ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምሉእ ምስክርነት ንምሃብ ዝሰልጠኑ

ምሉእ ምስክርነት ንምሃብ ዝሰልጠኑ

ምሉእ ምስክርነት ንምሃብ ዝሰልጠኑ

“ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም።”ግብሪ ሃዋርያት 1:8

1, 2. ጴጥሮስ እንታይ መዝነት እዩ እተዋህቦ: መንከ እዩ ነዚ መዝነት እዚ ዝሃቦ፧

 ሃዋርያ ጴጥሮስ ንቆርኔሌዎስን ስድራቤቱን “የሱስ ብዓል ናዝሬት: . . . ኣምላኽውን ንህያዋንን ምዉታትን ፈራዲ ኪኸውን ዝመደቦ: ንሱ ምዃኑ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን አዘዘና” ብምባል ወንጌላዊ ኪኸውን መዝነት ከም እተቐበለ ገለጸሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 10:38, 42

2 የሱስ ነዚ መዝነት እዚ መዓስ እዩ ዝሃቦም፧ ጴጥሮስ ነቲ የሱስ ካብ ሞት ተንሲኡ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ እተዛረቦ ነገር እዩ ዚሓስብ ነይሩ ዚኸውን። ኣብቲ ግዜ እቲ የሱስ ነቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ይኹን እምበር: ጴጥሮስ ቅድሚ እዚ እዋን እዚ ኸም ወደ መዝሙር የሱስ መጠን ንሰባት ብዛዕባ እታ ኣብ የሱስ ዘላቶ እምነት ኬዘራርቦም ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነበረ።

ሰለስተ ዓመት ዝወሰደ ስልጠና

3. የሱስ እንታይ ተኣምር እዩ ዝገበረ: ንጴጥሮስን እንድርያስንከ እንታይ ጻውዒት እዩ ዘቕረበሎም፧

3 የሱስ ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ድሕሪ ምጥማቑ እተወሰነ ኣዋርሕ ጸኒሑ: ኣብ ከባቢ እቲ ጴጥሮስን እንድርያስ ሓዉን ዓሳ ዚገፉሉ ባሕሪ ገሊላ ሰበኸ። ክልቲኦም ምሉእ ለይቲ ኺገፉ እኳ እንተ ሓደሩ: ፍረ ግን ኣይረኸቡን። ኰይኑ ግን የሱስ “ናብቲ ዓሚቝ ቅርብ በል እሞ መርበብኩም ንምግፋፍ ደርብዩ” በሎም። ከምቲ የሱስ ዝበሎም ምስ ገበሩ: “ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ሐዙ: እቲ መርበቦምውን ተቐደ።” ጴጥሮስ ነዚ ተኣምር እዚ ምስ ረኣየ: ኣዝዩ ፈርሀ። የሱስ ግን “ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ እሞ: ኣይትፍራህ” በሎ።—ሉቃስ 5:4-10

4. (ሀ) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ምስክርነት ኪህቡ ዘዳለዎም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዚፍጽምዎ ኣገልግሎት ምስቲ የሱስ ዝፈጸሞ ብኸመይ ይወዳደር፧

4 ብኡንብኡ ጴጥሮስን እንድርያስን ከምኡውን ያእቆብን ዮሃንስን ዚበሃሉ ደቂ ዘብዴዎስ ጀላቡኦም ሓዲጎም ንየሱስ ሰዓብዎ። ንሰለስተ ዓመት ዚኸውን ንየሱስ ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮኡ ኣሰነይዎ: ወንጌላውያን ኪዀኑ ድማ ስልጠና ረኸቡ። (ማቴዎስ 10:7፣ ማርቆስ 1:16, 18, 20, 38፣ ሉቃስ 4:43፣ 10:9) ኣብ መወዳእታ እቲ ሰለስተ ዓመት ብ14 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ “እቲ ብኣይ ዚአምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር: ካብኡ ዚዐቢውን ከም ዚገብር: ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በሎም። (ዮሃንስ 14:12) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብኡ ብዝሰፍሐ ደረጃ ምሉእ ምስክርነት ኪህቡ ነበሮም። ከምቲ ነዊሕ ከይጸንሑ ዝፈለጥዎ: ንሳቶም ኰኑ ኣብ መጻኢ ደቀ መዛሙርቲ ዚዀኑ “ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም” “ንዅሎም ኣህዛብ” ኪምስክሩ ነበሮም።—ማቴዎስ 28:19, 20

