኰነን፧ ኣይፋልን። ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ቢብሊካል ዎርድስ ዚበሃል መዝገበ-ቓላት ኣብዚ መዳይ እዚ እታ ኢፒካለኦ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል “ምጥላብ: ምምህላል፣ . . . ንበዓል ስልጣን ምጥራዕ” ዚብል ትርጕም እውን ከም ዘለዋ ትገልጽ። ጳውሎስ “ናብ ቄሳር ይግባኝ” ኪብል ከሎ ነዛ ቓል እዚኣ እዩ ተጠቒሙ። (ግብሪ ሃዋርያት 25:11) ስለዚ: ናይ 1956 ኰነ ናይ 1990 ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ እስጢፋኖስ ናብ የሱስ “ተማህለለ” ምባሉ ግቡእ እዩ።

እስጢፋኖስ ከምዚ ዝኣመሰለ ለመና ኬቕርብ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 7:55, 56 “መንፈስ ቅዱስ መልኦ: ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ረአየ።” ኣብ ንቡር ኵነታት እስጢፋኖስ ንለመናኡ ብስም የሱስ ኣቢሉ ናብ የሆዋ መቕረቦ ነይሩ። ነቲ ዝተንስአ የሱስ ብራእይ ምርኣዩ ግን ንዕኡ ብቐጥታ “ጐይታይ የሱስ: መንፈሰይ ተቐበል” ኢሉ ኺልምኖ ኸም ዚኽእል ተሰምዖ። የሱስ ንምዉታት ኬተንስእ ስልጣን ከም እተዋህቦ እስጢፋኖስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 5:27-29) ስለዚ ድማ ክሳዕ እቲ የሱስ ዘይትመውት ህይወት ብምሃብ ናብ ሰማይ ዜተንስኦ ንመንፈሱ ወይ ሓይሊ ህይወቱ ኺሕልዎ ሓተቶ።

እተን እስጢፋኖስ ዘውስአን ሒደት ቃላት: ንሕናውን ናብ የሱስ ክንልምን ከም እንኽእል መሰረት ይዀናና ድየን፧ ኣይፋልን። ብቐዳምነት: እስጢፋኖስ ንየሱስ ካብ የሆዋ ብንጹር ፈልዩ ይርእዮ ነበረ። ከመይሲ: ንየሱስ “ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ” ኸም ዝረኣየ ኣብቲ ጸብጻብ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ብዘይካዚውን እቲ ዅነታት እቲ ፍሉይ እዩ ነይሩ። ምስዚ ዚመሳሰል እንኮ ኻልእ ኣጋጣሚ ሃዋርያ ዮሃንስ ንየሱስ ብራእይ ምስ ረኣዮ ብቐጥታ እተዛረበሉ እዋን እዩ።—ራእይ 22:16, 20

ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ንዅሉ ጸሎቶም ናብ የሆዋ ኣምላኽ ብምቕራብ ቅኑዕ ነገር ዚገብሩ እኳ እንተዀኑ: የሱስ “ትንሳኤን ህይወትን” ምዃኑ እውን ድልድልቲ እምነት ኣላቶም። (ዮሃንስ 11:25) እታ የሱስ ንሰዓብቱ ኻብ ምዉታት ከም ዜተንስኦም ዘላትና እምነት: ልክዕ ከም እስጢፋኖስ ንዓናውን ክትሕግዘናን ኣብ ፈተና ኸተጽንዓናን እያ።