ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ኽንውከል ከም ዘሎና ተመሃርና

ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ኽንውከል ከም ዘሎና ተመሃርና

ታሪኽ ህይወት

ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ኽንውከል ከም ዘሎና ተመሃርና

ናታሊ ሆልቶርፍ ዘዘንተወቶ

እዋኑ ሰነ 1945 እዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ገጹ ዝጸምለወ ሰብኣይ ናብ ቤትና መጺኡ ኣብ ኣፍደገና ደው ኢሉ ብዓቕሊ ኺጽበ ጀመረ። እታ ሕሳስ ልደ ጓለይ ዝዀነት ሩት ብስምባድ “ማማ: ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣፍደገና ኣሎ” በለት። ኣቦኣ ምዃኑ ግን ኣይፈለጠትን። እወ: እቲ ፍቑር ሰብኣየይ ዝዀነ ፈርዲናንድ እዩ ነይሩ። ሩት ካብ እትውለድ ሰለስተ መዓልቲ ዚኸውን ጸኒሑ እዩ ናብ ካልእ ቦታ ዝኸደ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ተኣስረ: ኣብ መዳጐኒ ደምበ ናዚ ኸኣ ኣተወ። ኣብ መወዳእታ ግን ሩት ምስ ኣቦኣ ተራኸበት: ስድራቤትና ድማ ተኣኻኸበት። ኣነን ፈርዲናንድን ብዙሕ እነዕልሎ ነገራት ነበረና።

ፈርዲናንድ ብ1909 ኣብታ ኣብ ጀርመን እትርከብ ከተማ ኪዪል እዩ ተወሊዱ: ኣነውን ብ1907 ኣብታ ኣብ ጀርመን እትርከብ ከተማ ድረዝደን እየ ተወሊደ። ጓል 12 ዓመት ከለኹ: ስድራቤትና ንመጀመርታ ግዜ ምስቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት። ጓል 19 ዓመት ምስ ኰንኩ: ንወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ሓዲገ: ህይወተይ ንየሆዋ ወፈኹ።

ኣብቲ እዋን እቲ ፈርዲናንድ ካብ ሓደ መርከበኛታት ዚመሃሩሉ ኮለጅ ተመሪቑ ባሕረኛ ዀነ። ኣብ መገሻታቱ ብዛዕባ ህላወ ፈጣሪ ኺሓስብ ጀመረ። ናብ ወደብ ምስ ተመልሰ ንሓዉ ኺበጽሖ ኸደ። እቲ ሓዉ ሓደ ኻብቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነይሩ። በቲ ሽዑ ዝገበሮ ምብጻሕ ጥራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ዜጨንቖ ሕቶታቱ ኸም ዚምልሰሉ ኣመነ። ካብ ሉተራዊት ቤተ-ክርስትያን ወጸ: ባሕረኛ ዀይኑ ምዕያይ እውን ገደፎ። ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ስብከት ምስ ወዓለ: ኣብ ዝተረፈ ህይወቱ ነዚ ዕዮ እዚ ኺፍጽም ዓሚቝ ባህጊ ኣሕደረ። በታ ምሸት እቲኣ ኸኣ ህይወቱ ንየሆዋ ወፈየ። ኣብ ነሓሰ 1931 ድማ ተጠምቀ።