5. ካብቲ የሱስ ንሰዓብቱ ዝሃቦም ስልጠና ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧

5 ንሕና ኣብዚ “መወዳእታ ዓለም” ተባሂሉ ዚጽዋዕ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። (ማቴዎስ 24:3) ከምቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ኣሰኒናዮ ኽንከይድን ንሰባት ኪሰብኽ ከሎ ኽንዕዘቦን ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግን: ብኸመይ ከም ዝሰበኸን ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ መምርሒ ኸም ዝሃቦምን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ካብቲ ዝሃቦም ስልጠና ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 10:1-11) እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ግን የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብግብሪ ዘርኣዮም ኣገዳሲ ነገር ክትገልጽ እያ። እዚ ኸኣ ንዕዮ ስብከት ኪህልወና ዚግባእ ቅኑዕ ኣረኣእያ እዩ።

ንሰባት ምሕላይ

6, 7. የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ፍረ ኺረክብ ዘኽኣለቶ እንታይ ባህሪ እያ: ኣብዚ መዳይ እዚኸ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

6 የሱስ ብዙሕ ፍረ ዘለዎ ምስክርነት ኪህብ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ኻብቲ ምኽንያታት ንሰባት ዘለዎ ዓሚቝ ሓልዮት እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: የሱስ “ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም” ምዃኑ ተነብዩ ነይሩ። (መዝሙር 72:13) ብርግጽ ከኣ እቲ ትንቢት ተፈጺሙ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረአየ: ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም” ይብል። (ማቴዎስ 9:36) ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸሙ እኳ ኸይተረፉ በቲ ሓልዮቱ ተሳሒቦም እዮም።—ማቴዎስ 9:9-13፣ ሉቃስ 7:36-38፣ 19:1-10

7 ሎሚውን ንሕና ንሰባት ተመሳሳሊ ሓልዮት እንተ ኣርኢናዮም ፍረ ኽንረክብ ኢና። ናብ ኣገልግሎት ቅድሚ ምኻድካ ነቲ እተብጽሖ መልእኽቲ ንሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም ዜድልዮም ንምንታይ ግዜ ወሲድካ ዘይትሓስበሉ፧ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ክትፈትሖ እትኽእል ጸገማቶም ሕሰብ። መን ነቲ መልእኽቲ ኸም ዚቕበል ስለ ዘይትፈልጥ: ንዅሎም እትረኽቦም ሰባት ብኣወንታዊ መገዲ ኽትርእዮም ጽዓር። ምናልባት እቲ ቐጺልካ እተዘራርቦ ሰብ ከማኻ ዝኣመሰለ ሰብ መጺኡ ኺሕግዞ ኺጽሊ ጸኒሑ ይኸውን!