ባሕረኛን ሰባኽን

ኣብ ሕዳር 1931 ፈርዲናንድ ኣብቲ ኣብ ነዘርላንድስ ዚግበር ዕዮ ስብከት ደገፉ ንምሃብ ብባቡር ናብቲ ቦታ ተጓዕዘ። ባሕረኛ ምንባሩ ነቲ ኣብታ ሃገር ንዚግበር ዕዮ ስብከት ዚውድብ ዝነበረ ክርስትያን ሓው ምስ ነገሮ: እቲ ሓው “ንስኻ ብሓቂ ተድልየና ኢኻ!” በሎ። እቶም ኣሕዋት ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል እታ ሃገር ኣብ ገማግም ዚርከቡ ሰባት ንምስባኽ ንእተወሰኑ ፓይነራት (ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ) እትሕዝ ጃልባ ተኻረዩ። እታ ጃልባ ሓሙሽተ ሰባት እኳ እንተ ነበርዋ: ብኸመይ ከም ዚመርሕዋ ግን ኣይፈልጡን ነበሩ። ስለዚ: ፈርዲናንድ ኣዛዚኣ ዀነ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ፈርዲናንድ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ነዘርላንድስ እትርከብ ከተማ ቲልበርግ ፓይነር ዀይኑ ኼገልግል ሕቶ ቐረበሉ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ ኸኣ ኣነውን ፓይነር ኰይነ ንኸገልግል ናብ ቲልበርግ ከድኩ: ምስ ፈርዲናንድ ድማ ተራኸብና። ብኡንብኡ ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል እታ ሃገር እትርከብ ከተማ ግሮኒንየን ክንግዕዝ ተሓተትና። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ኣብ እትርከብ ሓያሎ ፓይነራት ዚቕመጡላ ቤት ከኣ ኣብ ጥቅምቲ 1932 ተመርዓና: ፓይነራት ኴንና እናኣገልገልና ተሓጸንና።

ብ1935 ኤስተር ጓልና ተወልደት። ብዙሕ ኣታዊ እኳ እንተ ዘይነበረና: ፓይነራት ኴንና ኻብ ምግልጋል ግን ከነቋርጽ ኣይደለናን። ናብ ሓንቲ ቝሸት ድሕሪ ምግዓዝ: ኣብ ንእሽቶ ቤት ክንነብር ጀመርና። ኣብ ቤት ኰይነ ነታ ሕጻን ክከናኸና ኸለኹ: ብዓል ቤተይ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ኣገልግሎት ይውዕል። ንጽብሒቱ ኸኣ ንቀያየር። ኤስተር ዓብያ ምሳና ናብ ኣገልግሎት ምኻድ ክሳዕ እትጅምር ከምኡ ንገብር ነበርና።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ፖለቲካዊ ዅነታት ኣውሮጳ ዜስግእ ሃዋሁ ኼንጸላሉ ጀመረ። ኣብ ጀርመን ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መስጐጕቲ ይወርዶም ከም ዘሎ ፈለጥና: ነዊሕ ከይጸንሐ እዚ ንዓናውን ከም ዜጋጥመና ተገንዘብና። ከቢድ መስጐጕቲ ኺወርደና ኸሎ እንታይ ከም እንገብር ሓሰብና። ብ1938 ሰበ-ስልጣን ነዘርላንድስ: ወጻእተኛታት ሃይማኖታዊ መጻሕፍቲ ኸይዕድሉ ዚኽልክል ኣዋጅ ኣውጽኡ። እቶም ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ኣገልግሎትና ምእንቲ ኽንቅጽል ኢሎም ኣስማት ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ይህቡና ነበሩ: ንገለ ኻብኣቶም ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሓሎም ከኣልና።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ዓብዪ ኣኼባ ዚግበረሉ እዋን ቀረበ። ናብቲ ኣኼባ ዚካየደሉ ቦታ ብባቡር ንምኻድ ዜኽእለና ገንዘብ እኳ እንተ ዘይነበረና: ክንከይድ ግን ደለና። ስለዚ: ንኤስተር ጓልና ኣብቲ ኣብ ናይ ቅድሚት ጎማ ዚርከብ መጽዓኒ ኾፍ ኣቢልና ንሰለስተ መዓልቲ ብብሽክለታ ተጓዓዝና። ምስቶም ኣብ መገድና እንረኽቦም ዝነበርና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ንሓድር ነበርና። ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሃገራዊ ዓብዪ ኣኼባ ብምክፋልና ብዙሕ ኢና ተሓጒስና። እቲ ትምህርቲ ነቲ ድሕሪኡ ዝመጸና ፈተናታት ኣዳለወና። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ኣብ ኣምላኽ ክንውከል ተዘኻኸርና። በተን ኣብ መዝሙር 31:6 (NW) ዚርከባ “ኣነ ግና ኣብ የሆዋ እየ ዝውከል” ዚብላ ቓላት ከኣ ክንምራሕ ጀመርና።

ብኣባላት ናዚ ተሃደንና

ኣብ ግንቦት 1940 ናዚ ንነዘርላንድስ ወረራ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ዚለኣኽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት እናወገንና ኸለና እቶም ጌስታፖ ዚበሃሉ ምስጢራዊ ፖሊስ ብሃንደበት መጹና። ፈርዲናንድ ናብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ጌስታፖ ተወስደ። ኣነን ኤስተርን ከኣ ኣዘውቲርና ናብኡ ብምኻድ ንበጽሖ ነበርና። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ቅድሜና ይምርምርዎን ይወቕዕዎን ነበሩ። ኣብ ታሕሳስ ብሃንደበት ተፈትሐ: ናጽነቱ ግን ነዊሕ ኣይጸንሐን። ሓደ ምሸት ናብ ቤትና ኽንምለስ ከለና: ኣብ ጥቓ ቤትና ናይ ጌስታፖ ማኪና ረኣና። ኣነን ኤስተርን ናብ ቤትና ኽንኣቱ ኸለና: ፈርዲናንድ ግን ኣምለጠ። እቶም ጌስታፖ ይጽበዩና እዮም ነይሮም። ንፈርዲናንድ እዮም ደልዮምዎ። በታ ምሸት እቲኣ እቶም ጌስታፖ ምስ ከዱ: ኣባላት ፖሊስ ነዘርላንድስ መጺኦም ሕቶ ንኺሓቱኒ ወሰዱኒ። ንጽብሒቱ ኣነን ኤስተርን እንዳ ኖርደር ናብ ዚበሃሉ ሓደስቲ እተጠምቁ ሰብ ሓዳር ኬድና ተሓባእና።

ኣብ ኣጋ መወዳእታ ጥሪ 1941 ኣብ ሓንቲ ጃልባ ዚነብሩ ፓይነራት ሰብ ሓዳር ተኣስሩ። ንጽብሒቱ ብዓል ቤተይን ሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛብን (ገያሺ ኣገልጋሊ) ንንብረት እቶም ሰብ ሓዳር ንምውጻእ ናብታ ጃልባ ኸዱ: እንተዀነ ግን: ተሓባበርቲ ጌስታፖ መጺኦም ሓዝዎም። ፈርዲናንድ ፈንጢስዎም ብሽክለታ ገይሩ ኣምለጠ። እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ግን ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወስደ።

ሓላፍነት እተሰከሙ ኣሕዋት ንፈርዲናንድ ነቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ተኪኡ ኺዓዪ ሓተትዎ። እዚ ኸኣ ኣብ ወርሒ ኻብ ሰለስተ መዓልቲ ንላዕሊ ናብ ቤቱ ኣይመጽእን ማለት እዩ። እዚ ሓድሽ ጸገም እዩ ዀይኑና ነይሩ: ኰይኑ ግን ፓይነር ኰይነ ምግልጋል ቀጸልኩ። እቶም ጌስታፖ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምርካብ ዚገብርዎ ጻዕሪ ስለ ዘጽዓቑ ድማ ብተደጋጋሚ ኽንግዕዝ ነበረና። ብ1942 ሰለስተ ሳዕ ገዓዝና። ኣብ መወዳእታ ኻብቲ ፈርዲናንድ ብሕቡእ ኣገልግሎቱ ዚፍጽመሉ: ኣዝያ ርሒቓ ናብ እትርከብ ከተማ ሮተርዳም ገዓዝና። ኣብቲ ግዜ እቲ ነታ ኻልአይቲ ጓለይ ጥንስቲ ነበርኩ። እንዳ ካምፕ ዚበሃሉ ኽልተ ደቆም ናብ መዳጐኒ ደምበ እተወስድዎም ስድራቤት ብሕያውነት ናብ ቤቶም ተቐበሉና።