ብፍቕሪ ምድራኽ

8. ሰዓብቲ የሱስ ንመምህሮም ብምስዓብ ብምንታይ ተደሪኾም እዮም ነቲ ብስራት ዚሰብኩ፧

8 የሱስ ብዛዕባ እቲ ንደቅሰብ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳያት: ማለት ብዛዕባ ምፍጻም ዕላማ የሆዋን ብዛዕባ ምቕዳስ ስሙን ብዛዕባ ምርግጋጽ ልዑላውነቱን እዩ ብስራት ዚሰብኽ ነይሩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) ነቦኡ የፍቅሮ ብምንባሩ: ንጽህናኡ ኽሳዕ መወዳእታ ኺሕሉን ብዛዕባ እታ ነዚ ጕዳያት እዚ ፍታሕ እተምጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ምስክርነት ኪህብን ተደረኸ። (ዮሃንስ 14:31) ሎሚ ዘለዉ ሰዓብቲ የሱስ ተመሳሳሊ ድራኸ ስለ ዘለዎም: ኣብ ኣገልግሎት ብትግሃት እዮም ዚሳተፉ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ” በለ: እዚ ትእዛዛት እዚውን ነቲ ብስራት ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን የጠቓልል።—1 ዮሃንስ 5:3፣ ማቴዎስ 28:19, 20

9, 10. ምሉእ ምስክርነት ንምሃብ ካብቲ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ወጻኢ: እንታይ ፍቕሪ እያ እትድርኸና፧

9 የሱስ ንሰዓብቱ “እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ: ትእዛዛተይ ሐልዉ። እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ: ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ” በሎም። (ዮሃንስ 14:15, 21) ስለዚ: ንየሱስ ዘሎና ፍቕሪ ብዛዕባ ሓቂ ንኽንምስክርን ካልእ የሱስ ዝኣዘዞ ነገራት ክንሕሉን ኪድርኸና ኣለዎ። የሱስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ ኣብ እተራእየሉ ሓደ እዋን ንጴጥሮስ “ዕያውተይ ኣብልዕ: . . . ኣባጊዔይ ሐሉ: . . . ኣባጊዔይ ኣብልዕ” በሎ። ጴጥሮስ ነዚ ንምፍጻም ብምንታይ እዩ ኺድረኽ ዘለዎ፧ የሱስ ንጴጥሮስ ብተደጋጋሚ “ተፍቅረኒ[ዶ] ኢኻ፧ . . . ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ . . . ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧” ኢሉ ኺሓቶ ኸሎ ናይዚ መልሲ ሓቢሩ እዩ። እወ: ጴጥሮስ ንየሱስ ዘለዎ ፍቕሪ ምሉእ ምስክርነት ኪህብን ነተን ‘ዕያውቲ’ የሱስ ረኺቡ መንፈሳዊ ጓሳአን ኪኸውንን ይድርኾ እዩ።—ዮሃንስ 21:15-17

10 ኣብዚ ግዜና ንየሱስ ከምቲ ጴጥሮስ ብኣካል ዚፈልጦ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና። የሱስ እንታይ ከም ዝገበረልና ግን ኣጸቢቕና ንርድኦ ኢና። ምእንቲ ‘ዅሉ ሰብ ሞት ብምጥዓሙ:’ ኣጸቢቕና ኢና እነፍቅሮ። (እብራውያን 2:9፣ ዮሃንስ 15:13) ከምቲ “ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ . . . ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ . . . ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ: ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ” ኢሉ ዝጸሓፈ ጳውሎስ እዩ ዚስምዓና። (2 ቈረንቶስ 5:14, 15) የሱስ ዘርኣየና ፍቕሪ ኣርዚንና ኸም እንርእዮን ንሕናውን ብተራና ንዕኡ ኸም እነፍቅሮን ነርኢ፣ ነዚ ድማ ምሉእ ምስክርነት ክንህብ ዝገደፈልና መዝነት ኣርዚንና ብምርኣይ ኢና እንፍጽሞ። (1 ዮሃንስ 2:3-5) ንዕዮ ስብከትና ግዲ ዘይብልና ኽንከውን ኣይንደልን ኢና: ከመይሲ እዚ ንመስዋእቲ የሱስ ከም ተራ ነገር ጌርና ኸም እንርእዮ እዩ ዜመልክት።—እብራውያን 10:29

ወትሩ ኣብቲ ኣገዳሲ ነገር ምትኳር

11, 12. የሱስ ናብ ዓለም ዝመጸ ንምንታይ ዕላማ እዩ: ብኸመይከ እዩ ነዚ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዕዮ ምዃኑ ዘርኣየ፧