እቶም ጌስታፖ እግር እግርና ሰዓቡ

እታ ሩት እትበሃል ካልአይቲ ጓልና ኣብ ሓምለ 1943 ተወለደት። ሩት ምስ ተወልደት: ፈርዲናንድ ንሰለስተ መዓልቲ ምሳና ጸንሐ: ድሕሪኡ ግን ኪኸይድ ነበሮ። ድሕርዚ ንነዊሕ እዋን ኣይረኣናዮን። ሰለሰተ ሰሙን ዚኸውን ጸኒሑ ኣብ ኣምስተርዳም ተታሕዘ። ናብ መደበር ጌስታፖ ተወስደ: ኣብኡ ኸኣ መንነቱ ተፈልጠ። እቶም ጌስታፖ ብዛዕባ ንጥፈታት ስብከትና ሓበሬታ ኺህቦም ኢሎም ጽዑቕ መርመራ ገበሩሉ። ፈርዲናንድ ግን ንሱ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃኑን ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ከም ዘይኣቱን ጥራይ እዩ ነጊርዎም። እቶም ጌስታፖ ፈርዲናንድ ጀርመናዊ ኽነሱ ወተሃደራዊ ግዴታኡ ኺፍጽም ዘይምምጻኡ ኣሕረቖም: ከዳዕ ኢሎም ከም ዚቐትልዎ ድማ ኣጕባዕብዑሉ።

ንዚቕጽል ሓሙሽተ ወርሒ ፈርዲናንድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐነ: ኣብኡ ኸኣ ኪርሸን ምዃኑ ወትሩ የፈራርህዎ ነበሩ። ንሱ ግን ካብቲ ንየሆዋ ዘለዎ ተኣማንነት ፈልከት ኣይበለን። ብመንፈሳዊ ሓያል ኪኸውን ዝሓገዞ እንታይ እዩ ነይሩ፧ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ልክዕ እዩ: ከም ናይ የሆዋ ምስክር መጠን: መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕዝ ኣይፍቀደሉን እዩ ነይሩ። ካልኦት እሱራት ግን ኪረኽቡ ይኽእሉ ስለ ዝነበሩ: ፈርዲናንድ ንሓደ መተኣስርቱ ንስድራቤቱ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሰዱሉ ኺሓቶም ኣእመኖ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ከምኡ ገበረ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ፈርዲናንድ ብዛዕባ እቲ እዋን እቲ ኺዛረብ ከሎ: ናይ ሓጐስ ስምዒት ኣብ ኣዒንቱ እናተነበ “እታ መጽሓፍ ቅዱስ እቲኣ ብዙሕ እያ ኣጸናኒዓትኒ” በለ።

ኣብ መጀመርታ ጥሪ 1944 ፈርዲናንድ ብሃንደበት ኣብ ነዘርላንድስ ናብ ዚርከብ ቩኸት ዚበሃል መዳጐኒ ደምበ ተወስደ። ኣብኡ ምስ 46 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ እተራኸበ: እዚ ምግዓዝ እዚ ትጽቢት ብዘይተገብረሉ መገዲ በረኸት ኣምጸኣሉ። ናብቲ ቦታ እቲ ኸም ዝገዓዘ ምስ ሰማዕኩ: ገና ብህይወቱ ምህላዉ ምፍላጠይ ብዙሕ ኣሐጐሰኒ።

ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ብዘይምቍራጽ ምስባኽ

ህይወት ኣብ ደምበ ሕማቕ እዩ ነይሩ። ጕድለት ምግቢ: ሕጽረት ክዳውንቲ: ከምኡውን ሓያል ቍሪ ኽፍሊ መዓልታዊ ህይወት እዩ ነይሩ። ሓደ ንግሆ ፈርዲናንድ ነድሪ ሓናት ሓመመ። ኣስማቶም ኪጽውዑ ኸለዉ ኣብ ቍሪ ንነዊሕ ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ: ናብቲ ንሕሙማት ክንክን ዚግበረሉ ቦታ ኸደ። እቶም ረስኖም 40 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዀኑ ሕሙማት ኣብኡ ኽንክን ይግበረሎም ነበረ። ፈርዲናንድ ግን 39 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ጥራይ በጺሑ ብምንባሩ ኼዕርፍ ኣይተፈቕደሉን። ስርሑ ኪቕጽል ተነግሮ። ገሊኦም ዝደንገጹሉ መተኣስርቱ ግን ኣብ ምዉቕ ቦታ ንሕጽር ዝበለ ግዜ ብምሕባእ ሓገዝዎ። እቲ ኣየር እናሞቐ ምስ ከደ ኸኣ ጠቐሞ። ብዘይካዚውን ገሊኦም ኣሕዋት ምግቢ ምስ መጾም ንኻልኦት ኣካፈልዎም: በዚውን ፈርዲናንድ እተወሰነ ሓይሊ ረኸበ።

ብዓል ቤተይ ቅድሚ ምእሳሩ: ኣብ ህይወቱ ንስብከት ቀዳምነት ይህብ ነበረ። ኣብ ውሽጢ እቲ መዳጐኒ ደምበ እውን ብዛዕባ እምነቱ ንኻልኦት ካብ ምንጋር ዓዲ ኣይወዓለን። እቶም ኣብቲ መዳጐኒ ደምበ ዚሰርሑ ሓለፍቲ ነታ ጁኽ ዚሕብራ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እሱራት ዚልለዩላ ስሉስ ኵርናዕ ምልክት ብምርኣይ የባጭዉሉ ነበሩ። ፈርዲናንድ ግን ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ባጫ: ምሳታቶም ዝርርብ ንምጅማር ዚረኽቦ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ገይሩ ይርእዮ ነበረ። ፈለማ እቶም ኣሕዋት ዚሰብኩሉ ዝነበሩ ዞባ ኣብቲ ዚሓድሩሉ ባራካታት እተደረተ ነበረ። ‘ብኸመይ ኢና ንብዙሓት እሱራት ክንሰብከሎም እንኽእል፧’ ኢሎም እውን ንርእሶም ሓተቱ። እቶም ኣብ ምምሕዳር እቲ ደምበ ዚሰርሑ ኸይተፈለጦም ነዚ ዚኸውን ፍታሕ ኣምጽኡ። ብኸመይ፧

እቶም ኣሕዋት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን 12 መጽሓፍ ቅዱሳትን ብሕቡእ ሒዞም ነበሩ። ሓደ መዓልቲ እቶም ሓለውቲ እተወሰነ ጽሑፋት ረኸቡ: ናይ መን ምዃኑ ግን ኪፈልጡ ኣይከኣሉን። ስለዚ ድማ እቶም ሓለፍቲ እቲ መዳጐኒ ደምበ ሓድነት እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪብተኽ ከም ዘለዎ ተሰምዖም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ንዅሎም ኣሕዋት ናብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ እሱራት ዚነብሩሉ ባራካታት ፋሕ ኣበልዎም። እዚ ጥራይ ከይኣክል እውን እቶም ኣሕዋት ኣብ እዋን መኣዲ ምስ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ሰብ ኮፍ ከም ዚብሉ ተገብሩ። እንተዀነ ግን: እዚ ምድላው እዚ በረኸት እዩ ኣምጺኡሎም። ድሕርዚ እቶም ኣሕዋት ነቲ ኻብ መጀመርታ ኣትሒዞም ንብዙሓት እሱራት ኪሰብኩ ዚምነይዎ ዝነበሩ ትምኒት ኪፍጽሙ ኸኣሉ።