11 የሱስ ኣብ ቅድሚ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ምስ ቀረበ: “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ” በሎ። (ዮሃንስ 18:37) ዋላ ሓንቲ ነገር ንሓቂ ኻብ ምምስካር ከም ዜስግል ኪገብሮ ኣይፈቐደን። ኣምላኽ ነዚ ዕዮ እዚ እዩ ኺፍጽም ዚደልዮ።

12 ሰይጣን ንየሱስ ኣብዚ መዳይ እዚውን ፈቲንዎ እዩ። የሱስ ድሕሪ ምጥማቑ ነዊሕ ከይጸንሐ: ሰይጣን “መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን” ኪህቦ ምዃኑ ብምምብጻዕ: ኣብ ዓለም ውሩይ ሰብ ኪገብሮ ኣጋጣሚ ኸፈተሉ። (ማቴዎስ 4:8, 9) ጸኒሖም ኣይሁድ ኬንግስዎ ደለዩ። (ዮሃንስ 6:15) ገሊኦም ሰባት የሱስ ነዚ ዝቐረበሉ ነገራት ብምቕባል ከም ሰብኣዊ ንጉስ ኰይኑ እንተ ዜመሓድር ንደቅሰብ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ምገበረሎም ይብሉ ይዀኑ። የሱስ ግን ነዚ ሓሳብ እዚ ነጺግዎ እዩ። ንሓቂ ኣብ ምምስካር እዩ ዜተኵር ነይሩ።

13, 14. (ሀ) ንየሱስ ካብቲ ቐንዲ ዕዮኡ ኸም ዜስግል ዘይገበሮ እንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ብስጋ ድኻ እኳ እንተ ነበረ: እንታይ እዩ ዝፈጸመ፧

13 ብዘይካዚውን የሱስ ሃብቲ ኺድልብ ኢሉ ስለ ዘየስገለ: ሃብታም ኣይነበረን። አረ ቤት እውን ኣይነበሮን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ንወኻሩ ጕድጓድ አለወን: ነዕዋፍ ሰማይ ድማ ዜጽልላሉ። ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን” በለ። (ማቴዎስ 8:20) የሱስ ምስ ሞተ እቲ ወተሃደራት ሮሜ ዕጭ ዜውደቑሉ ቐምሹ ጥራይ ደኣ እምበር ካልእ ዋጋ ዘለዎ ነገር ከም ዝነበሮ ኣይተገልጸን። (ዮሃንስ 19:23, 24) እሞ ደኣ ህይወቱ ኣብ ከንቱ ነገር ድዩ ኣሕሊፍዎ፧ ኣይፋሉን!

14 የሱስ ካብቲ ዝሃብተመ ገባር ሰናይ ኪፍጽሞ ዚኽእል ነገር ንላዕሊ እዩ ፈጺሙ። ጳውሎስ “ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም እሞ: ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ: ሃብታም ክነሱስ: ምእንታኻትኩም ደኸየ” በለ። (2 ቈረንቶስ 8:9፣ ፊልጲ 2:5-8) የሱስ ብስጋ ድኻ እኳ እንተ ነበረ: ንትሑታት ውልቀ-ሰባት ፍጹም ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ መገዲ ኸፈተሎም። ነዝስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ! ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ስለ ዘተኰረ: ዓስቡ ብምርካቡ እውን ክሳዕ ክንደይ እዩ ዜሐጕሰና!—መዝሙር 40:8፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:32, 33, 36

15. ካብ ሃብቲ ዚበልጽ ዋጋ ዘለዎ ነገር እንታይ እዩ፧

15 ሎሚ ንየሱስ ኪመስልዎ ዚጽዕሩ ክርስትያናት: ደድሕሪ ሃብቲ ብምስዓብ ኬስግሉ ኣይደልዩን እዮም። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ሃብቲ ኣብ ህይወቶም ምሾት ከም ዜምጽኣሎም ኣፍልጦ ዚህቡ እኳ እንተዀኑ: ንዘለኣለማዊ መጻኢኦም ግን ምንም ከም ዘይረብሖም ይፈልጡ እዮም። ከምቲ የሱስ ምስ ሞተ ቐምሹ ዋላ ሓንቲ ዘይረብሖ: ሓደ ክርስትያን እውን ምስ ሞተ ስጋዊ ሃብቱ ዋላ ሓንቲ ኣይረብሖን እዩ። (መክብብ 2:10, 11, 17-19፣ 7:12) ኣብቲ ግዜ እቲ ብሓቂ ዋጋ ዘለዎ ነገር ምስ የሆዋን ምስ የሱስ ክርስቶስን ዘለዎ ርክብ ጥራይ እዩ።—ማቴዎስ 6:19-21፣ ሉቃስ 16:9

ብሰንኪ ምጽራር ካብ ዕላማኻ ዘይምትዕንቓፍ

16. የሱስ ንዜጋጠሞ ምጽራር ብኸመይ እዩ ሰጊርዎ፧

16 የሱስ ብዜጋጠሞ ምጽራር ንሓቂ ኻብ ምስባኽ ድሕር ኣይበለን። ምድራዊ ኣገልግሎቱ ብመስዋእታዊ ሞት ከም ዜብቅዕ ምፍላጡ እውን ተስፋ ኣየቝረጾን። ጳውሎስ ብዛዕባ የሱስ “ሕፍረት ንዒቑ: ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን” በለ። (እብራውያን 12:2) የሱስ ‘ሕፍረት ከም ዝነዓቐ’ ኣስተብህል። ተጻረርቱ ብዛዕባኡ እንታይ ኢሎም ከም ዚሓስቡ ኣይተጨነቐን። ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር እዩ ኣተኲሩ።

17. ካብቲ የሱስ ዘርኣዮ ጽንዓት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

17 ጳውሎስ ካብ ጽንዓት የሱስ ትምህርቲ ብምውሳድ ንክርስትያናት “ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን: ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዚአክል ምጽራር እተዐገሰ ዘክርዎ” ብምባል ኣተባብዖም። (እብራውያን 12:3) መዓልታዊ ተቓውሞ ወይ ላግጺ ምስ ዜጋጥመና: ኬድክመና ይኽእል እዩ። ነቲ ዓለም እተቕርበልና መህረሪ ወትሩ ምእባይ ኣድካሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣዝማድና “ዕዉታት” ክንከውን ዚገብሩልና ምድፍፋእ እውን የሐልለና ይኸውን። ከም የሱስ ግን ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ክንደሊ ኸለና: ካብ የሆዋ ኢና ደገፍ እንደሊ።—ማቴዎስ 6:33፣ ሮሜ 15:13፣ 1 ቈረንቶስ 2:4

18. ካብቲ የሱስ ንጴጥሮስ እተዛረቦ ቓላት እንታይ ጽቡቕ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል፧

18 የሱስ ከየስግል ዝገበሮ ጻዕሪ: ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቲ ዚቐርብ ዝነበረ ሞቱ ኺነግሮም ምስ ጀመረ እውን ተንጸባሪቑ እዩ። ጴጥሮስ ንየሱስ “ይባልህካ እባ ደኣ” ብምባል ንርእሱ ኺሓልየላ ኣተባብዖ: ኣስዕብ ኣቢሉውን “እዝስ ኣይብጻሕካ” በሎ። የሱስ ነቲ ፍቓድ የሆዋ ኻብ ምግባር ኬዳኽሞ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ምስማዕ ኣበየ። ናብ ጴጥሮስ ግልጽ ኢሉ “ካባይ ርሐቕ: ሰይጣን: ናይ ሰብ እምበር: ናይ ኣምላኽ ኣይትሐስብን ኢኻ እሞ: ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ” በሎ። (ማቴዎስ 16:21-23) ንሕናውን ወትሩ ኸም የሱስ ብቘራጽነት ናይ ሰባት ሓሳብ ብምንጻግ ኵሉ ሳዕ ብናይ ኣምላኽ ሓሳብ ንመራሕ።

መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ ናይ ሓቂ ረብሓ

19. የሱስ ተኣምራት ይገብር እኳ እንተ ነበረ: እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኽፋል ኣገልግሎቱ እንታይ እዩ ነይሩ፧

19 የሱስ መሲህ ምዃኑ ንምርኣይ ሓያሎ ተኣምራት ገበረ። አረ ንምዉታት እውን ከይተረፈ ኣተንሲኡ እዩ። እዚ ግብርታት እዚ ንብዙሓት ሰባት ሰሓበ። የሱስ ግን ማሕበራዊ ዕዮ ንምዕያይ ጥራይ ኣይኰነን ናብ ምድሪ መጺኡ። ንሓቂ ኺምስክር እዩ መጺኡ። ዝዀነ ይኹን ስጋዊ ረብሓ ግዝያዊ ምንባሩ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቶም ዝተንስኡ እውን እንደገና ሙማቶም ዘይተርፍ እዩ። ንሓቂ ብምምስካር ጥራይ እዩ: ንገሊኦም ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኺሕግዞም ዚኽእል።—ሉቃስ 18:28-30

20, 21. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ሰናይ ኣብ ምግባር እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዮም ዚሕዙ፧

20 ኣብዚ ግዜና ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ንድኻታት ሆስፒታላት ብምህናጽ ወይ ካልእ ኣገልግሎታት ብምሃብ ግብርታት የሱስ ኪቐድሕዎ ይጽዕሩ እዮም። ኣብ ገሊኡ መዳያት ነዚ ዕዮ እዚ ንምፍጻም ብዙሕ መስዋእቲ ይኸፍሉ እዮም። እዚ ቕንዕናኦም ዚነኣድ እኳ እንተዀነ: እቲ ዚህብዎ ረድኤት ግን ግዝያዊ እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ ነባሪ ራህዋ እተምጽእ። ስለዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኣብ ምምስካር እዮም ዜተኵሩ።

21 ልክዕ እዩ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ሰናይ ግብሪ እውን ይገብሩ እዮም። ጳውሎስ “ጊዜ ኸሎና: ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” ኢሉ ጸሓፈ። (ገላትያ 6:10) ቅልውላው ኬጋጥም ከሎ ወይ ሓደ ሰብ ሓገዝ ኬድልዮ ኸሎ: ንጐረባብትና ዀነ ንክርስትያናት ኣሕዋትና ‘ሰናይ ካብ ምግባር’ ድሕር ኣይንብልን ኢና። ኰይኑ ግን: እቲ ቐንዲ ኣትኵሮና ንሓቂ ምምስካር እዩ።

ካብ ኣብነት የሱስ ተምሃር

22. ክርስትያናት ንሰባት ዚሰብኩ ስለምንታይ እዮም፧

22 ጳውሎስ “ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 9:16) እቲ ወንጌል ወይ ብስራት ንዕኡ ዀነ ንዚሰምዕዎ ህይወት ዜምጽእ ብምዃኑ: ኣፍኲሱ ኣይኰነን ዚርእዮ ነይሩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:16) ንሕናውን ነገልግሎትና ኸምኡ ጌርና ኢና እንርእዮ። ንሰባት ክንሕግዝ ንደሊ ኢና። ንየሆዋን ንየሱስን ዘላትና ፍቕሪ ኸነርኢ ኸምኡውን ነታ ዓባይ ፍቕሪ የሱስ ዘሎና ሞሳ ኽንገልጽ ንደሊ ኢና። ስለዚ: ነቲ ብስራት ንሰብኽ: በዚ ኸምዚ ኸኣ “ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር: ንፍትወት ሰብ” ኣይንነብርን።—1 ጴጥሮስ 4:1, 2