ነተን ክልተ ውሉዳት በይነይ ዘዕበኹሉ ዅነታት

ኣብቲ እዋን እቲ ኣነን ክልተ ደቀይን ኣብ ሮተርዳም ንነብር ነበርና። ኣብ መወዳእታ 1943ን መጀመርታ 1944ን ዝነበረ ወቕቲ ኣዝዩ ቘራሪ እዩ ነይሩ። ብድሕሪ ቤትና ጀርመናውያን ወተሃደራት ዚርከብዋ ጸረ-ነፈርቲ እተዓጥቀት ኣሃዱ ነበረት። ኣብ ቅድሜና ናይተን ደብደብቲ ነፈርቲ ጥሙራት ሓይልታት ቀንዲ ዕላማ ዝዀነ መርሳ ቫል ነበረ። ስለዚ: እዚ መሕብኢ ቦታ እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ነይሩ። እኹል ምግቢውን ኣይነበረናን። ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ምግባር ተመሃርና።—ምሳሌ 3:5, 6

እታ ጓል ሸሞንተ ዓመት ዝነበረት ኤስተር ኣብቲ ምግቢ ብመቝነን ዚዕደለሉ ዝነበረ ቦታ ሪጋ ተሰሪዓ ንስድራቤትና ትድግፍ ነበረት። ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ግዜ ተራኣ ኺበጽሕ ከሎ: ዚተርፍ ኣይነበረን። ሓደ መዓልቲ ምግቢ ኸተምጽእ ምስ ከደት: ዚድብደባ ነፈርቲ መጻ። ናይ ነተጕቲ ድምጺ ምስ ሰማዕኩ ሰምበድኩ: ነዊሕ ከይጸናሐ ግን ገለ ኸይኰነት ብንጅር ዚበሃል ዚብላዕ ምግቢ ሒዛ ምስ መጸት: እቲ ጭንቀተይ ብናይ ሓጐስ ንብዓት ተቐየረ። “እንታይ ኣጋጢሙኪ፧” ኢለ ሓተትክዋ። ብህድኣት “ቦምብታት ምስ ዘነመ: ከምቲ ኣቦይ ‘ኣብ መሬት በጥ በሊ: ኣይትንቀሳቐሲ: ጸልዪ’ ብምባል ዝነገረኒ እየ ገይረ። ዋላ ሓንቲ ድማ ኣይኰንኩን!” በለትኒ።

ካብ ኣዘራርባይ ጀርመናዊት ምዃነይ ስለ ዝፍለጥ: ኤስተር እያ ዜድሊ ነገራት እትዕድገልና ነይራ። እንተዀነ ግን: እቶም ጀርመናውያን ወተሃደራት ኣተኰሩልና: ንኤስተር እውን ሕቶታት ኪሓትዋ ጀመሩ። ንሳ ግን ዋላ ሓንቲ ምስጢር ኣይቀልዐትን። ኣብ ቤትና ንኤስተር መጽሓፍ ቅዱስ እምህራ ነበርኩ: ናብ ቤት ትምህርቲ ኽትከይድ ዘይትኽእል ስለ ዝነበረት ከኣ ምንባብን ምጽሓፍን ካልእ ነገራትን መሃርክዋ።

ኤስተር ኣብ ኣገልግሎት እውን ትሕግዘኒ ነበረት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሕ ቅድሚ ምውጻአይ: ቀቅድመይ ወጺኣ ዚከታተለና ኸይህሉ ትርኢ። ነቲ እታ ተመሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ እትገብረለይ ምልክት እውን ከይዳ ተረጋግጸለይ ነበረት። ንኣብነት: እታ ምብጻሕ ዝገብረላ ሰበይቲ ናብ ቤታ ንኽኣቱ ምልክት ንምሃብ ኣብ መስኮት ኣብ እተወሰነ ቦታ ዕምባባ እተተኽሎ ባዞ ተቐምጥ ነበረት። መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና: ኤስተር ንሩት ኣብ ዓረብያ ገይራ ኣብቲ ጐደና ናብዝን ናብትን እናደፍአት ዜስግእ ነገራት ከይህሉ ትከታተል።