23, 24. (ሀ) ካብቲ የሱስ ዓሳ ኸም ዚረኽቡ ብምግባር ዝፈጸሞ ተኣምር እንታይ ትምህርቲ ኢና እንወስድ፧ (ለ) ኣብዚ ግዜና ምሉእ ምስክርነት ዚህቡ ዘለዉ መን እዮም፧

23 ሰባት ኬላግጹልና ኸለዉ ወይ ብሕርቃን ንመልእኽትና ኺነጽግዎ ኸለዉ: ካብቲ ቐንዲ ዕዮና ኣይነስግልን ኢና። ካብቲ የሱስ ንጴጥሮስ ንእንድርያስን ኪስዕብዎ ጻውዒት ኬቕርበሎም ከሎ ዘርኣዮ ተኣምር ትምህርቲ ንወስድ ኢና። ንየሱስ እንተ ተኣዚዝናዮ ወይ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ መርበብና ኣብቲ ዓሳ ዘይብሉ ዚመስል ማያት እንተ ደርቢና: ፍረ ኽንረክብ ኢና። ሓያሎ ክርስትያናት ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ፍረ ዘይብሉ ዚመስል ዝነበረ ማያት ንሓያሎ ዓመታት ድሕሪ ምስራሖም ብዙሕ ዓሳ ሒዞም እዮም። ገሊኦም ከኣ ናብቲ ዝያዳ ፍረ ዘለዎ ማያት ብምግዓዝ ብዙሕ ዓሳ ገፊፎም እዮም። በዚ ዀነ በቲ መርበብና ኻብ ምድርባይ ኣይከነቋርጽን ኢና። የሱስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፋል እዛ ምድሪ እዚኣ እቲ ስብከት ምውዳኡ ኸም ዘይኣወጀ ንፈልጥ ኢና።—ማቴዎስ 24:14

24 ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን መሰኻኽር የሆዋ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ብዕዮ ትሑዛት ኰይኖም ኣለዉ። ናይ 1 ለካቲት 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ናይ 2004 ዓመት ኣገልግሎት እተገብረ ዓመታዊ ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ሒዛ ኽትወጽእ እያ። እቲ ጸብጻብ እቲ ኸኣ የሆዋ ነዚ ዕዮ ስብከት ኣብዚሑ ኸም ዝባረኾ ኺሕብር እዩ። ኣብቲ ኣብዚ ኣገባብ እዚ ተሪፉ ዘሎ እዋን: ነቲ ጳውሎስ “ነቲ ቓል እናመሃርካ: . . . ትጋህ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ኣብ ልብና ነሕድሮ። (2 ጢሞቴዎስ 4:2 ትርጕም 1990) የሆዋ እቲ ዕዮ ተዛዚሙ ኽሳዕ ዚብለና: ምሉእ ምስክርነት ካብ ምሃብ ኣይነቋርጽ።

ካብዛ ዓመት እዚኣ ጀሚሩ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣገልግሎት ዓመት ዚፍጽምዎ ንጥፈታት ዚገልጽ ጸብጻብ ኣብ ናይ 1 ጥሪ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣይኪወጽእን እዩ። ኣብ ክንድኡስ ኣብ ናይ 1 ለካቲት ሕታም ኪወጽእ እዩ።

ክትምልሶዶ ምኸኣልካ፧

• ካብቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም ስልጠና ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

• የሱስ ነቶም ዝሰበኸሎም ሰባት ብኸመይ ይርእዮም ነበረ፧

• ምሉእ ምስክርነት ንምሃብ እንታይ ይድርኸና፧

• ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ጌርና ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ከነተኵር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ልክዕ ከም የሱስ ንሰባት ንሓልየሎም እንተደኣ ዄንና: ኣገልግሎትና ፍረ ዘለዎ ይኸውን

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ብቐዳምነት ንሓቂ ኺምስክር እዩ ናብ ምድሪ መጺኡ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሉእ ምስክርነት ኣብ ምሃብ እዮም ዜተኵሩ