ናብ ዛክሰንሃውዘን

ፈርዲናንድኸ ኸመይ ነይሩ፧ ኣብ መስከረም 1944 ንሱን ሓያሎ ኻልኦት እሱራትን ናብ መደበር ባቡር ከዱ: ኣብኡ ኸኣ 80 እሱራት ኣብ ሓንቲ ባጎኒ እናኣጸቓቐጡ ነተን ኣብኡ ዝጸንሓ ባጎኒታት መልእወን። ንነፍሲ ወከፍ ባጎኒ ኸም ሽቓቕ ኰይኑ ዜገልግል ሓደ ሰንኬሎ: ንዚስተ ዚኸውን ከኣ ሓደ ሰንኬሎ ማይ ተዋህበ። እቲ ጕዕዞ ሰለስተ መዓልትን ለይትን ዚወስድ ነበረ: ኣዝዮም ተጸቓቒጦም ድማ እዮም ነይሮም! ኣየር ዜእቱ ኸፋት ኣይነበረን። እተን ባጎኒታት ሒደት ነዃላት ጥራይ ደኣ እዩ ነይርዋን እምበር: ዕጽዋት እየን ነይረን። እቲ ኺጻወርዎ ዝነበሮም ሙቐት: ጥሜት: ጽምኢ: ኰነ ንውሓት እቲ ጕዕዞ ብቓላት ዚግለጽ ኣይኰነን።

እታ ባቡር ኣብቲ ዛክሰንሃውዘን ዚበሃል ዕሉል መዳጎኒ ደምበ ደው በለት። ብዘይካ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሒዞምወን ዝኸዱ 12 መጽሓፍ ቅዱስ: ኵሎም እቶም እሱራት ሒዞምዎ ዝነበሩ ብሕታዊ ንብረቶም ተሓድጉ።

ፈርዲናንድን ሸሞንተ ኻልኦት ኣሕዋትን ኣብ ትሕቲ ዛክሰንሃውዘን ኣብ ዚመሓደር ንውግእ ዜድሊ ነገራት ናብ ዜፍሪ ራተኖው ዚበሃል ደምበ ተላእኩ። ሽሕኳ ኪቐትልዎም ምዃኖም ብዙሕ ግዜ የፈራርህዎም እንተ ነበሩ: ነቲ ዕዮ እቲ ምዕያይ ኣበዩ። ንሓድሕዶም ጽኑዓት ኰይኖም ንኪቕጽሉ ምእንቲ ኺተባብዑ: ንግሆ ንግሆ ኸም መዝሙር 18:2 ዝኣመሰለ ጥቕሲ የንብቡ ነበሩ: ምሉእ መዓልቲ ድማ ነታ ጥቕሲ የስተንትኑላ ነበሩ። እዚ ኸኣ ንመንፈሳዊ ነገራት ንኼስተንትኑሉ ሓገዞም።

ኣብ መወዳእታ እቲ ብርሑቕ ዚስማዕ ተዅሲ መዳፍዕ: ጥሙራት ሓይልታትን ወተሃደራት ሩስያን እናቐረቡ ኸም ዝመጹ ሓበሮም። ፈለማ እቶም ሩስያውያን ኣብቲ ፈርዲናንድን ብጾቱን ዝነበሩሉ መዳጐኒ ደምበ በጽሑ። እተወሰነ ምግቢ ድሕሪ ምሃብ: ካብቲ ደምበ ኺወጹ ኣዘዝዎም። ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ 1945 ሰራዊት ሩስያ ናብ ቤቶም ኪኸዱ ፍቓድ ሃቦም።

ኣብ መወዳእታ ስድራቤትና ሓበረት

ብ15 ሓምለ ፈርዲናንድ ናብ ነዘርላንድስ መጸ። እቶም ኣብ ግሮኒንየን ዝነበሩ ኣሕዋት ጽቡቕ ገይሮም ተቐበልዎ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ብህይወት ከም ዘለናን ኣብታ ሃገር ናብ ካልእ ቦታ ኸም ዝገዓዝናን ፈለጠ: ንሕናውን ከም ዝመጸ ሰማዕና። ክሳዕ ዚመጽእ ምጽባይ ኣዝዩ ነውሓና። ኣብ መወዳእታ ግን ሩት ጓለይ “ማማ: ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣፍደገና ኣሎ” በለትኒ። እወ: እቲ ፍቑር ሰብኣየይን ኣቦ ደቀይን መጸ!

ከም ሓደ ንቡር ስድራቤት ኴንና ናብራና ቕድሚ ምጅማርና ብዙሕ ኪፍታሕ ዝነበሮ ጸገማት ነበረና። እንነብረሉ ቤት ኣይነበረናን: እቲ ዝያዳ ዘጸገመና ግን ቀወምቲ ነበርቲ ምዃን እዩ ነይሩ። ጀርመናውያን ብምዃንና: ንእተወሰነ ዓመታት ሰበ-ስልጣን ነዘርላንድስ ከም ዘየድልዩ ሰባት ገይሮም ይርእዩና ነበሩ። ድሕሪ ግዜ ግን ኣብኡ ኽንነብር ተፈቕደልና: ነቲ ኸም ስድራቤት መጠን ንየሆዋ ብሓባር ንምግልጋል እንምነዮ ዝነበርና ነገር ድማ ረኸብና።

“ኣብ የሆዋ እየ ዝውከል”

ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ዓመታት ኣነን ፈርዲናንድን ምስቶም በቲ ጽንኩር እዋን ዝሓለፉ ፈተውትና ኽንራኸብ ከለና: ነቲ ኣብቲ ጽንኩር እዋን የሆዋ ዝገበረልና ፍቕራዊ መሪሕነት ንዝክር ነበርና። (መዝሙር 7:1) ኣብቲ ዓመታት የሆዋ ንመንግስቱ ኣብ ዚድግፍ ዕዮ ኽንካፈል ስለ ዝፈቐደልና: ባህ ኢሉና እዩ። ንእስነትና ንየሆዋ ቕዱስ ኣገልግሎት ኣብ ምቕራብ ብምሕላፍና እውን ኣዝዩ አሐጕሱና እዩ።—መክብብ 12:1

ድሕሪ እቲ ናዚ ዘውረዶ መስጐጕቲ ኣነን ፈርዲናንድን ንልዕሊ 50 ዓመት ንየሆዋ ብሓባር ኣገልጊልናዮ ኢና። ድሕሪኡ ብ20 ታሕሳስ 1995 ፈርዲናንድ ምድራዊ ህይወቱ ፈጸመ። ኣነ ኸኣ 98 ዓመት ንኽመልእ ቅሩብ እዩ ተሪፉኒ። ኣብቲ ጽንኩር ዓመታት ደቀይ ብዙሕ ስለ ዝደገፋንን ንስም የሆዋ ኽብሪ ኣብ ምምጻእ ዝከኣለኒ ኽገብር ብምኽኣለይን መዓልታዊ ንየሆዋ አመስግኖ እየ። ስለቲ የሆዋ ዝገበረለይ ኵሉ ነገራት አማስዎ እየ: በተን “ኣነ ግና ኣብ የሆዋ እየ ዝውከል” ዚብላ ቓላት ክምራሕ ድማ ልባዊ ትምኒተይ እዩ።—መዝሙር 31:6 NW

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጥቅምቲ 1932 ምስ ፈርዲናንድ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

እታ ንስብከት እተገልግል ዝነበረት “ኣልሚና” እትበሃል ጃልባን ተጓዓዝታን

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ፈርዲናንድን ደቀይን